ቃለመሕትት ኣይተ ዳዊት ብድምፅ ወያነ እንተዝፍነው ሓረስታይ ትግራይ ንሳልሳይ ግዜ ወይኑ ምሓደረ

(ኣስፋው ገዳሙ – [email protected])

‹‹ብዓል ግዘ ዘመስግኖ እምበር ዝነቕፎ ኣይፈትውን፡፡ምንግስቱ (ውድቡ) ዝፈትው እቲ ቅዱስ ቅዱስ ዝብሎ ዘይኮነስ እቲ ጥፍኣቱ ዝሕብረሉ እዩ» ~ ነጋድራስ ገብረሂወት ባይከዳኝ

መእተዊ

ሓደ ቀሺ ነይሮም…እቲ ናይ ቅሽነት ምዓርግ ኣየዕገቦምን፡፡ ኣቦይ ቀሺ ክብሃሉ ድማ ኣይደልዩን…ኣቦይ ንኣረጊት እዩ ኢሎም ስለዝሓሰቡ፡፡ስለዚ፣ ልኡል ዝብል ተወሳኺ ምዓርግ ተሓንጊጦም ልኡል ቀሺ ተባሂሎም፡፡ልኡል ቀሺ ኣመሎም ኣዝዩ ቀጢን እዩ ነይሩ፡፡ተቐሪብካዮም ይወግኡኻ፣ ተራሓቕኻዮም ድማ ይቅየሙኻ፡፡ፀባየ ሕንሽሽ እዮም፡፡ካብ ሓቂ ሒዝካ ክትነቕፎም ሓሲኻ ክትንእዶም ይፈትው፡፡ብዘይካ መጎስ ዝኾነ ይኹን ርእይቶ ንምቕባል ድልው ኣይነበሩን…ከም መባእ ኣባገሪማ እዩ ዘዕበድብዶም፡፡

ልኡል ቀሺ ኣብ መረባ ገዛኦም ሓደ ዓብዪ ዳዕሮ ነይርዎም፡፡ነዚ ዝትዓዘቡ ጎረባብቶም ልኡል ቀሺ ዳዕሮ እናበሉ ክፅውዑዎም ጀሚሮም፡፡እዞም ቀሺ ግን እታ ዳዕሮ ዝትብል ተወሳኺት ሳጓ ኣይፈተውዋን፡፡በቲ ኣብ መረባ ገዝኦም ዘሎ ዳዕሮ ምኽንያት ልኡል ቀሺ ዳዕሮ ከም ዝተብሃሉ ስለ ዝተዓዘቡ ግን ነቲ ዳዕሮ ብምቁራፅ ካብታ ሳጓ ከም ዝናገፉ ርግፀኛ ኮይኖም፡፡ነቲ ዳዕሮ ቆሪፆሞ…ጥራሕ ጉንዲ ተሪፉ፡፡እቶም ጎረባብቶም ከዓ ልኡል ቀሺ ዳዕሮ ምባል ገዲፎም ልኡል ቀሺ ጉንዲ ብዝብል ሳጓ ክፅውዑዎም ጀሚሮም፡፡ልኡል ቀሺ ዳዕሮ እዚ ከም ዝስዕብ መን ነገሮ?

ልኡል ቀሺ ጉንዲ ብሕርቃን ተኺኾም…‹‹ኦፍ›› ከይኖም፡፡እቲ ሳጓ ንክቕረፈሎም ንዓበይቲ ዓዲ ትማሕፂኖም ሰማዒ ስኢኖም፡፡ልኡል ቀሺ ጉንዲ ከም ምፍተሒ ዝወሰድዎ ኒተ ጉንዲ ዳዕሮ ካብ ስሩ ፍሒርካ ብምውፃእ ምድርባይ እዩ፡፡ነቲ ኣብ መረባ ገዛኦም ዝነበረ ጉንዲ ዳዕሮ ካብ ስሩ ብምፍሓር በንቂሮም ደርብዮሞ፡፡ይኹን እምበር፣ ነቲ ጉንዲ ካብ ስሩ ነቒሎም ንምድርባይ እቲ መረባኦም ፍሒሮም ሃህ ዝበለ ዓብዪ ጉድጓድ ስለዝገበርዎ እቶም ጎረባብቶም ልኡል ቀሺ ነዃል ዝብል ሓዲስ ሳጓ ኣውፂኦምሎም ይብሃል፡፡

ውድብ ህወሓት ቅድሚ መንበረ ስልጣን ምቁፅፃራ ሓንቲ ኣዝይያ ጥዕምቲ ደርፊ ነይራታ…ቅደም ዕሸል እንሃለኹ ዝሰማዕኹዋ፤ ግን ድማ ገለ ክፋል ጣዕሚ ዜማኣን ግጥማን ክሳብ ሐዚ ካብ ሕልናይ ዘይጠፍአት፡፡

እንተሸፈንካያ ዘይትሽፈን ሓቀኛ እያ

እንተሓብአት እውን ተቐላዒት እያ

እዛ ብዓልቲ ክልተ ተለላታት ግጥሚ ኣብዚ ሎሚ እዋን ካብ ዝተረሰዑ ወድዓዊ ሓቅታት ሓንቲ እያ፡፡ሓቂ ዓፊንካ ኣይትዕፈንን እዩ እቲ ቀንዲ ክተሕልፎ ዝተደለየ ኣውራ መልእኽቲ፡፡እቲ ዝገርም ግን እቶም ቅደም ንሓቂ፣ንማዕርነት፣ ንፍትሕን ርትዕን ተቓሊስና ሓራ ኣውፂእናኩም ብሃልቲ ወገናትና ሓቂ ንምቕባር ጉድጓድ እንትፍሕሩ፣ ኣሰር ንምጥፋእ ዓበይቲ ዳዕሮታት እንትቖርፁ ምዕዛብና እዩ፡፡ሓቅነት ኣባሃህላ‹‹ፈትሊ ሓቂ ትምንምን እምበር ኣይትብጠስን›› ንምቕልባስ ላዕልን ታሕትን እንትብሉ ካብ ነስተውዕል ዓመታት ተቖፂሮም፡፡ኣብ ፖለቲካዊ፣ ምሕበራውን ኢኮነሚያውን ሃገረይ የእትየኒ እዩ ኢሉ ነቲ ዘሎ ወድዓዊ ሓቂ ዘቃለሐ ኩሉ ከም ከሓዲ፣ ትግራይ ንምዕናው ዝተላኣኸ ‹‹ዕሱብ››፣ ተረፍ መረፍ ዘውዳውን ፋሽስታውን ስርዓት ወዘተ. ተቖፂሩ መዓት ይወርዶ፡፡Map - zones of Tigray, Ethiopia

ካብዚኦም ሓደ ኣይተ ዳዊት ገብረግዚኣቢሄር እዮም፡፡ኣይተ ዳዊት ንዓመታት ፅዒሮም ግዒሮም ዘዋህለልዎ ሃፍቲ ኣብ ዓዶም ንምውዓል ሓሪኖም ዝተልዓሉ ብዓል ሃፍቲ እዮም፡፡መብዛሕቲኦም ሰብ ሃፍቲ ምስ ሰበ ስልጣናት ተሓባቢሮም ድኻ እንትጭቁኑ እዮም ዝፍለጡ፡፡ ሃፍቲ ኣብ ልዕሊ ሃፍቲ ንምግባት፣ ሃገር ብፖለቲካዊ ስልጣንን ብቕልፅም ኢኮንምን ንምቁፅፃር እዮም ሃርኮትኮት ዝብሉ፡፡ ኣይተ ዳዊት ግን ሓቦኛ በዓል ሃፍቲ ጥራይ ዘይኮኑስ ንሓቂ ጠጠው ዝበሉ ጅግና ተቓላሳይ ምዃኖም ብተግባር ንምርኣይ ሓሪኖም ዝተልዓሉ ቆራፅ ትግራዋይ እውን እዮም፡፡

ኣይቲ ዳዊት ንህዳሰ ሃገርና እውን ካብ ናይ ቃላት ሆያ ሆየ ሓሊፎም ብተግባር እናሓገዙ ዝርከቡ ዕቱብ ትግራዋይ እዮም፡፡ንህዳሴ ግድብ ብልዕሊ 20 ሚልዮን ቅርሺ ቦንድ ምግዛኦም ይንገር፤ራያ ቢራ ፋብሪካ ተጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ ልዕሊ 150 ሚሊዮን ቀርሺ ከምዘፍሰሱ ይፈልጥ፡፡እቲ ንዓመታት ተረሲዑ ዝነበረ መቓብር ራእሲ ኣሉላ ብእምነ በረድ ክህነፅ ከምዝገበሩ ሰሚዐና ተሓጒስና፡፡ን57 ቆልዑ ከምዘዕብዩን ንዘተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ እውን ኣድለይቲ ኣቁሑ ኣብ ምምላእ ከም ዝሓገዙ ይዝረብ፡፡ከምእኒ ዳዊት ወርቂ መዓድን፣ናሽናል ኣውሮፕላን በረራ፣ሜድካ ፋርማ፣ሪዞርታትን ብምምስረት ኣብ ዕብየት ሃገርና ዝለዓለ ግደ እናተፃወቱ ይርከቡ፡፡ድለይቲታተሱ፣ቲኦምቱልካ ምሕሳብይረ እየ ዝርእtruth

ጌታቸው ኣረጋዊ(ጋዜጠኛ) ኣብ ፌስቡክ ገፁ ከምዝጠቀዖ እንተኾይኑ ድማ ብዓንቀፍቀፍ መራሕቲ ህወሓት ክሳብ ሐዚ ኣብትልሚ ዝርከቡ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ዕማማት ኣለው፡፡ ንሳቶም እውን፡-

1. ማእኸል መዘናግዒ መንኣሰይ፣ ሙዜም፣ ቋንቋ ኣካዳሚ፣ ኣምፊ ትያትር፣ ትሪዙምን ምስሕብን፣ ኣይ ቲ ማእኸል፣ ቤተ ንባብ፣ኣብ መቐለን ዓድዋን

2. ማእኸል መፅናዕትን ምስፍሕፋሕን ቋንቋ ግእዝ፣ መፅናዕትን ምርምርን ማእኸል ዘርኣያቆብን ያሬድን ከምኡ እውን ሓፈሻዊ ማእኸል ምርምር ትግራይን ታሪኻን ኣብ ኣክሱም

3. ንሓርስቶት ወዲብካ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ሕርሻ ክጥቀሙ ምግባር ኣብ ራማ ከባቢ

4. ምስራሕ ሓወልቲ ሃፀይ የውሃንስ

መዓዝ እዚ ጥራሕ ኮይኑ? ብመሰረት እቲ ልሙድ እናኾነ ዝመፅእ ዘሎ ኣሰራርሓ፣ ምምሕዳራዊ ማሕለኻታት ብሓይሊ ገንዘብ ንምስላጥ ስለዘይደልዩ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንህዝቢ ትግራይ እናተፈታተኑ ዝርከቡ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ኢኮሚያውን ማሕለኻታት ንክበጣጠሱ ዓው ኢሎም ኣብ ምዝራብ ይርከቡ፡፡ዘረባ ኣይተ ዳዊት ክንዲ ድለዩ ዝኣክል ወርቅን ሽምዕን ይሃልዮ ሓንጎፋይ ኢልና ክንቕበሎን ንመፍተሒኡ ደማ ሓቢርና እሂን ምሂን ክንብለሉን ዝግባእ ወድዓዊ ሓቂ እዩ፡፡ኣይተ ዳዊት ምስ ጌታቸው ኣረጋዊ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት እዘን ዝስዕባ ኣዝየን ኣገደስቲ ነጥብታት ኣልዒሎም ሰፊሕን ዕሙቕ ዝበለን ትንተና ንምሃብ ፈቲኖም እዮም፡፡

—>>ስብኣይን ሰበይትን ትሓቋቊፎም ቆልዓ ድኣ የፍርዩ እምብር ዝተፈላለዩ ሓሳባት ከምፅኡ ኢልኻ ምሕሳብ አይክኣልን፡፡

—እታ ካብ ዓለም ድኻ እትብሃል ሃገር ኢትዮጵያ እንትኸውን ካብ ኢትዮጵያ ድማ ብምሒር ድኽነት እትፍለጥ ትግራይ እያ፡፡

—>>ትግራይ ኣርሒቑ ዝሓስብ ኣመራርሓ ኣይትዓደለትን፡፡

—>>ኣብ ትግራይ ካብተን ናይ ትእምት ፋብሪካታት ወፃኢ ካሊእ ዋላ ሓንቲ የላን፡፡

—>>ህዝቢ ትግራይ ዝተቓለሰ እከለ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን፣ እከለ ሓላፊ ወፃኢ ጉዳያት ክኸውን ኣለዎ እናበልካ ስልጣን ንምዕታር ኣይኮነን፡፡

—>>መንግስቲ ትግራይ ሓደ ቢልዮን ቅርሺ ግብሪ ንምእካብ እንትትልም ንቲ ህዝቢ እንታይ ኣቕሪቦምሉ እዩ?ታይ ዓይነት ስራሕ ፈጢሮምሉ እዮም ግብሪ ዝእክቡ ዘለው?እናፈራራሕካን እና ጠወካ ብሓይሊ ዝእከብ ግብሪ ገበን እዩ፡፡

—>>ሕልሚ ህዝቢ ትግራይ ብትቓልሲ ኣይተመለሰን፡፡ህዝቢ ትግራይ ብስርዓት ወያነ ንዝብኣሰ ስደት ተቓሊዑ እዩ፡፡አክሱም ማይ የለን፣መቐለ ማይ የለን…ዝስተማይ ከቕርብ ዘይኽእል አመራርሓ እንታይ እዩ?

—>>ትግራይ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዘሎ መንግስቲ እዩ፡፡ብፌደራል ኣመሓደራ፡፡ካብ ትግረይ ወፃኢ ዝግበር ስደት ስደት እዩ፡፡ስደት ኣብ ግዝኣት ወያነ እቲ ዝብኣሰ እዩ ኮይኑ

—>>ብፅሩይ ዝስተ ማይ፣ ብምሕደራ፣ ብፅሬት ትምህርቲ፣ ብጥዕና ዝተሓጎሰ ትግራዋይ የለን፡፡

—>>ቤት ሕፅበት ዘይብሉ ሆስፒታል ተራእዩ ኣይፈልጥን፣ ጀኔሬተር ዘይብሉ ሆስፒታል… ኣብ እዋን መጥባሕቲ ዝመውት ተሓካሚ…ተራእዩ ኣይፈልጥን፡፡ኣብ ዓድዋ ኣብ እዋን ሃይለስላሴ ዝነበረ ሆስፒታል እኮ ፓርክ እዩ ዝመስል ነይሩ፡፡

—>>እቲ ኣንነት፣ ትዕቢት ገዛእቲ ወያነ ክርኣይ ኣለዎ፡፡ቁርፅ ዝበለ መርገፂ ክሕዙ ኣለዎም…ወይ ክብ ወይ ግብ እያ፡፡

—>>እቲ መንእሰይ ንመሰሉ ክቃለስ እንተዘይኽኢሉ ብታሪኽ ክንነብር ኣይንኽእልን፡፡

—>>ህዝቢ ትግራይ ጀግና ነይሩ እምበር ሐዚ ጀግና ኣይኮነን፡፡እታ ናይ ቐደም ጀግንነቱ ከረጋግፅ ኣለዎ፤ ብሓይሊ ከይኮነስ ብሰላማዊ መንገዲ፡፡

—>>ብህዝቢ ትሑት ድምፂ ዝረኸቡ ከመይ ገይሮም እዮም ኣባላት ፖሊት ቢሮ ክኾኑ ዝኽእሉ?

—>>ድምፂ ህዝቢ የሰማዕ!!!

—>>ምትኸኽእ ማለት ንሰብ ምትካእ ከይኮነስ ፅንሰ ሓሳባዊ ምትክካእ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡፡

—>>ብመለስ ምሽቃጥ ደው ክብል ኣለዎ!!!

—>>ወይ ግብ ወይ ክብ ናብ ዝብል ደረጃ በፂሕና ኣለና፡፡

—>>ነፃን ግልፅን ዝኾነ ‹‹ቲንክ ታንክ›› ክምስረት አለዎ፡፡መራሕቲ ህወሓት ዝቐመጥዎ ከይኮነስ ነፃን ግልፅን ዝኾነ፡፡ፖሊስን ስትራቴጅን ትግራይ ዝቕይስን ዘማዓራርይን፡፡

—>>እዚ እንተዘይኾይኑ ግን ግዜ ባዕሉ ከመላኽተና እዩ፡፡

—>>ፖሊሲ ትግራይ ብዓቕሚ ምንኣስን ብኽፍኣትን ዝተመስረተ እዩ፡፡

—>>ኢንቨስተራት ትግራይ በፂሖም ዝምለሱ ዘለው ስለዝኸፍኦም እዩ፡፡

—>>ብዘይ ገበን ንሓደ ዓመት ኣሲርካ ምፍታሕ ገበን እዩ፡፡

—>>ኣብ ትግራይ ክንሰርሖ ሓሲብናዮ ዝነበርና ሃፍቲ ቦታ ስለዝሰኣንና ኣብ ሃዋሳን ጁበትን ንምስራሕ ተገዲድና ኣለና፡፡

—>>ናይ ሃፀይ ዮሃንስ ሓወልቲ ክንሰርሕ ኢና…ወዘተ እቶም ውሑዳት እዮም፡፡

ቃለ መሕትት ኣይተ ዳዊት ገብረግዚኣቢሄር ብኣሳናዳዊነት ጌታቸው ኣረጋዊ፣ ብመርብብ ሓበሬታ ዓይጋ ፎሮም ኣቢሉ ካብ ዝጋዋሕ ንነዘ ኣባላት ህወሓት ከይተረፈ ብዙሓት ተጋሩ ልቦም ጠስሚ ከምዝሰተየ እንትገልፁ ገለ ውሑዳት ድማ ነቲ እቶም ብዓል ሃፍቲ ዘልዐልዎ ሓሳብ ከይኮነስ ንሰብእናኦም ንምፅላም ደርጓዕ ጓዕ እንትብሉ ተዓዚበ፡፡ይኹን እምበር፣ከምቲ ኣይተ ኣማኒኤል ‹‹ኩሓሎ መሲሎም መንቆሮ›› ዝበልዎ ኮይኑ ኣይረኸብዎን፡፡ንምንታይ? እቲ ወድዓዊ ሓቅን ህልዊ ኩነታት ክልልናን ስለዘይሕግዞም፡፡

‹‹ካብ ተረፍ መረፍ መሳፍንቲ እንታይ ትፅበ ኢኻ?››

ኣይተ ኣማኒኤል ዝተብሃሉ ሓው ነቲ ኣይተ ዳዊት ዘቃለዕዎ ሓቂ ዝነቅፍ ‹‹ኩሓሎ መሲለን መንቆሮ›› ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ብዓል ኣርባዕተ ክፋላት ፅሑፍ ኣቕሪቦም፡፡ኣውራ ዕላማ ፅሑፎም በቲ መራሕቲ ህወሓት ብቴሌቪዥን ትግራይን ድምፂ ወያንን ኣቢሎም ከም ዳዊት ወግሐ ፀብሐ ዝደጋግምዎ ብኣብዝሓ ኣብ መሬት ዘይርከብ ግን ድማ ንሪፖርት መማዕረጊ ተባሂሉ ተኳሓሒሉ ዝቐረበ መረዳእታ እዩ፡፡ካብቲ መረዳእታ ብተወሳኺ ድማ ከምቲ ንህወሓት ዝተቓወመ ኩሉ ዘጋጥሞ ኣብ ውልቀ ስብእና ኣይተ ዳዊት ዘነፃፀረ ወፍሪ መፀለምታ እዩ፡፡

እታ ካብ ኩለን ዝብኣሰት መፀለምታ‹‹ደርባዊ ቦታ ኣይተ ዳዊት ገ/ሄር ኣብ ተርፍመረፍ ዘውዳዊ /ፊውዳል ሙኳኑ ባዕሎም ብንፁር ኣቐሚጦምዎ ኣለው፡፡ካብ ተረፍ መረፍ መሳፍንቲ እንታይ ዶ ትፅበ ኢኻ?›› ዝትብል እያ፡፡ከምዚ ዝዓይነቶም ጠቐነታት ተለኣአኽቲ ፕሮፓጋንዳ ዘዘውትርዎ ዘይርትዓዊ ስነሞገት እዩ፡፡ነቲ ዘቕረቦ ሓሰብ ገዲፍካ ንስብእና እቲ ውልቀ ሰብ ምጥቃዕ፡፡እቲ ወድዓዊ ሓቂ፣ ኣይተ ዳዊት ኣርባዕተ ኣሕዋቶም ዘቃለሱ፤ ሓንቲ ብህይወት እንትተርፍ ሰለስቲኦም ‹‹ዓወት ንሓፋሽ›› ኢሎም ክቡር መስዋእቲ ምኻፋሎም እዩ፡፡ዋላ እቲ ሓቂ እዚ ይኹን እምበር እቲ ዋና ቁም ነገር ንሱ ኣይኮንን፡፡ እቲ ክስመረሉ ዝግበኦ ብልዕቲ እቲ ሓሳብ እዩ፡፡እቲ ዝቐረበ ሓሳብ ንህልዊ ኩነታት ትግራይ ይገልፅ ዶ ኣይገልፅን? ዝብል እዩ ክኸውን ዘለዎ፡፡

ኣየናይ ምምሕዳራዊ ትካል እዩ ካብ ግዕዝይና ነፃ ዝኾነ? ብዘይ ሌላን ጉለላን ጉዳይ ዜጋታት ዝፍፅም ኣየናይ ትካል እዩ? ዝጀመሮም ዕማማት ኣብ እዋኑ ዝፍፅም መንግስታዊ ትካል መን እዩ? ዝተተለሙ ትልምታት ከየተኣጓጎለ ዘከናውን ኸ?

ወልቃይ ፋብሪካ ሽኮር ድዩ ብእዋኑ ዝተዛዘመ? ስድዮም መቐለ ድዩ ቅድሚ ስተድዮም ባህር ዳር ተጀሚሩ ሐዚ ተወዲኡ ዘሎ? ንከተማ መቐለ ካብ ፃምእ ማይ ንምድሓን ዝተወጡኑ ትልምታት ድዮም ሽቶኦም ዝወቕዑ?ወይስ ትካላት ትእምት እዮን ብውሕሉል ኣመራርሓ እቲ ክልል ጨናፍረን ዘርጊሐን ትግራይና ናብ ማእኸል ኢንዱስትሪነት ዘለወጣ?

ግን ክሳብ መዓዝ እዩ ንህወሓት ዝነቕፉ ሓሳባት ዘልዐለ ኩሉ ‹‹ኣፍቃሪ ሕሉፍ ስርዓት፣ ክሓዲ፣ ተረፍ መረፍ ደርግን ዘውዳዊ ስርዓትን፣…›› ዝብሉ ሓቂነት ዘይብሎም መፀለምታታት ዝልጠፎ? እቶም ኣብ ሓቂ ዝተደረኹ መማረፅቲ ሓሳባት ምዕፋን ክሳብ መዓዝ እዩ ክቕፅል?

ኣይተ ዳዊት ሓቂ ብምዝራቦም ‹‹ቅርሺ ኣቕሓ እምበር ፍልስፍና ክገዝእ ከምዘይክእል ዝዘንግዑዎ ይመስለኒ፡፡›› እውን ተባሂሎም፡፡ ኣየናይ ዩኒቨርሲቲ እዩ ብዘይ ቅርሺ ዝተሰርሐን ዝሰርሕን? ኣየናይ ፅንዓትን ምርምርን ከምኡ እውን ዳህሳስ እዩ ብዘይቅርሺ ዝካይድ? ቅርሺ ስባ በዙሕ ነገር ይገዝእ፡፡ብዙሕ ቅርሺ ተዝህልወና ነይሩ ድኻታት ኣይመኾናን፣ ድኻታት ተዘይንኸውን ድማ ዝኾነ ይኹን መንግስታዊ ወይ እውን ውልቃዊ ዕማም ብዘይ ፅፉፍ ፅንዓት ኣይምተለምናን…ምስ ተተለመ እውን ብስእነት ቅርሺ ኣይምትኣጓጎለን፡፡ቅርሺ ተዝህልዎም ዶድኣ መናእሰይ ትግራይ ብዓይኒ ዕሙተይ ናብ ስደት ከምርሑ ነይሮም እዮም? ቅርሺ ዘለዎም እንድየም ግዜኦም ኣብ ፅንዓትን ምርምርን፣ፅዕፁዕ ንባብ፣ ዳህሳስ እናሕለፍ ፍልስፍና ዓለምና ተቖፃፂሮም ዝርከቡ? ብስሩኸ ሃፍታም እንተኾይንካስ ክትፈላሰፍ የብልካን ማለት ድዩ? ሰብ ሃፍቲ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ኢኮነሚያውን ዓዶም ንቑሕ ተሳትፎ ክገበሩ የብሎምን ማለት ድዩ?

ኣይተ ዳዊት መራሕቲ ህወሓት ንሕሉፍ ታሪኽ፣ ባህልን ቋንቋን ትግራይ ዝግበኦ ክብሪ ኣይሃቡን፣ ንምዓባለኡ ድማ ግቡኦም ኣይተዋፀኡን ኢሎም ብምንቃፎም ‹‹ካብ ሓደ ዓለም ለኻዊ በዓል ሃፍቲ ዘይትፅበዮ ፀቢብ ኣተሓሳስባ››ተባሂሎም፡፡ ቋንቋ፣ባህልን ታሪኽን ትግራይ ይከበር፣ይዕበ፣ ይዓንብብ ይማዕብል ምባልስያ ፀቢብ የብል?እምብኣር ዓለምለኻውነት ካብ ከባቢኻ ከም ዝጅምር ኣይንፈልጥን ማለት ድዩ? ሓወልቲታት ኣክሱም ኣብ ሓደ ከባቢ እዮም ዝርከቡ ግን ድማ ዓለም ላኻዊ ቅርስታት እዮም፡፡ውቅር ኣባያተ ክርስትያናት ገረዓልታ፣ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ፣ውቅሮ፣ቴምቤን ወዘተ. እውን ከም ኣብያተ ክርስትያናት ላሊበላ ዓለም ለኻዊ ቅርስታት ዘይኾንሉ መኽንያት የለን…ዓለምላኻዊ ተፈላጥነት ንክረኽቡ በርቲዕና እንተሰሪሕና፡፡መበቆል ኣሸንዳ ትግራይ ኮይኑ እንሃለወ…ብስንኪ መራሕቲ ህወሓት ናብ ዓዲ ኣምሓራ የቕንዕ ኣሎ፡፡እዝይስ ኣየሕምን ዶ ትብሉ? ፀቢብነት ዲኹም ከ ክትብልዎ?አረ ንሕሰብ ጎበዝ!

‹‹ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘመን ወያነ ከፊኡዎ፣ ጥዕና

ግልጋሎት ሲኢኑ፣ ፅሬት ትምህርቲ ስኢኑ፣ ማይ ፀሚኡ፣ ወዘተ ብሓፈሻ ህዝቢ

ከፊኡዎ መሪርዎ እዩ ዘሎ ኢሎምና፡፡›› ይብሉ ኣይተ ኣማኒኤል፤ እዚ ዝብሉ ዘለው ግን ‹‹ተረፍ መረፍ ሕሉፍ ስርዓት ስለዝኾኑ እዩ›› ኢሎም ደምዲሞም፡፡ወይ እኒኤኻ ዓገብ! እዘን ዝተዘርዘራ ፀገማት ኣብ ትግራይ ከምዘይርከባ ግን መረጋገፂ ከቕርቡ ኣይኽእሉን፡፡ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዝፀንሐ ሕፅረት ማይ ከተማ መቐለ ዓይኑ ዘፍጠጠ ስለዝኾነ፡፡ፅሬት ትምህርቲ መሬት ዘቢጡ መንጋገሪ ምዃኑ ስለዘይክሓድ፡፡ህወሓት ብመዳይ ግልጋሎት ጥዕና ፅቡቕ ሰሪሓ እያ፡፡ይኹን እምበር፣ ፍፁም እዩ ዝብሃል ኣይኮነን…ብዙሕ ይተርፈና እዩ፡፡

እቲ ፈፂመ ዘይተፀበኹዎን ጣዕሚ ዘሕዘንን መፀለምታ ተጋዳላይ ዶክተር ወዲ ቀፀላ ‹‹ግልጋሎት ጥዕና ትግራይን ህወሓትን ትማሊኾነ ፅባሕ›› ብዝብል ኣርእስቲ ዝሃብዎ መልሲ እዩ፡፡ወዲ ቀፀላ ኣብ መጠቓለሊ ፅሑፎም ዘቕመጥዎ መግለፂ ኣዝዩ መሰከፍን ካብ ሓደ ነባር ተጋዳላይ ዘይትፅበዮን እዩ፡፡እቲ ኣይተ ዳዊት ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ብኣጠቓላሊ ‹‹ሕማም መንሽሮ(ካንሰር)›› ክብሉ ኣወጊዞሞ፡፡

“ወይ ክብ ወይ ግብ” ዝብል ሓላፍነት ዝጎደሎ ፃውዒት ህውከትን ዕንውትን ግና ኣዚዩ ሓደገኛ ዝኾነ ሕማም መንሽሮ /ካንሰር/ ሙኻኑ ንኹሉ ደላይ ሰላም ግልፂ ክኾነሉ ይግባእ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ነታ ብመሪር ቃልሱ ዝረኸባ ሰላምን ሃዋህው ልምዓትን ንምዝራግ ምስ ሓይልታት ትምክሕቲ ወጊንካ ህዘቢ ትግራይ ዳግም ድም ክኸፍል ዝዕድም ሓደገኛ ኣካይዳ እዩ፡፡(ዘስመርኩዎ ባዕለይ እየ…ትኹረት ንምሃብ)

ኣይተ ዳዊት እኮ እቲ መንእሰይ ብሰላማዊ መንገዲ ይቃለስ እዮም ዝበሉ እምበር ናብ ‹‹ዳግም ደም ምኽፋል›› ክምርሕ ኣለዎ ኣይበሉን፡፡ወዲ ቀፀላ ነዚ መርዐዲ መግለፂ ካበይ እዮም ኣምፂኦሞ? ምዕብልቲ፣ ሰላማዊትን ፍትሓዊትን ትግራይ ንምርኣይ ዝምነዩ ቁዱስ ቅዱስ እናበሉ ዝንእድዎም ካድረታት ህወሓት ጥራሕ እዮም ድዮም ዝብሉና ዘለው? ብሓቂ ዝገርም እዩ፡፡ን24 ዓመታት ኣብ ስልጣን ትኾሚሮም፣መራኸቢ ሓፋሽ ሙሉእ ብሙሉእ ተቖፃፂሮም ዝነበሩ ካብ ኩሉ ትግራዋይ ንላዕሊ ንትግራይ ስለዝሓስቡን ዝሰርሑን ድዩ መሲልዎም? እዝ መግለፂ እዝይ መርኣያ ኣምባገነናዊነት እምበር ካሊእ ክኾን ኣይኽእልን፡፡ምናልባት እኮ እቲ ሰላምን ምርግጋዕን ዘድልየና ደቆም ወፃኢ ዓዲ ካብ ዘምህሩ መረሕቲ ህወሓት ንላዕሊ ንዓና እዩ፡፡ሰላምን ምርግጋዕን ኣብዘይብሉ እዋን እታ ሐዚ ወፊርና ንምእታው ተኽእለና ዘላ ዕድል ከም ዘይንረኽባ ኣንዳዕዲዕና ስለዝንፈልጥ ከም ብሌን ዓይንና ኢና እንሕብሕባ፡፡ዶክተር ወዲ ቀፀላ፣ እቲ ናይ ሎሚ ወለዶ ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን ዘቐምጦ ሰላምን ምርግጋዕን እዩ…ስልጣንን ስዒቡ ዝመፅእ ምችው ናብራን ኣይኮንን፡፡የግዳስ፣ ብመኽንያት እቲ ምስ ሻዕብያ ኣፋጢጥኩም ዝርከብ ኩነታት ኣይሰላም ኣይኲናት ትግራይና ቀንዲ ተጠቃዒት እያ ኾይና ዘላ እሞ መዕለቢ ተትገብርሉ ክንደይ ምትሓጎስና፡፡

ኣስዒቦም ድማ ‹‹ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ይኹን ካልእ ቢሮክራሲታት ፀገም እንተገጢሙዎም፣እሂን ምሂን ብምባልን ናብ ሕጊ ብምቕራብን እዩ ክፍታሕ ዝኽእል እንበር እንባ ሒዝካ ንህዝቢ ብምድሃልን ካብ ሓቂ ዝረሓቑ በለካ ለኽዐካ ወረታት ብምንዛሕን ዋላ ሓንቲ ፍረ ክርከቦ ኣይኽእልን፡፡›› ኢሎም፡፡ንህዝቢ ዝድህል በለካን ለኽዐካን እማ ናትኹም እዩ ክቡር ዶክትር፡፡ ብእሂን ምሂን እንድሕር ትኣምኑ ኮይንኹም ‹‹ክብ ወይ ግብ›› ኣብ ዝብሃል ደረጃ ክሳብ ዝብፃሕ ኣይምደቀስኩምን፡፡ብስሩ እውን ብምምኽኻር ዝኣምን ኣመራርሓ ዘዝቐረበሉ ነቐፌታ ቅድሚ ምድማፁን ኣዕሚቑ ምሕሳቡን ‹‹ፃውዒት ህውከትን ዕንወትን እዩ›› ኢሉ ናብ ምድምዳም ኣይህንደድን፡፡ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘይበፃሕኹዎ ቤት ፅሕፈት የለን እኮ እዮም ዝብሉ ዘለው፡፡እቲ መራሒ ድዩ ናብ ህዝቢ ክቐርብ ዘለዎስ ሕድሕድ ዜጋ እዩ ኣለሻ መራሕቲ ኣእጋሩ ክሳብ ዝነቕዑ ጉዓዝ እናበለ ክነብር? እዚ ህዝቢ ንዝይ ድዩ እዝኹሉ መስዋእቲ ዝኸፈለ?

ዶክተር ወዲ ቀፀላ ከምቲ ነጋድራስ ገብረሂወት ባይከዳኝ ‹‹ብዓል ግዘ ዘመስግኖ እምበር ዝነቕፎ ኣይፈትውን›› ዝበልዎ ምስጋና ፈቲዎም ነቐፈይታ ስለዝፀልኡ ጥራሕ እዮም‹‹ንዘይፈልጥ ሰብ ናብ ዘይኮነ ስምዒት ንምእታው ኮነ ተባሂሉ ዝተፍሓሰ ካልእ ፖሊቲካዊ ዕላማ ዘሎዎ እንተዘይኮይኑ›› ናብ ምባል ዝቀዳደሙ ዘለውን ብተወሳኺ ድማ ‹‹ወጢጥካ ወጣጢትካ ስምዒት ሓደሓደ ዝኸሰሩ ሓይልታት ትምክሕቲ ንምስሓብ ዝተሃቀነ ከንቱ ፈተነ ካብ ሙኻን ሓሊፉ ዝኾነ ይኹን ሓቃዊ መሰረት ከምዝይብሉ ክነረጋግፅ ንፎቱ›› ናብ ዝብል ዕሙት ድምዳመ ዝትዓዘሩን፡፡ ናይ ህዝቢ ስምዒት ካብ ዝጉዳት ከም ዝፀንሐ ኣይፈልጡን ማለት ድዩ? እቲ ህዝቢ ዓቕላምን መስተውዐልን ስለዝኾነ እዩ‹‹መእንተዛ መጎጎ ትሕለፍዛ ኣንጭዋ›› እናበለ ኩሉ ኽኢሉ ስኑ ነኺሱ ዝነብር ዘሎ እምበር…እቲ ሓቂስ ካሊእ እዩ፡፡

ናይ ሓሳብ ምትኽኻእ ዘየድልያ ብሕታዊት ውድብ

ህዝቢ ትግራይ ሓደ ሰብ ብዘመንጨዎ ኣተሓሳስባ (ፊሎሶፊ) ብዝትምራሕ ብሕታዊት ውድብ ንዘላኣለም ንክግዛእ ኣይነበረን ልዕሊ 60 ሽሕ ደቁ ብመስዋእቲ ዝስኣነን ብኣማኢቲ ኣሻሓት ዝቑፀሩ ጉዱት ኣክል ሓቊፉ ዝነበር ዘሎን፡፡ንማዕርነት፣ ንዲሞክራሲ፣ ንፍትሕን ርትዕን፣ ሓሳብካ ብነፃነት እናገለፅካ ተኻኣኢልካ ሓቢርካ ንምባር፣ ንሰላም ንምዕባለ ወዘተ. እዩ ነይሩ፡፡መረሕቲ ህወሓት ሎሚ ዘበን ግን እዘይ ከምዘይቅበሉ ግልፂ ገይሮም ኣለው፡፡

‹‹ከም ውድብ ምትኽኻእ እንትንብል ናይ ኣተሓሳስባ፣ ናይ ኣረኣእያ ወይ ከዓ

ናይ ፊሎዞፊ ምትኽኻእ ማለትና ኣይኮነን›› ይብሉ ኣይተ ኣማኒኤል፤ብምቕፃል ድማ ‹‹…ክብርን መጎስን ንክቡር መራሒና መለስ፣ ናይ 40-50 ዓመታት ኣንፈት ነፂሩልና እዩ፡፡ስለዝኾነ ናትና ምትኽኻእ ናይ ሰባት ምትኽኻእ፣ እምበር ናይ ፊሎዞፊ ምትኽኻእ ኣየድልየናን፡፡›› ብምባል ደምዲሞም፡፡እዚ ድማ ትግራይና ንዝቕፅሉ 40-50 ዓመታት ብናይ ሓደ ሰብ ኣተሓሳስባ፣ኣመለኻኽታን ኣመራርሓን እያ ክትመሓደር ማለት እዩ፡፡ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ኣተሓሳስባ፣ ኣመለኻኽታን ኣመራርሓን መንገዲ ዕንወት እዩ፡፡እቶም ዝሓለፉ ኣምባገነናዊ ስርዓታትስ ካብዚይ ዝተፈለየ መርገፂ ዶ ነይርዎም እዩ? ከምናትና ዝበለ ኣተሓሳስባ፣ ኣዘራርባ፣እምነት፣ኣመለኻኽታን ኣሰራርሓን ዘይኽተል ኢትዮጵያዊ/ትግራዋይ ኣብ ሃገርና ቦታ የብሉን እንድዮም ዝብሉ ዝነበሩ?

እዚ መርገፂ እዚ እዩ ከዓ ትግራይና ድከት ኣእቲውዋ ዘሎ፡፡እዝ ‹‹ብሓደ ሰብ ሳምባ›› ዘይትንፍስ ኣመራርሓ ክፍጠር የብሉን ዝብልዎ ቅዋም እዩ እምብኣር ትግራዋይ በዘመነ ወያነ መሪርዎ፣ከፊእዎ፣ጠምይዎ፣ፀሚእዎ፣ ዓሪቑ፣ መማረፂ ስለዝስኣነ ናብ ስደት የምርሐሎ ዘብለና ዘሎ፡፡እዚ መርገፂ እዚ ካብቲ ኣይተ ዳዊት ዘቕረብዎ መረረ ኣዝዩ ዝመረረን መደንገፅን መግለፂ እዩ፡፡ከምዚ ዝበለ ስርዓት ኣብ ትግራይ ስለዘንጋሕጠጠን ከምዘንዶ ትዓዃሊሉ መውፀኢ መእተዊ ስለዝኸልአናን እዩ እምብኣር መናእሰይ ተጋሩ ናብ ስደት ነምርሕ ዘለና፡፡ ብህወሓት ዝውነኑ ትካላት፣ ብህወሓት ዝውነኑ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ብህወሓት ዝትግዛእ ትግራይ ብኡ ኣቢሉ ድማ ብህወሓት ዝትውነን ትግራይ እምበር ካሊእ ኣይንፈልጥን…ምቕንጫርኩም…ዝዓይነቱ መርገፂ እዩ እኮ እቲ ዘዛርበና ዘሎ፡፡

እዚ እንድዩ ስልጣን ብብቕዓት ዘይኮነስ ብኣምላኺነት ንክዕደል ዝገብሮ ዘሎ? ንገለ መረሕቲ ህወሓት ዘምልኽ፣ ጉምብሕ ጥልዕ እናበለ ዝሰግድ፣ ዋላ ገበን ይኹን ዝበልዎ ንምፍፃም ንድሕሪት ዘይብል ክሳብ ዝኾነ ከም ድላዩ ዝሽየም ዝሽለም፡፡እወ፣ ከም ኸልቢ መራሕቲ ህወሓት ንዝፈትውዎ ምስ ዝርኢይ (ዋላ ኣጋንንቲ ይኹኑ) ጭራኡ እናዘረገ ዝቕበለ፣ መራሕቲ ህወሓት ዝይደልይዎ ምስ ዝርኢይ ድማ(ዋላ መላእኽቲ ይኹኑ) ገርገር እናበለ ዝነብሕ ኣመራርሓ እንድዩ እቲ ተደላይ ኣመራርሓ ኮይኑ ዘሎ?

ይቕርታ ክሓትት ዘለዎ ሓቂ ዘቃለሐ ዶስ ሓቂ ንምዕፋን ዝፈተነ?

ኣይተ ኣማኒኤል መራሕቲ ህወሓት‹‹…በስቢሶም ዝብል ዘረባ ኣይተ ዳዊት ሓሶትን ጌጋን ጥራሕ ዘይኮነስ ኮነይ ኢልካ ውድብ ንምፍራስ ዝግበር ተንኮል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡›› ይብሉ እሞ፣ ኣስዒቦም ድማ‹‹እዚ ከዓ ናይቶም ቀንዲ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ፀበብቲ፣ ትምክሕት፣ ተረፍ-መረፍ ደርገ ኢሰፓን ናይኒ ሻዕብያን ዘናፍስዎ መዕነዋይ ፕሮፖጋንዳ መቐፀልታ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ›› ዝብል መሰረት ዘይብሉ ጠቐርን ጭቃን ኣብልዕሊ ኣይተ ዳዊት የዝንቡ፡፡ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ እዚ መፀለምታ እዚይ ሓዲሽ ኣይኮንን፡፡ በቃ፣ ብዘይካ እቲ ሐዚ ዘሎ ናይ ህወሓት ኣተሓሳስባ፣ ኣዘራርባ፣ ኣመልኻኽታን ኣመራርሓን ካሊእ ኣየድልየናን ኢሎም በሮኦም ጥርቅም ኣቢሎም ከምዝዓፀው ተዛሪቦም እዮም፡፡ኣታሓሳስባታት፣ ኣሰራርሓታትን ኣመራርሓን ህወሓት ቃል መፅሓፍ ቅዱስ እዮ እዮም ዝብሉና ዘለው…ንዘልኣለም ተሸኺሎም ዝነብሩ፡፡ዋእ! እቲ ኣተሓሳስባ ከም ዕጋል ማይ ኣብ ዘለዎ ተሸኺሉ ዝነብር እንድሕር ኮይኑ ድኣ ምስባብ ጥራሕ ዘይኮነስ ክጨንው እውን እዩ እምበር፡፡

መፀለምታ ኣይተ ኣማነኤል እዚይ ጥራሕ ኣይኮንን፤ የግዳስ ‹‹ነታ ህዝቢ ትግራይ ዝሕበነላን መስዋእቲ ዝኸፈለላን ብሕታዊት ውድቡ ብምፍራስ ንሕና ተጋሩ ነኒባዕልትና ክንባላዕን ትግራይና ኣደዳ ትምክሕትን ፀበብትን ሓይሊታት ክትከውን ዘግብር ኣንፃር ተጋሩ ዘቕነዐ መዕነዋይ ፕሮፖጋንዳ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡፡ ብጣዕሚ ሓዚነ፡፡›› እውን ይብሉ እዮም፡፡ህወሓት ጋዕዝያ እያ እሞ ተመሓይሽ ኢልካ ምኽሪ ምልጋስ ንህወሓት ከዕንዋ እዩ ዝብሃል ተኾይኑ ድኣ ታይሞ ክብሃል? ኣይተ ኣማኒኤል፣ ህዝቢ ትግራይ ዝነበረ…ዘሎን…ዝነብርን እዩ፡፡ምስ ህወሓት ተፈጢሩ ምስ ህወሓት ዝቅህም ኣውሊ ጉሓት ኣይኮንን፡፡እቲ ‹‹ብሕታዊት ውድቡ›› ዝበልኹሞ ዘረባ ‹‹ሓደ ንጉስ፣ ሓንቲ ሃይማኖት፣ ሓንቲ ሃገር›› ካብ ዝብል ጭርሖ ንጉሳውያን ገዛእቲ ስለዘይፍለ ተትእርምዎ ይምረፅ፡፡ንህዝቢ ትግራይ ስለዘይጠቅም፡፡ብስሩ እውን፣ እዚ ትብልዎ ዘለኹም እምነትን መርገፅን ህወሓት እንድሕር ኮይኑስ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሓደጋ ኢና ዘለና ማለት እዩ፡፡

ኣይተ ኣማኒኤል ብዝስዕብ ዘረባ ግርምቢጥ እዮም ፅሑፎም ኣጠቓሊሎም ‹‹ብኣጠቓላሊ እቲ ቃለ መሕትት መሰረት ዘይብሉ፣ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ፣ ነቲ ኣባይታ ዘሎ ጭቡጥ ለውጢ ዘናሸወ…እዩ

እሞ ኣይተ ዳዊት ነዚ ዝሃብዎ ሚዛኑ ዝሰሓተ ናይ ሰዓትን ፈረቓን ቃለ መሕትት ይቕሬታ ክሓትሉ ዝግባእ ጉዳይ እዩ፡፡›› ዝገርም ድፍረት እዩ፡፡ንመብዛሕቲና ተጋሩ፣ ቃለ መሕትት ኣይተ ዳዊት ኣብ መሬት ጠብ ዝብል የብሉን፡፡ንዓመታት ተዛሪብና ሰማዒ ዘይረኸብናሉ መረረ እዩ፡፡መረረ ኣይተ ዳዊት ሓዲሽ ኣይኮንን፡፡ነዚ ሓቂ እዚይ ዝከሕድ እዩ እቲ ናይ ካሕዳማት ካሕዳም፡፡ክሕደት ኣይተ ኣማኒኤል እዩ ይቕርታ ክሕተተሉ ዝግበኦ፡፡ዓይንኻ ብጨው ሓፂብካ ነቲ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ምክሓድ ኣንፃር ህዝቢ ዝቐንዐ ረሳሕ ፖለቲካዊ ትኽክልነት እምበር ካሊእ ክኾን ኣይኽእልን፡፡

እቶም ብመበል 40 ዓመት ምስረታ ህወሓት ንትግራይ ክግብንዩ ትጋቢዞም ዝነበሩ ‹‹ከየንቲ፣ደረስቲ፣ስነ ጥበባውያንን ጋዜጠኛታትን›› እንታይ ድዮም ዝበሉ? ‹‹ንስኻትኩም ኸ ብሰላማዊ መንገዲ ዶ ካብ ስልጣን ትወርዱ ትኾኑ?››…‹‹እቲ ንደርጊ ዝስዓረ ህወሓት ድኣ ናበይ ከይዱ?››…‹‹ትግራይ ከይደ ተጋሩ ከይራኣኹ መፂአ…››…‹‹ግዕዙያት መረሕቲ ሸይምኩምልና…ህዝቢ የማርሩ ኣለው…›› ወዘተ እንድዮም ዝበሉ?

መጠቓለሊ

መብዛሕቲና ተጋሩ ኣንዳዕዲዕና ከም እንፈልጦ…ካድረታት ህወሓት እውን ከይተረፈ ዝኣምንሉ ግን ድማ ብመኽንያት ጥርናፈ ዓው ኢሎም ከጋውሕዎ ዘይኻኣሉ…ህዝቢ ትግራይ ካብታ ርሂፁ፣ጠምዩ፣ፀሚኡ፣ዓሪቑ፣ደምዩ፣ቖሲሉን፣መስዋእቲ ከፊሉን ንስልጣን ዘብፅሓ ውድብ ህወሓት ፈፂሙ ዘይተፀበዮ ኣርዑት መግዛእቲ እዩ ተሸኪሙ ዝነብር ዘሎ፡፡ህዝቢ ትግራይ ብማሕበራዊ፣ፖለቲካዊን ኢኮነሚያውን ጉዳያት ካብ ኢትዮጵያ ኣብ ድሕሪት ከም ዝርከብ ፀሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ፡፡ኣብ ትግራይ ፍትሒ ስኢንኻ ‹‹ፍትሒ የለን›› ኢልኻ ምዝራብ የእስር…ካብ ማሕበራዊ ጉዳያት የግልል እዩ፡፡ቀንዲ መለለይ እቲ ስርዓት ግዕዝይና፣ ድኹም ኣፈፃፅማን ዘይዲሞክራሲያዊ ኣመራርሓን ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ፡፡

እቲ ሰላምን ምርግጋዕንን ካብ መረሕቲ ህወሓት ንላዕሊ ንዓና ንተራ ተጋሩ እዩ ኣዝዩ ዘተሓሳስበናን ዘጨንቐናን፡፡ስእነት ሰላምን ምርግጋዕን እዩ ካብ ሃገርና ንክንስደድ፣ ብዝኦፈርናዮ ንክንተርፍ፣ ገዛና ገዲፍና ኣብ ባዕቲ ንክንሰፍር፣ቀትሪ ትሓቢእና ውዒልና ለይቲ ዕዳጋ ንክንወርድ ዝገብረና ዝነበረ፡፡ካብ ቃዕምና ብላዕሊ እንተኾይኑ፣ተተገዲድና ጥራሕ እምበር ህውከትን ዕግርግርን ንምፍጣርስ ድልዋት ኣይኮንናን፡፡የግዳስ፣ ምእንተ ሰላምን ምርግጋዕን ክልልናን ሃገርናን መስዋእቲ ንምኽፋል ድልዋት ከምዝኾንና ክትፈልጡ ይግባእ፡፡መእንተ ሰላም፣ፍትሒ፣ ማዕርነት፣ነፃነትን ምዕባልን ኢና እምብኣር ድምፂ ህዝቢ ይሰማዕ እንብል ዘለና፡፡መእንተ ሰላምን ምርግጋዕን…ከምኡ እውን ስዒቡ ዝመፅእ ምዕባለ እዩ እምብኣር እቲ ኣብ መንጎ ንስኻትኩምን ንሕናን ዘሎ ኣፈላላይ ናብ ‹‹ንሕና›› ይጠቓለል ዘብለና ዘሎ፡፡እወ፣ ፀረ ሓድነትና ካብ ዝኾኑ ኩምራ ትዕቢትን ኩርዓትን ተናጊፍና ድኣም ናብ መድርኽ እሂን ምሂን ንኽተት፡፡

ኣብ መወዳእታ፣ ኣብርሃም ኣሰፋ ዝተብሃለ ናይ ፌስቡክ መሓዛይ ኣብ ፌስቡክ ገፁ ካብ ዝጠቀዓ ፅሕፍቲ ቆንጢረ ብምጥቓስ ፅሑፈይ ክዛዝም፡፡ቃለ መሕትት ኣይተ ዳዊት ‹‹ብድምፅ ወያነ እንተዝፍነው›› ይብል ኣይተ ኣብርሃም፤‹‹ ሓረስታይ ትግራይ ንሳልሳይ ግዜ ወይኑ ምሓደረ›› ብምቕፃል ድማ ‹‹…እቶም ሰብኣይ መረረቶም ግልፂ እዩ፣ ኣብ ባይታ ዘላ ትግራይ ኣብ ኣፍ ዳዊት ዘላ’ምበር ኣብ ቶግ ቲቪ ዘላ ከምዘይኮነት ኩሉ ኢንፎርምድ ትግራዋይ ዝፈልጦ፣ ኣቱም ካድረታት’ውን ብዕሊ ትፈልጥዎን ትሓምይዎን! ናብ መድረኽ ክትወፁ ትክሕድዎን ሓቂ እዩ!›› ኢሉ፡፡

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ስውኣት፣

ክብርን መጎስን ንህዝቢ ትግራይ፣

ዓወት ንሓፋሽ!

*************************

Guest Author

more recommended stories