መማኸሪ መለስን ራእሲ መኮንንን

ብክብሮም ኣብርሃ (ሳብያን)

• ዓሚ ኣብ ቁልቢ ገብርኤል ዝተፋለጥኽዎ ሰብኣይ ከምዚ በለኒ: “ንመለስ ኣባይ ንኽግደብ ዘማኸርክዎ ኣነ እየ….”
• ብዛዕባ ናይ ቁልቢ ገብርኤል ሓውዜነታይነት……

ታሕሳስ 19/2005 ዓ.ም ብዓብይ ድኻም ኣብ ብራንዳ ሓደ ኣብ መተሃራ ዝርከብ ሆቴል ጥንቅልዒት ወዲቐ እኒሀኹ፡፡ ብየማነይ ካብ ቁልቢ ተሳፊርናያ ኣብዝመጻእና ኣውቶብስ ከምዝነበረ ዘለለኽዎ ቐጢን ፤ጨሓም፤ ኣብ ርእሱ ናይ ሹራብ ቆብዕ ዝደፍአ፡ ኣብ ውሽጢ ዘይዕቅኑ ጃኬት ከይጥሕል ዝቃለስ ዝመስል ሰብኣይ እኒሀ፡፡

ኣብታ ከተማ ዘለዉ ሆቴላት ዓራቶም ትሑዛት ስለዝነበራ ኣብ ብራንዳ ኣንጺፍካ ምድቃስ እዩ ናይ መብዛሕቲኡ ሰብ መማረጺ-ብዘይክፍሊት፡፡ ናብቲ ገዳም ክሳለሙ ዝገሹ ሰባት ኣብቲ ሆቴል ድራር ምብልዖም ስለዘይተርፍ ሰብ ዋና እቲ ሆቴል ዝተበለሓቱ እዮም ዝመስሉ፡፡ ምስቲ ኣብ ጥቓይ ዘሎ ሰብ ዝተፋለጥና እውን ምንጻፍ ናይቶም ኣብጥቓይ ኮፍኢሎም ተሳፊሮም ዝመጹ ሰብኣይ ብሓባር ክንድቅሰሉ ምስሓተተኒ እዩ፡፡

እዚ ሰብኣይ ቁምነገረኛ እዩ ነይሩ፡፡(መቸም ንዝጋብዘና እዩ ቁምነገረኛ እንብሎ) እንተኾነ ግና ዳርጋ ክሻብ ኣጋ ወጋሕታ ኣብ ብራንዳ እቲ ሆቴል ጥንቅልዒት ደቂስና ዘወጋዕናዮም ወግዕታት ነቲ ድኻም ጥራሕ ዘረስዑ እንተይኾኑስ ንህይወትና ብዓይኒ ፍልስፍና እንትንሪኣ እንታይ ከምትመስል ምሽጥራት ዘስነቑኒ እዮም ነይሮም፡፡ዘይዳህሰስናዮም ዛዕባታት ቁሩባት እንተኾኑ እዮም፡፡ ብዛዕባ ታሪኽ ኢትዮጵያ፡ ሃይማኖት፡ ናይ ውልቀሰባት ኤጎ፡ ዕጫ ህይወት ዓለም……..

ካብኩሉ ግና ክሻብ ሕዚ ዝገርመኒ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ነበር መለስ ዜናዊ ንዝነበሮ ርክብ ዘዘንተወለይ እዩ፡፡ ኣማኻሪኡ ምንባሩ ሓቢሩኒ…ብዛዕባ ባህርያት መለስ ሓተትኽዎ…መለስ ኣብ መወዳእታ መዋእል ህይወቱ ኣዝዩ እግዚኣብሄር ዝፈርሕ ከምዝነበረ፡ ነዛ ሃገር ብዝሰርሖ ከምዘይዓግብ፡ ህዝቢ ከምዝጸልኦ ከምዝፈልጥ፡ ዓቢ ክእለቱ ድማ ሰባት ናይ ምድማፅ ክእለቱ ምኻኑን ንዕዑ ከዓ ነዛ ሃገር እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ኣጥቢቑ ይሓቶ ከምዝነበረ ሓበረለይ፡፡ ወገናተይ በኣይ ከይትፈርዱ ብባህርየይ ሰብ እንትኣምን ዳርጋ ደረት የብለይን፡፡ ሰባት ብዝተኽደንዎ እውን ኣይግምግሞምን፡፡ እዚ ኣብ ጥቓይ ዝደቀሰ ኣብ ዓይኒ ዘይኣቲ ፍጡር ኣማኻሪ መለስ ከምዝነበረ የዘንትወለይ ኣሎ፡፡ ቅድም ኢሉ ግና ሓደ ኣምሓራይን ኦሮመታይን ብዛዕባ “የኦሮሞ ባላባትነት” እንትካትዑ ዘተዓረቐሉ መገዲ ዝኻዕበተ ፍልጠት ከምዘለዎ ዘርኢ እዩ ነይሩ፡፡(ብዛዕባ መለስ ካብ ዝነገረኒ ዘይተውሓጠለይ ግና ፍልጠት መለስ ክንድቱይ ህዝቢ ዝሓስቦ ዘይዃኑን ንዓብይ ግድብ ህዳሰ ዝኣክል ፕሮጀክት ናይ ምሕላም ብቕዓት ከምዘይብሉ ምሕሳቡ እዩ)

ናብቲ ናትና ወግዒ እንትምለስ…ብዛዕባ ንመለስ ዝሃቦ ምኽሪ ከምዚ ክብል ሓቢሩለይ “ንምንታይ ንኣባይ ክግደብ ዘይትገብር እሞ ኣብ ልቢ ኢትዮጵያውያን ዘልኣለም ዘይጠፍእ ታሪኽ ዘይትሰርሕ?” ኢሉ ከምዝመዓዶ ሓበረኒ፡፡

ኣብቲ እዋን እቱይ ዘረብኡ ንኽጠራጠር ካባይ ትጽቢት ኣይግበርን፤ ምኽንያቱ ዝኸድኩሉ ቦታ መንፈሳዊ ቦታ እዩ፡ እትረኽብዎም ሰባት እውን ፈሪሃ እግዚኣብሄር ዝሓደሮም ስለዝኾኑ፡፡ በቲ በለ በዚ እዙይን ካልኦት ወግዕታትን ኣውጊዕና ብጽባሒቱ ጉዕዞ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡፡

ኣብታ ውሽጢ ኣውቶብስ ዝተቐመጥናሉ ወንበር ዝተፈላለየ ስለዝኾነ ነቲ ወግዒ ክንቅጽለሉ ኣይክኣልናን፡፡ ከም ናይ ትማሊ ምስ ገጹ ዝለገበት ጸላም እኩያለ ገይሩ ኣሎ፡ እታ ሕብራ ክትገልጻ እተጸግም ጃኬቱን ክሻብ ግንባሩ ዘጥለቓ ቁቢዑን ኣማዕድየ እንትርኢ፤ ነቲ ብቖልዑና ብጭቃ ኣቡኪዕና እንሰርሖም ባመቡላታት ዝመስል ገጹን ሓመዳዋይ ስሑው ፅሕሙን ምስርኣኹ… “እዞም ምሁራትን ፈላስፋታትን ንዝኽደንዎ ንምንታይ እዮም ዘይግደሱ፡ ንሰብነቶም ዝድርብዩ? ” ዝብል ሕቶ ንባዕለይ ሓተትኩ…ለይቲ ነዚ ሕቶ ከምዘልዐልኩሉ ተዘከረኒ…“ኾነ ኢለ እየ ከምኡ ዝገብር…ምኽንያቱ ከዓ ደቅሰባት ትኽክለኛ መንነቶም ሒዞም ዝቐርቡኻ ንሳቶም ዘይፈትውዎን ግዲ የብሉን ኢሎም ዝሓስብዎ ዓይነት ኣካድና እንትትኽደን እዩ” ኢሉኒ ነይሩ፡፡ካብቲ ኮፍ ኢለዮ ዘለኹ ኣማዕድየ ርኣኽዎ…ኣብ ጥቕኡ ኮፍ ዝበለ ክንዲ እንባ ዝኾን ሰብኣይ ብጎኒ ሕቕኡ ሂብዎ ዳርጋ ዝጭፍልቖ መሲሉ ተረኣየኒ…ኽምስ በልኩ፡፡

ከባቢ ቃሊቲ እንትንበጽሕ ዝወርዱ ሰባት ሓሓሊፎም ነታ ኣውቶብስ ጠጠው ክትብል ኣገዲዶምዋ…ካብኣቶም ሓደ እዚ ሰብኣይ እዩ…ቅድም ኢሉ ብስልኪ እንተዋግዕ ሰሚዐዮ እየ…እናቐረበ ከምዘሎ ዝሕብር፡፡ እንትወርድ በቲ ጥቓይ ስለዝነበረ “በል ደውል ኢኻ” ኢሉ ብፍጥነት ቁጽሪ ስልኩ ኣፅሓፈኒ ሽሙ እንትሓቶ ግና ኽምስ ኢሉ…ከይነገረኒ “ደውል ኢኻ” ኢሉኒ ወረደ፡፡ (ኽምስ ዝበለሉ ምኽንያት ተረዲኡኒ እዩ ለይቲ እንትነውግዕ ብፍላይ ኣማኻሪ መለስ ምዃኑ እንትዛረብ ሽሙ ሓቲተዮ ከምዘይነግረኒ ሓቢሩኒ ብምንባሩ እዩ)

እታ ኣውቶብስ ብሰንኪ ምጭንናቕ ትራፊኽ ዳርጋ እናተፋሑኸት ስለትኸድ….በቲ መስቲያት ኣማዕድየ እንትርኢ እቲ ሰብኣይ ንንእሽተይ ቦርሳ ኣብ እንግድዑ ሒዙ እንትስጉም ሪአዮ…ናብ ኣንፈት እቲ ዝኸደሉ እንትጥምት ሓንቲ ቢ.ኤ.ም ደብሊው ስፖርቴጅ መኪና ጠጠው ኢላ ሪአ…ካብቲ ጋቢና ሓደ ምሉእ ሱፍ ዝገበረ ወዲ ወሪዱ እናነሃረ ፈለማ ነቲ ቦርሳ ምስተቐበሎ ትሕትናን ፍቕርን ዝተመልኦ ሰላምታ ሂብዎ…ቀቅድሚኡ ኸይዱ ድማ ናይቲ ጋቢና ኻልእ ማዕጾ ኸፊቱ ንኽኣቱ ኣመቻቸወሉ፡፡

ድሕሪ ክልተ መዓልትታት ደወልኹሉ፡፡ ዝተቐበለኒ ሰብ ንሱ ኣይነበረን የግዳስ መልእኽቲ ክቕበልሉ ስልኩ ገዲፉ ከምዝኸደ ሓበሩለይ፡፡

ደጊመ ድሕሪ ወሱናት መዓልትታት ደወልኹሉ፡፡ ሽሙ ስለዘይሃበኒ ክዝክረኒ ምእንታን ኣብ መተሃራ እናውጋዕና ከምዝሓደርና ሓበርኩሉ፡፡ ዳርጋ ነዊሕ ግዘ እንፋለጥ ስጡም ሰላምታ ኣቕረበለይ…ብዛዕባ ጓለይን ሰበይተይን እውን ኸምኡ፡፡
ብምቕጻል “ሓደ ነገር ክነግረካ ኣብቲ መዓልቲ እውን ሓቢረልካ ነይረ እየ…ንስኻ ሰባት እንትዛረቡ ጽን ኢልካ ኢኻ እትሰምዕ ኣብቲ ኣውቶብስ እውን ስነምግባርካ ንምርዳእ ኣየጸገመለይን…ምስ ዓበይቲ እንትተውግዕ እውን ድንን ኢልካ ብትሕትና እዩ…እዚ ዓብይ ጸጋ እዩ….ኣነ ብሓደ ነገር ሓላፍነት ኣለኒ…ንኸማኻ ዝበሉ መናእሰይ ሱቕ ኢለ ዘይሓልፈሉ…ስለዚ እናተራኽብና ክነውግዕ ኢና…ንብዙሓት ናብ ትረብሐሉ ኣንፈት ብኸመይ ከምትበጽሕ ሽዑ ትረኽቦ ብዙሕ ነገር ክህልወካ እዩ….” በለኒ፡፡

ደሕሪ ውሱናት ሰሙናት እንትትድውል…“ይቕሬታ ንፕሮፌሰር እንተኾይኑ ናብ ወጻኢ ከይዶም እዮም ድሕሪ ክልተ ሰሙን ክምለሱ እዮም…” በለኒ እቲ ስልኪ ዘልዐለ ወዲ፡፡ ኣብታ ናይ መተሃራ ለይቲ ምስቶም ዝካትዑ ዝነበሩ ኣምሓራይን ኦሮሞታይን እንትነውግዕ ዝተዛረቦ ዘከርኩ፡፡ “ኣብ ኩባ ዘምህሮም ተምሃሮ ኣለዉ…እንታይ ኢሎምኒ መስለኩም?” ነዚ ዝዛረብ ዘሎ ብፍላይ ነቶም ክጀሃሩ ዝነበሩ ኣምሓራይ እዩ…ንሶም በቲ ናቶም እዋን ዝነበረት ኢትዮጵያ እንተሞግሱ ነዛ ናይ ሕዚ እንትወቕሱ ጸኒሖም ነይሮም፡፡ እቲ ሰብኣይ (‘ፕሮፌሰር’) ዘረብኡ ቐጺሉ…“ እሞ እቶም ተምሃሮይ እንታይ ኢሎምኒ መስለኩም…’ካብ እትዛረቦ ብዝትፈለየ ሰሪሕኻ እተሪአና እዩ ንሃገርናን ውልቅናን ዝረብሐና’ ኢሎም ርእሰይ ከድንን ዝገበረኒ ዘረባ ተዛሪቦምኒ… ኣብ ሃገረይ ሰሪሐ ዝለወጥክዎ ነገር ብዘይምህላዉ”….ዝበሎ ዘከርኩ፡፡

ስለዚ ምናልበች ኣብ ኣውሮጳ ወይ ኣሜሪካ ካብ ዘለዋ ዩኒቨርስትታት ብሓዲአን ተዓዲሙ ከምህር ከምዝኸደ ሓሰብኩ፡፡ ብድሕሪኡ ነዚ ሰብኣይ ኣይደወልኩሉን ምናልባች እውን ሎሚ ዝዘከርክዎ ድሮ ቁልቢ ስለዝኾነ እዩ፡፡

ነዚ ተጓንፎይ እተንብብቡ ኽቡራት…ብዘይገለ ምኽንያት ነዚ ኣየልዕክዎን የግዳስ ሎሚ ንዝኽበር በዓል ቁልቢ ምስ ዘከርኩን እናንበብክዎ ዝርከብ ቀዳመይ ወያነ ዝብል ናይ የማነ ገ/መስቀል መጽሓፍ ብዛዕባ ቁልቢ ገብርኤል ሓውዜነታይነት ስለዝሓበረኒ እዩ፡፡ ካብዚ ብምብጋስ ድማ…ትግራይን ትግራዋይነትን ካብ ጓሓሎ ታሪኽን ሓድግን ተናጊፎም ከምዘይፈልጡ ናብ ድምዳመ ክበጽሕ ተገደድኹ፡፡ እዚ ‘ፕሮፌሰር’ እዩ ዝተብሃለ ሰብኣይ እውን ነዛ ከም ብሌን ዓይንና እንሪኣ ዓባይ ግድብ ህዳሰ መሃዚኣን መሃንዲሳን መለስ ብምዃኑ ስለዘይተወሓጠሉ ብኸማይ ዝበለ ገርሂ ክጉሕል ዝወፈረ ከምዝኾን ጠርጠርኹ፡፡

ካብዚ ትሕት ኢሉ ካብዝርከብ መጽሓፍ ቀዳመይ ወያነ ብዛዕባ ናይ ቁልቢ ገብርኤል ሓውዜነታይነት ዝሕብር ጽሑፍ ተኣንገዱ፡፡

“……ተጋሩ ንዉሉድ ወለዶ ሓልዮምን ተኸናኺኖምን ዘጽንሕዎም ጥንታውያን ሓድግታቶም ብዛእቲ ደርብታት ሽዋን ባዕዳዊ ወራሪ ጥልያንን እናተወረሩን እናተሰረቑን ተወሲዶም እዮም፡፡ ኣብነት፡- ብ1898 ዓ.ም.ፈ ንልኡል ራእሲ መንገሻ ዮሃንስ ኣሲሮም ንክወስዱ ንራእሲ ሚካኤል ወሎን ዋግሹም ብሩ ላስታን ኣኸቲሎም ናብ ትግራይ ዝዘመቱ ራእሲ መኮንን ወልደ ሚካኤል (ኣቦ ሃፀይ ሃይለስላሰ) ንራእሲ መንገሻ ዮሃንስ ናብ ሽዋ ምስለኣኽዎም ንትግራይ ምስ ሃረር ደሪቦም ክገዝኡ ተሸይሞም ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ትግራይ ተቐመጡ፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብዙሕ ተኣምር ከምዝነበሮ ዝንገረሉ ታቦት ቅዱስ ገብርኤል ካብ ሓውዜን ወሪሮም ናብ ትውልዲ ዓዶም ሒዞምዎ ብምኻድ “ቁልቢ ገብርኤል” ኢሎም ብምስያም ኣብ ሃረር ተኺሎምዎ እዮም፡፡(ራእሲ መኮንን ካብ ሓውዜን ለቒቖም እንትኸዱ ታቦት ቅዱስ ገብርኤል ካብ ሓውዜን ቤተክርስትያን ወሲዶም ቁልቢ ተኸልዎ፡፡ ታቦቱ ‘ቆሊቦም’ ወሲደምዎ ብዝብል ቁልቢ ተባሂሉ ተሰየመ ይብሉ ኣቶ በላይ ጊደይ አክሱም ኣብዝብል መጽሓፎም) [ካብ ቀዳመይ ወያነ (2005)፡ የማነ ገ/መስቀል፡ ገጽ 33-34]

ጋዜጠኛ በርሀ ሃይለ እውን ታቦት ቁልቢ ገብርኤል ሓወዜነታይ ምዃኑ “ተስፋ” ኣብዝብል መጽሓፉ “ቁልቢ” ብዝብል ርእሲ እዚ ዝስዕብ ግጥሚ ገጢምሉ ኣሎ፡-

ክሳለም ከይደ መጽብዓ ነይሩኒ
ጭጋረተይ ቋንቋይ ሪኡ ሰሚዑኒ
ሓውዜን ከመይ ኣላ ኢሉ ሓቲቱኒ
ምስ ሕሱም ናፍቖት ታሪኽ ነጊሩኒ፡፡
(በርሀ ሃይለ (2001)፤ተስፋ፤ገጽ 48)………”

እሞኸ ራእሲ መኮንንን እቱ ኣማኻሪ መለስ እየ ዝበለኒ ሰብኣይን እንታይ ፈለዮም?…ዋላ ሓንቲ!!!…ክልቲኦም ሓድግን ታሪኽን ተጋሩ ናይ ዝጉሕሉ ብዙሓት ወከልቲ እዮም፡፡

*********

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories