ፖሊሲ “ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትሪያላዊ ምዕባለ” ኣብ ትግራይ ሰሪሑ ዶ? ክሰርሕ ድዩ?

ወይን፡ ኣብ ቀዳማይ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ሕርሻ ብዝመርሖ ኢንዳስትሪ ኣቢልና ኢና ክንጓዓዝ ፀኒሕና። ኣብ ካልኣይ ትልሚ ዕብየትን ስገግርን ካብቲ ዝመፃናዮ ኣንፈት ዲና ክንቕፅል ወይስ ሓዱሽ ኢኮኖሚያዊ ፖሊሲ ክንክተል ኢና? ብኻሊእ ኣበሃህላ ሕርሻ ካብ ዝመርሖ ኢንዳስትሪ፣ ኢንዳስትሪ ናብ ዝመርሖ ሕርሻ ብምስግጋር ኣንፃር ኣብ ከመይ ዝበለ ብርኪ ድልውነት ኣለና?

ኣይተ ኣባይ ወልዱ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ኢንዳስትሪ ናይ ሕርሻ መሪሕነት ተቐቢሉ ክኸይድ እዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ናብ ከምኡ ዝበለ ኩነታት በፂሕና ኢና እውን ኣይንብልን። ስለዚ መሪሕነት ሕርሻ ክቕፅል እዩ። ኢንዳስትሪ ቅድሚ መሪሕነት ምርካቡ ንኢንዳስትሪ ዝምቹ ኩነታት ክፈጥር ዘለዎ ሕርሻ እዩ። ኣብቲ ቀፂሉ ዘሎ ካልኣይ “ጂቲፒ” ግን ኢንዳስትሪ ናይ ሕርሻ መሪሕነት እናተረከበ ዝኸደሉ ኩነታት እዩ ክህሉ። (ወይን ጋዜጣ፣ መስከረም 2008 ገፅ 11 [PDF]

1/ መእተዊ

ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪካ ብኤልኒኖን ብዘይኤልኒኖን ዝፍጠር ድርቂ ቐደሙ ’ውን እንተኾነ ናተመላለሰ ከምዝመፅእ ዝፍለጥ እዩ። ድርቂን ሕፅረት ዝናብን መናብርትና ከምዝኾነ ንሕናን ዓለምን ንፈልጦ። ብምዃኑ ድማ ብመንግስትና ብሓደ ወገን ድርቂ ዝፃወር ኢኮኖሚ ምህናፅን ኣድላይነቱን እንትግለጽ፤ ብኻሊእ ድማ ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትሪያላዊ ምዕባለ ክህልወና ኣለዎ ናተብሃለ ይዝረበሉን ይሰርሐሉ’ውን ፀኒሑን ኣሎን። ገዚፍ መጠን ባጀት ብምምዳብ ኸባቢና ለዊጦም ሕርሻናን ምህርትናን ከማሓይሹ እዮም ዝተብሃሉ ፃዕሪታትውን ተፈቲኖም እዮም፣ ይቕፅልውን ኣሎ። እቶም ዝተገበሩ ፃዕርታት ብሃገር ደረጃ እንትርአ ዘይነዓቕ እወንታዊ ለውጢታት ምምፅኦም ዘይከሓድ´ኳ እንተኾነ ኣብ ትግራይ ግና ኣብ ሕርሻ ዝተገበረ ፃዕሪ ኢንዱስትሪ ከማዕብልስ ይትረፍዋ ውሕስና ምግቢ እውን ከረጋግፅ ኣይከኣለን።

እስካብ ሀዚ ኣብ ሕርሻ ዝተገበረ ፃዕሪን ዝፈሰሰ ሃፍቲን (ገንዘብ፣ ጉልበት፣ ግዘን ካልእን) ብዙሕ’ኳ እንተኾነ ክንዲ እቲ ዝድለ ለውጢ ስለዘይመፅአ ሀዚ’ውን ገዚፍ ቑፅሪ ህዝብና ናይ ዓመት ቐለቡ ኣፍሪዩስ ካብ ናይ ረድኤት እኽሊ ዝወፅኣሉ ኩነታት ኣይተፈጠረን። እቲ ዝገርም (ዘሕዝንውን) ምህርቲ ዓፂፉ ናተብሃለ ንብዙሕ ዓመት ዝተነገረሉን ሎሚውን ዝንገረሉ ዘሎን ሓረስታይ ትግራይ ሓደ ድርቂ’ኳ ክፃወር ከምዘይከኣለ ኣብዚ ዓመት እውን ደጊምና ኣረጋጊፅና ኢና። መንግስቲ ዝብሎ’ኳ ካሊእ እንተኾነ እዚ ናይ ሎሚ ድርቂ እቶም እስካብ ሀዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ካብ ሓደጋ ከምዘይደሑኑናን ግልፂ ገይሩዎ እዩ። ቀጥተኛ ትርጉም ናይዚ ድማ ኣፍቲ ፖሊሲ፣ ኣብ መሬት ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት፣ ኣብ ኣካይዳን ኣፈፃፅማን ቐሊል ዘይበሃል ሽግር ኣሎ ማለት እዩ። ካሊእ ትርጉም ክህልዎ ኣይኽእልን።

እሞ ደኣ እቲ ኩሉ ግዘ ዝጠልመና ሰማይ፣ ገና ዘይማዕበሉን ኣብ ምጅማር ዝርከቡ መስኖታት እሞ ድማ ዝናብ ተዘይሃሊዩ ዝነቕጹ፣ ጉዱእ መሬትን ድርቅን፣ ዘይምዕሩይ ፖሊሲን ትሑት ኣፈፃፅማ መንግስቲን ኣሚንካ ዝግበር ሕርሻ ድዩ ኢንዱስትሪ ከዋልደልና እዩ ዝበሃል ዘሎ? ብስሩኸ ኣብ ትግራይ ”ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ” ጋህዲ ንምግባር ዝከኣል ድዩ? 25 ዓመታት ረሃፁ ኣንጠብጢቡ ዓርሱ ክቕልብ ዘይከኣለ ህዝቢ ትግራይ ብኸመይ ኢዩ ንኢንዱስትሪ ዘዋልድ ሕርሻ ክህሉወና ኢልካ ዝሕሰብ ዘሎ? ንኸብዲ ዝውዕል ቐልጢፉ ዝፈሪ ስንዳይ፣ ስገም፣ ጣፍ፣ ምሸላ ወዘተ ኣፍሪዩ ነብሱ ክቕልብ ዘይከኣለ ሓረስታይ ህዝብና ከመይ ኢሉ እዩ ንኢዱስትሪ ወይ ድማ ንወፃኢ ዕዳጋ ናብ ዝውዕሉ ኽባር ዋጋ ዘለዎም ዘራእቲ (ጡጥ፣ ሰሊጥ፣ ፍራፍረ ወዘተ) ክነእትዎ ዝበሃል ዘሎ? ብስሩኸ ሓረስታይና ካብ ሓንቲ ሄክታር ዝንእስ መሬት ናሓረሰ እዚ ዝከኣል ድዩ? እዚ ብምስትውዓልን ብስነፍልጠታዊ ስነሞጎትን ክርአ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

እዚ ዳህሳሳዊ ፅሑፍ ካብ ጭቡጥ ትዕዝብቲ ዝብገስ ኮይኑ ንትግራይ ጥራይ ዝምልከት እዩ። ንምይይጥ መኽፈቲ ዝተዳለዉ ፅሑፍ እምበር ዝተማልአ ፅንዓት ከምዘይኮነን ናይ ባዕሉ ድኹም ጎድኒ ከምዝህሉዎን ድማ ክነስምረሉ ንድሊ። ቐንዲ መርገጺ እዚ ፅሑፍ እውን ካፍቶም ዝስዕቡ ሓሳባት ይብገስ፣- ’’ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትሪላዊ ምዕባለ’’ ዝብል ሃገራዊ ስትራቴጂክ ፖሊሲ ኣብ ትግራይ እስካብ ሀዚ ኣይሰርሐን ናይ ኣካይዳ መሰረታዊ ለውጢ ተዘይተገይርሉ ድማ ንቐፃሊ’ውን ኣይሰርሕን፣ እዚ ፖሊሲ ናብ ክልላት እንትወርድ ከከም ናይቲ ክልል ተፈጥሮኣዊ ትሕዝቶን ፀጋታቱን (regional context) ናተርኣየ ምትዕርራይ ክግበረሉ ነይሩዎን ኣለዎን፣ እቲ ፊሒት ክብል ዘይከኣለ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕርሻ ንኢንዱስትሪ ክፈጥር ወይ ድማ ክመርሕ ስለዝይኽእል ንሕርሻ ዝቕይር ካሊእ ዓቕሚ እስካብ ዝፍጠር ሕርሻ ትግራይ ናይ ምግቢ ውሕስና ንምርግጋፅ ጥራይ ትኹረት ክገብር ኣለዎ፣ ብኣንፃሩ ካፍቲ ዘሎ ወለዶታት ተሻጋሪ ዝኾነ ብጣዕሚ ዘተሓሳስብ ሽግር ንምውፃእ ሕርሻ ዘይኮነስ ኢንዱስትሪ ቐንዲ ጠመተ ትግራይ ክኸውን ኣለዎ ዝብሉ ሓሳባት ምስ ምኽንያቶም የቕርብ።

ቐንዲ ዕላማ ናይ’ዚ ፅሑፍ ድማ ሙሁራን ኣብዚ ኣርእስቲ ዘለዎም ሙያዊ ሪኢቶም ብምክፋል ንፖሊሲ ሓንጸፅቲን/ፖለቲከኛታትን ሃናፃይ ሓሳቦም ክህብሉ ምዕዳም እዩ። መንቀሊ እዚ ፅሑፍ ድማ ምንም ኣይተሰርሐን ዝተለወጠ ነገር የለን ካብ ዝብል ዘይኮነስ ’ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ’ ዝብል ኣብ ትግራይ ዘሎ ጉጉይ ፖሊሲ ምስ ሕማቕ ተፈጥሮ፣ ድሑር ኩነታት ሕርሻ፣ ድኹም ውሽጣዊ ዓቕሚ ሓረስታይናን ናይ ድሌት ቕደም ሰዓብን፣ ድኸመት ኣፈፃፅማ መንግስቲን ካልኦትን ተደሚሮም ኣብ ክልልና እቲ ዝድለ ለውጢ ክመፅእ ስለ ዘይከኣለ እንደገና ክፍተሽ ኣለዎ ካብ ዝብልን፤ ህዝብና ካብ ድኽነት ዝወፅአሉ ዝቐልጠፈ መገዲ ልምዓት ካብ ምእላሽን ዝፍልፍል እዩ። ብምዃኑ ድማ እዚ ፅሑፍ ዘንብብ ሰብ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውግንናን (political bias) ስሚዒትን ነፃ ኾይኑ ኣፍቲ ቐሪቡ ዘሎ ዛዕባ ክድህብን እንተኺኢሉ’ውን ህዝብና ካብ’ቲ ዘለዎ ኣዚዩ ዘሰክፍ ኩነታት ንምውፃእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብቕንዕና ሃናፃይ ዝብሎ ሓሳብ ከቕርብ ነተሓሳስብ።

ኣብ መወዳእታ እዚ ኣርእስቲ ኣመልኪቱ ከመይ? ንምንታይ? እንታይ? ዝብሉ ሕቶትታት ክለዓሉ ባህሪያዊ ስለዝኾነ ጭቡጥ ኩነታት ትግራይ ምስቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ፖሊሲ ብምትሕሓዝ ክዝቲን ከረድእን ክፍትን እዩ። ውሱናት መረዳእታታት እውን ብምጥቃም ኣብ ትግራይ ዘለዉ መማረጺታትን፣ ኩነታትና ንምቕያር ከም ቕድመ ኩነት ክራኣዩ ዘለዎም ጠቐመቲ ሓሳባት ኣፍቶም ዝስዕቡ 9 ክፋላት ብዝርዝር ክንምልስ ክንፍትን ኢና።

Photo - A farmer, Tigrai, Ethiopia
Photo – A farmer on the field, Tigrai, Ethiopia

2/ ብሰብን ተፈጥሮን ዝተጎድአ መሬት + ድሑር ሜላ ሕርሻን ትሑት መፍረያይነትን + ሕፅረት ማይ + ፖሊሲ ኣልቦ ስርዓታት + ዘይሳነ ፖሊሲን ትሑት ኣፈፃፅማን = ሕሱም ድኽነት፣ ግዱድ ተፀባይነትን ስእነት ፖለቲካዊ ሓርነትን

ኣብ መጀመርታ 16 ክ/ዘበን ናብ ኢትዮጵያ መፂኡ ኣብ ትግራይ ዝነብር ዝነበረ ኣልቫሬዝ ዝተብሃለ ፖርቹጋላዊ ኣብ ዶጉዓታት ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ሕርሻን ኣእኻልን ኩነታት እንትገልፅ ብጣዕሚ ልሙዕን መፍረያይን እንስሳታት’ውን ከይተረፋ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ይነበራ ከምዝነበራ ብምዕዛብን ምድናቕን ኣፍቲ እዋን እዐርዩ ሕማቕ ምስ ዝነበረ ኩነታት ኣውሮፓ የወዳድሮ። ብተመሳሳሊ ኣብ 1698 – 1700 ዓ.ም.ፈ ኢትዮጵያ ዝጎብነየ ፖንሴ (Poncet) ዝተብሃለ ኣውሮፓዊ እውን ከም ኢትዮጵያ ሃፍታምን ልሙዕ መሬትን ዘለዎ ሃገርን ህዝቢን ከምዘይራኣየን፣ ጎቦታትውን ዝለምዑን ብኣግራብ ዝተሸፈኑን ከምዝነበሩን ኣብ ፅሑፉ ይገልጽ።[i] እዚ ግን ብዝተፈላለየ ናይ ተፈጥሮን ሰብን ዝፈጥረዎ ምኽንያታት ከምኡ ኢሉ ክቕፅል ኣይከኣለን።

መሬት ትግራይ ቕድሚ ብዙሕ ዘበናት ነይሩዎ ካብ ዝበሃል ሃፍታም ተፈጥሮኣዊ ትሕዝቶ ናብዚ ሀዚ ዘለዎ ዝሓመቐ በርኪ ንኽበፅሕን ህዝብና ንሕሱም ድኽነት ንኽቃላዕን ዝገበሩዎ ምኽንያታት ብዙሓት ምፅራሕ ይከኣል እዩ። እቶም ቐንዲ ንምጥቃስ፣ ፍልጠት ምንኣስ ዝወለዶ ኣብ ዝተፈላለየ ዘበን ዝነበረ ሕማቕ ናይ መሬትን ደንን ኣጠቓቕማን ኣታሓሕዛን (ሓመድን ማይን ዕቀባ ዘይምስራሕ፣ ዘይስሩዕ ናይ ጋህፂ/መጋሃጫ ኣጠቓቕማ፣ ናይ ነዳዲ መማረጺ ዘይምህላውን ደን ተይተካእኻ ምቑራጽን)፣ ብበረኻ ምስፍሕፋሕን ለውጢ ኣየርን ምኽንያት ተፈጥሮ ምዝባዕ፣ ኣብ ዝናብ ፅግዕተኛ ምዃን፣ ብዝሓሸ ሳይንሳዊ ፍልጠት ዘይተደገፈ ሕርሻ ምንባሩ፣ መሬት ኣብ ኢድ ውሑዳት መሳፍንቲ ምስ ምንባሩውን ሓረስታይ መሬት ንምንክብኻብ ዘየተባብዕ ብምዃኑ፣ ሰላምን መርግጋዕን ዘይምህላው፣ ፖለቲካዊ ቕልውላውን ንዘበናት ዘየቋርፅ ኲናት እቶም ቐንዲ ምኽንያታት እዮም። ብዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ምኽንያታት ካብ መጠን ንላዕሊ ዝተጎድአ መሬት ትግራይ ኣሕዊኻ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ጊዜ፣ ናይ ቴክኖሎጂን ገንዛባዊ ዓቕሚን፣ ምስ ጭቡጥ ኩነታት ትግራይ ዝሳነ ምዕሩይ ፖሊሲ፣ ናይ መንግስትን ናይ ሓረስታይን ዝተዋደደ ዓቕሚን ከምዝሓትት ርዱእ እዩ።

እዚ ጭቡጥ ኩነታት ዝተረድአ መንግስቲ ኢህወድግ ብሃገር ደረጃ ወጥነት ዘለዎ ፖሊሲ ብምውፃእ ሓመድን ማይን ብምዕቃብን ብሓፈሽኡ ተፈጥሮ ብምንክብኻብ መሬት ኣድሒንካ ሕርሻ ንምምሕያሽ ክንዲ ዝከኣሎ ንኽሰርሕ ፈቲኑ እዩ። Sasakawa-Global 2000 ዝተብሃለ ምስ ኤክስቴንሽን ፕሮግራም ተዋዲዱ መንግስቲ ድጎማ ዝገብረሉን/ዘይገበረሉን ናይ መዳበሪያ ምዕዳል ስራሕቲ ገይርካ’ውን ተፈቲኑ፣ ካልኦት በቢእዋኑ ዝመፅኡ መደባትውን ቀጺሎም። ኣብ ትግራይ እውን ብተመሳሳሊ ግን ካብ ዝኾነ ክልል ንልዕሊ ክድከመሉ ጸኒሑን ኣሎን። ከምቲ ኹሉ ዝፈልጦ ኣብዝሓለፉ ዓመታት ሓረስታይና (ኣዴታት ሓናጡ ደቀን ሓዚለን ተይተረፈ) መንግስቲ ዘውፅኦ ፖሊሲ ንምትግባር ረሃፁ ኣንጠብጢቡን ጊዚኡ ሰዊኡን እዩ። እቲ ዝተገበረ ፃዕሪ ድማ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ውሱን ለውጢ’ኳ እንተምፅአ መነባብሮ ህዝብና ዝቕይር ኣይኮነን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ድሕሪ ናይ 25 ዓመታት ድኻም እውን እንተኾነ ዘላቒ ፍታሕን ኢንዱስትሪ ምምራሕንስ ይትርፋዋ ናይ ዓመት ቐለቡ ክመርት ኣይከኣለን። ሓደ ክረምቲ ድርቂ ኣጋጢሙ’ኳስ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ዓርሱ ዝቕልብ ኮይኑ ኣይተረኸበን። ብዘይ ድርቂ’ውን እንተኾነ 40 ሚኢታዊ ህዝብና ልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ዓርሱ ክቕልብ ዘይኽእል ምዃኑን ኣብ ሴፍቲ ኔት ከምዝነብርን ብበዓል መዚ እቲ ክልል ክግለፅ ሰሚዕና ነይርና[ii]። ኣብ ሴፍቲኔት ዝኣቱ ድማ እቲ ኣብ ዝኽፍአ ኩነታት ሕፅረት ምግቢ ዘሎ ስድራ ምዃኑ ግብርና ሚኒስቴር ዝውፅኦ ሰነድ ከምዚ ዝስዕብ ይገልፅ:

’’The Productive Safety Net Programme focuses primarily on the chronically food insecure households that is, households that have a food gap of three months or more even during a normal year (MOA: 2009)[iii].’’

ትርጉሙ፣- ሴፍቲኔት ቐንዲ ትኹረት ዝገብረሎም ስድራታት ብጣዕሚ ኣብ ዝኸፍአ ናይ ምግቢ ሕፅረት ዝነብሩ ዘለዉ ስድራታት ኮይኖም ኣብ ንቡር ወቅቲ [ድርቂ ዘይብሉ] ካብ ሰለስተ ወይ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ዝኸውን ኣዋርሕ ናይ ምግቢ ሕፅረት ዘለዎም እዮም’ ዝብል ይኸውን።

ከምኡ እንተኾይኑ ኣብ ትግራይ ዘሎ ስድራ ካፍቲ ብሃገር ደረጃ ዝተቐመጠ መዐቀኒ’ውን ኣዚዩ ኣብ ዝሓመቐ ኩነታት ከምዘሎ የርእየና። እዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ቑፅሪ (40 %) ብድርቂ ምኽንያት ከምዝውስኽ ርዱእ ኮይኑ ክንድዚ ዝኣክል ኣብ ሴፍቲኔት ዝነብር ዘሎ ህዝቢ እቲ መንግስቲ ዘቐመጦ ዝተሓተ መዐቀኒ ዓመታዊ ናይ ምግቢ ውሕስና ኣየረጋገፀን ማለት እዩ። ብሓፈሽኡ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ኩነታት ንምርዳእ ዝኣክል ማሕበር ረድኤት ትግራይ (ማረት) ኣብ 2012 ዓ.ም.ፈ ዝውፅኦ ጸብፃብ ምርኣይ’ውን ኣገዳሲ እዩ:

“… close to 40 percent of the population still experiences hunger and misses out on vital nutrients (carbohydrates, fats and protein) needed for basic wellbeing. The fact that 43.7 percent of children under 5 years of age are stunted, and at least a quarter of women are malnourished and receive little delivery assistance from a health professional, is symptomatic of the poor health and undernutrition prevailing in the Region. High rates of malaria, waterborne diseases and poor feeding practices are other major contributors.”[iv]

ድሕሪ እዚ ማረት ዘውፅኦ ፀብፃብ ንምርካብ’ኳ ተዘይከኣልና እዚ ተገሊጹ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ኣፍተን ዝሓለፋ 3 ዓመታት መሠረታዊ ለውጢ ይገብር እዩ ኢልካ ንምግማት የፀግም እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ድርቂ መመሊሱ ይውሰኾ ኣሎ።

ብኻሊእ ወገን ግና መንግስቲ ሓደጋ ድርቂ ንምቕናስን ብሰንኪ ድርቂ ናይ ዜጋታትን እንስሳታት ሂወት ከይጠፍእ ዘኽኣለ ዓቅሚ ምጥራዩ (ገንዘብ ኣውፂኻ እኽሊ ምግዛእን + ናይ ወፃኢ ሃገዝ ቀልጢፍካ ብምትእኽኻብን) ባዕሉ ዝኸኣለ ዘሐጉስ ዜና እዩ ነይሩ። ግና ንቲ ዘጋጠመ ድርቂ ንምክልኻልን ሓደግኡ ንምቕናስን ዘኽል ዓቕሚ ምጥራዩ ዋላ እንተረጋገፀ ብተኸታታሊ ካልኣይ ሳልሳይ ድርቂ እንተወቒዑና ዓመት ዓመት እኽሊ ናሸምትካ ምቕራብ ኣይከኣልን ዘላቒ መፍትሒ’ውን ኣይኸውንን። ብናይ ሓደ ዓመት እኽሊ ዕደላ ዝምከት ድርቂ ድማ ኣይኮነን። ሓደ ኸቢድ ድርቂ ኣብ ዘጋጥም ድማ ኣውኡ ጠጠው እንተይበለ ናፍቶም ዝቕፅሉ ዘለዉ ዓመታት ዝሰጋገር ቀጥታዊ ተፅኖ ኣብ ሓረስታይና ብሓፈሽኡ´ውን ኣብ ሃገርና ብምዕራፍ ናይ ምህርቲ ዓመታት ኣናጊዑ ረድኤት ዘድሊዮ ህዝቢ ቑፅሪውን ክውስኽ ግድን ይኸውን። እዚ ናይ ሎሚ ድርቂ ንሱ እዩ ዘርአየና። ከምቲ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ኣዲስኣለም ባሌማ ኣብ ቀርባ ዝገለጹዎ መንግስቲ ካፍቲ ናይ ሎምዘበን ድርቂ ዝተምሃሮ ነገር እንተሊኡ ’ድርቂ ዝፃወር ኢኮኖሚ ከምዝሃንፀና እዩ’ ኢልካ[v] ነብስኻ ካብ ምድዕዓስ እቲ እስካብ ሀዚ ዝተሰርሐ ስራሕ ህዝብና ናይ ምንባር ውሕስና ከምዘይፈጠረሉ ኣረጋጊፅና እእንተዝበሃል እዩ እቲ ትኽክለኛ መግለጺ ክኸውን ዝነበሮ። ምኽንያቱ ረድኤት ዝዕድል መንግስቲ ምፍጣር በይኑ ዘላቒ ናይ ምንባር ውሕስና ስለዘየረጋግፅ።

እዚ ኩነታት ዝፈጥሮ ተገዲድካ ዝእቶ ተፀባይነትን ፅግዕተኝነትን´ውን ኣብ ህዝብና ኸቢድ ስነ ልቦናዊ ስንብራት ዘስዕብ ከምዝኾነ ርዱእ እዩ። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን፣ ናይ ወፃኢ ሓገዝ ናለመነ ዝነብር መንግስቲ ዝተማልአ ሉኣላዊ ሃገር ኣለዎ ንምባል ከምዘፅግም ንኸብዱ ትኸውን ትካዎ ካብ ኢድ መንግስቲ ናተፀበየ ዝነብር ህዝቢ እውን ዝተማልእ ፖለቲካዊ ሓርነት ክህልዎ ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ። ሩሑቕ እንተይከድና ሕገመንግስታዊ መሰሉ ዝሓተተ ህዝቢ እምባስነይቲ ብናይ ረድኤት እኽሊ መፈራርሒ ይግበረሉ ከምዝሓገየን ይቕፅልውን ከምዘሎን ካብ እቶም ግዳያት ሰሚዕና ኢና። እዚ ናይ መጀመርታ እዝንና ኣይኮነን፣ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ’ውን ከምኡ ከምዝግበር ብሰፊሑ ዝንገር ጉዳይ እዩ። እዚታት ከም ዘሎ ኾይኑ ብዓብይኡ ድማ ናይ ህዝብና ስቓይን ናይ ልመና ዘመናን ብሄራዊ ሕፍረትናን ናናዋሕና ንነብር። ምኽንያቱ ከምህዝብን ከምሃገርን ናለመንካ ኹርዓትን ሓርነትን ላኣላዊነትን ዝበሃል ስለዘይህሉ። ከምቲ ፕረዚደንት ግብጺ ዝነበሩ መሓመድ ሑሴኒ ሙባረክ ኢሎምዎ ዝበሃል “Whoever does not command the means to feed himself can neither feel freedom nor dignity”. ብሓጺሩ፣ “ዓርሱ ክቕልብ ዘይኽእል ሰብ ነፃነት ይኹን ክብሪ ኣይስምዖን” ንምባል እዩ። እምበርኣርከስ ጭቡጥ ኩነታት ትግራይ ከምዙይ እንዳሃለዉ እዩ ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትሪያላዊ ምዕባለ ንምፍጣር ዝሕሰብ ዘሎ። እስቲ ንምርዳእ ዝኣክል እቲ ንዓመታት ዝተሰርሐሉ ኣብ ትግራይ ዘየፍርየ ፖሊሲን ትሕዝቶን ዳህሲስና ክንሓልፍ።

3/ ፖሊሲ ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ

መብዛሕተን ዝማዕበላ ሃገራት ካብ ብማሕረስ ዝናበር ሕብረተሰብ ናብ ኢንዱስትሪ ኣብ ዝገበረኦ ጉዕዞ ሕርሻን ጥረ መዓድንን ምስ ርካሽ ናይ ሰብ ጉልበት ተደሚሩ ወሳኒ ተራ ነይሩዎም። እቲ ናይ ስግግር መስርሕ ከከም ናይተን ሃገራት ትሕዝቶን ኩነታትን ዝፈላለ ኮይኑ ንኢንዱስትሪ ዝተጠቐምኦ ናይ ሕርሻን ፍርያትን ጥረ መዓድንን ግን ገሊአን ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝነበረን እንተኸውን ገሊአን፣ ብፍላይ ሃገራት ኣውሮፓ ግና ጎቢጠን ዝሓዝአን ሃገራት ዝነበረን ንቐለብ ዝውዕል ዘራእቲ ከምዘይምለስ ብምጥፋእ ኣፍቲ መሬት ንፋብሪከአን ዘድሊየን ሓዱሽ ዘራእቲ ብምትእትታውን ሓረስቶት መሬቶም መንጢሎም ናብ ባሪያ ብምቕያርን ዝተፈፀመ እዩ ነይሩ። ፍልፍል እቲ ጥረ ሃፍቲ ብዝየገድስ እዘን ሃገራት ኢንዱስትሪታት ክሰርሓ ከለዋ ንእኡ ዘድሊየ ኣታወታት’ውን ካብ ዓዲን ዝበዝሕ ድማ ካብ ደገን ብምርካብ መፍረያይነትን ኣረጋጊፀን ቑጠብአንን ሃገረንን ሃኒፀን እየን።

በዝሒ ህዝባ ሓረስታይ ዝኾነት ሃገርና’ውን እቲ ድሑር ዝኾነ ቑጠባኣ መዋቅራዊ ለውጢ ንኽመፅእን ድኽነት ንኽመሓውን ሃገርና ዝዋፅእ እዩ ዝበለቶ ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትሪያላዊ ምዕባለ ዝብል ስትራቴጂክ ፖሊሲ (Agricultural Development Led Industrialization – ADLI) ሓንፂፃ ትንቀሳቐስ ፀኒሓን ኣላን። ቐንዲ ዕላማ ናይቲ ፖልሲ ከምዝስዕብ ይብል:

“… to bring about a structural transformation in the productivity of the peasant agriculture and to streamline and reconstruct the manufacturing sector, so that it makes extensive use of the country’s natural resources and manpower.” ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ADLI strategy focuses primarily on the supply of raw materials from agriculture to industry.  It sets out food self‐sufficiency and the production of raw materials for industry as its first two policy priorities for the agricultural sector”።[vi]

ትርጉም – ‘እዛ ሃገር ዘለዋ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲን ሓይሊ ሰብን ተጠቒምካ ኣብ ሕርሻ መፍረያይነት ሱር ነቀል መዋቅራዊ ለውጢ ምምፃእን ማኑፋክቸሪንግ ዘርፊ ምምዕባልን’። ADLI ከም ስትራተጂ ሒዙዎም ዘሎ ቕድሚት ዝስርዑ ክልተ ቐንዲ ጠመተ ናይ’ዚ ፖሊሲ’ውን ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣልን ንኢንዱስትሪ ዝኸውን እታወታት ምፍራይን ዝብል እዩ።

እዚ ስትራተጂክ ፖሊሲ ኣብ ቑጠባ እዛ ሃገር ሱር ነቀል መዋቅራዊ ለውጢ ንምምፃእ ሕርሻ መሠረት ዝገበረ ከኸውን ኣለዎ ካብ ዝብል ኣምር ዝተበገሰ ኮይኑ ብዞም ዝስዕቡ ሓፈሻዊ ባህሪያትን ሓሳባትን ድማ ናብ ተግባር ይሽረፍ ይብል[vii]፣-

ሀ) ኣብ ንእሽቶይ ትሕዝቶ መሬት ዝግበር ዘሎ ሕርሻ ብዘራእቲ ዓይነት ብምስፋሕ ኣብ ዕድጋ ምእታው።

ለ) ናብ ክባር ዋጋ ዘውፅኡ ዓይነታት ዘርኣቲ ምትእትታው ንወፃኢ ዕዳጋ ዝውዕል ምህርቲ ምድጋፍን ምስራሕን።

ሐ) ንግዲ ተኮር ዝኾኑ ዓበይቲ ሕርሻታት ክስፋሕፍሑ ምሕጋዝ።

መ) ሓርስቶት ምስ ናይ ውሽጢን ወፃኢን ዕዳጋ ስሉጥ ምትእስሳር ንኽፈጥሩ ምድጋፍ።

ሠ) ከከም ባህሪያት ኣየርን መሬትን ናተርኣየ ሃገርና ዘድሊዩዋ ዝተመረጹ ዘራእቲ ፍሉይ ትኹረት ሂብካ ምስራሕ።

እዚ ዝፍፀም፣ ሕርሻ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ኣታኣታቲኻ ካፍቲ ዘለዎ ምምሕያሽን፣ ብፍላይ ድማ ብሉፅ ዘርኢ ምጥቃም፣ መስኖ ምስፍሕፋሕ፣ ንሕርሻ ዘሳልጥ ትሕተ-ቕርፂ ምህናፅ፣ ከም መዳበርያን ፀረ ባልዕን/ተባይን ዘበናዊ እታወታት ምጥቃም፣ ሕርሻ ተንከፍ ዘይኮኑ ዕድላት’ውን ኣብ ገጠራት ብምፍጣር ከምዝኸውን ይገልፅ። ኣብዞም ሓሳባት እዚኦም ተሞርኪዙ ናብ ኢንዱስትሪ ይሰጋገር እሞ ብቐዳምነት ናይ ውሽጢ ዕዳጋ ጠለብ ኣማሊእኻ ፍርያት ኢንዱስትሪ ንደገ ንሰደሉን ናይ ወፃኢ ሸርፊ ናረኸብና ከም ካልኦት ሃገራት ሃገርና’ውን ናብ ዝለዓለ ኩለመዳያዊ ዕቤት ትበፅሓሉ ኩነታት ምፍጣር ዝብል እዩ።

በዝሒ ህዝባ ሓረስታይ ንዝኾነ ሃገር፣ ገና ዘይተተንከፉ ጎላጉልን ወሓዝቲ ሩባታትን ወናኒት ዝኾነት ሃገር እዚ ስትራቴጂክ ፖሊሲ ዘዋፅእ ጥራይ ዘይኮነስ ንኽትምዕብል እንተነኣሰ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢዳ ዝርከብ ካልእ መማረጺ’ውን ዳርጋ የብላን እንተበልና እቲ ሓቂ ምድጋም እዩ ዝኸውን። እዚ ‘ሕርሻ መሠረት ዝገበረ ኢንዱስትሪያላዊ ምዕባለ’ ብሓፈሽኡ ብሃገር ደረጃ ንምትግርባር ዝፈቅድ ጭቡጥ ኩነታት ከምዘሎ’ውን ርዱእ እዩ። ዛጊድ ኣብ ሕርሻ ዝተገበረ ርብርብ እውን ሩኡይ ለውጢ ዘምፀአሎም ክልላት ኣለዉ። እንተነኣሰ ምህርቶም ክብ ኣቢሎም ንዕዳጋ ዘውርድሉን ካብ ሕርሻ ዝረኽብዎ እትወት ተጠቒሞም ካልእ ናይ እትወት መማረፂታት ንምስፋሕ ፃዕሪታት ዝገብርሉ ኩነታት ከምዘሎ’ውን መረዳእታት ኣለው። ብምዃኑ ድማ ሕርሻ ንናይ ሃገርና ቁጠባዊ ዕቤት ዝለዓለ ተራ ይፃወት ከምዘሎ ርዱእ እዩ። ናብ ክልላት አንትወርድ ግን ውፂኢቱ ከምዝፈላለ ዘከራኽር ኣይኮነን። እዚ ድማ ኣብ ክልላት ዘሎ ፍልልይ ተፈጥሮ ሃፍቲን ፀጋታትን ንእኡ ንምቕያር ዘኽእል ውሽጣዊ ዓቕሚ ኣብ ሓረስታይና ስለዘየሎን እቶም ቐንዲ ምኽንያታት ኮይኖም ምስኡ እውን ድኹም ኣፈፃፅማ ፀገም ውሕሉል መሪሕነትን ስለዘሎን እዩ።

ከምቲ ዝፍለጥ እቲ ፖሊሲ ብሃገር ደረጃ ምስወፅአ ብዘይ ኣፈላላይ ናብ ክልላት ወሪዱ ክትግበር ተፈቲኑ ሀዚ’ውን ይቕፅል ኣሎ። ትግራይ ካብ ደርግ ሓራ ካብትወፅእ ኣትሒዙ ብመንግስቲን፣ ማረትን ገለ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብምትሕብባር ኣብዚ ፖሊሲ መሰረት ዝገብሩ ዘፍረዩን ዘየፍረዩን ብዙሓት ፃዕሪታት ተገይሮም እዮም። ንኣብነት ማእቶቱ ሕርሻ ንምድንፍዕ ዓሊሙ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን፣ ልምዓትን ክንክንን ሃፍቲ ተፈጥሮን፣ ንሕርሻ ዝኸውን መሬት ምስፋሕ፣ ልምዓት መስኖን፣ ኣማራፅታት ማይ፣ ምርባሕ ቀወምቲ ተኽልታትን፣ ምህጣር እንስሳን ወዘተ ብምሕሳብ መደባት ወጺኦም ንምስራሕ ተፈቲኑ እዩ። ፅሬትን ክትትልን ዝጎድሎ’ኳ እንተኾነ እዞም ዝተጠቐሱ ስራሕቲ ንምፍፃም ዝኽእል ዓቕሚ ክፈጥሩ ተባሂሉ ዝተኣመነሎም ቴክኒካዊ ስልጠናታት’ውን ኣፍቲ ክልል ብዘሎ ዓቕሚ ኪኢላ ኣቢሉ ናተውሃበ መጺኡ ሎሚውን ቀጺሎም ኣለዉ። ሓፈሻዊ ውጺኢት ናይዚ ኹሉ ፃዕሪ ኣበይ ኣብፂሑና እንተይልና ግና ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ሕርሻና ሽንኳን ኢንዱስትሪ ዝመርሕ ፍርያት ከምፅእ እኹል ቐለብውን ንምፍራይ ኣይከኣለን። ህዝብና ንርእሱ ኣፍታ ዘይብሉ ዓቕሚ ምስ ኣዚዩ ዝተጎድአ ተፈጥሮ ክቃለስ ርብዒ ናይ ሰላም ዘበን ሓሊፉ ሎሚ’ውን ግን ኣብ ናይ እኽሊ ሓገዝ ይነብር ኣሎ። ንዙይ’ውን እዩ እዚ ፖሊሲ ብደምቢ ተፈቲሹ ከከም ክልሉ ትሕዝቶ ምትዕርራይ ክግበረሉ ኣለዎ ዝብል እምነት ዝሓዝና።

እዙይ ከም ዘሎ ኮይኑ፣ ልዕል ኢሊ ከምተገለጸ ኣፍቲ ፖሊሲ ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትሪያላዊ ምዕባለ ጋህዲ ንምግባር ተሓሲቡ ዓይነታት ዘራእቲ ምብዛሕን ናብ ክባር ዋጋ ዘውፅኡ ዘርኣቲ ምስግጋርን ንወፃኢ ዕዳጋ ዝውዕል ምህርቲ ምድጋፍን ኣድላዪ ከምዝኾነ ተኣሚንሉስ ከም ኣንፈት ተታሒዞም ክስርሑ ከምዘለዎም የቐምጥ። እዚ ግን ባዕሉ ዝኸለ ፀገማት ከምዘለዎ ኣብ ትግራይ ብግብሪ ተራእዩ እዩ። እቲ ምኽንያት ድማ ግልፂ እዩ፣ ውሽጣዊ ዓቕሚ ሓረስታይ ትግራይን ተፍጥሮኣዊ ሃፍተ-ገነት ክልልናን ዘለዉዎ ጭቡጥ ኩነታት ንዚ ፖሊሲ ናብ መሬት ንምሽራፍ ኣብ ዘኽእል ኩነታት ስለዘይኮኑ ንሓረስታይና ዓበይቲ ፈተናታት ኮይኖምዎ ይቕፅሉ ስለዘለዉ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ እዚ ፖሊሲ ናብ መሬት ንምውራድ እንትሕሰብ ጎድናጎድኒ ክስርሑ ዝነበሮም ስራሕቲ ማለት ናይ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ትካላት ስለዘየለዉ ንቐፃሊውን ዕንቅፋት ኮይኑ ክቕፅል እዩ። እስቲ ቁሩብ ዝርዝር ኣቢልና ክንርኢ ንፈትን።

4/ ክባር ዋጋ ዘለዎም ዘራእቲ (Higher-Valued Crops) ምትእትታው

እቲ ቐዳማይ ትልሚ ዕቤትን ስግግርን (GTP-1) ዝነበሮ ድኽመትን ጥንካረን ብምግምጋም ኣፍቲ ካልኣይ ትልሚ “ንኤክስፖርት ዝኸውን ምህርቲ ሕርሻና ከፍሪ፣ ካልኣይ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝርከባ ፋብሪካታት ጥረ ኣቕሓ ከቕርብ፣ ሳልሳይ እቲ ዝፈሪ እውን ናብ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ዝኣተወሉ ኩነታት ብምፍጣር ሕርሻና ናብ ዓብይ ናይ ስገግር ብርኪ ክበፅሕ ክስራሕ እዩ”[viii] ይብል ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ። ከምቲ ኣፍቲ ፖሊሲ ዝብሎ ንኤክስፖርት ዝኸውን ክባር ዋጋ ናብ ዘለዎም ዘራእቲ (higher-valued crops) ምእታው ዝብል ሓሳብ ከም ሓሳብ ፅቡቕ’ኳ እንተኾነ ንሱ’ውን ናይ ባዕሉ ሽግር ኣለዎ።

ቐዳማይ፣ ውሽጣዊ ድኹም ዓቕሚ ሓረስታይና ቐንዲ ፈተና እዩ። ዋላ’ኳ ኣብ ነዊሕ ግዘ ዝዓዘዘ ረብሓ ከምዘምፅእ ዘየከራኽር እንተኾነ ብማሕረስ ዝናበር ህዝብና ጊዜ ዘይህብ ሕፅረት ቐለብ እንዳሃለዎ ኣሚኑሉ ናብ ንኤክስፖርት ዝውዕሉ ክባር ዋጋ ዘለዎም ዘራእቲ ክኣቱ ክፅገም እዩ። ምኽንያቱ እቶም ዝለዓለ ዋጋ ዘለዎም ዝበሃሉ ገሊኦም ዘርእታት እውን ዓቢዮም ፍርያት ክህቡ በተነፃፃሪ ነዊሕ እዋን ዝወስድ ብምዃኑ ቐለብ ዘይብሉ ሓረስታይ እዚ ክቕበል ኣፀጋሚ ይገብሮ። ብግብሪ እውን ከምዝተርኣየ መረዳእታታት ኣለዉ[ix]። ካልኣይ፣ ምምሓሽ መፍረያይነት መሬትን ተወሳኺ መጠን መሬትን ጥራይ ዘይኮነ ዝሓትትስ ሱር ነቀል ለውጢ ከምፅእ ዝኽእል ቀረብ እዞም ክባራት ዘራእቲ ምርግጋፅ፣ ንቶም ሓደሽትን ክባራትን ዘራእቲ ዝምጥ ዘተኣማምን ናይ ማይ መጠን ምውናን፣ ሕርሻ ንምምሕያሽ ዘኽእል ትሕተ ቕርፂን ናይ ቴክኖሎጂ እታወታትን ምህላው፣ እቲ ዝድለ ለውጢ ንኸምፅእ ዘኽእል ሙያዊ ስልጠና ምሃብን ብሓፈሽኡ ናይ ሓረስታይ ንዋታዊን ገንዘባዊን ዓቕሚን ምህላው ዝጠልብ እዩ። ኣብዚኦም ውሱን ፃዕሪታትን እወንታዊ ውፅኢትን ከምዘለዉ ይፍለጥ እዩ ግና ብቲ ዝድለ ቕልጣፈ ካብ ሽግር ከውፅኡና ከምዘይኽእሉ እስካብ ሀዚ ዘሎ ዓቕሚ ህዝብና ምርኣይ ባዕሉ መረዳእታ እዩ። ሳልሳይ፣ ናይ ሕርሻ ውፅኢት ተቐቢሎም ፕሮሰስ ዝገብሩ ፋብሪካታት ኣብዘይለውሉ ራብዓይ፣ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ዕዳጋ ምትእስሳር ድኹም ኣብዝኾነሉን ምዝባዕ ዋጋ ዕዳጋ ልሙድ መስርሕ ኣብ ዝኾነሉን ኩነታትን ሓረስታይ ምህርቱ ናብ ዝልዓለ ዋጋ ዘውፅኡ ዘራእቲ ምቕያር ንሓደጋ ዘጋልፆ ከምዝኾነ ተራእዩ እዩ።

ንኣብነት ናይ ኮሚደረ መእሸጊ ትካል ስለ ዘይብልና ብማሕበር ተወዲቦም ኮሚደረ ዘምረቱ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ፍርያቶም ዘልዕለሎም ስኢኖም በስቢሱ ተበላሺና ክብሉ ብድምፂ ወያነ ሰሚዕና ነይርና። እዚ ኣብ ሶማሌ ክልል´ውን በሰፊሑ ዝርአ ዘሎ ሽግር እዩ። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን፣ ሓረስታይ ንቐለብ ዝውዕል እኽሊ (ጣፍ፣ ስንዳይ፣ ስገም፣ ምሸላ፣ ምሸላ ባሕሪ፣ ዳጉሻ፣ ዓተር ወዘተ) ምፍራይ ገዲፉ ናብ ንፋብሪካ ዝውዕሉ ክባራት ዝራእቲ (ሰሊጥ፣ ንሂግ፣ ጡጥ፣ ኦቾሎኒ፣ ፍራፍረ ወዘተ) ኣብ ዘተኣታትወሉ እዋን ካልኦት ንዕለታዊ ሃልኪ ዝውዕሉ ኣእኻል ኣብ ዕዳጋ ሕፅረት ስለዘጋጥም ዋጋ ምንሃሩ ዘይተርፍ ይኸውን። እዚ ናይ ዋጋ ምውሳኽ ድማ ህዝብና ክስከሞ ኣይክእልን። ዝማዕበላ ሃገራት ናብ ከምዚ ዓይነት ስግግር ኣብ ዝገብራሉ እዋን እቲ ሕፅረት እኽሊ ንምፍታሕ ካብ ወፃኢ የእትዋ። ሃገርና ግን ኣብዚ ዘላቶ ብርኪ ዕቤት ከምኡ ክትገብር ዓቕሚ የብላን ጥራይ እእንተይኮነስ ብስሩ’ውን ንሕርሻ ዝኸውን መሬትን ማይን እንዳሃለዋ ምግቢ ንወፃኢ ክትሰድድ እምበር ከተእቱ ኣይግበኣን። ካብ ደገ ዝኣቱ ብውሽጢ ዓዲ ምህርቲ ንምትካእ (import substitute) ኣብ ንፅዕረሉ እዋን ድማ እዚ ምግባር ዘየዋፅእ እዩ።

ብግልባጡ እኹል ዝኾነ ፍርያት እቶም ንብሎም ዘለና ኽባራት ዘራእቲ ኣብ ዘይብሉ ፋብሪካ ምትካልስ ሽግር ዶ ኣይኮነን? ኢሉ ንዝሓትት መልሱ እወ ሽግር እዩ። እኹል እታወታት ኣብ ዘይፈሪየሉ ኩነታት ዝኾነ ዓይነት ናይ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ትካል ምትካል ኣየዛልቕን። እንተኾነ ግን እዚ ኣብ ሃገርና መሠረታዊን ዘላቒን ዝኾነ ሽግር የብሉን። ምኽንያቱስ ባሕሪ ተይሰገርና ብበዝሒ ካብ ዝምርቱ ክልላት ሃገርና ናምፃእኻ’ውን ኣብ ትግራይ ፋብሪካ ክስርሕ ስለዝከኣል። ሎሚ መገዲ ብኹሉ ኣንፈት ናብ ኣስፋልት ኣብዝተቐየረሉን ናይ ባቡር ትራንስፖርት እውን ናተሳለጠ ኣብ ዘለሉ ኩነታት እዚ ስግኣት ኣይኸውንን። ሓቂ እዩ ብዘይ እኹል ጥረ ኣቕሓ ወይ ናይ ሕርሻ ፍርያት ፋብሪካታት ምትካል ሽግር ዘለዎ ዘምስሉ ኩነታት ኣብ ሃገርና ኣለዉ እዮም። ንኣብነት ኣብ 2005 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርናዮ ሓፂር ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ናብ 33 ዝግመቱ መብዛሕቶም ኣናእሽቱን ኣረግቶትን ዝኾኑ ናይ መግቢ ዘይቲ መፅሞቒ ትካላት ኣብ መላእ ሃገር እንዳሃለዉ 79 ሚኢታዊ ናይ ብልዒ ዘይቲ ዝመፅእ ካብ ወፃኢ ከምዝኾነ ኣረጋጊፅና። ካብ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላት እኹል መረዳእታ ኣኪብና ምስ መርመርናዮ ድማ ምኽንያቱ እዚ ዝስዕብ ኮይኑ ረኺበዮ:

እቶም ዘለዉና ኣናእሽቱን ኣረግቶትን ዘይቲ መፅሞቒ ትካላት ትሕቲ ዓቕሞም ከምዘምርቱን ንዙይ ቐንዲ ምኽንያት ድማ ዝተመረተ ናይ ዘይቲ እኽሊ ናብ ወፃኢ ስለዝስደድ ኣብ ዕዳጋ ሕፅረት ናይ ዘይቲ እኽሊ የጋጥሞም። እዚ ሕፅረት ድማ እተን ኣብ ዕዳጋ ዘለዋ ዝርካብን እኽሊ ዋጋ ክውስኻ ምኽንያት ፈጢሩ፣ እዚ ድማ ኣብ ፍርያቶም (ዘይቲ) ዋጋ ክውስኹ ኣገዲዱዎም፣ ኣብ ዘይቲ ዋጋ ብምውሳኾም ድማ እቲ ካብ ወፃኢ ዝመፅእ ዘይቲ ፅሬቱ ብዘየገድስ ብዋጋ ተወዳዳራይ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዕዳጋ ናብ ምቁፅፃር ኣቲዩ ዝብል እዩ። እዚ ግና መዋፅእቲ ዘለዎ ሽግር እዩ። ብመሠረቱ እዚ ክፍተት ክልተ ዓበይቲ ዕድላት እዩ ፈጢሩ ዘሎ። ቐዳማይ፣ ሕፅረት ናይ ዘይቲ እኽሊ ዝፈጠሮ ክፍተት ንምምላእ ኣብ ሕርሻ ዝዋፈር በዓል ሃፍቲ ይጠልብ ኣሎ። ብኻልእ ኣባህላ እዞም ናይ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ትካላት ምህላው ንዘይቲ ዝኾኑ ኣእኻል ቐፃሊ ይጠልብ ስለዘሎ እዚ ሪኦም ናብ ምፍራይ ዝኣትዉ ሰብ ሃፍቲ ዕድል ዝኸፍት እዩ። ካልኣይ፣እቲ ቐዳማይ ኣብዝሳኻዕ ዘይቲ ካብ ወፃኢ ካብ ዝኣቱ ኣብ ሃገር ውሽጢ ኣምሪትካ ትትከአሉን ሃፍቲ ትፈጠረሉን ዕድል ዘስፍሕ እዩ ዝኸውን።

ሰፊሕ ጎላጉልን ወሓዝቲ ሩባታትን ዘለዋ ሃገር እኹል ናይ ዘይቲ እኽሊ ኣብ ዕዳጋኣ ስለዘይርከባ እቲ ዝበዝሕ ናይ ምግቢ ዘይቲ ካብ ወፃኢ ምእታዋ ናይዛ ሃገር ኩለመደያዊ ሕምቀት መግለጺ ገይርካ ጥራይ እዩ ክውሰድ ዘለዎ። እዛ ሃገር ዘለዋ ናይ መሬትን ማይን ፀጋታት ተጠቒምካ ብዙሕ ዓይነት ናይ ዘይቲ ኣእኻል ብምፍራይ ናይ ዓዲ ውሽጢ ጠለብ ኣማሊእኻ ንወፃኢውን ብበዝሒ ንምስዳድ ዝከኣለሉ ዓቕሚ ኣለዋ እዩ። እቲ ልዕል ኢሉ ተገሊጹ ዘሎ ኩነታትውን ኣብ ሃገርና እኹል ናይ ዘይቲ ኣእኻል ብምፍራይ ናይዘን ትካላት ጠለብ ክተማልእ ዝከኣለሉ ዕድል ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ። ብኻሊእ ኣባህላ ኢንዱስትሪ ብምህላው እቶም ዝተጠቐሱ ዕድላት ፈጢሩ ኣሎ። ንኣብነት ካብ ምሸላ ባሕሪ ዘይቲ ዘምርት ትካል እንተዝህሉ ብዋጋ ዝረኸሰ ብዝሒ ዘለዎ ዘይቲ ኣብ ዕዳጋ ምሃለወን ናይ ወፃኢ ሸርፊ ናኸፈልካ ካብ ወፃኢ ነእተወሉ ኩነታት´ውን ጠጠው መበሎ ነይሩ። ንዙይ´ውን እዩ መሠረታዊን ዘላቒን ዝኾነ ሽግር የብሉን ንብል ዘለና።

እዚ ናብ ትግራይ እንተውርዲናዮ እውን ብተመሳሳሊ ኢንዱስትሪ ፈጢርካ እዞም ዝተብሃሉ ዕድላት ምፍጣር ይከኣል እዩ። እንተገደደ ድማ ኣብ ትግራይ ሓረስታይናን ሕርሻናን ናብ ዝሐሸ ብርኪ አስካብ ዝበፅሕ ካብ ካልኦት ክልላት ንፋብሪካ ዝኸውን እታወታት ናምፃእኻ ምስራሕ ይከኣል እዩ። ነቲ ክልልን ህዝቢን እውን ዓቕሚ ዝፈጠረሉ ይኸውን። እቲ ቐንዲ ነገር እተን ዝትከላ ኢንዱስትሪታት ክልልና ብሓፈሽኡውን ሃገርና ዘለዎ ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት መሠረት ዝገበራ ክኾና ይግባእ። እዘን ንብለን ዘለና ዓይነት ኢንዱስትሪታት ኣብ ዘይሃነፅናሉ፣ ዘተኣማምን ናይ ዕዳጋ ምትእስሳር ኣብዘየለሉ፣ ብዓይብዪኡ ድማ ውሕስና ምግቢ ኣብ ዘይረጋገፀሉ ኩንታትን ንሓረስታይና ናብ ክብራት ዘራእቲ ክኣቱ የፀግመሉ እዩ። ብምዃኑ ድማ ትግራይ ኢንዱስትሪ ዝወልድ ሕርሻ ናበልካ ጊዜ ካብ ምብኻን ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕርሻ ቕድሚ ኹሉ ናይ ምግቢ ውሕስና ንምርግጋፅ ጥራይ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ፣ ህንፀት ኢንዱስትሪ ግን ዝለዓለ ትኹረት ተዋሂቡዎ እንተዝስራሕ እዩ ዘዋፅእን ንቲ ዘለናሉ ወድዓዊ ኩነታት ዝምጥንን እሞ ኣብ ክልልናን ዘለዉ ተኽእሎታትን መማረፂታትን ክንርኢ ንፈትን።

5/ ትግራይን ዘለዉ መማረጺታትን

ብማሕበር ተጋሩ ኣብ ኤሮፓ ብዝብል ቕድሚ 31 ዓመት፣ ማለትውን 1985 ዓ.ም.ፈ ዝተፅሓፈት መፅሄት ”ደደቢት” ኣብ ገፅ 9 ሕርሻን መፃኢ ቑጠባዊ ኣንፈት ትግራይ ኣመልኪቱ ኣፍቲ እዋን ዝነበረ ኣረዳድኣን ትንተናን ህወሓት ከምዚ ዝስዕብ የቐምጥ:

”ህዝቢ ትግራይ ተፀባያይ ሓገዝ ዘይኮነስ ዓርሱ ዝኽእል ንኽኸውን ብዙሓት ናይ ትምህርቲን ኢንዱስትሪን ማዕኸናት ክኸፈታ ኣለወን” ይብል። ሕልፍ ኢሉ እውን ”ትግራይ ብሕርሻ ጥራይ ዘይኮነ ብማኣድናዊ ሃብቲ፣ ቢንዱስትሪያዊ ስራሕቲን ብቱሪዝምን ዓብዪ ምዕባለ ክተመዝግብ ትኽእል ንናይ ዓርሳ ህዝቢ ብራህዋ ክተንብር እትኽእል ዓዲ እያ። እዙይ ከይርድኦ ዝኽእል ኣብ መስፍናዊ ፀልማት ዘሎ ብምዕባለን ግስጋሰን ብሳይንስን ብቕያ ውፁዕ ህዝቢን ዘይኣምን ጥራሕ እዩ”[x] ይብል።

እቲ ፖለቲካዊ ፈረጅኡ ይፅነሐልና’ሞ እወ ትግራይ ብተፈጥሮ ሃፍታምን ብዙሕ መማረፂታት ዘለዉዋን ክልል እያ። ብምዃና ድማ ቑጠባዊ ኣንፈት ትግራይ ከምቲ ኣብዛ መጽሄት ተገሊጹ ዘሎ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣብ ሕርሻ ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣድላዪ’ኳ እንተኾነ ጉዱእ መሬት፣ ድሑር ሜላ ኣተሓራርሳ፣ ትሑት መፍረያይነት፣ ንእሽተይ መጠን መሬት እሞ ድማ ሓዱሽ ዝባፅሐ ወለዶ ዝጥምታ፣ ንቐፃሊውን ናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ በዝሒ ህዝቢን ውስኑነት ተሓራሲ መሬትን (ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘይቃዶ መጠን ተሓራሲ መሬት 1.3 ሚሊዮን ሄክታር ብመሰረት ክልላዊ መንግስቲ፣ 860 ሄክታር ብመሰረት ማእኸላይ ስታቲስቲክስ[xi])፣ ናተመላለሰ ዝመጽእ ድርቂን ትሑት ኣፈፃፅማን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ትግራይ ‘’ሕርሻ ዝምርሖ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ’’ ንምውላድ እስካብ ሀዚ ብዘሎ ከይዲ ይከኣል እዩ ኢልካ ንኽትወስድ ዘእምን ኩነታት ኣይረኣናን። መንግስቲ ግን ሀዚውን ሕርሻ መሪሕነቱ ክቕፀል እዩ ይብል ኣሎ።

ኣብ ወርሒ መስከረም 2008 ዓ/ም ብወይን ቃለ መሕትት ዝተገበረሎም ኣይተ ኣባይ ወልዱ ”መሪሕነት ሕርሻ ክቕፅል እዩ። ኢንዳስትሪ ቅድሚ መሪሕነት ምርካቡ ንኢንዳስትሪ ዝምቹ ኩነታት ክፈጥር ዘለዎ ሕርሻ እዩ … ኣብቲ ቀፂሉ ዘሎ ካልኣይ ’ጂቲፒ’ ግን ኢንዳስትሪ ናይ ሕርሻ መሪሕነት እናተረከበ ዝኸደሉ ኩነታት እዩ ክህሉ”[xii] ይብሉ። እዚ ናብ ጭቡጥ ዝሸረፍ እንተዝኸውን ግርም ነይሩ። ግና ሕርሻና ዘለዎ ትሑት ብርኪ መፍረያይነት፣ ኣብ ዙሪኡ ዘለዉ ሰብን ተፈጥሮን ዝወለዶም ፈተናታት፣ እስካብ ሀዚ ዘሎ ኣዚዩ ዝተሓተ ውፂኢትን እቶም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ካልኦት ምኽንያታትን ኣብ ሒሳብ ኣእቲኻ ብድምር እንትርአ ሕርሻ ኢንዱስትሪ ፈጢሩስ ኣብዚ ዝበሃል ዘሎ ሓፂር ግዘ ኢንዱስትሪ መሪሕነቱ እናተረከበ ዝኸደሉ ኩነታት ክፍጠር እዩ ኢልካ ንኽትወስድ ዘእምነካ ምልክት’ውን የለን።

ብኣንፃሩ ኣብ ኢንዱስትሪ ምህናፅ፣ ምስፍሕፋሕ ንግድን ግልጋሎት ዘፈርን ዝግበር ፃዕሪ ካፍቲ ሀዚ ዘለዎ ጎታት ኣካይዳ ብብዙሕ ዕፅፊ ክቕልጥፍን ክበዝሕን እንተተገይሩ ግና እቶም ልዕል ኢሎም ኣፍቲ ስትራተጂክ ፖሊሲ ካብ ‘ሀ’ እስካብ ‘ሠ’ ዝተጠቐሱ ሓሳባት ምፍፃም ዝከኣለሉ ዓቕሚ ምፍጣር ይከኣል እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ተፈጥሮኣዊ ትሕዝቶ ፀጋታት ክልልና ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕርሻ ኢንዱስትሪ እንተዝመርሖ ውፅኢታዊ ምኾነ ንምባል እዩ። እዚ ማለተ ግን ኣብ ሕርሻ ዝግበር ፃዕሪ ካፍቲ ዘለዎ ክቕንስ ኣለዎ ንምባል ዘይኮነስ ብመጠንን ብትሕዝቶን ካፍቲ ዘለዎ ወሲኽካ ምስ ኢንዱስትሪን ንግዲን ኣገልግሎት ዘፈርን ተፀጊዑ መጀመርታ ውሕስና ምግቢ ሙሉእ ብሙሉእ ዘረጋግፀሉ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ምስበፅሐ ድማ ናይ ኢንዱስትሪ (ናይ ዓዲ ውሽጢን ወፃኢን) እታወታት ዘፍርየሉ መስርሕ ምኽታል የድሊ ንምባል እዩ። ምስ ኢንዱስትሪን ንግዲን ኣገልግሎት ዘፈርን ተፀጊዑ ክበሃል ከሎ ኢንዱስትሪን ንግዲን ኣገልግሎት ዘፈርን ብምዕባዮም ዝፍጠር ሃገራዊ ዓቅሚ ንምባል ተደሊዩ እዩ። ከመይ ኢሉ? ንዝብል፣

ምስፍሕፋሕ ንግዲን ኣገልግሎት ዘፈርን ከምዘሎ ኮይኑ እዞም ዝህነፁ ኢንዱስትሪታት ተፈጥሮኣዊ ትሕዝቶን ፀጋታት ክልልና መሠረት ዝገበሩ ኣብ ዝኾኑ እቲ ድሑር ሕርሻና ንምምሕያሽን በቢደረጅኡ ብሉፅ ቴክኖሎጂ ዝጥቀም ንምግባርን ብሓፈሽኡ ተፈጥሮ ሃፍትና ብዝግባእ ንምጥቃም ዘኽእለና ገንዘባዊን ንዋታዊን ቴክኒካዊን ዓቕሚ ዝፈጥሩልና ስለዝኾኑ እዩ። ንኣብነት ጋቢዮን ፋብሪካ ብምስርሑ ተፈጥሮ ንምቁፅፃር ይሕግዝ ኣሎ። ጋቢዮን ምፍራይን ምጥቃምን እንተስፋሕፊሑ ውሕጅ ዘስዕቦ ሓደጋ ቐኒሱ ኣብ ሓመድን ማይን ዕቀባ ትርጉም ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ይገብር፣ ዘይሩ ዘይሩ ኣብ ተፈጥሮ ክንክንን ምድንፋዕ ሕርሻን ብሉጽ ተራ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ መንግስቲ ገዘፍቲ ናይ መዳበሪያ (ዩሪያ) ፋብሪካ ምስርሑ ንሕርሻን መጠን ምህርቲን ከማሓይሾ እዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ትካላት ምህላው ሕርሻ ናይ ቴክኖሎጂ ተጠቃሚ ኮይኑ መፍረያይነቱ ከምዝውስኽ ፍሉጥ እዩ። ከምዚኦም ዓይነት መፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ምህናፅ ናይ ወፃኢ ሸርፊ’ውን የድሕኑልና ጥራይ ዘይኮነስ ተወዳዳራይ ፍርያት ብምፍራይ’ውን ንወፃኢ ዕድጋ ኣውዒልካ ሸርፊ ዝርከበሉ ኩነታት ዝፈጥሩልና እዮም።

ኢንዱስትሪታት እንተሃሊዮምና ምህርቲ ሕርሻ’ውን ናብ ዝኣትዎ ኣይስእንን። ራያ ቢራ ፋብሪካ ብምስርሑ ስገም ኣምሪትካ ንምሻጥ ዕድል ክኸፍት እዩ፣ ብፍላይ እቲ ተሓሲቡ ዘሎ ናይ ብቁልቲ ፋብሪካ[xiii] ምስተፈፀመ ሓረስታይና ፅሬት ዘለዎ ፍርያት ጥራይ ምፍራይ እዩ ትፅቢት ዝግበረሉ። ዛጊድ’ኳስ እዚ ፋብሪካ ብምህላዊ ብድርቂ ምኽንያት ዝተፈጠረ ሕፅረት ምግቢ እንስሳ ንምፍታሕ ናይቲ ፋብሪካ ተረፈ ምህርቲ ንህዝቢ የካፋፍል ኣሎ። ብተመሳሳሊ ኣብ ውቕሮ ናይ ቖርበትን ጫማን ፋብሪካ ብምስርሑ ናይ ኣጣልን ኣብጊዕን ኣንጋረ ሸየጥቲ ዕዳጋ ፈጢሩሎም ኣሎ። እዚ ባዕሉ ኣጣልን ኣብጊዕን ዝፍርዩ ሓረስቶት ስለዝጠልብ ዕድል ከፊቱ ኣሎ ማለት እዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ዓድዋ ንእሽተይ ናይ ፀባ መእሸጊ ትካል ብምፍጣራ ካብ 100 (ሓደ ሚኢቲ) ንላዕሊ ናይቲ ኸባቢ ሓረስቶት ፀባኦም በቐፃሊ ነቲ ትካል ይሸጡ ኣለዉ። ብዙይን ብቲ ቐፃሊ ናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጠለብን ብምትብባዕ ኣብ 40 ኪሜ ዙሪያ ንዝርከቡ ሓረስቶት ምህርቲ ፀባኦም ዝሸጥሉ ዕዳጋ ብምፍጣርን እቲ ትካል’ውን ፍርያቱ ኣዕቢዩ ዕዳጋ ንምስፋሕን ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ። ብዛ ንእሽተይ ትካል ኣለመዳ ጨርቅጨርቅ፣ ሳባ እምነበረድ፣ ኣክሱም ዩኒቨርሲቲ፣ ሆስፒታላት፣ ገለ ቤት ትምህርቲታት፣ ሆቴላትን እቲ ሕብረተሰብን ናይ ፀባ ተጠቀምቲ ኮይኖም ኣለዉ።[xiv]

ብተመሳሳሊ ናይ ዓለባ ፋብሪካ (ኣለመዳ) ምስፍሕፋሕ’ውን ናይ ጡጥ ምህርቲ እታ ዓዲ ካብ ተምርቶ መጠን ንልዕሊ ከምዝሓተትን ብኡ ምኽንያት ድማ ብዙሓት መፍረይቲ ጡጥ ከምዝፈጠረን ሪኢና ኣለና። ኣለመዳ ጋርመንት ምህላዉ እውን ናይ ሞልጎም ፋብሪካ ንምትካል ዕድል ፈጢሩ ኣሎ። መንግስቲ ናይ መዓር ምፍራይ ቴክኖሎጂ ምስፍሕ ትኹረት ብምሃቡ መዓር ዘፍርዩ ሓረስቶት በዚሖም ይርከቡ። ፍርያቶም እውን ዝሸጥሉ ረኺቦም። ሎሚ ድማ ሓደ ክልተ ዝኾና ፋብሪካታት መፃረዪ መዓር ብምስርሐን ንቶም ዘለዉ መፍረይቲ ዕዳጋ ይፈጥራ/የስፍሓ ንኻልኦት እውን ናፍቲ ዓውዲ ክኣትዉ ዘተባብዕ ከምዝኾነ ምግማት ይከኣል። ብተመሳሳሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ማንጎ ፋብሪካ ምትካሉ ንመፍረይቲን ሸየጥቲን ማንጎ ዓቢዪ ዕዳጋ ከምዝኸፈተ ይፍለጥ። ፅሟቕ ዝእሽግ ሓደ ትካል ኣብ ትግራይ እንተዝህሉ ኣብ ራማ-ሓመዶ ዝፈሪ ዘሎ ማንጎን ኣራንሺን፣ ኣብ ራያ-ኣላማጣ ዝፈሪ ዘሎ ፓፓያን ማንጎን፣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብሩባ-ተከዘ ዝፈሪ ዘሎ ሙዝን ፓፓያን[xv] ዝበለፀ ዋጋ ኣውፂኡ ንኻልኦትውን ናፍቲ ናይ ምፍራይ ዓውዲ ክኣትዉ መተባብዐን ንህዝብን ሃገር’ውን ምጠቐመ።

ሶማሊ ክልል ብእንስሳ ምርባሕ ዝነብር ህዝቢ እንዳሃለወ ካብ ዕዳጋ ተጠቃሚ ኣይነበረን። ሎሚ ናይዚ ዓብዪ ሃፍቲ ተጠቃሚ ንምዃን ብ172 ሚሊዮን ብር ንሽዱሽተ ሚኢቲ (600) ከፍቲን ንሽዱሽተ ሽሕ (6000) ጤለ-በጊዕን መሕረዲ ስጋ ዝኸውን ፋብሪካ ኣብ ዳያስፖራ ዘለዉ ናይቲ ክልል ተወለድቲ ሰሪሖም፣ ንልዕሊ 2 ሽሕ ብእንስሳ ምርባሕ ዝናበር ህዝቢ እቲ ክልል ዓብዪ ዕዳጋን ን200 ሰብ ስራሕን ፈጢሮምሉ ኣለዉ[xvi]። ከምዚ ዓይነት ፋብሪካ ምህላዉ እንስሳ ብደዉ ናብ ወፃኢ ዝግበር ዝነበረ ኮንትሮባንድ ብምጥፋእ ናይ ቖርበት ፋብሪካታት እውን ተጠቀምቲ ይገብርን ብሓፍሽኡ ድማ ንሃገር ዘምፅኦ ረብሓ ገዚፍ እዩ።

እዚኦም ከምዘለዉ ኮይኖም ኣብ ትግራይ ኢንዱስትሪ ንምህናፅ ዘኽእሉና ብዙሓት ካልኦት ዕድላት ከምዘለዉና’ውን ይፍለጥ እዩ። ንኣብነት ቢሮ ኢንዱስትሪን ንግድን ብሄራዊ ክልል ትግራይ ኣፍቲ ክልል ዘለዉ ዝተፈላለዩ ናይ ኢንቨስትመንት ዕድላት መማረፂታት ዳህሳስ ብምክያድ ምስ ኣጭርቕቲ፣ ቖርበት፣ ኬሚካል፣ ላስቲኽን ጎማን፣ ሓፂን ተንከፍ ዘይኮኑ መዓድናት፣ ሓፂንን ኢሌክትሮ መካኒካልንን፣ ምግቢን መስተን ዝመሰሉ ምስራሕ ከምዝከኣል ኣብ ዘውጽኦ መፅናዕቲ ይገልፅ።[xvii] ኣብዚ ግና መፅናዕቲ ገይርካ ምቕራብ ዝነኣድ ስራሕ ኮይኑ ዓበይቲን ኣናእሽቱን ሰብ ሃፍቲ ኣብዞም ዝተጠቐሱ ዓውዲታት ንምውፋር መንግስቲ ተወሳኺ ፃዕሪ ክገብር ኣለዎ። ብስሩዉን ኣብዞም ናይ ኢንቨስትመንት ዕድላት እኹል ፍልጠት ምዝርጋሕ ስለዘድሊ ሰብ ሙያን ሰብ ሃፍቲን ዝራኽብሉ መተባቢዒ መድረኻት ምፍጣር የድሊ። ናይ ፍልጠት ክፍተት ከምዘሎ ግልፂ እዩ። ንኣብነት ኣብ ርእሰ ኸተማና መቐለ ተሰሪሖም ኣፎም ከፊቶም ዝሓድሩ ዘለዉ ገዘፍቲ መንበሪ ኣባይቲ ንምስራሕ ዝወጽአ ገንዘብ ኣብ ማኑፋክቸሪንግ ዊዒሉ እንተዝኸውን ዛጊድ ከንደይ ሃፍትን ሃፍታምን በዓል ሙያን ናይ ስራሕ ዕድላትን ፈጢሩ ምሃለወ።

እምበኣርከስ ቐልጢፍካ ኢንዱስትሪታት ምህናፅ ኢቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ጥራይ ኣይኮነን ረብሕኡ። ንቲ ዓመት ዓመት ካብ ዩኒቨርሲቲ፣ ኮሌጅን ላዕለዋይ ብርኪ ቤት ትምህርቲን ዝውጽእ ዘሎ፣ ብስእነት ስራሕ ምኽንያት ካብ ገጠር ናብ’ተን ስራሕ ደላዪ መንእሰይ ዝመልአን ከተማታትና ዝውሕዝ ዘሎ መንእሰይ፣ ንቲ ካብ ሩባታት ትግራይ ወርቂ ኣሪኻ ተባሂሉ ዝእሰር ዝቕፃዕን ዝንገላታዕን ዘሎ መንእሰይ (ውሕጅ ንበረኻታት ሱዳን ዝወስዶ ወርቂ ዝኣረየን ንርእሱ ስራሕ ዝፈጠረን ዜጋ ኣብ ክንዲ ንሃገርን ዜጋን ብዝጠቅም ኣገባብ ስርዓት ምትሓዝን ምድጋፍን)፣ እንዳ ጫት ቡንን ፎቖዶ ፅርጊያን ቐንፈዘው ዝብል ዘሎ ከተመታይን፣ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ሓደገኛ ብዝኾነ መገዲ ንስደት ዘምርሕ ዘሎ ሙሁርን ዘይሙሁርን ዜጋ ስራሕ ዝፈጥሩልና እዮም።

ክርሳዕ ዘይብሉ ጉዳይ እንተሃለወ ትግራይ እዚኦም ጥራይ ኣይኮኑን ሽግራ፣ ብሰንኪ ዂናትን ተፈጥሮን እውን ብተዛማዲ ቑጽሪ ህዝባ እንትርአ ካብ ኩለን ክልላት ሃገርና ዝበዝሐ ናይ ኣካል ስንክልና ዘለዋ ክልል ከምዝኾነት ናይ 2007 ዓ.ም.ፈ ፀብፃብ ሴንትራል ስታቲስቲክስ ኤጀንሲ ኢትዮጵያ የመልክት[xviii]። እዞም ኣብዚ ዝምደቡ ወገናትና ዝበዝሑ ጥር ትብል ኣታዊ ዘይብሎምን ተጠወርቲ ቐሊል ዘይበሃሉ’ውን ብልመና ዝመሓደሩ ከምዝኾኑ ይፍለጥ። ስራሕ ምፍጣር ቑጠባዊ ዓቕሚ ሕብረተሰብና ምድንፋዕ ማለት ስለዝኾን እዞም ወገናት’ውን ብቐጥታ ወይ’ውን በተዘዋዋሪ እትወት ዝረኽብሉ ኩነታት ምፍጣር ማለት እዩ ዝኸውን። ብሓፈሽኡ ንቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ገዚፍ ቑፅሪ ስራሕ ኣልቦ መንእሰይ ስራሕ ዝፈጥሩን ናይቲ ክልል ቁጠባዊ ዕቤትን ልምዓትን ዘረጋግፁ ትካላት ብቕልጡፍ እንተዘይተሃኒፆም ሳዕቤኑ ከቢድ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ።

እሞ እምበኣር ኢንዱስትሪታት ምህናፅ ብሙያ ዝሰልጠነ ሰብ ብቐፃሊ ይጠልብ፣ እዚ ጠለብ ድማ ናይ ሙያ መሰልጠኒታት ንምኽፋት ዕድል ይፈጥር፣ ካውኡ ድማ ስራሕ ይፈጥር፣ መሠረተ ልምዓትን ከተማታትን ንምስፍሕፋሕ ምኽንያት የኸውን፣ ናይ ኣገልግሎት ዘፈር እውን ናብ ዝለዓለ ብርኪ የሰጋግር፣ እዚኦም ኩሎም ተደሚሮም ድማ ተወሳኺ ናይ ስራሕ ዕድል ይፈጥሩ፣ እዚ ድማ ቑጠባዊ ዕቤት የምፅእ፣ ተደሚሩ ሰብኣዊ ልምዓት ንምርግጋፅ ቐንዲ ምኽንያት ይኸውን፣ ቑጠባዊን ሰብኣዊን ልምዓት ድማ ኣብ መላእ ሃገር ሰላምን ምርግጋዕን ፈጢሮም ሃገርና ናብ ማእኸላይ ኣታዊ ዘለወን ሃገራንት ብምፅንባር ኣብ ዘተኣማምን ብርኪ ምዕባለ ኽትቕፅል የኽእላ።

ብሓፂሩ ከምቲ እቲ ፖሊሲ ዝብሎ ኣብ ትግራይ ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትሪያላዊ ምዕባለ ዝጨበጥ እንተዝኸውን ግርም ነይሩ። ንምንታይሲ እቲ ዝበዝሐ ህዝብና ሓረስታይ ስለዝኾነ። እቲ ሓቂ ግና ኣብ ትግራይ እስካብ ሀዚ ሕርሻ ዝወለዶ ኢንዱስትሪ ይትረፍዋ ናይ ዓመት ቐለብ ክነማልእ ኣይከኣልናን። ከምቲ ዝበሃል ዘሎ ኢንዱስትሪ ንምምዕባል ሕርሻ እንድሕር ንፅበ ኮይና ተፈጥሮ ሃፍትና ብኣግባቡ ንምጥቃም ዘኽእል ገንዘባዊ፣ ንዋታዊን ቴክኒካዊን ዓቕሚ ኣይህልወናን፣ ሓረስታይና ካፍቲ ዘለዎ ኣስካፊ ኩነታት ኣይወፅእን፣ ነዚ ዝመሃር ዘሎ ሓዱሽ ወለዶ ዝኸውን ስራሕ ኣብ እዋኑ ኣይፍጠርን፣ ብሓፈሽኡ ህዝብና ኣብ ዝደኸመ ቑጠባዊ ዓቕሚ ክቕፅል ይግደድ ከም ውጺኢቱ ድማ ተስፋ ዝቖርጽ፣ ንዓዱ ዘይግደስ፣ ናዕቢ ንምልዓልን ወንጀል ንምፍፃምን ንድሕሪት ዘይብል ዜጋ ይፍጠር፣ ከም ሃገርን ህዝቢን ኣብ ድኽነት ንጸንሖ እዋን ይነውሕ፣ ሽግርና ኣብዝተናውሐ እዋን ድማ ማሕበረ ቑጠባዊን ፖለቲካዊን ቀውሲ ኣኸቲሉ ሃገርን ህዝቢን ናብ ዘይድሊ ኣንፈት የምርሕ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ሕማቕ ኩነታት ንኸይንወድቕ ሀዚ ነቲ ዘሎ ሽግር ዝምጥን ናይ ለውጢን ምትዕርራይን መስርሕ ክዝርጋሕ ግድን እዩ።

6/ ተመኮሮ ካልኦት ሃገራት ብሓፂሩ

እስራኤል:– ሃገረ እስራኤል ኣፍቲ ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ካብ ዝርከባ ሕፅረት ማይን ደርቂን ኣዚዩ ዘጥቀዐን ሃገራት እታ ዝኽፈአት ከምዝኾነት ይፍለጥ። እስራኤል ካብ ሽግራ (ድርቅን ዋሕዲ ማይን) ክትወጽእ ሳንስን ቴክኖሎጂን ተጠቒማ ከውሒ ነዲላ ብጠብጠብታ ማይ ዓዲ ናብ ገነት ቐይራ ሎሚ ኩሉ ዓይነት ፍራፍረን ኣትኽልቲን ንዓለም ዕዳጋ ተቕርብ ኣላ። “Agriculture in Israel” ኣብ ዝብል ብሚኒስትር ሕርሻ እስራኤል ዝተዳለወ ናይ ምርምር ፅሑፍ ናይታ ሃገር ሕርሻ ኣመልኪቱ እዚ ዝስዕብ ይብል: “The agricultural sector is based almost entirely on Research & Development, implemented by cooperation between farmers and researchers. Through a well-established extension service system, research results are quickly transmitted to the field for trial and implementation, and problems are brought directly to the scientist for solutions.”[xix] እዚ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ካበይ መጺኡ እንታይልና ትምህርትን ኢንዱስትሪን ንግድን ኣብ ዓዳን ወፃኢን ብምስፍሕፋሕ ገንዘባዊ ዓቕሚ ስለዝፈጠረት እዩ።

ግብጺ:- ማይ ኣባይ ትጥቀም ግብጺ’ውን ዋላ’ኳ ነዊሕ ዘመናት ዝገበረ ናይ ምስኖ ሕርሻ ተመኩሮ እንተሃለዋ ቐንዲ ሃፍቲ ምፍጣር ዝጀመረት ግን ካናላትን ብምስፍሕፋሕ ናብ ገዘፍቲ ናይ መስኖ ሕርሻን ንግድን ምስኣተወት እዩ። ኣብ ዘበናዊ ታሪኻ ጠንካራ ናይ ንግዲ ባህሊን ኢንዱስትሪታትን ዝወለዶ ገንዘባዊ ዓቕሚ ተጠቒማ ግድባት ብምስራሕን ባህላዊ ናይ መስኖ ስራሕታ ብምዝማንን መካናይዝድ ብምግባርን ማእለያ ዘይብሉ ውጺኢት መስኖ (ሽጉርቲን ጉዕ በርበረን ሓዊሱ)ንዕዳጋ ኣውሮፓዊያን ተቕርብ ኣላ። ከምቲ ዝፍለጥ ኣብ ናይ ቀደም ገዛኢታ ዝነበረት ዓባይ ብርታኒያ ኣብ ሃገራ ዘጣየሸቶም ገዘፍቲ ናይ ጨርቃጨርቂ ፋብሪካታት ድሌት ንምርዋይ ክትብል ደረቕ በረኻታት ግብፂ ናብ ጡጥ ሕርሻ ቐይራቶ እያ። እዚ ግብፂ ካብ መግዛእቲ ነፃ ምስ ወፅአት እውን ቀጺላትሉ ቐሊል ዘይበሃል ሃፍቲ ፈጢሩላ ይርከብ።

ሊቢያ: – ብጋዳፊ ዝተመርሐት ሊቢያ ፅሩይ ማይ ቀረብ ንምምላእ፣ ናይ መስኖ ስራሕቲን ንምስላጥን ማይ ጥዒሙ ዘይፈልጥ በረኻታት ሰሃራ ንምልማዕን ኣብ ዓለምና እቲ ዝነውሐን ሰፊሕ ቦታ ዝሸፍንን ብ‘’the Great Man-Made River Project” ሽም ዝፍለጥ ወይ ድማ “Eighth Wonder of the World” ናተብሃለ ብጋዳፊ ዝፅዋዕ ናይ ማይ ፕሮጀክት ሃኒፃ እያ። እዚ ብኣለሻ ዝተረኸበ ዕቑር ማይ ሃፍቲ እስካብ 500 ሜትሮ ዕምቀት ኲዒታ ብምውፃእ ዛጊድ 2800 ኪሜ መስመር ቡምባ ዘርጊሓ ንመስተን መስኖ ሕርሻን ትጥቀመሉ ዘላ እንትኸውን እቲ ፕሮጀክት ክውዳእ ከሎ አስካብ 4,00 ኪሜ ቡምባ ዝርገሐ ክህልዎ ትፅቢት ይግበር ነይሩ። እዚ ዘገርም ፕሮጀክት ኣካል ሕቡራት መንግስታት ዝኮነ UNESCO ንህዝቢ ብዝህቦ ረብሓን ብሳይንሳዊ ምርምር ጠቐሜትኡን ኣብ ግምት ብምእታው ኣፍልጦን ሽልማትን ዝተውሃቦ እንትኸውን ብኣሜሪካን ኣውሮፓዊያንን ዝምራሕ ሰራዊት ቃል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (NATO) ብነፈርቲ ብምድብዳብ ብዙሕ ዕንወት ኣብፂሖምሉ ይርከብ[xx]።

ኣውስትራሊያ: – ብተመሳሳሊ ብሕፅረት ማይ ዝሳቐ ደረቕ በረኻታት ሃገረ ኣውስትራሊያ ሕርሻ መካናይዝድ ብምግባር ኣብ ረብሓ ውዒሉ ንወፃኢ ዕዳጋ ዝኸውን ገዚፍ መጠን ዝተፈላለዩ ኣእኻልን ካልኦት ፍርያትን ይሕፈሰሉ ኣሎ። ሕርሻ መካናይዝድ ንምግባር ናይ ቴክኖሎጂን ገንዘባዊ ዓቕሚን ይሓትት። እዚ ድማ ኣውስትራሊያ ብውልቀን ብመንግስቲን ቐዲማ ዝተኸለቶም ኢንዱስትሪታትን ናይ መዓድንን ትካላትን ሃፍቲን ኩለመደያዊ ዓቕሚ ስለዝፈጠረሎም ንሕርሻ ሱር ነቀል ለውጢ ከምዘምፀእሉ ኪኢሎም እዮም።

ቻይና: – መሬትን ሕርሻን ቻይና እውን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመሳሰል ኩነታት እዩ ነይሩ። መፈረያይነት መሬት ንምምሕያሽ ክትብል ሓምድን ማይን ምዕቃብ ሓዊሱ እቲ ሎሚ ኣብ ዓድና ንገብሮ ዘለና ኩሉ ቅድሜና ዝፈተነት ቻይና ብደረቕ መሬትን ሕፅረት ማይን (እሞ 30 % ዝኸውን ተሓራሲ መሬታ ካብ ትግራይ ዝተሓተ ማይ ዝረክብ) ድኹም ኣፈፃፅማን ምኽንያት ህዝባ ክትቕልብ ኣቢዋ ብሚሊዮናት ብጥሜት ሞይቶምዋ ዓቢዪ ፈተና ሓሊፋ እያ። መሪሕነት ደንግ ሾፒንግ (Deng Xiaoping) ዘምፅኦ ሱር ነቀል ናይ ኣካይዳ ለውጢ ቻይና ናብ ሓዱሽ ኢንዱስትሪያላዊን ቴክኖሎጂዊን ወያነ ስለዘእተዋ ሓረስቶት እዛ ዓባይ ሃገር ናይዚ ለውጢ ተረባሕቲ ኮይኖም እዮም። ሎሚ ኣብ ቻይና ኩሉ ሓረስታይ ስራሕ ዘቕልልን ፍርያት ዝውስኽን ናይ ቴክኖሎጂ ውፅኢት ተጠቃሚ ኮይኑ ቻይና ንውሽጢን ንወፃኢን ዕዳጋ ዝኸውን ገዚፍ መጠን ፍርያት ሕርሻ ትሓፍሰሉ ኩነታት በፂሓ ትርከብ። ብሓፈሽኡ እዚኦም ናይ ዓለምና ምሩፃት ኣብነታት እዮም’ኳ ተዘይበልና ካብ ተመክሮ እዞም ዝተጠቐሱ ብዙሕ ምምሃር ይከአል እዩ።

ኢትዮጵያ ናይ ግብርና ዩኒቨርሲቲ ካብ ተቋቑመ ልዕሊ 70 ዓመትኳ እንተቕፅረ ሓረስታይና ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝጥቀመሎም ካብ ዝነበረ ናውቲን ብዕራይን ክላቐቕ ኣይከኣለን። እዚ ዘላቶ ዘተሓሳስብ ኩነታት ንምቕያር ካብ’ዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ስራሕቲን ካልኦት ኣብዚ ዘይተጠቐሱ ግና ብሉፅ ተመኩሮ ዘለዎም ሃገራትን ምምሃር ይከኣል እዩ። መሬት ትግራይ ክንዲ ሊቢያን ግብፂን ኢስራኤልን ኣይነቐፀን። እኳደኣስ ብዝግበር ሓመድን ማይን ዕቀባ ካብ ጊዜ ናብ ግዜ ናረሓሱ ዝኸዱ ቦታታት ናበዝሑ ይኸዱ ኣለው። ስልዝኾነ ድማ ተፈጥሮ ሃፍትና መሠረት ዝገበሩ መፍረዪ ትካላትን ሕርሻ ዝድግፍ ቴክኖሎጂ ዝፈጥሩልና ኢንዱስትሪታት ትኹረት ብምሃብ ክልልና ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ቴክኖሎጂ ብምትእትታው ተመሳሳሊ ስራሕቲ ምፍፃም ይከኣል እዩ። ባጀት የለን ዝብል ሰብ እንተሊኡ እቲ ዘለናኸ ብኣግባቡ ዶ ንጥቀመሉ ኣለና? ዝብል ክምለስ ዘለዎ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ ኣብ ሃገርና ናይ ባጀት ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን ደኣ’ምበር እቲ ቐንዲ ሽግር ሕፅረት ባጀት ከም ዘይኮነ ብብዙሕ መገዲ ዝረጋገፅ ጉዳይ እዩ።

እሞ እምበኣር ብቲ ዝኽየድ ዘሎ መገዲ (ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትሪያላዊ ምዕባለ) እቲ ዝሕሰብ ዘሎ ልምዓት ኢንዱስትሪስ ይትረፍ እኹል ቐለብውን ምምራት ኣይተኽኣለን። ብምዃኑ ድማ ህዝቢ ትግራይ ዓመት ዓመት ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ይርከብ። እሞ እስካብ መኣዝ እዩ ከምዚ ኢልካ ክኽየድ? ካብዚ ዝሓለፈ ተሞኩሮ ንላዕሊ እንታይ ክንውስኽ ኢና ንፅበ ዘለና? ከምዚ ኢልካ ምቕፃል እቲ ዘለናሉ ዘሰክፍ ኩነታት ምንዋሕን ምስ ድኽነትን ሕስረትን ተመቻቺኻ ምንባር እዩ። ከምቲ ጠ/ሚ ነበር መለስ ዜናዊ ዝበሎ ናይ ሎሚ ድኽነት ድማ ከም ናይ ቐደም ኣብ ዱልዱል ከውሒ ዘይኮነስ ኣብ ሓሸዋ ዝተተኸለ ድኽነት ስለዝኾነ ኣየፅንሐናን፣ ከም ሃገርን ህዝብን ከፍርሰና እዩ[xxi]። ስልዝኾነ ድማ እዚ ኩነታት ምቕያር ናይ ግድን ይኸውን።

7/ ኩነታት ህዝብና ንምቕያር ክውሰዱ ዘለዎም ስጉምቲታት

ሎሚ ዘለናሉ ዘሰክፍ ኩነታት ናይ ብዙሓት ድኽመታት ውፅኢት ምዃኑ ጥርጥር የብሉን። ብምዃኑ ድማ ሽግርና ንምፍታሕ ካፍቲ ኣብዚ ኣርእስቲ ተላዒሉ ዘሎ ፖሊሲ ምዕራይን/ምቕያርን ንላዕሊ ዝሓትት ምዃኑ ርዱእ እዩ። ንሱ ከምዘሎ ኮይኑ ግና እቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ጭቡጥ ሓቂ ብዘይ ቓል ዓለም ተቐቢልካ እቶም ሽግራት ርትዓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ምፅናዕን ምርዳእን ነቶም ድኽመታት ዝምጥን መሠረታዊ ለውጢ ምግባርን ኣድላዪ እዩ። እሞ እምበኣር ኩሉ ኣብዚ ኣልዒልካ ስለዘይከኣል ከም ሓሳብ ዝተወሰኑ ጠቐምቲን ኣካል ናይቲ ፍታሕ ይኾኑ እዮም ንብሎም ኣብ ቴክኒካውን ፖለቲካዊን መስርሓት ከፊልና ክነቐምጥ። ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ተፈላለየ ዓውዲ ሙያን ፍልጠትን ዘለዉ ግዱሳት ወገናት ብዝበለፀ ከማዕብሉዎ ንላቦ።

7.1/ ቴክኒካዊ መስርሕ

) ሓደ ፖሊሲ እንትወፅእ ነፅብራቕ ናይቲ ጭቡጥ ኩነታት ክልልና/ሃገርና ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ህዝቢን ሃገርን ቤተፈተነ ስለዘይኮኑ ሽግር ከቃልል ተባሂሉ ዝወፅእ ፖሊሲ ብዝተኽኣለ መጠን ፅፁይ መፅናዕቲ ተገይርሉ ክኸውን ይግባእ። ከምኡ ተዘይተገይሩ ኩሉ ፀጋታት (ግዘ፣ ገንዘባዊ ሰብኣዊን ንዋታዊን) በሊዑ ኣንፈትና ናይ ምስሓት ዕድሉውን ሰፊሕ እዩ። እዚ ብፍላይ ንድኻ ሃገር ዘየዋፅእ ስለዝኾነ መንግስቲ ዘውፅኦም ፖሊሲታት ኣብ ፅኑዕ ሳይንሳዊ ምርምር ዝተደረኹ ንምግባር ዝኽፈል ኩሉ ክኸፍል ግድን እዩ። ክርደኣና ዘለዎ ፖሊሲ ከም እዋኑን ጭቡጥ ኩነታትን ዝቀያየር ነገር ደኣምበር ቅዱስ ቃል ኣይኮነን። ተዘይሰሪሑ ብኻልእ ክቕየር ኣለዎ። ንኣብነት እዚ ንዛረበሉ ዘለና ፖሊሲ ‘ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለን’ ፖሊሲ ‘ምጣነ ስድራን’ ናብ ክልላት እንትወርዱ ናይተን ክልላት ኩነታት ብዘገናዘበ ኣገባብ ክኸውን ነይሩዎ። ብስሩውን ዝወፅኡ ፖሊሲታት ኣብ ኩሉ ክልል ብሓደ ዓይነት ክትግበሩ ምፍታን ከም ፅንሰ ሓስብ ጌጋ እዩ። ኣብ ደቡብ ህዝቦች፣ እሮሚያ፣ ወይ ድማ ጋምቤላን ትግራይን ሓደ ዓይነት ጭቡጥ ኩነታት ስለዘይብለን ብሓደ ቕዲ ወጺኡ ብሓደ መገዲ ዝፍፀም ፖሊሲ ክህሉ ምሕሳብ ትኽክል ኣይኮነን። ብምዃኑ ድማ እዚ ኣልዒልናዮ ዘለና ፖሊሲውን ተመሊስካ ምምርማርን ንክልልና ዝምጥን ምግባርን የድሊ።

) ናይ ልምዓት መደባትና ብትኽክል ምፍፃሙን ዘይምፍፃሙን ንምርግጋፅ ግልፂ ዝኾነ ሳይንሳዊ መስርሕ ገምጋምን ክህልወና ናይ ግድን እዩ። እዚ መስርሕ እቲ ጠንካራን ድኹምን ኩነታት ብምፍላይን ካብ ሕሉፍ ድኽመት ብምምሃርን መደባትና ዕውትን ውፂኢታዊን ንክንኸውን ይሕግዘና። ዕዉታት መደባት ንብሎም ፅቡቕ ውጽኢት ዘለዎም እዮም፣ ጽቡቕ ውጺኢት ድማ ብሰናይ ምምሕዳር ይመጽእ፣ ሰናይ ምምህዳር ድማ ኣብ ትኽክለኛ ውሳነ ይድረኽ፣ ትኽክለኛ ውሳነውን ኣብ ትኽክለኛ ሓበሬታ ይምርኮስ፣ ትኽክለኛ ሓበሬታ ድማ ትኽክለኛ መረዳእታን ውሕሉል ትንታነን ይሓትት። እዚኦም ዘይነፃፀሉ ሳይንሳዊ መስርሕ ገምጋም እዮም። ብዙይ ዘይተመርሐ መደብ ልምዓት ውፅኢታዊ ኣይኸውንን ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ህዝቢ ሃፍቲን/ፀጋታትን ወርቃዊ ግዘን በኸንቱ በሊዑ እቲ ዝሕሰብ ዘሎ ልምዓትን ድኽነት ምጥፋእን ዘይጭበጥ ይገብሮ። ኣብዚ ንዙይ ሳይንሳዊ ኣታሓሳስባን መስርሕን ናይ ምርዳእን ምትግባርን ዓቕሚ ዘለዎ በዓል ሙያ ግቡእ ቦታ ምትሓዝ የድሊ። እስካብ ሀዚ ኣብዚ መዳይ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ድኽመት ኣሎ እዩ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ታሕቲ ኣብቲ ስራሕ ዘለዎ። ካብ ምዝባዕ መረዳእታትን ፀብፃብ መደባት ልምዓትን ጀሚሩ እስካብ ኣንፈንት ናይ ምስሓት ሓደጋ ከጋጥም ስልዝኽእል መንግስቲ ኣብዚ ዘለዎ ገዚፍ ክፍተት ብቕልጡፍ ክመልኦ ይግባእ።

) ኣብ ሕርሻ ዝግበር ፃዕሪ ቀፃሊ ኮይኑ ኢንዱስትሪ ግን ናይ ሕርሻ ምምዕባል እንተይተፀበየ ብዝተዓፃፀፈ መገዲ ከምርሕ ኣለዎ። ናይ ራያ ቢራ፣ ናይ ፀባ፣ ናይ መዓር፣ ናይ ማንጎ፣ ናይ ስጋ መሕረዲ፣ ናይ ቖርበት፣ ናይ ጨርቂን ስፌትን፣ ናይ መዳበሪያን ናይ ጋቢዮንን ካልኦት ፋብሪካታትን ዝፈጠሩዎ ዕድላት ፅቡቕ ኣብነታት እዮም። ኣብ ሕርሻ ተዋፊሮም(ብፍላይ ኣብ ሰሊጥን ፍረምረን)ሃፍቲ ዘፍረዩ ውሑዳት ወገናት ከምዘለዉ ዘይከሓድ’ኳ እንተኾነ ከምቲ ንሪኦ ዘለና ኣብ ትግራይ ብዋናነት በዓል ሃፍቲ ዝፈጥር ዘሎ ኣብ ዝተፈላለዩ ንግዲ፣ ኮንስትራክሸን ዘፈር፣ ደቀቕቲን ኣናእሽቱን ኣብ ኣገልግሎት ዘፈርን ዘለዉ እዮም። ኣብ ሕርሻ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ዋላ ኣጠናኺርካ ምቕፃል ኣድላዪኳ እንተኾነ ብቐዳምነት ምእንቲ እቲ ክንበፅሖ ዘይከኣልና ውሕስነት ምግቢ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ናይ ኢንዱስትሪን ንግዲን ምስፍሕፋሕ ግና ምእንቲ ኩለመደያዊ ሃገራዊ ዓቕሚ ንምፍጣር ክበሃል ዝለዓለ ትኹረት ተዋሂቡ ክስራሕ ኣለዎ።

እሞ እዚ እንተኾይኑ ናብ ኢንዱስትሪ ዝግበር ስግግር ድማ ብመንግስቲን ትእምትን ጥራይ ክግበር ኢልካ ስለዘይሕሰብ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ብስፍሓት ዝሳተፍሉ ምችው ባይታ ምፍጣር ናይ ግድን እዩ። ከምቲ ናይ ክልል ኣምሓራን ትካል ‘ጥረት’ን ዝገብሩዎ ዘለዉ ተወለድቲ እቲ ክልል ካብ ዘዘለዉዎ ናፀውዐ ሓቢሮም ክሰርሑ ኩነታት ዘምቻችውሎም ዘለዉ መንግስቲ ክልልናን ወላዲት ጥረት ዝኾነት ትእምትን እዚ ዘይገብረሉ ምኽንያት ኣይረኣየናን። እንተነኣሰ ነቶም ኣብ ካሊእ ክልላት (ኦሮሚያን ኣምሓራን) ዝጓነዩን ጥቕዓት ዝበፅሖም ዘለዉ ተጋሩ ሰብ ሃፍቲ ትዕበ ትንኣስ ሃፍቶም ኣብ ትግራይ ከዋፍሩዎ ንምግባር ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር የድሊ። እቲ ’ከተማታት ትግራይ ናይ ኢንዳስትሪ ወፍሪ ማእከላት ክንገብረን ኢና ዝብል’ ናይ ትእምት ሓሳብ ከም ዘሎ ኮይኑ ብፍላይ ድማ ናይ ዓዲ ውሽጢ ሰብ ሃፍቲ (ደቂ ካልኦት ክልላት’ውን) ኣብ ትግራይ ሃፍቶም ከዋፍሩ ምችው ባይታ ምፍጣር ንፅባሕ ዘይብሃል ጉዳይ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።

ንኢንቨስትመንት ዘተባብዕን ዝምችውን ባይታ ምፍጣር ብዙሕ ጊዚያዊን ዘላቕን ዕድላት ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ክልልና ናፍቲ ትድልዮ ዘላ ዕቤት ዘብፅሓ ይኸውን። ከምቲ ዝፍለጥ ገለ ናይ ትእምት ትካላት፣ ንኣብነት መስፍን ኢንጂነርግ ንደቀቕቲን ኣናእሽቱን መፍረይቲ ውዳበታት ኣናእሽቱ ኮንትራት ምሃብን ናይ ስልጠና ሓገዝን ይገብራን እየን። መስፍን ይኹን ትእምት ብሓፈሽኡ ተጠቃማይነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ተልእኾ ኣለኒ ኢሉ ካብ ተበገሰ እዚ ተጠናኺሩን ሰፊሑን ክቕፅል ዘለዎ ሰናይ ተግባር እዩ። ናይ ኩሉ ሰብ ዕላማ ዝለምዐት ክልልን ሃገርን ምርኣይ ስለዝኾነ ኣብ ኢንዱስትሪ ዝዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ከም ተወዳደርቲ ዘይኮነስ ከም ናይ ልምዓት ኣጋር ብምርኣይ ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ምድጋፍን ግዲኡ እንተተፃዊቱ እቲ ዝድለ ዘሎ ልምዓት ክገሃድ እዩ። ንኣብነት ብደቀቕቲን ኣናእሸተይን ዝጀመሩ ገለ ወገናት ናይ እምኒ መጥሓኒ ማሺንን ካሊእን ከምዝሰርሑ ብትግራይ ቴለቪዥን ርኢና ነይርና። ከምዚኦም ዝበሉ መሃዝቲ ቴክኖሎጂን ፈጠርቲ ስራሕን ሃፍትን ምዃኖም ብግብሪ ዘረጋገፁ ሰብ ትካላት መንግስቲ እንተኺኢሉውን ነቲ ክልል ብኢንዱስትሪ ዝመርሖ ዘሎ ትእምት (መስፍን ኢንዱስትሪ) ክንዲ ዝከኣሎም ብምሕጋዝ ተመሳሳሊ ፍርያት ሰሪሖም ናብ ዕዳጋ ዝወፅእሉ ኩነታት ንምፍጣር ኩለመደያዊ ሓገዝ እንተዝገብሩሎም ንቲ ናብ ኢንዱስትሪ ዝግበር ዘሎ ጉዕዞ ከሳልጦ እዩ።

ክራይ ኣካብነት፣ ናይ ተወዳዳራይነት ሽግር፣ ትሑት ቴክኖሎጂ፣ ናይ ሙያ ሕፅረት፣ ናይ መስርሒ ቦታ ዘይምርካብ፣ ናይ ዕዳጋ ምትእስሳርን ገንዘብን ሽግር’ኳ ኣገደስቲ ፈተናታት ኮይኖም እንተቐጸሉ ደቀቕቲን ኣናእሸተይን’ውን ንቡዙሓት ዜጋታት ዕድል ዝፈጥር ዘሎ ዓውደ ስራሕ ስለዝኾነ ኣጠናኺርካ ምቕፃል ይግባእ። ብፍላይ ድማ ምስ ልቓሕ፣ ናይ መስርሒ ቦታ፣ ቢሮክራሲያዊ ሕልኽላኽን ዙሪያ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ መሰረታዊ ለውጢ ገይርካ ብሓደ ወገን በዝሒ ተለቃሕቲ ውዳበታት ምዕባይ (ብዙሓት መናእሰይ ብትፅቢትን ነዊሕ ቢሮክራሲያዊ ኣሰራርሓን ረብሪቦም ካብ ውዳብኦም ዝብተኑ ከምዘለዉ ይፍለጥ) ብቲ ካሊእ ድማ መፍረያይነቶም ከዕብዩ ዝሕግዝ ናይ ሙያን ኣማሓድራ ስራሕን ከማሓይሹ ሓገዝን ክትትልን ምግባር የድሊ።

ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ቢሮ ኢንዱስትሪን ንግድን ብሄራዊ ክልል ትግራይ መፅናዕቲ ገይሩ ዝቐመጦም ዝተፈላለዩ ዕድላት ኣለው። ፍሉይ መተባብዒ፣ ናይ ባንኪ ልቓሕን ቕልጡፍ ቢሮክራሲያዊ ኣገልግሎትን ብምሃብ ሰብ ሃፍቲ ኣብዚኦም ንኸዋፍሩ ምእንታን መንግስቲ ካብ ፍርቂ መገዲ ንላዕሊ ከይዱ ክቕበሎም ኣለዎ። ኣብ ክልልና ናይ ጨርቃ ጨርቂን ስፌት ዓለባን ከምኡውን ናይ ሓፂን መፂንን ናይ ኣግሮ ኢንዱስትሪን ፈቓድ ዝወሰዱ ናይ ወፂኢ ትካላት ከምዘለዉ’ውን ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ስራሕን ሃፍትን ምፍጣርን ካውኡ ድማ ኣብ ጠቕላላ ዕቤትን ልምዓትን ሃገር ዘለዎም ኣስተዋፅኦ ዝዓዘዘ ስለዝኸውን በዝሒ ዘለዎም ከምዚኦም ዝበሉ ትክላት ንምስሓብ ዝግበር ፃዕሪ ክጣናኸር ኣለዎ። ናይ ወፃኢ ሰብ ሃፍቲ ምስሓብ ናይ ባዕሉ ረብሓን ጉድኣትን ስለዘለዎ ግና ምእንቲ ዘላቒ ልምዓትን ዘተኣማምን ቁጠባዊ ዕቤትን ክበሃል ናይ ዓዲ ውሽጢ ሰብ ሃፍቲ ንምፍጣር መንግስቲ ክረባረብ ኣለዎ።

) መንግስቲ ዘዋህለለን ሸርፊ ወፃኢ ካብ ኣውሮፓ እኽሊ ንምግዛእ ካብ ዘውዕለን ብክልል ጎልጎል ራያን ምዕራብ ትግራይን (ብሃገር ደረጃ’ውን እቶም ጸሞም ዝሓድሩ ዘለዉ ጎላጉልን ሩባታትን) ተጠቒምካ ኣብ ሰፋሕቲ መካናይዝድ ናይ መስኖ ሕርሻታት እኽሊ ከምርት ኣለዎ። እዚ ሰለስተ ቐጥታዊ ረብሓታት ይህበና። ቐዳማይ፣ ብቐንዱ ናይ ምግቢ ውሕስና ንምርግጋፅ ናይ ባዕሉ እጃም ይህሉዎ። ካልኣይ፣ ዓመት ዓመት ናይ ውሽጢ ዋጋ እኽሊ ከይንህር ምክልኻል የኽእል እዩ። ሳልሳይ፣ ኣብ ድርቂ እዋን ሸርፊ ወፃኢ ሂብካ እኽሊ ካብ ወፃኢ ካብ ምዕዳግ የድሕን።

ሰፋሕቲ ሕርሻታት ክበሃል እንተሎ እቲ ፍቖዶ ወሰናወሰን ወሓዝቲ ሩባታት ፀሙ ዝሓድር ዘሎ መሬት ኢና ንብል ዘለና። እዚ ድማ መንግስቲን ውልቀ ሃፋታም (ብፍላይ ደቂ ዓዲ) ኣቲዮም ዘልምዑዎ እምበር ናይ ሓረስታይ ኣፈናቒልካ ከምዘይኮን ክስመረሉ ኣለዎ። እታ ዝርካባ ንእሽቶይ መጠን መሬት ሓረስታይና ግን ዝሓሸ ናይ ቴክኖሎጂን እታወታት ተጠቒምካ መፍረያይነታ ክውስኽን ህዝብና ምግቢ ዓርሱ ክኽእልን ምግባር ቐዳሚ ስራሕ ይኸውን። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ንሓረስታይና ሓዊሱ ካልኦት ኣብ ሕርሻ ዝዋፈሩ ደቂ ሃገር በዓል ሃፍቲ ናይ ባንኪ ልቓሕ ምችቻውን ብሙያ ምድጋፍን ዘተባብዕ ብምዃኑ ፍርያት እኽሊ ብመጠን ዝውስኸሉ ዕድል ምፍጣሩ ኣይተርፍን። ህዝብና ኣብ ሓፂር ግዘ ካብ ሕፅረት ምገቢ ክናገፍ እንተተደሊዩ መንግስቲ ከምዚኦም ዝበሉ ምንቅስቓሳት ክገብርን ናፍቲ ዓውዲ ዝኣትዉ ሰብ ሃፍቲን’ውን ከተባብዕ ይግባእ። ኣብ ነገርና ኣብ ኢትዮጵያ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ሕርሻ ንምውፋር ዘይደፍርሉ እቲ ቐንዲ ምኽንያት ንሕርሻ ዝውዕል ናይ ባንኪ ልቓሕ ብቐሊሉ ስለዘይርከብ እዩ[xxii]። ምነግስቲ ባዕሉ ኣብ ሕርሻ ክዋፈር ኣለዎ ዝብለና’ውን ሓደ ምኽንያት እዚ እዩ።

ሠ) እዛ ሃገር ካብ ላዕለዎት ናይ ትምህርቲ ትካላት ዝበለፀ ሽግር ንምቅላል ዘኽእል ሳይንሳዊ ቅሩብነትን ዕድልን ዘለዎም ትካላት ስለዘይብላ ኣብዘን ትካላት ፈታሒ ሽግር ዝኸውን ምርምር ካፍቲ ዘለዎ ንላዕሊ ክጠናኸር ምግባር ዓብዪ ዕማም ተገይሩ ክውሰድ ትኹረት ክግበር ይግባእ። ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ሕርሻ፣ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ፣ ደቀቕቲን ኣናእሽተይ መፈረይቲ ትካላትን፣ ዕድጋ ምትእስሳር፣ ንዚኦም ዝምቹ መጓዓዚያን ንዙይ መሰረት ዝኾኑ ትሕተ ቕርጺን ካልኦትን ከመይ ተዋዲዱ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ክሰጋገር ከምዘለዎ ፅጹይ መፅናዕቲ ክገብሩ አኹል ድጋፍ ምሃብ ቐንዲ ኣካል ናይቲ ፍታሕ ተገይሩ ክውሰድ ኣለዎ። አዚ ክንብል እንተለና ግን ምርምር ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ጥራይ ክውሰን ኣለዎ ንምባል ተደሊዩ ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ተዋፊሮም ዘለዉ ልምዲን ዓቕሚን ዘለዎም ሙሁራትን ሰብ ሙያን በቢዘለዉዎ ዓውደ ስራሕቲ ዝከኣሎም ክገብሩ ምዝኽኻርን ምዕዳምን እውን ከምዘድሊ ክነስምረሉ ንደሊ። ኩሉ ዓቕሚ ተደሚሩ ኣብ ፍልጠት/ጭብጢ ዝተመስረተ ፖሊሲን (research/evidence based policy) መስርሕን ኣብ ዝህልወናን እዚ ናይ መፈፀምቲ ፖለቲካዊ ቑርጸኝነት ተደሚሩዎ ልምዓት ዓድና ከምዘቐልጥፎ ጥርጥር የብሉን።

ረ) ካሊእ ኣዐረዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ድማ መዓልታዊ ስራሕ ኽደሊ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝፈልስ ዘሎ መንእሰይ ንምቕናስ ምእንታን ኣብ ገጠር ሕርሻን ሕርሻ ተንከፍ ዝኾኑን ዘይኮኑን ካልኦት ናይ ስራሕ ዕድላት ምፍጣር ንፅባሕ ዘይበሃለሉ ጉዳይ እዩ። ኣብ ነገርና ከተማታት ትግራይ ንዚ ፍልሰት ዝስከም ናይ ስራሕን ካሊእን ኣቕሚ ስለዘይብለን ናብ ከተማ ዝግበር ፍልሰት ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ተጽዕኖ ኣለዎ እዩ። በዝሒ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ገጠርን ሓውሲ ገጠርን ዝነብር ስለዝኾነ ልምዓት ናብ ቀረብኡ ክመፅእ ኣለዎ። ብምዃኑ ድማ ንልምዓት ዘሳልጥ ትሕተ ቕርፂ ምህናፅ (ብፍላይ ናይ መስኖ ህንፀት፣ ማይ፣ ስልኪ፣ መገዲ፣ ሓይሊ መብራህቲ፣ ናይ ጥዕናን ትምህርቲ ትካላትን ወዘተ) ፣ ልምዓት ንምስላጥ ዝሕግዝ ማሕበራዊ መዋቅር፣ ንዚኦም ብፅሬት ዝመርሕ ሰናይ ምምሕዳር፣ ልቓሕ ዝህቡ ትካላት ኣብ ገጠራት ምህላውን ንቲ ህዝቢ ቑጠባዊ ፍልፍል ክኾኑ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ዕድላት ፈጢርካ ድኽነት ንምቕናስን ኣብ ከይዲ ድማ መነባብሮ ህዝቢ ዝቐየረሉ ኩነታት ከሳልጦ ይኽእል እዩ። ኣብ ገጠር ልምዓት ኣብነታዊ ዝኸውን ተመኩሮ ዘለዎን ኮትዲቫር፣ ታንዛኒያ፣ ቻይና፣ ታይላንድን ቬትናምን እዚ እዩ ዘርእየና[xxiii]።

ንኣብነት ምስ ብዙሕ ህዝቢ ዝነብረለን ብግብርና ዝመሓደራ ገጠራት ተፀጊዐን ዝተጣየሻ ሰለስተ ኣናእሽቱ ከተማታት ሃገረ ቬትናም ኢንዱስትሪን ዝሓሸ ትሕተ-ቕርፂን ምስተሃነፀለን ኣብ ሞንጎ እዘን ከተማታትን ገጠርን ትሕተ-ቕርፃዊ ርክብ ፈጢሩ ንቲ ኸባቢ ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድልን ኩለመደያዊ ልምዓትን ኣምጺኡለን። እዚ ለውጢ ድማ ናዓበየ ዝኸይድ ድሌት ስለዝፈጠረ ናይቲ ኸባቢ ሓረስቶት ሓዱሽ ዕድል ፈጢሩሎም። ሓረስቶት’ውን ጠለብ ዕዳጋ ንምምላእ ክብሉ ሕርሽኦም ብምዝማንን ብዙሓት እውን ዘፍሪይዎ ዝነበሩ ሩዝ ብምግዳፍን ናብ ዝተፈላለዩ ኽባር ዋጋ ዘለዎም ፍረታትን ኣቑፅልቲን ምፍራይ ኣቲዮም እዮም። ኣፍቲ ኸባቢ ናይዞም ኢንዱስትሪታት ምምፃእን ትሕተ-ቕርፃዊ ምምሕያሽን ማዕረ እቲ ካሊእ ለውጢ ናይ ግልጋሎት ዘርፊ ክፍጠርን ክሰፍሕን ምኽንያት ኮይኑ ኣብ ግብርና ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝፈጠረሉን ኩሉ ተተሓሒዙ ድማ ናይቲ ኸባቢ ቁጠባዊ ኩነታት ከምዘመሓየሾን እቲ መፅናዕቲ ይገልፅ[xxiv]። ካብዙይን ከምዚኦ ዝበሉን ተመኩሮ ምውሳድ ይከኣል እዩ።

7.2/ ፖለቲካዊ መስርሕ

) ሓደ ሃገር ኩለመዳያዊ ዕቤት/ምዕባለ ከምፅእ ትኽክለኛ ፖለቲካዊ ስትራቴጂ ምሕንፃፅ፣ ንቲ ፖሊሲ ንምፍፃም ዘኽእል ጭቡጥ መስርሕ ምውናን፣ ብቐንዱ ድማ ፖለቲካዊ ቑርፀኝነት፣ ሙያዊ ብቕዓትን ዝለዓለ ውፍይነትን ዘለዎ መሪሕነት ምህላውን ወሳናይ ክምዝኾነ ብዙሓት ሙሁራት ይሰማምዑ። እዚኦም ኣብ ቦትኦም ዘየለዉ ንቕድሚት ምስጓም ዘይሕሰብ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እቲ ኣብ ክልልና ዘሎ ዘሰክፍ ኩነታት ናይ ምቕያር ታሪኻዊ ሓላፍነት ተሰኪሙ ዘሎ መሪሕነት ከም ገዛኢ ውድብን ከም መንግስቲን እዚ ኣገዳሲ ምዃኑ ተረዲኡ ኣብ ውሽጡን መሓውራቱን ሱር ነቀል ለውጢ ክገብር ናይ ግድን እዩ። ወድዓዊ ኩነታት ክልልና ሃገርናን ካፍቲ ዘሎ ድኹም መሪሕነት (ባዕሎም’ውን ደጋጊሞም ከምዝብሉና) ብዓቕሚን፣ ብትሕዝቶን፣ ኣካይዳን ዝተፈለየ መሪሕነት ይጠልብ ኣሎ። ዛጊድ ንዚ እዋን ዝምጥን መሪሕነት ንምፍጣር ስለዘይተኽኣለን ብስሩ’ውን ናገደዶ ይኸድይ ስለዘሎን ዝባኸነ 25 ናይ ሰላም ዓመታት’ኳ ንብዙሓት ፍተወቲ ዓድን ደገፍቲ እቲ ህዝባዊ ቓልስን ዝጒሂ ዘሎን ንገለ ወገናት’ውን ተስፋ ዘቑረፀን ጉዳይ እዩ።

ብርግፅ እቲ ዘሎ መሪሕነት ጌግኡን ድኽመቱን ይኣምን እዩ፣ ምዕራይ ግን ሚሒሉ ዝገደፎ እዩ ዝመስል። ምእንቲ ኣመሉ ኢልና ኣይኮናን እዚ ንብል ዘለና። እዚ ሓቂ እዩ። ንኣብነት ኣፍቶም ዝሓለፉ ክሊቲኦም ጉባኤታት ላዕለዋይ መሪሕነት ብብዙሕ ዓይነት ድኽመታት ተገምጊሙ ከብቅዕ እዚ እዩ ዝበሃል ፍታሕ ዘይተወሰደ እቶም ዝነበሩ ደጊሞም ተመሪፆም ጉባኤታት ብስዕሲዒት ተዛዚሞም። ብዘሰክፉ ድኽመታት ዓርሱ ዝገምገመ መሪሕነት ተመሊሱ ምምራፁ እቲ ውድብ ንባዕሉ ክቕይር ድሉው ዘይምዃኑ ዘረጋገፀሉ መድረኽ እዩ። ከምቲ Harold Wilson ዝተብሃለ ሰብ ዝበሎ “He who rejects change is the architect of decay. The only human institution which rejects progress is the cemetery.” ትርጉም: “ለውጢ ዝቃወም ሰብ ናይ ምብስባስ መሃንዲስ እዩ። ምዕባለ ዝቃወም ሰብ ዝሰርሖ ትካል እንተሃሊዩ መቓብር ጥራይ እዩ” ይብል። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን ዘተሓሳስብ ዘሎ፥ እቲ ናይ ምትኽኻእ መስርሕ’ውን እቶም ተተካእቲ ንቲ መድረኽን ናዓበየ ዝኸይደ ዘሎ ጠለባት ህዝቢን ዝምጥኑ በዓል ዓቕሚን ዴሞክራሲያዊ ባህሪ ዝተላበሱ ሰባት ድዮም ዝትክኡ ዘለዉ ወይስ ክራይ ኣከብቲ? ዝብል’ውን ንርእሱ ኣብ ትዕዝብቲ ብዙሓት ዝወደቐን መዘራረቢ ኮይኑ ዝቕፅል ዘሎን ጉዳይ እዩ። አዚ ድማ ኣፍቲ ውድብ እምነት ዝነበሮም ብዙሓት ወገናት ተስፋ ዘቕበፀ እዩ።

መሪሕነት ዝሓዘ ኣካል ዝሓሸ ክኸውን ትፅቢት ይግበረሉ። መራሒ እኮ ተባሂሉ! ሎሚ ኣብ ታሕቲ (ጣቢያ፣ ቀበሌ፣ ወረዳታት፣ ዞባታት፣ መንግስታዊ ቤት ዕዮ)ንሪኦ ዘለና ድኽመት ብቐንዱ ናይቲ ላዕለዋይ መሪሕነት ድኽመት ነፀብራቕ እዩ። እዚ ምዃኑ ናተፈለጠ ስጉምቲ ዝውሰድ ግን ኣፍቲ ቐንዲ ሽግር ዘይኮነስ ኣፍቶም በቲ ምኽንያት ዝተፈጠሩ ሽግራት ጥራይ እዩ (treating the symptom, rather than the cause, instead of doing the opposite)። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ ድማ እቲ ሽግር ናተንከባለለ ዝቕፅል ዘሎ። ህወሓት ካብ ትምስረት ጀሚሩ ኣባል ላዕላለዋይ መሪሕነት ኮይኑ ዝገልገለን ኣብዚ እዋን ብመዓርግ ሚኒስትር መማኸሪ ጠ/ሚ ሃገርና ኮይኑ ዘገልግል ዘሎን ኣይተ ኣባይ ፀሃየ “ገምጋም ሕሉፍ ጉዕዞ፣ ዝተረኸቡ ዓወታትን መፃኢ ሓደጋታትን” ብዝብል ርእሲ ኣብ ቀረባ ኣብዝተሳለጠ ኣኼባ ንላዕለዋይን ታሕተዋይን ኣመራርሓ ውድብን መንግስትን ኣመልኪቶም ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ነይሮም፦ “እቲ ታሕተዋይ ንምስትኽኻል ቀሊል እዩ። እቲ ታሕተዋይ ይትረፍ እቲ ማእኸላይ ኣመራርሓ ምዕራይ እውን ቀሊል እዩ እቲ ላዕለዋይ እንተተስተኻኺሉ። ስለዚህ ኣብ ላዕሊ ዘለና ናይ ምስትኽኻል ጉዳይ እዩ እቲ ቐንዲ ትኹረት ንውድብና ንመንግስትና” ብምባል እቲ ዘለናሉ ሕማቕ ኩነታት ፖለቲካዊ ኣመራርሓና ዝፈጠሮ ሽግር ምዃኑን ኣብ ላዕሊ ክዕረ ከምዘለዎን ብግልጺ ኣቐሚጡዎ እዩ[xxv]። ብዝኾነ እዚ መሪሕነት ኩሎም ኣብ ኢዱ ዘለዉ ዕድላት ተጠቒሙ ኣብ ሓጺር እዋን ለውጢ እንተዘይ ኣምፂኡ ናብ ዝገደደ ኩነታት ኣቲና ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳርን ዴሞክራሲን ምግሃድ ተሪፉ እቲ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ዝበሎ ዝውንጨፍ ዘሎ መደረጓሕ ኣርኪቡ ንህዝብን መሪሕነትን ሃገርን ብዘይ ኣፈላላይ ከምዝጭፍልቕ ምርዳእ የድሊ።

) ካሊእ ልምዓት፣ ፍትሒን ሰናይ ምምሕዳርን ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምብፃሕ ካውኡ ሓሊፉ’ውን ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ቑጠባዊን ፖለቲካዊን ኣገዳስነትን ብዝለቒነት ንምርግጋፅ ዝኽእሉዋ ተመረጽቲ ህዝቢ ክህልዉዋ ግድን እዩ። ቤት ምኽሪ ህዝቢ ማለት እቶም ዝዓበዩ ጉዳያት ህዝቢን ሃገርን ምኽሪ ዝግበረሉ ህዝባዊ ትካል አዩ። ብምዃኑ ድማ ንተወከልቲ ቤት ምኽሪ ክልልን ሃገርን ዝምረፁ ሰባት ኣፍቶም ዝዓበዩ ናይ ህዝቢን ሃገራዊን ጉዳያት ዝለዓለ ኣፍልጦ ዘለዎም ወይ ናይ ምርዳእ ዓቕሚ ዘለዎም፣ ንቲ ናይ መንግስቲ ፈፃሚ ኣካልውን ሓላፍነቱን ናይ ልምዓት መደባትን ብኣግባቡ ንኽፍፅም ዝቆፃፀሩ፣ ክኾኑ ትፅቢት ይግበር። ኣብዚ ተወኪሎም ዝመፅኡ ሰባት እቶም ዝወፅኡ ፖሊሲታት ብዑምቀት ተረዲኦም፣ መርሚሮም፣ ተንቲኖም ክድግፉን ክቃወሙን ዝሓሸ ዝብሉዎ ሓሳብ ከቕሩቡን ዝኽእሉ ዓቕሚ ንዘለዎም ሰባት ዕድል ምሃብ ልምዓት ክልልናን ሃገርናን ንምስላጥ ይሕግዝ። እቲ ወኪሉ ዝሰደዶም ህዝቢ’ውን ይርባሕ።

ንኣብነት ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትሪያላዊ ምዕባለ ክንክተል ኣለና ክበሃል እንተሎ ቕድሚ ኢድካ ኣውፂኣኻ ምድጋፍን ንኽፍፀም መምርሒ ምውራድን እዚ ፖሊሲ ኣብ ትግራይ ከመይ ይሰርሕ? ኢንዱስትሪ ክወልድ ዘኽእለና ናይ ሕርሻ ፀጋታትን ትሕዝቶን ኣሎ ዶ? ኢሉ ቐዲሙ ዝሓትት፣ ተዘይኮይኑ’ውን ካብ ተመኩሮ ተማሂሩ ሕቶ ዘልዕል ዝትንትንን ተመራጺ የድሊ። ሳይንሳዊ ብዘይኮን መለክዒ ናተሰነዱ ዝቐርቡ ዝተዛብዑን ዝተጋነኑን ፀብፃባት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም ገበን ምዃኑ ተረዲኡ ብሙሉእ ኣፍልጦ ክምርምር፣ ከፃሪ፣ ክሓትትን ክእርምን ዝኽእል ተመራጺ የድሊ። ኣብ ከባቢኻ ብህዝቢ ወይ’ውን ብውድብ ስለትፍለጥ ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ብቑዕ ኢኻ ማለት ኣይኮነን። ካብ ንውድቡ ተኣማኒ ኮይኑ ብፍላጡን ብዘይፍላጡን ናጥፈአ ዝውዕል ህዝቢ ምርር እንትብሎን እንትኹሪን ድማ ኹራ ንምዝሓል ካብ ስልጣኑ ዝባረር ካድረ (ብግብሪ ናራኣናዮ ዝመፃእናን ከምኒሪኦ ዘለናን ዘይቃወም፣ ዘይሓትት፣ ዝበሉዎ ዝቕበል መምሰላይ ፅግዕተኛ) ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ብሙዩኡ ተሸይሙ ብዝህቦ ኣመራርሓን ኣፈፃፅማን መደባትን/ፖሊሲን ውፅኢቱን ዝግምገምን ብሓላፍነት ዝሕተትን በዓል ሙያ ምሽያም እንተንመሃር ልምዓትና ምቐልጠፈ ነይሩ።

ኣብዚ ፈላጥን ዓቕሚ ዘለዎ ተመራፂን/ካድረን የለን ንምባል ተደሊዩ ኣይኮነን። ብኣንፃሩ እዞም ዝተጠቐሱ ኣሉታዊ ባህሪያት ዝተላበሱ በዓል ሙያ (ሙሁራን) የለዉን ማለት እውን ኣይኮነን። ወይ’ውን ብትምህርቲ ዘይደፍአ ሰብ ኩሉ ዓቕሚ የብሉን ኢልና ኣይንድምድምን። ናይ ኣብርሃ-ወ-ኣፅበሃ መማሓደሪ ኣይተ ገብረሚካኤል (ኣባ ሓዊ) ካብ ዝኾነ ዶክተር ዘበለ ሰብ ንልዓሊ ሰሪሑ ዓዲን ህዝቢን ዘድሓነ ዩኒቨሲቲ ዘይወዓለ ጅግና ሰብ ስለዘሎ። ንብሎ ዘለና እዛ ሃገር ካብ ዘላቶ ዘሰክፍ ኩነታት ንምውፅእ ካብ ልቢ እንተተደሊዩ እዚ መድረኽ ዝጠልቦ ናይ ሰብ ሓይሊ ኣብ ቦትኡ ክህሉ ግድን እዩ። እዚ ውድብ መእለያ ዘይብሉ ንዋታን ሰብኣዊን ሃፍቲ እዛ ክልል ዘሰወአሉ ዕላማ ክፍፀመሉ እንተደሊዩ ብዘምፅኡዎ ለውጢ ዝዕቀኑን ረብሓ ህዝቢ ብጭቡጥ ዘረጋግጹን ናይ ስራሕ ሓለፍቲ ክህሉዉዎ ይግባእ። ብሓፈሽኡ እዚ ዘለናዮ መድረኽ ሳይንሳዊ ፍልጠት ስለዝሓትት ቤት ምኽሪ ክልልና ይኹን ሃገርና ብትምህርቲ ዝደፍኡን ልምዓት ብምርግጋፅ ዝተመስከረሎም ሰባትን እንተሒዙ ልምዓት ክልልና ንምግሃድ ዝለዓለ ዕድል ከምዘለዎ ገዛኢ ውድብ ካብ ልቡ ኣሚኑ እቲ እስካብ ሀዚ ዝግበር ዝፀንሐ ኣካይዳ ከዐሪ ይግባእ።

) ካሊእ ከም ክልል ዝመርሕ ውድብን ከም ተመረፅቲ ሃገራዊ ቤት ምኽሪን ኣብ መድረኽ ከልዕሉዎን ኣካል ናይቲ ፍታሕን ክኸውን ዝግባእ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣሎ። ከምቲ ዝፍለጥ እዛ ክልል ብፍላይ ካብ ዘመነ መሳፍንት ጀሚሩ ናይ ኲናት ቐጠና ካብ ምዃን ነፃ ኮይና ኣይትፈልጥን። ብዝበለፀ ድማ ኣፍቲ ዝሓለፈ 120 ዓመታት ምስ ናይ ውሽጢ ዓመፅቲን ናይ ደገ ወረርቲን ብዘበናዊ ናይ ውግእ ማሣርሒን ነተጉቲን ዝተገበሩ ውግኣት ቐሊል ዘይበሃል ሰብኣዊን ንዋታዊን ተፈጥሮኣዊን ጉድኣት በጺሑዋ እዩ። ብዙይ ምኽንያት እዛ ክልል ናይ መላእ ሃገር ኲናትን ዘሰክፍ ናይ ፀጥታ ኩነታትን ተሳኪሚት ኮይና ትነብር ነይራን ሀዚውን ዘላን እያ። እንተኾነ ግና ንቲ ጉድኣታን ዝተሰከመቶ ሓላፍነትን ዝምጥን ዝተፈለየ ሓገዝ ካብ ማእኸላይ መንግስቲ ኣይተገበረላን። ድሕሪ ውድቀት ደርግ ናይ ስግግር መንግስቲ ኣብ ዝተተኸለሉ እዋን ንተን ብዂናት ዝተሃሰያን ብተነፃፃሪ ኣዚየን ድሕሪት ዝተረፋን ክልላት ዝተፈለየ ጠመተን ድጋፍን ክግበረለን ከምተወሰነ ይንገር’ኳ እንተነበረ ናይ ካልኦት ክልላት ኣይንፈልጥን ንትግራይ ግና ንቲ ዝበፅሐ ሰብኣዊን (ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝበዝሐ ኣካላዊ ስንክልና ሓዊሱ) ንዋታዊን ተፈጥሮኣዊን ዕንወት ዝምጥን ብፌደራል መንግስቲ እዚ ተገይሩ ዝበሃል ነገር ኣይርኣናን ጥራይ እንተይኮነስ ካብ ኩሉ ሕልፊ ዝወሰደ ተባሂሉ’ውን ኣብ ዘይቋርፅ ፀለመ ዝነብር ዘሎ ህዝቢን ክልልን እዩ።

ካፍቲ ቐዳማይ ናይ ደርግ ጨፍጫፍ ወጺእና እፎይ እንተይበልና ድማ ወራር ሻዕቢያ ስዒቡ ዘይተፀበናዮ ሰብኣዊ ህልቂት፣ ቑጠባዊን ንዋታዊን ዕንወት፣ ኣብ ተፈጥሮውን ኸቢድ ዝበሃል ብርርሰት ምስ ዓስዐበ’ውን ክልልና (ብፍላይ ኣብ ዶባት ዝነብር ህዝብና) እዚ ብኲናት ዝበፅሖ ዕንወት ሃገራዊ ጉዳይ ከምዘይነበረ ድሕሪ እቲ ውግእ ክልል በይኑ ክስከሞ ተገዲፉሉ እዩ። ህዝቢ’ውን ንልዕሊ ክልተ ዓመት ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ ሰለስተ ክረምቲ ዘይሓረሰ ህዝብና ብዘይ ሓንቲ ሓገዝ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ብነተጉቲ ምኽንያት ማሕረሱን ሰቡን እንስስኡን ኣብ ቐፃሊ ሓደጋ ከምዝወደቐ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ኣብ ኩሎም ዶባት ዝነብሩ ሓረስቶትን ሕርሻን ኸባቢያዊን ኸቢድ ተፅዕኖ ከምዝገበረ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ኣብዚ ዂናት ሰራዊት ኤርትራ ካብ ባድመ እስካብ ገምሃሎ ወሪሩ ካብ ዝዓረደሉ ተፀሪጉ እስካብ ዝወጽእ ልዕሊ 150 ሺሕ ገዘፍቲ ኣግራባት ንድፋዕ መስርሒ ከምዝቖረፀ ኣፍቲ እዋን ኣብ ግብርና ካብ ዝሰርሑ ሰብ ሙያ ተነጊሩና ነይሩ። ብናይ ባዕልና ሰራዊትን (ኣፍቲ እዋን ንዝምልከቶም ሓቢርና ነይርና) ብቲ ኲናትን’ውን ከምተወሰኾ ይፍለጥ።

ሎሚ’ውን ኣብ ዶባት ዘሎ ህዝቢ ኣይሰላም ኣይ ኲናት ኣብ ዝኾነ ኩነታት ዘይቀሰነ ይነብር ኣሎ። ሰላም ኣብ ዘየተኣማምነሉ ኩነታት ኮይኑ ዘፍሪ ማሕረስ ክህሉ ኸቢድ ስለዝኾነ ሓረስቶት፣ ብፍላይ ድማ መናእሰይ ናብ ከተማታት ናኸዱ መማረጺ መዓልታዊ ስራሕ ምድላዮም ኣይተረፈን። ብሓጺሩ ትግራይ ናይ መላእ ሃገር ኲናትን ዘሰክፍ ናይ ፀጥታ ኩነታትን (ናይ ዜጋታት ምጭዋይን ነተጉቲ ምቕባርን ሕልፍ ኢሉውን ተኹሲ ሓዊሱ) ተሳኪሚት ኮይና ትነብር ስለዘላ ፌደራል መንግስቲ ንዛ ኽልል ንበይና ኣሰኪሙዋ ዘሎ ዘቐንዙው ሃገራዊ ሓላፍነት ብፂሒቱ ክወስድ ዘይሕተተሉ ፖለቲካዊ ወይ’ውን ሕጋዊ ምኽንያት ኣይረአየናን። እዚ ኣብ ክልልና ዓሪፉ ዘሎ ኸቢድ ተፅዕኖ ፌደራል መንግስቲ ብኣግባቡ ክግምግሞን ግቡእ ተወሳኺ ናይ ልምዓት ሓገዝ ክገብረሉ ገዛኢ ውድብ ክልልናን ተመረፅቲ ሃገራዊ ቤት ምኽሪን ክሓትቱሉ ይግባእ።

መ) እዚ መድረኽ ተወዳዳራይ ዝኾነ ሳይንሳዊ ፍልጠትን ተመራመርቲን ዝሓትት እዩ። ብምዃኑ ድማ ትምህርቲ ቐንዲ መጥፍኢ ድንቁርናን ድኽነትን በኣንፃሩ ድማ ቐንዲ መዋለዲ ልምዓት ምዃኑ መንግስቲ ኣሚኑስ ላዕለዎት ናይ ትምህርቲ ትካላት ይሃንፅ ፀኒሑን ኣሎን። ከምቲ ጋዜጠኛ ኣቤል ጉዕሽ ኣብ ውራይና ቁ፣25 ፅሑፉ “በላሕቲ ተጋሩ ንረብሓ ትግራይ ናይ ምውዓል ስራሕ ክንዲ ኹርማን እያ” ዝበሎ እስካብ ሎሚ እዛ ክልል ዘፈረየቶም ሙሁራን ፀንቂቓ ኣብ ምጥቃም ብጣዕሚ ድኽምቲ እያ። እቲ ሓቂ ከምኡ እንዳሃለወ ሰብ መዚ ክልልና ሕፀረት ናይ ሰብ ሓይሊ ከምዘሎ ኣብ ኣደባባይ ይነግሩና ኣለዉ። ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ኣዲስኣለም ባሌማ “ሰባት ዝጋግይዎ ነገር ኣሎ። እቲ ቪዥን [ናይ ልምዓት ራእይ ማለቶም እዩ] ተግባራዊ ክትገብሮ ኩልሻዕ ብጉያ’ውን ክትፍፅሞ እንተደሊኻ ሪሶርስ የድሊ። ናይ ሰብ ሪሶርስ የድሊ፣ ማተሪያል ሪሶርስ የድሊ። እዚ ብጣዕሚ ሕፅረት ኣብ ዘለዎ ሃገር ኮይና ኢና ነቲ ሀዚ ረኺብናዮ ዘለና ደረጃ በጺሕና ዘለና”[xxvi] ብምባል ንቲ ዘሎ ሰንከልከል ከማኻንይሉ ፈቲኖም። እዙይ ጌጋን ፀርፊ’ውን እዩ። እቲ ሓቂ ትግራይ ”ናይ ሰብ ሪሶርስ” ሕፅረት የብላን። ኽብሪ ነቶም ንመፃኢ ወለዶ ክብሉ ሂወቶም ዝኸፈሉ ጀጋኑ ደቂ እቲ ተባዕ ህዝቢ ትግራይ ሎሚ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ዝነጥፍ ዘሎ ሙሁር ትግራዋይ ብቑፅሪ ብዙሕ እዩ።

ካሊእስ ይትረፍ ትካላት ጥዕና ብበዓል ሙያ ሕፅረት ናተሳቐዩ እንዳሃለዉ ገሊኦም ብነርስነት ዝተመረቑ ገለውን ብPublic Health ካልኣይ ዲግሪ ሒዞም ስራሕ ዝሰኣኑ ወገናት ኣብ ከተማታት ትግራይ (ብፍላይ ኣፍቲ ዶ/ር ኣዲስኣለም ናተመላለሱ ዝመረፅሉ ከተማ መቐለ) ከምዘለዉ ክስሕትዎ ኣይመተገብአን ነይሩ። ብተመሳሳሊ ከይዲ ቢሮክራሲያዊ ስራሕቲ ምእንታን ቕልጡፍን ዘበናዊን ክኸውን ብኮምፒተራት ዝሕገዝ ንምግባር ዘኽኡሉና ናይ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ሙሁራት ስራሕ ሲኢኖም ኣብ እንዳ ቡንን (ኮፊ ሃውስ=’’ኮፍ ሃውስ’’) እንዳ ጫትን ዝውዕሉን ስራሕ ክደልዩ ናብ ማእኸል ዓዲ ዝኸዱን ብዙሓት መናእሰይ ከምዘለዉ ምዝኽኻር የድሊ። እዚ ፈጺሙ ክኸውን ኣይምነበሮን። ትምህርቲ ቐንዲ መዋለዲ ልምዓትን ምኳኑ ተኣሚንሉስ ንምስፍሕፋሕ ትምህርቲ ዓብይ ባጀት ናተሰልዐ ዜጋታት የምሃሩ ኣለዉ። እዚ ዝገብር መንግስቲ ምህላዉ ዘኹርዕ እንትኸውን እቲ ብሉፅ ፍርያቱ ንልምዓት ዘይጥቀም መንግስቲ ድማ ዓብዪ ብኽነት ኣጋጢሙዎ ከምዘሎ ክርዳእ ይግባእ። ስለዚህ መንግስቲን ክልልና ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓትን ሙሁር ሓይሊ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኽባር ፀጋ ምዃኑ ኣሚኖም ተይዶንጎዩ ቐፃለይ ዝኾነ ሃናፃይ ፅምዶ ክገብሩ ይግባእ። ካብ ፖሊሲ ምይይጥን ምርምርን ጀሚሩ ኣብ ልምዓት ክልሉ ኢዱ ከሓውስ ብግብሪ ምንቅስቓስ የድሊ። ብፍላይ ኣብ ዓዲ ውሽጢ ናሰርሐ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ፀፀግዑ ሒዙ ዝነብር ዘሎ ልምዲን ፍልጠትን ዘለዎ ሙሁር ኣብ ልምዓት ዓዱ ክዝቲን ኣካል ናይቲ መስርሕ ከኸውንን ይግባእ። እዚ ማለት ግን ዝተምሃረ ኩሉ መንግስቲ ስራሕ ክህቦ ኣለዎ ንምባል ተደሊዩ ኣይኮነን። ከምኡ ንብል ዘለና ብዙሕ ሙያን ትምህርትን ዝሓትቱ መንግስታዊ ስራሕቲ ብሙሁራትን ብበዓል ዓቕሚን ናተሰርሑ ከምዘየለዉ ስለዝፍለጥ እዩ። ጣቢያታት ወረዳታት ዞባታት ኣብ ንርኢ ሙሁር ይኣኽለና ንብለሉ ብርኪ ዕቤት ኣይበፃሕናን ጥራይ ዘይኮነስ ኣይጀመርናዮን’ውን።

ንሱ ከምዘሎ ኮይኑ ሃገር ገዲፉ ዝስደድ ዘሎ ዝተምሃረ ሓይሊውን ቀሊል ዝበሃል ኣይኮነን። ገሊኡ´ሞ ገንዘብ ከፊሉ’ውን ካብ ዓዲ ዝወጽእ ኣሎ። ሓደ ድኻን ዘይተምሃረን ሕብረተሰብ ዝመልኣ ሃገር ካብ ድኻ ህዝቢ ግብሪ ናኣከበት ዘምሃረቶ ዜጋ ንዓዲ ሃገር ክትስኒ ዘየዋፅኦ እዩ። እዚ ፍልሰት ሙሁር (Brain drain) ጠጠው ምባል’ኳ ተዘይተኽኣለ ግዱስ መራሒ ሃገር ዝኸፈለ ከፊሉ ንምቕናስ ክቃለስ እዩ ዝግባእ። ብዙሕ ተይራሕቕና ኣፍሪካዊት ሃገረ ቦትስዋና ባዕላ ዘምሃረቶም ዜጋታታን ካልኦት ኣፍሪካዊያንን ኣብ ምጥቃም ኣብነታዊት ሃገር እያ። ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ትምህርቲ ትካላት ዘምህሩ ወይ ዝሰርሑ ብሽሕ ዝቑጸሩ ኢትዮጵያዊን ከምዘለዉውን ይንገር። ናታን ናይ ካልኦት ሙሁራት ፀንቂቓ ዝተጠቐመት ቦትስዋና ብቑጠባኣ ሃፍታም ብፖለቲካዊ ስርዓታውን ዜጋታታ ብሰላም ዝነብሩላ ዴሞክራሲያዊት ሃገር ኮይና ኣላ። ሃገርናን ክልልናውን ከምዚ ናይ ቦትስዋና ዓይነት ፅቡቕ መሪሕነት የድሊያ ኣሎ። ፅቡቕ መሪሕነት ንብሎ ራእይ ናብ ግብሪ ዝቕይር ክኸውን እንተሎ ጥራይ እዩ።

እምበኣርከስ ኣብ መሪሕነትን መሓውራቱን ዘሎ ኩለመደያዊ ድኽመት ዝፈጠሮ ተዘይኮይኑ እቲ ንመቃለሲ ቐንዲ ምኽንያት ዝነበረ ሕቶ ልምዓትን ምፍጣር ፍትሓዊን ዴሞክራሲያዊን ስርዓትን ሽትኡ ክወቅዕ ዘይደሊ ኣባል መሪሕነት ኣሎ ኢልካ ንምድምዳም የፀግም እዩ። ድኽመት ስርዓቱ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣብ ኣደባባይ ናኣመነ ዘየማሓይሽ መሪሕነት ኣብ ዝኸውን ግና ክምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ናይ ስርዓት ምብስባስ ቐንዲ ምልክት ገይርካ እዩ ክውሰድ። ብስሩውን ንለውጢን ምምሕያሽን ዘይምድላው ሕሉፍ ወርቃዊ ታሪኽካ ብፍቓድካ ምርሳሕ ጥራይ ዘይኮነስ ንቲ ዝተቓለስካሉ ህዝቢ እውን ተመሊሱ ይጎድኦን ሕድሪ ሰማእታቱ ይጥለም ከምዘሎን ምርዳእ የድሊ። እዚ ፈጺሙ ቕቡል ዘይምዃኑ ተረዲእኻ እቲ ዘሎ ናይ ሕማቓት ኣካይዳ ብዘይ ውዓል ሕደር ለውጢ ክገብረሉን እቲ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን/ስርዓትን ኣፍቲ ንምነዮ በጺሑ ህዝቢ ካፍቲ ዘለዎ ዘሸቑርር ድኽነት ወጺኡ ንርኤሉ ኩነታት ክፍጠር ይግባእ። እስካብ ሀዚ እዙይን እቱይን ናተፈተነ፣ ዝተፈላለየ ምኽንያት ክወሃብ፣ ዝኾነን ዘይኮነን ክፅብፀብ ርብዒ ክፍለ ዘበን ሓሊፉ ሕዝብና ኣብ ረድኤትን ከርፋሕ ናብራን ይነብር ኣሎ። እዚ ክቕየር ኣለዎ። ስለዚህ እዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ክውሰዱ ዘለዎም ዝበልናዮም ቴክኒካዊን ፖለቲካዊን ፍታሓት ኣገደስቲ እዮም። ብሓጺሩ ፖሊሲ ርእሱ ዝኸኣለ መሳርሒ ስለዝኾነ እንተይዘሰሪሑ ምስ ፖለቲካ እንተይሓዋወስካ ይቕየር ወይ’ውን ምትዕርራይ ክግበረሉ ንቡር እዩ።

8/ ምትሕውዋስ ፖሊሲን ፕለቲካን

ኣብዚ ፅሑፍ ፖለቲካ እንተይኮነስ ብዋናነት ብዛዕባ ፖሊሲ ኢና ዘቲና። ፖሊሲ ሓደ መንግስቲ ፣ ዘይመንግስታዊ፣ ውድብ፣ ውልቀን ዘይውልቀን ትካላት ወዘተ መደብ ንምፍፃም ንዝኽተልዎ ናይ ለውጢ መስርሕ ንፁር ዝኾነ ዕላማ ሽቶን መምርሒን ዝሓዘ እሞ ኣብ ከይዲ ከከም ጭቡጥ ኩነታቱ ናራኣኻ ዝቕየር መሳርሒ እዩ ኢልካ ብቐሊሉ ምግላፅ ይከኣል። ፖሊሲ ንምሕንፃፅ መጀመርታ እቶም ክፍትሑ ዝድለዩ ጸገማት ብእርይ ቁፅር ምፍላጥን ዕላማኻን ክትበፅሖ ትደሊዮ ሽቶን ምንፃርን የድሊ። ድሕሪኡ ምስ ጭቡጥ ኩነታትካ ዝሳነ ፖሊሲ ምሕንፃፅ፣ ፖሊሲ ዝፍፅም መስርሕ ምፍጣር፣ ናይ መፈፀምቲ ዓቕሚን ፖለቲካዊ ቑርፀኝነትን ውሕሉል ኣመራርሓ ምህላውን ኣብ ዝሳኻዕ ድማ ንቲ ፖሊሲ ብተነፃፃሪ ብዝወሓደ ፀጋታትካ (ግዘ፣ ገንዘብ፣ ናይ ሰብ ሓይሊ ወዘተ) ናብ ግብሪ ንምሽራፍ ተኽእሎኻ ዝለዓለ ይገብሮ።

መንግስቲ ኢህወደግ ወይ ኣብ ትግራይ ዝገዝእ ዘሎ ውድብ ህወሓት ኣብ ክልሉ ዘለዉ ፀገማት ኣብ ምልላይን ንፁር ዕላማ ኣብ ምቕማጥን ዋላ ሓንቲ ሽግር የብሉን’ኳ እንተዘይበልና ፅቡቕ ዝበሃል ስራሕ ሰሪሑ እዩ ምባል ይከኣል እዩ። ብመሰረቱ ፀገማት ክልልና ይኹን ሃገርና ንምልላይ ብዙሕ ምርምር ዝሓትትውን ስለዘይነበረ እዚ ናብ ፖሊሲ ንምቕያር ኣየጸገመሉን። እቲ ቐንዲ ሽግርን ቐፃሊ ፈተናን ኮይኑ ዘሎ ግና እቲ ዝወፅአ ፖሊሲ ምስ ጭቡጥ ኩነታት ትግራይ ዘይምስናይ እዩ። እቶም ዝሳነዩ’ውን ኣብ ኣፈፃፅማ ብዙሕ ዓይነት ሽግራት ኣለዎም። እቶም ቐንዲ ንምጥቃስ፣ ኣብ ኣፈፃፅማ ንፁር ኣንፈት ዘይምህላውን ከም ቤተፈተነ ናፈተንካ ምንባርን፣ ኣብ መደባት ምፍፃም ብቕዓት ዘለዎ ሳይንሳዊ መስርሕ ዘይምህላ’ው፣ ነቲ ፖሊሲ ንምፍፃም ዝተዳለወ ብቕዓት ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ኣብ ቦትኡ ዘይምምዳብ፣ እሞ ዘይተስኣነ እንዳሃለወ፣ ፈፀሚ ኣካል’ውን ቑርፀኛ ዘይምዃን፣ ኣብ ገምገም ድኽመትካ ኣለሊኻ እንዳሃለኻ ንምምሕያሽ ድሉው ዘይምዃንን ምስ ሽግርካ ምቕፃልን እዮም እንተበልና ምግናን ኣይኸውንን።

እቲ ካሊእ ሽግር ድማ ፖሊሲ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ መደብ ንምፍፃም ዘገልግልን ኣብ ከይዲ ከከም ጭቡጥ ኩነታቱ ናራኣኻ ዝቕየር ናይ ለውጢ መምርሒ ወይ ድማ መሳርሒ ምዃኑ ናተረሰዐ ማዕረ ፖለቲካዊ ሪኦተዓለም ምቕያር ተገይሩ ዝረኣየሉ ኩነታት ስለዘሎ ምትዕርራይ ወይ ሱር ነቀል ናይ ፖሊሲ ለውጢ ንምግባር ክፉት ዘይምዃን እዩ። ብምዃኑ ድማ ኣብ ፖሊሲ ዝቕርብ ነቐፌታ ከም ፅቡቕ ተወሲዱ ኣብ ክንዲ ንተወሳኺ ምርምርን ገምጋምን ዝዕድም ካብ ልክዑ ንላዕሊ ናተመጠጠ ፖለቲካዊ ትርጉም ናትሓዝካ እቲ ሽግር ንምፍታሕ ዝግበሩ ፃዕሪታት ተጓዕጺጾም ዝሓልፍሉን ጌጋ ናተደገመ ዝቕፅለሉን ኩነታት እዩ ዝበዝሕ። ኩሉ ከምዝፈልጦ ዓመት ዓመት ተመሳሳሊ ድኽመት ይርከቡ ተመሳሳሊ ናይ መፍትሒ መፅባዓታት ድማ ይእተው ከምኡ ናበሉ ሽግራት ናተንከባለሉ ይቕፅሉ። እዚ ብብስለት ፈላሊኻ ክርአን ክቕየር ዘለዎ ኣሉታዊ ዝንባለ እዩ።

እሞ ከም እምነትና እቲ ልዕሊ 20 ዓመታት ዝተደኸመሉ “ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትሪያላዊ ምዕባለ” ዝብል ፖሊሲ ኣብ ትግራይ ኣይሰርሐን ኣብ ቀረባ ግዘ ክሰርሕ ኢልና እውን ኣይንግምትን ክንብል እንተለና ካብ ሪኦተዓለማዊ ኣንፈት ናይቲ ስርዓት ብምብጋስ ዘይኮነስ ካብ ጭቡጥን ኣዚዩ ዘሰክፍ ቑጠባዊ ኩነታት ትግራይ ተበጊስና ከምዝኾነ ርዱእ ተገይሩ ክውሰድ ኣለዎ። እዚ ፖሊሲ ዘይሰርሐሉ ቐንዲ ምኽንያት ድማ ኣፍቲ ፖሊሲን ጭቡጥ ኩነታት ትግራይን ሓረስታይ ህዝብናን ገፊሕ ፍልልይ ስለ ዘሎ እዩ ኢልና ኣለና። ናይ ክልልና ሕርሻ በዚ ዘለዎ ኩነታት ኢንዱስትሪ ንምውላድ ይትረፍ ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል’ውን ገና ርብዒ መገዲ ኣይተኸደን። እሞ ንዓመታት ዘይፍረየ ፖሊሲ ሒዝካ ትቕፅለሉ ምኽንያት የለን። ብዙይ ሓሳብ ዘይሰማማዕ ሰብ ቕድሚ ናብ ፖለቲካዊ ሸርፊን መደምደምታን ምብፅሑ ኣብ ጭብጢታት ተመስሪቱ እዘን ዝቕፅላ መሠረታዊ ሕቶታት ክምልስ ይግባእ:-

እዚ ልዕሊ 20 ዓመታት ዝተደኸመሉ ፖሊሲ ምስ ጭቡጥ ኩነታት ትግራይ ተሳኒዩ ዶ? ዝሳነ እንተኾይኑ ዛጊድ እንታይ ኣምፂኡልና? እቲ ዝትረኸበ ውፂኢት ንቲ ዝጠፍአ ግዘ፣ ሃፍቲ፣ ጉልበትን ሽግርናን ዝምጥን ድዩ? ኣብ ትግራይ ብሕርሻ ምኽንያት ዝተወለዱ ፋብሪካታት ኣለውና ዶ? ኢንዱስትሪ ምውላድስ ይትረፍዋ እዚ ፖሊሲ ናይ ምግቢ ውሕስና ኣረጋጊጹልና ዶ? እወንታዊ መልሲ ዝህብ ሰብ እንተሊኡ፣ እሞ ንምንታይ ደኣ ሓደ ክረምቲ ድርቂ ተፈጢሩ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ናብ ረድኤት ኣቲዩ? እሞ ድማ እቲ ዓመት ዓመት ምህርቲ ዓፂፉ ናተብሃለ ብመራኸቢ ሓፋሽ ዝንገረሉ ዝነበረ ህዝቢ! ብዘይ ድርቂ ልዕሊ 40 ሚኢታዊ ኣብ ሴፍቲኔት ዝነብር ህዝቢ ምህላዉኸ እቲ ፖሊሲ ሰሪሑን ይሰርሕ ኣሎን ዶ የብል? ብስሩባ እኹል ናይ ዓመት ቐለቡ ከፍሪ ዘይከኣለ ሓረስታይ ንኢንዱስትሪ እታወት ዝኸውን ከፍሪ ተኽእሎን ድልውነትን ይህልዎ ዶ? እሞ ገና ንዘይተፈጠራ ኢንዱስትሪታት! ድሕሪ ዝኹሉ ዓመታት ናይ ምግቢ ውሕስና ዘይብሉ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ሒዝካ ግና መልሱ እውነታዊ ከኸውን ኣይትፅበይን። ካብዚ ዓይኑ ዘፍጠጠ ሓቂ ብምብጋስ መገዲ ምምዕርራይ/ምቕያር የድሊ እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ እንተበፃሕና ባህሪያዊ እዩ።

9/ መዛዘሚ

‘ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትሪያላዊ ምዕባለ’ ዝብል ፖሊሲ ብሓፈሽኡ ብሃገር ደረጃ እንትርአ ዝሰርሕ ከምዝኾነ ቕቡል ገይርና ኢና። ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት፣ ዓቕሚን ተኽእሎን ኣብ ብዙሕ ኸባቢታት ስለዘሎ። ናብ ትግራይን እንትወርድ ግን ትሕዝቶን ተፈጥሮኣዊ ፀጋታትን ዓቕሚን ኩነታት ሓረስታይ ናይቲ ክልል ኣብ ግምት ዘይአተወ ፖሊሲ ስልዝኾነ ንነዊሕ ዓመታት ተፈቲኑ ሽንኳን ኢንዱስትሪ ክመርሕ ናይ ምግቢ ውሕስና ከረጋግፅ ብዘይምኽኣሉ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ረድኤትን ኣዚዩ ዝተሓተ ብርኪ መነባብሮን ይነብር ኣሎ። ኣብ ሞንጎ እቲ ስትራተጂክ ፖሊሲን ኣብ ጭቡጥ ኩነታት ትግራይን (መጠንን ትሕዝቶን መሬት፣ ድሑር ሜላ ኣተሓራርሳን እታወታትን፣ ናይ ሓረስታይና ዓቕሚን ቕድሚት ዝስራዕ ድሌትን) ሰፊሕ ሓጓፍ ስለዘሎ ምስቲ ኣብ መሬት ዘሎ ስራሕቲ ዝናበብ ኮይኑ ኣይተረኸበን። እዚ መሪር ሓቂ ተቐቢልካ መሠረታዊ ዝኾነ ናይ ፖሊሲ ኣንፈት ምትዕርራይ/ምቕያር ክግበረሉ ኣልዎ ዝብል እዩ።

ሓቂ እዩ ኣብዚ እዋን ዝበዝሕ ህዝብና ሓረስታይ ስለዝኾነ ሕርሻ ዓብዪ ጠመተ ተዋሂቡዎ ካፍቲ ዘለዎ ናብ ዝበለፀ ብርኪ ክሰጋገር ምግባር ኣድላይነቱ ምእንታን ኢንዱስትሪ ክመርሕ ዘይኮነስ ቕድሚ ኩሉ ናይ ምግቢ ውሕስና ንምርግጋፅ እዩ። ንሱ’ውን እንተኾነ ፃዕራም ሓረስታይን መሬትን ምህላው ጥራይ እኹል ከምዘይኮነ ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ስለ ዝራኣና ተወሳኺ ግዜ እንተይባኸነ መስርሕ ፖሊሲናን ኣካይዳናን ብዘይ ቃል ዓለም ምፍታሽን ንኩነታትና ዝምጥን መገዲ ምእላሽን ንፅባሕ ዝበሃል ጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕርሻ እቲ ዝድለ ምህርቲ ሂቡ ናይ ምግቢ ውሕስና ኣረጋጊፁ ናብ ኢንዱስትሪ ክሰጋገር ጊዜን ዓቕሚን ዝሓትት እዩ። ብስሩውን እስካብ ሀዚ ከምዝራኣናዮ ኣብ ክልልና ንሃገራዊ ኢኮኖሚ ዕቤት ዝበለፀ ኣስተዋፅኦ ዝገብራ ዘለዎ እተን ትማሊ ዝተወለዳ ፋብሪካታትን ንግዲን ኣገልግሎት ዘፈርን እምበር ናይ ሕርሻ ኣስተዋፅኦ ምስ ዕድሚኡን ምስ ዝፈሰሶ ገንዘብ፣ ሓይሊ፣ ግዘ ወዘተ እንትርአ ውፅኢቱ ትሑት እዩ። ኣብ ነገርና ብቕልጣፈ ዕቤት እንትርአ እውን ካብ’እቲ ንኣሽሓት ዓመታት ናተፍሓዅ ዝኸይድ ዝጸንሐን ዘሎን ሕርሻ ትግራይ እቶም ትማሊ ዝጀመሩ ኢንዱስትሪን ግልጋሎት ዘፈርን ከምዝበልፅ መንግስታዊ ጸብፃባት የረጋግጹልና።

ንኣብነት ኣብ ቐዳማይ ዕቤትን ስግግርን ሕርሻ ብ 9.5፣ ኢንዱስትሪ ብ9.5፣ ግልጋሎት 13.2 ማእኸላይ ዕቤት ከምዘመዝገቡ ግልፂ ገይሩ ኣቐሚጡዎ ኣሎ[xxvii]። ኣብ ወርሒ መስከረም 2008 ዓ/ም ዝተሓተመ ጋዜጣ ወይን እውን ኣብ እንዳስትሪ ዘሎ ዕብየት ልዕሊ 13 ሚኢታዊ ከምዝኾነ እንትገልጽ ሕርሻ ድማ 8 ሚኢታዊ ከምዝኾነ የቐምጥ[xxviii]። እዚ ኢንዱስትሪን ግልጋሎትን ኣብ ሓፂር ዓመታት ካብ ባዶ ጀሚሩ ዘርኣዮ ዕቤት ካብ ሕርሻ ዝበለፀ ተስፋ ከምዘለዎ እዩ ዘርእየና፡፡ እሞ እዚ ዝኸውን ዘሎ ብዘን ዘለዋና ውሱናትን ብብቕዓት ዘይምርሓን ኢንዱስትሪታት እዩ። ኣብ ርእሲ’ውን ከምቲ ዶ/ር ኣርከበ ዑቕባይ ዝጸሓፉዎ ኢንዱስትሪ፣ ብፍላይ ድማ ማኒፋክቸሪንግ ዘርፍ ካብ ሕርሻ ዝበለፀ ካልኦት ዘርፊታትን ዕዳላትን ናይ ምፍጣር ተኽእሉኡ (spillover/linkage effect) ዝሰፈሐ እዩ።[xxix] እቶም ልዕል ኢሎም (ኣብ ገፅ-8) ከም ኣብነት ተዘርዚሮም ዘለዉ ትካላትን ንሶም ዝፈጠሩዎም ዕድላትን እውን ናይዚ መረጋገጺ እዮም። ስልዝኾነ ድማ እዛ ክልል ብቕልጡፍ ተወሰኽቲ ዕድላትን ዓቕሚን ዝፈጥረላ ሓፂር መገዲ ክትኽተል እምበር ምስ ሕርሻ ሰለይ ናበልና ክንጓዕዝ እንተኾይና ኣፍቲ ዝድለ ዘሎ ምዕባለ ኢንዱስትሪ ኣይንበጽሕን ጥራይ ዘይኮነስ ሰኣን ዓቕሚ ሕርሻና’ውን ድሑርን ድኹምን ኮይኑ ብምቕፃል ንብዙሕ ዓይነት ሓደጋታት ከቃልዐና እዩ።

እዚ ማለት እቲ ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ዝግብር ፃዕሪ ኣጠናኺርካ ምቕፃል ከም ዘሎ ኮይኑ ኣብ ኢንዱስትሪ ምትካል ግና ዝበለፀ ትኹረት ሂብካ ምስራሕ ማለት እዩ። ብኻልእ ኣባህላ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕርሻ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ምግቢ ሓሊፉ ኢንዱስትሪ ክወልድ ኢልካ ዘይሕሰብ ስለዝኾነ ኢንዱስትሪ ኣቐዲምካ ንሱ ብዝፈጥሮ ገንዘባዊ፣ ንዋታዊን ቴክኒካዊን ዓቕሚ ሕርሻ ናብ ዝሓሸ መፍረያይነት ምብፃሕ ይከኣል እዩ ኢና ንብል ዘለና። እዚ ንምግባር ድማ እቲ ኣብ ኢንዱስትሪ ምትካል ዘሎ ጎታትን ፀቢብን ኣካይዳ ካፍቲ ሀዚ ዘለዎ ብቅልጣፈን፣ ስፍሓቱን ኣሳታፋይነቱን ዝተፈለየ ምግባር ይጠልብ። ኣብዚ እቶም ፎቖዶ ማእኸል ኣሀገር ዝኸዱ ዘለዉ ተጋሩን እንተተኻኢሉውን ካልኦት ኢትዮጵያዊያን ወፃእተኛታትን በዓል ሃፍቲ ንኽሳተፉ ብፖሊሲ፣ ብቢሮክራሲ፣ ብናይ ኢንቨትመንት መሬት፣ ብልቓሕን ግብሪ ኣክፋፍላን ናይ ምትብባዕ ፃዕሪ ምግባር የድሊ።

ብሓፂሩ ፖሊሲ ‘ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትሪያላዊ ምዕባለ’ ኣብ ትግራይ ከምቲ ንምነዮ ክሰርሕ ስለዘይከኣለ ደጊምካ ብዑምቀት መፅናዕቲ ክግበረሉ ኣለዎ ንብል። ኣብዚ ሙሁራት ካፍቲ ዝተለመደ ሱቕ ኢልካ ዝመፅአ ምቕባልን ምኽታልን ውፅእ ኢሎም ስነ ፍልጠታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ምርምር ብምግባር ንፖለቲከኛታትን ፈፀምቲ ኣካላትን ምኽሪ ዝልግሰሉ ዕድል ምፍጣር የድሊ። መንግስቲ እውን ፖሊሲታቱ ቅዱስ ቃል ከምዘይኮነን ኣብ ጊዜ ከይዲ ኣብ ኩነታት ምልውዋጥ ዘይትንከፍ ነገር ከምዘየሎን ተረዲኡ ካብ ፖለቲካዊ ውጥጥ ናፃ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብዚ ጉዳይ ምርምርን ሙሁራዊ ምይይጥን ንኽካየድ ትብዓት ከርኢ ይግባእ። ክንደይ ዘዋጠጠን ንሞት ብሓደ ዝወፈሩ ብፆት ዘፈለላየን ማሌሊት’ኳ ምስ መድረኽ ተቐይሩ!

ኣብዚ ክስምረሉ ዘለዎ ጉዳይ እንተሎ ሓደ ሃገር ናብ ኢንዱስትሪ ኣብ ዝግበር ስግግር ብሓፈሽኡ ንኽምዕብልን ትኽክለኛ ቑጠባዊን ፖለቲካዊ ስትራቴጂ ምሕንፃፅን ፖለቲካዊ ቑርፀኝነት ዘለዎ መሪሕነት ምህላውን ወሳናይ ክምዝኾነ ንፃት’ውን እንተኾነ ክሰሓት የብሉን። ከምቲ ብዝርዝር ዝተብሃለ ዋላ ናይ ባዕሉ ድኽመታት እንተሃለዎ ኢህወደግ ዝመርሖ መንግስቲ ፅቡቕ ግምት ክወሃዎ ዝኽእል ንቲ ልምዓት ዝድግፍ ሃገራዊ ቑጠባዊ ፖሊሲ ሓንፂፁ እዩ። ፖሊሲ በይኑ ግና እኹል ኣይኮነን። ገና እቲ ስትራቴጂክ ፖሊሲን ንቲ ፖሊሲ ዘፈፅም ትካላዊ ትሕተ-ቕርፂን ኣታሓስስብኡ ዝቐየረ ናይ ሰብ ሓይሊን የብሉን። ብፍላይ እቲ ሰፊሕ ቦታ ዝሽፍንን መደባት ብቐጥታ ኣፈፃሚን ዝኾነ ማእኸላይን ታሕተዋይን ኣመራርሓ ገና ኣይማዕበለን ጥራይ ዘይኮነስ ንርእሱውን ኣካል ናይቲ ሽግር ኮይኑ ዝቕፅለሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ሃገር ከም ሃገር ብስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ክራይ ኣካብነትን ትሕመስ ኣላ። እሞ ፖሊሲን መደባትን ኣብ ወረቐት ምፅባቕ በይኑ ዋጋ ስለዘይብሉ መንግስቲን ዝመርሕ ዘሎ ኣካልን ኣብ ጠቕላላ መሓዉራቶም ካፍቲ ዘሎ ዝተፈለየ ሱር ነቀል ለውጢ ክገብሩ ዝጠልብ ኩነታት ኢና ዘለና። ናብ ተግባር ምሽራፍ ኣቢዩዎ እምበር እዚ መንግስቲ’ውን ከምዝኣምነሉ ወግሐ ፀብሐ ብልሳናቱ ኣቢሉ ይነግር ኣሎ።

ኣብ ትግራይ እውን ካብዚ ዝተፈለየ ኣይኮነን። ዝተሓንፀፀ ፖሊሲ ክትግበር፣ ልምዓት ትግራይ ክሳለጥ፣ ህዝብና ናይ ምግቢ ውሕስና ከረጋግፅን ካብ ድኽነት ክወፅእን ቕድሚ ኹሉ እቲ ዘሎ ዘይምዕሩይ ፖለቲካዊ ኣካይዳን ምስ ጭቡጥ ኩነታት ትግራይ ዘይሳነ ፖሊሲን ክስተኻኸል ናይ ግድን እዩ። ተዘይኮይኑ ውጺኢቱ ብኣንፅሩ ኮይኑ እቲ ዝተብሃለ መደረጓሕ ስዒቡ ክጥሕነና እዩ። ከምኡ ከይኸውን ድማ ነዚ ክልል ቑጠብኡ ከዕቢ ሕርሽኡ ከዝምንን ከደንፍዕን፣ ኩለመዳያ ዓቕሚ (ገንዘባዊ፣ ነዋታዊ፣ ቴክኒካዊ፣ ስራሕ ዕድል) ክፈጥረሉ ዝኽእል ዓበይቲን ኣናእሸተይን መፍረይቲ ኢንዱስትሪ ምህናፅ እቲ ቐንዲ ኮይኑ ዘፈር ንግዲን ግልጋሎትን ምስፍሕፋሕ አውን ዝለዓለ ጠመተ ክግበረሎም ኣለዎ ንብል። ህዝብና ናብ ዝሐሸ ቑጠባዊ ብርኪ በጺሑ ካብ ረድኤትን ተፃባይነትን ወጺኡ ዝተማልአ ቑጠባዊን ፖለቲካዊን ሓርነቱ ዝጭብጠሉን ኩነታት ምፍጣር እንተተደሊዩ እቲ ኣብዚ ኣርእስቲ ተላዒሉ ዘሎ ቐንዲ ዛዕባ (ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትሪያላዊ ምዕባለ ዝብል ፖሊሲ) ንትግራይ ብዝምጥን እንደገና ተራኢዩ መሰረታዊ ለውጢ ክግበረሉ ሓላፍነት ተሰኪሙ ዘሎ ገዛኢ ውድብ ክልልና ትብዓት ከርኢ ኣለዎ ንብል። እዚ ሕማቕ ኩነታት ህዝብና ዝቕይር ሓይሊ ሻምፒዮን ታሪኽና ኮይኑ ክነብር እዩ።

ኽብሪን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

——

Foot Notes:

[i]Tewolde Berhan Gebre Egziabher et al (2007) Impact of Compost use on Crop Yields in Tigray, Ethiopia.[PDF] 

[ii] ኣይተ ዘሚካኤል ዝዛረብሉ ቪዲዮ (Jun 27, 2013) Hungry For Education; Street Children of Mekelle, Ethiopia.

[iii] Food Security Programme 2010 – 2014 [PDF]. Ministry of Agriculture and Rural development (August 2009).

[iv] Relief Society of Tigray (REST) 2012 Annual Report.[PDF]

[v] Interview with Dr AddisAlem Balema Vice President of Tigrai, Ethiopia 

[vi] Stefan Dercon & Andrew Zeitlin (2009) Rethinking Agriculture and Growth in Ethiopia: A Conceptual Discussion.Paper prepared as part of a study on Agriculture and Growth in Ethiopia. Pp.3 & 23 [PDF]

[vii] UNESC (2007) The Agricultural Development Led Industrialization (ADLI) strategy, Ethiopia (2007)

[viii] ወይን ጋዜጣ። መስከረም 2008 ዓ/ም። [PDF]

[ix] LIVES (2014) Integrating seedling suppliers with fruit growers in Tigray.

[x] ሕርሻ ልምዓት ኣብ ትግራይ። “ደደቢት” ብማሕበር ተጋሩ ኢሮፓ ዝተዳለወት መጽሄት ቁ፣11 ሓምለ 1985 ዓ.ም.ፈ

[xi] ወይን ጋዜጣ፣ መስከረም 2008 ዓ/ም ፣ገፅ 9፣ [PDF]

[xii] ወይን ጋዜጣ፣ መስከረም 2008 ዓ/ም ፣ገፅ 11፣ [PDF]

[xiii] Allafrica News (2015) Ethiopia: Raya Brewery to Have Own Malt Factory

[xiv] LIVES (2014) Small scale processing a pathway to reliable dairy markets in Tigray

[xv] LIVES (2014) Integrating seedling suppliers with fruit growers in Tigray

[xvi] Aigaforum (2016) International Standard Export Slaughterhouse PLC. Inaugurated in Jig-jiga, somali region of Ethiopia. [PDF]

[xvii] The Tigray National Regional State, Industry and Trade Bureau. Industrial investment opportunity studies for potential private investors in the Region. 

[xviii] Population and Housing Census Report-Country – 2007, Central Statistical Agency, 2010-07, Publisher(s): Central Statistical Agency. Doc\Reports\National_Statistical.pdf

[xix] Jewish Virtual Lbrary. Agriculture in Israel. Main source: Israeli Ministry of Foreign Affairs. http://www.jewishvirtuallibrary.org/jsource/Economy/science5.html

[xx] Amazing Planet (2015) The Great Man-Made River of Libyahttp://www.amusingplanet.com/2015/07/the-great-man-made-river-of-libya.html

[xxi] Meles Zenawi´s Discussion on Poverty https://www.youtube.com/watch?v=T17u05ENHnw

[xxii] Agriculture in Africa (2015) [PDF]

[xxiii] OECD (2016) A New Rural Development Paradigm for 21 Century: A Toolkit for Developing Countries. Development Center Studies. OECD Publishing, Paris.

[xxiv] Territorial approaches, rural-urban linkages and inclusive rural transformation: Ensuring that rural people have a voice in national development in the context of the SDGs. 

[xxv] ኣባይ ፀሃየን (2008 ዓ.ም) Tigrai Tv ገምጋም ሕሉፍ ጉዕዞ፣ ዝተረኸቡ ዓወታትን መፃኢ ሓደጋታትን ብጀነራል ሳሞራ ዮኑስን ተጋዳላይ ኣባይ ፀሃየን

[xxvi] Interview with Dr Addisalem Balema Vice President of Tigrai, Ethiopia 

[xxvii] Tigray Regional State Five Years (2010/11 – 2014/15) Growth & Transformation Plan. Bureau of Plan and Finance. September, 2003 E.Chttp://roadsforwater.org/wp-content/uploads/2013/11/Tigrai_state_Growth_Transformation_Plan_2011_2015.pdf

[xxviii] ወይን ጋዜጣ። መስከረም 2008 ዓ/ም። [PDF]

[xxix] Hiluf Hagos Shiqar (June 2016) On the Mechanics of Ethiopian Economic Progress, Some Recent Promising Developments, and Some worth of Thinking. Pp.2 [PDF]

******

* ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ ኣብ ሃገራዊን ዞባዊን ከምኡውን ዓለም ለኻዊ ፖለቲካን ማሕበረ-ቑጠባዊን ጉዳያት ዝግደስ፣ ኣብዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘይነጥፍ ዜጋ እዩ። ንሃናፃይ ሪኢቶ ኣብ [email protected] ይርከብ። 

(ዉራይና መበል 28 ሕታም ነሓሰ 2008)

ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ ኣብ ሃገራዊን ዞባዊን ከምኡውን ዓለም ለኻዊ ፖለቲካ ጉዳያት ዝከታተል፣ ኣብዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘይነጥፍ ውልቀ ሰብ እዩ። ንሃናፃይ ሪኢቶ ኣብ [email protected]

more recommended stories