(ሙሉጌታ ገ/ህይወት)

ከይሓሰብካዮን ከየስተንተንካዮን ኣብ ልዕሌኻ ዝወድቕ ሓደጋ ከምቲ “ዘይሓሰብካዮ ያ ርኻቦስ ኣይመርገም ኣይምረቓ” ዝብልዎ ምስላ ከም ዝኾነ ኮይኑ ምሕላፉ ኣይተርፍን። “እንተዘይሞትክን ጥዒና ኣለክን” እውን ይበሃል እዩ’ሞ ድሕሪ ፀላኢኻ ዝሓሰበልካን ዝወጠነልካን ዕንወት ዝኽፈል መስዋእትነት ከፊልካ ካብቲ ዝነበርካሉ ሓጓፍ ሽንጥሮ ወፂእኻ ናብ እምባ ምስ ደየብካ ብዛዕባ ዕርቅን ሃላዋትን ምሕሳብ ነውሪ ኣይብሉን። ኣይዕረቕን ኢልካ ምእባይ’ውን ግን ናይ ሓጥያት ገዲፍና ነውሪ ኣለዎ ክንብል ኣይንኽእልን። ኮላይ ምስላ ወለድና “ዘይበኣስስ መልኣኽ ድየ ዘይዕረቕን ከ ሰይጣን ድየ።” ስለዝብል ዕርቅን ፅልእን ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ልሙድ ተርእዮ እዩ። ብካሊእ ገፁ ድማ ምስ ሰይጣን ንከይንዕረቕ ዘውግዝ ባህልን እምነትን ክዓ ኣለና። ሰይጣን ከይቀርበናን ከይጠብቀናን ንጉሆን ምሸትን ፀሎት ንገብር’ምበር “ናይ ኢድካ ይሃብካ ዝሓለፈስ ሓሊፉ እዩ’ዋ ካብ ደጊም ከይለምደካ” ኢልና ምሕረት ሂብና ምስቲ “ንግብረ ክፉእ ጥራሕ ዝተፈጠረ” ሰይጣን ክንዕረቕ ኣድላይ ጌርና ኣይንወስዶን።

ባህልን ልምድን ካብ ፖለቲካ ፍልይ ዝበለ ምዃኑ ብዙሓት ኣይስሕትዎን። Politics is the art of the possible (ፖለቲካ ናይቲ ክኸውን ዘለዎ ፍፃመ መስርሕ’ዩ) ዝብል ሚዛን ዝፀቅጥ ኣበሃህላ’ውን ኣሎ። ስለዚ ፖለቲካ ከምድልየትካ ድኣ ኣይትገብሮን’ምበር ነቲ ክኸውን ዘለዎን ዘይሕለፍን ጉዳይስ ከም መስርሕ ጌርካ ትጥቀመሉ ኢኻ።

እዚ መእተዊ’ዚ ኣድላይ ኮይኑ ተረኺቡ ዘሎ ሎምቕነ እንዳተደጋገመ ጭርው ዝብለናን እነንብቦን ዘለና ጉዳይ ዕርቂ ኢትዮ-ኤርትራ ሓደ ሓደ ርእይቶታት ወስ ንምባል’ዩ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ብምኽንያት ምፍራስ መስርሕ ፌዴሬሽን ኣብ 30ዓመት ዘቑፀረን ማእለያ ዘይብሉ ንብረት ኣዕኒዩ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ዝበልዐን ኵናት ተፀሚደን ብ1983ዓ.ም ብዝተርኣየ ምድምሳስ ወታደራዊ መንግስቲ ደርግ ክልተ ሉኣላውያን ሃገራት ኮይነን ናብ ዝወፃሉ መወዳእታ በፂሐን ንብዙሓት ሰባት እቲ ፍፃመ ናይ ዕንወት፣ ድሕረት፣ ሞትን ስቓይን መወዳእታ ኮይኑ ተራእይዎም። ካልኦት ውሑዳት ክበሃሉ ዝኽእሉ ሰባት ድማ ነቲ ፍፃመ ብዓይኒ ጥርጣረ’ዮም ዝርእይዎ ነይሮም። ሻዕብያ ካብ ውልደቱ ሒዝዎም ዝተልዓለ ናይ ዕንወትን ጥፍኣትን መንገዲ ኣብ ኮረቻ ስልጣን ምስ ደየበ ክገድፎ ይኽእል’ዩ ዝብል የዋህ እምነት ዘይወሓጠሎም ነይሮም’ዮም። ኢሳያስ ኣፈወርቂ “ንኢትዮጵያ ናይ 100ዓመት ዕዮ ገዛ ሂብናያ ኢና።” ኢሉ ኣብ ኣደባባይ ካብ ዝዛረብ ንድሓር’ውን ነቲ ዕብዳኑ ዘሕውይ ፈውሲ ከምዘይተረኸበሉ ዘመልክት እዩ ነይሩ።

ካብ ጉርሒ ይኹን ስኣን ዘስተውዕል ኣእምሮ ትማሊ እንታይ ከምዝተዛረበ ረሲዑ ንፅባሒቱ ብግልባጡ ንምዝራብ ዘይህከይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ “ዝድልየቱ ሽም ፌዴሬሽን ወይ ኮንፌዴሬሽን ሃብዎ ምስ ኢትዮጵያ ስጡም ሓድነት ፈጢርና ኢና” ክብል ብዛዕባ እታ 100 ዓመታት ዕዮ ዕንወትን ምብትታንን ዝተመነየላ ሃገር ክዛረብ እንተሎ “ክንደይ ኢሳያሳት ድዮም ዘለዉ?” ዘይብል ተዓዛባይ ኣይህልውን። ናይ ኮንትሮንባዳን ናይ ስለላን መሓውር ምስ ዝዘርጋሓሉ ሃገር ሓድነት ፈጢርና ኢና ኢልካ ምዝራብ ግና “ተዓመተለይ’ሞ ከዕሽወካ” ካብ ምባል ዝፍለይ ኣይኮነን።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክወሃብ ዝፀንሐ ምላሽ ግና ምስቲ ነዛ ዓባይ ሃገርን ብዙሓት ህዝባን ንምርግጋእን ናብ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምእታው ዝካየድ ዝነበረን ፃዕሪ ናይ ብዙሓት ዜጋታት ትዕግስቲ ዝፈተነ ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይን ጊዜ ናይ ምሽማትን ኩነታት ዝተሓሓዝ’ዩ ተባሂሉ ብተደጋጋሚ ክግለፅ ተፈቲኑ’ዩ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂን ጉጅለኡን ግና ኣብ ኣስመራ ኣቲኻ ባንዴራ ካብ ምስቃል ዝሓለፈ ዕላማን ውራይን ስለዘይነበሮም እቲ ከም ባህሊ ኮይኑ ዝተወሰደ ግፋ ዜጋታት ድሕሪ ናፅነት ኤርትራ ቀፂሉ እነሆ ቀዳማይ ዙርያ ተባሂሉ ዝተጀመረ ስልጠና መናእሰያት ወታደራት ንዓበይትን ንዓዲውዒልን ኣርኪቡሎም ኣሎ። “ሰብ ማለት ወታደር እዩ” ብዝብል ኣተሓሳስባ ዝሰልጠኑ ብስግሮ ዶብ እንዳዋሓዱ እንተኸዱ ኩሉ ሰብ ይዕጠቕ፣ ይሰልጥን ተባሂሉ ነታ ካብ ምክልኻል ሓሊፋ ወራር ዘይሃቀነት ኢትዮጵያ “ሕንጉጓይ መፀትኩም” ብምባል መፈፀሚ ዕላመኦም ክገብርዋ ፀኒሖም። ሕዚ’ውን ግን ከምኡ እንዳበሉ ይቕፅሉ ኣለዉ።

ናይቲ ተኸታታሊ ስልጠናታት ውፅኢት ድማ ነዞም ብጭዋዳ’ምበር ብርእሲ ምሕሳብ ዝኣበዮም ዕቡያት ኣብ ወርሒ ግንቦት 1990ዓ.ም “ነታ ብስጡም ሓድነት ተላጊብናያ” ዝበልዋ ሃገር ዕጫ ወራር ከብፅሑላ ኣላዒልዎም። ዶብ ሃገር ብድሩዓት መካይንን ብታንክታትን ጥሒሶም ኣትዮም ዓይኑ ዘፍጠጠ ወራር ፈፂሞም ከብቅዑ “ኣብ ቦታና ኢና ዘለና” ዝብል ፃዕዳ ቅጥፈት ኣውርዮም።

ብኵናት ዝረብረቡ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን እቲ ዝተመነይዎ ሰላም በርዒኑ ዳግም ናብ ምዕዳግ ጠበንጃን ናብ ታዕሊምን ክኣትው ግድነት ኮይኑ። እቲ ወራር ነቶም ዝተወረሩ ኢትዮጵያውያን “ዘይሓሰብካዮ ያ ርኻቦስ ኣይመርገም ኣይምረቓ” ከምዝበሃል ምስላ ከቢድ ወደቓ እንተነበረ’ኳ ብወገን ሓለምቱን ኣውፈርቱን ግን ሎሚ ኮነ ሽዑ ናይ ውድቀትን ዕንወትን መጀመርያ ከምዝነበረ ውሽጢ ልቦም ዝስሕቶ ኣይመስለናን። ስሕታን መዓልቲ ዝበሃል ንኩሉ ተጋጋያይ ዘጋጥም ሕማቕ ተጓንፎ ክህልው ይኽእል’ዩ። እቲ ዝዓበየ ዕሽነት ግን ካብ ጌጋኻ ቀልጢፍካ ዘይምእራም’ዩ።

ትምክሕትን ዓመፅን ፈውሲ ኣለዎ እንዳወረርካ ኡይ ምባል’ውን መወዳእታ ክህልዎ ናይ ግድን’ዩ። ሱዳን፣ የመንን ጁቡቲን ተወሪረን ተሪር ምላሽ እንድሕር ዘይሂበን ኢትዮጵያ ድኣ ካብአን እንታይ ትፍለይ ኢልካ ምሕሳብ ካሊእ ዓብይ ዕሽነት’ዩ። “ፀሓይ ኣይትበርቕን’ያ እንተወፂእና” ኢልካ ፈኸራ ካሊእ ዕሽነት ምንባሩ ዘመልክተና እታ ዘይትሰምዕን ካብ ውራያ ንስለ ዘይትዕንቀፍን ፀሓይ ምስቲ እንዳሰምዐ ኣይሰማዕኹን ዝብል ኣብ ወራር ዝተፀመደ ሰብ ንምውድዳር ዝተገበረ ከንቱ ፈተነ ብምዃኑ እዩ።

ሰራዊት ወራር ተጀፊዑ ልቢ ገበነኛታት ኵናት ክስበር እንተሎ እቲ መንገዲ ጥፍኣት ዝመረፀ ናይ ሰይጣን ፊታውራሪ ዓቕሙ ዓቂኑን ዝግብጦ ገቢጡን “ብዘይ ቃልዓለም ተማሂርና” ኢሉ ካባ ስዕረቱ ተጀንጂኑ። ካብኡ ንድሓር እታ ምውራይ ዘይህከያን ካብ ዓዘር ቆዘር ዘረባ ተናጊፋ ዘይትፈልጥን መልሓሱ እንተዘይኮይና ጠምሻሕ ዝብል ኣሰር እግሪ ወይ ኳሕ ኮራሕ ዝብል ድምፂ ጠያይትን ኣየስመዐን። ናይ ግፍዕን ስቓይን መሳርሕ ዶብ ጥሒሰን ከይወፃ ምስተገበረ እቲ ናብ ዘይዜጋታቱ ተወዲሩ ዝፀንሐ ገመድ ማሕነቕትን ኣፈሙዝ መርሸንትን ናብ ግንባርን እንግድዓን ናይ ባዕሉ ዜጋታት ጠውይዎ። ኣብ መንጎ ኣሕዋት ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ናይ ዝተሰውኡን ዝሞቱን 70,000 ሰባት ደም ከይኣክል ብምኽንያት ግጉይ ፖሊሲን ዕሙት ኣካይዳን ህዝቢ ናብ ቀረባን ርሑቕን ዝገብሮ ስደት ብዝተዓፃፀፈ መልክዕ ቀፂሉ። እዚ ካብ ስደት’ውን ምብትታን ህዝቢ ክበሃል ዝኽእል ሕሱም ተርእዮ ናይቶም “ኣሕዋትኩም ኣይኮናን” እንዳበለ ወግሐ ፀብሐ ኣእምሮኦም ጠውዩ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ነባሪ ፅልእን ቅርሕንትን ክሸኽሎም ላሕ ዝበለሎም ኣሕዋትና ህይወት ናብ ሲኦል ለዊጥዎ ኣሎ።

ናይዚ ኩሉ እኩብ ድምር “ዓሳ ጎርጓሪ ዘንዶ ያወጣል፤ የሰው ፈላጊ የራሱን ያጣል።” ከምዝብልዎ ኮይኑ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ጎረባብትን ህዝብታትን ዘቕነዐ ቀይዲ በተኽን ዘይምዕሩይ ኣካይዳን ነታ ድሕሪ ናፅነት ርጉእ፣ ሰላማውን ምዕቡልን ህይወት ክትጭብጥ ተመንያ ዝነበረት ሃገር መፃኢ ዕድል ናብ ፅልምትምት ኣእትይዎ ይርከብ ኣሎ። ዝኾነ ይኹን ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ኣሽንኳይ ዶ ብታሪኽ፣ ብባህሊ፣ ብቋንቋን ብመልክዓ ምድራውን ርክባቱ ብዘይብተኽ ገመድ ምስ ባዕሉ ንዝተጣበቐ ህዝብስ ይትረፍ ንካሊእ ማንም ህዝብን ሃገርን’ውን ክፉእ ኣይምነይን። ብሕልፊ ሓውካን ጎረቤትካን ክጥዕም እንተይኮይኑ ክኸፍኦን ክፅገምን ኣይትምነይን። እቲ ምንታይ ፀገምን ሕሰምን ሓውካን ጎረቤትካን መሊኡ ክበዝሕ እንተሎ ናብ ልዕሌኻ ምፍሳሱ ኣይተርፍን።

ኢሳያስ ኣፈወርቂን ጉጅለኡን ንጉሆን ምሸትን ኤርትራ ኣብ ዝበረኸን ዝመቸወን ምዕባለ ከምዝበፅሐት ኣሜሪካ ድማ ኣብ ዕንወትን ዕግርግርን ኣትያ ከምዝተወጠረት ክዛረቡ እንተለዉ ካብ ዕድመ ቁልዕነት ክሳብ ሽምግልና ዝርከቡ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ኤርትራ ንምንታይ ካብታ ዝማዕበለት ሃገር ናብታ ናይ ዕግርግርን ዕንወትን ሃገር ዝኾነት ኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ይስደዱ ከምዘለዉ ከረድኡ ኣይኽእሉን። ብኩሉ መዕቀኒ ኣብ ጭራ ሃገራት ዓለም ንክትስራዕ ብናህሪ ናብ ድሕሪት እትምለስ ዘላ ሃገር ናይ ኩሉ ፀገማታ መንቀሊ ኢትዮጵያ እያ እንዳተባህለ ክሳብ ብምስማዕ ዘህክይ ይንገር ይውዕል። ኤርትራን ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ኮይነን ከምዝነብራ ፍሉጥ ጉዳይ እንተኾነ’ኳ ምስቲ ሕዚ ብዘይሕግን ብዘይዝኾነ ዓይነት ጥሉል ሃገራዊ ፖሊሲን ኮይና ዋላ ኢትዮጵያ ካብዚ ዘላቶ ዞባ ተነቓኒቓ ናብ ሰሜናዊ ዋልታ እንተትኸይድ’ውን ኤርትራ ካሊእ ምኽንያትን ሰበብን ክትፈጥር እንተዘይኮይና ካብቲ ዝኣተወቶ ፀገምን መከራን ኣይትናገፍን።

ናይ ዶብ ፀገም ከመይ ጌርካ ክፍታሕ ነይርዎን ዝብል ሕቶ ኣልዒልካ ብዙሕ ተመክሮን ኣብነታትን ዓለም እንዳጠቐስካ ምዝራብ ዝከኣል እንተኾነ’ኳ ነቶም “status quo ante” (ኩሉ ናብ ንቡር ይመለስ) ዝብል ሕጊ ዓለም “ኣይንፈልጣን ኔርና” ብምባል ዝተዛረቡ ግጉያት መራሕቲ ኤርትራ “ሕጊ ዘይምፍላጥ ካብ ተሓታትነት ኣየድሕንን” ዝብል ካሊእ ምላሽ ከምዘሎ’ውን ዝፈልጡ ኣይኮኑን። ምኽንያቱ መሰረት ሕጊ ዘይምፍላጥ ዳርጋ ኩሉ ሕጊ ዘይምፍላጥ ማለት ስለዝኾነ።

ብወራር ተጀሚሩ ብሓይሊ ዝተጨፍለቐ ዓመፅ ፅሉላት መራሕቲ ህግደፍ ናብ መጋባእያ ዓለም ንክኸይድ ዘገደደት ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ክመፅእ ብምድላይ’ምበር እቲ ወራሪ ሓይሊ ካልኣይ ከምዘይደግም ገይሩ ምስተወቕዐ ክመፅእ ዝኽእል ዓብይ ሓደጋ ኢላ ብምሕሳብ ኣይነበረን። ናብ ቤት ፍርዲ ኣይከይድን ጠንጠንኩሉ እንተትብል ሞራላዊ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ዘለዋ ኣጠማምታ ከሰክፋ እንተዘይኮይኑ እቲ ዝተስዓረ ሓይሊ ካብቲ ሕዚ ምስ ኣልሸባብን ኦብነግን ተዛሚዱ ዘካይዶ ናይ ዕግርግርን ህውከትን ፋሕጠርጠር ወይ ኣብ ዘይተፀዋዕኻዮ ናይ ካልኦት ሓሽከርን ኮልኳልን ካብ ምዃን ንላዕሊ ካሊእ ከምፀኦ ዝኽእል ሳዕቤን ኣይምሃለወን። ከም ተራ ሽፍታ ናይ ሓረስቶት ጤለ-በጊዕን ኣድግን ካብ ምስራቕ ንላዕሊ ካሊእ ዝገብሮ ከምዘይብሉ እንተፈቲኑ’ውን ናይ መወዳእታ ካርታ ስሒቡ ብህይወቱ ንከላግፅ ከምዝውስን ኣፀቢቑ ተረዲእዎ እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ሕዚ ኣንፃራዊ ሰላምና ኢሳያስ ኣፈወርቂን ጉጅለኡን ምእንተ ንዓና ሓሲቦም ዝመፅወቱልና ዘይኮነስ ምእንተ ናይ ባዕሎም ህይወትን ስልጣንን ክብሉ “ካብ ከልኡኒስ ጠንጢነዮ መፂአ” ዝዓይነቱ ሞት ቅብፀት እዩ።

እታ ንሓዋሩን ንዘለኣለምን ዝተመነይዋ ህይወት መን ምስተረፈ ናብኦም’ውን ሰላትን መዓልትን እንዳቖፀረት ትሳለይ ኣላ። እታ ስልጣን’ውን ግን ናይ ህዝብን ናይ ህዝብን ጥራሕ ምዃና ንክተምስክር በብእዋኑ ካብ ኢዶም እንዳመለቖት ትወፅእ ከምዘላ ይርድኦም ኣሎ ይኸውን’ዩ። ፈተውቶም ዝነበሩ ፀላእቶም፣ ንኣድቶም ዝነበሩ ወቐስቶም፣ ኣማኸርቶም ዝነበሩ ከሰስቶም፣ ኣዕሩኾም ዝነበሩ መራሕቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ናብ መቓብር ተደርብዮም፣ ዝምኩሑሎም ዝነበሩ ሓፊሮም፣ ዝደርፉሎም ዝነበሩ ረገምቶም ወዘተ… ክኾኑ እንዳራኣዩ እንተለዉን ግርማ ዓሲልዎ ዝነበረ ቤተ-መንግስቶም ናብ ናይ ፍርሕን ጭንቅን ኣደባባይ ምልዋጡ እንዳተዓዘቡን “ኣለና!” ይብሉ እንተሃልዮም እዚኣስ ዘይምህላውና ትኹን።

ኣብ ከምዚ ዝበለ መዋጥር ዝኣተዉ መራሕቲ ህግደፍ ነታ ዝኾነ ይኹን ምስሉይ ሕገ-መንግስቲ’ኳ ዘይቀረፀላን ናይ ምርጫ ስርዓት ከየታኣታተዉ ዳርጋ ርብዒ ክፍለዘበን ዝተኾየጥዋ ኮረቻ ስልጣንን ብቀሊሉ ይገድፍዋ ማለት ዘበት’ዩ። ብስልጣኖም ንዝመፅእ ብዘይካ ካብ ስልጣን ምውራድ ዘይቕበልዎ ሓሳብ ከምዘይህልው ብተደጋጋሚ ኣመስኪሮም እዮም። ሕዚ ግን ኩሉ ሽርሕን ጉርሕን እንዳበለየ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል። ስለዚ ናይ መወዳእታ ቀቢፀ ተስፋ ዝወለዶ “ዕርቂ” ዝብል ዘይዕላዊ ቃል ብየማነ ፀጋም ይስማዕ ኣሎ። ማዕኸናት ሬድዮን ካልኦት መራኸቢ ሓፋሽን ተባራሪ ወረታት ሒዘን “እከለ ከምዚ በለ፣ እከሊት ከምዚ ወሰኸት፣ ኣይፋልናንን ዕርቂ ወይ ድማ ድሓን ንታዓረቕ፣ ዕርቂ እንተኾይኑ ነዚ ሂብና ነቲ ንቀበል፣ ዕርቂ እንተኾይኑ ብዛዕባ ዶብ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓፈሻዊ ዕርቂ ይኹን፣ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ኣቦታት ሃይማኖት የታዓርቑና፣ የለን መንጎኛ ሃገር ተታዓርቐና፣ የለን ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ዓለም የታዓርቑና፣ ከምቲ ዘለናዮ ንቐፅል ፅቡቕ ኣለና፣ ወዘተ…” ብምባል ዘዝመሰለን ይፅሕፋን የጋዋሓን ኣለዋ።

ሄርማን ኮሄን ዝበሃሉ ኣብ መጀመሪያ 1980ታትዓ.ም ኣብ ቤት ፅሕፈት ወፃኢ ጉዳይ መንግስቲ ኣሜሪካ ናይ ኣፍሪካ ጉዳይ ሓላፊ ዝነበሩ ሕዚ ግን ኣብ ስልጣን ዘየለዉ ሰብኣይ ብዛዕባ ኢትዮ-ኤርትራ ክለዓል እንተሎ ስሞም ይላዓል እዩ። ፍልጠትካ ብዘየገድስ ናይ ሓያል ህዝብን ሃገርን ወኪል ኮይንካ ክትዛረብ እንተለኻ ነቲ እትዛረቦ ሓይልን ሃፍትን ሃገርካ ስለዝዕጅቦ ባዕሎም ተመንይዎም ክሳብ ዝገድፍዎ እቲ ዝዛረብዎ ክውደስን ክናኣድን ይቕንይ እዩ። እዞም በዓል ስልጣን ነበር ኣብ ከባቢ 1983ዓ.ም ድሕሪ ምድምሳስ ደርጊ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክትፍለይ እንተላ ነታ ሓያል ሃገሮም ወኪሎም ብመንጎኛነት ትውይ ምልስ ይብሉ ነይሮም። ናይቲ ህልው ኩነታት ኣካይዳ ኣብ ምውሳን ንሶም ይኹኑ ሃገሮም እጃም እንተዘይነበሮም’ውን ነቲ ክኸውን ዝነበሮ ጉዳይ ከምኡ ግበሩ እንዳበሉ ኣለና ዝዓይነቱ ዘረባ የስምዑ ነይሮም። ንቕድሚት እተን ክልተ ሃገራት ከመይ ገይረን ክታሓባበራ ከምዘለወን ኣመልኪቶም ክዛረቡ እንተለዉ ኢትዮጵያ ገፊሕ ዕዳጋን ጥረ-ኣቑሑን ኣለዋ። ኤርትራ ድማ ኢንዱስትሪታት ስለዘለዋ ነቲ ጥረ-ኣቑሑ ዓዲጋ ኣብ ፋብሪካታት ሰሪሓ ናብ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ክተእትው ትኽእል’ያ ዝብል ብዛዕባ ስነ-ቁጠባን ምዕባለን ምኽሪ ሂቦም። ገፊሕ ዕዳጋን ጥረ-ኣቑሑን ዘለዋ ኢትዮጵያ ኢንዱስትሪታት እንተጣየሸት ከ እንታይ ይግበር? ኢንዱስትሪ ኤርትራ ካብቲ ናይ ኢትዮጵያ ብክንደይ ይበዝሕ? ተወዳዳርነቱ ኸ ክሳብ ክንደየናይ እዩ? ወዘተ… ብዛዕባ ዝብሉ ሕቶታት ግን ሽዑ ኣፀቢቖም ዝተረድኡዎን ዝሓሰቡሉን ኣይነበረን። መፅናዕትን ምርምርን ከይተገበሮ ባዶ ተስፋ ጥራሕ እንዳፈጠርካ ዝግበር ኣካይዳ ክሳብ ክንደየናይ ሓደጋ ከምዘለዎ ንምርዳእ ኣየፀግምን። ከምዚ ዝበለ ዘረባ ክልቲአን ሃገራት ትልሚታተን ኣዋዲደን ብሓባር ክንሰርሕ ኢለን ምስወሰና ዝዝረብ’ምበር ኩነታት ሰላምን ኵናትን መዋድእትኡ ገና ከይተፈልጠ ዝዝርብ ኣይነበረን። እቲ መልእኽቲ ዘረባ ብየዋህነት ይኹን ብጉርሒ ዘይኣድላይ ናይ ውድድር መንፈስ ክፍጠር ዝገበረ’ዩ። ናይታ ሓንቲ ሃገር ሃላዋት ምዕባለ ኢንዱስትሪ ብናይታ ካሊእ ናብ ኢንዱስትሪያዊ ዕብየት ንምኻድ ዘይምድላይ ዝውሰን ገይሩ እዩ እቲ ዘረባ ክትርጎም ዝኽእል። ኢንዱስትሪ ሓንቲ ሃገር ናይ ምግፋሕ ፍቓድ ካብ ካሊእ ሃገር ክውሰድ ዘለዎ ኣምሲሉ’ውን የቐምጥ። ኣብቲ እዋን ኵናት ብወግዓውን ዘይወግዓውን መንገዲ ነቲ ቅርሕንትታት ንምጉህሃር ተባሂሎም ካብ ዝለዓሉ ዝነበሩ ወረታት ምስዚ ዘይምዕሩይ ኣረዳድኣ ዝተተሓሓዘ ዕዳጋና ክትዓፅዉ ደሊኹም ናትና ዝመስል ፋብሪካታት ኣጣይሽኩም’ባ፣ ገለ’ባ ዝብል ዘረባታት ምንባሩ ክንዕዘብ እንተለና ድማ ዝበለፀ ብሩህ ይኾነልና።

ኣብቲ እዋን ኵናት ኣበይ ደቂሶም ከምዝነበሩ ኣይፍለጥን ሄርማን ኮሄን ሎምቕነ ተበራቢሮም ኣለዉ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትዕራቕ እቲ እዋን ሕዚ እዩ ይብሉ ኣለዉ። ሕዚ እንታይ ኮን ተረኺቡ’ዩ እቲ እዋን ዕርቂ በፂሑ ዝተራእዮም? ከምቲ ኣብ እዋን ምፍልላይ ከይተረድኦም ነቲ ሓሳባት ዝሓንከርዎ ሕዚ’ውን ኣብ ካሊእ ነገራት ናይ ምሕንካር ተራ ኣትዮም ይሕምዙቑ ኣለዉ። ኣብዚ ውጥኖም ነታ ዝተወረረትን ርግፀኛ ናይ ሰላም ሃዋህው ንክፍጠር ብዙሕ መስዋእትነት ዝኸፈለትን ኢትዮጵያ ብዙሕ ዝተጨነቑላ ኣይመስሉን። ነታ ብስንኩል ግብጦን ኣካይዳን መራሕታ ህዝባ ናብ ሓሳርን መከራን ኣትዩ ዝሳቐየላ ዘሎ ኤርትራ’ውን ከምኡ። እቲ ዋና መበገሲኦም “ንኤርትራ ምድሓን ዝከኣል ሕዚ እዩ” ብዝብል ምስሉይ መመኽነይታ ነቶም ኣብ መዋጥር ኣትዮም ዘለዉ መራሕቲ ካብ ዘይተርፍ ዕንወት ኣድሒንካ ብድሕሪኦም እታ ሃገር ናይ ኣኽራርነት ማእኸል እትኾነሉ ዕድል ከይፍጠር ምክልኻል ዝብል ኣብ ናይ ሃገሮም ስትራቴጅካዊ ረብሓ ዝተመስረተ እዩ። ርግፅ’ዩ ኣሜሪካ ናተይ ድልየት/interest/ ብዛዕባ እትብሎ ነገር ናብ ዋጋ ዕዳጋ ስለዘይተእትው ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝህልው ርክብ እትርእየሉ መነፀር ንዓኣ ብዝጠቅምን ብዝጎድእን መንገዲ ጥራሕ’ምበር ነተን ሃገራት ባዕለን ብዘስዕበለን ረብሓን ጉድኣትን ኣይኮነን።

ስለዚ ብዓይኒ ሄርማን ኮሄን እተን ሃገራት ዝዕረቓሉ ወይ’ውን ዝጓነፃሉ ምኽንያት ንኣሜሪካ ብዝህልዎ መኽሰብን ክሳራን ዝዕቀን’ምበር እቲ ዝጓነፃሉን ዝዕረቓሉን ጉዳይ ብዓይኒ እተን ክልተ ሃገራት ናይ ባዕሉ መንቀሊን መዕለብን ክህልዎን ዘይክህልዎን ዘገድሶም ኣይኮነን። ከምዚ ስለዝኾነ እዩ ድማ ፎቖድኡ ድጉል ሓዊ እንዳገደፍካ ዘላቒ ሰላም ከይረጋገፅ ኣፀጋሚ ዝኸውን ዘሎ።

እዚ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ጉጅለኡ ዘድሕን ዘይኮነስ ነቲ ዘይተርፍ ዕንወቱ ብዝኾነ ጨጋጊንካ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኣብቲ ከባቢ ዘብፀሖ ውዲት ግብረ-እከይ ብቁሩብ ጊዜያት ክናዋሕ ዝገብር’ዩ። ብመሰረቱ ነቲ ፀገም ዝፈጠረ ሓይሊ ባዕሉ እቲ ጉጅለ ብምዃኑ ኣብ መፃኢ ሰላማዊ ህይወት እታ ሃገርን ጎረባብታን ድማ ነቲ ፈጣሪ ፀገም ባዕሉ ምእላይን ምውጋድን እዩ ዝሓትት። ኣብዚ እዋን እቲ ቀንዲ ተጠቃዒ ዝኸውን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ ሄርማን ኮሄን ኮኑ ካልኦት ይፍተው ኣይፍተው ብዘየገድስ እቲ መፍትሒ ካብቲ ህዝቢ ካብ ባዕሉ ክመፅእ ኣለዎ። ነዚ ኣብ ምርግጋፅ እቲ ህዝቢ ክሕገዝ ከምዘለዎ ኣሚንካ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዘየዋላውል መርገፅ ምውሳድ የድሊ።

ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ሕውነት’ምበር ፅልኢ ከምዘይብላ ካብ ምዝራብ ሓሊፋ ብተግባር ዝተረጋገፀ ብዙሕ ስጉምትታት ወሲዳ እያ። ታሪካዊ ሕውነት ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ክሕከኽ ስለዘይኽእል ዋላ “ንህልኽክን ሽሮ” ዝዓይነቱ መናውራ ፕሮፖጋንዳ እንዳተኻየደን እንዳቐፀለን እንተሎ ናይቲ ትማሊ ዝተገበረ ኵናት ቀንዲ ተሓታቲ እቶም ግጉያት መራሕቲ ምዃኖም ብምርዳእ እዩ ነቶም ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ዝወፁ ኣሻሓት ሰባት ብዘሎ ዓቕሚ ሃገር እተዕቑቦም ዘላ’ምበር ዓለምለኸ መሰል ስደተኛታት ብዝብል እምነት ጥራሕ ኣይኮነን። በዚ መሰረት እቲ ፅልኢ ምስቲ ፀላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ነታ ሃገር ናብ ድከት ኣእትይዋ ዘሎ ግጉይ መሪሕነት እዩ።

ድሕሪ እዚ ኩሉ ዕንወትን ብርሰትን ካብ ጌጋኡ ክመሃር ከምዘይኽእል ክንዕዘቦ ሓጊናን ከሪምናን ኢና። ናይ ውክልና ጦርነት ኣዝማቲን ደገዝማትን ብምዃን ካብ ሶማሊያ ምብራቕ ጀሚሩ ምስቶም መወልቱን ጎይቶቱን ኮይኑ ዘይፈንቀሎ እምንን ዘይበጠሶ ቆፅልን የለን። ኣብ ቀረብኡ ዝረኸቦ ደንጎላን ሳዕርን ኩሉ ደርብዩ ዘስዓቦ ቁስሊ ወይ በሰላ ክራኣይ ኣይከኣለን። ኣብ ኢዱ ዝሓዞ ወዲኡ ዝድርበይ ስኢኑ ፅልምትምት ምስበሎ እታ ናይ “ወዲኣይተ” መልሓሱ’ምበር ካሊእ ደርብዩ ዘሕምም ኢድ ወይ ሰዲሩ ዘርክብ እግሪ ከምዘይብሉ እናፈለጠ ካብ ኣፍ ጉድጓድ እተውፀኦ ዝመሰሎ ቃል ዕርቂ እንዳጫናጨነ ዳግም እስትንፋስ ክዘርእ’የ ኢሉ ይሓልም ኣሎ።

ኮይኑ ግን “እንተዘለልካ ናብ ባይታ እንተወደቕካ’ውን ናብ ባይታ” እዩ’ሞ ካብ ናይ ሓደ ሰሙን ንላዕሊ መኽሰብ ኣይርከቦን። ዕርቂ ዝበሃል እቲ ዝተፈጠረ ፀገም ብጌጋ ምዃኑ ምስ ዝኣምን፣ ተዓሪቕካዮ ብሰላም ከምዝነብር ርግፀኛ ምስ ዝኾንካሉ፣ ነገራት ብዘተ’ምበር ብሓይሊ ዘይምፍታሕ ስልጡንነት ምዃኑ ምስ ዝኣምን፣ መፃኢ ህይወት ህዝብታት ዝተታሓሓዘን እንዳሰጠመን ከምዝኸይድ ምስ ዝርዳእ፣ ናይ ድኻታት ህዝብታት ሃብቲ ንዕብየትን ንልምዓትን’ምበር ንናይ ጃህራ ዕንወትን ጥፍኣትን ክውዕል ከምዘይብሉ ምስ ዝኣምን ወዘተ… ጥራሕ’ምበር ወግሐ ፀብሐ ኵናት ኣውርድ ኢሉ ምስ ዝምህለል ዕቡድን ዘራጊን ኣይኮነን።

“ኣመል ምስ መግነዝ” ከምዝበሃል ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ ቅርሕንቲ ክፍወስ ዝኽእል እቲ ሕማም ዘንቀለ ቫይረስ ክውገድ እንተሎ’ምበር ፈውሲ ቃንዛ እንዳሃብካ ነቲ ሕማም ብምድንዛዝ ኣይኮነን። ዋላ’ኳ ናይ ኤርትራ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይ ባዕላ ናይ ኤርትራ ፀገም ስለዝኾነ ባዕላ ትፍታሓዮ ዝብል ቅዋም ብወገን ሃገርና ተደጋጊሙ ዝንገር መምርሒ እንተኾነ እቲ ውሽጣዊ ፀገም ዓቐኑ ሓሊፉ ምስፈሰሰ ንዓና’ውን ከምዝትንክፈና ርኡይ እዩ። ስለዚ እቲ ክንርስዖ ዘይንኽእል ጥፍኣት “ይቕረ” እንተዝበሃል’ውን ነቲ ዝተደጐለ መመሊሶም ክውልዕዎ ዝኽእሉ ብዙሓት ነዃላት ምስቲ ዘይሕከኽ ኣመል ህግደፍ ተደሚሮም ነቲ በሰላ ጎዳዲኦም ናብቲ ዝነበሮ ክመልስዎ ዝኽእሉ እዮም።

ሄርማን ኮሄን ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ዓዲ ውዕሎ “ሹመኛ ምስተሳዕረስ ሩባ ወሪዱ ንስኽን ቅድሓ ንስኽን ፅንሓ” ይብል ከምዝበሃል ካብ ድቃሶም ተላዒሎም ውድብ ሕቡራት መንግስቲ ዘረጋገፆ ርክብ ኤርትራን ጥሩፋት ጉጅለ ኣልሸባብን ትኽክል ኣይኮነን ክሳብ ምባል በፂሖም። ነቲ ናይ ማዕቀብ ተሓታቲት ድማ እታ እትሸሞምን እትሽልሞምን ዝነበረት ሃገሮም ኤሜሪካ ገይሮማ ኣለዉ። እዚ’ማ ብቴሌቪዥን ኤርትራ ተደጋጊሙ ዝተነገረና ስለዝኾነ ወገንተኝነቶም ንምርኣይ ዝገበርዎ እንተዘይኮይኑ ምስክርነቶም ኣይመድለየናን። ህግደፍ ክድሕን ዝደልዩሉ ዘለዉ ምኽንያት ኣኽራሪነት ናብ ኤርትራ ከይኣትው ዝብል እንተኾይኑ መሰልጠኒ ማእኸል ኣልሸባብን ካልኦትን ካብ ምዃን ዝዓብይ እንታይ ዓይነት ኣኽራሪነት እዩ ተራእይዎም? ኣልሸባብ ምስ ኣልቃዒዳ ተዋሃሂድና ኢሉ ስለዝኣወጀ እኒመን ዝበሃሉ ካልኦት የሕስብዎም ከምዘለዉ ኣይነገሩናን።

ኤርትራ መፃወቲ ኣኽረርቲ ሓይልታት ከይትኸውን ዝብል ስግኣት ንምንታይ ከምዝደጋገም’ውን ግልፂ ኣይኮነን። ምችው ባይታ ኣኽራርነት ዝፈጥር ዘሎ እቲ ናይ ውክልና ጦርነት ዘሰጉምን ከይተፀወዐ እንታይ ክእዘዘኩም እንዳበለ ፎቖዶ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ክኾና ይኽእላ እየን ኢሉ ዝሓስበን ሃገራት ነፀላ ዓጢቑ ዝሕሽከር ዘሎን ጉጅለ ህግደፍን መራሒኦምን’ምበር ካሊእ ኣይኮነን። እንድሕር ሕግን ልምድን ዓለም ኣይቅበልን ኢሉ ዘኹረምበጠ ኩሉ ከምቲ ናይ ሕሉፍ ዘበናት ሸፋቱ እንዳተኻሓሰን እንዳተሸለመን ዝጥበር ኮይኑ ሕጊ ንጎኒ ገዲፍካ ዘዝመሰለካን የዋፃኣንን እትብሎ መንገዲ ክትመርፅ’ዩ ዘገድድ። ብካሊእ ወገን ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ኣልጄርስ ብዝኣተወኦ ውዕል ምኽንያት ዝተውሃበ ናይ መወዳእታ ብይን ኣሎ። ኢትዮጵያ ነዚ ውሳነ’ዚ ከምዝተቐበለቶን ናይቲ ውሳነ ትርጉም ናብ ስምምዕን ሰላምን ምብፃሕ ስለዝኾነ በዓል ሓሙሽተ ነጥቢ ናይ ሰላም እማመ ዕሊ ገይራ እያ። ስለዚ ዕርቂ ክህልው ዝኽእል ሰላም ክቕበል ምስ ዝደሊ ኣካል’ምበር “እንተወዲቐ ንዓኹም ኣይጥዕመኩምን” ዝብል ዘይምኽንያታዊ ዓዘር ቆዘር ሒዙ ምስ ዝህውትት ኣይኮነን። ሰላም ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝዋዓልኪ ዋዓሊ ዝብል ናይ ዶብ መስመር ካብ ምሕንፃፅ ንላዕሊ ክራኣይ ኣለዎ። እቲ ናይ ዶብ መስመር እርሳስ ሒዝካ ኣብ ልዕሊ ወረቐት ከም ምሕንፃፅ ቀሊል ኣይኸውንን። እንተዋሓደ ኣብ ልዕሊ ንኣሽሓት ዘበናት ብሓደ ክነብሩ ዝፀንሑ ህዝብታትን ዓድታትን ናይ ምሕላፍ ዕድል ኣለዎ። ካብዚ ንላዕሊ’ውን ገዛን ግራትን ሓደ ሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ገዛን ገዛን ሓደ ሰብ ፈላሊኻ ናይ ምምቃል ዕድል’ውን ኣለዎ።

ሎሚ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ “ሓራ መሬት ኤርትራ” ኢሎም ዝፅውዕወንን ኤርትራውያን ኢና ኢሎም ዝኣምኑ ህዝብታት ክንንን ቅኒቶን ብመሰረት ውሳነ ፍርዲ ናበየናይ ገፀን ናበይ ከምዝተፀምበራ ነቲ ብይን ኣድቂቖም ዝተረድኡዎ ሰባት ይፈልጡ’ዮም። ኤርትራውያን ኢና ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ኢትዮጵያውያን ከምኡ’ውን ኢትዮጵያውያን ኢና ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ኤርትራውያን ኩኑ ወይድማ መዳሕንትኹም ዝተቐበረሉ ዓዲ ገዲፍኩም ኣብ ካሊእ ስፈሩ ክበሃሉ እንተለዉ ከመይ ዓይነት ሰላም’ዩ ዝመፅእ?

ስለዚ ዕርቂ ምእንቲ ህዝባውን ሃገራውን ሰላም ኢልካ ዝሕሰብ’ምበር ሓንቲ ዓርቢ ተሪፋቶ ዝሕዞን ዝጭብጦን ስኢኑ ኣንታ ኣድሕኑኒ ምስ ዝብል ዘይድሕን ሓይሊ ኣይኮነን። ዝዘራእኻዮ እንዲኻ ትዓፅድ ናይቲ ዝዘርኦ ክርዳድ ዓውዲ ኣእትዩ ባዕሉን ንባዕሉ ጥራሕን ይሕፈስ።

*******

Wurayna Magazine

more recommended stories