ለለ ከፅውዩና እዮም – ስቕታና ንዘጀገኖም ፈራሓት

(ዳንኤል ኣስመላሽ)

ኢትዮጵያ ማእሰርቲ ዘጀግነላ ሃገር እናኾነት እያ፤ ካብ ሃይለስላሰ ጀሚሩ መማኽርቲ መንግስቱ ዝነበረን ባዕሉ መንግስቱ ኣጋግይኒ ኢሉ ዝመስከረሉን ናይዚ ዘበን ፅሉል ፕሮፌሰር መስፍን ወልደማርያምን ታዲዮስ ታንቱን ጀሚሩ ክሳብ እቲ ሎሚ ብምርቃና ዝፈልጦን ዘይፈልጦን እናሓዋወሰ ሃጠውቀጠው ዝብል ዘሎ ተመስገን ደሳለኝ ሳላ ዝተኣሰሩ ዝጀገኑላ ሃገር እያ ኢትዮጵያ።

ሳኣን ዓሚቕ ፍልጠቱ ወይ ወንጃዕ ኢሉዎ፤ ንጀግንነትን መስዋእትን መናእሰይን ዋዕሮታትን ትግራይ ዘናኣሰ (የልጅ ብላቴና ቴዲ ኣፍሮ) ስለዝደረፈ ተባሂሉ ኣይተተሓዘን ግና ዝንፅሕ ኢሉ ብዝተጠርጠሮ ሰብ ብመኪና ቀቲልካ ምህዳም ምስተኣሰረ ወያነ ቂም ቋፂራ ኣመኽኒያ ኣሲራቶ ተባሂሉ ሳላ ዝተኣሰረ ጀጊኑ ዳግማይ ቴድሮስ ተባሂሉ እዩ።

ብርቱኳን ሚደቅሳ ሳላ ዝተኣሰረት፣ ልዕሊ እተን ኣፈሙዝ ብረት ሒዘን ሓሞት ፀላኢ ዘፍሰሳን ቁምቡላ ተሸኪመን፤ ቡንቧ ረጊፀን ድፋዕ ሰይረን ንደርጊ ዝሰዓራን ዋዕሮታትና ሽምን ክብርን ተዋሂብዋ ጀጊና እያ።

እዞም ገሊኦም ብጉንበት ሸውዓተ ገሊኦም ብሽብር ተጠርጢሮም ቃልቲ ዝወረዱ ኾነ፣ እኒ እንግሊዛውያን ብኣይርሽ፣ኣዕራብ ብኣይሁድ፣ቱርካውያን ብኩርዲ ክምርሑከምዘይብሎም፤ ኢትዮጵያ’ውን ብተጋሩ(ትግራዋይ ዝመርሖ) ቃልሲ ክትገዝኣ የብላን ብሃልቲ እኒ ፕሮፌሰር ጌታቸው (የትግራይ ህዝብና የትምክህተኞች ሲራ መፅሓፍ ብገብረኪዳን ደስታ) ንምንታይ ጀጊኖም?

ብኸመይ እዞም ኣብ ጥቐኦም እንተሀንጠስካ ኣብ ስረኦም ብደዎም ዝሞልቆም ስቕታና ዘጀገኖም ፈራሓት ልዕሊ እቲ ሚሽጢር ህዝበይን ወድበይን ኣሕሊፈ ኣይህብን ኢሉ መልሓሱ ብጠርሙስ ዝቖረፀ ክንደያ ተኽለ፣ ቐሺ ገብሩን ኣምራን፤ ኣብ ናሕሲ ጀግንነት ተሰቒሎም ቀትርን ለይትን ይውደሱን ይነኣዱን ኣለዉ?

ትማሊ መስፍናዊ ስርዓት ብዘሕደረሉ ፅልዋ የተከበሩ አቶ ቡልቻ ዝብል ሽሙ ክሳብ ምቕያር በፂሑ ከምዝነበረ ብልሳኑ(ንጋዜጣ ኣዲስ ኣድማስ)ዝመስከረ ሎሚ ሳላ እቲ መተካእታ ዘይርከቦን ኣብ መዋእል ስሕት ኢልካ ዘጋጥም መስተንክራዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተረኸበ ለውጢ ቤት ምኽሪ ኣትዩ ብሽሙ ተፀዊዑ መንነቱ ዘኽበረ የተከበሩ አቶ ቡልቻ፣ መራራ ኾነ ጉደና(ለውጢ የብሉን) ብኸመይ ነዞም መርቂኖም ህዝቢ ትግራይ ዝፃረፉ ክውድሱ ብርዖም ይነፅፍ ኣሎ?

እታ መልሲ ሓንቲ እያ፤ ህዝቢ ትግራይን ቃልሱን ዘበገሶ መሪሕነት፣ ኣብዛ ሃገር ዘምፀኦ ለውጢ ብዝኾነ መዐቀኒ ተቐባልነት የብሉን። ካብ’ቲ በቲ ዝምዝገብ ዘሎ ምዕባለ(ምስ ጉድለታቱ) ንህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡን ኣፍልጦ ምሃብ ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር ከይለመዐት፣ እታ “ጨናዊት” ዝነበረት ኣዲስ ኣበባ ድማ ምስ ርስሓታ ክትነብር ይመርፁ።አረ ገሊኦምስ እቲ መንጌ ዝቕጥቅጦም ዝነበረ በትሪ ዝናፍቑ’ውን ኣለዉ።

ኣብ ሃገርና ንፍቓድ ነፃ ፕሬስ ስዒበን ዝተፈጠራ፤ (እተን ሕሉዋት ኮና ጥፍኣት) ጋዜጣታታትን መፅሄትን ብፍላይ እተን ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝሕተማ ቀንዲ ዕማመን እንተኺኢለን ምጥፋእ እንተዘየለ ምድኻም ባህሊ፣ ታሪኽ፣ ጀግንነትን መንነትን ህዝቢ ትግራይ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕ ውድቡ ተቓሊሱን ኣቃሊሱን ዝፈጠሮ ነፃነትን ማዕርነትን ተጠቒመን ኣብ ልዕሊኡ እንትዘምታ ብጩቕ ዝበለ የለን።

እተን ንቓልሲ፣ መንነቱን ታሪኺን ህዝቢ ትግራይ ከገልግላን ከም ብሌን ዓይኒ ክሕብሕባን ተባሂለን ዝተጣየሻ ሚድያታት ክልልና ኾና ልሳናት ውድብ ነዚ ቀንዲ ውራየን ገይረን ክሰርሓ ኣይረኣናን። (ገለ ገሊአን ኣብ ከምዚ ዝበለ በለካ ለኽዐካ ኣይንውዕልን፤ ውራይና ልምዓትን ህዝቢ ካብ ድኽነት ምውፃእን እዩ፤ ዝብሉ ዘየእምን ዘረባ ዘስምዑ ዝመርሕወን እየን) ህዝቢ ትግራይ ትማሊ ዘይተፀረፈ፤ እኳ ድኣ ነቶም ዝፅረፉ ሓራ ዘውፀአ፤ ትማሊ ዘይተዋረደ፤ ሎሚ ከመይ? በቶም ኣቦ ሓጎኦም መንግስቱ ተጓሒፉ ስለዝተደርበየ ዝሓረቑ ረሳሓት ዘኵርዕ ታሪኹን መንነቱን ሕመት ይልከ? ብስሩኸ ዝሰራሕኻዮ ታሪኽ እናተደየነ፤ ልምዓት፣ መሪሕነትካን ክብርኻን እናተወሰደ፤ ቃልስኻ ብፈሊጦም ፀየቕቲ እናተበላሸወ ዶ ፅጋብ ኣሎ እዩ? ብሱሩኸ ኣብዛ ሃገር ዘለካ ብፅሒት ክጠፍእ፣ መንነትካ ክሃስስ ብዝደልዩ ፈሊጦም ፀየቕቲ እናተዘመትካ ነዚ ግቡእ ምላሽ ዘይምሃብ ከ ናይ ጥዕና ዲዩ?

በይዛኹም ከም ቆልዓ ኣባ ኪሮስ ፍርቁ ልፃይ ኣይትግበሩና!ኣንቱም ካብዚ ህዝቢ ዝወፃእኹምን ብቓልሱን መስዋእቲ ደቁ ኣብ ኮረቻ ስልጣን ዘለኹምን ቅኑዓት መገልገልቲ ኾንኩም ተበለፅቲ ቀዳምነት ክውሃቦ ዝግባእ ነቲ ፀይሩኩም ዘሎ ህዝቢ ምኽባር እዩ።

ተጣበቕቲ መንነቱ፣ ታሪኹን ባህሉን ክትኮኑ ይግባእ፤ ክተኽብርዋ ይግባእ፤ ህዝቢ ትግራይ ክቡር እዩ፤ ዓለም ከም ፊልሚ ክሰርሖ ወይ ከም ልቢ-ወለድ ክፅሕፎ ዘፀገመሉ ቅያ ዝሰርሐ፣ ቅድሚ ዝሃገረ ዝሰልጠነ፤ ዝቐደመ ታሪክ ዘለዎ ህዝቢ እዩ፤ ህዝቢ ትግራይ።

“ባዓል ዋንኡያ ዝነዓቖስ” ከምዝብሃል ሎሚ ኣብ ገለ ገለ ኣብያተ ፅሕፈትን ቢሮታትን (ወረዳ ኾነ ዞባ) ብሓላፍነት ዝተቐመጡ ውልቀ ሰባት፣ ነቲ ዝመርሕዎ ዘለዉ ህዝቢ ዝፈልጥዎ ኣይመስልን። ሓደ ፀካኽ ጉሒላ ኣብ ልዕሊ እታ ኣደን ኣቦን ዘላግፀሉ፤ ኣነ እየ ዝፈልጠካ ኢሉ ንዝውሃቦ ሓሳብ ዝነፅገሉ፤ እቲ ግድድ ዝበለ ድማ ተዳፊርካኒ ኢሉ ዝፀረፈሉን ዘንከላብተሉን ንዕዘብ ኣለና።

እዚኦም ልዕሊ እቶም ኣብ ልዕሊ ክብርናን መንነትናን ዝተልዓሉ ስቕታና ዘጀገኖም ፈራሓት ፀየቕቲዝገደዱ እዮም።

ኣብ ውሽጥና ኾይኖም ውሻጠና ዘጥፉኡ፤ ክብሪ ህዝብና ተንኪፎም ሓድነትና ዘላሕልሑ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጉዳይ ሃገሩን ክልሉን እንታይ’ከ ገደሰኒ ኢሉ ገፁ ክመልስ፣ተስፋ ክቐብፅ ዝገብሩ “ናይቶም ኣብ ማእኸል ሃገር ዘለዉ ‘የአጥቢያ ኮከብ’ ጀጋኑ መገልገልቲ” እዮም ዝመስሉ።

እምበር ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎስ ነዚ ኩሉ ነገሩ ኣወፊዩ ፀሓይ ዘብረቐ ህዝቢ፣ ኣይኮነን ብገንዘቡን ጉልበቱን ገፅካ ፀዊግካን ተዓቢኻን ክትመርሖ፤ ብብላሽ ተንበርኪካ እንተገልገልካዮ እኳስ ከሐብን ምተገበኦ። ግና ናይዚ ዘመን ተቓለስቲ (ገሊኦም) ብሽም ውድብን መንግስትን እናመሓሉ ዝጉሕሉ፤ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ተቓለስትን መራሕትን ዘይወዓልዎን ዘይሰርሕዎንሓሲዮም እምነት ከትርፉ ዝፅዕሩ ቀጠፍቲ ይኾኑ ኣለዉ። እቶም እኒኣምኖም፣ እንምክሓሎምን ተጋደልትን መራሕትን’ውን (ገሊኦም) እዛ ከምዚኣ ዝበለት ሕሽክርናን ሸበድበድን ዝፈተውዋ እዮም ዝመስሉ።

ምኽንያቱ ኣብ ስርሖም ወይከ ዘቕበፁ፤ ብምኽኒት ኣኼባን ገምጋምን ካብ ስራሕ በኺሮም፣ ኣብ ውልቀ ጣጥኦም እናወዓሉ ህዝቢ ብኣንፀርፅሮት ኣብ ልዕሊ መንግስቱን ውድቡን እምነት ክስእን ዝገበሩ ግን ድማ ብሕሶት ፀብፃቦምን ብውሓለ መልሓሶምን ተኸዊሎም ቅድሚት ዝውጠጡ ንርኢ ስለዘለና።

ህዝቢ ኣኼባ ፀዊዖም፣ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር፣ ግዕዝይና፣ ግልጋሎት፣ ፍትሒ፣ ወዘተ… ንዘልዕሎ ሕቶ ምላሽ እንትስእኑ፣ መን ዝለኣኾ እዩ? ፀረ-ልምዓትና፣ ፀረ-ህዳሰና እዩ፤ እናበሉ ናይተን ኣይኮነን ዶ ንሰብ ክተርፋ ንዓርሰን’ኳ ኣብ መንገዲ ዝፅልምተን ገለ ተቓወምቲ ውድባተ ታርጋ ይልጥፉሉ። እቲ ዓቃል ህዝቢ ድማ ነቲ ኣመፃፅኣን ዝተኸፈለ መስዋእትን ቀዳምነት ሂቡ ኩሉ ፀይሩ “ለለ ከፅውዩና እዮም”፤ ይብል ኣሎ።

ስለዚ እዚኦም’ውን ስቕታና ዘጀገኖም ፈራሓት ውሻጠና እዮም። ብልሒ ገምጋም ውድብን ህዝብን ኣጉቲሞም ጀግንነትናን ሓይልናን ኣሕዲጎም ክዕንድሩልና ዝደልዩ።

እዚኦም’ውን ከምቶም ናይዚ ዘመን ፅሉላት መስፍን ወልደማርያምን ተመስገን ደሳለኝንብዋዕዋዕታ ብርዒ ታሪኽናን መንነትናን ከሕድጉና ዝፅዕሩ ዘለው፣እቶም ቁርዲድ ውሻጠና ተሓለቕቲ ዝመስሉ ሓምዞቕቲ እውን ኣብ መንጎ ህዝብን ውድብን ኮይኖም ንኽልቲኡ ዘየራኽብ ግና ነዐኦም ጥራሕ ዘገልግል ድልድል ሰሪሖም ወነና ክምንጥሉ ድቃስዝሰኣኑን ሓደእዮም። ክልቲኦም ስቕታና ዘጀገኖም ፈራሓት! ፍረ ቓልሲ ለካቲት!

ሰላም

***********

Wurayna Magazine

more recommended stories