“ሃፀይ ቴድሮስ ትግራዋይ እዩ” – ኣታኽልቲ ሓጎስ

Highlights:

* ግራኝ ኣሕመድ ምስተልዓሉ ተጋሩ ኸይዶም ኣብ ሽምብራ ቆሬ ብምስዓሮም ናይ ግራኝ ሓይሊ ንኢትዮዽያ ክሕዛ ክኢሉ። ጣልያን ንካልኣይ ግዘ ክወርር ከሎ ኣብ ተምቤን ዝነበረ ውግእ ሓያል ነይሩ። እኒ ራእሲ ስዩም ኣብ ተምቤን እንተዝስዕሩ ነይሮም ምድሓነት።ኣብኣ ጣልያን ስለዝስዓረ ጣልያን ኣይተትሓዘን ከይዱ ማእኸል ሃገር ኣትዩ። እዚ ዘርእየካ ዕድልን ሉኣላዊነትን ናይዛ ሃገር ክብሪ ናይዛ ሃገር እውን መበገሲ ኣብዚ እዩ።

* እጃም ተጋሩ ኩሉ ግዘ ኣብ ልዕልነትን ምሕላዉ ክብሪን ኢትዮዽያ ቅድምያ ኣለዎ፤ እዚ ንእከለ ኢልካ ክግደፍ ወይ ድማ ከይስማዕ ኢልካ ዝሕደግ ነገር ኣይኮነን፤ ሓቂ እዩ።

* እዛ መዛዝ ንተጋሩ ኣብ ክልተ ከፈለማዎ ካብኡ እታ መረብ ዶብ ኮይና ንኸትነብር፤ ትግርኛ ተዛረብቲ ኣብ 2ተ ተከፊሎም። እሳ’ያ ዓባይ መዘዝ።

* ጣልያን አንታይ ይብለና ኣብ ኩናት ኣይስዓሩን ድሕሪ ኩናት ግን ከም ኣክላባት እዮም፤ ኣኸላባት ዝብኢ መፂእዎም ተኣኪቦም የባርርዎ ሑሕሑሕ ኢሎም ቀልቡ እዮም ዘጥፍኡሉ፤ ይሃድም። ብድሕሪኡ ብዓፅሚ ይበኣሱ። ተጋሩውን ድሕሪ ዓወት ከምኡ እዮም ይብሉና።

* እዚ ኩሉ ነናብ ዋኒኑ ምስከደ ሕቶ ምልዓል ገዲፍዎ እዩ።እቶም ናቱ ዝመርሑʼውን እቲ ሕቶ ጠቃሚ ምኻኑ ዝረስዕዎ እዩ ዝመስለኒ።ሕቶ ክሕተቱ ከለዉ ከምዚ ንዕኦም ክብሮም ምትንካፍ ጌሮም ዝረኣይዎ ይመስለኒ።

* ሽዑእቲ ኣተኣላልያ እውን ብኣቃልቦ ወይ ድማ ብዘይምሕሳብ ምክንያት ዘይደሞክራስያዊ ነይሩ ትብሎ ኣተኣላልያ እዩ።

* እታ ፀገም ነናብ ፃሕልና ምስ ኣተና እቲ ቓልሲ ናበ ጎኒ እናገደፍካ ናብ ክብርኻ ጥራሕ እትሪአሉ ኣተሓሳስባ ተፈጢሩ እየ ዝብል። ሽዑ ዝመፀ ንምንታይ ተተንከፍና እዩ።

አቶ ኣታኽልቲ ሓጎስ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ተወሊዱ ዓብዩ፡፡ ካብ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኣትሒዙ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዝጀመረ እነትኸውን፤ ብስሩዕ ካብ 1969 ዓ/ም ጀሚሩ ናብ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ተፀምቢሩ፡፡ ክሳብ 1992 ዓ/ም ኣብ ውሽጢ ህወሓት ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት እናሰርሐ ድሕሪ ምፅናሕ ካብቲ ውድብ ወፂኡ ቅድም ኢሉ `ውን እናማዕበሎ ናብ ዝመፀ ናይ ስነ-ፅሑፍን ስእልን ስራሕቲ ኣትዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ንመንነት ህዝቢ ትግራይ ዝጥምቱ ብርክት ዝበሉ ፅሑፋት ኣበርኪቱ፡፡ ንርአ ብዝብል ኣርእስቲ ዘሰናድኦ ዝነበረ መፅሄት ሓዊሱ ኣድገይ ዶ ክንደያ፣ ረመፅ፣ ናፅነት፣ ጥብሲ ክልተ እቶን፣ ዋልታ፣ ዳግመ ልደት ቋንቋ ትግርኛ፣ ሞት ልዕሊ መቓብር፣ ባሻይ ኣውዓሎም፣ ናይ መወዳእታ ኮንፈረንስ፣ ወፍሪ ምድሓን፣ ኣይንተሓማመ፣ ኲናት ዓድዋን መዘዛቱን፣ ምትሃታዊ ቀሲስ ወዘተ ዝብሉ መፃሕፍቲ ንንባብ ዘብቀዐ ተቓላሳይን ደራስን እዩ፡፡ ዋና ኣሰናዳኢ መፅሄት ውራይና ጌታቸው ኣረጋዊ ምስ ኣታኽትልቲ ሓጎስ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝገበሮ ፃንሒት ከምዝስዕብ ቀሪቡ አሎ፡፡ ሰናይ ንባብ፡፡

ሕቶ፦ ኣብዚ ወግዕና በቢእዋኑ ዘሐተምካዮም ፅሑፋት መበገሲ ምግባርና ኣይተርፍን እሞ፤ብሱሩ እቲ ናይ ምፅሓፍ/ድርሰት/ ልምድኻ ካበይ ዝነቐለ(ዝተልዓል) እዩ ትብል?

ኣታኽልቲ፦ ንምፅሓፍ ወይ ንምስኣል ዝወሰድኹዎ ዝተፈለየ ትምህርቲ የለን ። ካብ ኣክሱም ምምፅኣይ ናብዚ ሞያ እዙይ ንክኣቱ ኣስተዋፅኦ ገየሩለይ እየ ዝብል። ዝፈልጦ ስኣላይ ወይ ድማ ደራሳይ ኣይነበረን­­­­­­­­ ፣ይኹንምበር ብጣዕሚ ናይ ምንባብ ልምዲ ነይሩኒ። መፅሓፍ ኣየማርፅን ነይረ ። ዝረከብኩዎ መፅሓፍ የንብብ ነይረ ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ዩኒቨርስቲ ተምሃሮ ምልዕዓል ንሂወተይን ህላወ ዓደይን እቲ ዝነበረ ስርዓት ዘይንታየይ ምኻኑን ክግንዘብ፣ ናይ ቃልሲ ድልየተይ ንክዓቢ ገይርዎ ። ኣነ ኣብቲ ፈለማ ናይ ቃልሲ ስምዒት ሓዲሩኒ፤ ኣይቐፀልኩን እምበር ዉድብ ቅድሚ ምምስራቱ ዝራከቦም ሰባት ነይሮም ። ካብ 1964 ዓ∕ም እዩ ዝጅመር ። ሕዚ እቲ ዉድብ ኣይፈልጦን ነይረ ዳሓር ከምዝተዒዘብኩዎ ግን ብስብሃቱ ዉነህ ምክንያት እየ ተረዲኡዩ። ንስብሃቱ ዉነህ ምስቀተልዎ እንታይ ምግበር ይኽእል? ምክንያቱ ርክበይ ምስኡ እዩ ነይሩ ። እቲ ካብ 1966 ዝነበረ ምንቅስቃስ ይሳተፍ ነይረ ተኣካባይ እየ ነይረ ማለት ዝህቦ ሓሳብ ኣይነበረን ። ክሳብ ሽዑ ዝፅሕፎም ግጥምታት ነይሮም ። ተዎስኦ እዉን ኣዳልየ 1967 ዓ∕ም ተራእዩ ነይሩ ። ናብ በረኻ ምስወፃእና ንዕብየት ቋንቋ ትግርኛ ስነ­ፅሑፍ ክነብር ኣለዎ ። ናይ ምንባብ ልምዲ ክህሉ ኣለዎ። እሱ እዩ ነቲ ቋንቋ ዘዕብዩ ዝብል እምነት ስለ ዝነበረኒ ። ከም ዝዝክር እቶም ኣሃዱታትና በቢ ናይ ባዕሎም ጋዜጣን በራሪ ወረቐትን ኣቢሉ ጽሑፋት ይፀሓፉ ነይሮም ። ብመፅሓፍ መልክዕ ንመጀመርያ ግዘ ሓፀርቲ ታሪኻት ዝሓዘት ኣውጺአ። ሽዑ ኣጋጣሚ ኣብ ናይ ፓሊት ቢሮ ኣኼባ ነይሩ ኣነ ዉን ኣብቲ ከባቢ ነይረ ስለ ዝኾነ እዉን እታ “ ናፅነት “ትብል ሓፃር ታሪኽ መፅሓፍ ሂበዩም ብጣዕሚ ተሓጒሶም። ለካስ ምፅሓፍ ክንጅምር ንክእል ኢና ኢሎም ኣመስጊኖም ። ።…………………መጀመርያ እቲ ስኣላይ ምዃነይ ኣብ ባህሊ እዩ ኣመዲቡኒ ።እዙይ እዩ እቲ ስነ­ፅሑፍ ኣጀማምርኡ።

ሕቶ፦ እታ ሓፃር ታሪክ ብዛዕባ እንታይ ዝምልከት ዝሓዘት ነይራ?

ኣታኽልቲ፦ ተጋደላይ ንቐደም ንባዕሉ ነፃ ዘዉፅአን ስብእንኡ ዘረጋገፀን ዘመናዊ ስብ ክኸዉን እያ እታ ጭብጢ።

ሕቶ፦ ካብቲ ውድብ ብኸመይ ኢኻ ወፂእኻ?

ኣታኽልቲ፦ ኣዲሰ ኣበባ ምስ ኣተና(ደርጊ ስዒርና ማለት እዩ)፤ ሽዑኡ ዝተዉሃበኒ ስራሕ ናይ ኢህወደግ ናይ ዜና መዋእል ሓላፊ እዩ ዝብል ነይሩ ። ሽዑ እንታይ እዩ ኢለ ግር ኡሉኒ ነይሩ ምኽንያቱ እቲ ቃል እዉን ኣይፈልጦን ነይረ ። ደሓር ግን ምስተረዳእኩዎ፤ መምርሒ እዉን ስለዘይነበሮ ብናይ ባዕለይ መንገዲ ከዋድድ ጀሚረ ። ምሳይ ዝነበሩ ተጋደልቲ እንታይ እዩ እዙይ ኢሎም ደመወዝ እዉን ስለዘይነበሮ ገዲፎምኒ ከይዶም ። በይነይ ኮይነ ክሰርሕ ከለኹ እታ ስርሐይ ባዕላ ምስተን ብናትና ኣዋጅ ምክንያት ንሕና ብዝፈጠርናዮ መሰል ምክንያት ዝተፈጠራ መፅሄታት ፀረ ተጋሩ ኮይነን ። ፀረ ተጋሩ ምስ ኮና መልሲ ክንህበን ነይሩና ። ሓላፍነተይ እዩ ምኽንያቱ ኣንቢበስ እንታይ ክግበር ኣለዎ ነቲ ላዕለዋይ ኣካል ክዛረብ ነይሩኒ ። መልሲ ንሃበለን ኢለ። ኣበይ ከይበፅሓ ዝብል ምላሽ ምስተዉሃበኒ ብኡኡ ኣይተስማዕማዕናን፤ ተደሊኻ ጋዜጣኻ ባዕልኻ ኣዉፂእኻ መልሲ ሃበለን ዝብል ምላሽ ተዋሂቡኒ ።

በዚ ዝተላዓለ ክንዲ ዝከድኩዎ ይኸይድ ነይረ “ጥብሲ ኽልተ ኣቶን ” እትብል መፅሓፍ ፅሒፈ ። ጥብሲ ኽልተ እቶን ማለት ተጋሩ እንታይ ጌሮም እዮም ብክልተ ሓዊ ዝብልዑ እዩ። እቶም ክልተ ሓዊ እንታይ ማለተይ እየ ትምክሕተኝነትን ፀቢብነትን ማለተይ እየ ። ፀቢብነትን ዝዉክሉ ኦነግን ናይ ኤርትራ ሓይልታትን እዮም። ትምክሕቲ ድማ ሽዋዊ ኣተሓሳስባ እዩ። እዛ ፅሕፍቲ ምስ ረኣየ እቲ ላዕለዋይ ሓለቓይ ዝነበረ ንስኻ ምስ ኤርትራ ክተባእሰና እዛ መፅሓፍ ንምንታይ ፅሒፍካ ኢሉኒ ።ክፅሕፎ ዝግበኣኒ ሓደ ዓብይ ፀገም እዩ፤ ካልኦት እኳ ኣነ ዝፈጠርኩዎ መሰል ተጠቒሞም ዝኾነን ዘይኮነን እናፀሓፉ፣ ህዝቢ ኣናታለሉ ኣነ ከምዚ ክፅሕፍ ዝኽልክለኒ የለን። ትኽክል እየ ኢለ ተኻቲዐ ። ዝኾነ ቃላት ተቖራሪፆም ተሐቲማ። ብድሕሪኡ ወዬ ምስ ኤርትራ ክተባእሰና እትብልስ እንታይ ኮይና፤ ናብ ኤርትራ ከይደ ናይ ባፅዕ ቆንስላ ክትከውን ተባሂለ ተላኢኸ። እዚ ቅፅዓት እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ምስ ኤርትራ ክተባእሰና ተባሂለ ነይረስ ናብ ኤርትራ ቆንስላ ናይቲ ዉድብ ሓላፊ ተባሂለ ተላኢኸ።ኣብኡʼውን በታ ናይ መንግስቲ ኣሰራረሓ ዝተውዓዐለሉ ውዕሊ ንዕኡ መፈፀማይ ኮይነ።

ሐዚ ካብቲ ውዕል ወፃኢ ዝኸደ ክቆፃፀር ነይሩኒ። ደሓር ሻዕበያ ክኸሰኒ ጀሚሩ። ለካ ሽዑ ኣነ ናይ መንግስቲ ይመስለኒ ነይሩ፤ ናይቲ ውድብ እየ እኒአኹ፤ ሽዑ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ዝከታተሉ ዝነበሩ እቲ ሚንስትር ጉዳይ ወፃኢ ዘይኮነስ መራሒ ተወልደ ምክትሉ ድማ ገብሩ ናይዚ ክልል ሰበስልጣን እዮም ነይሮም። ሽዑ ናብ ትግራይ ተፀዊዐ ክንቀፍ ተፈቲኑ ነይሩ ስለ እትፀልኦምስ ምስራሕ ትኸልኦም ኣለኻ ተባሂለ። ግን ረቲዐ ማለት እውን ብኣሰረራርሓ መሰረት ይኸይድ ስለዝነበርኹ።ብዝኾነ በቲ ድልየት እቶም ውልቀሰባት ዘይምኻደይ እምበር በቲ ናይ መንግስቲ ፖሊሲ ትኽክል እየ ነይረ። ኻብኡ ተቐይረ ምስመፃእኹ ንዓኻ ዝኸውን ስራሕ የለን ተባሂለ። እሞ ናብ ትግራይ ልኣኸኒ ተበልክዎ ትግራይ እማ ገብሩ እዩ ሓላፊ ይብለኒ።ዋእ! ገበሩስ ዘ ይኣዘዝካዮʼዶ ይገብር እዩ ኢለዮ።በጣዕሚ ዘሕዘነኒ ዘይጥዑይ ምኻኑን ሕማም ከምዘለዎን ዝተረዳአኹ ሽዑ ነይሩ ። ሽዑ ኣባይ ፀሃየ ናይ ካድረ ምድባ ስለዝነበረ ናብኡ ይኸይድ እሞ ዝበሉኻ ገይርካ ዘይትነብር ኢሉ ኽነቕፈኒ ይሙክር። ለካ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣይእዘዝን ተባሂሉ እዩ ዝውረ ነይሩ። ምስ ኣባይ ቁርብ ምስ ኣውጋዕና ዋላ ናብ ማረት እንተመደበኒ ገብሩ ግን ንዓኻ ዝኸውን ስራሕ የብልናን ኢሉኒ ነይሩ። ቁሩብ ኣብ ማረት ፀኒሐ ኣበኡ ዉን ስራሕ የብልካን ተባሂለ። ስለ ዘይደለየኒ ካብቲ ዝፈተዎ ውድብ ወፂአ። ካብቲ ዝፈትዎ ውድብ ምውፅአይ ንህዝቢ ከይነገረኩ ፀኒሐ፤ ምኽንያቱ ኣብቲ ህዝቢ ዝፍጠር ቅርሕንቲ ነቲ ውድብ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከየሕድረሉ ንባዕለይ መስዋእቲ እንተኾንኩ ይሓይሽ ኢለ ንማንም ሰብ ኣይተዛረበኩን።እዙይ እዩ ነይሩ እቲ ኣወፃፅኣይ።

ሕቶ፦ ካብቶም ዝፀሓፍካዮም ብዙሓት መፅሄታትን መፅሓፍትን ውሽጢ “ወፍሪ ምድሓን” እትብል መፅሓፍ ኣላ። ወፍሪ ምድሓን ክትብል ከለኻ እንታይ ንምባል ደሊኻ ኢኻ?

ኣታኽልቲ፦ ናይ ዝወፈርኩሉ ዕላማ ማለት እቲ ዕላማ ህወሓት፣እቲ ናተይ ዕላማ፣እቲ ንሂወተይ ዝውስን ዕላማ ሃገር ናይ ምድሓን ዕላማ እዩ።ዕላማ ህወሓት ብርግፅ እንተሪኢናዮ ኢትዮጵያ ዘድሐነ ዕላማ እዩ። ህወሓት ተዘይትነብር ናይ ኢትዩጵያ ዕድል ናይ ምጥፋእን ምፍርራስን ዕድል እዩ ነይሩ።ህወሓት መሰል ዓርሰ ውሳነ ክሳብ ምንፃል ዝብል ዕላማ ሒዙ ብምምፅኡን ብቃል ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ እውን ዘተግበረ ምዃኑ እዩ። ኢትዮጵያ፣ ኢትዮጵያ ኮይና ንክትከይድ ህዝቢ ትግራይ ናተይ እያ ኢሉ ሓቑፉ ዝኸደን ፀኒዑ ዝፀንሐን እዩ። ምኽንያቱ ብታሪኽ እውን ዝተመስከረ እዩ። ማዓት ኲናታት ዝተኻየዱ ኣብዚ እዮም።ኣብዚ ቦታ እዚ ወሰንቲ ኲናታት ተኻይዶም ንሃገር ድማ ኣድሒኖም። ኣብነት ከምፅአልካ እየ፡፡ ተጋሩ ዝወደቑሉን እታ ዓዲ ዝጠፍአትሉን፤ ካብ 16 ክፍለ ዘመን ክጅምረልካ፡፡ ግራኝ ኣሕመድ ምስተልዓሉ ተጋሩ ኸይዶም ኣብ ሽምብራ ቆሬ ብምስዓሮም ናይ ግራኝ ሓይሊ ንኢትዮዽያ ክሕዛ ክኢሉ። ጣልያን ንካልኣይ ግዘ ክወርር ከሎ ኣብ ተምቤን ዝነበረ ውግእ ሓያል ነይሩ። እኒ ራእሲ ስዩም ኣብ ተምቤን እንተዝስዕሩ ነይሮም ምድሓነት።ኣብኣ ጣልያን ስለዝስዓረ ጣልያን ኣይተትሓዘን ከይዱ ማእኸል ሃገር ኣትዩ። እዚ ዘርእየካ ዕድልን ሉኣላዊነትን ናይዛ ሃገር ክብሪ ናይዛ ሃገር እውን መበገሲ ኣብዚ እዩ። ናይ ምውሳን ተራ እውን ኣለና። እዚ ምክንያት እዚ ብናተይ እምነት ካልእ ዘይክቅበሎ ይክእል ተጋሩ ንኢትዮዽያ መስዋእቲ ዝኾኑንን ዘድሓንዋን እየ ገይረ ዝወስዳ። ሐዚ ኣብ ኢትዮዽያ ዝነበረ ኣርኣእያታት ኩሉ ታሪክ ክፀሓፍ እንተኾይኑ ድማ በዚ ክፀሓፍ ኣለዎ። ህወሓት ንእሽተይ እያ ነይራ ዘልዓለቶ ሕቶ ግን ዓብይን ሃገር ዝቅይርን እዩ ነይሩ።በዚ ኣንፈት እዚ እዩ ክፀሓፍ ዘለዎ ታሪክ ናትና።

ሕቶ፦ ምስቲ ምድሓን ኣተሓሒዝካ ብዙሕ ዝበልካዮ፤ እቲ ህዝቢ ብዝተፈላለየ መንገዲ ነቲ ዝነበሮ ግደ ገሊፅካልና።ናይዚ መርኣያ ዝኾኑ ሰባት ግሊፅካ ኣብቲ ሓደ መፅሓፍ እቲ ስልጣነ ዘፋለጡ እውን እገለ እገለ ኢልካ ኔርካ። ኣምሓሩ ንሃፀይ ቴድሮስ ከምዘሞግሱ ግን ሃፀይ ቴድሮስ ʼውን ካብ ትግራዋይ ዘይወፀ ከምዝኾነ ኢልካ ገሊፅካ ኔርካ?

ኣታኽልቲ፦ ኣብተን መፅሄታት ዝብልካየን ንርአ እያ ትበሃል ነይራ መፅሄተይ ። ሓደ ንርኣ ዝበሃል ስዉእ ብፃይ ነይሩ፤ ሰሚዕካ እንተኾንኻ እግሩ ተnሪፁ ዝተቆረፀ እግሩ ኣልዒሉ ኣጆኩም ቀፅሉ ኢሉ ዝጨርሐ ስዉእ ተጋዳላይ ኣብ ሸራሮ። መራሒ ሓይሊ እዩ ነይሩ ። ንርአ ማለት እቲ ሓደ ንዑኡ ዝዘከርኩ ስለ ዝመሰለኒ እንትከዉን እቲ ካልእ ብትክክል ንርኣ (ነስተዉዕል)፤ ንሳ እያ እታ ዕላማ ናይታ መፅሄት። ዝሰልጠነት ኢትዮዽያ መን ፈጢሩዋን ኣብ ምፍጣር ዝሰልጠነት ኢትዮዽያ ተጋሩ እንታይ ዓይነት እጃም ነይሩዎምን? ዝብል ዘልዐልኩዎ ኣሎ። በዓል ነጋድራስ ገብረ ሂወት እዮም ሐዚ ናይ ለዉጢ ሃዋርያ ኮይኖም ክመፁ ዝግበኦም ። ሪኢካዩ እንተኾይንካ ህዝብን መንግስትን ዝብል ዝፀሓፍዎ ሐዚ እንብሎ እዉን ዝብሉ ዝነበሩ ስብኣይ እዮም በቲ ዘበን እቲ፤ ንኦም ግን ቀቲሎምዋቶም እዩም ። ናቶም ራኢ እቲ ሐዚ ተጀሚሩ ዘሎን እነተግብሮ ዘለናን ናብኡ ዘእቲ እዩ ነይሩ፤ ንሱ ንምባል እየ ዘልዕሎም ዝነበርኩ ። ሃፀይ ቴድሮስ 100% ትግራዋይ እዩ። ግን ኣብ ቋራ እዩ ተወሊዱ ንሱ እዩ እቲ ሓቂ። ትግራዋይ ኮነ ኣይኮነ ምንም ለዉጢ ኣየምፅእን፤ ኣነ ግን ነቶም ዝምክሑ እቶም ትምክሕሎም እውንስ ነሃትና እዮም ንምባል እየ። እቲ ዝምክሑሉ ቴድሮስ ትግራዋይ እዩ፤ ትግራዋይ ኣይትንዓቑ ንምባል እዩ ። እቲ ትግራዋይስ ናትኩም እዩ ንክብል እየ ። ስለዚ እዙይ እየ ዝብል ነይረ ። እጃም ተጋሩ ኩሉ ግዘ ኣብ ልዕልነትን ምሕላዉ ክብሪን ኢትዮዽያ ቅድምያ ኣለዎ፤ እዚ ንእከለ ኢልካ ክግደፍ ወይ ድማ ከይስማዕ ኢልካ ዝሕደግ ነገር ኣይኮነን፤ ሓቂ እዩ።

ሕቶ፦ ሓደ መፅሓፍ ድማ “ዓወት ዕድዋን መዘዛቱን” ዝብል መፅሓፍ ኣለካ። ኩናት ዓድዋ ዓወት ተሓፊስዎ እዩ፤ ኣብኡ ናይ ተጋሩ ግደ እንታይ ነይሩ? በቲ ሓደ ገፅ መዘዝ ዉን ኢልካዮ እንታይ እቲ መዘዝ?

ኣታኽልቲ፦ ዓወት ዓድዋ ናይ ምኒሊክ ገይሮም ዝሓስብዎ ከምኡ ገይሮም እዉን ኣብ ደርፋም ክእትዩዎ ይረኣዩ፤ ከም ንጉስ ነይሮም እዮም፤ እቲ ኲናት እስካዕ ዝዉዳእ ዝፅልዩሉ ዝነበሩ ቤተ ክርስትያን ኣሎ ኣብቲ ኲናት እቶም ንጉስ ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን ። እቲ ኩናት መንዩ ስትራቴጂካሊ መሪሕዎ? ዓድዋ ኣሉላ ዲዛይን ገይሩ እታ ኲናት ከምትዕወት ገይርዋ እዩ። ሓንቲ ናይ ሕሰት ወይ ዘየላ እንዳኪዳነምህረት ፈጢሩ ክሳድ ዓፅዩ መጀመርያ ንኣርቦርቴኒ ዝበሃል ጀነራል ናይ ደቡብ ክንፊ ወይድማ ፀገማይ ክንፈ ዝነበረ መራሒ ማለት ዩ ተnፃፂርዎ። ብድሕሪኡ እታ ኩናት ከመይ ኢላ ትዕወት ይዛይን ገይሩ፤ ካብ ማእከል ሃገር ዝመፀ ከመይ ኢሉ ክዕወት ከምዝክእል ብሙሉእ ዲዛይን ዝገበሮ ኣሉላ እዩ። ካብ መፈለምትኡ ንጉስ ካብ ቤተመንግስቶም ክለዓሉ ከለዉ ንተዓረቕ እምበር መሬት ተታሒዙና እዩ እሞ ነፃ ክነውፅእ ዝብል ትልሚ ኣይነበሮምን። እቲ ኩናት ብዓወት ተዛዚሙ ኣብ ምህርቲ ምሕፋስ ግና እቶም ንጉስ ምስ ጣልያን ከይበኣሱ ክብሉ ሓደ ሬሳ ክቐብር ኢሉ ዝመፀ ሸለቃ (ስሙ ረስዐዮ) ክንተዓረቅ ክሳብ ሐዚ ዝተገበረ ኩናት ይኣክል ኢሎሞ። ሽዑ ኣሉላ ግን ናይ ኦሮሞ ፈሪሰኛ ጥራሕ ይሃቡኒ እሞ ብ7 መዓልቲ ቀሪመ ቀራሪመ ከባርሮ እሊዎም ፤ ዓሪፍካ ተቐመጥ ኢሎሞ። ሐዚ እዚኣ እማ ረኣየእዛ መዛዝ ንተጋሩ ኣብ ክልተ ከፈለማዎ ካብኡ እታ መረብ ዶብ ኮይና ንኸትነብር፤ ትግርኛ ተዛረብቲ ኣብ 2ተ ተከፊሎም። እሳ’ያ ዓባይ መዘዝ።

ሕቶ፦ እቲ ካሊእ ተጋሩ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ልምዶም ብዙሕ ኣኮነን፤ ብስሩ ኸ ተጋሩ ሽግሮም ይፈልጡ ዶ? ዝበልካዮ እዉን ነይሩ። ተጋሩ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ባህልና እንታይ ይምስል? እቲ ሽግር ትብሎ ዘለኻስ እንታይ እዩ?

ኣታኽልቲ፦ ተጋሩ ሓቢርካ ናይ ምውጋእ እምበር ናይ ምስራሕ ልምዲ የብሎምን። እቲ ኩናት ኣዕዊትናዮ ኢና። አብ ቦትኡ ኣብፂሕናይ ኢና። ኩለን ቢሄር ብሄረሰባት ሕጉሳት ኮይነን ኢትዮጵዊነት ኽቕበላ፤ ናትና እያ ኢለን ክማጎታ ዘግበረ ዕላማ ሒዝና ዕዉት ገይርናዮ። ብድሕሪኡ ኸ ከመይ ፅብቅ ንከይድ ኣለና? በቲ ኣብ ቃልሲ ዝነበረና ኣይኮነን ዘለና፤ በቲ ወያነ ዝነበረ ናህሪ ኣይኮነን። ናብ ሕኩትኩት ኣቲና ኢና። በቲ ክኸይድ ዝግበኦ ቅልጣፈ ሕድሕድ ስራሕ እናከደ ኣይመስለኒን።ጣልያን አንታይ ይብለና ኣብ ኩናት ኣይስዓሩን ድሕሪ ኩናት ግን ከም ኣክላባት እዮም፤ ኣኸላባት ዝብኢ መፂእዎም ተኣኪቦም የባርርዎ ሑሕሑሕ ኢሎም ቀልቡ እዮም ዘጥፍኡሉ፤ ይሃድም። ብድሕሪኡ ብዓፅሚ ይበኣሱ። ተጋሩውን ድሕሪ ዓወት ከምኡ እዮም ይብሉና።

ሕቶ፦ እተን ፀገማት እንታይ እየን? ሐዚ ተጋሩ ዋላ ኣብቲ ውድብ ህወሓት ኣውን እንተርኢና ኣብ ሞንጎ እቶም ዓበይቲ መራሕቲ ምፍልላይ ተደጋጋሚ የጋጥም፤ ካብ ቀደም ጀሚሩ ካብቶም መሳፍንቲ እተን መብዛሕትኡ ግዘ ዝወደቕናለን ኣጋጣምታት ብነንባዕልና ንገብሮም ምጥልላፋት እዩ። ኣብዚ ነጋድረስ ገብርሂወት እንታይ ይብሉ፤ እተን ዝተፈላለያ ብሄራት ንሚንሊክ ንምንታይ ብከመይ ይፀልአኦም ኢሎም እንትገልፁ፤ እገለ ዝፅልኦም ብክምዚ …… እናበሉ ይፀንሑ እሞ እቶም ተጋሩ ከዓ ዝፀልእዎም እናከፋፈሉና ኢሎም ንዘልዐልዋ እዚኣ እካ ኣነ ኣይቅበላን ይብሉ በዓሎም፤ ምክንያቱ ንምንታይ ንሰምዖም ይብሉ። ሐዚ ብዙሕ ግዘ በብዓልና ብምፍልላይ እዩ እቲ ሽግርʼ ዶ ትብል ?

ኣታኽልቲ፦ እቲ ነጋድራስ ገብረሂወት ዝበልዎ ዝብል እወ። ንቀደም እኮ ባዕሎም እዮም ንባዕሎም ተከፋፊሎም። እንታይ እዩ ሃፀይ ዮዉሃንስ ዝነበሮም ድክመት ቤተ መንግስቶም ብዘይካ ኣሉላ ብኣዝማዶም ዝተኸበበ እዩ ነይሩ። ሓደ ጓና ኣሉላ ኣትዮም እካ፤ ሃፀይ ዮዉሃንስ ንኣሉላ ይፈትዉዋ ስለ ዝነበሩን ትክክለኛ ናይ ሓይሊ በትሮም ሓልዩሎም ይከይድ ስለዝነበረን እዩ ነይሩ ።ንኣሉላ ግን ቤተሰብ ሃፀይ ዩዉሃንስ ፀሊኦምዎ፤ ንሱ ንጉስ ክከዉን እዩ ኢሎም የዉርዩ ። እታ ክኸዱ ከለዉ ናይ መወዶእታ ዝቀተለቶም ኲናት ሓይሊ ኣሉላ ተላዒሉ ነይሩ፤ ዝበዝሑ ቤተሰብ ድማ ድሕሪኡ ናብ ምኒሊክ ከይዶም ። ምኒሊክ ነንባዕሎም ከጋጭይዎም ጀሚሮም፤ ነጋድራስ ገብረ ሃወት ሓቆም እዩም። ተዘይከዱን ሓደ ኮይኖም ኣብዚ ተዝፀንሑን፤ በብናይ ባዕሎም ፃሕሊ ተዘይሓስቡ ብስልጣን ፣ ንልዕልነት ሃገር እንተዝሓስቡ ነይሮም ናብኡ ዘክይድ ኣይነበሮምን። ኩሉ ስልጣን ኣብ ኢዶም እዩ ነይሩ። እሱ ንምባል እዮም ዝበሉ ዝመስለኒ ።

ሕቶ፦ ሐዚ እዉን እንተኮነ ብዙሕ ግዘ ንጅምር፤ እቶም ሃፋትምʼ ዉን ናብ ንግዲ ይኣትዉ እዮም ብሕብረት ቁርብ ፀኒሓም ናይ ዘይምጥዕዓምን ምፍልላይን እዩ ዝረኣ ብመሰረቱ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል ?

ኣታኽልቲ፦ እዚይ ብንእሽተይ ዝምለስ ነገር ኣይመስለንን። እንታይ እዩ እቲ ዋና ነገሩ እቱ ሓቢርካ ምብላዕ ኣብ ተጋሩ ካብ ቀደሙ ከም ባህሊ ዝዓበይ ነይሩ ዝበሃል ኣይኮነን፤ ሃገር ተወሪሩ፣ ኲናት ተላዒሉ እንተተባሂሉ ሓደ ንክዉን ኩለን ኲናታት እዚኣ መርኣያ ምግባርን ምርግጋፅን ይከኣል እዩ ።እቲ ዝፀንሐ ደቀቅቲ ነገራት ምእላይ ኣብዮምና ናብ ፃሕልና ምስ ኣተና ክንቀብሮ ኣይከኣልናን። እዚ ግን ኣብ ኣካይዳዉን ፀገም ኣይነበረናን ማለት ኣይኮነን። ሐዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲና መንግስቲ ክንቆፃፀር ከለና እቲ ዝነበረ ናይ መንግስቲ መሓዉራት ከምኡ ኢሉ ከሎ ኢና ተቀቢልናዩ ። ሽዑ ከምኡ ይረኣየኒ ኔሩ ማለተይ ኣይካንኩን ከም ሃገረይ እየ ነይረ፤ ደሓር ኢየ ናይቲ ቢሮክራሲ ክርኢ ከለኩስ መጀመርያ ስሙ ዋላ እንተንቅይረሉ መምርያ ዝንበረ ክፍሊ ጌርናዮ። እንተንከዉን ናይቲ ዉድብ እዮም ክጥምቱ ነይሮም ። እዙይ ሓደ ነናብ ፃሕልና ተዘይንኣቱ ኔርና እቲ ቀደም ሓደ ዝገብረና ዝነበረ ሓንቲ ዕላማ ነየራትና፤ ክንኣቱ ከለና ግን እዚ ገምጊምና ክንገድፎ ሰለ ዘለናʼ ታይ ክመፀና እዩ ኢልና ነልዕሎ ሕቶታት ነይሩ፡ ምናልባት ገሊኦም ይዝክርዎ ይኮኑ። ደሓርእዚ ኩሉ ነናብ ዋኒኑ ምስከደ ሕቶ ምልዓል ገዲፍዎ እዩ።እቶም ናቱ ዝመርሑʼውን እቲ ሕቶ ጠቃሚ ምኻኑ ዝረስዕዎ እዩ ዝመስለኒ።ሕቶ ክሕተቱ ከለዉ ከምዚ ንዕኦም ክብሮም ምትንካፍ ጌሮም ዝረኣይዎ ይመስለኒ።ዘይምቅልጣፍና በዚ ምክንያት ዝመፀ እዩ ዝመስለኒ።

ሕቶ፦ ናይዚ ውፅኢት ዶ ይኸውን ሐዚ ኣብ ውድብ ብተደጋጋሚ ምክፍፋላት የጋጥሙ ዘለዉ? (ከም ውድብኮ ተኸፊሉ ኣይፈልጥን ዝብል ክትዕ እኒሀ) ግን ዘይሩ ዘይሩ ናይ ሕንፍሽፍሽን ናይ መራሕቲ ምምቅቃልን በቢ መድረኹ የጋጥም ነይሩ።ከመይ ኢኻ ትገልፆ?

ኣታኽልቲ፦ ካብተን ዓበይቲ ዝኾና ዘጋጠማና ሓንቲኣ ወዲ ዘረኣፅዮን ዝወፀላ ብ1977 ዓም ዝነበረት እያ። ሽዑእቲ ኣተኣላልያ እውን ብኣቃልቦ ወይ ድማ ብዘይምሕሳብ ምክንያት ዘይደሞክራስያዊ ነይሩ ትብሎ ኣተኣላልያ እዩ።ማለት ኩለና ዶ እቲ ኣተሓሳስባ ንርድኦ ኣይንርድዶን ካልእ ጉዳይ እዩ።እዚ ናይ ወዲ ዘርኣፅዮን ሓደ ቅዋም ነይሩ፤ ብመለስ ኣቢሉ ዝቀረበ ሓደ ቅዋም እውን ነይሩ።

ሕቶ፦ እቲ ሓሳብ ግን ናይ ግደይ ሓቂ ነይሩ እዩ ዝበሃል?

ኣታኽልቲ፦ ኣይመስለንን። እንታይ ድዩ ወዲ ዘርኣ ፅዮን ማለት ኸምቲ ብቕድሚኡ ዝነበረና ኣከያይዳ እንታይ እዩ ክኸውን ነይሩዎ? ናይቲ ሓፍሽ ረኢቶ ተኣኪቡ ክኸይድ ነይሩዎ። እቲ ኻሊእ ግን ነታ ባዕሉ ዘልዐለ ነጥቢ ሃፍታም ገባር ፀላኢና እዩ እዩ ዝብል ነይሩ። ስለዚ እቲ ሓሳብ ባዕሉ ትኽክል ኣይነበረን ዋላ፤ ሐዚ ትኸክል ኣኮነን።

ሕቶ፦ ንሳ ጥራሕ ኣይኮነትነ ነይራ?

ኣታኽልቲ፦ ማለሊት ዝፈጠሮ ብዥታ ኣሎ እቲ ብዥታ ኩለና ማዕረዶ ንሪኦ ነይርና ኣይንሪኦን ነይርና ኣብ ሕቶ ዝኣቲ እዩ። ብዝኮነ ግን ወዲ ዘረኣፅዮን ከም ዓብይ ኣካል ኢና ንሪኦ ነይረና፤ ስዕረት ኣይቅበልን ምባሉ እያ እታ ናቱ ሰሕተት ገይረ ዝወስዳ። ክማጎተሉ እየ ግን ክቕፅል እየ ኢሉ ክኸይድ ነይሩዎ። ንሳ እያ እታ ናቱ ድኽመት ገይረ ዝወስዳ።

እቲ ኻሊአ ዓብይ ናይ 1993 ዓም እዩ ከምኡ ዝመሰለ ናይ ቅዋም ኣፈላላይ ነይርዎም እዩ ኢለ ኣይግምትንኣረኣ፤እታ ፀገም ነናብ ፃሕልና ምስ ኣተና እቲ ቓልሲ ናበ ጎኒ እናገደፍካ ናብ ክብርኻ ጥራሕ እትሪአሉ ኣተሓሳስባ ተፈጢሩ እየ ዝብል። ሽዑ ዝመፀ ንምንታይ ተተንከፍና እዩ።ገምጋም ናይ 10 ዓመት እዮም ገይሮም፤ 10 ዓመት ደኺምና እያ ነይራ፤ ኻሊአ እያ ምናልባት መለስ ሾኪሉ ዝብል ኣብታ ሽዓ ሓንቲ ስም ሂብዋ ነይሩ ቦናፓርቲዝም ናይ ውድብና ናይ ምብስባስ ሓደጋ ትብል ዘደንገፀቶም ትምስለኒ እምበር 10 ዓመት ገምጋም ደቂስና ዝብል ትኽክል እዩ ነይሩ። እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ተኸፊሉ አቲ ወድብ ግን ኣይተከፈለን ፤ንሶም ገዲፎምዎ ወፂኦም እዮም።

ሕቶ፦ ንድሕሪት ምልስ ክብል እሞ፡ ምስ ገለ ገለ ሰባት ክነዋግዕ ከለና ንዉድብ እቲ ቀንዲ ዘዐወቶ ናይ ተጋሩ ብሄራዊ ሓድነትን ሃገራዊ ግንዛበን ዳኣምበር ማለሊት ኣይኮነትን ዝብሉ ኣለዉ። እዚይ ከመይ ትሪኦ ንስኻ ኣብቲ ማእኸል ከም ምንባርካ?

ኣታኽልቲ፦ ኣነ ኣዚይ ይቅበሎ እየ። እቲ ቭዥታ ናይ ማለሊት እዚ እዩ። ማለሊት እዐዊታትና እያ ማለት ኣይኮነን ። የግዳስ ማለሊት ካሊእ ቭዥታ ከምዝፈጠረትልና እየ ዝርዳእ። ኣነ ሽዑ ናይ ማለሊት ናይ ስነሓሳብ ማእካል ካብዝነበሩ ሓደ እየ። ሕማማ ከይፈለጠት ዝሞተት ሓይሊ እያ። ማለሊት ሓደ ካብ ዝዝከረኒ ተግባራዊ ሰብ ክጠፍእ ገይራ እያ ። ናይ ተግባር ሰብ ዘይኮነስ ናይ ምዝራብ ክእለት ዘለዎ እሞ ድማ ሓዱሽ ሓሳብ ዘይብሉ፤ መለሰ ዝተዛረቦ ቆብ ኣቢሉ ዝደግም ብኡ ናብ መድረክ ዝወፀሉ እቲ ብተግባር ኣብ ሰራሕ ዕዉት ተግባር ዘለዎ ሰብ ግን ስኣን ምዝራብ ዝተርፈሉ ኩነታት ዝፈጠረት እያ ። እዙይ እዩ ናተይ ኣረዳድኣ ። እቲ ናይ ትግራዋይ ብሄራዊ ስሚዒት ግን ዓብይ ትሕዝቶን ጥቅምን እዩ ነይሩዎ ። ኩሉ ከካብ ገዝኡ ክወፅእ ከሎ፤ ኣነ ብዛዕባ ናይ ትግራዋይ ወነ ካብ ኣደይ ዝረከብኩዎ ብጣዕሚ ብዙሕ እዩ ። እቲ ናይ ትግራዋይ ሓድነት ከምቲ ዓንተዎ ዝበልኩዎ ኣብዛ ሕቶ እዚኣ ዓሲሉ እዩ። ዕሰል እንትበሃል እኮ ንዕኡ እተጠናክር ትሕዝቶ ኣምፂእካ ክተርእዩ ተዘይኪኢልካ ስቅ ኢሉ ዘረባ ጥራሕ እንትኸዉን ኣይስማዕማዕን። እንታይ እዩ ምስ ናቱ እታ ብሄራዉነት ከመይ ኢላ ከምትዓቢ እናርኣካ ናብቲ ወፍሪ ኣእቲካ እዩ ።

ሕቶ፦ ምናልባት ኣበዚ ሐዚ እውን ወረታተ ኣሎ (1ይ ሚንስተረ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዝቀረበሎም ሕቶ እኳ

እዚይ ናይ ኢህወደግ ፅቡቕ ዘይደለዩ ዘልዐለዎ እዮ እምበር ጎነፂ የለን ኢሎም ነይሮም) ግን ዘይተፈሰወ ኣይጨኑን (መልዐሊ ዘይረከበ ኣይወረን) ብዝብል ምናልባሽ ኣፈላላይ ኽፍጠር ከሎ ቅድሚ ሐዚ እቶም መራሕቲ ናይቲ ውድብ ፍልስፍና ሒዞም ዝተቃለሱ ሰለዝኾኑ ሓዲኦም እንትወፁ ሓዲኦም ይተርፉ፤ ሐዚ ግን እቲ ከምኡ ዝመሰለ ሰብ እናወፀ ዝከደሉ ኩነታተ ስለዝኒሀ ኣብቲ መራሕነት ምክፍፋል እኒሀ እንተይልና ንቐፃሊ ከመይ ክኾን እዩ ትብል?ዝተፈለየ ባሀሪ ዶ ኣይሕዝን?

ኣታኽልቲ፦ ኣነ እንታይ እየ ዝብል ከምቲ ዝበልካዮ መልዐሊ ከይረከቡ ኣየውርዩን። ተጋኒኑ ግን ክኸውን ይኽእል እዩ።ኩሉ ማእኸላይ ኮሚቴ ድማ ሓደ ኮይኑ ኢልካ ትግምቶ ኣይኮነን። ብዝተፈላለየ ደረጃ ንቅሓትን ኣርኣእያታትን ክህሉ ልሙድ እዩ።ሓደ እቲ ህዝቢ ዘንፀረፀረሉ ባይታ እውን ኣሎ። ዝሰምዐካ የለን። ብቅዓት ዘለዎም ሰባት በብቦትኡ የለዉን ዝብል መልአኽቲ እዩ ዘቅርበልካ። ሐዚ እቲ ወረ ንሰምዖ እንዶ የለናን ብሃይላንድ ተዋቂዖም ዝመሳሰሉ እኒሀዉ። ክሳብ ክንድኡ ይወርድ እዩ ኢለ ኣይግምትን፤ ርእሲ ሕማም ከም ዘለዎ ግን ንርዳእ። እዚ ክእለ ዶ ይክእል?እወ። እታ ሓንቲ ነገር ቅደም ኢል ዝበልክዋ ሕድሕድና ናብ ፃሕልና ምስ ኣተና እንጀራኻ ምብሳል ጥራሐ እዩ ኮይኑ፤ ብተወሳኪ እታ ፃሕልኻ ከይትሓርር ጥራሕ ምርኣይን ክብርኻ ምሕላውን ክኸውን ይክእል እዩ።

ሕቶ እሞ እዚ ጀሚርናዩ ዘለና ፍረ ናይ ምጥዕዓም፤ ማለት ናይታ ሀገር ለውጢ ምዕባለ ኣብ ባይታ ዝኒሀ እቲ እንሪኦ ዘለና እዩ። ምናልባት እቲ ኩነታት ከተዓናቅፎ ይኸውን ዶ ትብል ?

ኣታኽልቲ፦ እወ ከምኡ እንተተፈጢሩ ከደናጚ ይኸውን። ግንህወሓት ክነብር እዩ። ክቕፅል እዩ።

ሕቶ፦ ብከመይ እዩ ክቅፅል ትብል?

ኣታኽልቲ፦ ከመይ መሲሉካ ሐዚ ንስካ ስለ ዝተሰመዐካ ኢካ ትሓትት ዘለካ ከም ሓደ መንእሰይ ትግረዋይ፤ ዝተሰመዐካ ምሕታትካ ትክክል እዩ ። ነዚ ዝቅበል ሃዋህው ምፍጣር እዩ እቲ መፍትሒኡ፤ ዝመፅእ ሕቶ ዝቅበልን ነዚ ዘተኣናግድን ክከዉን ኣለዎ። ተዘይ ኮይኑ ዕፆዕፆ እንተ ኮይኑ ተዓፅዩ ምቅፃሉ ኣተርፍን፤ ዕፆዕፆ ኢልካስ ዝዕፆ ነገር ኣይህሉን። ዝመፀ ሕቶ ብኣግባቡ ዝፍተሐሉ ኣግባብ እንተተፈጢሩ ኣየዐንቅፈናን።

ሕቶ፦ ብስራት ኣማረ ኣብ ዝፀሓፎ መፅሓፍ እቶም ቅድም መራሕቲና ዝነበሩ ንኣብነት ከምኒ ስዩም ፣ኣቦይ ስብሓት፣ ኣባይ ፀሃየ …ዝበሉ ብባህሪ ናይ ዉልቀይ ዝብል ስምዒት ዘይብሎም፣ ካብ ንዓይ ንኣብዝሓ ዝብሉ……. ከምኡ ዝበለ ስብእና ስለ ዘለዎም ዘይሩ ዘይሩ እቲ ናይ ህዝቢ ቃልሲ ክድሕን ኣለዎ እቲ ዉድብ እዉን ከምኡ ስለዝገበሩ እዩ እናቐፀለ መፂኡ ይብል። ንቐፃሊ የስግእ ዶ? ወይስ እንታይ ሪኢቶ ኣለካ?

ኣታኽልቲ፦ ንሳቶም ብሂወት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ከም ዘሕምሞም ይርድኣኒ። ንሶም ውን (ስዩም፣ኣባይ፣ስብሓት) እንተወፁዉን እቲ ውድብ ተፈጢሩ ኣብዚ ክበፅሕ ዝገበሩ ሰባት እዮም። ዕላማ ኣነፂሮም ነቲ ዕላማ ከመይ ኢሉ ይፍፀም እናፀዓሩ ዝመፁ ሰባት እዮም።ኣብ ከምዚ ዝበለ ተነፂሎም ይተርፉ እዮም ዝብል ርኢቶ የብለይን። ነቲ ኩነታት ከዐርይዎ ግድን እዩ።ንሶም ጥራሕ ዘይኮኑሰ ምስኦም ዝነበሩ ኣነ ውን ውድበይ ክሓምም ስቅ ኢለ ኣይርእን። ዋላ ድሌቱ ይምፃአ ደም ዝተከፈሎን ዝረገፅናሉን ስለዝኮነ እንድሕር ኣጋጢሙስ ብርግፀኝነት ክኩለፍ/ክቅልበስ ኣይኽእልን፤ ኩሉኢዱ ምእታዉ ኣይተርፍን። ንግዚኡ ግን ክሓምቕ ይክእል ይኸውን።

ሕቶ፦ ኣብዚ ዝነዋግዐሉ ዘለና መፂሄት ኣቦይ ስብሓት ኣብ ዝፀሓፎ እቲ ዝወፀ ሓይሊ እቲ ዝነበረ ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ ሐዚ ይኹን ቀዲሙ ዝወፀ ሰብ ዝሕግዘሉ፤ ብባህሪኡ ወያናይ ስለዝኾነ ካብኡ ስለዘይወፅእ ዝሕግዘሉ መንገዲ እንተዝህሉ ኢሉ ነይሩ። ብኸመይ ክኸውን ይረኣየካ?

ኣታኽልቲ፦ ትኽክል እዩ። ብርግፅ ስብሓት ይፅዕር እዩ ዘሎ። ነቲ ፃዕሩ ብፅቡቕ ዝሪኡዎን ቀደሙ `ውን ተቓላሳይ እዩ ዝብሉን ቡዙሓት እዮም፡፡ ዋላ ውሑዳት እንታይ እዩ ዝብል ዘሎ ዝብሉ እንተሃለው፡፡ እንተም እንታይ ግበሩ እዩ ዝብለና ዘሎ እዚ ሽማግለ ዝብሉ’ኳ ንባዕሎም ዝተበላሸዉ ውድብ ክትዕሪ ዘይድልዩ እዮም እምበር እቶም ህወሓት ጠንኪራ ክሪኡ ዝደልዩስ ኣበጀኻ እዮም ዝብልዎ፡፡ ከም ናተይ ሪኢቶ እካ ደኣስ መድረኽ እናፈጠርካ እቶም ዝወፁ (ናይ ምግዳል ድሌት ዘለዎም) ሓዊስካ እቶም ዘልዕሎም ዘለው ሓሳባት ብሰፊሑ ምምይጥ ክግበረሎም ይግባእ ይመስለኒ፡፡

***********
*Originally published on Wurayna megazine.

Wurayna Magazine

more recommended stories