(ማቲዎስ የማነ)

ሰባት ንዝተፈጠሩሉ ፣ ዝነበሩሉ ብፅቡቕ መልክዑ ዘስተማቅርዎ ኢሉ ዉን ብታሪኽ ጥራሕ ዉን ተኾነ ንዝፈልጥዎ ዘመን ክፈትዉን ከፍቅሩን ዉልቃዊ መሰሎም ዋላ ኳ ተኾነ ኣብ ከምዚ ዝበለ ከይዲ ግና ብድፍኑ ክኸዉን ኣይግባእን ይብል። ዘመናት ንናይ ባዕሎም ኣሉታዉን ኣወንታዉን ጉንታት ብዝተብሃለሉ ክልተ ዘይራኸቡ ጫፋት ተላዕጢጦም ይሓልፉ። በዚ መሰረት ዉን ዘመን ምስ ምስ ዘመን ምዉድዳር ይጅምር። ሓደ ካብቲ ሓደ ዝበልፀሉን ዝኸፍኣሉን ነጥብታት ብምዝርዛር ብተነፃፃሪ እቲ ዝኸፍአን ዝሓሸን ተባሂሎም ኩሉ ግዜ ብኣና ብደቂ -ሰባት መመደቦም እናሓዙ ምምፅኦም ይፍለጥ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ክፍፍል ዘመናት ኩሎም ሰባት ኣብ ሓደ መርገፂ ክበፅሑ ዮም። ኢልካ ምሕሳብ ባዕሉ ዘይሕሰብ ምኳኑ ብጋህዲ እዞም ኣብዚ ዘመን ንነብር ሰባትን ባዕሉ እዚ ዘመንን ናይ ዓይኒ ምስክራት ዮም።

ንምኳኑ ግና ብልጫን ግድፈትን ዘመናት ንምግምጋም እንጥቀመሎም መለክዒታት እንታይ ዮም። ካብዙ ሓሊፉ ዉን ዘመን ካብ ዘመን ይሓይሽ ወይ ይኸፍእ ኢልካ ንምቅማጡ ክልላዊ፣ ሃገራዊ፣ ኢሉ ዉን ዓለም ለኻዊ ናብ ድምደመ ዘብፅሑ ኩሉ ዝቅበሎም መንገድታት በዓል መን ኮን ይኮኑ? እዚኦም ከምዚኦም ዝኣምሰሉ ሕቶታት ኣልዒልካ መልሲ ምርካብ ህርድግ ምባል ዘይተርፍ ዝገበሮ ነገር ተሃለወ ኣብዚ ግዜ ዝተፈላለዩ ናይ እኽልን ክርዳድን ሓንፈፅ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባታት ምዕዛብና ስለዘይተረፈ ዩ።

ብሕፅር ዝበለ ቋንቋ ሓደ ዘመን ካብቲ ካልእ ዝሓሸ (ዝኸፍአ) ዩ ንምባል ናይቲ እንነብረሉ ዘመን ሓፈሻዊ ኣተሓሳስባታት ምዕዛብና ስለዘይተርፍ ዩ። ንምባል ናይቲ እንነብረሉ ዘመን ሓፈሻዊ ኣተሓሳስባ ማለት ፖለቲካዊ ፣ ማሕበራዊ፣ኢኮነምያዊ ሃይማኖታዊ ፣ ባህላዉን ካልኦት ዘይተዘርዘሩ ዓለምለኻዊ ኣተሓሳስባ ዝዉሰን ይኸዉን ብተወሳኺ ካብ ወገናዉነት ዝረሓቐ ፅሩይ ኣመለኻከታ ዜጋታትን ምክንያታውነትን ምሰዞም ኣተሓሳስባታት ወጊኖም ገዛእቲ እንትኮኑ ብዘየማትእ ቋንቋ እቲ መዕልቦ ነጥቢ ርሑቅ ኣይከዉንን ከምቲ ወላዲ “ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ፀሎቶም” ዝብልዎ።

እዞም ዓለም ለኻዊ ኣተሓሰስባታትን ዉልቃዊ ኣመለኻኽታ ዜጋታትን እቲ ዝኽተልዎ ቅዲ ጉዕዞ ሂወት ሓደ ንሰሜን እቲ ካልኣይ ንደቡብ ምስዝኸዉን ነቲ ሓቂ መሚኻ ንምእላሽ ካብ ምፅዓሩ “ኣብዚ እኒሀ ዓብይ ፀገም” ኢልካ ምዕራፍ ዩ እቲ ዝምረፅ።

ስለዚ ኣብ ከይዲ ንፅፅር ዘመናት እዞም ልዕል ክብል ዝገለፅክዎም ዓንድታት ክርስዑ የብሎምን ማለት እቲ ዝስፍሐ ክፋል ሕብረተሰብ ምኻኑ ኣየጠራጥርን።

ኣብ ጥንታዊ ዘመን ዝነበረ ኩሎም ክስተታት ካብ ሃይማኖታዊ መልዓሊታት ጥራሕ ብምብጋስ ዝርኦም ዝነበረ ፈላስፋ ቀሺ ቶማስ ኣኩናዕ “ሓደ ምምሕዳር ወይ ዉን ዘመን ዝበለፅ ዝበሃል ዜጋታትን መንግስትን ብሓደ ላዕለዋይ ኣካል ጥራሕ እንትዝወሩ ዩ” ኢሉ ነይሩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ኣብቲ ዘመን ንዝነበሮ ተቐባልነት ዋላ ኳ ተዘይፈለጥኩ ኣብዚ ግዜ ግና ኣይኮነን ተቐባልነት ክህልዎ ናብቲ ተቐባልነት ዝበሃል ኣምር ዉን ዝፅጋዕ ኣይመስለንን። ኣብዚ ናይዚ ፈላስፋ ኣበሃህላ ከም ፀገም ክለዓሉ ዝኸእሉ ነጥብታት እቲ ሓደ ዝለዓለሉ ነጥቢ ( forme of reference ) ሃይማኖታዊ ጥራሕ ምዃኑ እነትኾን እቲ ካልእ ድኽመቱ ዉን ሂወት ኩሎም ዜጋታት ብሃይማኖታዊ እምነት ጥራሕ ዝተቓነየ ጌርካ ብምቁፃር ንብርክት ዝበሉ ( dimensions ) ሂወት ምዝንግዑ እዩ ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ጥንቲ ኮነ ዘመናዊ እዋናት ከምዚኦም ዝበሉ ኣተሓሳሳባታት ከም ዝነብሩ ይግመት፤ ንሶም ዋኒኖም ምስ ታሪኽ ዮም ንታሪኽ ንሓድጎም። ንዕኦም ሓዲግና ድማ ናብዚ ዘመናዊ ዘመን ሓቢርና ንፀጋዕ። ኢሉ ዉን ምስ ሕጊ ተፈጥሮ ዝጠዓዓሙን ንኹሉ ብልክዕ ማዕረን ዝገዝኡ ሕግታት ተፈጥሮ ዝወልዶም መመዘኒታት ካብ ኩሉ ኩርናዓት ሂወት ንምዘዝ። ኣተሓሳሳባና ነፅሪ። መወዳእታና ኣብቲ ትኽክለኛን ፍትሓዉን ሓቂ ምዃኑ ስለዘይቐሪ።

ኣብዚ ሚዛን ሰቂልና ነዚ እንነብረሉ ዘመን ብኣንፃር ሕሉፋት ዘመናት ንለክዓዮ። ብተወሳኺ ነተን ክልተ መልሓስ ኣብ ሓደ ርእሲ ዝመምርሒአንን ዘመናዊ ኣተሓሳስባ ዝተበላሰን መልሓሳት ኣብ ዝተፈላለዩ ብርኪ ኮነ ሞያ ዝርከቡ ዜጋታት ፈሊና ብምልላይ እተን ከእረማ ዝግበአን ንፅባሕ ከይተፀበና በቲ ዝግባእ መንገዲ ኣፈን ንምትሓዝ ነተን ዝምጎሳ ድማ የዒስ ንምባል መታን ክጥዕም።

ሓደ መንገስቲ ፍፁም ክኾን ምፅባይ ዕሽነት ካብ ምዃን ኣይዘለልን። ከመይሲ መንግስቲ ዝመርሑ ኣካላት ከምዚ ናትና ባህሪ ዝተላበሱ ዘይመለከታዉያን ናይ ሰባት እኩባት ዮም።

ድሕሪ ዉድቀት ደርጊ ዘሎ ዘመን እንትምርመር ብኩሉ መዳያቱ ማለት ዲሞክራስያዊ ፣ ሰብኣዊ መሰላት ሓዊሱ ዳርጋ ንሙሉኦም እቶም ንምዝርዛሮም ዘፀግሙ ጎንታት ሂወት ዜጋታት ካብቶም ዝሓለፉ ዘመናት ኩሎም ዝሓሸ ጥራሕ ዘኮነስ ምስ ጉድለታቱ እቲ ዝበለፀ ዉን እንተገሊፅዎ ዩ። ናይ ብሄርን ቋንቋን ዕብላላ ዘትረፈ፣ ሰባት ከምልቦም ከይተሰከፉ ደረቶም ነፊሖም ዝንቀሳቀሱሉ ኩነታት ዝፈጠረ፣ ኩሉ ብዘይኣድልዎ ናይ ምምሃር ዕድል ዝረኽበላ ዓዲ ዝወለደ፣ ማዕርነት ሃይማኖታት ዝኣወጀ፣ ላዕለዋይነት ሕጊ ዘንገሰ—- መንግስቲ እዚ ናይ ሐዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራሕ ምካኑ ኩልና እንተፈለጥናኳ ገለ እናፈለጡ ዘፅቅጡ ግና ኣይተስኣኑን።

ማዕርነት ቅንቋን ብሄር ብሄረሰባትን ዘይወሓጠሎም እዞም ዘርኢ ክርዳድ ናይዛ ሃገር መዉቅዒ በትሪ ናይዚ ቅዱስ ሓሳብ እንተኮኖም ብምባል ኣብ ክንዲ ቋንቋን ማዕርነት ብሄራትን መሰል ዉልቀ ሰባት ዘይኽበረላ ሃገር ናይ ወትሩ ዝተዓጠቅዎ ጭርሕኦም ኮይኑ ይርከብ።

መሰል ዉልቀ ሰባትን ጉጅለታት ዘይተነፃፀሉ ምካኖም ስለዘይርድኦም ዘይኮነስ ብጉልባብ እዛ ጭርሖ ናይ ዜጋታት መሰል ተቆርቆርቲ ንምምሳል ኢሉ ዉን ብስም መሰል ዉልቀ ሰባት በዚ ረሳሕ ዘይተገረዘ መልሓሶምን ጉላእ ብርዖምን ስብእና ሰባትን ጉጅለታትን ይሁዳ ፣ መንሸሮ፣ ፀቢብ እናበሉ እቲ ናይ ባዕሎም ትክክለኛ ባህሪ ንኻልእ ኣካል ብግልባጡ ንምልባስ እዩ።

ፀሎቶም ብቀዳሙ ነቲ ናይ ትማሊ ድሑር ዕብለላ ሓደ ኣካል ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝተረፉ ዝምመርሕኡ ኢፍትሓዊ መንግስቲ (ስርዓት) መቃብር ፈንፂሑ (ንሶም ብዝኸፍትዎ ኣፍ መቃብር) ሂወት ዘሪኡ ምርኣይ ዮም ነዚ ዘመን ኣይኮነን ዝኸፍአ “ዘመነ ሸ” ክብልዎ ዉን ዘይንፅበዮ ኣይኮነን።

እዞም ሽሙማት ሕዱር ሕማም ናፍቆት ትማሊ ብመሰረቱ ነቶም ናይ ትማልን ብቅድሚ ትማልን መንግስታት ምምፅእ ካብ ልቦም ዝምነዮ በዓል መን ምዃኖም ንማንም ዝተሓብአ ጉዳይ ኣይኸዉንን። ደም ዜጋታት እንትፈሰሰ ዘይግዶም፣ ብዝበዛ ዜጋታት ዘይስቆሮም በዓል መን ግዳ ክኮኑ ንሶም መስቃ ናይቲ ሕሉፍ በደል ዘዕነንዮም ሓደ ወይ ዉን ናታቶም ተረፍ መረፍ ምካኖም ዩ ምበር።

ናይ ሓደ ሕማም ምልክታት ብርክት ዝበሉ ክኾኑ ይኽእሉ ዮም። ናይዞም ሕሙማት “ትማሊ ግርም” ዉን ብተመሳሳሊ ብዙሕ ዩ ቁፅሩን ዓይነቱን ካብዚኣቶም ሓደ ነቲ ዘዉደስዎ ሕሉፍ ስርዓት ዝገልፅ በዓል ኣይወዓሎን ካብ ምባል ሓሊፎም ከምዚ ዓይነት በደል ኣብዚ ዘመን ኣይነበረን ንምባል ሃጠዉቀጠዉ ከም ምክንያታት ኢሎም የቅርቡ ካብዞም ኣወራታት ናይዚ ሕማም ግደይ ዝኮነ መስፍን ወልደማርያም ኣብ ፍክት ዝተብሃለ መፅሄት “ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ፈዉዳሊዝም ዝበሃል ስርዓተ ማሕበር ተራእዩ ኣይፈልጥን” ክብል ዝፀሓፎ ሓደ ናይዚ ምልክት ኣብነት ጌርካ ምዉሳድ ይከኣል።

2ይ ክፋል

ብካልእ መዳይ ካብ ዘንፀባርቅዎም ባህርታት ነቲ ሕማም ገፅታ ናይቲ ንሶም ልዕሊ ፈጣሪ ዘምልክዎ ዘመን ነቲ ካልእ ዘይምልከቶ ዘመን ስክፍ ከይበሎም ከሽክምዎ ዘይተሓለለ ፃዕርን ምትላላትን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ንምስራፅ ኢሉ ዉን በቲ ዝተረኸቦ ሰላም ንምዝራግ ወርትግ ደኺሙና ከይበሉ ኣብ ዘይጠቅም ሓሸዉየ ምዉዓሎም ዩ ። ንጉስ ምበር ናይ ግዜን ሃዋህዉ ለዉጢ ከምዘየለ ብመልክዕ ደርፊ ዝስብኩና ፣ ትግራዋይ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ሃገር በታ ናይ ኩሉ ግዜ ዝግዕሩ ናይ ታሪኽ ለቅለቅቲ ( ሊቃዉንቲ ኣይበልኩን!) ታሪኽ ዓወት ዓድዋ ኣንፃር ወረርቲ ብዉሕልነት ሓደ ሰብ ጥራሕ ዝተመዝገበ ድሙቕ ዓወት…. ዝምድሩ ድኹማት ኣብዚ ተመዳብናዮም ዘተዓዛዝብ ኣይኸዉንን።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዓድና ኮነ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ታሪኽ እንተሰ ብሕልሚ ሃተፍተፍ ክብሉ ደወሉ ናብ እዝኖም ኣቃሊሑ ወይ ዉን ዓይኒ ጤል በሊዖም ብትዕቢት “ልዕለና ታሪኽ መንግዳ ካይቀርባ” ሓቂ ኮነ ሓሰት መን ዝመሚ ረእሲ ምስ ዓደሎም ካብ ዝብል እምነቶም ኣይ ግልፂ ገይሮም ልቢወለድ ከይብሉና ብፅሑፍ ኮነ ኣፍ ሐቀኛ ታሪኽ ሓደ ዘመን እዚ ዩ። እናበሉ ብዕራይ ወለደ የርድኡና ኣለዉ።

ደቀ መዛሙር ናይዚ ክፍሊ ምህዘኦም ብክልተ መልክዕ ዮም ዘቅርቡልና። ረሳሕ ፈጠረኦም ነቲ ብዝተፈላለዩ ዘርሕቅዎ እነትሽልሙ ፀፅቡቅ ድማ ቀረባይ፣ ናተይ ንዝብልዎ ዘመንን ሰብን ይኸዉን። ጉድለት ጥዕና ዘለዎ ኣተሓሳስባ ስቃዮም ዘብዘሖ እዞም ሕሙማት ነይሩ አእምሮ ገለ ኣጋጣሚ ነገራት ብነፃፀሩ እንተትዕዘብ ኣብ ልዕሊኡ ሰማይ ጠቀስ መዓርግ ምሽካሞም እነተትርኢ እቲ ፈለማ ናብ ርእስካ ዝመፅእ ጉዳይ ዶክተር ፣ ፕሮፌሰር ብኩምራ ሓሰር ( ንኩሉ ኣይምልከትን)

ተተኪኡ ሽክሞም ቀሊሉሎም እቲ ዘዕበድብዶም መፀዉዒ ተቐንጢጡ ሸኽሚ ርእሶም ፍኹስ ምስ በለሎም ንእሽተይ ቅንዕ ኢሎም ምሕሳብ ዉን ምጅማሩ ዝብል ይኸዉን ዕድመ ናይዚ ዘመንና ስርዓት ንምሕፃር እከለ ዝተብሃልካ ፓርቲ ብሄር ምስ እከለ ሕበር ትብል ቀጣን ተእዛዝ ብምዉራድ ዘይትን ማይን ዉህደት ንኽፈጥሩ ዝፅዕሩ ዝፅዕሩን ኣብ ላዕሊ ዘይትን ማይን ንምንታይ ሓደ ሳልሳይ ዉፁእ ዉህድ ዘይፈጠርኩም። ዝነብሑ ግንዛቤ ውህደት ነገራት ዝጎደሎም ሰባት ዮም እምበር ዶክተር ፕሮፌሰር እናተብሃሉ ዝፅዉዑ ዘለዉ። ስለ ከምዚ ዝበለ ሓድነት ዝዝምሩ ሓደ ኮይኖም ክሪኡ ብቀፃሊ ስለዝበሃሉ ዘይኮነስ ነቲ ናይ ትማሊ ዝበስበሰ ስርዓት ንምምላስ ከም መማረፂ መንገዲ ቀይሶም ምምካሩ ገለ ኣይብልን ካብ ዝብል ናይ የዋሃት ግምት ኣብ ቤተ- ፈተነ ሕዱር ሕማም ናፍቆት ትማሊ ዩ።

ምስ ሚዛናዊ ፍርዲ ዘይፈለጡ እዞም ሰባት ኮነይ ኢልካ ዝተዛበዐ ምስሊ ኣብ ዜጋታት ምፍጣር እቲ ካልእ ግናይ መንገዲ ጉዕዞ ሂወቶም ዩ። እስክንድር ነጋን መሰላቱን ብዓይኖም ዘይትክኡ ሓርበኛታት ነፃነት እንትኮኑ በዓል ማንዴላ ግና ሽቶኦም ዘይወቅዑ ተንበርከኽቲ ዮም። ብግልፂ ዉን አንደበቶም ካብ ኣደባባይ ከምዚ ክትብል ሰሚዕና ኢና።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ንዝግበር ንፅፅረ ዉን እታ ዘንባል ሚዛኖም ካብዚ ዝዓይነቱ ዝንባለ ዝረሓቐት ኣይትኸዉንን።

ዝገርም ዕሸል ክበሃል ዘይግበኦ ብጣዕሚ መሰከፋይ ነጥቢ ግብሪ ናይዞም ሕማማት ድማ እስኪ ንምዘዝ። ታሪኽ ተጋሩ ናይ ወተቐት ታሪኽ ከምቲ ናይ ጀጋኑና ዝብልዎም ዘይኮነስ ብግብሪ ተፈቲኑ በቶም ዓይንና ዓሚትና ኣለና ዛይንርእን ዝብሉ ዕሙታት ከይተረፈ ዝርአን ብዙሕ ረብሓ ዘለዎን ታሪኽ ምካኑ ብዕሊ ይፍለጥ።

ንሶም ግና ነዚ ዓብይ መስተንክራዊ ቅያ ዘነኣኣሱ እናመሰሎም ብመክሓስን ብርዕን ኣበ ምፅላሙ ይርከቡ። ካብዙ ሓሊፉ ዉን ብደም ዝተፃሓፈ ምካኑ ረሲዖም ብሽም ሓሳብካ ናይ ምግላፅ ነፃነት ዜጋታት ክድምስሶዎ ኣይፅልኡን። ብደም በእርሳስብ ዝተፅሻፉ ታሩኽ ምፍላይ ዉን ኣይከኣሉን።

ምስ እዚ ነጥቢ ተእሳሲሩ ዝለዓል ሓሳብ ኣብዛ ሃገር ሓደ ብሄር ጥራሕ ዝነብረላ ዓዲ ክሳዕ እትመስል ኣብ ዝተፈላለዩ መነስግታዊ ኮነ ናየ ዉልቀ ዓዉደ ስራሐ ዝርከቡ ተጋሩ እናልዓሉ ዘይናሃቶም ታሪኽ እንትዕድልዎም ርኢካ መሰል እዞም ሰባት ክሳዕ ሰማይ ገደብ ኣልቦ ዝረሓቐ ምካኑ ትግረም። ኣብዚ ናይ ዉልቀ ሰባት ወፍሪ ጠቐነ ዝተካተቱ ሰባት ኩሎም ካብ ሓደ ብሄር ንጨና ኳ ካልኦት ዘይትኽበሉ ወፍሪ ስተራተጅያዊ ኢሎም ዝተሰምዎ ትልሚ መኩዓቲ መቃብር ትማሊ ንዕኦም መሰልዎም ምበር ኣይኮነን ኣርሒቁ ዝተቐረበ ከይሲ ሓንቲ ናይ ካብልስቶም እምኒ ዉን ዘየትፍንቀል ስተራቴጂ ጎሓሉ ምካና መን ምስ ነገሮም።

ብሓፈሹ እዞም ጉጅለ ሕሳር መሳር ዝህቅንዎ በዚ በለ በቲ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ሰላማ ተሓልዩ ፣ ኣብ መንገዲ ዕቤትን ስልጣን ገዕጊስ ድኽነት ነበረ ክትገብር ዘይኮነስ ካብቲ ሒዛቶ ዘላ መንገዲ እግሊዛ ናብ ዝጋደደ ዓዘቕቲ ድሕረት ኣብ ምስትኽካልን ንፈትሓልካን ፣ ተዘይመራሕናካ እናበሉ ዝፍክሩ ፃምእ ህርፈት ስልጣኖም ንምርዋይ ምበር ዓቅሚ ናይ ምምራሕ እዛ ዓበይ ሃገር ሃይልዎም ኣይኮነን ኢህኣዲግ ካብ መሪሕነት ይዉረድ።

ዝመሓየሽ ኣመይሹ ኣመሓይሹ ይቐፅል ዝበልክዎ ኣሞር ኣይትስርሕን በቃ ይወረድ እናጨደሩ ዓንና ከንቁሩና ዝብሉ ዘለዉ ሃገርን ለዉጥን ከምዘደይምልቶም ዩ።

ካብ ዉልቃዊ ረብሓኦም ዘሊሎም ንዕቤት ለዉጥን ዓዲ ብሓቂ ተቆርቲ ተዝኮኑ ነገሮም ነቲ ዘሎ ስርዓት ኣብ ምትብብዑን ምስትኽኣሉን

ምስርሑ ምበር ንምፍራሑ ማይ እናሓቆኑ ኣይምሃዉተቱን እቲ ሓቂ ግና ድሑር ስርዓተ ትማሊ ብዉክልናኦም ንመሪሕነት በቂዑ ናይ ሃገር ጉዳይ ከየዳግሶም ቁፅርታት እናገበጡ ንግስናኦም ዓመት መፀ ብሕንባሻን ኬካትን ቆረሳ ኣፀንቢሎም ንምኽባር ስልጣን ሀዝቢ በስዕተ ጉልቲ ምግባትን ዩ ። እዚኣን እዚአን ጥራሕ ያ። እታ ናይ መወዳእታ ዓለመኦም ። ደርሆስያ ተሓለመት ዛ ጥርኣ ዶ በሉ!!

——

Wurayna Magazine

more recommended stories