ናበይ ንኸይድ ኣለና?(Quo Vadis?)

ኣብ ፍልጠት ዝተመስረተ ቑጠባን ማሕበረሰብን ትግራይ ምህናፅ- ንቕድሚት ምጥማት፤ ሓዱሽ ኣተሓሳስባን ስትራተጂካዊ እመታን

ኣብ ዓለም ለኸ ማሕበር ምሁራት ተጋሩ (ጂ.ኤስ.ቲ.ኤስ) ዝቐረበ።

ዓቢይ ኮንፈረንስ ትግራይ
ሓምለ 11 – 15፣ 2010 መቐለ፤ ኢትዮጵያ

ብዶክተር መሓሪ ታደለ ማሩ
(ኣብ መኽፈቲ ዝቐረበ መማያጢ ፅሑፍ)

መእተዊ
ኣብ እዚ ንክልለይ ትግራይን ንሃገረይ ኢትዮጵያን ኣብ ማሕበራዊ፤ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ምዕባለታት ናይ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣገዳስነት ዝተረድአን ከም መልዐሊ ዝወሰደን መድረኽ ክሳተፍ ብምኽኣለይ ኣዝየ ሕጉስ እየ፡፡ ብፍላይ ድማ ዝተሰከሞ ዕዳ ማሕበረሰብ ንምኽፋል ክብል ብዝተጣየሸን: ካብቶም ዓበይቲን ናፃን ዝኾኑ ማሕበራት ሙሁራት ሓደ ብዝኾነን ዝተዳለወ ምዃኑ ድማ ተወሳኺ ታሕጓስ ዝህበኒ እዩ፡፡ ከም ጂ.ኤስ.ቲ.ኤስ ዝኣምሰሉ ውዳበታት ንምሁራዊን ሳይንሳዊን ዘተታት ብምስፋሕ ንሃገርና ኢትዮጵያን ንክልልና ትግራይን ፍሉይ ኣበርክቶ ክህልዎም ከምዝኽእል ከዓ እምነተይ እዩ፡፡
ብዝዓበየ ግና: እዚ ምትእኽኻብ ተወለድቲ ካብ እዚ ዝሓሸ እዋን ክመርፅእ ኣይምኸኣል ነይሩ፡፡ እዚ እንቲ ምንታይ፡ ክልልና ይኹን ሃገርና ካብኡ ሓሊፉ ድማ ዞባና ኣብ እዋን ስግግር ስለዘለዋ እየን፡፡ ባህርያዊ ኮይኑ፡ እዋን ስግግር ብተቐያያርነት፤ናህርን ኣቐዲምካ ብዘይግመቱ ኩነታትን ምዕባለታትን ዝተመልአ እዩ፡፡ ብተወሳኺ፡ እዋን ስግግር ኣብ ቐራና መገዲ ፖሊሲ ዝገድፈካ ስለዝኾነ ብውነ ዝሕንፀፁ ፖሊሲታት ኣቢልካ ንዋሕዚ ተርእዮታት ክትገንሕ ኣገዳዲ ይገብሮ እዩ፡፡ ስለዝኾነ እውን እዩ እዚ ዓቢይ ኮንፍረንስን ዝርርባትን ኣማራፂታት ፖሊሲታት: ንትግራይ ኣዚዩ ኣብዘድልያ ትኽክለኛ እዋን ዝመፀ እዩ ክንብል እንግደድ፡፡

ኣብ እዚ ካብ ጓሓቱ፡ ብዛዕባ ባዕለይ ብዘየማትእ ክገልፆ ዝደልዮ ኣለኒ፡፡ ንሱ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ከምኒ ኤርትራ ዝበላ ጎረባብታን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ውሑስ ሰላም ክመፅእ ዓቢይ ድልየት ምስዘለዎም ሰባት ዘፀንብር መርገፅ ዘለኒ ምዃኑ እዩ፡፡ ሰላማዊ ፍታሕ ጎንፂ ኢትዮጵያን ኤርትራን ቕድም ቐዳድም ዘርብሖ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኣብቲ ዞባ ንዝነብሩ ህዝብታትን እዩ፡፡ ፈሊና ክንርኢ እንተኾይና ድማ እዚ ሰላም፡ ኵናት ክልቲኤን ሃገራት ዘስዐቦ ኪሳራ ብዝያዳ ንዝተሰከሙ ነበርቲ ኸባቢ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ማለት ድማ ንትግራይን ዓፋርን ብዝበለፀ ዘርብሕ እዩ ክኸውን፡፡ ንሕና ድማ እዚ ክውን ክኸውን ኣብዝህሊ ፃዕሪ ብፂሒትና ክነወፊ ግድን እዩ፡፡
እዚ ፅሑፍ ኣብ ናተይ ሙያዊ ተሞክሮ ዝተሞርከሰ እዩ፡፡ ንምግላፅ ዝኣክል፡ ተሞክሮታተይ ኣብ ዓለምለኻዊ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን እንትኸወን፤ እዚ ድማ መሊሱ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን ፓን ኣፍሪካ ብዘዋህለልክዎ ተሞክሮ ዝምገብ እዩ፡፡ ከም ውልቂ እምነተይ ድማ፡ ምኽባር ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምህናፅ ውሕስ ሰላም፤ ህገ-መንግስታዊ ዲሞክራሲን ሓቓፊ ምዕባለን ከም መሰረት ኮይኑ የገልግል እዩ፡፡

እዚ ምስበልኩ፤ ነቲ ኣብ ሞንጎና ክህሊ ዝግብኦ ምይይጥን ነቲ ይበሃል ዘሎ ስግግርን ከመይ ክነተኣናግዶ ከምዝግባእ ዘለኒ ርእይቶ ምክፋል ቐዳምነት ክህቦ ይደሊ፡፡ ቕድም ቐዳድም፡ ኣብ ሕሉፍ ኣድሂብና ምስትምሳልን ምፅብፃብን ዘርክበልና ዋላ ሓደ ከስቢ ዘይምህላዉ ምርዳእ ይጠቅም እዩ ይብል፡፡ ብምዃኑ እውን ኣብ እዚ ፅሑፍ ኣብ መፃኢ እየ ከድህብ፡ ናይ ሕሉፍ እንተልዒለ ድማ እቲ ክርከብ ዝኽእል ትምህርቲ ከይተርፈናን ኣብ ጥቕሚ ክውዕልን ምእንታን ጥራሕ እዩ፡፡ ግዳያት ሕሉፍ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት፡ ብዘየዳግም ነቲ ጉዳይ ዓፂና ኩሉ ንቕድሚት ክጥምትን ኣብ መፃኢት ትግራይን ኢትዮጵያን ግቡእ እጃሙ ከወፊን ክንገብር ይግባእ፡፡ ካልኣይ፡ ናይ ‘ተስዓራይትን ተኸቢብና ኣለናን ዝዓይነቱ ስነኣእምሮ’ ዘበግሶ ዕርዲ ናይ ምሓዝ ‘ዝንባለ ተነፅሎ’ ወጊድ ክንብሎ ይግባእ፡፡ ከም እዚ ዓይነት ኮንፍረንስ እቲ ዝዓበየ ጥቕሙን ከስቡን ንብድሆታት ብርግኣት ፈሊኻ ናይ ክተቐምጥን ብመንፅሮም ድማ ፍታሓት ክትዝርዝርን ዘኽእል ብምዃኑን እዩ፡፡ ልዕሊ ኩሉ: ንህዝብና ልሳን ክንኾኖን ምስ ንማዕርነትን ሰብኣዊ መሰላትን ጠጠው ዝበሉ ገስገስቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ህዝብና ክነራኽቦ ኣለና ይብል፡፡ ምእንቲ እዚ፡ ህድእ ዝበለ ትንታነ፤ ስትራቴጂካዊ ምልከታን ንቕድሚት ኣማዕድዩ ዝእምት ቑመናን ክህልወና ይግባእ፡፡

ሰለስተ ‘መነፅራት’ ኢለ ዝፅውዖም ሜላታት እናተጠቐምኩ፡ ማለት ድማ ኣብ ብርኪ ሕገ-መንግስቲ፤ ክልላዊ መንግስቲ ከምኡ እውን ኣብ አተገባብራ እናድሃብኩ ትንታነይ ክቕፅል እዩ፡፡ እቲ ትንታነ ድማ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካን ኣብ ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ኣብ ብድሆታት ስግግር ዝጠመተ እዩ ክኸውን፡፡ ብተወሳኺ ምእንተ ዕውት ስግግር ኣብ እዋን ስግግር ብውነ ክእለዩ ዝግብኦም ጉዳያት እዚ ፅሑፍ ክድህስስ እዩ፡፡ እዚ ኢልና፡ ንትግራይ ተጋሩን ዘጓንፍዎም ፈተናታትን ፀጋታትን እውን ፈሊና ክንርኢ ኢና፡፡ እቶም ቀንዲ ናይ እዚ ፅሑፍ ሕቶታት ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡፡

• ከም ሃገር ናበይ ገፅና ንኸይድ ኣለና?
• ከም ክልላዊ መንግስቲን ህዝብንኸ ናበይ ገፅና ንኸይድ ኣለና?
• ንትግራይን ተጋሩን ይገጥሙና ዘለዉን ንሓዋሩ ዝገጥሙናን ፈተናታት ኣየነቶም እዮም? ዝብሉ እዮም፡፡

ዋላ’ኳ ንኩሎም ሕቶታት ክንምልስ እንፍትን እንተኾና፡ ናይ እዚ ዓቢይ ኮንፈረንስ ቴማ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብተን ናይ መወዳእታ ክልተ ክነድህብ ኢና፡፡ እተን ናይ መወዳእታ ክልተ ሕቶታት ዝበለፀ ኣገደስቲ እየን፡ እዚ ኮንፈረንስ ብዛዕባ ትግራይ ተጋሩን እስካዕ ዝኾነ፡፡ ብፍላይ ከዓ ኣብ እዚ ዘይሕለፍ ሓቂ እንተሃለወ ዕድል መፃኢት ትግራይ ኣብ ኢድ ተጋሩ ክነሱ ናይ ኢትዮጵያ መፃኢ ዕድል ድማ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ኢትዮጵያውያን እዩ፡፡ ኣብ መፃኢ ክህሊ ዝኽእል ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታውን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኣሽኪልናን ነዞም ዝስዕቡ ሓፈሻዊ መደምደምታት ድማ ክንወስድ ይፎቱ፡፡

1. ኣብ ዞባና ዘሎ ስግግር ዝግለፀሉ ባህሪ እንካብ ኣብ ልዕሊ ሽበራ ዝነበረ ኣድህቦ ተቐይሩ ናብ ኣብ ሞንጎ ዓበይቲ ሓይልታት ዓለምናን ዞባናን ናብ ዝህሊ ንሕንሕ ዘድህብ ምዃኑ እዩ፡፡ እዚ ድማ መሊሱ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ንዝህሊ ኣሰላልፋ ሓይልታት ዝቕይር እዩ ክኸውን፡፡ ብደረጃ ሃገር ዘሎ ስግግር ዝግለፀሉ ባህሪ ድማ ናብ ዘበነ ድህረ-ኢህወደግ ምእታውናን፡ ንኩሉ እተሳትፍ ክልል ትግራይ ምስኡ ተኣሳሲሩ ድማ ናብ ሓቋፊ (ሓዋሲ) ዲሞክራሲን መስርሕ መድብለ ፓርቲ ዲሞክራሲን ስግግር ዝገበረት ክልል ክትኸውን ግድን ይኸውን ምህላዉን እዩ፡፡

2. ኣብ ኢትዮጵያ ዝህሊ ስግግር ሕልኽላኽ ዝበዝሖ እዩ ክኸውን፡ ተስፋኡ ግና ዝፀልመተ እዩ ኢልና ኣይንልዓልን፡፡ ናይ እዚ ሓዱሽ ናይ ትግራይን ኢትዮጵያን ወለዶ ታሪኻዊ ብድሆ ክልቴኣዊ እዩ ክበሃል ይከኣል፡፡ ብሓደ ገፅ ንሑሉፍ ጉዕዞ ከመይ ትትርጉሞን ትርድኦን እንትኸውን፡ ብካልእ ገፅ ድማ ኩሉ ዝቕበሎ ናይ መፃኢ ራእይ ከመይ ክትቐርፅ ትኽእል ዝብል እዩ፡፡ ኣብዚ ዘይከሓድ፡ ኣተራጉማ ታሪኽና ክትዕ ዝመልኦን ነስሳቱ ዝጓነፅን ምዃኑ እዩ፡፡ ንመፃኢት ኢትዮጵያ ዘለውና ትምኒታት ድማ ዘይተወሃሃዱ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም፡፡ እዚኦም ኩሎም ዝተፈላለዩ ትምኒታት ኣብ ውሽጢ ኣብ ምርድዳእ ዝተመስረተ ሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራሲን ፌድራላዊት ኢትዮጵያን ክነተኣናገዶም እነኽእሎም እዮም፡፡ ካብ ናይ ቐረባን ርሑቕን ታሪኽና ንሰላማዊ ምትእንግጋድ (accommodation) ከመይ ነምፅኦ ኣብዝብል ትምህርቲ ክንወስደሉ ንኽእል ድማ ኢና፡፡ ብፍላይ ከዓ ፍፁማዊ ኢትየጵያዊነት ይኹን ዓብላልነት ኣብዝሓ ውሕስ ሰላም ከምፅኡ ከምዘየኽእሉ ንምርድኡ ኣፀጋሚ ኣይኮነን፡፡

ከም ተርእዮ ኣብ ኢትዮጵያ እናተቐልቐሉ ዝቕፅሉ ፈተናታት ክህልዉ እዮም፡ እዚኦም ድማ ኣብ ከባቢ ወሰናት ዝህሊ ጎንፂ፤ ዶብ ዝምልከት ግርጭት፤ ዓመፃት፤ ምፍራስ ስርዓትን ሕጊን ከምኡ እውን ዓፈናን ምጉናይን (discrimination) ካብኡ ሓሊፉ ድማ ናይ ሕድሕድ ውግእን ምብትታን ፌድራል ትካላትን እዮም፡፡ ነዚኦም ዝተዘርዙ ጥፍኣታት ክንከላኸል ምስእንኽእል መፃኢ ተስፋ ኢትዮጵያ ብሩህ ክኸውን ምዃኑ እሙን እዩ፡፡ እቲ እናበልናዮ ዝመፃእና ስግግር ምእንታን ክዕምብብ፡ ዲሞክራሲያዊ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ፌድራሊዝም ሰፊሕ ቦታ እናህብና ኣብ ሓቀኛ ድልየታት ተመስሪትና ኣብ ሞንጎ ፌድራል መንግስቲ፤ ብሄራዊ ክልላት፤ ኸባቢታትን ብሄረሰባትን ምዑርይ ሚዛን ምፍጣር ይግባአና፡፡ ምእንቲ እዚ ኣብ መወዳእታ ገፃት እዚ ፅሑፍ ናይ ለውጢ ሓሳባት ከቕርብ ኢየ፡፡

3. ኣብ እዚ እዋን እዚ ለውጢ (ሪፎርም) ትግራይ ካብ እዞም ዝቕፅሉ ምኽንያታት ዝነቕሉ ዓበይቲ ፈተናታት ክገጥመዎ እዮም፡፡ እቲ ቐዳማይ ካብ ውሽጢ ዝፍልፍል ምኽንያት፡ እዚ ማለት ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ልሂቅ ኣማዕድዩ ዝጥምት ስትራቴጂካዊ መሪሕነት ካብ ዘይምዃኑ ዝተልዓለ እዩ፡፡ እዚ ድማ በቐንዱ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ይምልከት፡፡ እቲ ካልእ ምኽንያት ድማ ዘይዲሞክራሲያዊ ዝንባለን ሆሆታዊነትን ኣብ ኢትዮጵያ ምዕሳሉ እዩ፡፡ ናይ እዚ መግለፂ ድማ ብሽም ኢትዮጵያዊነት ዝዝመር ፍፁማዊ ኣሃዳዊነት እዩ፡፡ ነዚ ጉዳይ ዝበለፀ ጭቡጥ ንምግባር ዝኣክል ምስ ምጉዳል ስርዓተ ሕጊን ንትግራይን ተጋሩን ከም ፀረ-ኢትዮጵያዊነት፤ ፀረ-ዲሞክራሲን ማዕኸን ንቕዘተን ገይርካ ናይ ምስኣል ጉዳይ ዘይሕለፍ ግልፂን ህልዊን ፈተናታት አናኾኑ ምኻዶም እዮም፡፡ ኣብ እዚ ዘለናዮ እዋን ስግግር ምፅናት ዘርኢ ክህሊ ድልየት ዘርአዩን ከበግሱ ዝደልዩን ወገናት ምህላዎም ድማ ኣብ ግምት ዝኣቲ እዩ፡፡

4. ንኣብ ትግራይ እንርከብ ኢትዮጵያውያን እቶም ዘለውና ኣማራፅታት ዘየማትኡ እዮም፡፡ ስዑራት ክንኸውን ክንመርፅ ንኽእል ኢና: ምስዚ ተኣሳሲሩ ንዘሎ ህልዊ ኩነታት ነፂግና ንርእስና ናብ ወሰን ክንሽምም ከም ከም ኣማራፂ ክንሕዝ ንኽእል ኢና፡፡ ብካልእ ገፅ ድማ ንቕድሚት እንርኢ፤ ተዓፃፀፍትን ንጡፋትን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ ምህናፅ ዲሞክራሲያዊትን ሕገ-መንግስታዊት ፌድራላዊ ሃገርን ንመሰልና ናይ ምጥባቕ ኣማራፂ እንወስድ እውን ክንኸውን ንኽእል ኢና፡፡ ምእንቲ ኩላኩሉ ግና ዝሐሸና፡ ንቕድሚት እንጥምት፤ እንነጥፍን ሓዱሽ ኣተሓሳስባ እነተኣናግድን ምዃና እዩ፡፡ ብዝኾነ፡ ዲሞክራሲያዊት ትግራይ ንዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ኣበርክቶ ክህልዋ እዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ትግራይ ቕድሚ ምስ ካልኦት ሓይልታት ዘተ ምግባራ ንውሽጣ ጠሚታ ምስባዕላ ዘተ ክትገብር ይግብኣ፡፡

ብተወሳኺ እዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ከሰጉም ይደሊ፡፡

1. ምእንታን ኢትዮጵያ ርግዕቲ ዲሞክራሲያዊትን ብልፅግትን ክትከውን እዚ ሕዚ ዘሎ ከይዲ ስግግር ብዓሚቕ ትካላዊ ለውጢ ክድገፍ ይግባእ፡፡ ከምቲ ብዙሓት ቕኑዓት ኢትዮጵያውን ክሰግምዎ ዝፀንሑ፡ ኢትዮጵያ ውዓል ሕደር ዘይብሃል ንኩሉ ዘማእኸለ ትካላዊ ሃገራዊ ልዝብን ዕርቅን የድልያ እዩ፡፡ እዚ ትካላዊ መስርሕ ናብ ሰላማዊት ዲሞክራሲያዊትን ብልፅግትን ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ስግግር ወሳናይ መስርሕ እዩ፡፡ ኣብ ሕሉፍን ኣብ ዘለናዮ እዋንን ዝነበረን ዘሎን መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ዓገባዊ ስርሒታት ክምርመሩን ንሕዝቢ ግልፂ ክግበሩን ይግባእ፡፡ ንዕውት ሃገራዊ ልዝብን ዕርቅን ከም ቅድመ ኩነት ዝውሰዱ ከዓ ብምልኣት ዝተፀንዑ ንድፊ ለውጢን ትካላዊነት መስርሕን ምዃኖም ግልፂ እዩ፡፡ እዚ ኮይኑ፡ ንኩሎም ተዋሳእቲ ፖለቲካ ሓቚፍካ ምዃድ የድሊ፡፡ ንኣፈፃፅማ ውፅኢታት እቲ ልዝብን ድሕሪ ምትግባሩ ከዓ ኣብ ፖለቲካ ባህልናን ህዝባዊ ትካላትናን ዝፈጠሮ ፅልዋ ምግምጋምን ምምዛንን ዘፍቅድ መቓን (framework) መስርሕ የድልዩ እዩ፡፡ ከምዚ ዝኣምሰለ ኣብ ትካላዊነት ዝምስረት ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን ኣብ ትሕቲ ሓደ ናሕሲ (ceiling) ንኩሎም ዝንባለታት ፖለቲካ ከተኣናግድ ኣለዎ፡፡ ዘተኣማምንን ምህዞ ዝተመልኦ ስርዓት ዘተ ኮይኑ ንኩሎም ብድሆታት ምኽክር ዝግበረሉ መድረኽ ክኸውን ድማ ይግባእ፡፡ እዚ መድረኽ ሃገራዊ ርድኢት ዝፍጠረሉን ንትካላዊ ለውጢ ጭቡጣት ተግባራዊ ሓሳባት ዝብርከተሉን ኮይኑ ዘገልግል እዩ፡፡

2. ከም ኩሎም ማሕበረሰባት: ማሕበረሰብ ትግራይ ዝርባሕ እንካብ ኣብ ሓባራዊ ርድኢት ዝምስረት ህገመንግስታዊ ስርዓት እዩ፡፡ ዓብላልነት ኣብዝሓ ካብ ዝርኣየሉ ሕሱም ናይ ሕሉፍ ፖለቲካ ዝተናገፈ መስርሕ ክድልድል ኣለዎ፡፡ ምእንቲ እዚ ድማ ትግራይን ተጋሩን ምስ ካልኦት ገስገስቲ ሓይልታት ማዕርነት ኢትዮጵያ ኮይኖም ሓበራዊ ርድኢት ዝነገሶ ልሕሉሕ (loose) ፌድራላዊ ሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራሲ ክህነፅ ክቃለሱ ይግባእ፡፡ ኩሎም ገስገስቲ ኢትዮጵያውያን ነንርእሶም ክራኸቡን ብኡ ኣቢሎም ኣብ ሕሉፍን ዘለናዮ እዋናትን ኣብ ዘሎዉ ጉዳያት ሃገር ክዛተዩ ይግባእ፡፡ በዚ ኣቢሎም ተጋሩ ተርኦም ብድፍረት ምስ ዘነፀሩ ወገናት ስምረት ክፈጥሩ ይግባእ፡፡ እዚ ሓባራዊ ምትእስሳር ኣብ ሞንጎ ንሰላም፤ ንክልቲኣዊ ምክብባር፤ ንማዕርነት፤ ንዲሞክራሲ፤ ንዘላቒ ልምዓትን ምውጋድ ንቕዘትን ክኸውን ኣለዎ፡፡

3. ኣብ ትግራይ ኣብ ዘሎ ኩነታት ብፍሉይ ክነድህብ እንተኾይና ድማ ዘገድሸና ዓቢይ ክልላዊ ዋኒን ኣሎ፡፡ ዋኒን ክልላዊ ትግራይ መንግስቲ ክኸውን ዘለዎ ኣብርሆት ዘለዎ ትግራዋይ ልሂቅ ምፍጣር እዩ፡፡ እዚ ልሂቅ ንምግምማዕ ብኣግኡ ዝነፅግን እንካብ ምሽጥሻጥ ዝርሓቐን እዩ ክኸውን ዘለዎ፡፡ ብተወሳኺ ናይ ዕላማ ሓድነት ዝፈጠረን ዘድንፍዐን ልሂቅ ምዃኑ ድማ ናይ ግድን እዩ፡፡ እዚ ብዓል ኣብርሆት ልሂቅ፡ ኣብ ሃገራዊ ኩነታት እትነጥፍ ዋዒ ዘለዋ ክልል ክትህሊ ዘኽእል ራእይ ዝሰነቐን ንድሕሪት እናራእየ ዘይቑዝምን እዩ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ ሃገራዊ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ህይወት ክዋሳእ ዝኽእል ክኸውን ይግባእ፡፡ ልሂቅ እቲ ክልል ናይ ዝተፈላለዩ ባህልታት ጥምረት ዝኾነት ገስጋሲት ሓዳሽ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍጣርን ምድንፋዕን መራሒ ተዋሳኢ ክኸውን እቲ ክልል ራእይ ክሕዝ ኣለዎ።

4. ኣብ እዚ ጉዳይ እዚ መንግስቲ ክልል ትግራይ ንካልኦት መንግስታት ክልል ኣብነት ክኾነሉ ዝኽእለሉ ኣጋጣሚ ኣሎ፡፡ እቲ ክልላዊ መንግስቲ ንኩሉ ዘውገ ፖለቲካ ዘተኣኻኽብ ክልላዊ ዋዕላ ዘተ ብህፁፅ ክፅውዕ ይግብኦ፡፡ እዚ ንኩሉ ዝሓወሰ ዋዕላ ናብ ድልዱል ትካላዊ ለውጢ ብምምራሕ እቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ውሽጥን ካብ ትግራይ ወፃኢን ብዘሎ ትግራዋይ ሰፊሕ ተቐባልነትን ደገፍን ከረጋግፅ ዘፍቅደሉ መገዲ እዩ፡፡ ብደረጃ ሃገር ኣዎንታዊ መርኣያ ክኸውንን ምሕደርኡ ምሉእ ተቐባልነት ክህልዎን ምእንታን እቲ ክልላዊ መንግስቲ ሓቃዊን ኣብ ክእለትን (meritocracy) ተቐባልነትን ዝምስረት መረፃ ብዝቐልጠፈ ኣብ ትግራይ ከካይድ ይግባእ፡፡ እቲ ክልል ኣብ ሕጊ መረፃ ኢትዮጵያ ንዘሎ አንቀፅ 28 ተወኪሱ ቕድሚ 2012 መረፃ ከካይድ ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ብብርኪ ክልል ዝህሊ ዘተ ፖለቲካ ንትግራይ ዝረብሕ፡ ንኩሉ ዘወሃሃደ ራእይ ንኽህልይ ዝገብር ጥራሕ ዘይኮነስ ካብኡ ሓሊፉ ብደረጃ ሃገር ንዝህሊ ዘተ ዕርቀ ሰላም ናይ ርእሱ ኣበርክቶ ክህልዎ ይኽእል እዩ፡፡ ተመሳሰልቲ ዋዕላታት ዘተ፤ ሓቂን ዕርቅን ኣብ ካልኦት ኸባቢታት እውን ከምኡ ክህልዉ ሃገራዊ ኣጀንዳ ክቕረፅ የላዓዕል ድማ እዩ፡፡

5. ብሓደ ገፅ፡ ናይ ተጋሩ ሰብኣዊ ድሕነት ክድልድልን ክረጋገፅን ምእንታ፡ ብካልእ ገፅ ምእንተ ምጥንኻር ዲሞክራሲን ልምዓትን ክልል ትግራይ ኣብ ሓሙሽተ መሳለጥያታትን (enablers) መደንፋዕቲ ሓይልን (multipliers of power) ንፁር ስትራቴጂካዊ ኣጠማምታ የድሊ፡፡ ብፍላይ ሙሉእ መንግስታዊ ባህርይ ዘለዎ ክልላዊ መንግስቲ (de facto state) ክህሊ ይግባእ፡፡ እንትዝርዘሩ ድማ ኣዐርዩ ዝሰልጠነን ዝተምሃረን ሓይሊ ሰብ ክህልዉ ምግባር፤ ኣዝዮም ዝሰልጠኑ ተወለድቲ ካብ ቦታ ቦታ ክንቀሳቐሱ ዘኽእሎም ዝተሳለጠ ዕድል ክረኽቡ ምግባር፤ ተንቐሳቓሳይ ሃፍቲ ምፍጣር፤ ኣብ ሃገር ንዝህሊይ ዘይተርፍ ንዝመስል ናይ ንሕንሕ ፖለቲካ እኹልን ንቑሕን ምድላው ምግባር፡ ኣብ ሚድያን ዘፈር ፋይናንስን ምድሃብ እዮም፡፡

እስቲ ስግግር ካበይ ናበይ እዩ ንዝብል ሕቶ ፍትሕትሕ ኣቢልና ንርአ፡፡ ንቐደም ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ንዘሎ ስግግር ካብኡ ቐፂሉ ብደረጃ ሃገር ንዘሎ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ስግግር ንፈትሽ፡፡

ቐርኒ ኣፍሪካ ኣብ እዋን ስግግር፡ እንካብ ኵናት ፀረ-ሽበራ ናብ ስትራቴጂካዊ ንሕንሕ ዓለም ለኻዊ ሓይልታት
ብደረጃ ዞባዊ ጂኦ ፖለቲካ፤ ሎሚ ኣብ ምዕራፍ ድሕረ ኵናት-ሽበራ ብዕሊ ኣቲና ኣለና፡፡ ከም እንዝክሮ ኣብ እዋን ዝሑል ኵናት፡ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ኣንፃር ምስፍሕፋሕ ኮሚዩኒዝምን ደንበ ሶቭየት ሕብረትን ብሰንኪ ዝተፈነወ ስትራቴጂካዊ መጥቃዕቲ ብበዝሒ መፀውዒኡ ‘ምዕጋት’ ወይ ድማ ኮንቴይንመንት ናብ ዝበሃል ስትራቴጂ ዓለምና ኣትያ ምንባራ ይዝከር፡፡ ብኣሜሪካ ዝተገንሑ ኩሎም ምህዞታትን ምትእኽኻባትን ቐንዲ ታኼልኦም ‘ምዕጋት’ ንዝበሃል ፓሊሲ ማእኸል ዝገበረ እዩ ነይሩ፡፡ ከምዝፍለጥ እውን ናይ 1966 ወያነ ኢትዮጵያ፡ ሃገርና ምስ አሜሪካ ዝነበራ ምሕዝነት በቲኹ ናይ መንግስቱ ሃይለ ማርያም መንግስቲ ብ1983 እስካብ ዝውደቐሉ እዋን ናብ ደንበ ሕብረት ሶቭየት ፀንቢርዋ ፀኒሑ እዩ፡፡ ኣብ ኣፍሪካ ልዕልነት ንምርካብ ንስትራቴጂካዊ ረብሓ ክብሉ ሓያላት መንግስታት ዝገበርዎ ንሕንሕ ነዚ ለውጢ መንግስቲ ኣቀላጢፍዎ እዩ፡፡

ድሕሪ ምብቓዕ ዝሑል ኵናት፡ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ምሕያል እስላማዊ ግብረ ሽበራ፡ ኣብ ልዕሊ ግበረ ሽበራ ዝካየድ ቃልሲ ብኣሜሪካ ኣብ ዝምስረት ዝኾነ ግንባር ማእኸላይ ታኼላ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ፡፡ ምእንቲ እዚ፡ ኣብ ልዕሊ ግብረ ሽበራ ዝካየድ ቃልሲ፡ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ኣብ ዝነበረን ምሕዝነት እቲ ቐዳማይ ቦታ ዝነበሮ እዩ፡፡
ሕዚ ድማ ኣብ ዓለም ብሓፈሻን ኣብ ዞባታት ዘለዉ ሓይልታት ብፍላይን ቕድም ክብል ኣብ ኸባቢ ኣፍሪካ ናብ ዝነበረ ንሕንሕ ልእለ-ሓያላን ተመሊሶም ኣለዉ፡፡ ንቻይና እንተወሲድና ኢኮኖሚያዊ ሃለዋታ ኣብ ኣፍሪካ ኣስፋሕፊሓ ትርከብ፡ ንኢትዮጵያን ጂቡቲን ሓዊስካ ማለት እዩ፡፡ ሕብረት ኣውሮፓ እንተወሲድና እውን፡ ንቻይናን ካልኦትን ክተርክበለን ምእንታን ምስ ኣፍሪካ ንዝፀንሓ ምሕዝነት መልክዕ ክተትሕዝ ትኳሻሕ እዩ ዘላ፡፡ ሕቡራት ኣሜሪካ ፀኒሓ ደንጋፂት ብምዃን ቻይና ኣብ ኣፍሪካ ዘለዋ ምስፍሕፋሕ ክትዓግትን ካብኡ ሓሊፋ ድማ ‘እታ እምባይ መን ይወርሳ’ ብዝብል ንቻይና ካብቲ እምባ ክተዕልዋን ኣናእሽቲ ስዳሮታት ትገብር ኣላ፡፡ ንኔቶ (NATO) እውን ከምኡ፡ ብምኽንያት ሊቢያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ተፈጢሩ ንዝፀንሐ ሓጓፍ ርክብ ናይ ምስትኽኻል ዕላማ ሒዛ ኣላ፡፡ ካልኦት ኣገደስቲ ሓይልታት ዝበሃላ ከም እኒ ራሽያ፤ ጃፓን፤ ህንዲ፤ ኢራን፤ ቱርኪ፤ እስራኤል፤ ስዖዲ ዓረቢያ፤ ሑቡራት ዓረብ ኢምሬትስን ቓጣርን ዝኣምሰላ ሃገራት ምስ ኣፍሪካ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ሓድነት ክፈጥራ ይፅዕራ ኣለዋ፡፡ ምእንቲ እዚ፡ ገሊአን ኣብ ኢደን ዘሎ ወትሃደራዊን ፋይናንሳዊን ዓቕሚ ይጥቀማ ኣለዋ፡፡
ኵናት ፀረ-ሽበራ ንኣሜሪካን ኢትዮጵያን ዘተኣሳስር ውራይ ክኸውን ኣብዘይክእለሉ ብርኪ ተበፂሑ ኣሎ፡፡ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ እንኮላይ ንቐርኒ ኣፍሪካ እውን ብመላእታ፡፡ ኣብ እዚ ሕዚ እዋን ኣሜሪካ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ኣንኬል ዝገብር ቃልሲ ፀረ-ሽበራ እንተይኮነስ ምቅሃም ፅልዋ ቻይናን ራሺያን እዩ፡፡ ብሓፂሩ ሎሚ ኣሜሪካ ምስ ሓይልታት ኣፍሪካ ጥምረት እትደልየሉ ምኽንያት ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ እቲ ኣሜሪካ ምስ ልእለ-ሓይልታት (ማለት ድማ ምስ ቻይናን ራሽያን) እትገብሮ ንሕንሕ ሓገዝቲ ሓይልታት ክኾንኣ ምእንታን እዩ፡፡

ብዛዕባ ሓዱሽ ስትራቴጂ ምክልኻል እንትዛረቡ፤ ሴክረታሪ ምክልኻል ሃገር ኣሜሪካ ዝኾኑ ጄኔራልጄምስ ማቲስ ኣብ ወርሒ ጃንዋሪ (ጥሪ) 2018 ከምዝስዕብ ኢሎም፡
ኣብ ሞንጎ ልእለ-ሓይልታት ዓለም ዘሎ ንሕንሕ ንኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ኣድህቦኣ እዩ፡፡ ካብ ቻይና እስካዕ ራሽያ ዝተዘርግሑ ዝተፈላለዩ ከለስቲ ሓይልታት ተፃብኦ ክህቅኑልና ምዃኖም ንኣምን፡፡ ነዘን ገበቲ ሃገራት ኣሚነን ዝዋፈራ ሃገራት እውን ብኡኡ ልክዕ ፈተናታትና እየን፡፡ ኮይኑ ግና፤ ንአሜሪካ ዝፈታተኑ ኩሎም ሓይልታት ክፈልጥዎ ዘሎዎም ሓቂ ድማ ኣሎ፡፡ ንሱ እውን ከጥቅዑና ዝፍትኑ ኩሎም እቲ ዝነውሐን ዝኸፍአን መዓልቲ እዩ ክገጥሞም፡፡

ብኡኡ ልክዕ ኣብ ቐረባ ዝወፅአ ሕታም ስትራቴጂ ምክልኻል ሃገር (2018 ኣ.ፈ) ኣብ መጀመሪያ ገፃቱ ዘስፈሮ ከምዝስዕብ ይብል፡፡

“ነቲ ሃገራዊ ስትራቴጂ ድሕንነት እቲ ቐንዲ ብድሆኡ ብሄራዊ ደሕንነትን ኣሜሪካ ከላሲ ሓይሊ ኢሉ ዝፅውዖ ሓይሊ ንነዊሕ ጊዘ ከገልግሎ ብዝኽእል ከምብሓዲሽ ቐሪፅዎ ዝመፀ ሓዲሽ ተናሓናሒነት ሒዙ ቦኽ ምባሉ እዩ፡፡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናተኾልዐ ይመፅእ ዘሎ ሓቂ እንታይ እዩ እንተይልና ቻይናን ራሽያን ናይ ዓብላላይነት ሞዴል ብምኽታል ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር ዓቕሚ እናተጠቐማ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ብኢኮኖሚ፤ ዲፕሎማሲን ድሕንነትን ወሰንቲ ንምዃን ምድላየን እዩ፡፡ እቲ ካልእ ስትራቴጂካዊ ተርእዮ ኣብ ዝኾነ እዋን ክበራበር ዝኽእል ተኽእሎ ዘለዎ፡ ግን ድማ እናደኸመ ይኸይድ ዘሎ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተመዓራርዩ ዝነበረ ኣሰላልፋ ሃገራት እዩ፡፡ ቻይናን ራሽያን ነዚ ነባር ስርዓት ዓለም ኣብ ውሽጡ ኮይነንን ነቲ ስርዓት እናተበለፃን ከም ስርዓት የዳኽምኦ ኣለዋ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብኡ ናብኡ እውን መትከላቱን ‘ሕገ ዕስለ’ እቲ ስርዓት (Rules of the Road) እውን ከዳኽመኦ ይርከባ፡፡ ” (እቲ ምልክት ሕንፃፅ ናይ እቲ ፀሓፋይ እዩ)

ብምዃኑ እውን ከም እኒ ውቅያኖስ ኢንድያ፡ ቐይሕ ባሕሪን ዝኣምሰሉ ማያዊ ኸባቢታትን ኣብ እቲ ኸባቢ ዝርከባ ከምኒ የመን፤ ኤርትራ፤ ጂቡቲን ሶማልያን ዝኣመስላ ሃገራትን ዓውደ ግንባር ሓያላት ሃገራት ኾይነን ኣለዋ፡፡ ካልኦት ኣገደስቲ ሃገራት እውን ነቲ ኸባቢ ዓውደ ግንባር ገይረንኦ ኣለዋ፡፡ ወታሃደራዊ መዓስከራት ኣብ ሳሕል፤ ቐርኒ ኣፍሪካን ምዕራብ ኣፍሪካን እናተጣየሹ ድማ ይርከብ፡፡ ንኣብነት ንጁብቲ እንተወሲድና ከም ሓንቲ ወትሃደራዊ ድሕሪ ቤት ሓያላት ሃገራት እትቑፀርን ተፃፀርቲ ሓይልታት መሬት ጥቓ ንጥቓ እናዓደጉላ ዝርከቡ ሃገር ኮይና ኣላ፡፡ ቻይና ኣብ ጥቓ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ መዋፈሪ ሰሪታ ኣላ፡፡ ኣብ ኸባቢ መጀመርታ 2018 (ኣ.ፈ)፡ ጂቡቲ ምስ ዱባይ ዲፒ ወርልድ ዝበሃል ኩባንያ ዝነበራ ስምምዕ ማኔጅመንት ከምዘቋረፀቶ ምዃና ዝፍለጥ እዩ፡፡ ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ጁቡቲ ነቲ ዝተቛረፀ ስምምዕ ምስ ቻይና ከይትገብሮሞ ንምሕደራ እቲ ወደብ ንቻይና ኣሕሊፋ ከይትህብ ኣሜሪካ ሻቕሎት ሒዝዋ ኣሎ፡፡ ጄኔራል ቶማስ ዋድሆዘር ዝተብሃሉ ኣዛዚ ሰራዊት ኣሜሪካ ቻይና ንወደብ ጁቡቲ ምምሕዳር እንተጀሚራ ኣብ ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ኣብ ኸባቢ ቐይሕ ባሕሪ ካብኡ ሓሊፉ እውን ብደረጃ ዓለም ንዘሎ ረብሓ ኣሜሪካ ኣዝያ ክትፈታተን ምዃና ንኮንግረስ ኣሜሪካ ሓቢሮም እዮም፡፡ እቶም ጄኔራል ነዚ እንተብርሁ ንኦኦም ዘገደሾም ነቲ ወደብ ቻይና ምቑፅፃራ ንኣሜሪካ ከስዕብዎ ዝኽእሉ ቀይድታት እዮም፡፡ እዚኦም ድማ ብዝርዝር እንትነቕምጦም፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ ምልልስ ናውቲ ኣሜሪካ ዕንቅፋት ክትገብር ምኽኣላ፤ ብኡኡ ዝተልዓለ ንመዋፈሪ ኣሜሪካ ምሕናቕ ምኽኣላን ኣሜሪካ ንመርከባታ ብቐሊሉ ክተንቀሳቕስ ዘይምኽኣላን እዮም፡፡ ብተመሳሳሊ ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ዝኾኑ ብራድሊ ብርያን ስኽፍትኦም ንሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሃገሮም ገሊፆም እዮም፡፡ ጄነራል ዋድሆዘር ቐፂሎም “ኣሜሪካ እንካብ ቻይና ንላዕሊ ገንዘብ ኣውፂኣ በሊፃ ክትኸይድ ኣይትኽእልን” ኢሎም፡፡ ካብኡ ብተወሳኺ ኣሜሪካ ኣብ ገማግም ቐይሕ ባሕሪ ብዛዕባ ክህልዋ ዝግባእ ወትሃደራዊ ስትራቴጂ ዳግም እንትሕንፅፁ ቻይና ማእኸል ክገብሩ ምኻኖም ኣዘኻኺሮም፡፡

ብዝኾነ ካብ እዚ እንርድኦ፡ ጂቡቲ ምስ ቻይና ምስእትፅጋዕ ምስ ኣሜሪካ ካብኡ ሓሊፉ ምስ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ (ውዕል ወደብ ብምቑራፃ) ኣብ ከቢድ ወጥሪ ክትኣቲ ምዃና እዩ፡፡ “ምናልባት ኣሜሪካ ሓዱሽ ምትዕርራይ ምሕዝነት ክትገብር ምዃና ዘመላኽቱ ገለ መርትዖታት ምህላዎም ኢና እንርኢ፡፡ ኣብ ጥቓ ኢትዮጵያን ኤርትራን እትርከብ ጁቡቲ ንቻይና ወትሃደራዊ መዋፈሪ ክትሃንፅ ካብ ኣፍቀደትን ኣብ እቲ ዞባ ይምዕብል ዘሎ ሓዱሽ ጂኦ ፖለቲካ እንትሕሰብን ኣሜሪካ ንገዛእ ረብሕኣ ክትብል ምስ ኤርትራ ዘለዋ ርክብ ክተመሓይሽ ከምዘለዋ ተረዲኣቶ ኣላ” ፡፡ ምስ እዚ ተኣሳሲሩ፤ ኤርትራ እውን ንኣሜሪካ ኣማራፂ ወትሃደራዊ መዋፈሪ ክትልግስ ትኸውን እያ፡፡ ኣብ እዚ ክበሃል ዝከኣል ጭቡጥ ነገር እንተሎ ቻይና ኣብ ኣፍሪካ ንትምውሎ ዘላ ዝኣክል ዓቐን ኣሜሪካ ክትምውል ከምዘይከኣለት ርጉፅ ምዃኑ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ኣሜሪካ ነዚ ኣከሓሒሳ ናይ ቻይና ፅልዋ ክትምክት እንተኾይኑ ዝተፈላለዩ ኩለ መዳያዊ ፀቕጥታት ክትገብር ምዃና ድማ እሙን እዩ፡፡

ኣብ ላዕሊ ዘዘንተኽዎ ጉዳይ ኣብ እዋን ዝሑል ኵናት ናይ ዓለም ሓይልታት ኣብ ኣፍሪካ ይገብርዎ ምስ ዝፀንሑ ምትእትታው ኢድ ዝመሳሰል እዩ፡፡ ከምኡ እውን ኮይኑ እቲ ኣፈላላይ ንፁር እዩ፡፡ እቲ ቀንዲ ኣፈላላይ ኣብ እዚ ሎሚ እዋን ዘለዉ ዓለማዊ ተዋሳእቲ ክልተ ማለት ድማ ምዕራባዊያንን ምብራቓዊንን ደንበታት ጥራሕ ዘይኮኑስ ካብኡ ሕልፍ ዝበሉ ምዃኖም እዩ፡፡ ካብኡ ብተወሳኺ እቶም ክልተ ዓበይቲ ደንበታት ይቆራቖሱ ዘለዉ ንርእዮተ ዓለማዊ ልዕልና ዘይኮነስ ንኢኮኖሚያዊ ልዕልና እዩ፡፡ ብኡ ምኽንያት ከዓ ኣብ ናይ ዓለምና ውሕትድርናን ዲፕሎማሲን ዓቢይ መዘዝ ዘሎዎን ንዓለማዊ ስርዓት ክቕይር ዝኽእልን እዩ፡፡ ካብ ራሺያ ብዝተፈለየ ከዓ ቻይና እትደልዮ ውፅኢት፡ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝፈጠሮ መሳልል ሓይልታት ምፍራስ ዘይኮነስ ኣብቲ ልዕሊ መሰላል ቁጢጥ ምባል እዩ፡፡

ኣብ እዚ ሎሚ እዋን፡ ኣብ ኣሰራርዓ ቅደም ሰዓብ ድልየታት ኣሜሪካ፡ ንሽበራ ምቅላስ ካልኣዋይ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ብምዃኑ እውን፡ በዚ ለውጢ ቅደም ሰዓብ ዝተልዓለ ኣብ ጉዳያት ፀጥታ እቲ ዞባ ኣሜሪካ ንሰራዊት ኢትዮጵያ እትህቦ ዋጋ ነኪዩ እዩ ክበሃል ይከኣል፡፡ ብኡኡ ልክዕ፡ ኣብ ምምሕዳር ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ኣሜሪካ ምስ ግብፅን ስዖዲ ዓረቢያን ዘሎዋ ምሕዝነት ኣዕዚዛ ኣላ፡፡ ብካልእ ወገን፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ንቓጣር ንቱርኪ ካብኡ ሓሊፉ እውን ንኢራን ዘውሰነ (ዘግለለ) ኣካይዳ እዩ ዘለዎም፡፡ ኣሜሪካ ናብ ግብፂ ገፃ ዝዞረ ምሕዝነት ምግባራ ድማ ሰራዊት ግብፂ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበሮ ሕሉፍ ፅልዋ ዳግም ክጭብጥ ሓጊዝዎ ኣሎ፡፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ኦባማ ብገለ ሰበ ስልጣን ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ፤ብኤቫንጄሊካን ቤተ እምነታት ብገለ ሴነተራት ንኤርትራ ፍሉይ ኣቓልቦ ሂቦም ጀሚሮም ምንባሮም ይዝከር፡፡ ንኤርትራ ካብ ኣእትያቶ ዝነበረት ዲፕሎማሲያዊ ደልሃመትን ተነፅሎን ከውፅእ ዝሃቀነ ዘየቛርፅ ለበዋ ከምዝነበረ እውን ይፍለጥ እዩ፡፡ ኣሜሪካ ኣብ ብሄራዊ ፀጥታኣ ኣንፈት ቆላሕታ ካብ እትቕይር ንነዘ እዚ ለበዋ ፍረ ከፍሪ ከምዝጀመረ ከዓ ንርኢ ኣለና፡፡

ንተፍትሽ ዝኣክል፡ ቅድም ክብል ጡረታ ዝወፁ ዲፕሎማሴኛታት ኣሜሪካ፤ መድረኻት ምፍላቕ ዝተፈላላዩ ሓሳባት (think tank forums) መድረኻት ከዳለውን ርእዮቶታት ከሐትሙን ተገይሮም እዮም፡፡ ብኡ ኣቢሎም ድማ ንሴኔት ኣሜሪካን ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት ፖሊሲን ማዕዳታት ፓሊሲ ከቕርቡ ፀኒሖም እዮም፡፡ ነባራት ዲፕሎማሰኛታትን ሴኔተራትን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝፀንሐ ወጥሪ ንክመሓየሽ ፃውኢት ገይሮም፡፡ ሽዑ ንሽዑ ገለ ሰባት ከም ኣማራፂ (ንናይ ጁብቲ) ኣብ ኤርትራ ወትሃደራዊ መዋፈሪ ኣሜሪካ ክጣየሽ ሓሳብ ኣቕሪቦም፡፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓዱሽ ምትዕርራይ ርክብ ኢትዮ ኤርትራ ኣመልኪታ ፋቴመህ ሳልህ ከምዙይ ትብል “ላዕሊ ላዕሊኡ እንትርአ ክልቲአን ሃገራት ረብሓ ክልቴኣዊ ርክብ ተረዲአን ዝፈፀመኦ ይመስለካ፤ ኮይኑ ግና እቲ ሓቂ ካልእ እዩ፡፡ ኣብ እቲ ዝርርብ እዘን ክልተ ሃገራት፡ ካልኦት ሃገራት ከምዝነበራ ትርዳእ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ገለ ሰባት፡ ኣሜሪካ ከም መጠን ፈታዊት ኢትዮጵያ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ስምምዕ ዶብ ክተኽብር ከምዘይትፅበያ ይገልፁ፡፡“ ኣሜሪካ፤ ጉባኤ ቤተ እምነታት፤ ሑቡራት ዓረብ ኤምሬትስ፤ ከምኡ እውን ስዑዲ ዓረቢያ ኣብ እቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ እዚ ቐረባ ዝነበረ ልዝብ ዕርቂ ተሳቲፈን እየን፡፡ ከምኡ እውን ኣብ ሎንደን ዝመደብሩ ዘሚድል ኢስት ሞኒተር ዝተብሃለ ጋዜጣ ኣብ ዘውፅኦ ዜናኡ፡ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ ምስ ሓይልታት ግብፂ ብምትሕብባር ኣብ ኤርትራ ወትሃደራዊ መዋፈሪ ከምዝመስረተት ሓቢሩ እዩ፡፡ ምስ ምቕያር ፓሊሲ ኣሜሪካ ተኣሳሲሩ፡ ንዘላቒ ረብሓታት ኢትዮጵያ ተፃባኢ ብሄራዊ ረብሓ ዘለወን ከምኒ ግብፂን ሳዑዲ ዓረቢያን ዝኣምሰላ ሃገራትን ባዕላ ኤርትራን ኣብ እቲ ዞባ ኣብ ቐረፃ ኣጀንዳ ልዕልና ረኺበን ኣለዋ፡፡ ምስ ምሕታም ስትራቴጂ ሃገራዊ ፀጥታ ኣሜሪካን (National Security Strategy) ብ2018 (ኣ.ፈ) ምስ ዝወፀ ሓዲሽ ስትራቴጂ ምክልኻል ሃገር (National Defense Strategy) ተተታሒዙ ሓዱሽ ተርእዮ እውን ኣሎ፡፡ ኣሜሪካ ምስ ቻይና (ብውስን ምስ ራሺያ) ዘለዋ ስትራቴጂካዊ ንሕንሕ ንርክባት ኢትዮ ኣሜሪካ ቐንዲ መዐቀኒ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ኣሜሪካ ንባዕላ ዝሓዘቶ ልኡኽ ምቕያራ ወሳኒ ምኽንያት ኮይኑ፤ ኣብ እዚ ንሕንሕ ቻይናን ኣሜሪካን ካልኦት ተወሰኽቲ ምኽንያታት ንኢትዮጵያ ኣገዳሲት ተዋሳኢት ይገብርዋ ኣለዉ፡፡ ንልዕሊ ዒስራ ዓመታት፡ ሃገራት ምዕራብ ብሕልፊ ድማ ኣሜሪካ፡ ብመዳይ ኢኮኖሚን ርእዮተ ኣለምን ኣብ ኣፍሪካ እታ ዝዓበየት መሓዛ ቻይና ኢትዮጵያ እያ ክብሉ ይኣምኑ ፀኒሖም፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ብዓይኒ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ፡ ኢትዮጵያ ዋና ድልድልቲ መሓዛ ቻይና ጥራሕ ዘይኮነትስ ቻይና ናብ ኣፍሪካ ብርእዮተ ኣለም ኣብ እትገብሮ ምስፍሕፋሕ ኢትዮጵያ ንቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ ሒዛ ከም መመጣጠሪት ተገልግል ከም ዝፀንሐት ይኣምኑ፡፡

ኢህወደግ ከም ውድብ መበቆሉ ምንቅስቃስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ እንትኸውን፡ ታሪኻዊ ልኡኹን ርእዮተ ኣለሙን ከዓ ምንጋስ ማሕበረሰባዊ ማዕርነት እዩ፡፡ ኢህወደግ ከም ገዛኢ ውድብ ኣጀንድኡ ናብ ገባርን ድኻን ዘዘንበለ፤ ብሓፂሩ ፀረ-ድኽነት ዝኾነ ውድብ እዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ብኣብነታት ሃገራት ኢስያ ዝተበጋገሰ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝብል ርእዮተ ኣለም ሓንጊጡ ዝሰርሕ ውድብ እዩ፡፡

ኢህወደግ ኣንፃር ኣይ ኤም ኤፍ፤ ባንኪ ዓለምን ካልኦት ልዕሊ ዓቐን ፀቕጢ ዝፈጥሩ ኣካላትን ተፈሓፊሑ ኣብ ኢኮኖሚ ናይ ርእሱ ፓሊሲ ዝቐረፀን ንሉኣላዊነት ፓሊሲ ብዕውትነት ዝተኸላኸለን ውድብ እዩ፡፡ ማዕረ ማዕረ እዚ፡ ኢህወደግ ምስ ኣሜሪካን ምስ ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ኣብ ሰላም፤ ፀጥታን ከምኒ ለውጢ ኣየር ዝኣምሰሉ ዛዕባታትን ትርጉም ዘለዎ ምትሕግጋዝ ዘረጋገፀ ውድብ እዩ፡፡ እዚ ዝተዓትረ ለውጢ ማለት ድማ ብሓደ ገፅ ናይ ፓሊሲ ሉኣላዊነት፤ ብካልእ ገፅ ድማ ምስ ኩሎም ምዕራባዊ ሃገራትን ቻይናን ፅቡቕ ምሕዝነት ምፍጣሩ ዓወት መንግስቲ ኢህወደግ እዩ፡፡ ምስዚ ኩሉ በዝሒ ደንበታት፡ ፅልዋ ዘሕድረሎም ሸነኻት ርክብ ፈሊዩ ዘቐመጠን ኢትዮጵያ ሓገዝ ኩለን ሃገራት ከይፍለያ ዝገበረን እቲ ብቐዳማይ ሚኒስቴር መለስ ዜናዊ ይምራሕ ዝነበረ መሪሕነት ሕወሓት እዩ፡፡ ነዚ ድማ ክምስገን ይግባእ፡፡

እንከይተሓስበ፡ ኢህወዴግ እንካብ ፀረ-ሽበራ ናብ ኵናት ኢኮኖሚ ናይ ዝተገብረ ምቕያር ፖሊሲ ኣሜሪካ ግዳይ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ፡ ቀንዲ ዒላማ ጥቕዓት ኣሜሪካ ክኾን ግድን ዝኸውን እቲ ምንጪ ፖሊሲ ኢህወደግ ዝኾነ ህወሓት እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ድማ ንልምዓታዊ መንግስቲን ሉኣላዊ ፖሊሲን ዝጣበቕ ክንፊ ማለት ድማ ነባር መሪሕነት ህወሓት እዩ፡፡
ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ነፍስሄር ቐዳማይ ሚኒስቴር መለስ ዜናዊ ኮይኑ፡ ኢህወደግ ንምልክታት ዘይተርፍ ምቕያር ፖሊሲ ኣሜሪካ ክእምትን ከለልይን ኣይከኣለን ነይሩ፡፡ ንድሕሪት ን2010 ኣ.ፈ ምልስ እንተይልና፤ ንቻይና ዝምልከት ‘ኤሽያ ፒቮት‘ዝብል ፓሊሲ ኦባማ ኣብ ልዕሊ ቻይና ንዘይተርፍ ለውጢ ፖሊሲ ኣሜሪካ ደጓሕትኡ ኣርእዩ እዩ፡፡ ማዕረ ማዕረ እዚ ድማ፡ ንመሓዙት ቻይና እውን ክልክም ከምዝኽእል ብተዘዋዋሪ መገዲ ኣርእዩ እዩ፡፡ ኣብ ውሽጡ ናብ ዝተፈጥረ ኣናእሽቲ ተኽኒን ቑርቅስን ዘትኮረ ኢህወደግ (ብፍላይ ድማ ሕወሓት) ነዞም ምልክታት ብኣጋ ከለልይን ብውነ ተዛትዩ ክዳሎ ኣይከኣለን፡፡

ብዘይካ እዚ፡ ኣንፃር ኢህወደግ ዝተዳለወ ዘይክበስ ፖሊሲ ምዕራብ ሃገራት ኣብ ምምዕባሉ ካልኦት ምኽንያታት ነይሮም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ፀጥታ ዋዕላ ሕቡራት መንግስታት ዝነበራ ኣደማምፃ፡ ብፍላይ ድማ ንክርምያ/ዩክሬይን ከምኡ እውን ንሲርያ ብዝምከልት፡ ንሃገራት ምዕራብ ዘሰንበደ እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ክልቲኦም ጊዜያት፡ ኢትዮጵያ ንሩስያ ደጊፋ እያ ቐሪባ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስግግር፡ ድሕረ ኢህወደግ ዘሎ ዘበን?
እንካብ ልምዓታዊ መንግስቲ ናብ ሊብራል ኢኮኖሚ?

ሃገራዊ ፖለቲካና ኣብ ስግግር እዩ ዘሎ፡ እኳ ደኣስ ብዙሕ ቀራኖ ዝመልኦ፡፡ ፍኑው ሆሆታዊነት ብዘይከልካሊ እናሰጎመ ይርከብ፡፡ እንካብ እዚ ዝተልዓለ፡ ንዝተፈለየ ሓሳብ እዝኒ ዘይህብ ዘይዲሞክራሲያዊ ሆሆታዊ ተኸታሊ ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ ብሓደ ገፅ ፍኑው ሆሆታዊነት ብካልእ ገፅ ድማ ገስጋሳይ ማዕርነታዊ ኢትዮጵያዊነት ፊት ንፊት ገጢሞም ኣብ ግርጭት ይርከቡ፡፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ኣብ ወፃኢን ኣብ ጉዳያት ሃገር ዘሎዉ ምልልሳት ብፅልኢትን ፅንፈኝነትን ዝተሸሙ እዮም፡፡ ኣጣዓዒሙ ዝኸይድ ፓለቲካ ኣብ ፅንፍነት ብዘድሃበ ፓለቲካ ጥቕዓት ይፍፀሞ ኣሎ፡፡ እቲ ንሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ፓርላማ ክሃንፅ ዝተልዓለ ምንቅስቓስ ብምኽንያት ምሕያል ናይ ዓብላልነት ኣብዝሓ ሓደጋ ክገጥሞ ይኽእል ምኻኑ ይርአ ኣሎ፡፡ ካብዚ ብዝገፍሐ ድማ፡ ብደረጃ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኩለን ክልላት ይርአ ዘሎ ሆሆታዊነት ናብ ዝተናውሐ ምትፍናን (confrontation) ከምርሕ ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ኣብ ሞንጎ ብሄራትን ክልላዊ መንግስታትን ዝህሊ ምትፍናን ንልምዓታዊነት ዓንቂ እዩ፡፡ ንኣፈፃፅማ ልምዓታዊነት ሓሊኹ ንኢትዮጵያ ኣብ መፃወዲያ ቐፃሊ ድኽነትን ከርፋሕፋሕን ከፅንሓ እዩ፡፡

ድሕሪ 1983 ዓ.ም. ኣብ ዘለዉ ዓመታት ኢህወደግ ከም መጣበቒ እንዳዲዕ ሃገር ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ፡፡ ኢህወደግ ካብ ደገ ዝነቕሉ ብርክት ዝበሉ ቕልውላዋት ኣጓኒፎምዎ ይፈልጡ እዮም፡፡ እቲ ድሕሪ 2015 ኣ.ፈ. ዝገጠሞ ተቓውሞን ኣብ ውሽጢ ላዕለዋይ መሪሕነት ዝመፀ ምግምማዕን ግና ንኢህወደግ ኣልሚሱ ንመንግስታዊ ትካላት ብኽፋል ካብ ጥቕሚ ወፃእ ገይርወን እዩ፡፡ እቲ ኣብ ኢህወደግ መፂኡ ዘሎ ለውጢ ንመንቀሊኡ ብርክት ዝበሉ ምኽንያታት ክዝረበሉ ይኽእል እኳ እንተኾነ እንካብ ህዝቢን ዲያስፖራን ዝመፆ ተቓውሞ እቲ ሓደ እዩ፡፡ ዋላ እውን ከምኡ ኮይኑ፡ እቲ ዝዓበየ ምኽንያት ለውጢ ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ዘሎ ፀገም እዩ፡፡ እንካብ ኣብ ኢህወደግ ካብ ዘለዉ ሓይልታት እቶም ኣብ ንቕዘት ዝኣተዎ ባእታታት ብፍላይ ንሆሆታዊነት ምርኩስ ገይሮም ምምፅኦም እቲ ሓደ እዩ፡፡ ምስኡ ማዕረ ማዕረ ድሕሪ ሞት ቐዳማይ ሚኒስቴር መለስ ዜናዊ ብምኽንያት ምብስባስ ርእዮተ ኣለም ብዘይካ ኣብ ስልጣን ምፅናሕ ንመሪሕነት ዝጠምር ናይ ሓባር ራእይ ዘይምህላው ካልእ ዓቢይ ምኽንያት እዩ፡፡ ነፍስሄር መለስ ዜናዊ ንኢህወዴግ ከም እንዳዲዕ ከም ሓደ ኣጣቢቑ ዝሓዘ መራሒ ዝነበረ ምዃኑ ድሕሪ ሞቱ ካብ ዝተፈጥረ ሓጓፍ ምርዳእ ተዃኢሉ እዩ፡፡ ንሱ ዋላ እኳ ኣዛዚ ገባቲ እንተነበረ ንሱ ነቲ ውድብ ታዄላ ምንባሩ ርዱእ እዩ፡፡ ታኼላ ስለዝነበረ ድሕሪ ምሟቱ ኣብ ኣብ ውሽጡ ጥራሕ ዘትኮረ (inward looking) መሪሕነት ሕወሓት ስምብራት ኣጋጢሙዎ፡ መሪሕነቱ እውን ተገማሚዑ፡፡ ልዕሊ ኩሉ ግና ኢህወደግ ምሁራዊ ዓቕሙ ተዳኺሙ እዩ፡፡ ብምኽንያት ምድኻም ርእዮተ-ኣለም ኢህወደግን ኣብ ውሽጡ ብዝተፈጥረ ፍሕፍሕን ተወሳኺ ምግምማዕ ስዒቡ ኣብ ኢህወደግ ትካላዊ ምስንጥጣቕ ክመፅእ ግድን ኮይኑ፡፡

ኣብ ኢህወደግ ዝተፈጥረ ስብራት መንቀሊኡ ኪሳራ ርእዮተ ኣለምን ንርእዮተ ኣለማዊ ሓድነት ከምፅእ ዝኽእል መራሒ ዘይምህላውን እዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ሓላፍነት ወሲዱ ንሃገራዊ ራእይ ዘወሃህድ መራሒ ምስኣኑ እዩ፡፡ ኣብ ሞንጎ እተን ናይ ግንባር ውድባት ዝፀንሐ ርእዮተ ኣለማዊ ምሕዝነት እተን ኣባላት ብማዕረ መጠን ዋጋ ኣይሃበኦን፡፡ ብሓፂሩ፡ ብሓፂሩ ኢህወደግ ኣብ ውሽጡ ዝተፈጥረ ኣፈላላይ ሓኪሙ ኣብ ምዃድ ዝገጠሞ ሕፅረት ንውድቀቱ ምኽንያት እየ፡፡

ሕወሓት ኣብ ሕድሕድ ኣባል ግንባር ዘሎ ምብስባስ ብትኽክል እንከይተረድአ ዘይግባእ ምስስል ፈጢሩ እዩ፡፡ ሕወሓት ‘በስቢስና ኢና ከምዚ ዓይነት ሽግር ነይሩና’ ብምባል ምስካልኦት ብማዕረ ደረጃ ከምዝሓመቐ ገይሩ ኣቀዳዲሙ ንባዕሉ ስኢሉ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ወፍሪ መፀለምታ ክካየድ መገዲ ፀሪጉ፡፡ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ፍሕፍሕ ንምስዕዓር ክጥቀመሉ ደልዩ ሕወሓት ወፍሪ ነቐፌትኡ ዛይዳ ኣበራቲዑ፡፡ ከምዝፍለጥ ኣብ ሞንጎ ኣባል ውድባት ኢህወደግ ዝፀንሐ መንፈስ ሕውነትን ተመሳሳሊ ባህርይን ኣብ ስልጣን ዝተደረኸ እዩ፡፡ ብተወሳኺ እውን ኣብ ምስላጥ ልምዓት ዝነበሮም ተወፋይነት ካልእ ምኽንያት እዩ፡፡ ብዘይካ እዚ ኣብ ሓደ ግንባር ናይ ምልፋን ዕድሎም ፀቢብ እዩ፡፡ እዚ ይጎድል ስለዘሎ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ስልጣን ኢህወደግ ኣብ እንሃደመ ዝኸይድ ሑፃ ዝተሰረተ ይመስል፡፡

እቲ እናደፍአ ዝመፀ ኣብ ሞንጎ ሓያላት መንግስታት ዘሎ ጂኦ ፓለቲካዊ ንሕንሕ፡ ኣሜሪካ ገይራቶ ዘላ ምቕያር ፓሊሲ ከምኡ እውን እናተሓተ ዝኸደ ደገፍ ምዕራባዊ ሃገራትን ነቲ ኣብ ኢህወደግ ዘሎ ውሽጣዊ ኣፈላላይ እናሳለጦ ከይዱ እዩ፡፡ ብኽፋል በዚ ምኽንያት ኢህወደግ ተዳኺሙ ይርከብ፡፡ እዚ ድማ ከምኒ ግብፅ፤ ኤርትራ፤ ዞባ ገልፍ ዝኣምሰላ ኢትዮጵያ ደኺማ ክርእያ ዝደልያ ኩለን ኣብ ልዕሊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ፅልዋ ክህልወን ገይሩ እዩ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ብኣውርኡ ዝብገስ ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ካብ ዘሎ ድኽመት፤ ዘይትሃድነ ንቕዘት፤ ናይ ስልጣን ፍሕፍሕን እንካብ ንሃገር ዝኸውን ሓበራዊ ራእይ ምስኣንን እዩ፡፡ ብተወሳኺ ኢህወደግ ምቅይያራት ኣሰላልፋ ሓይልታት ዓለም ኣብ ግምት ኣይኣተወን ፀኒሑ፡ እዙይ እውን ናይ ባዕሉ ፅዕንቶ ሒዙ መፂኡ እዩ ምባል ይከኣል፡፡ ብሓፂሩ፡ ኣብ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣትኪሎም ዝሰርሑ ተፃባእቲ ሓይልታት ዝፍፅምዎ ውዲትን ንሕንሕ ሓያላት ሃገራትን ኣብ ምምፃእ እቲ ለውጢ ወሳኒ እጃም ነይርዎም እዩ ክበሃል ይከኣል፡፡
ኣብ እዚ ሕዚ እዋን፤ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንኢህወደግ ስለዘልመሶ እቲ ኣብ ውሽጡ ዝፀንሐ ጥርናፈን ንነዊሕ ጊዘ ሒዝዎ ዝፀንሐ ምውህሃድን ኣስኢንዎ እዩ፡፡ ከምዝፍለጥ በቲ ብኢህወደግ ይምራሕ ዘሎ ስርዓት ፌድራላዊ ሕገ-መንግስቲ፡ ኢትዮጵያዊነት ሓዱሽ ትርጉም ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ፡ ንሱ ድማ ኢትዮጵያዊነት ማለት ማዕርነት፤ ሓዋስነትን በዝሓ ባህልን እዩ፡፡ እዚ ትርጓመ ኣብ ሕዚ ዘለናዮ እዋን ኣብ ትሕቲ መጥቓዕቲ ወዲቑ ኣሎ፡፡ በቲ ኣረጊት ፍፁማዊ ኢትዮጵያዊነት ስነ ሓሳብ እውን ይትካእ ኣሎ፡፡ እቲ ፌድራል መንግስቲን ሓደ ሓደ ክልላዊ መንግስታትን እቶም ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝተቐርፁ ንኩሉ ዝሓቁፍ ኢትዮጵያዊ መንነትን ካልኦት ገስገስቲ ክብርታትን ምስጓም ገዲፎምዎ ኣለዉ፡፡ ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ እውን እንተኾነ ዓለቕለቕ ዝበለ ሆሆታዊነት ንቲ ናይ ውድብ መትከል ናብ ዓብላልነት ኣብዝሓ ይቕይሮ ኣሎ፡፡ እቲ ኣንፃር ዓብላልነት ኣብዝሓ ዝተቓለሰን ሕገ-መንግስቲ ዘፅሓፈን ኢህወደግ ባዕሉ ናብ ዓብላልነት ኣብዝሓ የዘንብል ብምህላዉ ምኽንያት ንኩሉ ዘቀዳዱ ህገ-መንግስታዊ ዲሞክራሲ ተፃብኦ ገጢምዎ ኣሎ፡፡ ነቲ ሕዚ ኣብ ተግባር ዘሎ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ብዕሊ ክስዕር እስካዕ ዝደለየ ድማ፡ እዚ ሓዱሽ ዝንባለ ዓብላልነት ኣብዝሓ እስካብ ህዝባዊ ሪፈረንደም ክኸይድ ከምዝኽእል ዝግመት እዩ፡፡ ከምዝፍለጥ ሪፈረንድም ቀንዲ መሳርሒ ዓብላልነት ኣብዝሓ ስለዝኾነ በቲ ሕዚ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ፡፡

ዝተቐዳደወ ዲሞክራሲ ሕምብርቲ ፌድራላዊ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ፡፡ ኣርሓ ምሁር ዲሞክራሲ ዝኾነ ሊዥፋት ኣርንድ ንህገ-መንግስታዊ ዲሞክራሲ እንትገልፆ እዞም ዝስዕቡ መግለፅታት ኣለልዩ ኣሎ፡፡ 1) ዓቢይ ልፍንታዊ መንግስቲ ፈጢርካ ኣብ ትሕቲ ፅላል እዚ ልፍንቲ ነቲ ስልጣን ፈፃሚት ምክፍፋል 2) ናፅነት ጉጅለታትን ዘይሰዓዓር ዓቕሚ ምድማፅን (mutual veto power) ዘለዎም ጉጅለታትን ኣብ ምክፍፋል ስልጣን ተመጣጣንነት (proportionality) ዝሓዙ ምዃኖምን እዩ፡፡

ሕገ-መንግስቲ ፌድራላዊት ኢትዮጵያ ንመንግስታት ክልል ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር ስልጣን ይህቦም እዩ፡፡ ብጭቡጥ እንትትቕመጥ ድማ፡ ንሕድ ሕድ ብሄር/ብሄረሰብ ከባቢያዊ ዓርሰ-ምሕደራ፤ ክልላዊ መንግስቲ ናይ ምምስራት መሰል፤ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ገለ ቅድመ ኩነታት ምስ ዝማላእ ሙሉእ ንሙሉእ ናፃ ዝኾነ ሃገር እስካዕ ምምስራት ዘፍቅድ መስርሕ ይኽተል እዩ፡፡ እዚ ካብ ምንታይ ዝተበገሰ እዩ እንተይልና ብኣውርኡ ካብ መትከል ቅድድው ዲሞክራሲ እዩ፡፡ በዚ መትከል መሰረት ዲሞክራሲ ዝቕረፅ ንኩሉ ድልየታት ኣብ ግምት ኣእትዩን ኣብዝሓ ዘለዎ ብሄር ወይ ድማ ህዝቢ ክዕብልለሉ ዝኽእል መገዲ ብዝዓፁ እዩ፡፡

ብኣንፃሩ፡ ዓብላልነት ኣብዝሓ ከም መትከል ዝኣምን ስልጣን ኣብ ኣብዝሓ ህዝቢ ኣብ ምቑላል እዩ፡፡ ፒተር ኤመርሰን ዝተብሃለ ፀሓፊ ‘እንካብ ግዝኣት ኣብዝሓ ናብ ሓዋሲ ፖለቲካ’ ኣብ ዝብል መፅሓፉ ዘፅቐጠሉ ጉዳይ እንተሎ ዝስዕብ እዩ፡ “ከምዘይምዕዳል ኮይኑ፤ እቲ ዝኸፍአ ዓይነት ዲሞክራሲ ብበዝሒ እንርእዮ ዲሞክራሲ እዩ፡ ንሱ ድማ ኣብ ብልጫ ድምፂ ኣብዝሓ ዝተመስረተ ኣገዛዝኣ ኣብዝሓ እዮ፡፡ ኣብ እዚ ክፅቕጠሉ ዝግባእ እዚኦም ክልተ ባህርያት፡ መብዛሕትኡ ጊዜ እንተወሓደ ንምክፍፋልን ፅልኢትን በሪ ዝኸፍቱ ምዃኖም እዮ፤ ዋላ ዓመፅን ኵናትን እንተዘየስዓቡ“፡፡ ብካልእ ኣባህላ ፍፅማዊ ልዕልነት ኣብዝሓ ኣብ ምቅድዳው ንዝምስረት ሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራሲ ብተፃባእነት ጠጠው ዝበለ እዩ፡፡ እዚ ዓብላልነት ንኢህወደግ ከፍርሶ እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ገስጋስነትን ሓቓፊ መላእ-ኢትዮጵያዊነት ንዝተመስረተ ሚዛን እውን ከፍርሶ እዩ፡፡

ኣብ ገለ ክልላት ናይ ሆሆታዊነት ደፊኡ ምምፃእ እንኮላይ ነቲ ክልላዊ መንግስታት እዩ ዝቆፃፀሮ ዘሎ፡፡ እዚ ኣባህላ ብፍላይ ድማ ንኣምሓራን ኦሮሚያን ብውስን ድማ ንገለ ከባቢታት ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ፤ ትግራይ፤ ሶማሊያን ኣፋርን ዝምልከት እዩ፡፡ ኣብ እዘን ከባቢታት ዘሎዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብተሓለቕቲ ዲያስፖራ እናተሓገዙ ዕሙት ሆሆታዊነት፡ ኣብ ፅልኢትን ቅረታን ዝምስረት ፖለቲካ የጎሳጉሱ ፀኒሖም እዮም፡፡ ብምዃኑ ጉልባቡ ‘ዶባዊ ይግብኣኒ’ ዝገበረ ግርጭት ተፈጢሩ እዩ (ኦሮምያን ሶማሊያን ከም ኣብነት)፡፡ ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ክልላዊ መንግስቲን (ሶማልያ) ፌድራላዊ መንግስቲን ግርጭት ነይሩ እዩ፡፡ እዞም ናይ ግርጭት ዝንባለታት እንተድኣ ብእዋኑ ዘይተኣዲቦም ካብ እዚ ገፊሑ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን እውን ብተመሳሳሊ ንሕቶ ይግባኣኒ ውስን ዶባታት መሰረት ገይሩ ኵናት ክውላዕ ይኽእል እዩ፡፡ ካብ እዚ ዝገደደ ድማ ኣብ ሞንጎ ፌድራላዊ መንግስቲን ክልል ትግራይን ከምኡ ግርጭት ከልዕል ዝኽእል ኩነታት ኣሎ፡፡

ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ቑፅሮም ብዘይንዓቁ ተወለድቲ ተነፂጉ ኣሎ፡፡ ኣብ ኦሮምያ እንተወሲድና ድማ፡ ዓብላልነት ኣብዝሓ ዝግለፀሎም ኣናቅፅ ሕገ-መንግስቲ ክህልዉ ምእንታን ገለ ተወለድቲ እቲ ክልል ክመሓይሹ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም፡፡ ኣብ ካልኦት ክልላዊ መንግስታት፡ ብፍላይ ኣብ ዓፋር፤ ትግራይ፤ ሶማልያ፤ ጋምቤላ ነቲ ሕገ-መንግስቲ ዘሎ ደገፍ ሕዚ ውን ጥንኩር እዩ፡፡ ኣብ እዞም ክልላዊ መንግስታት ዘሎዉ መሪሕ ፓርቲታት፡ ንሶም ድማ ውድብ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣምሓራ)፤ዲሞክራሲያዊ ውድብ ህዝቢ ኦሮሞ (ኦሮምያ)፤ ዲሞክራሲያዊ ውድብ ምንቕስቓስ ብሄር፤ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ (ኣብ ክልል ደቡብ) ዝተረረ ንሕንሕ ክገጥሞም እዩ፡፡ ምናልባሽ እውን እዞም ተነሓናሕቲ ዝሐሸ ህዝባዊ ተቐባልነት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም፡፡ ከም ዝፍለጥ ትግራይን ተጋሩን ነቲ ሕዚ ዘሎ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ብዕቱብ ይድግፍዎ እዮም፡፡ ብተነፃፃሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ መሪሕ ፓርቲ (ሕወሓት) ህዝባዊ ቕቡልነት ዝረኸበ እዩ፡፡ ዋላ እውን ኮይኑ፡ ኣብ እቲ ክልል ዘተሓሳስብ ጉድለት ዲሞክራሲ ይርኣይ እዩ፡፡ ብተወሳኺ እቲ ክልል ከምዝግብኦ ዘይለምዐን ምስ ካልኦት ክልላት እንትነፃፀር ኣብ ድሑር ባይታ ልምዓት ከምዘሎን ድማ ሓቂ እዩ፡፡ ብመንፅሩ፡ ሕዚ እውን ኣብ ትግራይ፡ ሓይልታት ፖለቲካ ትግራይ ንህወሓት ክነሓንሑ እንተኾይኖም ጌና ሰፊሕ ደገፍ ህዝቢ ከዋህልሉ ግድን ይኾኖም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት፤ ምርግጋዕ ትግራይ ሰለስተ ዓንድታት ነይሮምዎ፡፡ እዚኦም እውን 1) እቲ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወደግ 2) ሓይሊ ፀጥታ ወይድማ እንትዝርዘር ሓይሊ ምክልኻል ሃገር፡ ፓሊስ ክልልን ፌድራልን ከምኡ እውን ብሄራዊ ደሕንነትን 3) ብተኸታታሊ ዘይተቖራረፀ ሓባራዊ ስነ-ኣእመሮ ታሪኽን ባህልን እዮም፡፡ ኣብ እዚ ሎሚ እዋን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዘበነ ድሕረ-ኢህወደግ ትርከብ ትመስል፡ ኮይኑ ግና ነዚ ዝፀንሐ ትካላዊ መስርሕ ፓለቲካ ዝትክእ ካልእ መስርሕ የለን ዘሎ፡፡ ብመንፅር እዚ፡ እቲ ሓይሊ ፀጥታ ማለት ድማ ብሄራዊ ድሕንነትን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ዝኾነ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ዝስከፉ ኮይኖም ይርኣዩ፡፡ ኣብ እቲ ውሽጢ ገዛኢ ፓርቲ ዘሎ ምግምማዕ እውን ብፍሉይ ንኦኦም ብኣሉታ ፀልዩ ናብ ምብትታን ከመርሖም ከምዝኽእል ይግመት እዩ፡፡

ከምኡ ኮይኑ፡ ኣብ ቐረባ እዋናት ይርኣዩ ዘለዉ ቅልውላዋት እቲ በመገዲ ኢህወደግ ኣብ ልምዓት ኢኮኖሚን ምርግጋዕን ንዝተርኣየ ለውጢ ክኽውልዎ ኣይግባእን፡፡ እቲ ልምዓት ዘይማትእ ሓቂ ስለዝኾነ፡፡ ኣብ እዚ ሕዚ እዋን እቲ ናብ ድኻ ዘቕንዐ ናይ ኢህወደግ ፖሊሲ ምዕባለ ኢኮኖሚ ክቕፅል ኢልካ ክትተኣማመነሉ ኣይትኽእልን፡፡ ነዚ ምኽንያታቱ ድማ ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ዘሎ ምግምማዕን ንልምዓታዊ መንግስቲ መሰረት ዝኾነ ዓብላላይ ስልጣን (monopoloy of power) ዘይምህላዉን እዮም፡፡ ብዘይካ ዓብላላይ ሓይሊን ንሃፍቲ ሃገር ከከፋፍል ዝኽእል ዝተረጋግዐ መስርሕን፡ ኣፈፃፅማ እቲ ኢኮኖሚ ዝሐሸ እንተተባሂሉ ዞጋግ እንተገደደ ድማ ኣብ ደውታ ዝርከብ እዩ ክኸውን፡፡

ኣብ እዚ ሕዚ እዋን፡ ኢትዮጵያ ንምዕባለ ኣመልኪቱ ኣብ ዓለም ሒዛቶ ዝነበረት ዝና ኣሕሊፋ እናሃበት እያ፡፡ ኣብ ለውጢ ኢኮኖሚ፡ ኣብ ሽፋን ዜናታትን ሓፈሻዊ ዝንተዋን ክትግለፀሉ ዝነበረት ኣዎንታዊነት ርዋንዳ ብዝኣምሰላ ሃገራት ተመንጢላ እያ፡፡ እቲ ኢትዮጵያ ኣብ እቲ ዞባ ካብ ዲፕሎማሲያዊ ብቕዓታ ዝነቅል ጎብለል ተራኣን ዓብላሊ ዝንተዋን ስኢናቶ እያ፡፡ ኤርትራ እንካብ ንፁልነትን ካይላነትን ወፂኣ ኣላ፡፡ ግብፅን ሃገራት ገልፍን ድማ ንቐርኒ ኣፍሪካ ኣብ ዓንኬል ፅልውአን ከእትወኦ ኪኢለን ኣለዋ፡፡ ኣብዚ ፃዕረን ይገጥመን ዝነበረ እቲ ናይ መወዳእታ ዕንቅፋት ኣወጊደንኦ ይርከባ፡፡ ንሩባ ናይልን ግድብ ሕዳሰን ኣመልኪቱ፡ እቲ ሃገርና ኣብ እቲ ዞባ ይኹን ኣብ ዓለም ሒዛቶ ዝነበረት ብራኸ ሞራልን ሕጊን ስኢናቶ ኣላ፡፡ ዩጋንዳ፤ ደቡብ ሱዳን፤ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ብሩንዲን ንድሕሪት ኣንሻሕቲተን ነቲ ሓፈሻዊ መቓን ስምምዕ ናይል (CFA) ክፍርማ ከምዝኽእላ ይግመት እዩ፡፡ ኣብዚ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኢትዮጵያ ኣብ ዲሞክራሲን ሰላማዊ ጉርብትናን እትነጥፍ ሃገር ከምዝኾነት ዝና ዘርጊሓ ነይራ እያ፡፡ ብኽፋል ድማ ብጎንፂ ብሄራትን ዓመፅን እናተፈለጠት ክትኸይድ ምዃና ድማ እኹል ምልክታት ኣለዉ፡፡ እታ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ግንባር ክትሓስቦ ዘይትኽእል ዓወት ዓቲራ ዝነበረት ሃገር፡ ውሕሉል መሪሕነት እንተዘይረኺባ ኣብ ልዝባት ተፋሰስ ሩባ ናይል ዓቲራቶ ዝፀንሐት ልዕልናን ብራኸ ሞራልን ንሓንሳእን ንሓዋሩን ክትስእኖ እያ፡፡

ትግራይ ኣብ እዋን ስግግርን ካብ ባድመ ኢህወደግን ንነዘው እንካብ ካልኦት ክልላት ብዝተፈልየ ምኽንያት፡ ትግራይ ኣብ ኩነታት ቐራን ስግግር እያ እትርከብ፡፡ ቑጣዐን ድንግርግርን ሓዱሽ ተርእዮ ተጋሩ ኮይኑ ኣሎ፡፡ እዚ ቑጥዐ ኣንፃር ንተጋሩን ትግራይን የጥቅዑ ዘለዉ ሓይልታትን ኣንፃር መሪሕነት ሕወሓትን ኢህወደግን እዩ፡፡ ብሓፂሩ እቲ ቑጥዐ ኣንፃር ክልተ ባእታታት ዘቕንዐ እዩ፡ ቐዳማይ ኣንፃር መሪሕነት ህወሓትን እንትኾን ካልኣይ ድማ ኣንፃር ሓይልታት ፍፁማዊ ሓድነትን ዓብላልነት ኣብዝሓን ምስ መራሕቶም እዩ፡፡

ህወሓት ኣብ ምድምሳስ ደርጊ ገዚፍ ስርሒት ኣሰላሲሉ እዩ፡፡ ነቲ ነባር ጨፍላቓይ (assimilationist) ስርዓት እውን ኣፍሪሱ እዩ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ክትኣምኖ ዘፀግም ምዕባለ ኢኮኖሚ ኣረጋጊፁ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና፡ ብምኽንያት ኣብ ውሽጡ ዝነበሮ ኣናእሽቲ ምትኹታኻትን ዘይመትከላዊ ጎንፅታትን ህወሓት ስትራቴጂካዊን ዓበይትን ጌጋታት ፈፂሙ እዩ፡፡ እዚ ድማ ብፍላይ ስትራቴጂካዊ መሓዙት ትግራይ ኣብ ምልላይን ምእላይን ብዘሎ ድኽመት ዝግለፅ እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ህወሓት፤ ትግራይ እንኮላይ ናይ ማዕርነት ገስገስቲ ስትራቴጂካዊ መሓዙት ስኢና እያ፡፡ በዚ ዝተልዓለ ትግራይ ዘቃፀለቶ ሕሉፍ ዕድል ምሕዝነት ኣሎ፡፡ ምስ ገስገስቲ ሓይልታት ክልላትን ከባቢታትን ክህሊ ዝነበሮ ሓድነት እውን ከምኡ ኣባኺናቶ እያ፡፡ እዚ ንብዙሓት ወገናት ሕርቃን ፈጢርሎም ኣሎ፡፡ ገለ ወገናት እውን ከምኡ መስዋእቲ ተጋሩን ኣወንታዊ ፀጋታቱን በካልኦት ኢትዮጵያውያን ከም ኣሉታ እናተርኣየ ስለዝኸደ ከንቱ ተሪፉ እዩ ዝብል ጣዕሳ ኣለዎም፡፡ እዚ ዓቢይ ጌጋ መሪሕነት ህወሓት ንትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ እቲ ትግራይ ብዘላቒ ንኢትዮጵያ ናብ ዘበናት ክተማሓላልፎ ዝነበረት ሓድጊ ሓንሽሺዎ እዩ።

በዚኦም ምኽንያታት፡ ትግራይን ተጋሩን እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝተቓለስሉ ሰላም ተኸሊኦምዎ ይርከቡ፡፡ ሕርቃን ተጋሩ ማዕርነት ኩሎም ህዝብታት ኣብ ምሕላው ኢህወደግ ምድካሙ ዘበገሶ ጥራሕ ድማ ኣይኮነን፡፡ ተጋሩ እንትበሳበሱ እቲ ውደብ ዘርእዮ ዘሎ ስቕታ እውን እምበር፡፡ ህወሓት ንኢህወደግ ጠንጢኑ ገዲፉ ወፂኡ ምስ ካልኦት ሓይልታት ማዕርነት ግንባር ክፈጥር ይግበር ዘሎ ፀቕጢ ግብረ መልሲ ጥራሕ ዘይኮነስ እንኮላይ ስትራቴጂካዊ እዩ፡፡ ዋላ ብቑፅሩ ይውሓድ እውን፡ ገለ ክፋል ምሁር ትግራዋይ፡ ትግራይ ክትንፀል ወይድማ ምስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብኮንፌድራላዊ መስርሕ ክትራኸብ ዓው ኢሉ ይፅውዕ ኣሎ፡፡

ኣብ ውሽጢ ትግራይ፡ ህወሓት ዝደልደለ ዝነጠፈ ዲሞክራሲያዊን ዝማዕበለን ክልላዊ መንግስቲ ክፈጥር ኣይከኣለን ተባሂሉ ክኽሰስ ይስማዕ፡፡ ካልኦት ውድባት ኢህወደግ ነንርእሶም አናተሓጋገዙ ኣብ ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን መድረኻት እናዓንተሩ እንትኸዱ ኣባላት መሪሕነት ህወሓት ነስሳቶም ጉሮሮ ንጉሮሮ እናተሓናነቑ እዮም ፀኒሖም፡፡ እቲ ብስፋሕት ብህዝቢ ፃውዒት ይግበረሉ ዝነበረ፡ እንካብ ብቲፎዞ ዝሰርሕ ስርዓት ናብ ክእለትን ዓቕምን ዝኣመነ ስርዓት (meritocracy) ዝግበር ስግግር ሕዚ እውን ኣይተኸደሉን፡፡ ህወሓት ብሽም ትግራይን ተጋሩን ንንቕዘት ከጥፍእ ብተደጋጋሚ እንተመሓለ እንተጥሓለ እውን: ኣብ ትግራይ ተግባራት ንቕዘት ሰፊሕ እዩ፡፡ በሃገር ደረጃ: ተጋሩ ከም ብዝያዳ ዝነቐዙ ዜጋታት ገይሩ እቲ ህወሓት ኣባል ዝኾኖ ውድብ ኢህወደግ ይገልፆ ኣሎ፡፡ መንእሰይ ትግራይ እቲ ንተጋሩ ኣተኣሳሲርዎም ዝፀንሑ ክብርታት ገዲፉ ስለዘሎ ትግራይ ብባህሊ ደረጃ ናብ ምብስባስ ኣትያ ኣላ፡፡ እቲ ስድራን ማሕበረሰብን ማእከል ይገብር ዝፀንሐ ክብሪ ቀዳሞት ወለዲ እናተገደፈ ውልቀ-ረብሓን ኣፍቅሮተ-ነዋይን ይትክእዎ ኣለዉ፡፡ እቲ ንሸፈጥን ስርቂን ይግዝት ዝነበረ ባህሊ ኣብ ቦትኡ የለን፡፡ ንርእስኻ ዘዕንዉ ተግባራት ሴስን ስዃርን ልሙዳት ኮይኖም ኣለዉ፡፡ ኣብ ትግራይ ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ሕዳሰ ባህሊ ግድን ክመፅእ ኣለዎ፡፡ ሓቃውነት፤ ኣብ ብቅዓት ዝኣምን መስርሕን ፅርየት ትምህርቲን ከም ዋና ሕጊ እንዳ እባ ክተሓዙ ኣለዎም፡፡

በቲ ልዕል ኢልና ዝበልናዮ ምኽንያት፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘየድሊ ኣፈላላይ ይቕፅል ኣሎ፡፡ ደንገርገርን ሕርቃንን ነቲ ፓለቲካዊ ሃዋህው መግለፂኡ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ብፍላይ ግን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛኢ ውድብ ህወሓት ዘሎ ኣፈላላይ ገፊሕ እዩ፡፡ እስካብ ቐረባ ኣዋርሕ እቲ ክህሊ ዝግብኦ ውሽጣዊ ዋዒ ፖለቲካ ድኹም እዩ፡፡ ኣብ ክልላዊ መንግስትን ኣብ እቲ ውድብን ዘሎ ናይ ዓባልልነት መንፈስ ንዘተ ዲሞክራሲ እናበድሆ እዩ ዝርከብ፡፡ ብደረጃ ክልል ንኩሉ ዘወሃህድ ሓደ ኣጠቓላሊ ኣተሓሳስባ ክፍጠር ክኽእል ኣለዎ፡፡ እቲ ትግራይ ኣብ ሃገራዊ ህይወትን ኣብ ፖለቲካ ፌድራል መንግስቲን ክህልዋ ዝግባእ ግደ ከም ብሓዱሽ ክመሃዝ ይግባእ፡፡ እዚ ኢልና፡ መንግስቲ እቲ ክልል ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓዱሽ ህዝባዊ ደገፍ ረኺቡ ኣሎ፡፡ ነዚ መንቀሊ ድማ፡ ንቕሃተ-ህሊና መንእሰይ እቲ ክልል ምዕባዩን፡ በዓቢዩ ድማ ህዝቢ እቲ ክልል ብመሰረታዊ መትከላት ኣቢሉ ዝተወሃሃደ ሓድነታዊ ኣተሓሳስባ ክህልዎ ምድላዩ እዩ፡፡ በውስን መልክዑ ድማ፡ እቲ ሓዱሽ መሪሕነት ዘርኣዩ ግልፅነት ከም ምኽንያት እዚ ሓዲሽ ህዝባዊ ደገፍ ክውሰድ ይኽእል እዩ፡፡

ብተወሳኺ ህወሓት ናይ ምዕራብ መሓዙቱ ስኢንዎም እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ንዘሎ ባህጊ እንተርኢና፤ ተጋሩ (እንኮላይ ኢትዮጵያውያን) ክሃንፅዎ ዝደልይዎ ስርዓት እንካብ ትካላት ዲሞክራሲ ምዕራብ ትምህርቲ ዝወስድን ንመነባብሮ ምዕራባውያን ዝዳርግን እዩ፡፡ ብሓፈሻ ድማ ተጋሩ ንክብርታት ምዕራብውያን ኣኽብሮት ኣለዎም፡፡ ምስኡ ማዕረ ማዕረ፡ እንካብ ቻይናን ካልኦት ልምዓታውያን ሃገራትን እውን ከመይ ድኽነት ክትንኪ ከምትኽእል ክመሃሩ ይደልዩ እዮም፡፡ እዚ ከምኡ ኮይኑ፡ ኢህወደግ ከም ደጋፊ ቻይናን ፀረ ክብርታት ምዕራባውያንን ይርአ ዘሎ ብምኽንያት ድኽመት ህወሓት እዩ ክበሃል ይከኣል፡፡

ልምዓታዊ መንግስቲ ዝብል ኣስተምህሮ ብደረጃ ሃገር ጠቕሊሉ ክግደፍ ከምዝኽእል ኣፋፍኖታት እውን ኣለዉ፡፡ ኮይኑ ግና፡ ሕገ-መንግስታዊ መሰሉ ስለዘፍቅደሉ፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ናይ ርእሱን ንርእሱ ዝምጥኖን ፓሊሲ ልምዓታዊ መንግስቲ ክሕንፅፅ ይኽእል እዩ፡፡ ነዚ ንምግባር ድማ ትግራይ ከም ቻይና ኮርያ ሲንጋፖር ካብ ዝኣምሰላ ልምዓታዊ መንግስታት ሓገዝ ክተናዲ ኣለዋ፡፡ ትግራይ ከም ክልል ንልኡላዊነታ መሰረት ገይራ ንህዝባ ዘርብሕ ትርጉም ዘለዎ ፓሊሲ እንተድኣ ትኽተል ኮይና ተሞክሮ ቻይናን መሰል ሃገራትን ኣዐርዩ ዝጠቕማ እዩ።

ድሕሪ 1978 ኣፈ፡ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት፡ ቻይና ን800 ሚልዮን ህዝቢ እንካብ ድኽነት ዘውፅአት እንካብ እቲ ልሙድ መገዲ ልምዓት ውፅእ ዝበለ መገዲ ስለዝተኸተለት እዩ፡፡ ቻይና ንኩሎም ሸቶታት ልምዓት ሚልንየም (2015) በፂሓትሎም እያ፡፡ ንደቂ ሰባት እንካብ እዚ ዝዓቢ ፍፃመ እንታይ ኣሎ? ንኢትዮጵያን ትግራይን ካብ እዚ ንላዕሊ ዘነቓቕሕ ዜና ፍፃመ ኸ እንታይ ክህሊ ይኽእል? ንሉኣላዊነት ካብ እዚ ንላዕሊ ዝገልፆ ኸ ካበይ ክርከብ? ብተወሳኺ ድማ ቻይናዊ ባህርይ ዘለዎ ሶሻሊዝም ዝበሃል ንዕዳጋ ዘሳልጥ ናይ ኢኮኖሚ ፖሊሲ ትኽተል እዩ፡፡ ኣብ እዚ እቲ ቀንዲ ዕላማ ብካፒታሊዝም ኣቢልካ ሃፍቲ ምፍጣር እዩ፡፡ እቲ ሃፍታም እውን ቻይናዊ ሃፍታም ክኾን እዩ እቲ ድልየት፡፡ ካብ እዚ ትግራይ ብሰፊሑ ክትምሃር ትኽእል እያ፡፡ እንካብ እዚ ዝበለፀ ሉኣላዊ ፖሊሲ ኸ እንካበይ ክርከብ ይከኣል?

ሰንፈላላት ትግራይ (Dilemmas)

ሕንቅሕንቅሊተያት ኢለ ንኩነታት ትግራይ ዝገለፅክዎ መገዲ ናይ ርእሱ ሰለስተ ሰንፈላላት (Dilemma) ኣለውዎ፡፡ እዞም ሰንፈላላት ብፍላይ ንትግራይ ይምልከቱ እዮም ክንብል እንተዘይኮይኑ ንኩሉ ማሕበረሰባት ክገልፅዎ ዝኽእሉ እዮም ክበሃል ይከኣል፡፡

ኣብ ምህናፅ ቕሱን ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ትግራይ እጃማ ክተወፊ እንተኾይና፡ እዞም ሰለስተ ሰንፈላላት ፍታሕ ክግበሮሎም ግድን እዩ፡፡ ንሶም ድማ፡
• ፍፁማዊ ኢትዮጵያዊነት (Absolutist Ethiopiawinet Dilemma)
• ቑፅሪ ህዝቢ (Number Dilemmas)
• ደሕንነት እዮም (Security Dilemma)

ሰንፈላል ቑፅሪ ሓደ፡ ፍፁማዊ ኢትዮጵያዊነት

ትግራይ ካብ ብጥንቱ ድልድልቲ መበቆል (seadbed) ኢትዮጵያዊነት ኮይና እያ ፀኒሓ፡፡ ከምኡ ኮይኑ እንሃለወ: ብዘይተፍለጠ ምኽንያት ድማ ግዳይ ጨፍላቓይን ፍፁማዊ ባህሊን ገዛእቲ ልሂቃን ኢትዮጵያ እውን እያ፡፡

ከምዝፍለጥ ታሪኽ ኣክሱማዊ ስልጣነ፤ሃይማኖታት ኣብርሃም (ክርስትናን እስላምናን)፤ ባህሊን ቋንቋን፤ ኵናት ዓድዋ ኣብ ስነ ኣእምሮ ሃገራውነትን ኣብ ስእሊ ኢትዮጵያውነትን ተኸታታልነት ዝፈጠሩ እዮም፡፡ ከም ፈትሊ መተኣሳሰሪ ኢትዮጵያዊነት ኮይኖም ድማ የገልገሉ እዮም፡፡ እዚ ታሪኽ እዚ፡ ቐፂሉ እውን መሰረት ሓዳሽ ኢትዮጵያ እዩ፡፡ ናይ ሸሞንተ ክፍለ ዘበናት ታሪኽ ኣኽሱም፡ ኦርቶዶክስ፡ እቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፀ ሂጃራ (ነጋሺ) ሎም እውን ከምቀደም ኸሉዓት ታሪኽ ሃገር እንትኾኑ፡ ብዘይካ ታሪኽ ትግራይ ታሪኽ ኢትዮጵያ ጎደሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰረት እውን ኣይህልዮን፡፡ ትግራይ ማእከል ነባርን ሓዱሽን ታሪኽ ኢትዮጵያ ምዃና ኣሉ ዘይብሃል ሓቂ ኮይኑ እንሃለወ፡ ብምኽንያት ፍፁማዊ ኢትዮጵያዊነት ንነዊሕ ጊዘ ናፅነት ዓርሰ ምሕደራኣ፡ ሓድነታን ባህላዊ መንነታን ተሓዲጋ ናብ ወሰን ሃገርነት ተደፊኣ ፀኒሓ እያ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ገለ ኩርንዓት፡ ንትግራይን ተጋሩን ከም ፀረ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ጌርካ ናይ ምስኣል ኩነታት ይርኣይ እዩ፡፡ ኣብ እዚ፡ ከመይ ገይሩ እቲ መበቆል ኢትዮጵያዊነት ዝኾነ ህዝቢ ፀላኢ ኢትዮጵያ ክኸውን ይኽእል? ነዚ ሕቶ እዚ መልሲ ኣብ ምንታይ ንረኽቦ እንተይልና እቶም እንካብ ናይ ኣብዝሓ ልሂቃን (elites from majority culture) ንብዝሃነት ከመሓድሩ ዘይምኽኣሎም እዩ፡፡ ብካልእ ኣባህላ፡ እቲ ዝኽተልዎ ኣንፈት ንኣብዝሓ ቑፅሪ ዝኣመነ ካብ ምዃኑ ዝብገስን እዙይ ዘስዓቦ ሰንፈላልን እዮም።

ሰንፈላል ቑፅሪ ክልተ፡ ንቑፅሪ ዝምልከት

ትግራይን ተጋሩን ኣብ ምድንፋዕ ሃይማኖታት፤ ገስጋሲ ፖለቲካ፤ ውትህድርናን ታሪኽን ኢትዮጵያ ወሳኒን ፀብለልታ ዘለዎን ተራ ተፃዊቶም እዮም፡፡ እቲ ‘ዓብላልነት ቑፅሪ‘ እናበልና እንፅውዖ ዘለና ክፋእ ንኩሉ ኣበርክቶ ናብ ዜሮ እዩ ዝመልሶ፡፡ ከም ዝፍለጥ ከም መበቆል ኢትዮጵያዊነት፡ ትግራይ ነነፃነት ሃገር ኽቡር ዋጋ እያ ከፊላ እያ፡፡ መብዛሕቲኦም ውግኣት ፀረ ወረርቲ ሓይልታት፡ ኣንፃር ደርጊ ዝተግብረ ምኩሻሕን ዝተፈፅሙ ኣብ ትግራይን ኤርትራን እዮም፡፡ ንናይ ቐረባ ታሪኽ እውን እንተወሲድና፡ ትግራይን ተጋሩን ኣብ እቲ ቅድመ 1966 ዝነበረ ቃልስን ኣብ እቲ ብ1966 ዝተወልዐ ንንጉሳውነት ዘዕለወ ወያነን ኣብ ማእከል እቶም ፍፃመታት ኢና ንረኽቦም፡፡ ብፍላይ ግና፡ ኣንፃር ደርጊ ኣብ ዝተግብረ ነዊሕ ግብግብ እቲ ዝዓበየ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ትግራይን ተጋሩን እዮም፡፡ እንካብ ትግራይ መበቆል ዝነበሮም ውልቀ ኢትዮጵያውያን ኣብ ወሰንቲ ስግግራት ቁልፊ መሪሕነት ነይሮዎም፡፡ እዚኦም ድማ እንካብ ራስ ሚካኤል ስሑል እስካብ ሃፀይ ዮውሃንስን ቐዳማይ ሚኒስቴር መለስ ዜናዊን፡ እንካብ ራእሲ ኣሉላ እስካብ ጄኔራል ሓየሎም ኣርኣያ፡ እንካብ ገ/ህይወት ባይከዳኝ እስካብ ስብሓት ገብረ እግዛኣብሄር፤ እንካብ ብርሃነ መስቀል ረዳ እስካብ ተስፋይ ደበሳይ፤ ዘርኡ ክሕሸን፤ ሓጎስ ገብረ እየሱስ፤ መስፍን ሃብቱ፤ ኣለም ሃብቱ፤ ዮሴፍ ኣዳነ፤ ንግስቲ ኣዳነ፤ ቢንያም ኣዳነን ካልኦት መራሕቲን ክንፀርሕ ንኽእል ኢና፡፡
ነዚኦም ታሪካዊያን ውልቀሰባት ንሕዚ ንጎኒ ገዲፍና፡ ትግራይን ተጋሩን ንዓብላልነት ኣብዝሓ ይሰግእዎ ኣለዉ፡፡ ነዚ ምኽንያቱ ድማ ትግራይን ተጋሩን ኣብ መፃኢት ኢትዮጵያ ክህልዎም ዝግባእ ተራ ንወትሮ ከሕድጎም ዝኽእል ስለዝኾነ እዩ፡፡ ተጋሩ ንዲሞክራሲ ክንዲ ዝተቓለሱ፡ እቶም ካብ ኣብዝሓ ህዝቢ ዝመፁ ፓለቲከኛታት ከም ፀረ-ዲሞክራስያውያን ገይሮም ይስእልዎም እዮም፡፡ እዚ ኣብ ኣብዝሓነት ቑፅሪ ህዝቢ ዝስረት ፖለቲካ ንትግራይ ተጋሩን ናብ ፀግዒ ክደፍኦም ምዃኑ ድማ ግልፂ እዩ፡፡ እዚ ድማ ሕርቃንን ምስትምሳልን ተጋሩ ኣንፃር እቶም ናይ ቀደምን ሐዚ ይቅልቐሉ ዘሎዉን ፍፁማውያን ከቕንዕ የገድድ ኣሎ፡፡

ሰንፈላል ቑፅሪ ሰለስተ፡ ፀጥታ ዝምልከት

ትግራይ ኣብ ምህናፅ ገስጋሳይ ኢትዮጵያዊነት ንዝተግብረ ፃዕሪ ዝመርሐት እያ፡፡ እዚ ገስጋሳይ ኢትዮጵያዊነት ምስ ምሉእ ኣርሰ ክብረትካ ኢትዮጵያውነት ክትቕበል ኣብኡ ተሎ ምምሕዳራዊ ናፅነት ዘፍቕድን ኣብ ባህልካ ዘሎ ፍሉይ መንነት ዘኽብርን እዩ፡፡ ትግራይ እንተይተዓባለልካን ንባህላዊ ብዝሃነት እንተይዐንቀፍካን ኣብ ዝህሊ ናይ ባህልታት ፌድሬሽን (ሓድነት) ካብ ማንም ንላዕሊ እቲ ዝዓዘዘ ወሳኒ ተራ ዝተፃወተት እያ፡፡ ኩሎም ኣኽረርቲ እንተስ ንገለ ብሄራት ወኪልና ብምባል፡ እንተስ ከምቲ መብዛሕቲኡ ጊዘ ዝኸውን ንፍፁም ኢትዮጵያዊነት ተጣቢቖም፡ ንትግራይን ተጋሩን ከም መንቀሊ እቲ ኣሎ ዝብልዎ ወፅዓ ገይሮም በቢኸባቢኦም ንህዝቢ የላዕሉ እዮም፡፡ ኣብ እዋን መሪሕነት ህወሓት፡ ፀላእቲ ትግራይ ንትግራይን ተጋሩን ከም ፀረ ኦሮሞ ፀረ ዲሞክራሲን ኣብ ንቕዘት ዝተኣለኹን ገይሮም የቕርብዎም እዮም፡፡ ንኢትዮጵያ ብዕሉል ሓይሊ ክጎብጥ ከም ዝተልዓለ ህዝቢ ገይርካን ነዚ ድማ ‘ልዕልነት ተጋሩ’ ብዝብል ብሂል ኣፀባቢቕካን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ መጥቃዕቲ ምፍናው ሓደ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ተሓለቕቲ ውልቀ ሰባትን (activists) ገለ ማዕከናት ወረን፡ ዳርጋ ‘ህልቀተ-ዘርኢ‘ ብምስባኽን ብናይ ፈጠራ ዝንተዋን ኣንፃር ትግራይን ተጋሩን ኣብ ምልዕዓል ተዓዊቶም እዮም ክበሃል ይከኣል፡፡ ይዕወቱ ዘሎው ኣብ ሓቃውነት ተደሪኾም ዘይኮነስ፡ ኣብ ዓብላልነት ቑፅሪ እናተደረኹ እዩ፡፡ እዚ ድማ ይኸውን ዘሎ ቑፅሪ ተጋሩ ውሑድ እዩ ካብ ምባልን ብምውሓዶም ምኽንያት ንመጥቓዕቲ ኣብዝሓ ግብረ መልሲ ክህቡ ኣይኽእልን ካብ ዝብልን እዩ፡፡ ካብ እዚ ብተወሳኺ፡ እዞም ሓይልታት እቲ ናይ ቐደም ‘መቓቒልካ ግዛእ‘ ዝብል ሸርሒ ተጠቒሞም ሓድነት ትግራይ ክናወፅን፤ ትግራይ ኣብ ቐፃሊ ከርፋሕፋሕን ግርጭትን ክትጥሕልን ምግባር እዩ ትልሞም፡፡ ገለ ካብዞም ፍፁማውያን ሓይልታት፤ ኣብ ከባቢ ዶባት ትግራይ ንዘሎ ገለ ምስሕሓባት ተበሊፆም ግልፂን ጭቡጥን ሓደጋ ሰኺቶቶም ይርከቡ፡፡ እዞም ሓደሽቲ ልሂቃን ፍፁማዊ ኢትዮጵያዊነት ምስቶም ይግውዱ ዘለዉ ብሄርተኛታት ኮይኖም ተኣፋፊ ኩነታት ፀጥታ ብኽውንነት ፈጢሮም ኣለዉ፡፡ ብተወሳኺ ምስ ኢትዮጵያ ዝፀንሐ ስትራቴጂካዊ ተፃብኦ ዘለዎም ሓይልታት ኩሎም ብጅምላ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን ስግኣት ይፈጥሩ ኣለዉ፡፡

ነዚ ምስበልና፡ ብኣንፃር እዞም ሆሆታውያን፤ ፍፁማውያንን ንሶም ከንቀሳቕስዎ ዝኽእሉ በዝሒ ህዝቢን ትግራይን ተጋሩን ፀጥትኦም ከረጋግፁ ክኽእሉ ናይ ግድን እዩ፡፡ ኣብ እዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይን ተጋሩን ዘሎ ቑጥዐን ደንገርገርን ንቑፅሮም ተኣማሚኖም ተንቐሳቒሶም ናብ ዘለዉ ተፃባእቲ ቐዋሚ ብዝበሃል ደረጃ ከቕንዕ ይርኣ ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ንትግራይ ዳርጋ ጓና ክበሃል ዝከኣል ኮይኑ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሆይሆይታን ምንቕናቕ ህዝቢን ከስዕብ ይኽእል እዩ፡፡ ኣብ እዚ ክበሃል ዝከኣል፡ ትግራይ ኣብ ፀገም እንተኣትያ ኢትዮጵያ እውን ከምኡ ኣብ ፀገም ክትኣቲ ምዃና እያ፡፡ ትግራይን ተጋሩን ንፀጥታ ኢትዮጵያ ከተሃዳድእ ዘኽእል ቑፂሪን ልኡኽን ከይህልዎም ይኽእል፤ ኮይኑ ግና ምስ ትግራይ ዝፍጠር ተዓፋፊ ኩነታት ፀጥታ ንመላእ ኢትዮጵያ ዝመላላእ ሓደጋ ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን፡፡

መጠቓለሊ

ብደረጃ ዞባ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ እዋን ዝሑል ኵናት፡ ልእለ ሃያላን ዓለም ከምኡ እውን ስትራቴጂካዊ ረብሓ ዘሎዎም ዞባዊ ሓይልታት ኣብ መሬት ቐርኒ ኣፍሪካ እናተተፋነኑ ይርከቡ፡፡ እዚ ምትፍናን ብጥምረት ኣሜሪካን ብስዑዲን ዝምርሓ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ብሓደ ገፅ፤ ብጥምረት ቻይናን ራሽያን (ምናልባሽ እውን ንቱርክ ኢራንን ቓጣር ክሓውስ ይኽእል እዩ) ብካልእ ገፅ ዝካየድ እዩ፡፡ ግልፂ ዕላማ እቲ ንሕንሕ ምርግጋፅ ላዕለዋይነት ኢኮኖሚ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና፡ ኣብ ልዕሊ ጉዳያት ውትህድርናን ሓይሊ ሚዛን ዲፕሎማሲን እውን ከምኡ ትርጉም ዘለዎ ኣመር ክህልዎ እዩ፡፡ ሃገራት እቲ ዞባ፡ ኣብ ሞንጎ እዞም ሓይልታት ኣብ ዝህሊ ምፍሕፋሕ ንረብሓታተን ዓቒበን ብዘይ ሻራ ክዋስኣ ክኸብደን ምዃኑ እሙን እዩ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ከይዲ ምስ ሓዲኡ ወይ ከዓ ምስ እቲ ካልእ ክዛመዳ ወይድማ ክጓነፃ ዝደፍአን ኩነታት ስለዝህሊ እዩ፡፡
ብደረጃ ሃገር ንሕንሓዊ ልፍንታዊ ፓለቲካ (competitive coalition politics) ቕልቅል ኢሉ ኣሎ፡፡ እዚ ድማ መጣምርቱ ዝኾነ ዲሞክራስያዊ ትካላዊ መቓንን (democratic institutional framework) ረብሓ ህዝቢ ዝጥምት ስነ-ኣእምሮ ኣብዘየለሉን እዩ፡፡ እዚ ንናይ ሃገረ ጣልያን ዝመስል ቐዲምካ ክትግምቶ ዘይትኽእል ምስረታ ግንባር ኣብ ኢትዮጵያ ይርአ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ከምቲ ቕድም ዝተብሃለ፡ እዚ ተለዋዋጣይ ምሕዝነት የጋጥም ዘሎ እቶም ምስኡ ማዕረ ማዕረ ክህልዩ ዝነበሮም ድልዱላት ዲሞክራሲያዊ ትካላት፤ ባህሊ ልፍንታዊ ፓለቲካ ኣብ ዘይለሉ ኩነታት እዩ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ሃገር ምጉዳል ቕሳነት ከስዕብ ምዃኑ ግልፂ እዩ፡፡ ብሓፂሩ ኢትዮጵያ ንመረፃዊ ግብግብ (electoral contestations) ዝስከም ልፍንታዊ ፖለቲካ ይውሕዳ እዩ፡፡ ነዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ መብዛሕቲኦም ትካላት ዲሞክራሲ ንከምዚ ዓይነት ሰፊሕ ለውጢ ዝኸውን ድልዳለ ገና ዘይምጭባጦም እዩ፡፡

ከም ዝተረፈ ርግፀኛ እንተዘይኮና እውን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልምዓታዊ መንግስቲ ንካልእ ጊዘ ተመሓላሊፉ እዩ ክበሃል ይከኣል፡፡ ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ብፍሉይ ኣድህቦ ይሰርሓሉ ዝፀንሐ ተኸታታሊ ንሁር ምዕባለ ናይ ምዕታር ጉዳይ ክኹለፍ ይኽእል እዩ፡፡ ብኡኡ ኣቢሉ እቲ ተታሒዚ ዝፀንሐ ድኽነት ናይ ምምሓው ዕላማ ብምኽንያት ዘይርምግጋዕ ፖለቲካ ክፈሽል ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ፡፡ ኣብ ሃይማኖት ዘድሃበ ፓለቲካ እውን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ቕልቅል ክብል ይኽእል እዩ፡፡ እዛ ሃገር ኣብ ሞንጎ ትካላት ሃይማኖት ንዘጋጥም ፀገም ክትፈትሕ ዝሕግዝዋ ግቡኣት ትካላት ከዓ ኣይብላን፡፡

ሕዚ ከመይ እቲ ስግግር እንታይ ዓይነት ግብረ መልስን ስጉምትን የድልዩ ኢልና ንርኣይ፡፡

ብቐዳማይ ደረጃ፤ ነዚ ዓቢይ ኮንፈረንስ ዝተዳለወ ፅሑፍ ስለዝኾነ ኣብ ትግራይን ተጋሩን ክነድህብ ኢና፡፡ ኮይኑ፡ ንትግራይን ተጋሩን ኣብ እዚ እዋን ስግግር ከጓንፍዎም ዝኽእሉ ፈተናታት እንታይ ክኾኑ ይኽእሉ ኢልና ንሕተት፡፡ እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ዓበይቲ ፈተናታት ተለልዮም ኣለዉ፡፡

1) እቲ ቐዳማይ ፈተና ንትግራይን ተጋሩን ዝምልከት ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ፡፡ ከምቲ ቕድም ክብል ወስ ዘበልናዮ፡ መንፈስ ስዕረት ዝሓየሎም፡ ነፀልቲ ከምኡ እውን ነፀግቲ ኣለዉ፡፡ ኣብ እዚኦም ንቕድሚት ምጥማትን ስትራቴጂካዊ መሪሕነትን ይጎድል እዩ፡፡ እቲ ሕዚ ዘሎ ቑጥዐን ደንገርገርን ንክልል ትግራይ ካብ መሰረት ንምቕያር ናብ ዘኽእል ኣንፈት ኣይተማእዘነን ዘሎ፡፡ ተጋሩ ናብ ቕድሚት ገፆም ክጥምቱ ድልዱል ክልላዊ መንግስቲን ሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራሲ ዝዓሰላ ኢትዮጵያን ኣብ ምህናፅ ኣብ ሃናፃይ ዘተ ክኣትዉን ኣይግበርን ዘሎ፡፡

2) እቲ ካልኣይ ፈተና ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ተፈጢሩ ዘሎ ፈተና ፀጥታ እዩ፡፡ ንትግራይን ተጋሩን ከም ፀረ-ኢትዮጵያዊነት፣ ከም ፀረ ሓድነትን፤ ከም ኣብ ንቕዘት ዝጠሓሉን ገይርካ ካብኡ ናብኡ ድማ ‘ልዕልነት ትግራይ’ ዝብል ብሂል ከም መመሳመሲ ተጠቒምካ ተቓውሞ ንምቕሃም ፈተነ ክግበር እዩ፡፡ ብምዃኑ እውን ዝርገትን ምጥፋእ ልዕልነት ሕጊን ነጊሱ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ደሕንነት ተጋሩ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል እዩ፡፡

3) እቲ ሳልሳይ ሓደጋ ምግባል ፍፁማዊ አትዮጵያዊነት እዩ፡፡ ዘይዲሞክራስያዊ ሆይሆይታዊነት ምስ ዝበዝሕን ምስዝዕንትርን ምስኡ ተመርኵሱ ጨፍላቒ ዝንባለ ክገፍሕ እዩ፡፡ ዓብላልነት ኣብዝሓ ምስዓቡ ድማ ዘይተርፍ እዩ፡፡ ናይ እዚ ጠንቂ መሰረቶም ልዝብን ምርድዳእን ዝገበሩ ሕገ-መንግስታዊ ትካላት ዲሞክራሲ ካብ ሃገር ምልጋሶምን ምትካኦምን እዩ፡፡

ኣብ መወዳእታ ዝኾነ በዓል መዚ ይኹን ስሩዕ ውድብ ንትግራይን ተጋሩን እንካብ ሓደጋታት ስግግር ከድሕን ይኽእል እዩ ኢና ክንሓስብ የብልናን፡፡ እንኮ ፍታሕ ስግኣት ደሕንነት ተጋሩ ኣብ ውሽጢ ሰላማዊት ብልፅግቲን ዲሞክራሲያዊትን ኢትዮጵያ ዝደኮነት ሕብርቲ ትግራይ እዩ ዝርከብ፡፡ ህወሓት ከም መጠን ገዛኢ ውድብ ትግራይን፡ ኣብ ፌደራል መንግስቲ ንትግራይ ከም ዝውክል ሓደ ውድብን ነዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ኣገዳሲን ሓዱሽን ሓቂ ክቕበል ግድን እዩ ክኸውን፡፡ ሓደ፡ ናይ ህወሓት ስትራቴጂካዊ ጌጋታት ንኢትዮጵያ ብዝለዓለ ድማ ንትግራይ መጉዳእቲ ኣብፂሖም እዮም፡፡ ትግራይ ሎሚ ብዕድመ ዝነኣሰ ሓዱሽ ወለዶ ከምዘዋ ዝፍለጥ እዩ፡ እዚ ወለዶ ንጡፍ ርክብ ዘለዎን ተንቀሳቓሳይን እዩ፡፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ናፃ እዩ፡፡ እሞ ናፃ ወለዶ ድማ ክምራሕ ዝኽእል ብናፃ መራሕቲ እዩ፡፡ ትግራይ ካብ ዝኾነ ኸባቢ እዛ ሃገር ንላዕሊ ለውጢ (ሪፎርም) የድልያ እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ብቕልጡፍ ዘድልዩ ለውጥታት ከዓ ዕርቂ፤ ንሕሉፍ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንሓንሳእን ንሓዋሩን ክዕፀዉ ምግባርን እዮም፡፡ ብዝልዓለ ደረጃ ውልቀኣዊን ጉጅለኣዊን መሰላት ክኽበሩ ኣለዎም፡፡ ፓለቲካዊ ርእይቶን ደውታን በሰላማዊ መገዲ ክትትሕዝን ክትገልፅን ምኽኣል እውን ከምኡ፡፡ ንኩሎም ነበርቲ እቲ ክልል (ኣባል ህወሓት ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ) ማዕረ ክብረትን ኣፍልጦ ምሃብ እውን የድሊ እዩ፡ ተወሳኺ ዝለዓለ ቅልጣፈ ዘለዎ ንጥፈታት ማሕበረሰብ (delivery) ምምላእ እውን ኣገዳሲ እዩ፡ እዚኦም ኩሎም ጠለባት ምስዝማልኡ ካብ ዝተናገፈ ዘላቒ ልምዓት ክመፅእ ይከኣሎ እዩ፡፡

ካልኣይ፡ ዲሞክራስያዊ ማእከላዊነት ሓደ ዝፈጠሮ ዘይኣዎንታዊ ምዕባለ ኣሎ፡፡ እዚ እውን ኣባላት ገዛኢ ውድብ እንካብ እቲ ኣባል ዘይኮነ ዜጋ ንሃገሩ ዝሓሸ ተገዳሽነት ዘለዎ ከምዝኾነ ዝግለፅ ኣተሓሳስባ እዩ፡፡ በዚ ዝተልዓለ ንባህሊ ምህዞ፤ ንትካላዊ ናፅነት፡ ከምኡ እውን ንንጡፍን ኣብ ዓቕሚ ንዝተኣማመን ዜጋ ዕድል ይዓፂ፡፡ ዲሞክራሲያዊ ማእከላዊነት ኣባላት ውድብ ኢህወደግ ከም መስርሕ ገዲፈንኦ ኣለዋ፡፡ ኣይኮንን ንኢትዮጵያ ብሓፈሻ ንትግራይ እውን ዝጠቅም መስርሕ ከዓ ኣይኮነን፡፡ ከም ባህሊ፤ ዲሞክራስያዊ ማእከላዊነት ብቕዓት መሰረት ንዝገበረ ኣሻይማ ዘልመሰ እዩ፡፡ ከይዱ ከይዱ ንኣፍልጦ ብቕዓት ድማ ብመርበባትን ንቕዘትን ተኪኢዎ ይርከብ፡፡ ብካልእ ገፅ፡ ኣብ ህወሓት ዝፀንሐ ምሁራዊ ዓቕሚ እናተሓተ እንትኸይድ እቶም ንትግራይ ዝፃብኡ ሓይልታት ድማ ምሁራዊን ሞራላዊን ብራኸ እናዓተሩ መፂኦም እዮም፡፡ ብሓፈሻ ኢህወደግ ንሕሉፍ ዝንተዋ ከም መሳርሒ ሸፈጥን ንስልጣን ከም መብሐቲ መገዲን ምጥቃሙ ክገድፎ ኣለዎ፡፡

እዞም ሕልኽልኽ ዝበሉ ውራያት ክንፈትሕን፤ ነዞም ክንገልፆም ዝፀናሕና ሓደጋታት ብኣግኡ ክንኣልይን ዓቢይ ዕድል ዝህቡና ኣብነታዊ ለውጢታት (reforms) ኣብ ትግራይ ክንትግብር ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና፡፡ ነቶም ለውጥታት ክነምፅእ ሓቢርና እንካብ ውሽጢ እናሰራሕና ጎና ጎኒ ድማ ምስ ናትና ዝመሳሰል ኣተሓሳስባ ምስ ዘለዎም ክንላፈን ኣለና፡፡ ኣብ እዚ ጉዳይ፡ ንቁልፊ ጠለባት ትግራይ እንተርዊና፡ ድልዱል ክልላዊ ኢኮኖሚ እንተሃኒፅና፡ ንከሉ ዝፅንብር ዕንቱር ዲሞክራሲ እንተድኣ ኣንጊስና፡ ልዕሊ ፍርቂ እቲ መገዲ ሸፊናዮ ኣለና ክበሃል ይከኣል፡፡ ብምዃኑ፡ ትግራይን ተጋሩን (ዋላ ኣባላት ህወሓት እውን እንተኾኑ) እንካብ ብህወሓት ዝተዓብለለት ትግራይ ኣማዕድዮም ንቕድሚት ክጥምቱ ክኽእሉ ኣለዎም፡፡ እንካብ ብህወሓት ዝተዓብለለት ክልል ትግራይ ናይ ኩሎም ተጋሩን ህዝቢ ትግራይን ዝኾነት ትግራይ ክንሰጋገር ኣለና፡፡ ትግራይ ዘድልያ ንቕደሚት ዘማዓዱ መሃዛይ (creative) መሪሕነት ኣቢሉ ንጡፍ (vibrant) ዋዒ ዘለዎ (dynamic) ክልላዊ መንግስቲ እዩ፡፡ እዛ ክልል ዘድልያ ኣብ ዙርያ ዲሞክራስያዊነትን ዝተሃንፀ ዱልዱል ኢኮኖሚ ዘዕስል ራእይን ሓዱሽ ጉልበትን እዩ፡፡
ኣብ እዚ ሕዚ እዋን: ትግራይን ተጋሩን ኣብ ምህናፅ ዲሞክራሲ ትግራይን ከድህቡ ይግብኦም፡፡ እዚ ከዓ ቐዳማይ ስጉምቲ ኣብ ምምካት ነቲ ብደረጃ ሃገር ይግውድ ዘሎ ኢዲሞክራስያዊ ተኸታሊ ፖለቲካ እዩ፡፡ ኣብኡ እንተሎ ዲሞክራሲያዊት ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተማልአ ዲሞክራሲ ኣብ ምፍጣር ናይ ባዕላ እጃም ክትዋፃእ ክሕግዝ እዩ፡፡ ብካልእ ኣባህላ ምእንተ ዲሞክራሲያዊትን ሰላማዊትን ኢትዮጵያ እውን እንተኾነ ትግራይ ዲሞክራሲያዊት ክትኸውን ኣለዋ፡፡

ህወሓት ዲሞክራሲያዊ ማእከላዊነት መትከለይ እዩ ዝብል ውሳንኣ ክትስዕሮን ነዚ ድማ ክተፍልጥን ኣለዋ፡፡ ዲሞክራሲያዊ ማእከላዊነት ብካልእ መስርሕ ክትካእ ከምዘለዎ ኣባላት ህወሓት ክቕበሉ ኣለዎም።

እንተዘይኮይኑ፡ ኣባላት ህወሓት ክፈልጥዎ ዘለዎም ጉዳይ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሓንቲን ሓንቲን ዘይምዃኖም እዩ፡፡ ህወሓት ካብ ህዝቢ ትግራይ ንባዕላ ፈልያ ክትርኢ ክትኽእል ኣለዋ፡፡ ብካልእ ኣባህላ፤ ህወሓት ንርእሳ ክትርእይ ዘለዋ ከም ሓደ ውድብ እምበር ከም እንኮ ውድብ ትግራይ ኣይኮነን፡፡ ቕድም ክብል ከምዝተብሃለን ከምዝተፅሓፈን እቲ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝበሃል ኣተሓሳስባ ዝዓዘዘ ኣብዝኾነሉ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ መን እዩ ኣየገድስን፡፡ ኣብ ትግራይ ድማ፡ ንኣተሓሳስባ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝገጥሞ ሓደጋ የለን።

ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ንልምዓት ዘተኣጓጉል ኣይኮኑን፡፡ ከምኡ እንተድኣ ኮይኑ፤ ስለምንታይ ብሕፁፅ ምርጫ ዘይፅዋዕ እሞ ኣካላት እቲ ክልላዊ መንግስቲ ማለት ድማ እቲ ባይቶን ፈፃሚትን ሙሉእ ተቐባልነት ህዝቢ ዘይዓትሩ?

ቑልፊ ማዕዳዊ ሓሳባት

ኣብ መወዳእታ ከም ማዕዳ ክቐርቡ ዝኽእሉ ገለ ሃሳባት ሸው ከብል ይደሊ፡፡

ከምቲ ክበሃል ዝፀንሐ፡ ዋዒ ዘለዎ ብዓል ዓቕሚ ክልላዊ መንግስቲ ኣብኡ ተሎ እውን ዲሞክራስያዊትን ምዕብልቲን ክልል ምህናፅ እቲ ህፁፅን ቀንዲን ዋኒን ህዝቢ ትግራይ ክኸውን ይግባእ፡፡ ኮይኑ፡ ነዚ ክትዓትር ዘድልዩኻ እታወታት እንታይ እዮም?

ኣብዚ ክበሃል ዘለዎ ንኩሉ ዝሓቖፈ ናይ ዘተን ዕርቂን መድረኽ ብሕፁፅ ክዳሎ ኣለዎ እዩ፡፡ ኣብ ውፅኢት እቲ መድረኽ ተደሪክኻ ኢኮኖሚያዊን ፓለቲካውን ስግግር ኣብ ትግራይ ክሳለጥ ኣለዎ፡፡ ብአኡ ኣቢልካ እውን ንጉዳይ ስግጋር ኢትዮጵያ ክተረጋግፅ ይከኣል፡፡

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብፍላይ ድማ እቲ ክልላዊ ባይቶ ክወስዶም ዘሎዎ ስጉምትታት ከምዝቕፅል ቐሪቡ ኣሎ፡፡

1. ተጋሩን ትግራይን ማእኸል ዝገበረ ናይ ዕላማ ሓድነት ምፍጣር (unity of purpose)

ሀ. ምፍጣር ናይ ዕላማ ሓድነት፡ እዚ ኣብ ዙርያ ቀንዲ ረብሓታት ትግራይ ክኸውን ናይ ግድን እዩ፡፡ ናይ ዕላማ ሓድነት ብቑፅሪ ንምውሓድካ ፍቱን መካሐሓሲ እዩ፡፡ ኣብዚ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተመስረተ ሓባራዊ ምርድዳእ (consensus constitutional democracy) ናይ ውህዳን ብሄራት ባህሊ ውሕስ ኣብ ምግባር እቲ ዝበለፀ ኣንፈት እዩ፡፡

ለ. ኣብ (ሀ) ዝተቐምጠ ጉዳይ ዝጠልቦ ኣብርሆት ዝጨበጠ ህዝብን ካብ ብምኽንያት ውልቀ ኽብሪ ካብ ምትኹታኽ ዝወፀ መሪሕነት፤ ንጌጋታቱ ዝቕበልን ንኣበርክቶ ኩሉ ዜጋ ዕድል ዝህብን ወካላይ መንግስቲ እዩ፡፡

2. ንኹሉ ዝሓቖፈ ዘተን መድረኽ ዕርቂን ብህፁፅ ምድላው

ሀ. ኣብ ዙርያ ትግራይ ኩሉ ዝኣምነሉን ዝዓስለሉን ራእይን ልኡኽን ክህሊ ምእንታን ንኩሉ ዝሓቁፍ ዘተ ምጅማር፤
ለ. ኣብ ነዊሕን ኣብ ቐረባን ዝነበረ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ናፅነት ደቂ ሰባትን ዘስዐቦ በሰላ ዘሐዊ ስርዓት ዕርቂ ምህላው፡ እቶም ግዳያት ምግሃስ ኣብ ምቕራፅ ሓዳሽ ትግራይ ኣበርክቶ ክገብሩ ምትብባዕ፤
ሐ. ኣብ ነንርእስኻ ክህሊ ዝግብኦ ምክእኣልን ምክብባርን ምድንፋዕ
መ. ንኩሎ ዝንባለ ፖለቲካ ሓዊስካ ንካልኦት ኣብነት ምዃን፤ እዚ ድማ እንካብ ልኡል መንገሻ እስካብ ኣብርሃ ደስታ፤ እንካብ ገብሩ ኣስራት እስካብ ኣረጋዊ በርሀ፤ እንካብ ጄነራል ፃድቃን እስካብ ጄነራል ሳሞራ ዘለዉ ከጠቓልል ይግብኦ፡፡
ሠ. ብተመሳሳሊ ኣብ (መ) ከምዝተገልፀ፤ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ እውን ብተመሳሳሊ ንኩሉ ዝሓቁፍ ዘተን ዕርቀ ሰላምን ክወርድ ምጉስጓስ

3. ኣብ ትግራይ ቕቡል መረፃ ክህሊ ምፅዋዕ፡ እዚ ድማ እተን ክልላዊ መንግስታት ብዲሞክራስያዊ ስግግር ውሽጠን ምእንታን ከፅርያ ዝሕግዝ እዩ፡፡

ሀ. ከምዚ ዓይነት መረፃ እቲ ዝምስረት መንግስቲ ተቐባልነቱ ክዛይድ ኩሎም ተጋሩ ክኣምንሉን ሽምጦም ገቲሮም ክካትዕሉን ዝገብር እዩ፡፡
ለ. ትግራይ ኣብ ኢኮኖሚን ፓለቲካን ካብ ካልኦት መሰታታት ስጂ ክትወስድ ዝገብር እዩ፡፡
ሐ. ቕድሚ እቲ መፃኢ ሃገራዊ መረፃ ኣቐዲምካ ኣጀንዳ ክትቐርፅ ዝሕግዝ እዩ፡፡

4. ፍልይ ዝበሉ ማዕዳታት ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

ሀ. ኣብ ብቕዓት ብዝምርኮስ ሮቋሒ (meritocracy) ኩሎም ቢሮታት ብሓለፍቲን ሰራሕተኛታትን ክምልኣ ይግባእ፡ በዚ መገዲ እንተተኸይዱ እዩ ኣብ ትግራይ መዝነት ፍልፍለ መነባብሮ ምዃኑ የብቅዕ፡፡
ለ. ንቕድሚት ዝጥምትን ንውሑዳን (minority) ዘገልግልን ሜላታት ምጥቃም፤ ብፍላይ ከዓ ንሓደጋ ህገራ (expropriation) ከቕንሱልካ ዘኽእሉ ሜላታት እናተጠቐምካ ምኻድ ኣገዳሲ እዩ፡፡ እንትዝርዘር፡
• ምፍጣር ተዘዋዋሪ ሃፍቲ (portable wealth)
• ብፍሉይ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ምፍጣርን እቲ ክእለት ኣብ ሓደሽቲ ወሰናት እውን (new frontiers skills) ክዕምብብ ምግባርን
• ኣብ ፋይናንስን ባንክን ምብርታዕ
• ኣብ መራኸቢ ሓፋሽን ኣብ ምፍጣር ክኢላታት ሚድያን ኣድሂብካ ምስራሕ ብፍላይ ድማ ኣብ እዚ ምምዋል፡
• ኣብ ዓለም ንዘሎ ኩሉ ዕድላት ከናዲ ምእንታን ሓይሊ ሰብካ ክንቀሳቐስ ምግባር (mobility for worldwide opportunity)
ሐ. ብሽም ትግራይ ዝተጣየሹ ትካላት ቢዝነስ (ንግዲ) ብዝምልከት ብፍኑው ከይኸይዱ ምግባርን ብፍላይ ከዓ ንክልላዊ ባይቶ ተፀዋዕነት ክህልዎም ምድላዋት ሕጊ ምውጋንን፤
መ. ቕያ ትግራይን ተጋሩን ኣብ ኢትዮጵያ ክዕቀብ ኩሉ ምግባር፤
• ነስሳቱ ዝተውሃሃደ ዝንተዋ ታሪኽ፤ፓለቲካን ኢኮኖሚን ትግራይ ምድላው
• ሰብ ታሪኽ፤ ዳህሳስያን ጥንታዊ ሓድጊ (archeologists) ከምኡ እውን ምሁራት ስነ ሰብ (anthropologists) ትግራይ ዝሓዘ ባይቶ ምጥያሽ፤ ብፍላይ ከዓ ትግራይ ኣብ መዋእል ፓለቲካን ውትህድርናን ኢትዮጵያ ዘለዋን ዝነበራን ግደ ኣመልኪቱ ኣብ ጭቡጥ መርትዖ ዝምስረት ዝንተዋ ክህሊ ምግባር፡
• ባይቶ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ትግራይ ክጣየሽ ምግባር፡
• ባይቶ ዘላቒ ልምዓት ትግራይ ምጥያሽ፡ ኣብ እዚ እውን ብተመሳሳሊ ኣብ መርትዖ ዝምስረት እንካብ ውድቀት ቐልጢፉ ዝልዓል (resilient): ኣብኡ ተሎ ድማ ዘላቒ ማሕበራዊ ቑጠባዊን ተፈጥሮኣዊ (ecological) ስርዓት ክህነፅ ምግባር፡ እቲ ዝንተዋ እውን ብኡኡ መሰረት ክስተኻኸል ምግባር፤
• ባይቶ ስነ ጥበባውያን ትግራይ ምጥያሽ
• ዝዓበየ ደረጃ ልሂቅነት ሸቶአን ዝገበራ እንካብ መባእታዊ ቤት ትምህርታት እስካብ ሳልሳይ ብርኪ ቤት ትምህርታት ክኽፈታ ምግባርን፤ ኣብ እዚ እውን ኣብ ብቕዓት ዝተመርኮሰ ሮቋሒ ምልመላ ምጥቃም፤
ብደረጃ ፌደራል፤ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ክገብሮም ዝግባእ፡

5. ኣብ ምርድዳእ ዝተመስረተ ሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራሲን ንማዕረ ተሳታፍነት ገፊሕ ዕድል ዝህብ መስርሕን ክህሊ ምፅዓር፡፡ ናይ እዚ መበገሲ ብሕጊ ዝግዛእ (rule-bound) ፤ ትካላዊ ትሕዝቶ ዝዓዘዞን (institutionalized) ኣብ ርድኢት ዝተመርኮሰን (consensus-based) ስርዓት ክዓስል ኣበርቲዕካ ምስራሕ፤

6. ብፍላይ ከዓ ኣብ ናትና ኩነታት ፕሬዚደንታዊ ስርዓት ከይመፅእ ምቅላስ ኣድላያይ ዝኾነሉ ዓቢይ ምኽንያት ኣሎ፡ ንሱ ድማ ብዝሃነት ዘዳኽምን ውሑዳን ኣብ ዘላቒ ከርፋሕፋሕ ክነብሩ ዘገድድን ስለዝኾነ እዩ፡፡

7. ምስ ገስገስቲ ማዕርነታዊ ሓይልታት ስትራቴጂካዊ ሓድነት ምፍጣር፤ ኣብ ቑጠባዊ ፓለቲካዊን ማሕበራዊን ህይወት ኢትዮጵያን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ከባቢ ኢጋድ ምስ ዘሎዉ ገስገስቲ ብሄራዊ ሓይልታትን ምስቲ ዞባ ዝዳወያ ሃገራትን ድልዱል ስትራቴጂካዊ ርክብ ምፍጣር ንፅባሕ ዘይብሃል እዩ፡፡

ዓለም ለኸ ማሕበር ምሁራት ተጋሩ (ጂ.ኤስ.ቲ.ኤስ) ዝቐረበዓቢይ ኮንፈረንስ ትግራይ መማያጢ ፅሑፍ

(ሓምለ 11 – 15፣ 2010 መቐለ፤ ኢትዮጵያ)

——–

ሓጺር መግለጺ ሙያ

ዶክተር መሓሪ ካብ ዝለዓሉ ዓለም ለኻዊ ዩኒቨርስቲታት ማለት ድማ ካብ ሃርቫርድን ኦክስፎርድን ተመሪቖም እዮም፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሕሉፍ ከም ኤድዋርድ ጂኦርጅ ማሰን፣ ማክስ ፕላንክ ኢንስትትዩት፤ ሼል፤ ምሕዝነት ንሰላም ዝተብሃለ ትካል፤ ኔቶ ወታሃደራዊ (ናይ ምክልኻል) ኮሌጅ ምስ ዝተብሃሉ ስሙያት ፕሮግራማት ኣካዳሚያዊ ምትእስሳር ገይሮም እዮም፡፡ ዶክተር መሓሪ ብሳይንስ ሕጊ እንካብ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ጄይ ኤል ጂይሰን ዩኒቨርስቲ ዶክትሬት ዲግሪ እንትረኽቡ፤ ብስነ ምምሕዳር ህዝቢ ማስተርስ ዲግሪ እንካብ ሃርቫርድ፤ ማስተርስ ዲግሪ ኣብ እንግሊዝ እንካብ ዝርከብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ከምኡ እውን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ብትምህርቲ ሕጊ ቐዳማይ ዲግሪ ተቐቢሎም እዮም፡፡

ሰፊሕ ተሞክሮ ኣብ ፓን ኣፍሪካዊ ጉዳያት

ንልዕሊ 17 ዓመታት ኣብ ህብረት ኣፍሪካ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት መመንጨውቲ ሓሳብን (ቲንክ ታንክ)፤ ኣብ ምምራሕ ስራሕን ኣብ ሙያን ብዘዋህለልዎ ዕቱብ ተሞክሮ፤ ዶክተር መሓሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲ መደባት ተሳቲፎም እዮም፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰላም ድሕነት፤ ኣብ ምሕደራ፤ ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያትን ኣብ ስደትን ጠሚቶም ጭቡጣት ስራሕቲ ዓሚሞም እዮም፡፡ ኣብ እዚ ሎሚ እዋን ንሶም ኣብ ናይ ደቡብ ሱዳን ስራሕቲ ልዝብ ሰላም ናይ ኢጋድ ሓላፊ ጉዳያት ቢሮን ዋና ስትራቴጂስቲን ኮይኖም ኣገልጊሎም እዮም፡፡ ብተወሳኺ ንሰብኣዊ ጉዳያት ክከታተል ናይ ዝተጣየሸ ላዕለዋይ ጉጅለ ኣማኻሪ ሕብረት ኣፍሪካ ባእታ ኣባል እንትኾኑ ብተመሳሳሊ ናይ ኢጋድ ኣማኻሪ ጉዳያት ስደት እውን እዮም፡፡

ዶክተር መሓሪ ኣብ ሸነኽ ኣካዳሚ እውን ብቐረባ ዝሰርሑ እንትኾን፤ በዚ መዳይ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብመዓርግ ኣጃንክት ኣሲስታንት ፕሮፌሰር ኣብ ትካል ጽንዓት ሰላምን ድሕነትን (ኣይ.ፒ.ኤስ.ኤስ)፤ ኣብ ትካል ጽንዓት ፌደራል ጉዳያት (ኣይ.ኤፍ.ኤስ) እንዳመሃሩ ይርከቡ፡፡ ካብ እዚ ብተወሳኺ፡ ምስ ኔቶ ኮሌጅ ምክልኻል ሃገር(ኤን ዲ ሲ)፤ ናይጄርያ ኮሌጅ ጠርነፍቲ ሓይልታት ምክልኻልን ስታፍ፤ ማእከል መሰልጠኒ ደገፍ ሰላም ኢትዮጵያ፤ ኣብ ሴኔጋል ዝርከብ ልምዓት ቑጠባን ትልምን ሕቡራት መንግስታትን ኣብ ዩ.ኤስ. ኤ ዝርከብ ማእከል መጽናዕቲ ስልታዊ (ስትራቴጂካዊ) ጉዳያት ኣፍሪካን ጥቡቕ ኣካዳሚያዊ ርክባት ኣለዎም፡፡

ከም ሓደ ልዑል ኪኢላን ሰራሕተኛን ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም፤ ዶክተር መሓሪ ኣተሓባባሪ መደብን ኪኢላ ሕጊን ኮይኖም ኣገልጊሎም እዮም፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ኢጋድ ንክፍሊ ሰላምን ድሕነትን፤ ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ፖለቲካን ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ኢኮኖሚን ከም ቀንዲ ስልተኛን (ስትራቴጂስቲን) ኣማኻሪን ኮይኖም ሰሪሖም እዮም፡፡ ዝተፈላለዩ ረቂቕ ሰነዳት ፖሊሲ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝስዕቡ ዝጠመቱ ቐሪጾም ኣቕሪቦም እዮም፤ ኣብ ስደት፤ ሰላምን ድሕነትን፤ ምሕደራን ኣድማዒነት ኣፈጻጽማ ሰብኣዊ መደባትን፡፡ ኣብ ውሽጢ እዞም ዝተጸርሑ ረቒቕ ሰነዳት ዝሕቆፉ ድማ እዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ኣለዉ፤- ስትራቴጂ ምሕደራ ዶባት ሕብረት ኣፍሪካ፤ ንኣድማዒነት መደባት ሰብኣዊ ጉዳያት ዝምልከት ሓባራዊ መርገጽ፤ ንስደትን ምዕባለ ኢኮኖሚን ዝምልከት ሓባራዊ መርገጽ ኣፍሪካ፤ ተበግሶ ሕብረት ኣፍሪካ ኣንጻር ካብ ሕጊ ወጻእ ዝግበር ዝውውር ደቂ ሰባት ከምኡ እውን ንስደት ዝምልከት ገቢራዊ ትልሚ ሕብረት ኣፍሪካ (2008-2012)፡፡ ብተወሳኺ ንርክብ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ዝምልከት ገምጋማዊ ስራሕቲ ኣሰላሲሎም እዮም፡፡ ኣብ እዚ ሕዚ እዋን ንሶም ንኣርክቴክቸር ምሕደራ ኣፍሪካ (ኤ.ጂ.ኤ) ኣመልኪቱ ሕብረት ኣፍሪካ ዝጥቀምሉ መቓን ርክብ እናዳለዉ ዝርከቡ እንትኾን ንፓን ኣፍሪካ ጉዳያት ስደት ዝምልከት ዋዕላ ወይድማ ፎረም እውን ከም ሓደ ምንጪ ክኢላ ኮይኖም የገለግሉ ኣለዉ፡፡
ከም መጠን ኣብ ሰላምን ድሕነትን ከምኡ እውን ኣብ ጉዳያት ስደት ዋና ስልተኛን ኣማኻሪን ኢጋድ፤ ዶክተር መሓሪ ንሜላታት ሓለዋን ምርግጋጽን ሰላምን ድሕነትን ደቡብ ሱዳን ዝምልከት ገምጋማዊ ጸብጻብ ኣብ ልዕሊ ምቕራቦም ኣብ ሰላም ዘድሃቡ ዘተታት ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣሳሊጦም እዮም፡፡ ካብ እዚ ሓሊፉ ዶክተር መሓሪ ወድኣዊ ኩነታት ሃገራት ኢጋድ ዝምልከት ረቂቕ ሰነድ ጸብጻብ ኣዳሊዮም እዮም፡፡ ምስ እዚ ማዕረ ማዕረ ስትራቴጂ 2020 ሰላምን ድሕነትን ኢጋድን፤ ሰላምን ድሕነትን ኢጋድ ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪቦም እዮም፡፡ ከም መጠን ኣማኻሪ ጉዳያት ስደት፤ ገቢራዊ ትልሚ (ኢ.ኤም.ኤ.ፒ) ጉዳያት ስደት ኢጋድ እውን ኣዳሊዮም ኣቕሪቦም፡፡ ንስደት ዝምልከት ናይ ተግባር ቅድመ ሰዓብ ዝሰርዕ ንምብራቕን ደቡብ ኣፍሪካ ሃገራትን ዝምልከት ሰነድ ኣብ ምቕራጽ ከም ዋና ተዋሳኢ ኮይኖም ተሳቲፎም እዮም፡፡ ካብ እዚ ንላዕሊ ንናጻ ዝውውር ደቂ ሰባት ዝምልከት ፕሮቶኮል ኢጋድ ንካልኣይ ጊዜ እንትትረቅቕ ንሶም ዋና ሃንዳሲ ነይሮም፡፡ ካብ እዚ ብተወሳኺ ንዶባት ኣፍሪካ ብዝምልከት ክህሊ ብዛዕባ ዝግብኦ ምሕደራ ኣማኻሪ ኮይኖም ዘገልገሉ እንትኾን፤ ናይ ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ዋና ስልተኛ ካብ ምኻኖም ብተወሳኺ ንጂ.ቲ.ዜድ ኣብ ኣርክቴክቸር ምሕደራ ኣፍሪካ ኣማኺሮም እዮም፡፡

ንናይ ሕብረት ኣፍሪካ፤ ኣር.ኢ.ሲን ሕቡራት መንግስታትን መግለጺ ምሃብ
ከም መጠን ኣባል ልዑል ጉጅለ ኣማኻሪ ሕብረት ኣፍሪካ፤ ከም መጠን መተሓባበሪ መደባትን ጠርናፊ መደብን፤ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ ጉዳያት ሰላም፤ ድሕነት፤ ምሕደራ፤ ስደትን ምዝበላን ካብ ዘሎዎም ሰፊሕ ተሞክሮ ብምብጋስ ዶክተር መሓሪ መብሪህን ገለጻን ክህቡ ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ውሳነን ፓሊሲን ንሓያሎ ጊዜታት ተዓዲሞም እዮም፡፡ ብፍላይ ድማ ብሕብረት ኣፍሪካ፤ ኣር.ኢ.ሲን ዋዕላ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት፤ ኮሚቴታት ቐዋሚ ተወከልቲ፤ ዋዕላ ሚኒስትራት ሕብረት ኣፍሪካ፤ ኢጋድን፤ ማሕበራት ዞባዊ ቑጠባን ብመንግስትታት ዝተጠያሻ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስቲ ዝሰርሓ ጉጅለታት ስራሕን ተዓዲሞም መብርሂ ሂቦም እዮም፡፡ ናቶም ስራሕቲ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዋዕላታት መራሕቲ መንግስቲን ብሄር፤ ኣብ ዋዕላ ሚኒስትራትን ኮንፈረንሳት ሚኒስትራትትን ከም እታወት ብዕሊ ተጠቀስቲ ኮይኖም ቐሪቦም እዮም፡፡
ሕትመታት
ኣብ ዓለም ኣፍልጦ ብዝረኸበን ኣካዳሚያዊን ሕጊ ተንከፍን ዝኾኑ ጽሑፋት ዘህትም ኣብ ሄግ፤ ኔዘርላንድስ ዝርከብ ኢለቨን ኢንተርናሽናል ፐብሊሺንግ ብዝበሃል ሓታሚ ኣቢሉ ኣብ ቐረባ እዋን ዝተሃተመት “ናይ ካምፓላ ኮንቨንሽንን ኣብ ዓለም ለኸ ሕጊ ዘሎዎ እጃምን “ እትብል ስርሖም ብኣቆጻጽራ ኣውሮፓ ብዲሴምበር 6፤ 2012 ዝወጸ ኮንቬንሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ምሕላውን ምሕጋዝን ኣብ ሃገር ውሽጢ ንዝተማዛበሉ ዜጋታት ዘሎዎ ትርጉም እትምርምር መጽሓፍ እያ፡፡ እዛ መጽሓፍ በዚ ዛዕባ ኣቱም ብዘበሉን ቕድም ክብል ኣንደር ሴክረተሪ ጄኔራልን ኣብ ምክልኻል ጅምላዊ ምጥፋእ ህዝብታት ንሴክረታሪ ጄኔራል ሕቡራት መንግስታት ኣማኻሪ ብዝነበሩን ብዶክተር ፍራንሲስ ዴንግ መእተዊ ተጻሒፉላ እዩ፡፡ ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ጉዳያት ፖለቲካ ዝኾኑ ሓላፊ እውን ከምኡ ንታ መጽሓፍ ዝኸውን ካልእ መእተዊ ኣበርኪቶም እዮም፡፡ እታ መጽሓፍ ብዕሙቀት ናይ ካምፓላ ኮንቬንሽን ኣናቅጽ ብመንጽር ምሕደራ ስደት፤ ሰላም፤ ድሕነትን ዓለም ለኸ ሕጊን ዝመርመረት እያ፡፡ ብተወሳኺ ብዝተፈላለዩ እዋናት፡ ዶክተር መሓሪ ብርክት ዝበሉ ጽሑፋት ኣብ ውሩያት ጆርናላት ዓለም ኣሐቲሞም እዮም፡፡

*********

Dr. Mehari Taddele Maru, who is International Consultant on African Union affairs and Research Fellow at the NATO Defence College.

more recommended stories