(ብዶ/ር ክንፈ አብርሃ)

ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ’ቱ ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓማዉቲ ዝዘለቐ ስልጣነ ኣኽሱም ኣብ ዓለምና ናይ መሪሕነት ቦታ ሒዛ ምንባራ ይፍለጥ። ድሕሪኡ ድማ ንጊዜኡ ብዘይተጋህደልና ምኽኒያታት ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመት ድላዩ ዓይነት ኣዉያት፣ ድምፂን ጥርዓንን ዜጋታታ ከበራብሮ ዘይኸኣለ ሓይል ድቃስ ደቂሳ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ዝሓለፈ ዒስራ ዓማዉቲ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ገና ካብ ምድቃሳ ተበራቢራስ ክሳዳ ኣቕንዕ ተብል ዘላ ትመስል። እቱ እዋን ድቃስ ዝተናወሐ ምስምንባሩ ገገሊኦም ሰባት ብኡኡ ገይራ ሞይታ ከይትኾን እንትጥርጥሩ ገገሊኦም ድማ ሕዚ’ዉን ምብርባራ ገና ኣይተዋሕጠሎምን። ብርግፅ እቱ ምብርባር ኩላትና ክንኣምነሉ ዘለና ሓቂን ጋህዲን እዩ። ካብ’ቱ ዝነበረትሉ ዝተናወሐ ድቃስ ሙሉእ ብሙሉእ ተሲኣ ንቕድሚት ንኽትስጉም ግን ገና ኩሉ መሓዉራ ከም’ቱ ዝግበኦ ደልዲሉ እዩ ዝብል እምነት የብለይን (ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ)። ንሱ ጥራሕ እንተይኮነስ እቱ ቀደም ቅድሚ ምድቃሳ ትኸደሉ ዝነበረት መንገዲ ገሊኡ ተደፊኑ፣ ገሊኡ ተቐይሩን ገሊኡ ድማ ዕሾኽ ቦቝሉዎን ሓርፊፉን ስለዝፀንሐ ከምብሓዱሽ መንገዲ ክትፀርግ ተገዲዳ እያ ፀኒሓ። እቱ ሓዱሽ መንገዲ እናፀረግካ ዝግበር ጉዕዞ እዉን መድከሚን ህልኽካ ዘወድእን ምዃኑ ዘይተርፍ ከምዝኾነ ይእመን። ዋላ ይኹን’ምበር ግን ኣመተ ነዊሕ እዋን ኣሚትናን ዘለና ዓቕሚ ከምብሓዱሽ ኣተኣኸኻኺብና ኣብ መዓሉኡ እንተዉዒልናዮ ግን ህዳሴ ሃገርና ክዉን ብምግባር ሃገርና ቀደም ዝነበራ ቦታ መሪሕነት ዳግም ትርበከሉ እዋን ቀረባ እዩ። እዙ ኣመተ እዙይ ግን ናይ ዓሰርተ ወይ ዒስራ ዓመት ኣመተ እንተይኮነስ ብዉሑድ ኣመተ ሚኢቲ ዓመት ክኾን ይግበኦ።

ደቂሰባት ኣብ ዓለም ምንባር ካብ ዝጅምሩ ክሳዕ ሎሚ ዝተፈላለዩ ምህዞታትን ዉፅኢታትን ሳይንስን ቴክኖሎጂን እናመዝገቡን ካብ’ቱ ምህዞታቶም’ዉን ተረባሕቲን እናኾኑን ብዝመፁ ቁፅሪ ብኡኡ መንፅር’ዉን ኣብ ርእሲ መሬት ብሂወት ናይምንባር ዕዱሎም (life expectancy) ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ከምዝመፀ ይፍለጥ። ማእኸላይ ዕድመ ብሂወት ምንባር’ዉን ቀደም ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ካብ ዝነበሮ 13 ዓመት ናብ’ቱ ሕዚ ኣብ ሃገረ ጃፓን በፂሑዎ ዝኒሀ 82 ዓመት ዓብዩ ይርከብ። እዙ ኣብ ሕሉፍ ካብ 13 ናብ 82 ዓማዉቲ (ብልዕሊ 6 ዕፅፊ) ክብ ኢሉ እንሪኦ ማእኸላይ ዕድመ ብሂወት ምንባር ደቂሰባት ንቐፃሊ ድማ ካብ’ዙ ሕዚ ኣብ ሃገረ ጃፓን ዝኒሀዎ 82 ዓመት ብልዕሊ ሽዱሽተ ዕፅፊ ዓብዩ 492 ዓመት በፂሑ ክረአ ዶ ይኾን? ኢልካ ምሕታት ዋላ’ኳ ልሙድ እንተዘይኮነ ከም ዕብዳን ከምዘይቑፀር ግን እኣምን’የ። ቀደም ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ማእኸላይ ዕድመ ብሂወት ምንባር 13 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኮይንካ እዙ ቁፅሪ እዙይ 82 ያ ክበፅሕ ይኽእል’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ዶ ይኸብድ ወይስ ሕዚ እዙይ ግሁድ አብዝኾነሉ እዋን ኾይንካ ሕዚ’ዉን ገና ብልዕሊ ሽዱሽተ ዕፅፊ ዓብዩ ማእኸላይ ዕድመ ብሂወት ምንባር 500 ዓመት ክበፅሕ ይኽእል’ዩ ኢልካ ምሕሳብ? መልሲ ንክቡራትን ክቡራንን መንበብቲ ክገድፎ። ከም እምነተይ ግን መዓዝ ብዘየግድስ ምዕባለ ሳይንስን ቴክኖሎጂን በቱ ሕዚ ሒዙዎ ዝኒሀ ቅልጣፈ እናዓበየ እንተኸይዱ ንሕና ደቂሰባት ብሂወት ናይምንባር ዕዱልና ንምዕባይን ብሂወት ኣብ እንነብረሉ እዋን ድማ ትርጉም ዘለዎን ታሕጓስ ዝመልኦን ሂወት ምንባር እዩ ዕላሙኡ እሞ ማእኸላይ ዕድመ ብሂወት ምንባር ደቂሰባት ካብ 400 ክሳዕ 500 ኣብዘሎ ክሊ ዕድመ ምድያቡ ጥራሕ እንተይኮነ ሕድሕድ ዓመት’ዉን ደቂሰባት ሕጉስን ቅሱንን ሂወት ዝመርሑሉ እዋን ቀረባ ከምዝኾን እግምት’የ። ኣብ ሃገርና’ዉን እቱ ሕዚ ክነመዝግቦ ጀሚርና ዘለና ቅልጡፍ ምዕባለ ብዘተኣማምንን ብዘላቕነትን እንተቐፂልናሉ ብሂወት ናይምንባር ዕዱል ዜጋታትና ሕዚ ካብ ዝኒሀዎ አስታት 60 ዓመት ኣብ ዉሽጢ 50 ዓመታት ናብ ልዕሊ ሚኢቲ ዓመት ከምዝድይብ እኣምን እየ። ከም መልዐሊ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 7 ዓመታት ዝነበረ ለዉጢ ምዕዛብ ይከኣል’ዩ።

Life expectancy in Ethiopia - Jan 2004-2010
ማእኸላይ ዕድመ ብሂወት ምንባር ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ከመይ እናወሰኸ ከምዝመፀ ዘርኢ ምስሊ።

እዙ ልዕል ክብል ዝተገለፀ ሓቂ ክዉን ንምግባር ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ግን ክነስተብህለሉ ዝግበአና ዓብዪ ዉራይ ኣሎ። ንሱ’ዉን ንሞት ደቂሰባት ምኽኒያት ዝኾኑን ዜጋታት ንህልቂት ዝዳርጉን ከም ኵናት፣ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ዝተፈላለዩ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን በቢእዋኑ መልከዖም እናቐያየሩ ስለዝመፁ ኣቐዲምና እናኣመትና ክንከላኸሎም ምኽኣል፤ ክንከላኸሎም እንተዘይከኣልና ድማ ምስኣጋጠሙና እዉን እንተኾነ ብዉሕድ ሰብኣዊ ኪሳራ ክንሰግሮም ምኽኣል እዩ። እዙይ ንምግባር ግን ከጋጥሙና ዝኽእሉ ፀገማት ኩሎም ክንግምቶምን ክንእምቶምን ይግባእ። ክሳዕ ሕዚ ዘሎ ኣመፃፀኣና እንትረአ ግን ጉዕዞና ጉዕዞ ሃሳሰ ለባም፣ ስዳሮና ሰለይ መለይ ዝበዝሖ፣ መብፅሒና ዘይንፁር እዩ ኮይኑ ፀኒሑ። ኣብ ሞንጎ እዙይ ዘይገመትናዮ ኵናት ወይድማ ሓደጋ ተፈጥሮ የጋጥም እሞ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ዜጋታትና ንሕልፈት ክዳረጉን ካብኦም ዝበዝሑ ድማ ኣካሎም ክጎድሉን ይገብር። ቀንዲ መለለዪ ባህረ እተን ሕዚ ዝማዕበላ ኢልና እንፅወዐን ዘለና ሃገራት እንትንርኢ’ዉን ነዊሕ ኣሚተን ኣብኡ ንምብፃሕ ድማ ለይቲን ቀትሪን ምስራሕ ምኽኣለን እዩ። ብርግፅ ከም ዉልቀ ሰባት ብዉሑድ ንዓሰርተ ዓመት ኣሚትና ክንወሳወስ ይግበአና እዩ። ሕዚ ነውገዖ ዘለና ግን ብብርኪ ሃገርን ዘለዋና ትካላትን ክግበር ዘለዎ ዉራይ እዩ። ስለዙይ ከም ሃገር ብዉሑድ ንቐፃሊ ሚኢቲ ዓመት ኣሚትና ንቕድሚት ክነማዕዱን ክንርኢን እዩ ዝግባእ። እዙይ ንምግባር ድማ ብዙሕ ወፃኢ ይሓትት እዩ ዝብል እምነት የብለይን፤ እንተሓተተ’ዉን ካብ ብሃሳሰ ለባም ዝግበር ጉዕዞ ኣይኸብርን። እንተዘየለ በቢሰለስተ ወርሑ ንቕድሚት እናረአኻ ሃገር ወይ ክልል ምምራሕ ኣፀጋሚ እዩ።

እቱ ኣብ ከምዙይ ዝበለ ከይዲ ዘድልየና ቀንዲ ነገር እዉን ሰብኣዊ ዓቕምና ብጉቡእ ምጥቃም እዩ። ሓደ ኣብነት ከካፍለኩም። ብ 1975 ዓ.ም.ፈ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ መራሒ ጂሚ ካርተር (Jimmy Carter) ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝነበሩ ላዕለዎት ምሁራትን ተመራመርትን ኣኪቦም “ዓለም ኣብ መበል 21 ክፍለዘበን እንታይ ከምእትመስል ኣፅኒዕኹም ስእላ ኣቕርቡለይ” ዝብል ዕዮ ገዛ ምስሃቡዎም እቶም ምሁራት ድማ ንሰለስተ ተኸታተልቲ ዓመታት ለይቲን ቀትሪን ኢሎም ሰሪሖም ብ 1978 ዓ.ም.ፈ 800 ገፅ ዝሓዘ ሪፖርት ኣቕረቡሎም። እቱ ፅሑፍ “Global 2000: Entering to the Twenty-First Century” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኾይኑ ብርግፅ’ዉን ኣሜሪካ ጥራሕ እንተይኮነትስ ዓለምና ኣብ መበል 21 ክፍለዘበን ዝህሉዋ ምስሊ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ ሪፖርት ነበረ። ሽዑ ፖሊሲታት ኣሜሪካ’ዉን መፃኢ ኩነታት ዓለምና ኣብ ግምት ዘእተወ፤ እቱ ዝህሉ ፅቡቕ ኣጋጣሚታት ዓለምና ብጉቡእ ዝምዝምዝ፣ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ብደሆታት ድማ ዝሰግሩሉ መንገዲ ብዘርኢ መልኩዑ ቃነዩዎ። ብርግፅ እቱ መፅናዕቲ ገለ ሓላፍ ዘላፍ ኣይህሉዎን ማለት ኣይኮነን። ከም ኣብነት’ኳ እንተወሲድና ኣብ 2000 ዓ.ም.ፈ ዋጋ ነዳዲ ክንዲ እቱ ዝተገመተ ኣይነሃረን ዝብል ገምጋም ገይሮም ነይሮም፤ ደሓር ግን ናብ’ታ ዝበሉዋን ዝገመቱዋን መጠን በፂሓ። ስለዙይ ደሚርካን ኣጉዲልካን እንትረአ እቱ ዘቐመጡዎ ኣመተ ትኽክል እዩ ነይሩ ምባል ይከኣል’ዩ። ሕዚ ንሕና ንብል ዘለና ግን ሃገርናን ክልልናን ድሕሪ ሚኢቲ ዓመት እንታይ ክመስላ ከምዝግበአን ምእማት ኣየፅግመናን እዩ። ስለዝኾነ’ዉን ሩሑቕ ኣሚታ ንቕድሚት ክትስጉም ዘይከኣለት ሃገር ትኹን ትካል ኣብ’ዙ ቅልጡፍ ጉያ ዝሓትት በሊሕ ንሕንሕ ዓለምና ሰዓሪት ኮይና ክትቅፅል ከምዘይትኽእል’ዩ። ብኻሊእ ገፅ ድማ ገለ ሃገራት ሓንቲ ስዳሮ እኳ ንቕድሚት እንተይጠመታን እንተየማዕደዋን ኩሉ ነገር መምስረገፀኦ ጥራሕ ምድልዳሉን ዘይምድልዳሉን እናረጋገፃ ዝኸዳሉ ኩነታት ንዕዘብ። ገገሊአን እዉን ሰኣን ኣቐዲመን ምእማትን ሩሑቕ ምጥማትን ናብ ጋምስቲ ኣትየን እንትፀድፋ፣ ናብ ካልኦት ዘፃወዱለን መፃወዲያታት እንትኣትዋን፤ ገገሊአን ድማ ከክንዲ ግዛዕ ዝኾን ዕንቅፋታት ኣብ ቅድሚአን ተገቲሩ እናፀንሐ እግረን ጥራሕ እንተይኮነስ ርእሰን’ዉን እናተዓንቀፋ ንቕድሚት ፍሒት ምባል ኣብዩወን ኣእጋረንን ርእሰንን እንትዕንቀፍ ብርከን ድማ ኣብ ማእኸል ኾይኑ ረኽረኽ እናበለ ዝጠልመንን ምስዳር ዝኣብየንን፤ ኣይ ንቕድሚት ኣይ ንድሕሪት ሰለጤን ዘይብሉ ጉዕዞ ዝጓዓዛ ብዙሓት ሃገራትን ትካላትን ከምዘለዋ ዝከሓድ ኣይኮነን።

ብርግፅ መንገዲ እንተይተፀረገሉን እንተይወፀሉን ዝፀንሐ ተጓዓዛይ ዘለዎ መማረፂ ባዕሉ መንገዲ እናፀረገ ምጉዓዝ ጥራሕ ስለዝኾነ ጉዕዙኡ ክንዲ እቱ ትፅቢት ዝግበረሉ ሰለጤን ዘይክህሉዎ ይኽእል’ዩ። ብፍላይ ንብዙሕ እዋናት ትምህርቲ ብዘይምግፉሑ ምኽኒያት ኣብ ድቕድቕ ፀላም ዝፀንሐት ሃገር ቅድሚ ሕዚ ናይ ሚኢቲ ዓመት ዘይኣመትኪ ኢልካ ክትወቕሳ ኣይግባእን፤ ልክዕ ኣብ ፀላም ኮይኑ ዝጓዓዝ ሰብ ኣርሒቕካ ዘይረአኻን ዘየማዓደኻን ኢልካ ክትወቕሶ ስለዘይግባእ። ምድሪ ወጊሑ እዋን ምስረፈደን ክቐትር ምስተቓረበን ግን እቱ ተጓዓዛይ ኣብ ፀላም ብዝለመዶ ኣካይዳን ኣሳድራን ጎተት እናበለ እንተተጓዒዙን እቱ ብርሃን ፀሓይ ብጉቡእ እንተይተጠቐመሉን ንቕድሚት እንተይረአየሉን ብእዋኑ ኣብ ብርሃን ዘለዎ ከተማ እንተዘይበፂሑ ምድሪ ዓሪቡዎ ኣብ ዝበኣሰ ድቕድቕ ፀላም ኣትዩ ምስፈዘዘ ተናሲሑ ዝመልሶ ነገር የለን፣ ገደል ኣትዩ እንተፀደፈ’ዉን ዝሓዝነሉ የለን። ስለዙይ ንሕናዉን ከምሃገር ኣመተና ኣመተ ነዊሕ እዋን ጌርና ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ፅቡቓት ኣጋጣሚታትን ድሕሪ ዓመት ወይ ዓመትን ፈረቓን ጥራሕ እንተይኮነስ ድሕሪ 50 ወይ 60 ዓመት’ዉን እንተኾነ ከጋጥሙና ዝኽእሉ ብደሆታት (ኣብ ዉሽጥና ይኹን ኣብ ደገ ዝእለሙ ዘለዉ ማሕለኻታት) ብሩሑቕ ኣመዓዲና እቶም ፅቡቓት ኣጋጣሚታት ብጉቡእ ክንጥቀመሎም፣ እቶም ማሕለኻታት ወይ ብገነኦም ክነምክኖም ወይድማ ሓይሊ ከይህሉዎም ጌርና ከምዓለባ ሳሬት ሃመማ ካብ መሓዝ ሓሊፎም ንህቢ ንመሓዝ ዓቕሚ ከምዘይህሉዎም ጌርና ክንበታትኾም እንተዘይክኢልና ኩሎም እንተይተዳለናሎም ዉክፍ ስለዝብሉ መፃኢ እዋናት ከምዝሓሰብናዮ እንተይኮነ ክተርፍ ይኽእል’ዩ።

ኣመተ ሚኢቲ ዓመት ግን ብዘይ ዕሙቕ ዝበለ ፍልጠት ስለዘይከኣል እሞ እቱ ከምዙይ ዝበለ ፍልጠት ካብ’ቱ ባሕሪ እናጨለፉን እናቐድሑን ኣብ ምፅሓፍ ግደ ምሁራትን ተመራመርቲን ዓብዪ ከምዝኾነ እኳ ዝእመነሉ እንተኾነ እቱ ወሳኒ ነገር ግን ባዕሉ እቱ ባሕሪ ከይነፅፍ ወይድማ ከይብታዕ ምጥንቃቕ እዩ፤ ብዙሓት ዝተበትዑን ዝነፀፉን ባሕሪታት ስለዘለዉ። ስለዙይ ካብ ህዝቢ ተነፂልካን ላዕሊ ላዕሊ ኣንሳፊፍካን ሽንኳይዶ ከም’ቱ ክህሉ ዝግበኦ ፍልጠትን ክእለትን ዘየለስ ዋላ’ዉን ድላዩ ቴክኒካዊ ዓቕሚን ፍልጠትን ተሓንጊጥካ’ዉን ይትረፍዶ ኣመተ ሚኢቲ ዓመት፣ ኣመተ ዓሰርተ ዓመት’ዉን ከቢድ እዩ። ምናልባሽ እንተተፃሕፈ’ዉን ኣብ ወረቐት ደኣ ይሰፍር ኣሎ እምበር ተግባሪኡ ህዝቢ ስለዝኾነ ክዕወት እዩ ኢልካ ምሕሳብ ኣይከኣልን።

ስለዙይ ሎሚ ሃገርና ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ኣብ በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ኩሉ ብዝተዋደደ መልኩዑ ዘሎ ፀጋታት ሃገርና ብጉቡእ ክጥቀመሉን ኣመተ ነዊሕ እዋን ኣዳሊዩ ክወሳወስን ትፅቢት ትገብረሉ እዋን እዩ። ሎሚ ብምንም መልኩዑ ተይተጠቐምናሉ ዝባኽን ጊዜ፣ ሓይሊ ሰብን ገንዘብን ክህሉ ኣይግበኦን። እዙ ከምዙይ ዝበለን ተሓታትነት ዝመልኦን ከይዲ ጉዕዞ ዜጋታትና ኩሎም ጊዜኦም ብጉቡእ ተጠቒሞም ዉሽጣዊ ዓቕሞም ንምዕባይ’ዉን ፋሕጠርጠር ምባል ስለ ዝጅምሩ፤ ትኽክለኛ ዝኾነን ዘየቋርፅን ከይዲ ዓርሰ ህንፀት’ዉን ሽዑ ይጅመር ኣሎ ማለት’ዩ። ብተወሳኺ’ዉን ኣመተ ሚኢቲ ዓመት ሓንፂፅና ንምዕዋቱ ላዕሊን ታሕቲን ምባል እንትንጅምር፤ ንዜጋታትና እኹል ክብሪ ክንህብ ኢና፣ ሞያታት ኩሎም እቱ ሓደ ካብ’ቱ ካሊእ ዘይንእስ ጥቕሚ ከምዘለዎ ስለእንርዳእ ጉቡእ ቦታ ክንህቦም ኢና፣ ሰባት ምስ ስረሖም ብዘለዎም ቀርቢ ጥራሕ ክንግምግም ክንጅምር ኢና (ምስ ሓለፍቲ ብዘለዎም ቀርቢ ጥራሕ እንተይኮነ)፣ ኣካይዳታትና ኩሎም ፃዕሪ ተኮር እንተይኮኑስ ዉፅኢት ተኮር ክኾኑ እዮም፣ ታሪኽና ክንፈልጥን ክነኽብርን ግድን ክኾን እዩ፣ ኩሉ ሰብ ካብ ሕሩኽሩኽን ወረን ወፂኡ ኣብ ሰስሩሑ ክዉዕል እዩ። ምስ’ዙይ ብተወሳኺ ሓደ ዉድብ ፖለቲካ ካብ ካሊእ ዉድብ ፖለቲካ ዝፍለየሉ እንኮ መንገዲ ኣብቱ ዝኣመትናዮ ሩሑቕ መብፅሒ ንምብፃሕ ዝሓፀረ መንገዲ ደሊኻ ብምርካብን ብዘይምርካብን እምበር ኣብ መብፅሒ ቦታ ዝዋገ ስለዘይህሉ፤ ብዉሑድ ግን ኣድላይነት ሰላም፣ ልምዓት፣ ምንጋስ ፍትሒን ምዕሳል ሰናይ ምምሕዳርን ኣብ ሕቶን ድርድርን ዘእቱ ዉድብ ፖለቲካ እናዓንደረ ዝነብረሉ ኩነታት ፍፁም ኣይክህሉን፣ ብዉልቀሰባት እዉን ከምኡ። ናይ እዙ ኩሉ እዙይ ድምር ዉፅኢት’ዉን ኩሉ ዜጋና ብጉቡእ ሒዝና ኣብ ከክእለቱን ዘዘድምዮ ስራሕቲን ስለእነዋፍሮ ሸቕሊ ኣልቦነት ናብ ጥቓ ኣልቦ ክወርድ እዩ፤ ከምኡ እንትንገብር ድማ በዝሒ ህዝብና አዉራ ኩሎም ፀጋታትና ምዃኑ ተረዲእና ኩሎም ፖሊሲታትና ብመንፁር’ዙይ ክንቃንዮም ኢና። የግዳስ ሽዑ ዘጋጥመና ፀገም ሕፅረትን ዋሕዲን ሓይሊ ሰብ ስለዝኾን ሽዑ ዝህሉ ልዕሊ 300 ሚልዮን ዝቑፀር በዝሒ ህዝቢ ሃገርና ፀጋ እምበር ፀገም ከምዘይኮነ ዝርዳእ ምሁርን ኣካላት ኣመራርሓን ስለዝህሉዉና ቀንዲ ስራሕ ማዕኸናት መራኸብቲ ሓፋሽ እቱ እዋን እዉን በይዛኻትኩም መጢንኩም ዉለዱ ዝብላ እንተይኮናስ ብግልባጡ እየን እናሰበኻ ክዉዕላ።

ስለዙይ ፅሑፈይ ንምጥቕላል ዝኣክል ኣብ’ዙ ጀሚርናዮ ዝኒሀና መበል 21 ክፍለዘበን መጠንን ዓይነትን እነመዝግቦ ዉፅኢት ዝዉሰን ካብ ሎሚ ጀሚሩ ብዝህሉወና ኣመተ ነዊሕ እዋን ምዃኑ ክንርዳእ የድሊ። ብርግፅ ድሕሪ 50 ዓመት በዝሒ ህዝቢ ሃገርና ልዕሊ 300 ሚልዮን፣ በዝሒ ህዝቢ ክልልና ድማ ልዕሊ 20 ሚልዮን ከምዝኾን ዝፍለጥን ዝግመትን ሓቂ እዩ። እዙ ልዑል በዝሒ ህዝቢ እዙይ ድማ ከም’ቱ ዝመፃእናዮ ብሃሳሰ ለባም ክንመርሖ ኣይከኣልን። ኩላትና ከምእንዕዘቦን ከምእንፈልጦን ሃገርና ካብ’ቱ ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝደቀሰቶ ድቃስ ክትበራበር ጀሚራ ኣላ ማለት ንሕና ክንበራበር ጀሚርና ኣለና ማለት’ዩ እምበር እቶም ጎቦታትን ሽንጥሮታትን ተበራቢሮም ኣለዉ ማለት ኣይኮነን። ስለዙይ ኣመተ ሚኢቲ ዓመት ሒዝና ንክንጓዓዝ ዘኽእል ኣመራርሓ ምህላው ግድን ኮይኑ እቱ ቀንዲ ነገር ግን ካብ ሕሉፍ ተማሂሩ፣ ህሉዊ ኩነታት ብጉቡእ ኣስተንቲኑን መፃኢ እዋናት ብዝድለ መልኩዑ ክእምትን ክቓኒን ዝኽእል ምሁርን በዓል ሞያን ድማ የድሊ። ከምዙይ ዝበሉ ብቑዓት መራሕቲን ምሁራትን የለዉን ማለት ግን ኣይኮነን። ሰባት ብስረሖም እንተይኮነስ ብዘረበኦም፣ ምስ ስረሖም ብዘለዎም ቀርቢ እንተይኮነስ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ብዘለዎም ዉልቀ ቀርቢ ጥራሕ እናገምገምና ኣብ እንዉዕለሉ ሃዋህው ግን እቶም ከምዙይ ዓይነት ብልሒ ዘለዎም ምሁራትን መራሕቲን ከም ደቂሕድርትና ክሕቡኡና ይኽእሉ እዮም፤ ኣብ ስራሕ እምበር ኣብ ዘረባ ስለዘይንረኽቦም፣ ምስ ስራሕ እምበር ምሳና ስለዘየለዉ። እንተኸማይ እንታብ ሕዚ ጀሚርና ክሳዕ መበል 40 ዓመት ልደት ዉድብና እነኽብረሉ (ለካቲት 11፣ 2007) ዘሎ ልዕሊ ሓደ ዓመት እዋን ብጉቡእ ንጠቐመሉ እሞ ዉሽጢ ገዛና፣ ምድርቤትናን መረባናን ነፅሪ በሃሊ እየ። ዉሽጢ ገዛናን ምድርቤትናን ግን ካብ ህዝቢ ከዊልናን ተኸዊልናን ክነፅርዮ ኢና ማለት ዘበት’ዩ፤ እቱ ጓሓፍ ካባና ንላዕሊ ንህዝቢ ስለዝረአዮ። ኣብ’ዙ ናይ ሓደ ዓመት ምዕራፍ ምድላው ድማ ካብ 2007 ክሳዕ 2107 ኣብ ዝዘልቕ ኣመተ ሚኢቲ ዓመት ዘብስር ብስራት ሒዝናሉ ንቕረብ፣ ንህዝብና።

እዙ ከምዙይ ዝበለ ዓብዪ ዕዮ ገዛ እዉን ካብ ህዝቢ ተነፂልካን ኣብ ላዕሊ ኣንሳፊፍካን ክስራሕ ከምዘይኽእል፣ እንተተሰርሐ’ዉን ክትግበር ከምዘይኽእል ስለዝርደአና ንእለት ምስ ህዝቢ ከምታ ቀደም ዝነበርናያ ማይን ፀባን ክንኮን ኢና። ሽዑ እቱ ህዝቢ ካብ ሕሉፍ ታሪኹ ተላዒሉ ኩሉ ነገር ክነግረናን ከዉገዐናን እዩ። ብፍላይ እቱ በቢዓሰርተ ዓመቱ ኣብ ሩሑቕ ሃገራት ኣድበንቢኑን ወቒዑን ገርሁናን ዝሩእናን ፀራሪጉዎ ዝኸይድ ጋሻ ዉሑጅ ከመይ ክንከላኸሎ ከምእንኽእልን ናብ ረብሓና ክነዉዕሎ ከምዘለናን ብዕሊ ክሕብረልናን ከርእየናን እዩ። ጋሻ ዉሑጅ 1997 ዓ.ም ኣብ 2007 ዓ.ም እዉን ክድገም ከምዝኽእል ክሕብረልና እዩ፤ ሕዚ ለይቲን ቀትሪን እንሰርሐሉ እዋን’ምበር ብዉፅኢት መረፃ 2002 ዓ.ም ተዅራዕሪዕና እንነብረሉ እዋን ከምዘይኮነ ብቛንቁኡ ገይሩ ክነግረና እዩ፣ ሕዚ’ዉን ይዛረብ ስለዘሎ። ቛንቋናን ቛንቁኡን እንተዘይተፈላልዩ ክንሰምዖ ኢና። ስለዙይ ሕዚ’ዉን ጉዕዞ ህዳሴና ብዓወት ንኽዛዘምን ዝበለፀ እናተሃደሰ ክኽድን ሃገርና ዳግም ዝነበራ ናይ መሪሕነት ቦታ ንኽትሕዝን ከምሃገር ኣመተ ሚኢቲ ዓመት ከድልየና እዩ፤ ትካላትና’ዉን (ብፍላይ ትካላት ላዕለዎት ትምህርቲ) ኣብ’ዙ ከይዲ እዙይ ዝህልወን ግደ ዓብዪ ምዃኑ ተረዲአን ናይ መሪሕነት ግዲአን ክፃወታ ይግባእ። ከምኡ ንምግባር ግን እቱ ቀንዲ ነገር ሰብኣዊ ሓይልናን ዜጋታትናን ጉቡእ ክብሪ ሂብና ዘለና ፀጋታት ኩሉ ብዘይምንም በኸንከን ክንጥቀመሉ ይግበአና እብል።

ሰናይ ቅነ

Wurayna Magazine

more recommended stories