(ብናትና ኣዛሂል – መቐለ)

“ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ድርቂ ንምፅዋር ዋላ ካብ በጀት ልምዓት መንግስቲ ነኪዩ ክጥቀም እዩ።” ር/ም|ም ኣባይ ወልዱ

“ልዕሊ ቀለብ ዘጨንቐና ዝሰተ ማይ እዩ። ቀለብ ሰብን እንስሳን እውን ካብቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ ሓገዝ ንላዕሊ ጠመተ ይገበረሉ።” ግዳያት ድርቂ

ኮፍ ዝበላለሉ ወንበር ኣብቲ ኣዳራሽ ካብ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ማእኸል እዩ። ዕድል ተዋሂብወን ሪኢቶ ምሃብ ጀሚረን። ህዝቢ ኣኪብካ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ንምዝታይ መራሕቲ ብምምፀኦም ሓጎስ ከምዝተሰምዐን ብምግላፅ እየን ሓሳበን ምዝራብ ዝጀመራ ነባሪት ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ካራ ዓዲሽዎ ወ/ሮ ድሮይቱ ኣራርሶ። ደጋጊመን “ሃምና ሎሚ ልበለ ድርቂ ርእና ኣይንፈልጥይ” ናበላ ይዛረባ “ቆልዓ ልበልዖ ሸዊት ለይብሉ ልሓይኾ ቃንጫ ለይብሉ ኡ ድርቂ ሎሚ ዘመን” ይብላ ክንደየናይ ከቢድ ምዃኑ እቲ ድርቂ ንምግላፅ ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግና ጉዳይ ቀለብ እንስሳን መስተ ማይን ከምዘጨነቐን ዝተዛረባ በቲ ላዛ ራዩቶት ኣቢለን “ካብ ኩሉ ድላዕሊ ዳሕስበና ናወርቂ ነገር ኡ (ራዮቶት ንከፍቶም ወርቂ፣ ገንዘብ… እናበሉ እዮም ዝፅውዕወን)። ኣብቲ ኣዳራሽ ዝነበረ ህዝቢ ምስ ወግዒ ወይዘሮ ድሮይቱ ከምዝተስማዕምዑ ንምግላፅ ጣቕዒት ኣዕሚሮምዎ።Photo - Tigrai President Abay Woldu in Raya zone drought areas

ኣብ ትግራይ ኣብ ዘመነ ምህርቲ 2007/2008 ብምኸንያት ኢሊኖ ዘምፀኦ ሕፅረት ዝናብ ብድርቂ ዝተጠቕዓ ዞባታት ደቡብ፣ ደቡብ ምብራቕ፣ ምብራቕን ክፋል ማእኸልን እዩ። ቢሮ ሕርሻን ልማዓት ገጠርን ትግራይ ኣብ መፈለምታ ወርሒ ጥቅምቲ 2008 ዘውፀኦ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ እቲ ድርቂ ኣብ 21 ወረዳታት ትግራይ 196 ጣብያታት ሓደጋ ኣብሒኙ እዩ። በዚ ድማ 899,338 ህዝቢ ንሓገዝ ኢዱ ዘርጊሑ እዩ።

እቲ ድርቂ ከጋጥም ከምዝኽእል መንግስቲ ትግራይ ተረዲኡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2007 ዓ.ም ጀሚሩ ምዳላዋት ከምዝገበረ እዩ ኣተሓባባሪ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ቅድመ መጠንቀቕታን ምክልኻል ሓደጋን ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ኣይተ መስፍን ወልዱ ዝዛረቡ። ኣብ ኩሎም ከባቢታት ትግራይ ሳላ ስራሕቲ ጠሊ ዓቀብቲ ዝተኻየደ እቲ ድርቂ ከብፀሖ ይኽእል ዝነበረ ዝኸፍአ ሳዕቤን ክንኪ ኪኢሉ ኢሎም። እቲ ድርቂ ምስ ኣጋጠመ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ መፈለምታ ኣብ ዝነበረ ግዘ 152 ሽሕ ኩንታል እኽሊ ናብ ህዝቢ ከምዝተኸፋፈለ እዮም ተዛሪቦም። እቲ ይወሃብ ዘሎ ሓገዝ ከከም ኩነታቱ ነቲ ዝገደደ እናተመረፀ እዩ ዝወሃብ ዘሎ ኢሎም ኣይተ መስፍን።

ብቐፃሊ ቑፅሪ ተሓገዝቲ ክውስኽ ስለ ዝኸእለ መንግስቲ እኹል ምድላዋት ገይሩ እዩ ኢሎም።

ብር/ምም ኣባይ ወልዱ ዝምራሕ ዑደት ላዕሎት ሓለፍቲ ስራሕ ትግራይ

6 ጥቅምቲ 2008 ኣብ ዞባ ምብራቕ (ወረዳታት ኣፅቢ ወንበርታን ክልተ ኣውላዕሎን) 15 ጥቅምቲ 2008 ኣብ ዞባ ደቡብ (ወረዳታት ራያ ዓዘቦን ራያ ኣላማጣን) 26 ጥቅምቲ 2008 ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ (ወረዳ እንደርታ) ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ዝመርሕዎ ላዕሎት ሓፍቲ ስራሕ ትግራይ ምስ ብድርቂ ዝተጎድኡ ወገናት ዝዘተይሎም ዕለታት እዮም።

ኣብ ወረዳታት ኣፅቢ ወንበርታን ክልተ ኣውላዕሎን ካብ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዝተልዓሉ ሕቶታት ተመሳሰልቲ እዮም።

· ሕፅረት ዝስተ ማይ ንሰብን እንስሳን ኣሎ።

· እንስሳና ንቕልበሉ ተረፍ ፍርያት እኳ የለን።

· ብምኽንያት እቲ ድርቂ ስደት መናእሰይ ወሲኹ።

· ተምሃሮ ትምህርቶም የቋርፁ ኣለዉ።

· ሓገዝ ቀለብ ሰብን እንስሳን ይምፅእ ኣሎ ሕፅረት ግና ኣሎ ጠመተ ይገበረሉ።

ኣብ ወረዳታት ራያ ዓዘቦ ራያ ኣማጣን እንደርታን ዝተልዓሉ ሕቶታት ሪኢቶታን ምቁራፅ ተምሃሮ ብምኽንያት ድርቂን ምውሳኽ ስደትን ኣንፅራዊ ዳሓን እዩ።

· ኣብ ጎልጎል ራያ ዝተዃዓታ ዓሞቕቲ ጎዳጕዲ ኣብ ጥቕሚ ይውዓላ ። ዘሎ ሕፅረት ዝስተ ማይ ንሰብን እንስሳን ከቃልል ስለ ዝኽእል።

· ጉዳይ ቀለብ እንስሳ ዓብዪ ቱኹረት ይገበረሉ። Photo - aid supply in Tigray, Raya zone

· እቲ ንሰብ ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ እኽሊ ኮታ ዋሕዲ ኣሎ።

ኣብ መብዛሕቲአን ከባቢታት ፍልፍል ማይ እናደረቓ እየን ዘለዋ። ማይ ዓቑረን ዝነበራ ጎዳጉዲ እውነ ከምኡ። ንምዕዛብ ኪኢልና ኢና::

ኣይተ ኣባይ ወልዱ ” ብምኽንያት ድርቂ ሰብ ኣይጠምን ኣይመውትን ኣብ መረበቱ ኣብ ዓዱ ክሕገዝ እዩ። ኣድላዪ እንተኾይኑ መንግስቲ ንልማዓት ካብ ዝበጀቱ ቕርሺ ነኪዩ ንምክልኻል ድርቂ ከውዕሎ እዩ” ኢሎም። ምንኣስ ኮታ ሓገዝ እኽሊ ኣብ ቀረባ ግዘ ከም ዝፍታሕ እዮም ተዛሪቦም።

ወ/ሮ ድሮይቱ ኣራርሶ ሓዊሱ ኩሉም ዘልዓልዎ ሕቶ ቀለብ እንስሳት መስተ ማይን ንምፍታሕ ፤ ቀለብ እንስሳት ካብ ዝሓሸ ዘለዎም ከባቢታት ዞባታት ሰሜናዊ ምዕራብን ምዕራብ ብዝተወደቡ መናእሰይ ናብ ተደረቕቲ ከባቢታት ክበፅሕ ክግበር ምኻኑ እዩም ተዛሪቦም።ኣብ መስተ ማይ ግዚያዊ መፍትሒ ብቦጥ ማይ ክከፋፈል ይግበር ኣሎ እዚ ክጠናኸር እዮ። ብተወሳኺ ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ክኳዓቱ ምግባር ዝተዃዓቱ ድማ ናብ ስራሕ ዝኣትውሉ መንገዲ ክፍጠር እዩ ኢሎም ኣይተ ኣባይ ወልዱ።

ስደት ንምክልኻል ልቓሕ ብምምችቻው ስደት ክንኪ ንምግባር ክስራሕ እዩ። ምቁራፅ ትምህርቲ ንምክልኻል ድማ ደብተር ብርዕን ሓገዝ ብምግባር ክስራሕ እዩ ካልእ ተወሳኺ ኣድላዩ ዝበሃል ደገፍ እውን ከምዝግበር ርእሰ ምምሕዳር ኣባይ ተዛሪቦም።

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ከተማ መኾኒ ኣብ ሆቴል ሜዳ ራያ ዝተኻየደ ህዝባዊ ዘተ ብድሕሪ ወ/ሮ ድሮይቱ ኣራርሶ ዕድል ዝተውሃበን ነባሪት ጣብያ ኩኩፍቶ እታ ወረዳ ወይዘሮ ብሪ ከማል 1977 ዓ.ም ዝነበረ ኩነታት እናዘከራ ተጋደልቲ ብረት ተሓንጊጦም ቆሊዑ ሓንጊሮም ህዝቦም ደጊፎም ናብ እኽሊዝርከበሉ ከባቢ ኣብፂሖም።

“መልክዕ ዘለዎ ስደት

ህይወትካ ንምድሓን ብድልየት

ምስ ሙሉእ ክንክን ምስ ህወሓት

ንሓልፎለና ፀገማት “

ዝብል ዜማ ይዝየም ነይሩ ዝበላ ወ/ሮ ብሪ “77 ተሸጊሩ እኳ እቲ ፀልማት ግዜ እዚ ዘመንለ ንሽግሮ የና ምስ መንግስታ” ኢለን ብተስፋ ዘለዎ ኣዘራርበአን።

************

Guest Author

more recommended stories