(ሃይላይ ሓድጉ –
ደራስን ጋዜጠኛን)

ብዛዕባ ሳዕስዒት ኢና ክነንብብ። ሹሽ ፣እዥም፣ እሽም፣ ዉዕሽክሽ ኣብ እዋን ሳዕስዒት እነስተባህሎም ድምፅታት እዮም። እቶም ድምፅታት ግና እዚኦም ጥራሐ ኣይኮኑን ብዙሓት እዮም ከም መበገሲ ግና ክንወስዶም እእንኽእል ኢና። እተን ብዛዕባ ሳዕስዒት ግና ኩላትና ከከም ኸባቢናን ተሞክሮ ሂወትናን እንፈልጦ እንገንዘቦን ዛዕባ ክህሉ እዩ።

ሳዕስዒት ንዓና ኣካል ባህልና ጥራሕ እንተይ ኮነስ ኣካል መነባብሮና እዉን ዩ። ኣብ እዋን መርዓ ንስዕስዕ፣ ኣብ እዋን ገለብ ንስዕስዕ ኣብ ሓበራዊ ወፍሪ ስራሕ ንስዕስዕ ፣ፀላኢ ንምምካት እነትንወፍር ንስስዕስዕ፣ ድሕሪ ወፍሪ ንስዕስዕ፣ ኣብ እንዳ መሸታ ንስዐስዕ ኮታስ እንታይ ግድና ኣብ ብዙሕ ምኽንያታት ንስዕስዕ።

ግን ሳዕስዒት ዓርሱ ዝኸኣለ ጥበብ ከምዝኾነ ክሳብ ክንደይ ንፈልጥ ነስተብህል?እወ ጥበበብ ዩ። ሳዕስዒት ስርዓትን ቅደም ሰዓብን ዝሓለወ ብስርዓተ ጥበብ ዝማዕረገ እዉን ዩ።

እስቲ ምስ ንናይ ኸባቢና ዓይነት ሳዕስዒት እናተኣሳሰርና ንገንዘቦ። ንኣብነት ኣብ ኸባቢና ጓላይታት እንትህሉ ኣቦ ጓለይ ተባሂሎም ዝመረፁን ኸይዲ እቲ ፃዉቲ ዘሰጉሙን በቲ ናይታ ዕለት ተፃወቲ ጓይላ ዘምረፁ ከምዘለዉ ንፈልጥ። Tigrai men dance

እዚ እንታይ ማለት ዩ? ኩሉ ፍፃመ በስርዓተ ተመሪሑን ተገሪሑን ምእንታን ከስጉም ዩ? እዚ ስርዓት ንጥበብ ሳዕስዒት እዉን ብቀጥታ ዝምልከት ዩ። ሳዕስዒት ዓርሰ ዝኸኣለ ቅደም ሰዓብ ዘለዎ ዩ። ካብዚ ቅደም ሰዓብን ሕግን ዘሊልካ ምካድ ኣይከኣልን። ኣብ መንጎ ጥበብ ሳዕስዒት ነቲ ሕጊ ተሓላሊፍካ ካለእ ዓይነት ምነቀስቃስ እንተምፂእካ ተቐባልነት ኣይህልዎን።

ሳዕስዒት ዋላ እኳ ከምዚ ንሕና እንጥቀመሉ ዘለና ዓይነት ስርዓትን ሕግን ተላቢሱ ይስጉም ነይሩ እዩ ዝብል ድፍረት ኣይርከብ ከከም እቲ ዘበን ማሕበራዊ ኩነት እናተሰጋገረ ዝመፀ ኣዝዩ ነዊሕ ዝባሃል ዕድመ እናቁፀረ ኣብዚ ሕዚ ዘለዎ ደረጃ ዝበፅሐ ዩ።

እዚ ነዊሕ ዕድመ ዘቁፀረ ጥበብ እቶም ናይ ቀደም ዝበሃሉ ወገናትና ደቂ ሰባት ንመነባብሮኦም አዝዮም አገደስቲ ዝኾኑ በፍላይ ምግቢ ስጋ ንምርካብ ሃደን እነስሳት ክፍፀሙ እንከለዉ ጥበብ ሳዕስዒት በስፍሓት ይጥቀሙ ከምዝነበሩ ሊቃዉንቲ አንትሮፖሎጂ ይመስክሩ። እዚ ኸመይ ኢሉ ይኸዉን። ዝብል ሕቶ ከልዕል ይኸእል ዩ። እቶም ሊቃዉንቲ ኸምዚ ይብሉና።

“ቕድሚ አዝዩ በዙሕ ወዲ ሰብ እቲ ዝለዓለ መነባብርኡ ኣብ ሃደን እነስሳ ዩ ነይሩ። ሰባት ምስ እንስሳት ተቃሊሶም ንምግቦም ዝኸዉን ስጋን ካብ ንፋስ ፣ፀሓይ፣ ቁርን ዝከላኸል ቆርበት ይረክቡ ነይሮም። እዚ ንምፍፃም ግና ከበድቲ ፈተናታት ነይሮም። ሃደን እነስሳት ትብዓት፣ ብልሒ ፣ ምህዞን ጀግንነት ይሓተት። እዞም አገደስቲ ስብእናታት ባህርያትን ንምህናፅ ድማ ሳዐስዕዒት ሃደን ዝበሃል ዓይነት ሳዐስዒት ነይሩ”ይብሉና።

እምበኣርከስ ሳዐስዒት ክሳብ ክንደየናይ ምስ ታሪክ ደቂ ሰባት ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ካብቲ ልዕል ኢሉ ተጠቒሱ ዘሎ መብርሂ ምርዳእ ይከኣል። ሳዕስዒት ንዓና ንደቂ ሰባት ታሕጓስና፣ ፍቅርና፣ ሓዘና፣ ጓሂና ኮታስ ኩሉ መዳይ ስሚዒት እንገልፀሉ ጥበብ ዩ።

ሳዕስዒት ንፈለማ እዋን ዝጀመሩ እቶም ናይ ጥንቲ ሰባት ከምዝኾኑ ይገልፁ እሞ እቶም ናይ ጥንቲ ሰባት ዝተፈላለዩ እነስሳት ምስ ሃደኑ ስጋ እቶም እነስሳት ጠቢሶም ንምምጋብ ዘኽእሎም ሓዊ ምስ ኣቀፃፀሉ ገሊኦም ንቲ ስጋ እንትጠብሱ ገሊኦም ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ዝተቐፃፀለ ሓዊ ኮይኖም ይስዕስዑ።

እቶም ናይ ቀደም ሰባት ሳዕስዒት እንትስዕስዑ ብዙሓተ እምነታት ነይሮምዎም። መግለፂ ዓወቶም ጀግነነቶም ወነኦምን ጥራሐ እነተይኮንስ”ሳዕስዒት ቁፅሪ ተሃደንቲ እነስሳት ይዉስኽ እዩ” ዝብል እምነት እዉን ነይርዎም።

ካበዚ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ሓቂ ተበጊስና እምበር ሳዐስዒት ምስ ቀዳሚነት ደቂ ሰባት ዝለዓለ ታሪካዊ መትእስሳር ከም ዘለዎ ኢና ንግንዘብ። ንሕና ዚትዮጵያዉያን እዉን ካብቶም ጥንታወያን ተባሂልና ብደረጃ ዓለም እነፅራሕ ሰባት ኢና እሞ ሳዕስዒት እዉን ምስ ታሪክና ሓቢሩ ዝግለፅ ምዃኑ ምዝካር ግድን ይኸዉን።

ኣካል ጥንታዉያን ኢትዮጵያዉያን ዝኮኑ ጥንታዉያን ተጋሩ እዉን ንሳዐስዒት ሓደ ኣካል ባህሎም መነባብሮኦም ገይሮም ክሳብ እቲ ሕዚ ዘለናሉ ዘበን እናወራረሱና መፂኦም። ሳዐስዒት ኣብ ትግራይ ፍትዉን ስርዓቱ ዝሓለወን እዩ። ኣብ ጓይላ፣ መርዓ፣ ሓበራዊ ወፍሪ ዝተረኸበ ኣጋጣሚ ምስዐሳዕ ካብ ቀዳሞት ወላዲ ዝወረስናዮን ሕዚ እዉን እናቐፀልናዮ ዘለናን እዩ።

እንትስዕስዑ ኣጋጣሚ ስለዝረኸበና ከምድላይና እንሕዝምቀሉ እንተይኮነስ ምስቲ ነቲ ሳዕስዒት ዝሳነ ደርፊ፣ ጭራዋጣ ፣ ክራር ጣቅዒት ንዓርስና ኣዋዲድና ክንኸየድ ይግባእ። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ስዳሮናን ምንቅስቃስናን እዉን ስርዓቱ ዝሓለወን ንካልኦት ሳዕሳዕቲ ዘየዐንቅፍ ክኸዉን ንግደድ።

ሳዕስዒት ካብ ዉሽጣዊ ስምዒት ዝነቅል ምነቀስቃስ ዩ። ምንቀስቃሳት ኢድ ፣እግሪ፣ ክሳድ፣ እንግዳዐ ፣እቶም ኣብ እዋን ሳዐስዒት እነስተብህሎም ምነቀስቃስ እዮም። እዞም ምንቅስቃሳት ግና ስርዓቶም ዝሓለወ እመበር ስቅ ኢሎም ከምዝመጽኣልካ ከምዝገጠመካ ፍርንጫዕ ዝበሃለሉ ኣይኮነን።

ሳዐስዒት ምስ ታሕጓስ ዝተኣሰረ ስለዝኮነ ነቲ ታሕጓስ ዘስጉሙ ኣካይዳታት እዩ ዝጠልብ። እዞም ኣካይዳታት ድማ ስርዓት ዝሓለዉ እዮም እቶም ስረዓታት ገሊኦም ጥበብ ሳዐስዒት ባዕሉ ዘሳልጦም እነትኮኑ ገሊኦም ድም ንሕና በዓልትና እንምሀዞም ኣካይዳታት እዮም።

ንኣብነት ብፍላይ ኣብ ገጠር ትግራይ እቲ ሳዕስዒት ፍትሓዊ ብዝኮነ መንገዲ ንከስጉም ህዉከትን እምባጓሮን ከይለዓል እቲ ኸይዲ ብመሰረት እቲ ባህሊ ዝፈቀዶ ይመርሖ ኣብዚ እቶም ኣቦ ጓይላ ተባሂሎም ዝምረፁ ስነ-ስርዓት ናይ ምክባረ ሓላፍነት እዉን ደሪቦም እንትስርሑ ይስትባህሉ እዮም።

“ሕዚ እትስዕስዑ ወለዲ ኢኩም”። “ሕዚ ድማ ማናእሰይ” ዝብል ኣሰራርሓታት በቶም ኣቦ ጓይላ ተባሂሎም ዝተሰየሙ ኣካላት ዝዝረብ መምርሒ ዩ። ትልሂት ንአዴታት ፣ንኣቦታት ፣ንወለዲ ፣ ንመናእሰይ ፣ንሰገናት ፣እናተብሃለ መስርዕ እነትወፀሉ ነስተብህል ኢና። እዚ ዝኾነሉ ምክንያተ ድማ ሰባት በቲ ሳዕስዒት ኣቢሎም ክረኽብዎ ዝግበኦም ታሕጓስን ስሚዒታዊ ርዉየትን መእንታን ክረኽቡ እንትከዉን እዚ እንተደኣ ተመንዚዑ ግና ኣብ ክንዲ ታሕጓስ ጎይቅን እምባጓሮን ነጊሱ ካልእ ፅቡቅ ዘይኮነ ተርእዮ የስዕብ ማለት ዩ።

ንሕና ፎተዉትን አድነቅትን ሳዐስዒት እዉን ኢና ኣቤት ከስዐስዕ እኮ አንጀትየ ክተስዐስዕ እኮ፣ እናበልና ንሳዐሳዒት ሳዕሳዕትን ነሞጉሶም ኢና። ብዝኮነ ምክንያት ኣብ ስሩዕ ወግዕና ንሳዕስዒት ሳዕሳዕትን ኣልዒልና ነዉግዕ ኢና። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ደርፍታት እዉን ሳዐስዒት፣ ሳዐስዕለይ ዝብል ትሕዝቶታት መሊኦም እዮም ድምፃዉያን ጌታቸዉ ስሑልን ንግስቲ ሓየሎምን ኣብ 1980 ታት ኣቲ ሓፍተይ ንዒ ዝለሊ ከምናይ ትማሊ አታ ሓወይ ናዓ ዝለልየ ከምናይ ትማሊ ዝለልየ ዝብል ጡዑም ዜማ ንጥበብ ሳዐስዒት መዚዞም ንፈቅሪ ዝገልፅሉ ዜማ ዩ። ሳዐስዒት ብፍላየ ኣብ ገጠራት ትግራይ አዝዩ ድሙቅን ሓቀኛን መበቆል ሳዐስዒት ዘመላክት ዝዓይነታቱን ዩ፤ ሳዐስዒት ኣብ ከተማ እዉን ንቡር ኮይኑ ነቲ ሓቀኛ መበቆል ሳዐስዒትና ይገልፅ ዩ ንምባል ግና ድፍረት የስእን ዩ። ምከንያቱ ካብ እንግሊዝኝኡስ፣ ካብ ህንዱስ ሕዉስ ዝበሎ ነገር ስለዝስትብሀል ዩ። ሳዐስዒት ኣብ ከተማታት ካብ ኣብ መርዓ ካለእን ሓሊፉ (night club) እናተብሃሉ ኣብ ዝፅውዑ መደብራት እዉን ዝተኣታተወ ኮይኑ እቲ ኣብዚ ዝስተብሃል ሳዕስዒት ድማ ጉራምራ እዩ።

ብኣጠቃላሊ ግና ሳዐስዒት ኣብ ትግራይ ጥንታዊ ባህልናን መነባብሮናን ዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ኸባቢታት ድማ ዝተፈላለየ ዓይነት ሳዕስዒት ኣሎ። ከም ኣብነት ኣብ ኸባቢ ተምቤን ዓብይ ዓዲ ፣ራያ ዓዘቦ፣ ኢሮብ ኩናማ ጸሊም ቤት ወሲድካ እኮ ኣብ ትግራይ ብዙሕ ዓይነት ሳዐስዒት ክምዘሎ ምህግንዛብ ይክኣል።

ቅድሚ ምስንባተይ ሓደ ነግር ክብል። ሳዕስዒት ጥበብ ዩ። ኣብ ትግርኛ ዘሎ ሳዕስዒት ድማ ዓርሱ ዝኸኣለ ሳዐስዒት ዩ። እዚ ናይ በይንና ዝኮነ ሳዕስዒት ኣማዕቢልና ኣብ ዓለም ተወዳደርቲ ብምካን ባህልናን ጥበንናን ክነላሊ ንኽእል ኢና። ግና እቲ ጥበብ ሳዐስዒት ነዚ ብዘማለእ መንገዲ ይኸይድ ዶ ኣሎ ኣብዚ ዛዕባ ዝሓሸ ፍልጠት ሓበሬታን ዘለኩም ምሁራት ሙዚቃ ወይ ካልኦት ዝምልተኩም ግዱሳትን ወገናትተወሰኽቲ ሓቅታት ክተካፍሉና ብምዕዳም ይሰናበት ኣለኩ።

ሰላም

*******

Wurayna Magazine

more recommended stories