ወጮ ተገልበጥካዮ ወጮ እዩ

(ጋረድ ይነበብ)

ኣብ ወረዳ ኣሕፎሮም ዝነበረ ዋና ኣመሓዳሪ ናብ ዓድዋ ክምደብ ብምግባር ፣ካብ መቐለ ንኣኹሱም ክሽየም ብምግባር፣ከንቲባ ዓድዋ ዝነበረ ኣብ ካሊእ ወረዳ ስልጣን ብምሃብ ወጮ ተገልበጥካዮ ወጮ ዝኾነ ኣሰራርሓ እዩ። ምኽንያቱም÷

1/ ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ህዝቢ ትግራይ (ኣብቲ ዝተመደብሉ ወረዳ) ንዞም ኣመሓደርቲ ተባሂሎም ዝሽየሙ ዘለው ሰባት ኣይመረፆምን። ናይ ዲሞክራሲ ቀዳማይ ባእታ ድማ ህዝቢ ብዝመረፆን ብዝደለዮን ክመሓደር ምግባር እዩ። ስለዚ ሕገ-መንግስቲ ክኽበር ይግባእ።

2/ ኣብ ወረዳ ኣሕፎሮም ካብ ኣብኡ ፍስሃ በርሀ ስልጣን ዋና ኣመሓዳርነት ብውርሲ( ብውህብቶ) ዝተረከበ ሰብ ( ቅድሚ 2 ዓመት ከም ሰሜን ኮርያ ኢለ ፂሒፈዮ ኔይረ) ናብ ህዝቢ ዓድዋ ተሞክርኡ ከስፍሕ ደጊምካ ምምዳብ እዞም ሰባት ዳተባረዩ ዳተቐያየሩ ናይ ቦታ ለውጢ ዳገበርካ ህዝቢ ከመሓድሩ ምግባር ንቲ ፀገም ዘጋድድ እንበር መሰረታዊ ፍታሕ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ካልኦት ደቁ ዕድል ዘይውሃበሉ ምኽንያት ግልፂ ኣይኮነን። ትግራይ ናይ ውሑዳት ጥራሕ ንምንታይ ንገብራ?።

3/ ቡሱሩ ህዝቢ ትግራይ ሓዱሽ ገፅ ክርኢ፣ ሓደሽቲ ኣመሓደርቲ ክርኢ ንምንታይ ዕድል ዘይወሃቦ። ብኔትወርክ ዘይተጨማለቑ፣ ሕሽክርናን ክድምናን ዘይለመዱ፣ ብሓዱሽ መንፈስ፣ ብወነ ክስርሑ ዝኽእሉ ሰባት ክምደበሉ ዘይግበር።

4/ ህዝቢ ዘንፀርፀሩ ዘብከዩ ሰባት ኣብ ኽንዲ ክሕተቱን ክወርዱን ምግባር ወረዳ ምቅይያር ጥራሕ ንቲ ተሃድሶ ብባዶ ምርባሕ እዩ ዝኸውን።ኣበልናን ዶ ቀደሙ ዶ ዘብል እዩ።

5/ ህዝቢ ዘበከየ፣ መንጪቱ መነጫጪቱ ጁቡኡ ዘህጠረ ኣብ ትእምት መዲብካ ዓብይ ሌባ ክኾን ምምዳብ ስምዒት ህዝቢ ምጉዳእ እዩ።

6/ ህወሓት ዝጋገዮ ዘሎ እዞም ኣብ ውሽጣ ዘለው ሌያቡ ዝሰረቕዎ ገንዘብ ተዘይተረኺቡስ ንፁሃት እዮም ኢልካ ምምዳብ መወዳእትኡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ከቆራርፆ እዩ። ጉሒላ ሌያቡ ክሰርቁ እንከለው ወይእውን ምስራቖም ኢድ ብኢድ ተዘይተታሒዞም ንፁሃት እዮም ኢልካ ህዝቢ ከመሓድሩ ምምዳብ ንህወሓት ዋጋ ከኽፍላ እዩ። ሌባ ፍራ እኮ የለን። ያው ሌባ ሌባ እዩ። መን ሌባ እዩ ዝሰረቖ ዝጓሓሎ ብቐሊሉ ዝርከብ?። እቲ መሐረፆ ዘሕርፅዎ ሚልዮናት ቕርሺ ናይ መን ምኻኑ ተዝፅናዕ ክንደይ ጉድ ምተረኸበ።

7/ ህወሓት ቡሱሩ ተመሳሰልቲ ሰባት ጥራሕ ድዩ ኣመሓደርቲ እንዳገበረ ክምድብ ዘለዎ።ህዝቢ ኮ ለውጢ እዩ ዝደሊ።ለውጢ ድማ ሓዱሽ ገፅ ዘይተመራሰሐ ጉልበት ዘለዎ እንበር ወረዳ ካብ ወረዳ ምቅይያር ወጮ ተገልበጥካዮ ወጮ እዩ።

********

Guest Author

more recommended stories