ወያነና! እንተተካኢሉ ብፅቡቕ ይነደቕ፣ እንተዘይተካኢሉ ይኳነ፤ ሕማቕ ግን ኣይብፅሓዮ፡፡

(ብዓብለሎም መለስ – [email protected])

መንደቕን ዃናን ዳርጋ ኣብ መብዛሕቲኡ ከባቢታት ትግራይ ልሙድን ፍሉጥን ጉዳይ እዩ፡፡ ወዲ ሰብ ምዕሩይን ስሩዕን ህይወት ምንባር ካብ ዝጅምር ንነዘ ከከም ከባቢኡን ዓዱን ነቲ ኩነታት ብዝምጥን መልክዕ ዝነብረሉን ዝሓድረሉን ቦታ እናሰናደአን እናሰርሐን እዩ መፂኡ፡፡ ሐዚ እውን እንተኮነ የዐርዩ ኣዘሚንዎ እንተኮይኑ እምበር አይገደፈን፤ ዝግደፍ ነገር እውን ኣይኮነን እሞ፡፡ ንትግራዋይ (ተደራሲ መፅሔት ዉራይና) ብዛዕባ መንደቕን ዃናን ምውጋዕ ናይዚ ፅሑፍ ዋና ዋኒን ኣይኮነን፡፡

ስርዓተ ማሕበረ ሰብን ምሕደራ ህዝብን እውን ብሓንሳብ ከምቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝወድቅ በረድ! ዘይኮነስ ከምቲ ልዕል ኢልና ዝገለፅናዮ ብከይዲን ብብዙሓት ሕልክልካትን ዝመፅእ ጉዳይ እዩ፡፡ ዕብየትን ሞትን እንዳጋጠሞ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እንዳተጋላበጠ በቢ እዋኑ ዝነበሩ ኣዉራታት ወይከዓ ሊሂቃን እንዳወሰኩሉን እንዳቐነስሉን ይጓዓዝ ኣሎ፡፡ ስርዓተ ማሕበረ

ሰብን ምሕደራ ህዝብን ትግራይና እውን ዕብየት እንተጋጠሞ ኣብ ዘበነ ኣክሱም፣ ዘበነ ዮሃንስ ራብዓይ ሞት እንተጋጠሞ ከዓ ኣብ ዘበነ ደቡባውያን ብግልፂ ተራእዩ እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ እውን ከም ህዝቢ በቲ ንቡር ከይዲ ኣቢሉ ስርዓተ ማሕበረ ሰብን ምሕደራ ህዝብን ኣቐዲሞም ካብ ዝወነኑ ህዝቢ እቲ ሓደ እዩ፡፡ እቲ ታሪክ ኩሉ ሰብ ስለዝፈልጦ ብዙሕ ዘትኩረሉ ኣይከውንን፤ ይኹን ደኣ እምበር በቢ ዘመኑ ብዝነበሩ ናይ ሓይሊ ኣሰላልፋን ድልየት ስልጣንን ብካሊእ ወገን ካዓ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ብዝተገበሩ ሸርሒታትን

ብዳሆታትን ፈለማ ሓድነቱ ንክስእን ብምግባር ሓይሉ ተዳኪሙ ናቱ ዝነበሩ ምህዞታትን ጅማሮታትን ተመሊሶም ብካሊእ ወገን ወናኒነት ንክዝረብዎ ዝበቕዐ ህዝቢ እዩ፡፡ እቲ ብሄራዊ ዕብለላ ብዝወለዶ ግዕዙይ ምሕደራ ኣብ ልዕሊ ሰከፈትን ንሓቂ ምቛምን፣ እቲ ህዝቢ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይብሉ ድኻን በትኽን ኮይኑ ንኽቆፅርን ንኽቁፀርን ተገይሩ ይነብር ነይሩ፡፡ ንኩሉ መጠን ኣለዎ ‘ሞ ሐዚ እቲ ብርጭቆ ካብ መጠኑ ብላዕሊ ሒዙ ስለዘሎ ክፈስስ ጀመረ፡፡ ወያነታት በቢ ቦቱን በቢ እዋኑን ተወልዑ፡፡ እቶም ዝተወልዑ ወያነታት ከዓ እቲ ቀዳማዋይ ነቲ ዳሕረዋይ መምሃሪን ልምዲ መቅሰሚን እንዳኾነ እንሆ እቲ ናይ መወዳእታን መከንበቲን ኣንፃር ብሄራዊ ዕብለላን ተዛመድቲ በደላትን ካብ ዝዕወት ልዕል ዒስራ ዓመት ገይሩ ኣሎ፡፡ እዚ ዓወት እዚ ንምምፃእ ወሰንቲ ካብ ዝነበሩ መርሆታት እቲ ሓደን ወሳኒን ኣፍን ተግባርን ንክስማዕምዑን ዝተብሃል ንኽትግበርን ወይካዓ ዝግበር ንክዝረብ ዝግበር ዝነበረ ዓብይ ጥንቃቀ ብጣዕሚ ዝጥቀስ እዩ።

ድሕሪ ዓወት ዝተሰርሑን ዝተወገኑን ዕማማት ብፍላይ ከዓ ኣብ ምቛም ትካላት ስርዓትን ስነ ምጣኔኣዊ ለውጢታትን ግሁዳትን ርኡያትን ስለ ዝኾኑ ኣፈላላይ አይህሉን። እቲ ምርግራግ ይቕፅል ምህላው እውን ይበል ዘብል እዩ። ኣዝይና ምህርቲ ክንሓፍስ ምእንታን እውን ምቕፅሉ ግድን እዩ። ይኹን ዳኣ እምበር በቲ ካሊእ ገፅ ካዓ እንተተካኢሉ ብፅቡቕ ይነደቕ፣ እንተዘይተካኢሉ ይኳነ፤ ሕማቕ ግን ኣይብፅሓዮ ዘብሉ ሓላፍ ዘላፋት ይረኣዩ ኣለው፡፡ ብኣውራኡ ከዓ ኣፍን ተግባርን ኣይተዋደዱን። ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ልዕል እንትብል ከዓ ኣብ ማሕበራዊ ብርኪ ሕብረተሰብ እቲ ዝዓበየን ናይ ኩሉ ግዘ ፀገምን ኣልቦ መፍትሕ ኮይኑ ዝጓዓዝ ዘሎን ኣፍን ተግባርን ምስምዕማዕ ምእባዮም እዩ። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ይኩን ኣብ ቁሳዊ ዓለም እቲ ኣፍ ዝብሃል ሓያል ዝተዛረቦ ግን ኣብ ተግባር ዘይወዓለ ጥራሕ ዘይኮነስ ብተፃራሪ ዝግበር ብዙሕ እዩ። ካብ ውልቀ ሰብ ጀሚሩ ማለት እውን ባዕልና ኣማእኪልና፥ ኣብ ስድራ፥ ጎረቤትን ማሕበረሰባዊ እኩብ ከምኡ እውን ብብርኪ መንግስቲ ዝረኣዩ ዘለው ሓላፍ ዘላፋት ኣፍን ተግባርን ስለ ዘይተዋደዱ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡

ከም ውልቀ ሰብ ወይካዓ ከም ማሕበረሰብ ኣብ ህይወትና ዘጋጥሙና ዘለው ዘይምምችቻውን ዘይምስካዕን ዓቅምናን መጠንና ዘማእኸለ ትልሚን ድርጊትን (ኣፍን ተግባርን) ዘይምውናን እዩ። ዋላ ሓንቲ ምንቅስቃስ ከይገበርካ ሚሊየናተ ክዘንበልካ ምምናይ ሓዊሱ ብዙሓት ምስ ሓሳብና ዝፃባኡ ፍፃመታት ኣብ ምክዋን ንውዕል። ኣብ መንገዲ ኣይሽየንን ዝብል ባዕሉ ተባዕታይ ከልቢ እንትመስል፣ ዓብይ ኣኽብር ዝብል ዓብይ ዘጋፍዕ ዝውዕል እንትኸውን፣ ግዘ ኣክብር ዝብል ኣበላልዓን ኣቀታትላን ግዘ ኣሐይሉ እንተምህር እንተውዕል፣ ዘርኣዊ ኣመለኻኽታ ኣይጠቕመናን ዝብል ቤተሰባዊነት እንትፀቕጦ ወዘተ እንታይ ተባሂሉ ክስመ ይግበኦ? ከም ስርዓትን ኣካል መንግስቲን ከዓ ምግልጋል ህዝቢ ፀጋ እዩ ዝብል::

ባዕሉ ተመሊሱ ኣገልግሉኒ ዝብል እንተኮይኑ፣ መንእሰይ መሰረት ልምዓትን ሓይሊ ለውጢን እዩ ዝብል መሊሱ ከዓ ነቲ መንእሰይ ብፍርቂ ዓይኑ ዝርኢ እንተኮይኑ፣ ስምዑኒ ዝብል በል ግደካ ስማዕ እንትብሃል እዝኒ የብለይን ዝብል እንትከውን፣ ኣይፋልካን ትጋገ ኣለካ እንትብሃል እንታይ ትፈልጥ ኣብ ልዕሊ ምባሉ በትሪ እውን ዝውስኽ እንተኮይኑ፣ መራሒ ፈጣሪ ብዙሓት መራሒት እዩ ኢሉ ብክልሰ ሓሳብ ዘምህር ሰብ ተመለኽቲ ዝፈጥር እንተኮይኑ፣ ኣብ ደገ ዘለው ሰብ ሃፍቲ ልምዓታውያን ተባሂሎም ናብ ውሽጢ ዓዲ ንኽመፅኡን ጥሪቶም ንኸፍስሱን እንትዕደሙ ኣብ ወሽጢ ግን ዝድፍኡ እንተኮይኖም፣ ዲሞክራሲያዊት ዓዲን ስርዓትን ንሃንፅ ኣለና እንዳበልና ከይዲ ዲሞክራሲያዊነት ኣፈላላይ ሓሳብን ሪኢቶን ምኽባር ገዲፍና ኣቐዲምና ምፍራድን ምጥቃንን እንተኮይኑ ስራሕና፣ . . . . . . . . . . . . . ኮታስ ኣፍን ተግባርን እንትፈላለ ዓዲ ኣበይ እዩ ዓዳ? ህዝቢከ ኣበይ ዓዱ? ሰብ ከ መን እዩ ወሓሱ? እቲ ኣፍናን ተግባርናን እንትወሃድ ኣይኮንን ድዩ? ምእንተ ኣዚና ነቲ ምህርቲ ውፅኢት ነዊሕ ቃልሲ ክንሓፍሶን ዓወታት ግንቦት ዕስራ ብኣግባቡ ክዕቀቡን ወያነና እንተተካኢሉ ብፅቡቕ ይነደቕ፣ እንተዘይተካኢሉ ይኳነ፤ ሕማቕ ግን ኣይብፅሓዮ፤ ብኣውራኡ ከዓ ኣፍን ተግባርን ይዋደዱ።

******

Wurayna Magazine

more recommended stories