1977ዓም ንህዝቢ ትግራይን ንህወሓትን ፈታኒ ዝነበረ ክፉእ ዘመን ኢዩ ¨ዋይ ዛዘመን እዚኣየ ሓሊፋ ተትርኢስ መሐሸኒ ድኣየ¨ ተባሂሉ ብዜማ ዝተገለፀሉ ወራር ደርግ፤ ድርቅን ክሕደት ሻዕብያን ብሓደ ግዜ ዝተፈጠረሉ ከቢድ ዝባሃል ፈተና ዝተሓለፈሉ ዘመን ኢዩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ወራር ደርግ ተፈጥሮውን ዘርያቶ ከቢድ ዝባሃል ድርቂ ምስ ክሕደት ሻዕብያ ዘተኣናገደሉ ሕማቕ ዘመን ተስፋ ናብ ዘቑርፅ ኩነታት ዝተበፅሓሉ ኢዩ።

ሽዑ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ንናይ ወፃኢ ሚድያ ብዛዕባ እቲ ክፉእ ዘመን መግለፂ እንትህብ ¨ ኣብ ሂወተይ ተስፋ ዝቖረፅኹሉ ሕማቕ እዋን ኢዩ ህዝበይ ስኣን ዘመናዊ ሕርሻ ብስንኪ ድርቂ ዝብላዕ ስኢኑ እናሞተ ኢዩ ኣነ ከምተጋዳላይ ነዚ ህዝቢ ነፃ ክወፅእ እየ ዝቃለስ ዘለኹ ህዝቢ እንድሕር ዝወዳእ ኮይኑ ግን ናተይ ቃልሲ ፋይድኡ እንታይ ኢዩ¨ ኢሉ እንትዛረብ ንብዓት እናሓነቖ ኔሩ ተጋዳላይ ፅንዓቱ ጀግንነቱ በቲ ክፉእ ዘመን ኣብ ሕቶ ዝኣተወሉ ሕማቕ ዘመን ግን ከምዘይሓልፍ የለን እሞ ሓሊፉ ፍቕሪ ህዝቢ፤ ፍቕሪ ሃገር ኢዩ ናይ ህዝቡ ስቓይ መከራ ሞትን ስደትን ተሰሚዕዋ ኢዩ ብንብዓት ኣሰንዩ ዝገለፀ መለስ ኩሉ ግዜ ቃላቱን ሓሳባቱን እናተዘከረ ክነብር ኢዩ ንህዝቡን ሃገሩን ዝነበሮ ፍቕሪ ድማ ንዓና ንተረፍቲ ውርሻና ኢዩ።

ኣብዚ ፅሑፍ ትኹረተይ ጥበብ ብንብዓት ዝገልፅ ከያኒ ምድህሳስ ኢዩ ክፉእ ዘመን 77ዓምን መለስን ዘልዓልኩሉ ግን ኣብ መርሒነት ኮይኑ ንፍቕሪ ህዝቢን ንፍቕሪ ሃገርን ዝሕንዝሕ ዝነብዐ ተጋዳላይ መለስ ስምዒቱ ብንብዓት ምግላፁ ከምመእተዊ ክጥቀመሉ ደልየ እየ።

ሓደ እዋን ድምፃዊት ብፅኣት ስዩምውን ¨አደራ ልጄ¨ ኣብ ዝብል ዜማኣ ስቕስቕ ኢላ እንትትበኪ ሪአያ ኔረ ካልእ ድምፃዊ እንትነብዕ ኣይራኣኹን የግዳስ ገዲፋትኒ ከይዳ ተፈልያትኒ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዋ ዜማ እናደረፉ እንትድንሱ እየ ሪኤ በዚ መዳይ ንዓይ ንጥበብ እንኮላይ ብንብዓት ብዘአምን መንገዲ ዝገለፀ ስዉእ ኣርቲስት ተጋዳላይ ብርሃነ ገ/መስቀል (ጋኖ) ኢዩ።

ጋኖ ¨ሓለፋይ¨ ኣብዝኾነ መድረኽ እንትደርፍ ንምንታይ ኢዩ ዝሕንዝሕ ዝበኪ ንምኻኑ ብርሃነ ጋኖ መን ኢዩ ናይዚ ፅሑፍ ትኹረት ኢዩ ሰናይ ንባብ—–።

ኣብ ከባቢ ሸራሮ ባህሊ ሰገናት ሓይሊ 71 ተባሂላ ዝተጣየሸት ሰገናት ሸራሮ ከም ኣያታቶም ክኾኑ ዕንጨይቲ ብረት ሒዞም ከምባህሊ ተወዲቦም ንህዝቢ ከባቢ ሸራሮ ምርኢት ባህሊ የርእዩ ኣብ ከባቢ 1971ዓም ¨ሰገን ፍረ ቓልሲ ዕምበባ ተረካቢ ሕድሪ ሰገን¨ እትብል ዜማ የዚሙ ከምኣያታቶም ጀጋኑ ክኾኑ ድማ ኣብ ክልተ ጎጅለ ተመቒሎም ገሊኦም ደርጊ ገሊኦም ውድብ ህወሓት እናወከሉ ድራማዊ ውግእ የካይዱ ውድብ ህወሓት ኣብልዕሊ ደርጊ ዓወት እንትተመዝግብ የርእዩ ነዚ እናሓሰቡ እታ ዕሸል ልቦም ናብ ቃልሲ ሸፊታ ከመይ ኢላ ናብ ገዛ ትመለስ ሓደ ግዜ ኣንቂዶም እዮም እሞ መን ተመለሱ ክብሎም በቃ ናብ ቃልሲ ተፀንቢሮም ውድብ ህወሓት ነቶም ዕሸላት ሓይሊ 71 ዝሃንፅ ቤት/ቲ ክትከፍት ግድን ኮይኑ ቤት/ቲ ወያነ ክጣየሽ መበገሲ ኮይኖም።

ሰገናት ትግራይ ኣብቢከተምኡ ተመሳሳሊ ውዳበ ባህሊ ክጣየሽ ጀሚሩ ኣብ ላዕላይ ኣድያቦ፤ ኣብ ዛና፤ ኣብ ዓብይ ዓዲ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ባህሊ ሰገናት እንትጣየሽ ካብቶም መስረትቲ ሓደ ጋኖ ኔሩ። ኣብ 1972ዓም ናብ ባህሊ ሰገናት ዓብይ ዓዲ ተሓዊሱ ምርኢት ምርኣይ ዝጀመረ ጋኖ 1973ዓም ክጋደል ኪኢሉ ምስ ዝነበሮ ፍቕሪ ጥበብ ድማ ናብ ክፍሊ ባህሊ ተመዲቡ።

ጋኖ ኣብ ብርክት ዝበሉ መድረኻት ባህሊ መሳርሒ ሙዚቃ ካብምፅዋት ንድምፃውያን ካብምዕጃብ ሓሊፉ ባዕሉ ብድምፃውነት ክሳብ ምስታፍ ዓብይ ተራ ኔርዋ ¨እታ መሬትና¨ ኣብእትብል ግፍዒ መሳፍንትን ከርፋሕ ናብራ ገባር ትግራዋይን እተርኢ ሙዚቃዊ ድራማ ሹምየን ማሚትን ወለዲ ጋኖ ውላዶም ኮይኑ ዝተፃወታ ተጠቃሲት እያ። ብኣርቲስት ተጋዳላይ ኢያሱ በርሃ ዝተደርሰት ¨ሓለፋይ¨ ግን ጋኖ ጥበባዊ ሰብነቱ ዝጎልሀላ ዝተደነቐላ ኣብ ኩሉ ልቢ ህዝቢ ትግራይ ዝኣተወላ ምርፅቲ ሙዚቃዊ ድራምኡ እያ።

¨ሓለፋይ¨ ንጋኖ ብፉሉይ እተዘክረሉ ሚስጥር ካልእ ኣይኮነን ኣካል እቲ ታሪክ ኮይኑ ናይ ነብሲ ወከፍ ህዝቢ ትግራይ ታሪክ ብዘገርም ብቕዓት ኪነ-ጥበብ እንኮላይ ዝሕንዝሕ እናነብዐ ዝገለፃ ዜማ ምኻና ኢዩ እዛ ሙዚቃዊ ድራማ እንትፃወት ጋኖ ኣብኩሉ መድረኽ ኣብ ህዝቢ ኣብ ሰራዊት ኣብ ጉባኤታት ህወሓት እንትትቐረብ ካብልቢ ብዝፈልፈለ ሓዘን ገፁ ብንብዓት ይሕፀብ፤ ይነብዕ፤ ይበኪ—–።

ንገርኒንዶ ሓለፋይ

ሓቁ ክፈልጦ ንዳሕራይ

ኣያይ ናበይ ከይዱ ኣብሻይ

ኣያይ ናበይ ከይዱ ኣብሻይ።

ታሪክ ሙዚቃዊ ድራማ ሓለፋይ ብዓቀይቶት ናይ ዝተቐተለ ጀግና ገባር ትግራዋይ ታሪክ እተማላኽት እያ ሰብ ኣብዘይብሉ ከውታ ለይቲ ሓልዮም ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኡ ኢዱ ንዘይምሃብ እናተዋገአ ክቡር ሞት ክመውት ታሪክ ገዲፉ ይሓልፍ ጋኖ ዝወከሎ ሕነ ፈዳይ ገፀ-ባህሪ ኮይኑ ኣማውታ ኣብኡ ዘይፈልጥ ህፃን ኢዩ ኔሩ እናዓበየ እንትኸይድ ኣያይ ናበይ ኸይዱ እናበለ ምሕታት ይጅምር ማሚት ዝወከለታ ገፀ-ባህሪ ኣዶ ግን ክትዛረብ ኣይትደልን ዘተኣማምን ግዜ ኣይነበረን መሓዝቱ ዝኾኑ ቆልዑ መንደር ግን ኣያኻ ድኣ ደርጊ እንድዩ ቐቲልዋ ይብልዋ ነዛ ሕቶ ሒዙ ንኣዲኡ ወጢሩ ይሕዛ ኣይካኣለትን እቲ ታሪክ ትነግሮ—።

ዘራይ ድዩ ስኢኑ ኣያይ ዝወደቐ ኣብ መረብኡ

ኢሉ ጣዕሳ ብዝተመልኦ ኣንደበት ገሊፁ ዝገደፈሉ ዝናርን ገንባለን ዕጥቁ ጌሩ ቐታሊ ኣብኡ ክበቀል ከምኣብኡ ጀግና ክኸውን

ዝሓደገለይ ገንባለይ
ዝናሩ ጌረ ዝናረይ
ሒዘ ኣለኹ ንሓዋረይ።

ኢሉ ኢዩ ዝልዓል እቲ ጋኖ ዝወከሎ ገፀ-ባህሪ ሕነ ፈዳይ ምኻኑ ኣብ ገፁ እናተነበበ። ኣብ ጋኖ ዝረአኽዋ ብቕዓት ኪነ-ጥበብ ኣብ ካልእ ኣብ ማንም ዘይረአኽዋ ነታ ኣብ ውሽጡ ዝኣተወት ታሪክ ብዙሓት ከምናቱ ታሪክ ጌሩ ዝፃወታ ሓለፋይ እንትፃወታ ብንብዓት ዝሕፀበሉ ምስ ውሽጡ እናተቓለሰ ጣዕሳን ፅንዓትን ህዝቢ ትግራይ ብጥበብ ዝገልፀሉ ሙዚቃዊ ድራማ ምኻኑ ኢዩ።

ጋኖ ነታ ¨ሓለፋይ¨ እትብል ዜማ ንምንታይ ኢዩ ብንብዓት ዝስንያ ኣብ ውሽጡ ታይ ስለዝፍጠር ኢዩ ታሪክ ሓለፋይ ምስኡ ስለዝራኸብ ድዩ ዝበኪ እንተይልና ምናልባት ካብኡ ዝበልፅ ግፍዒውን ሪኡ ይኸውን ንምንታይ ድኣ ይነብዕ እንተይልና ጋኖ ንጥበብ ዝነበሮ ፍቕሪን ንጥበብ ዝሃቦ ክብሪን ኢዩ ኣብኩሉ መድረኽ ዝሕንዝሕ ዝበኪ—–።

ኣብ መእተውየ ኣርቲስት ደ/ር ጥላሁን ገሰሰን ድምፃዊት ብፅኣት ስዩምን ዝነብዕሉ ዜማ ከምዘሎ ጠቒሰ እየ ምናልባት ኣብ ሓንቲ ግዜ መድረኽ ኣብታ እዋን ብዝተፈጠረት ስምዒት እዮም ዓይኒ ካሜራ ሒዝዎም ክነብዑ ዝተራኣዩ ጋኖ ግን ኣብኩሉ መድረኽ ኣቲ ተዓዳሚ ውሕድ ይኹን ብዙሕ ከተመታይ ይኹን ገጠረታይ ኣብዓዲ ውሽጢ ይኹን ካብዓዲ ወፃኢ ፅባሕ ኣብዝቐርብ ድሕሪ ፅባሕ ኣብዝድገም መድረኽ ከምታ ሎሚ ዝሕንዝሕ ዝበኸያ ይበኪ ንጋኖ ዝልወጥ መድረኽ የለን ኩለን መድረኻት ማዕረ እየን ካብውሽጡ ብስምዒት የዝይም ዜምኡ ብንብዓት ይዕጅቦ ንዓመታት በኽዩ ድሕሪ ሰላምውን ኣብዝተፈላለየ መድረኽ ነታ ሙዚቃዊ ድራማ እንትፃወት ይበኪ ንዘመናት ዛርዩ ዘይውዳእ ንብዓት ናብራና መመሊስና ክንሓስቦ ታይ ተኸፊሉ እዚ ስርዓት እዚ ከምዝሃነፅና እዚ ሰላም እዚ ዴሞክራሲ መሰረቱ ታይ ምኻኑ ከይንዝንግዕ ብጥበብ ኣቢሉ ብንብዓት ኣሰንዩ ደጋጊሙ ነጊሩና።

ጋኖ ንጥበብ ተፈጢሩ ኣብጥበብ ኮይኑ ንጥበብ ፍቕሪ ዝሓለፈ ዘመን ዘይርስዖ ጀግና ተጋዳላይ ንጥበብ ዝተፈጠረ ምሩፅ ኣርቲስት ኢዩ። ጋኖ ተምሳሌት ጀግንነት ተምሳሌት ታሪክን ጥበብን ህዝቢ ትግራይ ኢዩ ጋኖ ንጥበብ ብንብዓት ካብዝገልፁ እቲ ምሩፅን ሓደን ኢዩ። ሓደጋ በፂሕዋ ብኣካል ክሳብ ዝፍለየና እዋን ክንደይ ግዜ ኾን ነቢዑ ይኸውን??

ጋኖ ዝነበዕሉ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ኪነ-ጥበብ ትግራይ ንድሕሪት ከምዘይምለስ ቃል ካብ ምእታው ብተወሳኺ ከምኡ ኣብ ስምዒት ኣትዮም ንታሕጓስ ብታሕጓስ ንሓዘን ብሓዘን ዝገልፁ መሲሎም ዘይኮነስ ኮይኖም ዝዋስኡ ከምኡ ዝበሉ ኣሰረኡ ዝኽተሉ ተካእቲ ከየንቲ ንምፍራይ ታሪኩ ክፈልጡ ነዚ ወለዶ ምክፋል ከምሓደ ስራሕ ወሲድናዮ ኣለና ኣነ ብዛዕባ ¨ሓለፋይ¨ ጋኖ ብስምዒት ከመይ ከምዝተፃወቶ ንጥበብ ዝሃቦ ክብሪ አመልኪተ ነዚ ፅሒፈ ኣለኹ ካልኦት ፃሓፍቲውን ካልኦት ተግባራቱ ክፅሕፉ እሞ ዘልኣለማዊ ጀግና ጥበብ ትግርኛ ከምዝኾነ ክንምስክር ኢና። ጋኖ ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ምግዳሉን ንህዝቢ ትግራይ ሓርነት ከርተት ዝበለ ተጋዳላይ ምኻኑን ንፃት እኳ ከይዘንጋዕና ማለት ኢዩ።

ነብሲ ጋኖ ኣብ ገነት ብኽብሪ ክትቕመጥ ትምኒትናን ፀሎትናን ኢዩ። ዘልኣለማዊ ክብሪ ንጀጋኑ ስማእታትና ድምቀት ሓያሎ መስዋእትነት ንዝኸፈለሉ መበል 39 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ሰላም።
*********

Wurayna Magazine

more recommended stories