ደብርፅ እንተይ ወዓለ እንተይሓደረ ክገብሮ ዝግበኦ (ክፍሊ ክልተ)

(ኣብርሃ ሃይለዝጊ)

ህዝቢ ትግራይ እንተስ በቲ ዝነበረ ኩነታት ኮነ በቶም ቅዱማት “መራሕቱ”(ገዛእቱ ምባል ዝቐልል ይመስለኒ) ኣዝዩ ተማሪሩ ስለ ዝነበረ ወይ ካዓ “እንታይ ከ ካሊእ መማረፂ ኣለኒ ንግዚኡ” ካብ ዝብል ክኾን ይኽእል ወይ ድማ ኣነ ዘይተረደአኒ ካሊእ ምኽንያት ክህልዎ ይኽእል፥ ብዝኾነ ግን ዶ/ር ደብረፅዮን ናብ ትግራይ ያ መፂኦም ካብ ዝብሃል ቁፅሩ ዘይንዓቕ ሰብ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ደብርፅ ልዑል ተስፋ ዘሕደረ መሲሉ ይረአየኒ ኣሎ፡፡

ብርግፅ ደብርፅ ብውልቅኡ ኣዝዩ ሃርኳት ሰራሕተኛ፥ ቅኑዕ፥ ሓቀኛ፥ ኣስፊሑ ዓማማይ(ambitious)፥ ጠልቆምቆም ዘይብል፥ ብቑዋሙ ተሪር ወዘተ ከም ዝኾነ ብዙሓት ንኡኡ ዝፈልጡ ሰባት ይምስክርሉ እዮም፡፡ ኣነ ብውልቀይ እኳ ብዙሕ ኣይፈልጦን፡፡

እንተነኣሰ ግን ብጣዕሚ ንፉዕ ተምሃራይ ምንባሩ(ነይሩ ጥራሕ እንተይኮነስ ሀዚ እውን ኣብቲ ብትምህርቲ ክብፃሕ ዝኽእል ላዕለዋይ ብርኪ ብምብፃሕ ኣመስኪሩ እዩ) ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ መዝታት ፌደራል መንግስቲ ብምንባሩ ዘጥረዮም ዓቕምታት፥ ክእለታትን ሃገራውን ዓለም-ለኻውን ፍልጠት ናይ ምርካብ ዕድንልን(exposure) ብድምር ዝሓዘ ብምዃኑ ብውልቅኡ እንተወሲደ ብተነፃፀሪ ኣዕርዩ ዝሐሸ ክኾን ከም ዝኽእል ኣነ እውን ክግምት ይኽእል እየ፡፡

እዙያት ኩሉ ግን ዕውት መራሒ ንኽትከውን ናይ ግድን ውሕስና ኣለዎ ማለት ኣይኮነን፡፡ ግን ካዓ ወሳኒ ተራ ክህልዎ ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡

ካብዙይ ብምብጋስ እየ እምባኣር ደብርፅ ኣብ ሓደ ሓደ ርኡያት ዝኾኑ ዕማማት እንተነጢፉ ተስፋ ክህልዎ ይኽእል እዩ ብምባል እዘን ዝስዕባ ነጥብታት ኣብ ግምት ከእቱ ኣለዎ ኢለ ክፅሕፍ ዝኸኣልኩ፡፡ ኣብዙ ሐዚ ሰዓት ካሊእ ጭቡጥ ትግራዋይ ሓይሊ ክሳዕ ዘየለ ድማ እንተነኣሰ ናብ ሽግግር ክወስደና ዝኽእል(ተበግሶ እንተሃልዩ) እቱ ንሱ ዝመርሖ ውድብን መንግስትን እዩ ኢለ ይኣምን፡፡

ተወዲባና ብምቅላስ ጠንካራ መማረፂ ሓይሊ ትግራይ ክሳዕ ንፈጥር እውን ህወሓት ዝተወሰነ ፅገናታት እናገበረት ሰለይ ክትብል ንደሊ ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡

ስለ ዝኾነ ድማ ደብርፅ ኣብዘን ዝሲባ ኣድሂቡ ብህፁፅ እንተዝሰርሕ ዝብል ለበዋ የቕርብ ብወገነይ:-

ሓደ: ከተማታትና ሙሉእ ብሙሉእ ሞያን ዓቕምን(merit) ቱኽረት ዝገበረ ኣመራርሓ ይመደበለን፡፡ ብፍላይ ድማ ከተማ መቐለ ካብ ርእሰ ምምሕዳር ዘይንኣኣስ ዓቕሚ ዘለዎ እሞ ድማ ፍቱን በዓል ሞያ ከንቲባ ክትረክብ ይግባእ፡፡

ኣብ ገፀር ወረዳታት ክህልዋ ዝኽእላ መደባት ውሑዳትን ቀለልትን እየን ዝብል እምነት ኣለኒ፥ ስለዝኾ ድማ እዙይ ዝብሃል ንምሕድራ ዘፅግም complexity የለን፡፡

ምምሕዳር ከተማ ግን ብብህሪኡ ዝተፈለየን ብዙሓት ጠለባት ዝሓቱ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ማሕበረሰብ ዝነብርሉን ምስ ምዃኑ ነዙይ ዝምጥኑ ብኹለመድያዊ ብቕዓቶም ዝተመስከረሎም ሰባት ክምደቡ ኣለዎም ይብል፡፡ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ንምርካብ ከምቲ ዝተለመደ ካብ ውሽጢ ፑል መሪሕነት እቲ ውድብ ምእላሽ ናይ ግድን ኣይኮነን፡፡

ካብቲ ልሙድ ኣካይዳ ውፅእ ምባል ከድሊ ግድን እዩ፡፡ እዚኣ ምግባር ድማ ከም ውድብ እታ ዝነኣሰት መስዋእቲ እያ(መስዋእቲ እንተተባሂላ እኳ)፡፡

ክልተ፡ ንዝሓለፉ 30/40 ዓመታት ብዝተፈላለዩ ብርክታት ሓልፍነት(ካብ ክፍሊ ህዝብነት ጀሚሮም) ይሕመቕ ይፀብቕ ንህዝቦም ዘገልገሉ ሐዚ እውን ግን ኣብ ቁልፊ ሓላፍነታት ዘለዉ ተጋደልቲ ብኽብሪ ብመልክዕ ‘ጥሮታ’ ክተሳናብት ይግባእ ደብርፅ፡፡

እዞም ሰባት እዚኦም ዋላ እኳ ክሳዕ ሐዚ በታ ዘላቶም ዓቕሚ ንህዝቦም ብምግልጋሎም ክብርን ኣድናቖትን ዝግበኦም እንተኾነ(እንተነኣሰ እቶም ቅኑዓት ይግበኦም እዩ) ሐዚ ግን ነቲ ዘበን ዝምጥን ዓቕሚ ኮነ ኣርኣእያ ክህልዎም ስለ ዘይኽእል(ከም ዘይብሎም ድማ በቢ ቦትኡ የመስክሩ ኣለው) ካብ ናይ ሓላፍነት ቦታታት ክገልሱ ይግባእ፡፡

ኣብ ክንድኡ ካብ ውሽጢ ኣብላት እቲ ውድብ ተስፋ ዘለዎም መናእሰይ ሙሁራት እቲ ናይ ሓላፍነት ቦታታት ክሕዙ ይገበር፡፡

ህወሓት ከባቢ 800 ሽሕ ኣባለት ከም ዘለውዋ ይዝረብ እዩ፥ ካብዙ ኹሉ ኣባል ድኣ እሞ ከመይ ኢሉ ዝምጥን ሰብ ተሳኢኑ ይብሃል እቲ ቅንዕና እንተሃልዩ? ሐዚ እውን ከምቲ ልሙድ ካብቲ ላዕለዋይ ወይ ማእኸለዋይ ኣመራርሓ ምእላሽ ናይ ግድን ዘይከድሊ ይኸውን፥ ዋላ ካብቲ ታሕቲ ኣባል ግን ካዓ ሓዊ ሓዊ ዝጨንዉ መናእሰይ ምምፃእ ይካኣል እዩ፡፡

ድፈር ደብርፅ፥ ነቲ ዝተለመደ ኣካይዳ(tradition እቲ ውድብ) ስበሮ፡፡ እዙይ ካዓ ካብ ኦህዴድ እውን ምምሃር ይካኣል እዩ(መምህር ዝነበረ ካብ ተምሃራዩ ኣይማሃርን ኣይባሃልን)፡፡

ሰለስተ፡- ኣብዙ ሐዚ እዋን ተባራዓይ ሕቶ ህዝቢ እናኾነ ዝመፅእ ዘሎ ዳግመ ውዳበ ወረዳታት(ምናልባሽ ዞባታት እውን) ቅልጡፍ ምላሽ ምሃብ የድሊ፡፡

ብመሰረቱ ኣወዳድባ በቢ እዋኑ ክኽለስ ዝግበኦ ስልቲ እምበር ነቕ ዘይብል መትከል ተገይሩ ክውሰድ የብሉን፡፡

ስለዝኾን ድማ ቅድሚ 24 ዓመታት ዝተወሰነ ኣውዳድባ ሽዑ ትኽክል ነይሩ እዩ ማለት(ሽዑ እውን ምስ መዓት ሓላፍ ዘላፉ) ሀዚ እውን ትኽክል እዩ ማለት ኣይኮነን፡፡

ብስሩ እውን ምስ ሓደ ገስጋሳይ እየ ዝብል ውድብ(ህወሓት ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ገስጋሳይ እዩ ኣይበልኩን፥ እየ ይብል እየ ዝብል ዘለኹ) እዙ ከምዙይ ዝበለ ኣርኣእያ ፈፂሙ ሓቢሩ ኣይኸድን፡፡ ሕቶ ህዝቢ ሎሚ ኣይምለስ ፅባሕ ኣይምለስ ኢሉ ብትዕቢት ዝምልስ “ቁልፊ ኣመራርሓ” ኣብ ጓጉኡ ሓቚፉ ዝሓዘ ውድብ ገስጋሳይ ክኾን ኣይሕሰብን፡፡

ገስጋሳይ ውድብ በቢ እዋኑ ዝፍጠሩ ለውጥታትን(dynamism) ጠለብ ህብታትን ኣብ ግምት እናእተወ ዝኸድ እምበር ቅድሚ 40 ዝበልክዎ ሐዚ እውን ንሱ ትኽክልን ትኽክልን እዩ፥ ንመፃኢ 40 ዓመታት እውን ብሕታዊ መማረፂ ንሱ እዩ ኢሉ ዝኣምን ኣመራርሓ ዝሓዘ ውድብ ክኾን ኣይኽእልን፡፡

እዙይ ዓይነት ውድብ ህልም ዝበለ ‘ኣድሃሪ'(reactionary) ውድብ እዩ፡፡ ስለዚ ደብርፅ እዙይ ተረዲእኻ ንህዝቢ ተስፋ ዝህብ ቃል ክትኣቱ ይግባእ፡፡

ሎሚ ዘይክትምልሶ ትኽእል፥ ፅባሕ ከም ዝምለስ ግን ነቲ ህዝቢ ብቓልካ ክተረጋግፀሉ ኣለካ፡፡ እንተዘይኮይኑ ህዝቢ እቲ ኣውሽጥኻ ትሓስቦ ዘለኻ ናብ ባይታ ክሳዕ ተውርዶ ብትዕግስቲ ዝፅበየካ ኣይመስለንን፡፡

በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ዘሰክፍ ሃገራዊ ኩነታት እዩ ልቢ ኣዕብዩ ንግዚኡ ሱቕ ክብል ኪኢሉ እምበር ህዝቢ እዙ ሕቶ ዝገደፎ ከይመስለካ ደብርፅ፡፡ ነቶም ዝተለመደ ኩምራ ፀብፃብ ሕሶት እናምፅኡ ዘሰሓሕቱ እውን ከይትኣምኖም፥ ባዕልኻ ውርድ ኢልካ ኣዘራርቦም፡፡ ንዓኻ እውን ዓብዪ ክብሪ እዩ፡፡

ኣርባዕተ፡ ካብቲ ዝተለመደ ነቲ ውድብ እውን ናብ ክሳራ ዘብፀሐ መዕነዊ “ፀላእትና” ዝብል ኣገላልፃን ኣተሓሳስባን ውፅእ ኢልካ ነቶም ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ምስቲ ውድብ ቅርሕንቲ ዝፈጠሩ ውልቀ ሰባት ኮነ ኣካላት ፃዊዒት ብምግባር ካብ ልቢ ዝመንጨወ ይቕረ ትብሃሃልሉ መድረኽ ወይ ልዝብ ምድላው የድሊ፡፡

በዙይ መዳይ ደብርፅ ብዙሕ ሽግር የብሉን ዝብል እውን ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ስለ ዝሰምዕ ከምዙይ ዓይነት መድረኽ ብቕልጡፍ ክተመቻቹ ኣለካ ዶ/ር ደብረፅዮን፡፡

ሓሙሽተ፡ ምስቲ ልዕል ኢለ ዝገለፅክዎ ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባትን በቢ ከባቢኡ ዘለዉ ዓበይቲ ዓድን ብምእካብ ልዝብ ምፍጣር እውን ከድሊ እዩ፡፡

እቶም ሓደ ሓደ መቃሓሓርቲ ዝመስሉ ኣብዙ ፌስቡክ እውን ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ዘለዉ ትኽክል ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየግድስ ምስዞም ሰባት እዚኦም ብግልፂ ብምልዓል ምዝርራብ ከድልየካ ከም ዝኽእል ይግምት፡፡

“መሰረት ዘይብሎም” እዮም ተባሂሉ ሸለል ክብሃሉ የብሎምን፥ መሰረት ስለ ዘይብሎም እዮም እንድያውም ትኹረት ክሃዋቦም ዘለዎም ዝብል ሪኢቶ ኣለኒ፡፡

ብተመሳሰሊ ምስቶም ዝተፈላለዩ ተበግሶታት (initiatives) ብምሓዝ ዕላዊ ዝመስል ምንቅስቓስ ዝጀመሩ ውልቀ ሰባት እውን ፀዊዕኻ ምዝርራብ ከድልየካ እዩ፥ ዝርርብ ዝመስልዎ የለን ቀንዲ ዓላምኻ ሓበራዊ ርዲት ምፍጣር ክሳዕ ዝኾነ፡፡

ሓበራዊ ርድኢት ማለት ምስምዕማዕ ማለት ዘይክኾን ይኽእል፡፡ ብእንግሊዝኛ ንምብራህ mutual understading ንምፍጣር እምበር ኣብ agreement ንምብፃሕ ዘይክኾን ይኽእል እዩ ማለተይ እየ፡፡ ኣብ ኩሉ ክንስማዕማዕ ግድን ኣይኮነን፥ ክንረዳዳእ ግን ኣለና ናይ ግድን!!

መዘኻኸሪ:- ነቲ ህዝቢ ልዑል ተስፋ ገይሩልካ ዘሎ ዝምጥን ቅልጡፍን ውፅእ ዝበሉን ስጉምታታ እንተዘይውሲድካ ከምኡ እውን ንቐፃሊ ተስፋ ኣትሒዞም ዋእ ኣታ እስኪ ንረአዮ ዘብሉ ዓበይቲ ኣብ ትግራይ ክስርሑ ዝተሓሰቡ ናይ ልምዓት ንጥፈታት ትልምኻ ንህዝቢ ክተፋልጥ እንተዘይኪኢልካ ግን ኣብ ሓፂር እዋን ተስፋ ህዝቢ ከም ህዎ ንጉሆ ዝሃፍፍ ምዃኑ ክትግንዘብ ይግባእ፡፡

********

Related: ደብርፅ ብህፁፅ ክገብሮ ዝግባእ! (ክፍሊ ሓደ)

Guest Author

more recommended stories