ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ሓደ ዋኒን ሃሊዩኩም ከተፈፅሙ ናብ ዝኾነ ቤት ዕዮ እንተኼድኩም ጉዳይኩም ክፍፀም ካብ ዝገበኦ ጊዜ ንላዕሊ ይወስድ፡፡ ነዚ ምኽንያታት ካብ ዝኾኑ ነገራት ሓደ ሓለፍቲ ቤት ዕዮ ወይ ድማ ሰራሕተኛታት “ኣብ ኣኼባ እዮም” ዝብል እዩ፡፡ ሓደ ጉዳይ ፈፃሚ ወይ ሓላፊ ባዕሉ ወይ ድማ ብፀሓፊቱ ኣቢሉ “ኣብ ኣኼባ እየ” እንተቢሉ ጉዳይኩም ብእዋኑ ክፍፀም ኣይክእልን ማለት እዩ ፡፡

ካብዝግባእ ንላዕሊ ብዙሕ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣብ ኣኼባ ይባኽን እዩ፡፡ ሓደ ሓደ ጊዜ ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያ ጉዳይካ ከይፍፅሙልካ እንተደልዮም ኣብ ኣኼባ እየ ይብሉኻ – ንምንታይ ሓደ ሓላፊ “ኣብ ኣኼባ እየ” እንተይሉ ብድሕሪኡ ሕቶ ኣይመፆን፡፡ ከም ሕማቕ ባህሊ ዝተለመደ ነገር – ንኣኼባ ካብ ስራሕ ንላዕሊ ቦታ ይወሃቦ፡፡ ኣኼባ ንዝተሰርሑ ስራሕቲ መገምገሚ መሰርሕ ካብ ምኹዋን ሓሊፉ ምእካብ ንባዕሉ ከም ስራሕ ዝቑፀረሉ ኩነታት ልሙድ እዩ፡፡ ገለገሊኦም ብህፁፅ ክውድእዎ ዝግበኦም ጉዳይ እናሃለወ “ኣኼባ ስለ ዘለኒ ካሊእ መዓልቲ ተመለስ” ክብሉኻ ቁሩብ እኳ ስክፍ ኣይብሎምን፡፡ ኣብ ወርሒ ካብ ዘለዋ 20 ናይ ስራሕ መዓልታት ካብ ቢሮኦም ክፍቲ ገይሮም ሰብ ጉዳይ ከተኣናግዱ እናተገበኦም ብውሑዱ እቲ ሲሶ ዝኸውን እኳ ኣብ ኣኼባ እንተጥፊኦሞ (ነቶም ፈሊጦም ጉቦ ክበልዑ ደልዮም ወይ ድማ ቢሮኦም ዓፅዮም ናይ ውልቀ ስርሖም እናሰርሑ ኣብ ኣኼባ ኢና ዝብሉ ሓዲግና) ዓቢይ ክሳራ እዩ – ብዙሕ ሃፍቲ መንግስቲ ምብኻን እዩ፡፡Ethi

ንምኳኑ ንምንታይ እዮም ኣኼባ ዘብዝሑ ኢለ ሰባት እንትሓትት “እዞም ውድብማ ኣኼባ እዮም ዝፈትዉ – ኩሉ ጊዜ ኣኼባ እዮም” ይብሉ፡፡ ኣነ ግን ውድብ ንኣኼባ ከም መስርሕ መገምገሚ ስራሕን ፈፀምቲ ስራሕን እምበር ንባዕሉ ኣኼባ ከም ስራሕ ኣይትወስዶን በሃላይ እየ፡፡ ነዓይ ካለኦት ምኽንያታት ይረኣዩኒ፡፡

1. ብዙሓት ቤት ዕዮታት ብዛዕባ ዝሰርሖ ስራሕን ብዛዕባ ሕድሕድ ፈፃሚ ስራሕ ተግባር፣ ሓላፍነትን ተጠያቕነትን ንፁር መምርሒ የብለንን፡፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ኣዋጅ ይወፅእ እሞ ዝርዝር ኣፈፃፅማ በቲ ፈፃሚ ቤት ዕዮ ይወፀሉ ይበሃል – ተመሊሱ ዝሪኦ የለን፡፡ ናይዚ ውፅኢት ዝተፈላለዩ ጉዳያት (ኬዛት) ብዝመፁ ቁፅሪ ናብ ኣኼባ ይእቶ – ብኣኼባ ይውሰን (እዛ ጉዳይካ ተኣኪብና ክንሪኣ ኢና ትበሃል)፡፡

2. ዋላ ዝርዝር ኣፈፃፅማን ተግባር፣ ሓላፍነትን ተጠያቕነትን ንፁር መምርሒ የሃሉ ኣብ ቤት ዕዮታት ዘለዉ ፈፀምቲ ስራሕን ሓለፍትን በቲ መምርሒ መሰረት ሓፍነት ወሲዶም ንምፍፃም ዓርስ-እምነት (confidence) ስለ ዝጎድሎም ወይ ድማ ነቲ ስራሕ ብቑዓት ስለዘይኮኑ ኬዛት ብዝመፁ ቁፅሪ ናብ ኣኼባ ይእቶ፡፡

3. ገሊኦም ድማ ብዙሕ ምእካብ ብዙሕ ምስራሕ ማለት ይመስሎም – ከም መግለፂ ፖለቲካዊ ውፍይነት እውን ገይሮም ይወስዱዎ፡፡ በዚ ምኽንያት ክልተ መዓልቲ ሰሪሖም ሰለስተ መዓልቲ ሙሉእ ይገማገሙ፡፡

4. ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ግን ክሰርቁ እንተደልዮም ወይ ኣብ ናይ ውልቀ ዋኒኖም እናሃለዉ “ኣብ ኣኼባ እየ” ዝብሉ- ሸቀጥቲ (ኣከብቲ ክራይ) መሊኦም እዮም፡፡

እስቲ ናይ ሓደ ቤት ዕዮ ስልኪ ቑፅሪ ኣሊሽኩም ደውሉ እሞ “ሓደ ጉዳይ ነይሩኒ ሓበሬታ ደልየ ነይረ” በሉዎም – ናይ መብዛሕተኦም መልሲ “ ኣብ ኣኼባ ስለዝኾንኩ ካሊእ መዓልቲ ደውል” ዝብል እዩ፡፡

*************
The author Jossy Romanat in a co-blogger in this blog. He is a social scientist residing in Canada and can be reached at [email protected].

Jossy Romanat

more recommended stories