ፅልምትምት ዝብለኒ ሰብ ኣይኮንኩን፡፡ ምድሕርሓር ውን ኣይፈቱን፡፡ ተስፋ ኣልቦ ውን ኣይኮንኩን፡፡ ከም ሓደ ኣብ ግዜ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተወለደ መንእሰይ ኣብ ህወሓት እመነትን ፍቕርን ኣለኒ፡፡ እቲ ምንታይሲ መስዋእትን ሕራነን ህዝቢ ትግራይ ብቐረባን ሩሑቕን ሰለዝፈልጥ፡፡ ብመሰረቱ ውን ኣነን ናተይ ወለዶን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ረሲኑ ዓወት ሓፊሱ ኣብ መላእ ህዝብና ሰላም ኣብ ዝሰፊነሉ እዋን ዝባፃሕናን ተማሂርና ቁምነገር ረኺብና ሐዚ ውዑይ ተሳትፎ ኣብ ምክያድ እንርከብን ኢና፡፡ ንሕና ከም ወለዶ ከም ኣያትትና ነፍጢ ተዓጢቕና ንቃለስ ኣይኮናን፡፡ ብሳላ መስዋእቲ ኣያታትና ሰጊ ተጋሊሁ ሰለዘርከብናዮ ኣብ ፍልስፍና ዝተመሰረተ ቀፃላይ ህንፀት ዓቕሚ፣ ፍልጠትን ብልሕን ዝተመሰረተ ተዓፃፃፋይነት ዝሓትት ናይ ሓሳብ ውግእ ኢና ክነካይድ ንኽእል፡፡ ምስ መን ምስ ፀላእትና፡፡ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዘለው ከም ህዝብን ውድብን እቲ ትማሊ ዝሓለፍና ሓሰረ-መከራን፣ እቲ ክንበፅሖ ዝግባኣና ሽቶን ከይንበፅሕ ዋርድያ ኮይኖም ጠጠው ዝበሉ ፀላእትና፡፡

ኣብዚ ካብ በፃሕና ንዝሓለፉ 40 ዓመታት ዕጥቃውን ሰላማውን መስርሓት ዝተፈራረቕዎ ቃልሲ እንዳካየድና ዝተርፈና እንተሃለወ ውን ኣብ ጎደና ዓወት ንርከብ፡፡ ሰለዚ ከም መልዐልን መዕረፍን ንምታይ ተቓለስና፣ ኣንፃር መን ተቓሊስና፣ ንመን ወጊና፣ ኣብ ከይዲ ቃልስና ከመይ ዝበሉ ምዕራፋት ሰጊርና፣ ምስጢር ዓወት ና ከ እንታይ ነበረ … ወዘተ ዝብሉ ተመላእትን ተሓላለኽትን ሕቶት እንከየልዓልካ፤ ትሕዝቶን ባህርን ወያነ ትግራይ ሙሉእ ስእሉ ክትርድኦ የፀግም እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ ነዚ ከዓ ታሪካዊ ኣመፃፅኣ ህዝቢ ትግራይን ብፍላይ ከዓ ኣብ ጉዳይ መንነቱን ፖለቲካዊ ክብርታቱን ዘለካ ፍልጠት ዓሚቕ እንተዘይኮይኑ፤ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ማለት ውን 20 ክ/ዘመን ከም ህዝቢ ዝተገበረ ቃልሲ ሙሉእ መልክዑ ክትርኢ ዘፀግም እዩ፡፡

እቲ ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ እዛ ሃገር ዘሎ ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ ከም ዘሎ ከይኑ፤ መበገሲ እቲ ኣብ 20 ክ/ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘጋጠመ ዘመነ ደልሃመት ንዕኡ ንምኣላይ ዝተካየደ ቃልስን ግን እቲ ኣብ መወዳእታ 19 ክ/ዘመን ዘጋነፈ፤ ምብትታትን ምድኻምን ሓይልታት ፖለቲካ ትግራይ እዩ፡፡ ከም ዝፍለጥ ብምኽንያት ውሽጣውን ደጋውን ሓይልታት፤ እቲ ትግራይ ማእኸሉ ዝገበረ ሃፄ ዮሃንስ ዝመርሕዎ መንግስቲ ምስ ፈረሰ፤ ህዝቢ ትግራይ ክሽከሞ ዘይክእል ኣርዑት መግኣዛእቲ ክሽከም ተፈሪዱ፡፡ 20 ክ/ዘመን ከዓ ብ ማሕባራዊ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖማዊ ሕሰም ዓጂቡ ተቐቢልዎ፡፡ ኣብ ፈለምቲ እዋናት ማለት ውን እዋን መግዛእቲ ሃፄ ምንሊክ ዝነበረ ከይዲ ጭቆና ወሰን ዘይብሉ ውርደትን መርገፅትን፣ ምፃላምን ምስራቕን ታሪኽ፣ ምስራዝ ካብ መዝገብ ታሪኽ ጀጋኑ ተጋሩ ኣጋጢሙ፡፡ ኣብ ስርዓት ሃይለስላሰ ውን ቀፂሉ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብታ ቀዲሙ ናይ ፖለቲካ ሀሁ ዝጀመረላን በቢምዕራፉ ብደሙ እንዳፈረመ ህልውንኣ ዘረጋገፀላን ሃገር ተጋንዩ፡፡ ተጋንዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ወርቃዊ ታሪኹን ጀግንነቱ ወዲቑ ሓሲሩ ተናዒቑ፡፡ እምቢ ኢሉ ኣይግዛእን እንተበለ ውን ጋዛእቲ ድርብታት ዘሎን ዘየሎን ሓይሎም ተጠቒሞም ተፍቲፎም ቀጥቂጦም ተቖሪኑ ክነብር በይነሙሉ፡፡Photo - Mekelle - TPLF 40th Anniversary

እንተኾነ ግን ደኺሙ ተስፋቖሪፁ ስቕ ኣይበለን፡፡ ክቕድም ክቕድም እቶም ካብ ኣብራኹ ዝወፁ መራሕቱን ሙሁራን ደቁን ድምፁ ከስምዑ ዘዝኸኣልዎ ኣልዒሎም፡፡ ናይ እኒ ገብረሂወት ባይከዳኝ እኒ ደፍተራ ፍስሃ ግዮረጊስ ብርዖም ኣልዒሎም ዓገብ ኢሎም፡፡ ቀፂሎም ውን ነቲ ብስርዓት ሃይለስላሴ ዝተፃወደሎም ናይ ምድስካልን ኣፍ ናይ ምዕባስ ሜላታትን በታቲኾም፤ እኒ ራእሲ ስዩም መንገሻ፣ ደጃት ሃለስላሴ ጉግሳ፣ ብላታ ሃይለማርያ ረዳ ብረት ኣቕኒዖም ነቲ ዘየቕስን ስርዓት ኢቢታ ገሊፀምሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ተፋሊሞም ክስዕርዎ ከምዝኽእሉ ውን ኣምሂሮሞ፡፡

ኣብ መወዳእታ ከዓ ግፍዕን መግዛእት ዓቐኑ ሓሊፉ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ወሊዱ፡፡ እቲ ብመሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ን 17 ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ቃልሲ ከዓ መዳርግቲ እቶም ኣብ ዓለምና ብጭቁናት መደባትን ብሄራትን ዝተፈፀሙ ወያነታት ኮይኑ ተፃሒፉ ይርከብ፡፡

ኣብ ከይዲ ቃልስና ዝኸፈልናዮ መስዋእትን መሪር ጉዕዞን ንህዝቢ ትግራይ ምንጋር ንቐባሪ ምርዳእ እዩ ዝኸውን፡፡ ብጀካ ዉሑዳት መስመር ቃልሲ ህወሓት ዘይተረድኦም ወይ ውን ኮነ ኢሎም ክፈልጥዎ ዘይደሉ ምስጨቆንቲ ዝተሰለፉ ውሑዳት ተጋሩን፤ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተሰሊፉ መግዛእትን ወፀዓን ሐደ ክፍለዘመን ሲዒሩ፡፡ ብሳላ ቃልሲ ካልኣይ ወያነ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ዓወት ኣጠዓዒምና፤ እታ ኣብ ቀልቀል ጥፍኣትን ዕንወት በፂሓ ዝነበረት ሃገርና ውን ኣብ መወዳእታ 20 ክ/ዘመን ዋሕስ ከይና ሓድሽ ጎደና ቀዲድና መድሕን ክንኮና በቒዕና ኢና፡፡

ሓዳስ ኢትዮጵያ ሓድሽ ቅዲ ህንፀት ሃገራዊ ሓድነትን ፖለቲኮ ቁጠባዊ ኣተሓሳስባ ክህልዋ ግድን ነይሩ፡፡ እቲ ቅዲ ህንፀት ሃገራዊ ሓድነት መራሕቲ ህወሓት ኣብ ድሩን ገደልን ኮኖም ከይተሰኮኑ ንፀልማት ሲዒሮም ዝሓሰብዎን ዘብሰልዎን ኣተሓሳስባ ህብረ-ብሄራዊት ኢትዮጵያ መሰረት ዝገበረ እዩ፡፡ እዚ ኣተሓሳስባ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝጋባእ ዘነፀረ፤ ቀንዲ ፍልፍል ፀጋማት ኢትዮጵያ ኣብ ብሄራዊ መፀዓ ይዓርፍ ዝብል ሰነ-ሞጎት ዝሓዘ ኮይኑ፤ ቀፃልነት ሓድነት ኢትዮጵያን ተጠቃምነት ህዝብታትን ኣብ ዓርሰ-ምሕደራ ክሳዕ ምግንፃል ይዓርፍ ዝብል መርገፂ የቐምጥ፡፡ ናብ ተግባር ውን ተሸሪፉ፡፡ ብሓይሊ ዘይኮነ ብሰናይ ፍቓድ ህዝብታት ዝምሰረት ሓድነት ንቐፃልነት እታ ሃገር ዋሕስ ምኻኑ ኣረጋጊፁ፡፡ ህወሓት ቀፀልቲ ምዕራፋት ዝኾኑ ሕቶታት ዘላቒ ሰላም፣ ዴሞክራስን ልምዓትን ውን ክታተዩ ሰዓራይ ሓሳብ ሒዙ ሰለዝቐረበ ንህዝብታት ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ውድባት ኮይኑ ክመርሕ ዘኽእሎ ፖለቲዊ መድረኽ ተረኪቡ፡፡

እቲ ኣብ ፈለምቲ ዓመታት ዓወት ዝተቐረፀ ሕርሻን ገጠር ልምዓት መሰረት ዝገበረ እንፈት ምዕባለን ልምዓትን፤ ኣብ ከይዲ በሲሉ ናብ ንፁር እንፈት ዴሞክራስያዊ ልማዓታዊ መንግስቲ ዝብል ኣተሓሳስባ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ተሸጋጊሩ፤ ህወሓት/ኢህወደግ ካብ ደምብርብር ወፅዩ ኣብ ሃገራውን ዓለም-ለኻውን ናተይ ዝብሎ ገዛኢ ሓሳብ ክውንን ኪኢሉ እዩ፡፡ ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ዋላ ውን ዝተወሰኑ ዓንቀፋትን ክስገሩ ዝግብኦም ዝነበሩ ዘይተሰገሩ ማሕለኻታት ዝነበርዎ እንተኾነ፤ ተኻታታልነት ዘለዎ ቁጠባዊ ዕብየት ኣመዚጊቡ፡፡

ብሓፈሻ እንትርአ ህወሓት ድሕሪ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ዘለው 24 ዓመታት ብዳይ ህንፃት ሃገራዊ ሓድነት፣ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን ዝተጋዓዞ ርሕቀት፤ ብመንፅር ፖለቲካዊ ታሪኽ ሃገርና፣ ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና፣ ዝተሓላለኹ ፀጋማት ዝበዝሕዎ ፖለቲካ መስርሕ ሃገርና፣ ሰፊሕ ድሕረትን ድንቁርናን ኣሲሩ ዝሓዞ ሕብረተሰብ፣ ሰጎምቲ ዘይኮኑ እካደኣስ ንድሕሪት ዝጎቱ ተፃባእቲ ሓይልታት ፖለቲካ፣ ከምኡ ውን ተፃብኦታት ዝብዝሕዎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትልካዕ፤ ዕውት ክበሃል ዝኸእል እዩ፡፡ ኣብ ህንፀት ሃገራዊ ሓድነት ዳርጋ ዝበዝሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣዐርዩ ዝበዝሕ ህዝቢ ዝተቐበሎ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ዴሞክራስያዊ ትካላትን ሱር ሲዶም ክትከሉ ዘኽኣለሉ ጉዕዞ ኣካይዱ ክበሃል ይከኣል፡፡ በመዳይ ልምዓትን ሐበራዊ ተጠቃምነትን ህዝብታት ውን ከምኡ፡፡ እዚ ብሓፈሻ ብሃገር ደረጃ ህወሓት/ኢህወደግ ክግምገም ከሎ ክቕመጥ ዝኽእል ዓወት እዩ፡፡

ናብ ትግራይ ክንመፅእ ከለና ብመሰረቱ ካብቲ ሃጋረዊ ውፅኢት ዝፍለ ኣይኮነን፡፡ ርክብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን፣ ትፅቢት ህዝቢ ትግራይ፣ ውሽጠ ውድባዊ ቃልሲ፣ ቀፃልነት ሓያልነት ኣተሓስባን ህወሓት፣ ከይዲ ምትኽኽእ መሪሕነት ህወሓት፣ ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳርን ፍትሕን፣ ኣብ ከይዲ ዝተፈጠሩ ለውጥታትን ጠለባትን ህዝቢ ትግራይን፣ ኢሉ ውን ኣብ ዝሓለፉ ናይ ሰላም ዓመታት ዝተፈጠረ መንእሰይ ትግራይ ምስ ህወሓት ዘለዎ ርክብን ኣብ ግምት ኣእቲኻ እሞ ከዓ ኣብ መበል 40 ዓመት ልደት ህወሓትን ምጅማር 2ይ ወያን ትግራይን ኮንካ ክርኣይ ከሎ ግን ክሕሰበሎም ክስርሓሎምን ዝጠልቡ ነጥብታት ኣለው፡፡

ርክብ ህዝብ ትግራይ ህወሓትን ብደምን መስዋእትን ዝተኣሳሰሩ ካብ ኣብ መንጎ ህዝብን ውድብ ዘሎ ተለምደኣዊ መሰርሕ ውፅእ ዝበለ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ከም ናይ ፖለቲካ ውድብ ዘይኮነ ከም ውላዱን ኩሉ ሻዕ ከዓ ንሰለ ረብሕኡ ጠጠው ዝበለ ናይ ቁርፂ እዋን መድሕኑ ገይሩ ክሪኦ ፀኒሑ እዩ፡፡ እዚ እቲ ኣብ በረኻ ዝነበረ ህወሓት ኣብ ፈተንቲ እዋናት ውን ኮይኑ ካብ ህዝባውነቱ ንፃት ውን ንቕንቕ ከይበለ ዘመሰከሮ ወያናይ ባህሪ ዝፈጠሮ ምዕባለ እዩ፡፡ ድሕሪ ሰላም ግን እቲ ናይ ቃልሲ መድረኽ ካልእ መልክዕ ሒዙ ሰለዝመፀ፤ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝተርኣዩ ለውጥታት ምስ ህዝቢ ዘለዎ ርክብ ለውጢ ከምፅእ ኣኽኢሉ፡፡ ብፍላይ ድሕሪ ተሃድሶ ህወሓት እንፃር ክራይ ኣክብነትን ምብስባስን ቆሪፁ ተላዒለ ኣለኹ እንተበለ ውን፤ ኣብ ዝሓለፉ 12 ዓመታት ዝመፀ ኢኮኖማዊ ዕብዮት ከም ዘሎ ኾይኑ፤ ኣብ መዳይ ሰናይ ምምሕዳር፣ ብልሽውነት፣ ምዝባዕ ፍትሒ፣ ፅሬት ኣባላት፣ ዘተኣማምን ምትኽኻእ መሪሕነት … ዝተርኣዩ ድኽመታት ግን ብዓይኒ ህዝቢ ቀንዲ ከዓ ብዓይኒ እቲ መንእሰይ ሰጋእ መጋእ እንዳብልካ ዝረኣዩ እዮም፡፡ ዋላ ዘሒ ውን ህዝቢ ትግራይ እቲ ህወሓት ዝፈጠሮ ኣተሓሳስባን ፖሊስን ስትራቴጅን ዳርጋ ብሙሉእ ልቢ ይድግፎ እዩ እንተብልና፤ ብሰንኪ እቶም ቅድም ኢሎም ዝተጠቐሱ ገለ ድኽመታት ፍቕሩን እምነቱን ከም ቀደሙ ኣሎ ንምባል ይኸብድ እዩ፡፡ ብግልፂ ቋንቋ ንምዝራብ ስክፍታት ይዓብዩ ኣለው፡፡

እቲ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ዝበህል ኣብ ውድባውን መንግስታውን መማቕር ዘሎ ኣባል ህወሓት፤ ገሊኡ ሰኣን ዓቕሙ ገሊኡ ክብለፅ ዘኣተወ ጥዕና ዘይብሉ ኣባል ሰለዝኾነ ቆራፅነ ዘይብሉ ቃልስን ውን ሰለዘይፈቱ፤ ኣብ ክንዲ ተቓባልነትና ህወሓት ዘሐይል፤ ብዝፈጥሮም ግደፈታት ውድብ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ዝነበራ ተቓባልነት ክቕንስ ኣስተዋፀኦ ይገብር ኣሎ፡ ገለ ኣብ ታሕተዋይን ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት ብተግብርን ኣተሓሳስባን ዝተርኣየ ናይ ምብስባስ ሐደጋታት ውን ብዓይኒ ህዝቢ ገሊሖም ዝወፁሉ ክነታት ተዓዚብና፡፡ ብርግፅ ገለገሊኦም ካብ ሕምየት ዝበግሱ ኣበይ ኣለው ኢልካ ክትረኽቦም ዘፀግሙ እዮም፡፡ ብኻልእ መዳይ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ኣንፃር ክራይ ኣካብነት ዘርኣዮ ቆራፅነትን ስግምትን ዝነኣድ እዩ፡፡

ካልእ መሰከፊ ጉዳይ ኣብ ምትኽኻእ መሪሕነት ዝተርኣየ ግድፈታት እዩ፡፡ ምትኽኻእ መሪሕነት ብክልተ መልክዕ ስክፍታት ይርኣይዎ፡፡ ሓደ ወያናይ ባህሪ ዘይብሎም ተበለፅቲ ኣካላት ናብ መሪሕነት ተንጠላጢሎም ዝወፅሉ ክነታት ኣሎ ኢሉ ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ይወቅስ፡፡ ካልኣይ ወያናይ ባህሪኦምን ህዝባውነቶም ፅቡቕ ኮይኑ እንዳሃለወ፤ ብዓቕሚ ዘይበቕዑ ብፍላይ ከዓ ነምቶም ብሀገር ደረጃ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዓለም ደረጃ ውን ተወዳደርትን ብሉፃነትን ዘርኣዩ መራሕቲ ህወሓት ክትክኡ ዘይክእሉ፤ ኣብ ተዓፃፃፍን ተለዋዋጥን መድረኽ ፈተናታት ክሓልፉ ዘይክእሉ ዝዓይነቶም መራሕቲ ይትክኡ ኣለው ዝብል ሓልዮታዊ መረረት ውን ኣሎ፡፡

ካብዚ ተበጊስና ድሕሪ 40 ዓመት ህወሓት ቅድሚ ሐዚ ዘመዝገቦዎም ዓወታት ክቕፅሉ እንተኾይኖም፤ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ተቐባልነት ክቕንስ ዝገበሩ ውሽጣዊ ፀገማቱ መሪሚሩ መፍትሒ ክገብር ይግባእ ዝብል ሓፈሻዊ ምኽረ ሓሳብ ክነቐመጥ ንኽእል፡፡ እዚ ክንብል ከለና ህወሓት/ኢህወደግ ን 5ይ ግዜ ዝግበር ሃገራዊ መረፃ ከምዝስዕር ብምትእምማንን፤ ንመስመር ልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ መንግስቲ ከቐፅል ዝኽእል ሓይሊ ብዘይምህላው ኣብ ሃገርናን ክልልናን ዝተጀመረ ጉዕዞ ሽግግር ዕብየትን ሐዚ ውን ኣብ እንግደዓ ህወሓት/ኢህወደግ ምኻኑ ዘየጠራጥር ሰለዝኸነን እዩ፡፡

ሰለዚ ህወሓት ንምርግጋፅ ፈጣን ዕብየትን ሽግግር ማሕበረ-ቁጠባዊ ክልልናን ሃገርንን፤ ከም መሪሕ ውድብ ድሕሪ ምኽባር ልደት 40 ዓመት፤ ቀንዲ ክሓስበሉ ዝግባእ ኣሰራርሓቱ ኣፅፊፉ ዝሓሸ መመራፂ ውድብ ሰለዘየለ ዘይኮነስ ብሉፅ ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ክመርፆ ክፅዕር ይግባእ፡፡ እዚ ማለት ተቐባልኑ ከይቀነሰ ኣብ ጎኑ ህዝቢ ዘሰለፈ ወያናይ ህዝባዊ ወገናውነት ዘለዎ ውድብ ኮይኑ ክቕፅል ኣለዎ ማለት እዩ፡፡ እዚ ንምግባር እንታይ እንዝግበር ይሓይሓሽ?

ብኣተሓሳስባ ልምዓታዊ መንግስቲ ንዝኣምን ህወሓት ናይ መሰመርን አተሓሳስባ ፀገም የብሉን፡፡ ህወሓት ውን ተደጋጋሚ ገምጊሙ ዝበፅሓሉ ነጥቢ ኣፈፃፅማ እምበር ፖሊሲታትና ፀገም የብሎምን ዝብል እዩ፡፡ እብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ህወሓት ወፃኢ ዘሎ ውን ነዚ ሓቂ ዝስሕቶ ኣይኮነን፡፡ ውድቀት ኣፈፃፅማ ደኣሞ ንምታይ እንተሊና፤ ውድባዊ ትካላት ኣሰራርሓን ህወሓት ፅሬት ሰለዝገድሎም፣ ህወሓት ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ዝኣተው ኣባለቱ ወያናይ ባህሪን ዓቕሚ ሰለዘይብሎም፣ ኣመራርሓ ህወሓት ንንባዕሉ ይቃላለስ ስለዘየሎ፤ ዝቕረፅ ቆሪፁ ዝድርቢ ብልሒ ዘለዎ ገምጋም ይካዮድ ሰለዘየለ፣ ክራይ ኣካብነት መበገሲ ቀረፃ ተሃድሶ እንተኾነ ውን ክሰዓር ሰለዘይከኣለ፣ ውፂኢቱ ከዓ ህዝቢ ነዞም ፀገማት እንዳረኣየ ብሙሉእ ልቢ ምስ ህወሓት ክሰምር ስለዘይከኣለ ኢልካ ገምጋም ምዕራፍ ይከኣል፡፡ ካብዚ ፀገም ክውፃእ ኸ እንታይ ይሓይሽ?

ኣብ ቅድሚት ንረኽቦ መልሲ ህወሓት ኣብ ውሽጡ በሊሕ ቃልሲ ክውልዕ ይግባእ፡፡ ኣባለቱ ይፈትሽ፡፡ እቶም ካብ ህዝቢ እንዳነፀሉ በብመዓልቱ ክሳራ ዘምፅእሉ ዘለዉ ተበለፅቲ ኣባልትን ኣመራርሓን ዝእረሙ ይተኣረሙ ዝእለዩ ውን ይተኣለዩ፡፡ ውድባዊ ኣሰራርሓታት ኣብ ተግባር ይውዓሉ፡፡ ገምጋም ከም መስርሕ ህወሓት ወያናይ ባህሪኡ ሓልዩ ይቐፅል፡፡

ኣብ ተለዋዋጣይ ዓለም ሰለዝለና፤ እንታይ ከምዝፍጠር ሰለዘይፍለጥ ህወሓት ሓንሳእ ዝተቐረፀ መስመሩ ምምሕያሽ የድልዮ ይኸውን ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ካብ ተፃባእቲ ኣተሓሳስባታት ዝመፅእ ቃልሲ ውን ዝምክት ሳይንሳዊ ተንታንን ናይ ኣይዲዮሎጂ ሊቅ ዝኾነ ኣመራርሓ የድልዮ ኣሎ፡፡ ከምኡ ውን እተን ከም ውድብ ዝመርሐን መፍረይትን ልምዓታውያን ትካላት ዝመርሕ ኣዝዩ ዝበሰለ ቡቑዑን ኣመራርሓ የድልዮ፡፡ ምስ ህዝቢ ዘሎ ርክብ ዘሰጣጥሙ በላሕትን ቡሉፃት ካድረታት ከፍሪ ይግባእ፡፡ ብሓፈሻ ገዚፍ ናይ ዓቕሚ ህንፀት ወፍሪ ከካይድ ኣለዎ፡፡ ንተፈፃምነት ከዓ ናይ ኣተሓስስባ ልዕልነቱ ኣረጋጊፁ ክቕጥል ዝኽእል ማእኸል ስልጠና የድልዮ፡፡ ካብ ናይ ቻይና ኮሚንስት ፓርቲ ተመክሮ እንተወሲድና ክሳዕ ብደረጃ ዶክትሬት ድግሪ ዘመርቑ ውድባዊ ትካልት ትምህርቲ ኣለዎም፡፡ እዞም ትካላት ገሊኦም ናይ ፓርቲ ኣይድዮሎጂ ዘፅንዑን ኣንፈት እቲ ውድብ በበግዚኡ እንዳመርመሩን ቀፃልነት ልዕልና እቲ ውድብ ዘረጋግፁ እንትኾኑ፤ ገሊኦም ከዓ በብደረጅኡ ዘሎ መዋቕራት ውድብን መንግስትን ዝሽፍኑ ኣመራሓ ዘፍርዩ እዮም፡፡ ካልእ ቡሉፅ ተመክሮ ነተን ብኮሚዩኒስት ፓርቲ ቻይና ዝውነና ትካልት ንግድን ኢንዳስትርን ዝመርሑ ሙሁራት ኣባላቱ ዘፍርየሎም ዩንቭርስትታ ኣለውዎ፡፡ ተመክሮ ቻይና ኮሚዩኒስት ፓርቲ ፍፁምነት ዋላ ኣይሃልዎ፤ ቻይና ትኣክል ዓባይ ሃገር ንምምርሕ ዘኽል ቁመና ፈጢሩ ኣብ ተነፃፃሪ ዓወት ይርከብ፡፡ በበጊዝኡ ብሉፃት ኣመራርሓ ይፈጥር ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ብጣዕሚ በዝሒ ዘለዎ ተተካኢ ኣመራርሓ ውን እንዳፍረየ፤ ነቲ በብግዚኡ ዝምረፅ ማእኸላይ ኮሚቴን ፖሊት ቢሮን ውን ተጠባባቒ እንዳቕመጠ ብሰኣን ተተካኢ ኣመራርሓ ክፍጠር ዝኽእል ዝሑል ቃልሲ ውዑይ ክኸውን እኽኢልዎ እዩ፡፡

እዚ መስርሕ ከም ህወሓት/ኢህወደግ ትምህርቲ ክውሰደሉ ዝኽእል ከይኑ፤ ክሳዕ ሓዚ እንታይ ተሰሪሑ ብዘየገድስ፤ ድሕሪ መበል 12 ጉባኤ ህወሓት ግን ህዝቢ ትግራይ ህንቀው ኢሉ ዝፅበዮ ይመስል፡፡

(ኣብ መፅሄት ውራይና መበል 14 ሕታም ዝተሓተመ)

****************

Mehari Yohanes is a lecturer at Department of Political Science and Strategic Studies of Mekele University. He can be reached at [email protected]

more recommended stories