(ተወልደብርሃን ክፍለ ([email protected])

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ፅሑፈይ ፍልፍል ፀገማት ትግራይ ንነዊሕ እዋን ዝትኣጐለ ባህሊ መሪሕነት ውድብና ምስ ድሑር መንግስታዊ መሓውራት ብድምር ክምዝኾነን ፍታሕ እንተዘይተገይሩሉ ከኣ ንሓደሽቲ ሽቶታት ምጥማት ተሪፉ ክሳብ ሐዚ ዘመዝገብናዮም ዓወታትውን ምዕቃብ ከምዘጸግም ናይ ብዙሓት ርእይቶን ስግኣትን ምዃኑ ንምርኣይ ፈቲነ ነይረ። እምበኣርከስ ና’ዙይ መቐጸልታ እኒሆ።

ዝምድና ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ኣብ መንጎ ዝኾነ ህዝብን ፖለቲካዊ ውድብን ዝህልው ተራ ናይ ድጋፍን ተቓውሞን ርክብ ኣይኮነን። ከምኡ እንተዝኸውን ነይሩ ከም ህዝቢ ክንድዙይ ዘሰክፈና ዛዕባ ኣይምኾነን። “ህዝቢ ትግራይ ማለት ህወሓት፣ ህወሓት ማለት ከኣ ህዝቢ ትግራይ” ዝብል ምስ ዝንተ መጐት ዘይሳነ ዑሙት ባእታ ንግዚኡ ኣፅኒሐ ናይማን ርክብ ህዝብናን ውድብናን ልዕሊ ልሙድ ርክብ ህዝብን ፖለቲካዊ ውድባትን እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። መበገሲኡ ከኣ ብደምን መስዋእትን ዝገወደ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ ሰናይ ምሕደራ ገና ካብ ብጊሓቱ ግብራዊ ብምግባር ገባቲ፣ ጒሒላን መዋቐዒን ብምድኻም ጎኒ ንጎኒ ኲናት ዋግዋጎ ፍትሒ ከተውሕስ ምኽኣላ እዩ ነይሩ:: ኣብ ዝተፈላልዩ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ሓፋሽ ውደባ ዘነጥፉ ዝነበሩ ተጋደልቲ ህወሓት ህዝቢ ክሳብ ሐዚ ኣልዒሉ ኣይፀግቦምን። ንብዙሓት ከኣ ገጢሙን ኣዚሙሎምን’ዩ:: ምስ ‘ዞም ናይ ሐዚ መማሓደርቱ እናነፃፀረ ከኣ “እዚኣቶምስ ምስ’ኒ እከለ ይጋደሉ ነይሮም?” ክብል ይግረም። ዝኾነ ኾይኑ ዝፈሰሰ ኣይሕፈስን። ዘይፈሰሰ ከይፈስስ ግን ምክልኻል ይካኣል’ዩ:: ተዘክሮታት ቃልሲ ካብ ምስቁንቋን ዝሓልፍ ኣበርክቶ ክህልዎም ምግባር እዋናዊ ጠለብ’ዩ።

እምብኣር መፍትሕታት ንምጥቋም ክሕግዝና እቱ ዝበዝሕ ትግራዋይ ብሓፈሽኡ ኣብ ከመይ ዝበለ ፖሊቲካዊ ኣሰላልፋ ይርከብ ዝብል ዛዕባ ብፍላይ ንርኧ:: ኣብዚ ሐዚ እዋን መብዛሕትኦም ተጋሩ (ኣብ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታታት ብዝገብሩዎ ተሳትፎ ከምዝተረዳእኹዎን ኣብ ሃገርናን ክልልናን ብዘለኒ ውልቃዊ ትዕዝብትንን መሰረት ዝገበረ’ዩ) ኣብ መሪሕነትን ውድብን ዘለዎም ርኢቶን ቁዋምን ብዝህልዎም ትርጉምን ብኣርባዕተ ክፋላት ምምዳብ ይካኣል።

1. ኩሉ ኣማን

ኣብዚ ክፋል እዙይ ዝወድቁ ሰባት ከብዶም ከም ከብዶም ብኣፍ “ደሓን ኣለና” ዝብሉ እዮም።:: ዝጎድሉ ነገራት እንተሃልዉ’ኳ ኣብ ጥንካረ ኮይንካ ዘጋጥሙ መሐንኰላት እምበር ዘሰክፉ ፀገማት ከምዘየለው ይኣምኑ። እቲ ፀገም ዘቤታዊ ዘይኮነስ ግዳማዊ ኮይኑ ክርኧ ይጠልቡ። ውድብና ብመሰረቱ ኣብ ሓደጋ ምህላዋ ዝወሓጠሎም ሓቂ ኣይኮነን። ንነብሶም ሕሩያት ጌሮም ይቖፅሩ:: ካብ መራሕቲ ሓፋሽ ማሕበራት፣ መሰረታዊ ውደባታት፣ ኣብ ኩለን ዓለማት ዘነብሩ ዕሙታት-ደገፍትን ጀሚሩ ክሳብ እቱ ኣብዛሓ መሪሕነት ዝሓውስ ክፋል ክባሃል ይካኣል። ብዛዕባ ውድብ ክንድኣቶም ዝሓስብን ዝጭነቕን ሰብ ዘሎ ኣይመስሎምን። ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ኣለዎ ንዝብልዎ ሰብ ምጥቃዕ ቐንዲ መለለይኦም እዩ። ንሳቶምን ንሳቶምን ጥራይ ዝሓስቡዎን ዝሰርሑዎን ውሕስነት ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ፤ ካብ “ሕድሪ ስውኣትና” ንላዕሊ “ሕድሪ መለስ” ረዚንን ቅዱስን ምዃኑ ብድፍረት ይዛረቡ:: “የለን፥ ኣይፋልን” ዝብል እንተጋጥም እዝኖም እዝኒ ሓርማዝ ይኸውን። “ሰብ እንታይ ይብለና” ዝብል ዓይቢ ዝስቆሮም ኣይኮኑን።

እዚኣቶም ቀንዲ ሓደጋ ለውጢዮ’ም:: ቐንዲ ዓገትቲ ለውጢ’ውን እዮም። መበገሲኦም ክንዲ ዝኾነ ይኩን ቅንዕና ይሃልዎ ለውጢ ኣብ ምህሳስን ውድብ ኣብ ምድኻምን ዝፃውቱዎ ተራ መዳርግቲ የብሉን። እንትጅመር ዝበዝሕ ፀገም ብግብሪ ዝፈጥሩውን እዚኣቶም’ዮም:: የማናይ መንገዲ ክትሕዙ እንተዘይክኢሎም ከኣ ውፅኢቱ ንኹላትና ዝጥዕም ኣይኸውንን::

2. ላንጋ ላንጋ

ኣብዚ ክፋል እዙይ ዝምደቡ ሰባት እቱ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ኣይኽሕዱን:: ፀገም ከምዘሎ ኣሚኖም ብዛዕባ እቱ ፀገም ምዝራብ ግን የፀግመሎም። መበገሲኦም ስግኣት ጥራሕ ዘይኮነስ ዘቤታዊ ሽግር ንግዳም ምውፃእ ውድቦም ኣብ ሓደጋ ከውድቓ ይኽእል’ዩ ዝብል ሓላፍነት ዝተፅዓኖም’ውን እዮም:: ስግኣቶም ብቐሊሉ ዝርኧን ዝንዓቕን ኣይኮነን፤ ግቡእ ስክፍታ ስለዝኾነ። ኣብ ትግራይ ምስ ዝነብሩን ብግሉፅ ሓሳባቶም ኣብዝገልፁን ደማ ሹሻይ “ኩሉ ኣማን” ናይ ምዃን ዕድል ይገጥሞም:: ምእንተዙይ ከኣ ብግልፂ ኣብ ሚድያ ክንዛረበሉ ዝግባእ ኣይኮነን፤ እቱ ዝበለፀ መማረፂ ብልሙድ ውሽጣዊ መስርሕ ንምዕራይ ምቅላስ እዩ ክብሉ ይሙጉቱ። ዘቤታዊ ሽግራትና ንጓና ኣሕሊፍና ክንህብ የብልናን ይብሉ<::

ይኹን’ምበር ዝሕባእ ሽግር ክህልው የብሉን:: ሽግር ዝኸውን ዘቤታዊ ሽግራትና ካልኦት ምስ ዝሰምዕዎም ኣይኮነን:: ከሕስበና ዝግባእ፤ እቶም ሽግራት ብናማን ኣብ ባይታ ምህላዎምን ዘይምህላዎምን’ዩ:: ውፅኢት ወድዓውያን ሓቅታት ብድልየት ዝውሰኑ ኣይኮኑን:: ኩሉ ጊዜ ሰባት ክቆፃፀሩዎም ዝኽእሉን ዝግበኦምን ውሳነታቶም እምበር ዘስዕቡዎ ውፅኢት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከኣ ውፅኢት ዝኾነ ዓይነት ውሳነ ብመስርሕ ስርዓታዊ ባህሪታትን መስተጋብርን ዝውሰን እምበር ኣብ ቁፅፅርን ኢድን ዝኾነ ሓይሊ ዘየሎ ምዃኑ እዩ።

መሪሕነት ንጌጋታት ካብ ዝቃልዑሎም ምኽንያታት ውሳነታቶምን ውፅኢቶምን ክቆፃፀሩ ምድላዮም እዩ። እዙይ ግን ክኸውን ዝኽእል ኣይኮነን። መሃንዲስ ስነ-ህንፃ ዘውፅኦ ቐመር ንጎኒ ብምግዳፍ ሑፃን ስሚንቶን ብጉጉይ ሓዊስካ ዘተሰርሐ ህንፃ ካብ ምፍራስ ዘድሕኖ ዝኾነ ዓይነት ምድራዊ ከውሊ ኮነ ፕሮፓጋንዳ የለን። እምብኣር ከስ እዙ መሰረታዊ ሓቂ’ዙይ ብምርዳእ’ዩ ኣገደስትን ትርጉም ዘለዎምን ውሳነታት ቅድሚ ምውሳን ምኽሪ ሞያውያንን ዝተፈላለዩ “የእትወና” ዝብሉ ሓይልታትን ዝጥለብ (ምዕሩይነት እቱ ቐመር ንምውሓስ)። ኣብ ኣፈፃፅማ ከኣ ጥቡቕ ቁፅፅር ዝግበር(እቱ ትኽክለኛ ቐመር ግብራዊ ክኸውን):: እዙይ ኮይኑውን ግን ውሳነታት ብድሩት ፍልጠትን ኣቐዲምካ ብዘይተኣመቱ ጎናዊ ሽግራትን ዘይትሓስበ ውፅኢት ዘምፅእሉ ዕድል ዕፅው ኣይኮነን። እዙይ ምስ ዘጋጥም እንኮ መፍትሒ ንዝመረፀካ ህዝቢን ኣባል ውድብን ጌጋኻ ብምእማንን ካብ ልቢ ዝፍልፍል ይቕረታን ምሕታት ይኸውን። እዙይ ምግባር ናይ ጥንካረ ‘ምበር ናይ ምድኻም ምልክት ኣይኮነን። ምልክት ድኽመት ዝኸውን ፀገማት ክትክውል ላሕ ምባል’ዩ:: ፀገማት ክንሓብኦም እንተንደሊናውን ግን ዝካኣል ኣይኮነን። ከም ህዝቢ ቀፃልነትና ዝረጋግፅ ንኸውሊ ብዕቱብ ምስ እንቃለሶ እዩ። እዙይ እንተዘይፈፂምና ግን እንትቕድም መጋበሪያ “ኩሉ ኣማን” ንኸውን፤ ቀፂሉ ከኣ ውድብናን ህዝብናን ንሓደጋ ነቃልዕ።

3. ተስፋ-ሓጣእ

እቱ ሳልሳይ ክፋል ሕብረተሰብ ትግራይ ህወሓት ንዕጥቂ ቃልሲ ዝተፈጥረት ልእኽቶኣውን ኣብኡ ከብቅዕ ከምዝነበሮ ስለዝኾነ ከኣ መሪሕነት ህወሓት ዓርሱ ክልውጥ ምጽባይ ምዉት ካብ ምትንሳእ ዘይፍለ ፃዕረ ኸንቱ ፋሕጠርጥር’ዩ ይብሉ:: መሪሕነት ህወሓት ብመሰረቱ ለውጢ ከውሕስ ዝኽእል ኣይኮነን፤ ምስ ካልኦት ክልላት ብምንፅፃር ከኣ “ትግራይ ኣብ ዝሓሰመ ምሕደራን ድኽነትን ክትኣቱ ጌሩዋ እዩ” ክብሉ ይኸሱ። ተስፋ-ሓጣእ ህወሓት እንተትዕሪ ብመሰረቱ ባህ ዝብሎ እኳ እንተኾነ ግብራዊ ኣይኸውንን ዝብል ርኢቶኡ ሚዛን ይደፍእ:: ፅልምትምት ዝብሎ ምዃኑ ከምዘሎ ወሲድና ዝርዝር ዝበሉ መርትዖታት ብዝተፈላለዩ ኣግባባት ብምቕራብን ውድብ “ሓላፍነታ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኮይና እያ” ክሳብ ዝብል ጫፍ ዝበፅሕ ወቐሳ የስምዕ።

ከም ናተይ እምነት ግን ኣብ ከይዲ ክንዲ ዝኾኑ ሕልኽላኻት የጋጥሙ መሪሕነት ህወሓት ዓርሱን ውድቡን ከማዕርይ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዝተሸከመ ምዃኑ ከምዝን ኣለዎ:: ሚዛን ህወሓት ህወሓት ብስፍሓትን ጥልቀትን እቱ ሐዚ ዝኒሀ መሪሕነት ክግመት ኣይግበኦን። ህላወን ቀፃልነትን ህወሓት እምነ ኩርናዕ ሓዳሽ ኢትዮጵያ እዩ። ህላወ ህወሓት ርዝነት ወያነ ኢትዮጵያ ዝዕቀነሉ ሚዛን’ዩ። ተጋሩ ከም ህዝቢ ቅንዕና ብረታዊ ቃልስና ‘ነመስክረሉ፤ መስዋእትና ዴሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምውሓስ እምበር ሓደ ገዛኢ መንግስቲ ኣውሪድና ብተመሳሳሊ “ወዲ ሩባና” ንምትካእ ዘይገበርናዩ ምዃኑ ንፈተውትን ፀላእትን እነርእየሉ ስትሪ ማህተምና እዩ። ህላወ ህወሓት እዚ ኣብ ስልጣን ዝኒሀ መሪሕነት ክምዘለዎ ክሳብ ምግላስ ዝጠልብ እንተዝኾንውን ናይ ግድን ክፍፀም ዘለዎ እዋናዊን ታሪኻውን ጠለብ’ዩ።

እዙይ ክብል እንተለኹ ህወሓት ከም ዝኾነ ሰማያዊት ሓይሊ ጌርካ ምርኣይ ዝመስሎም ብዙሓት’ዮም። ናተይ መዐቀኒ ግን ብረታዊ ቃልስና ልክዕን ኣድላዪን እንተነይሩ፤ ነዚ ከኣ ህወሓት ከም ውድብ ዝግባኣ ኩሉ ዝፈፀመት’ያ ኢልና ንኣምን እንተኾይንና፤ ትርጉም ብረታዊ ቃልስና ነቕ ዘይብል ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ዝመርሖ ልምዓት ምውሓስ ጥራይ ምዃኑ እንተተቐቢልና፤ ህወሓት ካብ ምዕራይ ወፃእ ዝሕሰቡ ኣይኮኑን። እዙይ “ቀኖና” ኣይኮነን:: እቶም ኣገደስቲ ዕላማታትን መበገስቲታት ብረታዊ ቃልስናን ሐዚውን ብዝድለ መጠን ኣብ ባይታ ኣይዓለቡን። ፖለቲካዊ ሓይልታት ሃገርና ቅድሚ 23 ዓመታት ዝነበሮም ኣሰላልፋ ሎሚ’ውን ኣይተለወጠን። ትምክሕቲ ኮነ ፀቢብነት ትርጉም ብዘለዎ ኹነት ኣይተሰብረን። ፌደራላዊ ስርዓትና ገና ተነፂፉ’ምበር ብ’ዞም ሓይልታት ዘይወሓጥ፤ ዓርሱ ዝከላኸለሉ ፅንኩር ጭዋዳ ገና ኣየጥረየን። ሕገ መንግስትና፣ ሓይልታት ድሕነትን ካልኦት ትካላት ዲሞክራሲን (ፓርላማ፣ ቤት ፍርዲ፣ቦርዲ መረፃ፣ ሓባሲ ንብዓት፣ ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን) ብዓይኒ ትምክሕተኛታትን ፀበብትን የማናይ ኣእዳው “እኩይ ግብሪ ወያነ” እዮም። እዙይ ማለት መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ኣሰላልፋ ይኹን ኣታሓሳስባ ለውጢ ኣይመፀን፤ ሃገራዊ ምቅዳው (consensus) ኣይተረጋገፀን። ህወሓት ዘይምዕራይ ማለት ብግብሪ ንሳልሳይ ወያነ በሪ ምኽፋት ማለት’ዩ። ህዝብና ግን ወያነታት እናካየደ ማእኸል ዓውዲ ኲናት ኮይኑ ክነብር የብሉን። እዙይ ክኸውን ከኣ ዕቱብን ውሕሉልን ፃዕሪ ይሓትት፣ ምዕሩይ ውድብን መሪሕነትን ይጠልብ።

4. ነፂጋ

እዙ ክፋል እዙይ ብመሰረቱ ምስ ህወሓት ዘራኽቦ ክሪ ዝበጠሰ እኳ ደኣስ ንህወሓት ከፍርስ ዝካኣሎ ኩሉ ዝገብር ሓይሊ እዩ። ብዓይነቱ’ውን ካብ ዋልታ “ኩሉ ኣማን” ብተቓራኒ ይርከብ፣ ትግራይ ምድረ-ገሃነም ከምዝኾነት ንዓለም ከብርህ ላሕ ይብል:: ግዝኣት ዓሰብን ወሰን ሱዳንን ኢትዮጵያን ከም መጐልበቲ ልእኽቶታቱ ዝወስድ፣ ህወሓት እትሳዓር ምስ ሓይሊ ትምክሕቲ ብምሕባር ምዃኑ ዝኣምን’ዩ። ኩሉ-መዳያዊ ኣገባብ ቃልሲ(ርኡያት ድኽመታት ምቅላዕ፣ ምግናን፣ ምሕሳው፣ ጠቐነ ወዘተ) ከኣ ይኽተል። ንርእሱ ከኣ ከም ናይ ህወሓት መማሪፂ ፖለቲካዊ ሓይሊ ጌሩ ይወስድ። ዕላማን ኣበርክቶን ትካል ት.እ.ም.ት. ይነፅግ። ትምክሕተኛታ ዘጋውሑዎ “ፍርቂ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቁፅፅር ትእምትን ህወሓትን” ምእታዉ ብዓይኒ “ፈላጥ-ውሽጢ” ይምስክር፤ ነዚ ዝውክሉ ነዋሕቲ ቑፅርታት የሰልፍ። ናብ ተጋሩ ገፁ እንት ዞር ድማ ዞባታት ፤ ወረዳታትን ቤተሰብን ይፈሊ። ቁልፊ ቦታታት መንግስትን መከላኸሊ ሃገርን ኣብ ኢድ “ተጋሩን ህወሓትን” ኣትዩ ብምባል ዓርሱ ብዝፈጠሮ ዘይምኽኑይ ታሪኽ ብርኪን ማዕተብን ደምበ-ትምክሕቲ ኮይኑ ይጎዪ ፤ ይምሕል፤ ይጥሕል። ንመሰረታዊ ረብሓታት ትግራይ ዝፃብኡ ምንቅስቓሳት ይገብር::

እዚ ሓይሊ ‘ዙይ “ንወደቦስ ናቱ ሃቦ” ከምዝባሃል ባህሪታቱ ከምኡ ኮይኑውን ብዘቕርቦም ወቐሳታት መሪሕነት ህወሓት ስክፍታ ከማዕብል እንዳሓገዘ ይርከብ። ይኹን’ምበር ፖለቲካዊ ኣምራቱ ብጉያጉያ ዝትዓሙን ንዓወታት ቃልስና ብባዶ ዘራብሑን ኮይኖም ይረኣዩኒ። ምስ ትምክሕተኛታት ስልታዊ ይኹን ስትራተጂያዊ ምሕዝነት ንምፍጣር ዝወራዘ ሓይሊ ምስ ወያነ ኢትዮጵያ ዝቃዶን መጻኢ ተስፋ ትግራይን ካልኦት ህዝብታትን ዘውሕስ ኣይኮነን። ዝመስሎ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ሒዙ ብሰላማዊ መንገዲ ናይ ምቅላስ ሕገ-መንግስታዊ መሰሉ ግን ብዝኾነ ዓይነት ምኽንያት ናብ ሕቶ ክቐርብ ኣይግባእን።

ካብዚኣቶም መን የሕምም?

ብናተይ ኣታሓሳስባ ንውድብና ቐንዲ ስግኣታ ክኸውን ዘለዎ ነፂጋ ኣይኮነን። ቀንዲ ስግኣት ውድብና ኩሉ ኣማን እዩ፤ እንትቕፅል ድማ ላንጋ ላንጋ:: ተስፋ-ሓጣእ ከም ኩነታቱ ናብ ነፂጋ ወይ ከኣ ናብ ላንጋ ላንጋ ዝፅገዓሉ ዕድል ዓብዪ እዩ። ይኹን ‘ምበር ምስ መሪሕነት ህወሓት ዘለዎ ኣፋላላይ ብመሰረቱ ኣብ ምሕደራን ኣፈፃፅማን ዘለዉ ድኽመታት እንትኾን ነፂጋ ምስ ትምክሕተኛታት ዘርእዮ ወድኽደኽ ግን ባህ ዝብሎ ኣይኮነን። ነፂጋ ኣቦኡ ዘፍለጠ ግዳማዊ ሓይሊ እዩ። ግዳማዊ ሓይሊ ከኣ ስግኣት ህወሓት ዝኾነሉ ታሪኽ ኣይተርኣየን። እኳ ደኣስ ታሪኽ ከምዝኸተቦ ውድብና ውሽጣዊ ፀገማት ዘበገሱዎም ሕንፍሽፍሻትን ብርክት ዝበሉ ደውታታትን እዮም ንሓደጋታት ኣቃሊዖሙዋ ዝነበሩ:: እዙ ዘለናሉ መዋዕልውን ፍታሕ ምስ ዝጠልቡ እዋናዊ ሕቶታት ተፋጢጣ ትርከብ።

እንታይ ይገበር?

እሞ ውድብና ትስዕር ‘ዶ ትሳዓር? ብኻልእ ኣዘራርባ እዚ መሪሕነት ኣብ ኣጋ እርጋኑ የፀብቕ ‘ዶ ይፅይቕ?

እዚኣ ዝምልሳ መሪሕነት ህወሓት ጥራሕ’ዩ። ንምምላሳ ከባድ ኣይኮነትን:: ብኸመይ ኣግባብ? እቱ ቐንዲ ዛዕባ ፀገም ብናማን ከምዘሎን ክንደይናይ ሕልኽላኽ ከምዝኾነን ምቕባል:: ቀፂሉ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ምሁራትን ንጡፋት ካድረታትን ዝሳተፉሉ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ (እቱ መሪሕነት ዘይፈትዎም ሰባትውን ዘሳተፈ) ዋዕላ ብምስልሳል እቶም ፀገማት ተነቒሶም ክወፁ ጭቡጥ ኩነታት ውድብን መሪሕነትን ክትንተን ብምግባር ዝርዝር ፖለቲካዊን ምሕደራውን ሽግራት ምፍላይ:: ተሳተፍቲ ዋዕላ ስፍሕ ዝበለ ውክልና ዘለዎምን ነቲ መሪሕነት ዝላዓለ እታወ ከበርክቱ ብዝኽእልሉን መንገዲ ክፍፀም ይግባእ:: ውሳነታት ዋዕላ መሰረት ብምግባር ተኸታተልቲ ስጉምትታት ምውሳድ::

እዙ መበገሲ-ሓሳብ ኣግባብ ኣፈታትሓ እቲ ሸግር ብዚ መንገዲ እዙይ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ንምባል ኣይኮነን። ካልኦት ግዱሳት ተጋሩን ኣባላት ውድብን ብሉፃት ዝብሎዎም ሓሳባት ብምቕራብ ከራጉዱዎ ወይ ከኣ ክነቕፍዎም ይግባእ። እቱ ሕማቕ ነገር ስቕ ምባል’ዩ። ስቕ ክንብል የብልናን። “ዓዲ ሱቕንያ ኣይ ዓቕልን ዓዲ ቁሊሕሊሕን ኣይ ዓይንን” ከምዝባሃል::

ዘለኣለማዊ ክብሪ ንስውኣትና!!!

***********

Teweldebrhan Kifle

more recommended stories