መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

I. መእተዊ፡-

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ካብ ሰነ 3-5 ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ዛዚሙ ኣሎ።

ህወሓት/ኢህወዴግ ኣብ ናይ 17 ዓመታት ናይ ዕጥቂ ቓልሲ ይኹን ኣብ ናይ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ናይ ልምዓት፣ ሰላምን ዴሞክራሲን ቓልስና ኮታስ ኣብ ኩሉ ምዕራፋት ቓልስና ምስ ካልኦት ኣሓት ውድባት ብዝገበርናዮ ቓልሲ ብዓወታት ተፀንቢልና ኣብዚ በፂሒና ኣለና። ናይ 43 ዓመታት ናይ ዓወትን ፅንዓትን ጉዕዞና ምንጩ ፅሩይን ብቕዕን ወያናይ ህዝባዊ መስመርና እዩ። እዚ መስመር ሒዙ ብፅንዓት ዝቓለስን ዘቓልስን ውድብ ስለዝወነና እዩ። ኣብ ዙርያ እዚ መስመርን ውድቡን ዓሲሉ ታኣምር ዝሰርሕ ፅኑዕ ህዝቢ ስለዝነበረን ስለዘሎ እውን እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ 17 ናይ ተሃድሶ ዓመታት ኣብ ኩሉ መዳይ መሰረታዊ ለውጢ ኣመዝጊብና ኣለና። ሃገርና ካብ ኣዕርዩ ዘፍርሕ ናይ ምብትታንን ምንቁልቋልን ሓደጋ ብመሰረተ ቀይርና ከም ዓዲ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክትሰጋገርን ስማን ክብራን ክብርኽ ኢህወዴግ ዘይተሓለለ ቓልሲ ገይሩ እዩ። ብዝገበርናዮ ፃዕርን ቓልስን ህዝብታት እዛ ሃገር ማዕረ ናይ ምልማዕ ዕድል ዘረጋገፀ ስርዓተ ሃኒፅና ኣብ ኩሉ መዳይ ኣብ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊ ህዝብና ተጠቃሚ ዝገበረ ውፅኢት ኣረጋጊፅና ኢና።

ብርግፅ እዉን ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መስመርና ሃገርና ካብ ጥፍኣት ዘድሓነ፣ ማዕርነት ብሔርን ብሄረሰባትን ዝተኸበረላ ሓዳሽ ዴሞክራሲያዊት ኢትዮዽያ ክትፍጠር ዝገበረን ንቅድሚት እዉን ህዳሰ እዛ ሃገር ንምርግጋፅ ብሕታዊ መንገዲ ምዃኑ ናይ ክሳብ ሐዚ ቓልስና ዘረጋገፆ ሓቂ እዩ። እዚ ታኣምር ዝፈጠረን ንቅድሚት እውን ናይ ሃገርና ህዳሰ ጋህዲ ክገብር ዝኽእል ልምዓታዉን ዴሞክራስያውን መስመርና ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ናብ ሓደጋ ዝኣተወሉ ኵነታት ተፈጢሩ እዩ።

እዚ ኵነታት ክፍጠር ብቐንዱ ነዚ መስመርን ነዚ ስርዓትን ክመርሕ ሓላፍነት ዝወሰደ መሪሕነት ኢህወዴግ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ባህሪኡ ተሸርሺሩ ናብ ዝኸፍአ ናይ ፅግዕተኛ ምብስባስ ጭቓ ተረግሪጉ ምፅንሑ ኢህወዴግ ገምጊምዎ ዝሓደረ ጉዳይ እዩ። ይኹን እምበር ነዚ ፈተና ንምግላህ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣትሒዙ እናተኻየደ ዝፀንሐ ናብ ንቡር ቦታና ንምምላስ ዝተጀመረ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ ተግባራትና ሐዚ እዉን ብደረጃ ኢህወዴግ በቲ ዝድለ ደረጃ ኣይተዓወተን።

ነዚ መሰረት ብምግባር ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ስራሕ ፈፃሚት ኢህወዴግ ኣብ ዝወሰኖም ዉሳነታትን ሐዚ ዘሎ ሃገራዉን ክልላዉን ኵነታትን ቀፃሊ ናይ ቃልሲ ኣንፈታትን ብዝርዝር ዘትዩ ዝስዕብ ዉሳነ፡ኣሒሊፉ ኣሎ።

II. ውሳነታት

ሀ) ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፈፃሚት ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ጉንቦት 28/2010 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ጎንፂ ኢትዮ-ኤርትራ ዘላቒ ሰለማዊ ፍታሕ ንምምፃእን መንግስታዊ ናይ ልምዓት ትካላት ኣመልኪቱ ዝወሰኖም ውሳነታት ብስራሕ ፈፃሚት ህወሓት ኣብ ዝቐረበሉ ፀብፃብ ድሕሪ ዝርዝር ምይይጥ ምክያድ እዞም ዝስዕቡ ውሳነታት ኣሕሊፉ ኣሎ።

1. ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ስራሕ ፈፃሚ ኢህወዴግ ክሪኦ ዝነበሮ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2010 ዓ.ም ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ዘቐመጦ ውሳነን ገምጋምን መበገሲ ብምግባር ኣብ ውሽጡ ውድብ እናተረአየ ዝፀንሐን ዘሎን መሰረታዊ ፖለቲካዊ ሕመቕን ዘብፅሖ ዘሎ ጉድኣትን ምስ ኣብ ዝሓለፈ ዝተጀመረ ናይ ተሃድሶ ምንቅስቓስ ዝርከበሉ ደረጃ ብዕምቆት ገምጊሙ ናይቲ ሽግር ቐንዲ ምንጭን መፍትሒኡን ቀዳምነት ሂቡ ክሪኦ ዘይምኽኣሉ መሰረታዊ ጉድለት ፈፂሙ እዩ።

2. ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ክሪኦ ዝነበሮ ካሊእ መሰረታዊ ጉዳይ ነቲ ሐዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ሽግር ክፈትሕ ዝኽእል ኣብ መሰረታዊ ሽግርን ዘላቒን መፍትሒ ከድህብ እናተገብኦ ኣብ ሳዕቤኑን ግዝያዊ መፍትሒ ቀዳምነት ሰሪዑ ምርኣዩ ዓብይ ጉድለት ከምዝኾነን እቲ ቀንድን ዘላቕን መፍትሒ ብልምዓታዉን ዴሞክራሲያዉን መስመርና ዝተነፀሩ ቁልፊ ዓቕምታትና ዝኾኑ ህዝቢ፣ መንግስትን ውልቀ ሰብ ሃፍትን ኣብ ምርብራብ ዘሎ ሽግር ዝለዓለ ትኹረት ሂቡ ክማየጥን ክውስንን ኣይካኣለን።

3. እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ጉድለታት ከምዘለዎ ኮይኑ ኣብ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝወሰኖ ውሳነ ብመሰረቱ ድሕሪ ዅናት ኢትዮ-ኤርትራ ዘላቒ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪካ ብሓፈሻ ናይ ክልቲኦም ሃገራት ህዝብታት ድማ ብፍላይ ብኢህወዴግ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮዽያ ንዉዕሊ ኣልጀርስ ብዘይ ቅድመ ዅነት ተቐቢሉ ንተግባራዉነቱ መላእ ኣባላቱን ህዝቡን ብምርዳእን ክኣምንሉ ብምግባርን ከምኡ እውን ንሕብረተ-ሰብ ዓለም ኣብ ጎኑ ብምስላፍ ንተግባራውነቱ ዘይሕለል ቓልሲ እናገበረ ፀኒሑ እዩ።

ይኹን እምበር ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝሓለፈ 18 ዓመታት ዘላቂ ሰላም ምርግጋፅ ኣይተኸኣለን። ስለዝኾነ ድማ ስራሕ ፈፃሚት ኢህወዴግ ዝወሰኖ ዉሳነ ካብቲ ዝፀንሖ ፖሊስና ዘይፍለ ምዃኑ ብምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ዘምፅእ ዉሳነ ምሕላፉ ጉቡእን እዋናዉን ምዃኑ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ደምዲሙ እዩ።

ይኹን እምበር ኣብ ኣፈፃፅምኡ ምስ ኣብ ካሊእ ከባቢ ዘሎ ዶባት ሃገርና ናይ ባዕሉ ዓብይ ትርጉም ዘለ ስለዝኾነ ብዝለዓለ ጥንቓቐ ክረአ ከምዘለዎ ሓቢሩ እዩ።

4. ኣብ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ከባቢ ዝነብር ህዝብን ምልሻን ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 20 ዓመታት ካብ መነባብሮኦምን ማእቶቶምን ተፈናቒሎም ንምኽባር ላኣላውነትን ሕገ-መንግስቲ ሃገርናን ኣብ ጎኒ ሓይሊ ምክልኻል ሰራዊትና ኮይኖም ዝኸፍልዎ መስዋእትን ንምግማቱ ዘፅግም ተወፋይነትን ፅንዓትን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዘለዎ ክብርን ናእዳን እናገለፀ ምስ ኢህወዴግን ናይ ፈደራል መንግስቲ ብምዃን እኹል ድጋፍ ክረኽቡ ከምዝግባእ ወሲኑ ኣሎ።

5. ፈፃሚት ስራሕ ኢህወዴግ መንግስታዊ ናይ ልምዓት ትካላት ሕዚ ብዘሎ ሃገራዊ ኢኮኖሚዊ ሽግራት ንምፍታሕ ኣብ ቴሌ፣ ምምንጫው ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ሎጀስቲክስን መንገዲ ኣየርን ዝለዓለ ናይ መንግስቲ ብፅሒት ክህልዎን ሰብ ሃፍቲ ኣብዚ ክሳተፉ ምግባር ዝተረፉ ትካላት ድማ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናብ ውልቀ ሰብሃብቲ ንምዝዋር ዝወሰኖ ዉሳነ ምስ ፕሮግራምን ፖሊስታትን ኢህወዴግ ዘይጋጨዉ፣ ኣብ ሕሉፍ ጉባኤታት እናተወሰኑ ዝመፁን እዋናዉን ከምዝኾነ ብምርግጋፅ ተቐቢልዎ ኣሎ። ይኹን እምበር ኣብ ኣፈፃፅማ ልዑል ጥንቓቐ ክግበርን ልምዓታዉን ዴሞክራሲያዉን መስመርናን ረብሓ ህዝብታት ኢትዮዽያን ብዘይትንክፍ ክፍፅሞ ከምዘለዎ ኣስሚሩሉ ኣሎ።

6. ኣብ ጉዳይ ዘላቒ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ይኹን መንግስታዊ ናይ ልምዓት ትካላት ዝተወሰነ ዉሳነታት ናብ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ቀሪቡ ከይተወሰነ፣ ኣጋር ውድባት ከይተሳተፍሉን ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላትን ብዝርዝር ተማይጦም እንተይኣፀደቑዎ ከም ናይ መወዳእታ ዉሳነ ገይርካ ንህዝቢ ዕላዊ ምግባር መሰረታዊ ጉድለት ከምዝፈፀመ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ደምዲሙ።

7. ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብሔር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮዽያ ብዝለዓለ ሃገራዊ ፍቕሪ ዝተሳተፍሉን መስዋእቲ ዝኸፈሉሉን ጉዳይ ብዝርዝር ከይተማየጥሉን እንታይኣመኑሉን ብሚድያ ዕላዊ መግለፂ ምሃብ ኣብ ህዝብና ቅሬታ፣ ቁጠዐን ምድንጋርን ንክፍጠር ምኽንያት ኾነ ዓብይ ጉድለት ተፈፂሙ እዩ።

ለ. ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብዕምቆት ካብ ዝዘተየሎም መሰረታዊ ጉዳያት ሓደ ንርከበሉ ክልላዉን ሃገራዉን ኵነታትን ቀፃሊ ናይ ቓልሲ ኣንፈታትን ዝምልከት እዩ። ብኢህኣዴግ ደረጃ ይኹን ኣብ ህወሓት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣታሒዙ ኣብ መስመርናን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትናን ዘጋጥም ዘሎ መሰረታዊ ፀገም እናገምገመ መፂኡ እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን ናይቶም ሽግራት ስፍሓትን ሳዕቤንን ብኢህወዴግ ደረጃ ብዕምቆት ክግምግም ከምዘለዎ ተረዳዲኡ ዝስዕብ ዉሳነታት ኣሕሊፉ ኣሎ።

1. ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2010 ዓ.ም ካብ ዘቐመጦም ዉሳነታት ዉድብና ካብ ሓደጋ ንምድሓን ዝተነፀሩ ሽግራትን መፍትሕታቶምን ብጥቡቕ ድስፕሊንን ተሓታትነትን ክተግብሩ ንፁር ኣንፈት ኣቐሚጡ እዩ። በዚ ኣንፃር ዳግም ብዕምቆት ናይ ምህዳስ ምንቅስቓስ በፂሕዎ ዘሎ ደረጃ ብኢህወዴግ ቤት ምኽሪ ክግምግም ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ይሓትት።

2. ኣብ መንጎ ዴሞከራሲያዊ ሓይልታትን ፅግዕተኛ ናይ ምብስባስ ሓደጋ ዝግበር ግጥም ብቐንዱ ኣብ ዙርያ ዴሞክራስን ልምዓትን ቓልሲ ብምውላዕ ኩሎም ማሕበራዊ መሰረትናን ካብዚ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ተጠቀምቲ ዝኾኑ ክፋላትን ብዝገበርዎ ዝተወደበ ቓልሲ እዩ። እዙይ ንምግባር መላእ ህዝብናን ተቐላስትን ንርከበሉ መድረኽን ፍሉይ ባህሪያቱን መበገሲ ብምግባር ብሃገር ደረጃ እቲ ቓልሲ ክጠናኸር ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣበርቲዑ ክቃለስ ወሲኑ ኣሎ።

3. ኣብዚ እዋን ብብርኪ ኢህወዴግ ዝግበር ዘሎ ናይ ኣመራርሓ ምደባ ንናይ ኢህወዴግ ሕገ-ደንብን ትካላዊ ኣሰራርሓን ዘይተኸተለ ብምዃኑ ቀልጢፉ ንክስተኻኸል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት የተሓሳስብ።

4. ንነባራት ኣመራርሓ ውድብና ህወሓት ኣፍልጦ ክወሃቦም ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ወሲኑ ኣሎ።

5. ብሕገ-መንግስቲ ሃገርና ተመሊሶም ዝሓደሩ ናይ መንነትን ወሰን ሕቶን ፌደራላዊ ስርዓትና ብምፅራር ክብሪ ህዝብና ረጊፅካ ብሓይልን ብፅዕንቶን ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምዝራግ ዝግበር ዘሎ ፀረ-ዴሞከራሲ ምንቅስቓስ ህወሓት ምስ ህዝቡ ኮይኑ ብዝለዓለ ደረጃ ቓልሲ ክግበረሉ ወሲኑ ኣሎ።

6. ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድብና ህወሓትን ከምቲ ዝሓለፈ ፅኑዕ ዕርዲ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መስመር ኮይና ቓልስና ከነሕይልን ከምታ ናይ ቀደምና ኣብ ዙርያ መስመርና ዓሲልና ንዝለዓለ ቓልሲ ርብርብ ክግበር ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ወሲኑ ኣሎ።

7. ኣብ ዝሓለፈ ምስ ህዝብና ዘካየድናዮም መድረት ብዙሓት ፀገማት ከምዘለዉ ተገንዚብና ኢና። ውድብና ናይዞም ፀገማት መበገስን መፍትሒ ኣግባብን ብንፁር ኣቕሚጡ ብተግባር ጭቡጥ ለውጢ ንምምፃእ ለይትን ቀትርን ርብርብ ክግበር ወሲኑ ኣሎ።

8. ህዝብና መሪሕ ውድቡ ንምሕዳስ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ዘርኣዩ ተሳትፎን ቓልስን ልምዓታዉን ዴሞክራሲያዊ ባህሪኡ ሓልዩ ንክኸይድ ዝተፃወቶ ወሳኒ ተራ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ናእድኡ እናገለፀ፣ ኣብ ቀፃሊ እዉን እንተኾነ ብዝተወደበ ደረጃ ቓልሲ ከሕይል ፃዊዒቱ የቕርብ። በዚ ኣጋጣሚ ሰለማዉን ህጋዉን መንገዲ ተኸቲሎም ኣማራፂ ሓሳብ ምስዘለዎም ሓይልታት ሓቢርና ንምስራሕ ዘለና ድልውነት ንገልፅ።

እዚ ኮይኑ ግን ካብ ደገን ካብ ዉሽጥን ህዉሓትን ህዝቢ ትግራይ ንምድኻምን ንምውቓዕን ኮነ ኢሎም ብዝተፈላለየ መንገዲ ፀረ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ዉዱቡን ንዝንቐሳቐሱ ሓይልታት ህዝብና ኣምሪሩ ክቃለሶም ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፃዉዒቱ የቕርብ።

9. ነዚ ሐዚ ዝኒሀ ኵነታት ቀልጢፍካ ንምርኣይን ንምግምጋምን ናይ ኢህወዴግ ስራሕ ፈፃሚትን ቤት ምኽርን ህፁፅ ኣኼባ ክፅዋዕ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ይሓትት።

ሕገ-መንግስትናን ሕገ-መንግሰታዊ ስርዓትናን ንምጥንኻር ንረባረብ!!

ዘለአለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና!!

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት
ሰነ 06/2010 ዓ.ም
መቐለ፤

**********

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories