ፌስቲቫል ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ 2017 ኣብ ከተማ ላስ ቬጋስ

(Fthawi Hurui)

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ፣ በቲ እዋን እቲ ዝነበረ ማሕበር ተምሃሮ ሰሜን ኣሜሪካ ኢትዮጵያውያን ሕጉሳት ዘይነበሩን፣ ብወድዓዊ ለውጢታት ዓለም ዝተለዓዓሉን መናእሰይ ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ብ1974 ዓ.ም፣ ኣርባዕተ ካብ ግዝኣት ዲትሮይት፣ ክልተ ካብ ኒውዮርክ፣ ዓሰርተ-ሓደ ካብ ዋሺንግተን ዲሲ፣ ብድምር ዓሰርተ-ሸውዓተ ተጋሩ ብምዃን ናይ መጀመርታ ኮንፈረንስ ኣብ ከተማ ዋሺንግተን ዲሲ ብምክያድ ዝተመስረተ ማሕበር እዩ። ሎሚዘበን ንመበል ኣርበዓን ሰለስተን እዋን ኣፍታ ምውቕቲ ከተማ ላስ ቬጋስ ግዝኣት ኔቫዳ ብድሙቕ ኹነታት እዩ ተኸቢሩ።

ብግምት ካብ ከባቢ ዓሰርተ ሓሙሽተ ግዝኣታት ኣሜሪካ ዝመጹ ተጋሩ ሓዊሱ ካብ ጎረቤት ሃገረ ካናዳ እውን ዕዱማት ኣጋይሽ ዝተሳተፍሉ ዓብይ ክብረ-በዓል ነይሩ። ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ሓምለ 30፣ 2017 ዓ.ም ተኸፊቱ ነሓሰ 3፣ 2017 ዓ.ም ዝተዓጸወ ናይዚ ዓመት እዚ ፌስቲቫል ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ብዙሓት ተጋሩን ተወለድቲ ተጋሩን ተኻፈልቲ ኾይኖም እዮም። ኣብዚ ፌስቲቫል እዚ ዝተፈላለዩ መደባት ዝቐረቡ እንትኾኑ በቢመዓልቱ ብርክት ዝበሉ ተዓደምቲ ኸኣ ተኻታቲሎሞ እዮም።

መኽፈቲ መድረኽ እቲ ፌስቲቫል ሓዊስካ፣ ኮንግረስ እቲ ማሕበር፣ ኣኼባ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ዛዕባ ፈሰስ ንዋይ ኣብ ትግራይ፣ መድረኽ መናእሰይ፣ ምርኢት ሙዚቃ፣ ካብ ትግራይ ተወኪሎም ምስዝመጹ ሰበ-ስልጣን ዝተገበረ ምይይጥ፣ ዝተፈላለየ ከባቢ ትግራይ ዝወከለ ምርኢት ባህሊ ትግራይ፣ መድረኽ ደቂ ኣንስትዮን ምርኢት ፊልሚ ቤዛን ዘካተተ መደባት ዝነበርዎ ፌስቲቫል ነይሩ።

ብተኸታታሊ ንኣስታት ሓሙሽተ መዓልቲታት ዝተኻየደ ፌስቲቫል ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ትግራይ ዝመጹ ዕዱማት ስነ-ጥበባውያን ሓዊሱ ውሑዳት ሰብ-ስልጣን ትግራይ ዝተዓደምሉ መድረኽ እውን እዩ ነይሩ። ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣሜሪካ ዝመጹ ተጋሩ፣ ተወለድቲ ተጋሩን ፈተውቲን እውን ዕዱማት ኾይኖም እዮም።

Photo - Annual Tigray festival in North America, Las Vegas, Aug 2017

Photo - Annual Tigray festival in North America, Las Vegas, Aug 2017

ዓላማ እቲ ፌስቲቫል

ብሓፈሻ ፌስቲቫል ተጋሩ ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ግዝኣታት ኣሜሪካ ንዝነብሩ ተጋሩ ኣብ ሓደ መድረኽ ብምትእኽኻብ ሓድነቶም ከጠናኽሩን ከምኡ እውን ወድዓዊ ኹነታት ክልሎምን ህዝቦምን ክዝትዩን ዝሰናዳእ መድረኽ ኾይኑ፣ በቢዓመቱ ብዙሓት ዕዱማት ዘሳትፍ እዩ። ኣብዚ ፌስቲቫል ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊን ታሪኻዊን ዛዕባታት ክልል ትግራይ ተላዒሎም ዝዘተየሉን ዝምከረሉን ፌስቲቫል እውን እዩ።

ዋዕላ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ

ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ሓምለ 2፣ 2017 ዓ.ም ብዋና ዳይሬክተር መለስ ኣካዳሚ ዝኾኑ ተጋዳላይ ጎበዛይ ወ/ኣረጋይን ብምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ተጋዳላይ እያሱን ዝተመርሐ ዋዕላ እውን ኣካል እዚ ፌስቲቫል ነይሩ። እቲ ምይይጥ ካፍቲ ዝወጸሉ መደብ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ደንጉዩ እዩ ጀሚሩ። እዚ ንሰዓታት ብምጽባይ ዘይተሰላቸወ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚኢቲ ዝኸውን ተሳታፋይ እዚ መድረኽ ግን እሽካብ መጨረሻ እዩ ተዓጊሱ።

ካብ ዝተተሓዘሉ መደብ ንልዕሊ ክልተ ሰዓታት ደንጉዩ ዝተጀመረ ኣብ ሞንጎ ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ ተጋሩን ወከልቲ መንግስቲ ትግራይን ዝተኻየደ ምይይጥ ብሓፈሻ ጽቡቕ መንፈስ ኔርዎ ክበሃል ይከኣል እዩ። መጀመርታ እቶም ወከልቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ዕዱም ብዘቕርብዎ ጸብጻብ ዝጀመረ እንትኾን ብድሕሪኡ እውን ምስ ተዓደምቲ እቲ መድረኽ ሕቶን መልሲን ተስተናጊዱ እዩ።

ወከልቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝቕረብዎ ጸብጻብ ዝተፈላለየ ዛዕባ ዝሓቖፈ ነይሩ። ኣፍቲ መድረኽ ዘፈር ሕርሻ፣ ጉዳይ መሰረታዊ-ልምዓት፣ ጽሬት ትምህርቲ፣ ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ፣ ፈሰስ ንዋይ፣ ታሪኽን ቅርስን፣ ቱሪዝም፣ ሽፋን ማይ፣ GTP፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ምንቅስቃስ ትግራይን ኻልኦት ወድዓዊ ኹነታት ክልልና ዝሸፈነ ጸብጻብ በቶም ተወከልቲ ኣቢሉ ቐሪቡ እዩ። ካፍቶም ዝቐረቡ ጽብጻባት ዝተወሰኑ እንታይ ዝብሉ ከምዝነበሩ ብመጠኑ ከቕርብ ክፍትን እየ።

1. ዘፈር ሕርሻ ትግራይ ብፍላይ ከዓ ልምዓት መስኖ ጽቡቕ ይኸይድ ከምዘሎ፣

2. ኣብ ትግራይ ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ ንኽህሉ እናተሰርሐሉ ምዃኑ፣

3. መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘፈር መሰረታዊ-ልምዓት ትኹረት ጌሩ ይሰርሕ ምህላዉ፣

4. ትግራይ ብመሰረት ዘለዋ ሃፍቲ ታሪኽን ቅርስን ኣብ ቱሪዝም ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ምትላሙ፣

5. ቀጥታዊ ፈሰስ ንዋይ ወጻኢ (FDI) ኣብ ትግራይ ይውስኽ ምህላው: ንኣብነት ናይ ባንግላዲሽ፣ ህንዲን፣ እንግሊዝን ኩባንያታት ኣፍቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መቐለ ዝተኸፈተ ማእኸል ኢንዳስትሪ ፈሰስ ንዋይ ንኽገብሩ ቦታ ከምዝሓዙ፣

6. ሽፋን ማይ ትግራይ ንምምሕያሽ ዓብይ ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ: ንኣብነት ጸገም ማይ መቐለ ኣብ ቐረባ እዋን ፍታሕ፣ ከምዝግበረሉ

7. ኣብ ትግራይ ብዙሕ ሃፍቲ መዓድናት ከምዝተረኸበ: ኣብ ትግራይ ካብዘለዋ ጽንዓት ዝተገበረለን 36 ጣብያታት እተን 24 ወርቂ ከምዝተረኸበለን፣

8. ኣብ GTP ሓደን ክልተን ዝተተሓዙ መደባት ትግራይ ዝተተሓዘሎም ትልሚ ከምዘይተሰረዘን ከምዝፍጸሙን ዝብሉን ኻልኦትን ጸብጻባት ቐሪቦም።

ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ መበገሲ ተገይሩ ኸኣ ካብ ተሳተፍቲ ሕቶታት ቐሪቦም ኔሮም። ዋላኳ ንመደብ ሕቶን መልሲን እኹል ግዘ እንተዘይተወሃቦ፣ ነቶም ዝቐረቡ ሕቶታት ግና ብዝተኸኣለ መጠን ካብቶም ተወከልቲ መንግስቲ ትግራይ መልሲ ተዋሂብዎም እዩ። ኣብቲ መድረኽ ጸገም ህዝቢ ትግራይ ዝምልከቱ ወሰንቲ ዝበሃሉ ሕቶታት ተላዒሎም እዮም። እንተኾነ ግን እቲ ዝነበረ መድረኽ ሓጺር ስለዝነበረ ብዙሓት ሕቶታት ከይተስተናገዱ ቀርዮም እዮም።

ኣብ መድረኽ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት እቶም ተዓድምቲ ብዝተወሰነ መልክዑ እዞም ዝስዕቡ ኔሮም:

1. ዓሚ ኣብ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበጽሐ ግፍዒ ዝምልከት ስፍሕ ዝበለ ሕቶ ተላዒሉ መልሲ ተዋሂብዎ። ብሓጺሩ ኣፍቶም ኣብዚ ምጉስቋልን ምፍንቓልን ተጋሩ ኢድ ኣለዎም ዝተበሃሉ ሰባት ስጉምቲ ክውሰድ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊጹ።

2. ብምኽንያት ኣይሰላም ኣይኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕጽረት ፈሰስ ንዋይ እውን ተላዒሉ ነይሩ። ነዚ ሕቶ ኣዕጋቢ ዝኾነ ሕቶ እንተይተዋሃቦ እዩ ሓሊፉ።

3. <<ኣብ ትግራዋይ ጸቢብነት ይፍጠር ኣሎ>> ተባሂሉ ገምጋም ተገይሩ እዩ ዝብል ሕቶ እውን ተላዒሉ ነይሩ። ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ዝኾኑ ኣይተ እያሱ ግን እቲ ወረ ጻዕዳ ሓሶት ምዃኑን ኣብ ገምጋም ህወሓት ከምዚ ዝብል ገምጋም ከምዘይተወስደን እኳደኣስ ኣብ ትግራይ ብዝተወሰነ መልክዑ ዋላ ይኹን <<ከባብያዊነት>> ከምዝዓሰለን እዮም ሓቢሮም። እዚ ድማ ንሓዋሩ ንተጋሩ ሓደጋ ክኸውን ከምዝኽእል ጠቒሶም።

4. ጽሬት ትምህርቲ፣ ሕጽረት ጽሩይ ማይ፣ ስድራ ሰውኣት ትግራይን፣ ኣካል ጉዱኣትን ዝምልከቱ እውን ካብ ተዓደምቲ እቲ መድረኽ ሕቶታት ቐሪቦም ካብቶም መራሕቲ መድረኽ መልሲ ተዋሂብዎም እዩ።

ካብቶም ዝቐረቡ ጸብጸባት ብፍላይ ሓደ ነገር ትኹረተይ ስሒቡ ነይሩ። መስኖ ትግራይ ዝምልከት እዩ ነይሩ። ኣብ 2008 ዓ.ም፣ ብመዳይ መስኖ ክስብሰብ ዝተሓሰበ ምህርቲ 72.76 ሚልዮን ኩንታል እኽሊ ነይሩ፣ ኢሎም ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ተጋዳላይ እያሱ፣ እንተኾነ ግን ዝተሰብሰበ 17.4 ሚልዮን ኩንታል እኽሊ ጥራሕ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ቁጽሪታት ዘሎ ኣፈላላይ እንትንርኢ ሰፊሕ እዩ። ነዚ ምኽንያት ከቕርቡ ከለው ኸኣ በቲ ዝነበረ ድርቂ ከምዝኾነ እዮም ሓቢሮም። መስኖ ሓደ መከላኸሊ ኩነታት ድርቂ ምኻኑ እናተፈለጠ ክንድዚ ዝኣክል ኣፈላላይ ምህርቲ ክፍጠር ምኽኣሉ ካብቲ ድርቂ ዝብል ምኽንያት ንላዕሊ ካሊእ ጸገም ክህሉ ከምዝኽእል እየ ገሚተ።

መድረኽ ምርኢት ሙዚቃ እቲ ፌስቲቫል

ዳርጋ ኣብ ሰለስቲአን መድረኻት ሙዚቃ እቲ ፌስቲቫል ዝነበረ ጸገም ተመሳሳሊ ነይሩ ምባል ይከኣል። ምንም ምምሕያሽ ዘይተረኣየሉ! እቲ ናይ መጀመርታ ጸገም ብስዓትካ ዘይምርካብ እዩ። ኢትዮጵያዊ ባህሪ ዝተላበሰ ሰዓት ናይ ዘይምኽባር ስንፍና!

ከምዝመስለኒ እቲ ጸገም ናይ መዳለውቲ እቲ መደብ እዩ። ነቶም ኣፍቲ መድረኽ ዝርከቡ ድምጻውያን ንጹር ዝኾነ ግዘን መደብን ዘይምሃብ ዝወለዶ ሽግር ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ነሓሰ 1 2017 ዓ.ም፣ ድምጻዊት ማህሌት ገ/ገርግስ ዝቐረበትሉ መድረኽ ካፍቲ ዝተተሓዘሉ መደብ ኸባቢ ሓሙሽተ ሰዓት ደንጉዩ እዩ ተጀሚሩ። እዚ ናይ ማህሌት ጸገም ኣይመስለንን፣ ናይቶም መዳለውቲ እቲ መደብ ሽግር እምበር!

እቲ ኻሊእ ጸገም፣ መደባት ስርዓትን ቀደም ሰዓብን ሓልዮም ብቲ ዝተተሓዘ ትልሚ ክኸዱ ናይ ዘይምግባር ሽግር እዩ። ከምኡ ስለዘይተገበረ እዩ ድማ እቶም መደባት እናተለጠጡ ኸይዶም ኣብዘይ ሰዓቶም ዝጅመሩን ዝውድኡን ዝነበሩ። በዚ ምኽንያት እውን እቲ ተዓዳማይ ነቶም ዝቐርቡ ዝነበሩ ሓደ ሓደ መደባት ዝግባእ ትኹረት ከምዘይሃቦም ተዓዚበ። ንኣብነት ንምጥቋም ዝኣክል፣ ኣብ ሞንጎ ኻልኦት መደባት ዝቐርቡ ዝነበሩ ግጥሚታት እቲ ዕዱም ይሰላቾ ስለዝነበረ፣ ዝሰምዖም ስኢኖም ገጠምቲ ኣብ መድረኸ ወጺኦም ግጥሞም ኣቕሪቦም ጥራይ ካብ መድረኽ ይወርዱ ኔሮም።

ብዙሕ ተዓዳሚ ብግቡእ እንተይኣዳመጾም ማለት እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣፍቲ ፌስቲቫል ዝተዓዘብኩዎ ዓብይ ጸገም፣ ንቑጽሪ ዕዱማት ዝምጥን ኣዳራሽ ዘይምህላው እዩ። ምናልባት ኣፍቲ ናይ መጀመርታ መድረኽ እቶም መዳለውቲ ምስ ዝሓለፉ ዓመታት ካብዝተሳተፉ ቁጽሪ ዕዱማት ብምንጽጻር ይመስለኒ፣ ንኡሽተን ኣዳራሽ ብምክራዮም ምኽንያት ዝተፈጠረ ጸገም ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ መድረኽ ዝተፈጠረ ምጭንናቕን ሃሩርን ምሒር መማረሪን ሓደገኛን እዩ ነይሩ።

ብሱሩ እውን እቲ ኣዳራሽ ልዕሊ ዓቕሚ (Over capacity) ህዝቢ የተኣናግድ ስለዝነበረ ሓደጋ ክፍጠር ይኽእል ነይሩ። እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን ድማ ኣብ ኻልኣይን ሳልሳይን መዓልቲ መድረኽ ሙዚቃ ዝተፈጠረ ተመሳሳሊ ጸገም እዩ። ካብ ዝሓለፈ ስሕተት ትምህርቲ ናይ ዘይምውሳድ ጸገም! ካሊእስ ይትረፍ ሓሙስ ዕለት 3፣ 2017 ዓ.ም (መዕጸዊ መደብ) ኣብ ዝነበረ መድረኽ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝቐረቡ ድምጻውያን ውሽጢ፣ ኢሳያስ ኣረፋይነ እናደረፈ ጸኒሑ በቲ ዝነበረ ሃሩር ዳርጋ ትንፋስ ሓጺርዎ ካብ መድረኽ ወሪዱ ኣብ ሓደ ጸግዒ ተጸጊዑ ሰባት ከርገብግብሉን ማይ ከስትዩዎን ተዓዚበ እየ። እዚ እቲ መድረኽ ክንደየናይ ሓደገኛን መስግኢን ምንባሩ ክነግረና ይኽእል።

ካብቲ ናይ መጀመርታ መድረኽ ትምህርቲ ብምውሳድ፣ ዋላ መእተዊ ገንዘብ ወሲኽካ፣ ገፊሕ ኣዳራሽ ኣብ ክንዲ ምክራይ ሕዚ እውን ጸበብቲ ኣዳራሽ ተኻርዮም፣ ክዘናጋዕን ክህደስን ዝመጸ ሰብ ብሃሩር ተጠጢቑ፣ ገንዘቡ ጎዲፉ፣ እናተራገመ ክወጽእ ተገይሩ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ግዘ ዕረፍቲ ወሲዱ፣ መጓዓዓዚ ኸፊሉ፣ መደቀሲ ተኻርዩ፣ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣሜሪካ ዝመጸ ትግራዋይ ሰኣን ኣዳራሽ ካብ በሪ ዝተመለሰ ሰብ እውን ቁጽሩ ውሑድ ኣይኮነን። ኣብ ስርዓት ኣቆራርጻ መእተዊ ትኬት እውን ዓብይ ጸገም ነይሩ። ዓቕሚ ዘለዎም፣ ፍጥነት ብዘለዎ መንገዲ ትኬት ክቆርጹ ዝኽእሉ፣ ልምዲ ዘኻዕበቱ፣ ኣዋህባ ግልጋሎት ዝፈልጡ ሰባት መዲብካ ኣብ ክንዲ ምስትንጋድ፣ ናይ ሓደ ትኬት ዋጋ ገቢጥካ መልሲ ንምሃብ ዝኸብዶ ሓይሊ ሰብ ተመዲቡ ተዓደምቲ ኣብ መስርዕ ንነዊሕ ደቓይቕ ክስለፉ ተገይሩ እዩ።

መደምደሚ

ፌስቲቫል ተጋሩ ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ዝምስረት ነዊሕ ዕድመ ዘቑጸረን ኣብ ጉዕዞ ብዙሓት ማሕለኻታት ዝሓለፈን ውዳበ ምዃኑ ዘይክሓድ ሓቂ እዩ። ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝርከቡ ተጋሩ (ነበርቲ ካናዳ ሓዊሱ) ኣብ ሓደ መድረኽ ተራኺቦም ዛዕባ ዓዶምን ህዝቦምን ክመያየጡ ስለዝገብርን፣ ሓድነት ተጋሩ ክጠናኸር ከም መሳርሒ ስለዝጠቅምን በቢዓመቱ ዝካየድ ፌስቲቫል ተጋሩ ክበረታታዕ ዝግበኦ ቅዱስ ተግባር ምዃኑ ምንም ጥርጥር የብሉን። እንተኾነ ግን እዚ ማሕበር እስካብ ሕዚ ምስቲ ዝመጾ ነዊሕ ርሕቐት ዝምጥን ቁመና ዘይምጥራዩ ክውቀስ ይግበኦ።

ብፍላይ እቶም ኣብቲ ፌስቲቫል ክቐርቡ ዝትለሙ መደባት ብዝተተለመሎም ግዘ ክካየዱን፣ ግቡእ ምድላው ተጌሩሎም ብዝተዋደደ መንገዲ ክቐርቡ መስርሕ ክወጸሎምን ይግባእ። ብሱሩ እውን ከምዚ ዝበለ ዓብይ ማሕበረሰብ ዝሓቆፈ ማሕበር፣ ዓቕሚን ሞያን ዘለዎም መዳለውቲ ክመርሕዎ ኣለዎም። ነዚ ፌስቲቫል ዘዳልዉ ልምዲን ዓቕሚን ዘለዎም ሰባት ክምደቡን፣ ግዘ ወሲዶም ክሰርሑን ከምዝግባእ ናይዚ ዓመት ፌስቲቫል ተሞክሮ ሂብዎም ከምዝሓለፈ ይኣምን።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ማሕበር ካብ ትግራይ ንዝዕድሞም ስነ-ጥበባውያን ተጋሩ ዝግባእ ክብሪን መስተንግዶን ክገብረሎም ኣለዎ ኢለ ይኣምን። ከምዘለኒ ሓበሬታ፣ ሎሚዘበን እቶም ካብ ትግራይ ዝተዓደሙ ድምጻውያን ዋላኳ መብዛሕትኡ ካብ ግዝኣት ናብ ግዝኣት ዝጓዓዙሉ መንገዲ ብመንገዲ ኣየር ይኹን እምበር፣ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት በመኪና ክጓዕዙ ዝግደዱሉ ኹነታት ስለዘሎ ክመሓየሽ ኣለዎ። ክብሪን ኩርዓትን ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ተጋሩ ድምጻውያን ዝግባእ ክንክን ክግበረሎም ይግባእ። ኣብ ኣቀባብላ እዞም ጋያሹ ዘሎ ክፍተታት እውን ከመሓየሽ ኣለዎ።

እዚ ክብረ-በዓል (Festival) ተጋሩ ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ 2018 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ክካየድ ውሳነ ብምሕላፍ ናይዚ ዓመት መድረኹ ዛዚሙ ኣሎ።

**************

Guest Author

more recommended stories