ኮሓሎ መሲለንስ መንቆሮ – (ንአይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ዝተውሃበ ግብረ መልሲ)

(ኣማኑኤል ገ/ተንሳዔ በየነ [email protected])

አይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ካብ ዘጋጠሞም ቢሮክራሲያዊ ዓንቀፍቀፍ ተበጊሶም ንዝገበሩዎ ሚዛኑ ዘይሓለወን መዕነዋይ ዘረባ ዝተውሃበ ግብረ መልሲ፡፡

ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ዋላ ብኣካል ፍልጦ ኣይሃልወኒ እምበር ከም በዓል ሃፍቲ ትግራዋይ ካፍቶም ዝሕበነሎም ተጋሩ ሓደ ገይረ ይወስዶም ነይረ፡፡ ክሳብ ሐዚ ኣነ ዝፈልጦም ሓቦኛ በዓል ሃፍቲ ትግራዋይ ከምዝኾኑ፣ ሃገርና ኣብ ትገብሮ ናይ ህዳሰ ጉዕዞ ከም መጠን ኢትዮጵያዊን ብፍላይ ድማ ከም ግዱስ ትግራዋይ ከምዝንቀሳቐሱ፣ ንህዳሴ ግድብና ብሚሊዮናት ዝቑፀር ገንዘብ ቦንድ ከምዝዓደጉ፣ ኣብ ናይ ራያ ቢራ ፋብሪካውን ሚሊዮናት ከምዘፍሰሱ ይፈልጥ፡፡ እዚ ብሚድያታት እንትንሰምዕ ድማ ማንም ትግራዋይ ዘይኮርዐሎምን ዘይተሓበነሎምን የለን እንተበልኩ ምግናን ኣይኮንን፡፡ እዚ ብሚድያ እንትሓልፍ ኣብ ዝሓለፍካዮ ኣንታ ከመይ ዝበለ ጅግና ናይ ልምዓት ሓርበኛ እዩ ዘይብል ኣይነበረን፡፡ ስለዚ ናይ ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሄር ዝነበረኒ ስእሊ እዚ እዩ ነይሩ፡፡

ኣብ ፌስቡክ ሓደሓደ ኣዕርኽተይ ብዛዕባ ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ዝተገበረ ቃለ መሕትት ኣልዒሎም ሓሳባት ክለዋወጡ ምስ ረኣኹ ግን፣ እንታይ ድዩ ተባሂሉ ዝብል ናብ ዓይጋ ፎረም ከይደ ምስ ሰማዕክዎ ዘይተፀበኹዎ ነገር ረኺበ፡፡ ደጋጊመ ሰሚዐዮ ደሓር ግን እዚ በዓል ሃፍቲ ዝኾነ ፀገማት ከምዝበፅሖን ዓንቀፍቀፍ ከምዘጋጥሞን ተረዲኤ፡፡ ግን ድማ ካብቲ ዝበፅሖም ፀገማትን ዓንቀፍቀፍን ተበጊሶም ዝገበርዎ ዘረባታት ፀገም ዘለዎምን መደናገርትን መዕነውቲ ኮይኖም ስለዝረኸብኩዎም ከም ሓደ ኣባል ውድብ ህወሓት ናይ ባዕለይ ምላሽ ክህብ ኣለኒ ኢለ ተበጊሰ ኣብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ኣትኲረ ፅሒፈ ኣለኹ፡፡

ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ካብ ዝተዛረቡዎም ዘረባታትን ንዓይ ንኽፅሕፍ ካብ ዝደፋፉኡኒ ነጥብታት ንምጥቃስ ዝኣክል፡-

· መሳፍንቲ ትግራይ ተውሳኾም ሽም እምበር መሳፍንቲ ኣይነበሩን፣

· ህዝቢ ትግራይ ካብ ቃልሱ ተጠቒዑ እምበር ኣይተጠቐመን፣ ካልኦት እዮም ተጠቒሞም

· ኣብ ትግራይ ዝናብ ማይ ኣዕቒርካ ንትግራይ ምቅያር ይከኣል እዩ፡፡ ግን እዚ ንምግባር ሰላምን ኣርሒቑ ዝሓስብ መራሒን የድልያ ነዚ ትግራይ ኣይተዓደለትን

· መራሕቲ ወያነ ናይ ህዝቢ ፀገም ምፍታሕ ጉዳያቶም ኣይኮነን ንሚኒስተር ዶ ንስልጣን እዮም ዝጋየዩ ዘለው ?

· ሓደ ቢሊዮን ብር ግብሪ ምእካብ ካብ ትግራይ ወንጀል እዩ

· ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘመነ ወያነ ማይ ፀሚኡ

· እዚ ናይ ወያነ መንግስቲ መንነቱ ኣይፈልጥን ብኣምሓርኛ፣ ብኢንግሊዝኛ ፍቓድ ይህብ

· ነጋዶ ትግራይ ዕንቅፋት ይበፅሖም ኣሎ ክሰርሑ ዝጀመሩ ይእሰሩ ኣለዉ

· ምትኽኻእ ናይ ሰባት ዘይኮነ ናይ ፊሎዞፊ

· እንደገና ኣብ ናይ ውሽጢ ውድብ ኣመራርፃ ማእከላይ ኮሚቴን ፖሊት ቢሮን እውን ክሕምዞቕ ሰሚዐ

· ብዛዕባ ትካላት ትእምት

· ብዛዕባ ስደት

ዝብሉ ነጥብታት ዘለዎም ናይ ሰዓትን ፈረቓን ሰፊሕ ቃለመሕትት ኣቅሪቦም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝገበሮ መሪር ቃልሲ ተጠቒሙ ድዩ ተጎዲኡ ንምርዳእ መበገሲን ድሕረ ባይታ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ይመስል ነይሩ ከምኡውን እቲ ቃልሲ ኸ እንታይ ዕላማታት ሒዙ እዩ ተበጊሱ ዝብል ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ፡፡ ቀፂሉ ቅድሚ ናብቲ ምላሽ ምእታው እዞም ዕላማታት ቃልሲ ህዝቢትግራይ ተዓዊቶም ዶ ኣይተዓወቱን ዝብል ንምርኣይ ክፍትን እየ፡፡

መበገሲ ዕላማታት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ነይሩ?

ህዝቢ ትግራይ ንዘመናት ኣብ ድሕረትን ድኽነትን እንትነብር ኣሜን ኢሉ ዝተቐበለሉ እዋን ኣይነበረን፡፡ ናብዚ ፀገም ንዘእትውዎ ስሱዓት ገዛእቱ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ብውልቀን ብዝተወደበን ክቃለሶም ፀኒሑ እዩ፡፡ ኣብዚ ክጥቀስ ዝኽእል ሓደ ቀዳማይ ወያነ እንትኾን፣ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ካብ ደቡብ ክሳብ ምብራቅ ዘሎ ሆ ኢሉ ኣንፃር እቲ ዘውዳዊ ስርዓት ተላዒሉ፣ ብደብዳብን ጨፍጫፍን ዘውዳዊ ሰዓትን መንግስቲ ኢንግሊዝን ንጊዚኡ እንተፈሸለውን እቲ ቃልሲ ተዶጒሉ እምበር ኣይጠፍአን፡፡

ድሕሪ ምፍሻል ቀዳማይ ወያነ፣ እቲ ዝነበረ ወፅዓን መግዛእቲን ብዝበኣሰ ኩነታት ቀፂሉ፣ ካብቲ ዝነበረ ድኽነት ኣዚዩ ናብ ዝኸፍኣ ድኽነት ክኣቱ ብጥምየት፣ ብተላበድቲ ሕማማት፣ ብማሃይምነት ክሳቀ ተፈሪድዎ፡፡ ብላዕሊ ብገዛእቲ ደርቢ ኣምሓራ ብታሕቲ ብኮራኹርን ሓለውቲ ማዓኮር ዘውዳዊ ስርዓት ዝኾኑ ካብ ኣብራኹ ብዝወፁ ሱሱዓት ገዛእቲ ሰንሰን ክብልን መመሰሊ ሕመቓትን ድሕረታትን ተገይሩ እናተዋረደ ፀኒሑ እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዝነበሮ ክፉእ ናብራ ተላቂቑ ዴሞክራሲያዊን ሰብኣዊን መሰላቱ ኣኽቢሩ ክነብር ዝኽእል ቃልሱ ብምሕያል ጥራሕ ከምዝኾነ ብምእማን፤ ካብ ሕሉፍ ዝገበሮም ቃልሲ ኣንፃር ገዛእቱ ብዝርዝር ገምጊሙን ተማሂሩን ዳግም ቃልሲ ኣብ ደደቢት ብምውላዕ ኣንፃር ደርጊ ቃልሱ ጀሚሩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ትምክሕቲ ቃልሲ እንትጅምር ንትምክሕቲ ብምፍራስ፣ ንትምክሕቲ ተኪኡ ሕነ ንምፍዳይን ናይ ካልኦት ኣሓት ብሄር ብሄረሰባት መሰል ንምርጋፅን ዘይኮነስ

· ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ብምህናፅ ኣብ ሃገሩ ከምዜጋ መጠን ማዕረ ዕድልን ተሰማዕነትን ሃሊዮዎ ምስ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብዘይምንም ኣፈላይ ማዕርነቱ ኣረጋጊፁ ክነብር፣

· ብዘይምንም ኣድልዎ ክልሉ ዘልምዐሉ፣ ባህሉ ዘማዕብለሉ፣ ብቋንቋኡ ዝመሃረሉን ዝዳነየሉን ስርዓት ንምህናፅኽ፣

· ህዝቢ መማረፅታት ቀሪቡሉ ብነፃነት ዝደለዮን ይኾነኒ ዝብሎን ፓርቲ/ስርዓት ዝመርፀሉን ናብ ስልጣን ዘምፀአሉን፣ ዘይተሰማምዖን ዘይደለዮን ፓርቲ ከዓ ብነፃ ምርጫ ብካርዱ ዝነፅገሉ ስርዓት ንምህናፅ እዩ ነይሩ፡፡

መንእሰይ ትግራይ ኣብ ክሊ እዚ ህዝባዊ ዕላማ እዚ ዓሲሉ ቃልስና ነዊሕን መሪሪን እዩ ዓወትና ናይ ግድን እዩ ኢሉ ንመስዋእቲ ቖሪፁ ብምብጋስ ኣነ ፈንጂ ረጊፀ ንስኹምን መፃኢ ወለዶን ግን ዕላማ ውድብኩም ኣብ መወዳእታ ኣብፅሑ ኢሉ ብመስዋእቲ እናተቐባበለ ዝተቃለሰን ኣብዚ ዘብፀሐን እዩ ነይሩ፡፡

ኩሉ ተጋዳላይ ህወሓት ሚኢቲ ዓመት ዝተሃነፀ ናይ ትምክሕቲ ስርዓት ከፍርስ እንትብገስ፣ ንደርጊ ኣብ ሓፂር እዋን ደምሲሰ ብብሂወት ተመሊሰ ናይ ሚኒስተርነት ስልጣን ክሕዝ እየ ኢሉ ዝሓስብ ዋላ ሓደ እኳ ኣይነበረን እንተተብሃለ ምግናን ኣይኮነን፡፡ ነዚ እውን እዩ ቃልስና ነዊሕን መሪርን እዩ ዓወትና ናይ ግድን እዩ ኢሉ ዝተበገሰ፡፡ ብካሊእ ኣበሃህላ ኩሉ ተጋዳላይ ህወሓት ንመስዋእቲ ዝወፁ እምበር ኣነ ስልጣን ክሕዝ ኢሉ ዝወፀ ኣይነበረን፡፡ ኣብ ዝተናወሐ ብረታዊ ቃልሲ መፃኢ ወለዶ ነቲ ቃልሲ ኣጎሃሂሩ ብምቕፃል ንዓዎት ክበፅሕ ኢዩ ብዝብል ጥራሕ እዩ ነይሩ፡፡

Photo - Ethiopian investor Dawit Gebre-egziabher
Photo – Ethiopian investor Dawit Gebre-egziabher

እሞ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዝገበሮ መሪር ቃልሲ ተጠቃሚ ዶ ተጠቃዒ?

ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ነዚ ልምዓታዊን ዴሞክራሲያዊን ስርዓትና ምስ ዝሓለፉ ስርዓታት ብፍላይ ምስ ናይ ጃንሆይ ስርዓት እናወዳደሩ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘመን ወያነ ኣብ ትምህርቲ፣ ኣብ ጥዕና፣ ኣብ ማይ መስተ፣ ኮታስ ኣብኩሉ መዳያት ከምዝኸፍኦ ተዛሪቦም፡፡ እሞ እቲ ሓቂ እንታይ ይመስል?

ኣብ ዴሞክራሲያ መሰላት

ሳላ መላእ ህዝቢ ትግራይን ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያን ነቲ ቃልሲ ደጊፉ ዝተንቀሳቐሰ፣ እቲ ቃልሲ ካብቲ ዝተሓሰበሉ ብዝሓፀረ እዋን ብናይ ህዝቢ ከቢድ መስዋእቲ ደርጊ ክድምሰስ ኪኡሉ፡፡ ድሕሪ ምድምሳስ ደርጊ እተን ተዓጊተን ዝነበራ ስብኣዊን ዲሞክራሲየሃዊን መሰላት ህዝቢ ኩለን ተፈቲሐን ፡፡

· መሰል ብሄር በሄረሰባት ብዘይ ምሽርራፍ ክሳብ ምንፃል ተረጋጊፁ፡፡

· ብሄር ብሄረሰባት ባህሎምን ቋንቋኦምን ዘማዕብልሉ፣ ክልሎም ዘልምዕሉ፣ ብቋንቆኦም ብዘይ ስክፍታን ምሽቑራርን ዝዛረቡሉ፣ ዝፅሕፍሉ፣ ዝማሃሩሉ፣ ዝዳነይሉ መሰል ተግባራዊ ምግባር ተጀሚሩ፡፡

· ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና ናይ ባዕሎም ክልል ብዝመረፅዎም ኣመሓደርቲ ዝመሓደሩሉ ዘይኣመኑሎም ነቂፎም ብካርዶም ዘውርድሉ መሰል ኣረጋጊፆም ፡፡

· ሃገርና ካብ ናይ ስዮመ-እግዚኣብሄር ኢየ በሃልቲ ዘውዳዊ ስርዓትን ወይከዓ ካብ ብብረት ሓይሊ ብሕታዊ መራሕቲ ኢና በሃልቲ ደርገ-ኢሰፓ ስርዓት ተናጊፉ ናይ መድብላዊ ፓርት ስርዓት ሃኒፁ

· ክትውደብ ክትፅሕፍ ክትቃወም ይትረፍ ክልተ ሰለስተ ብሓባር ኣብ ኣደባባይ ክትንቀሳቀስ ዘይፍቀደላ ዝነበረት ሃገር፣ ሐዚ ሳላ ወያነና ናይ ምውዳብ፣ ሓሳብካ ብነፃነት ናይምግላፅ፣ ሰለማዊ ሰልፊ ናይ ምውፃእ፣ ናይ ምቅዋም መሰላት ተረጋጊፆም ተግባራዊ ብምግባር ካብ ጊዜ ናብ ግዜ እናማዕበሉ እና ዓሞቑ ይኸዱ አለው፡፡

ድምር ኣቢልካ እንትረአ ህዝቢ ትግራይ ዝተቃለሰ ዕላማታት ኩለን ረኺቡዎን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናማዕበለን ይርከብ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ምስ ብሄር ብሄረሰባት ሃገርና ማዕረ መሰልን ዕድልን ረኺቡ ከም ዓቕሙ ኣብ ሜዳ ትራንስፎርሜሽን ይጎዪ ኣሎ፡፡ ናይ ሓደ ቃልሲ ዕውትነት ዝዕቀን፣ ክንደየናይ እቶም ዝተቐመጡ ዕላማታት ኣብ ሸቶኦም ዊዒሎም እዩ፡፡ ስለዚ ካብዚ ምርዳእ ዝከኣል ህዝቢ ትግራይ ዘቐመጠን ዕላማ ብምዕዋቱ ካብ ቃልሱ ተጠቃማይ ምዃኑ እዩ፡፡

እሞ እዚስ ብምንታይ ምኽንያት እዩ ህዝቢ ትግራይ ብቃልሱ ተጠቃዒ ኮይኑ ዝበሃል?

ኣብ ሰላምን ልምዓትን

ታሪክ ሃገርና ክንርኢ ከለና ኲናት ዘይፍለየላ፣ ድርቅን ጥሜትን ብተደጋጋሚ ዝረኣየላ፣ ህዝቢ ብጥምየት፣ ድርቅን ኲናትን ዝሃልቀላ ከምዝነበረት ናይ ቀረባ ጊዜ ትውስታ እዩ፡፡ ሳላ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኢትዮጵያን ግን እዚ ኣብቂዑ ኣፈላላያትና ብሰለማዊን ዲሞክራሲያዊን መንገዲ ዝፍተሐሉ ስርዓት ተዘርጊሑ ህዝቢ ዝኣመነሉን ዝተቀበሎን ሕገ-መንግስቲ ፀዲቁ፣ እነሆ ንዝሓፉ 24 ዓመታት ብጀካ ናይ ኢትዮ-ኤርትራ ናይ ዶብ ኲናት ክም ሃገር ሰላምን ምርግጋዕን ዝነገሳ ሃገር ክንውንን ክኢልና፡፡ ብሄር-ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና ማዕርነቶም ተረጋጊፁሎም ሰላምን ምርግጋፅን ዝነገሰላ ሃገር ብሒቶም ኣብ ወፍሪ ሃይሃይታ ልምዓት ኣትዮም ይርከቡ፡፡

እሞ ኣይተ ዳዊት ገ/ዚር ደኣ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ኣይተዓደለን ዝበልዎ ካበይ ኣምፂኦምዎ?

ድኽነት ምቕናስ

ብድኽነት መዳዩ ሃገርና ካብ ዓለም ናይ ድኻታት ድኻ ከምዝነበረት ዝፍለጥ ጉዳይ እንትኾን፣ ትግራይ ድማ ካብ ኢትዮጵያ እቲ ዝኸፍአ ድኽነት ዝግለፀላ ከምዝነበረት ማንም ዘይኽሕዶ ሓቂ እዩ፡፡ ብሃገር ደረጃ መጠን ድኽነት ኣብ 40ታት% እንዳሃለወ ናይ ትግራይ ግን ዳርጋ ካብ 50% ክሳብ 60% ዝፅጋዕ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሚሒር ድኽነት ይነብር ከምዝነበረ መረዳእታታት ይሕብሩ፡፡ በዚ ምኽንያት እውን እዩ ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ቆራዲድ ገዛእቲ ደቂ ዓዱን ናይ ሽዋ ዘውዳዊ ስርዓትን ተቃሊሱ ዘፍረሰን ኢሉውን ንደርገ-ኢሰፓ ከፍርስ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረን፡፡

እቲ ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ምስ ናይ ጃንሆይ ስርዓት ኣነፃፂሮም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘመነ ወያነ ከፊኡዎ ኣሎ ዝበልዎ፣ ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ካብ ዘለዎም መሪር ቂምን ፅልኣት ዝተበገሰ ናይ ባህ ኣይበሎም ዘረባ እምበር ኣብ መሬት ዘሎግን ከምኡ ኣይኮነን፡፡

ደረጃ ድኽነት ኣብ 1996 ናብ 39% እንትወርድ ሀዚ ኣብ 2007 ዓ.ም. መወዳእታ ከዓ ናብ 22% ክወርድ ትፅቢት ይግበር፡፡ ብኻልእ ኣባሃህላ እቲ ብዓለም ደረጃ ዝተትሓዘ ድኽነት ብፍርቂ ምቅናስ ዝብል ሸቶ (MDG)፣ ሃገርና ብዓወት ዘረጋገፀቶ እንትኾን ብፍላይ ትግራይና ድማ ምስቲ ዝነበረ ዝኸፍአ ድኽነት እንትረአ ዝሓሸ ስራሕ ስለዝተሰርሐሉ ሕዚ መጠን ድኽነት ካብቲ ማእኸላይ ናይ ሃገራዊ መጠን ዝተሓተ ብርኪ ምብፅሑ ይበል ዘብል ጉዳይ እዩ ዘሎ ኣብ ትግራይ፡፡ እዚውን ሳላ በሊሕን ኣርሒቁ ዝእምት ኣመራርሓ ወያነ ዝተረጋገፀ ውፅኢት ትግራይ እዩ፡፡

እሞ ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ደኣሞ ብምንታይ ገምጋም እዩ ትግራይ ኣርሒቁ ዝርኢ መራሒ ኣይተዓደለትን ዝበልዎ?

ብዘመን ወያነ ትግራይና ለሚዓ ዶ ኣይለምዐትን

ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘመን ወያነ ከፊኡዎ፣ ጥዕና ግልጋሎት ሲኢኑ፣ ፅሬት ትምህርቲ ስኢኑ፣ ማይ ፀሚኡ፣ ወዘተ ብሓፈፃ ህዝቢ ከፊኡዎ መሪርዎ እዩ ዘሎ ኢሎምና፡፡ እሞ እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ እንታይ ይመስል? ምስ ናይ ጃንሆይ ስርዓት ገዲፍና ኣብ ቀዳማይ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርሜሽንን ህዝቢ ትግራይ እንታይ ረብሓታት ረኺቡ ዝብል ምፍላጥ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ቅንጭብ ቅንጭብ ኣቢልና እስኪ ንርአ፡-

ኣብ ዝሓለፉ 24 ዓመታት ኢትዮጵያ ወይ ከዓ ትግራይና ኣብ ዘመና ሪኣቶ ዘይትፈልጥ፣ ንዓለምና ዘደነቐ፣ ቅልጡፍ፣ ህዝቢ በቢደረጅኡ ተጠቃሚ ዝገበረን ቀፃልነት ዘለዎ ልምዓት ኣረጋጊፅና ኢና፡፡ ኢትዮጵያ ወይከዓ ትግራይና ለሚዓ ክንብል ከለና ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ወይ ከዓ ኣብ መቐለ ዘለዉ ህንፃታት ብምቑፃር ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ለሚዕና እንትንብል፡-

· ብጃንሆይ ጊዘ ህዝቢትግራይ ከይመሃር ተፈሪዱዎ፣ ደቂ መሳፍንቲ ጥራሕ ዝመሃርሉ ዝነበረ ጊዘ ብቃልሲ ተለዊጡ ሐዚ ልዕሊ ርብዒ (25%) ህዝቢ ትግራይ ኣብ መኣዲ ቤት ትምህርቲ ክርከብ ስለዝገበርና እዩ፣

· ናብ ዩኒቨርሲቲታትን ኮሌጃትን ዝኣቱ ዝነበረ ብኣማኢት ዘይቑፀር መንእሰይ ሐዚ ሳላ ወያነ ናይ ትግራይና ጥራሕ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቁፀር መንእሰይ ናብ ዩኒቨርሲቲታትን ቴክኒክን ሞያን በቢዓመቱ ክስልጥን ብምግባርና እዩ፣

· ዋላ ሓንቲ መሰልጠኒ ማእኸል ዘይነበራ ትግራይና ሐዚ ሳላ ወያነ ሰለስተ ዩኒቨርሲቲታትን ልዕሊ 100 ናይ ግልን ናይ መንግስትን ኮሌጃትን መሰልጠኒ ማእኸላትን ክትውንን ስለተገበረ እዩ፡፡

· መንገዲ መዓልቲ ተጓዒዙ ማይ ዝሰቲ ዝነበረ ህዝቢ ኣብ ቀረባኡ ማይ ክረክብ ብምግባር ጊዜኡ ክቁጥብን ናብ ልምዓት ከዙሮን ብምኽኣሉ፣ ዝስተ ማይ ሽፋን ኣብ 2002 ዓ.ም. 54% (ኣብ ገጠር 50% ኣብ ከተማ 65%) ዝነበረ ኣብ 2006 73% (ኣብ ገጠር 70% ኣብ ከተማ 88%) እንትበፅሕ ሐዚ ድማ ኣብ 2007 መወዳእታ ብማእኸላይ 93% ክበፅሕ ብምግባርና እዩ፣

· ብቀለልትን ከበድትን ሕማማት ዝረግፍ ዝነበረ ህዝቢ ዓርሱ ክከላኸልን ካብኡ ዝሓለፈ ከዓ ኣብ መረበቱ ናይ ጥዕና ኬሌታት ብምጥያሽ ክሕከምን ጥዕናኡ ክሕሎው ምግባርን ብምኽኣልና እዩ፡፡

· ሞት ኣዴታትን ኣብ 1998 ዓ.ም. ኣብ 100 ሽሕ ብሂወቶም ዝውለዱ ህፃናት 653 ኣዴታት ዝሞታሉ ዝነበረ ሐዚ እዚ ናብ 266 ምቅናስ ብምኽኣልና እዩ፡፡

· ገባርና ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ክውንን ብምግባር መፍረይነትና ካብቲ ዝነበሮ 7 ሚልዮን ኩንታል ናብ 38 ሚልዮን ኩንታል ክበፅሕ ብምግባርና እዩ፡፡

· ናብ ሕድሕድ ጣብያ መንገዲ ብምስራሕ ኣንቡላንሳት ክኣትዋን ጥኑሳት ኣብ ሕክምና ክወልዳ ብምግባርና እዩ፣ በቲ ፅርግያ ፍርያት ገባር ናብ ዕዳጋ ክበፅሕ ብምግባርናን ናይ ትራንስፖርት ተበፃሒነት ስለዘስፋሕናዮ እዩ፡፡

ለሚዕና እንትንብል ፀላእን ፈታውን ዝመስከሮ ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ብማእኸላይ 11% ዕብየት ብምምዝጋብና እዩ፡፡ ዓመታዊ ነብሲወከፍ ኣታዊና ካብ 100 ዶላር ናብ 700 ዶላር ክበፅሕ ብምግባርና እዩ፡፡ ፍልፍል መረዳእታ ሰነድ ገምጋም 1ይ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርሜሽንን ክልል ትግራይ፡፡

እቲ ሓቂ ከምቲ ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሄር ኣብ ቃለ መሕትቶም ዝበልዎ ‘‘ህዝቢ ትግራይ ሰኣን ሰላምን ሰኣን ኣርሒቁ ዝርኢ መራሒን ክትቅየር ኣይከኣለትን’’ ዘይኮነስ፣ ትግራይና ዋላውን ኢትዮጵያ ሳላ ቅኑዕ መስመራት ውድቡ ህወሓት/ኢህወዴግ፣ ሳላ በሊሕን ኣርሒቁ ዝጥምት ኣመራርሓ ውድቡን፣ ሳላ ውፉይ ኣባል ውድብን፣ ሳላ ሁርኩት ሰራሕተኛን ህዝብን ኣብ ፈጣን ጉዕዞ ትራንስፎርሜሽን ትሕፀን ኣላ፡፡

እሞ ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ነዚ ደኣ ከመይ ገይሩ ምርኣይን ምስትውዓልን ኣብዩዎም? ብሱሩ ኸ ደርባዊ ቦታኦም ኣበይ እዩ?

ኣይተ ዳዊት ገ/ሄር እዚ ዝኒሀናዮ ስርዓትስ ከመይ ገይሩ ምስ ናይ ጃንሆይ ስርዓት ይወዳደር? ንነገሩ ሓቆም ብጃንሆይ ጊዜ መሳፍንቲ ናይ ሽዋ እምበር ናይ ትግራይ መሳፍንቲን ተውሳኾም ንህዝቢ ትግራይ እንታይ ዶ በዲሎምዎም እዮም ኢሎም ብምጅማሮም ኩሉ ተወዲኡ ደርባዊ ቦታ ኣይተ ዳዊት ገ/ሄር ኣብ ተርፍመረፍ ዘውዳዊ /ፊውዳል ሙኳኑ ባዕሎም ብንፁር ኣቐሚጦምዎ ኣለው፡፡ ካብ ተረፍ መረፍ መሳፍንቲ እንታይ ዶ ትፅበ ኢኻ? መሳፍንቲ እኮ ህዝቢ ዝብልዎ ነቲ ናይ ባዕሎም ዘመድ ኣዝማድ እምበር ንቲ ህዝቡ ደኣ ዓዃይን ከም ሰብ ዘይረአ ገይሮም እንድዮም ዝወስድዎ፡፡ ንመሰሉ እንትሓትት ዓዃይ ፀጊቡ እንድዮም ዝብልዎ፣ ከመይ ገይሮም ፀገማት ህዝቢ ክርደኦም፡፡

ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ገንዘብ ዘለዎም በዓል ሃፍቲ እንተኾኑ ኩሉ ዝፈለጡ መሲልዎም ብዙሕ ዘረባ ሰሚዕና ግን ገንዘብ ምሓዝ ማለት ኩሉ ትፈልጥ ማለት ኣይኮነን፡፡ ናይ ህዝቢ ፀገም ንምፍላጥ ገንዘብ ምሓዝ፣ በዓል ሃፍቲ ምዃን ኣይኮነን መዐቀኒኡ፣ ድሌት ህዝቢ ዝፈልጥ ህዝባዊ ውግንና ዘለዎ፣ ህዝቢ እንትጠሚ ዝጠሚ፣ ህዝቢ እንትፀግብ ዝፀግብ፣ ህዝቢ እንትኸፍኦ ዝኸፍኦ፣ ህዝቢ እንትሕጎስ ዝሕጎስ እዩ፡፡ ናይ ኣይተዳዊት ገ/ዚሀር ግን ካብዚ ወፃእ እዩ፡፡ እቲ ደርባዊ ቦቶኦም ስለዘይፈቕደሎም ህዝቢ እንትፅገም ፅቡቕ ነይሩ ኢሎምና ሐዚ ድማ ህዝብና ናይ ሰላምን ልምዓትን ሃገር ወኒኑ እንትንብል ኖ ካብ ማንም ንላዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብወያነ ከፊኡዎ ይብሉና፡፡

እሞ ናይብሓቂ ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀርስ ህዝባዊ ፍቕሪ ሃሊዩዎም ድዩ እዙ ኹሉ ዘረባ ዋላስ ካሊእ ሕቡእ ኣጀንዳ ኣለዎም?

ህዝቢ ትግራይ ዝረብሐን ዘይረብሖን ብደንቢ መሚዩ ዝፈልጥ ህዝቢ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንውድቡ ህወሓት እንትመርፅ መማረፂ ስኢኑ ኣይኮነን፣ ካብ ዝቐረቡሉ 6 መማረፂታት ናብ ፅፍሪ ህወሓት ዝፅጋዕ ስለዘይነበረን እቲ ዝሐሸ መማረፂ ህወሓት ጥራሕ ስለዝኾነ እዩ፡፡ እምበር ከምቲ ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ዝብልዎ ዝበሉ ውድባት ነይሮም፣ ዋላውን 17 ዓመት ተቃሊስና ኢና ዝበሉ ብተግባር ዝኸሓዱ ጠላማት (ዓረና) እውን ነይሮም፣ ናይ ኢዴህ ተረፍመረፍ እውን ነይሮም ግን ወይከ ድሌት ህዝቢ ዝርደኦም ስለዘይኮኑ ህዝቢ ረጊሑዎም፡፡

እስኪ ሓንቲ ሕቶ ክሓቶም፣ ፀገማት ጥዕና ናይ ከተማ ዓድዋ ኣልዒሎም ኣነ ብወገነይ ፀገም የለን ዝብል መበገሲ የብለይን ግን ምስ ናይ ጃንሆይ ስርዓት ከመይ ገይሩ ይነፃፀር? ብጃንሆይ ጊዘ ብሓቂ ህዝቢ ዓድዋስ ዶክተር ይረክብ ነይሩ? ብጃንሆይ ጊዘ ህዝቢ ዓድዋ ፁሩይ ሕክምና ይረክብ ነይሩ? ህዝቢ ዓድዋ ኣብ ሕክምና ዝተመጣጠነ ምግቢ ይረክብ ነይሩ? መንግስቲ ጃንሆይስ ንከተማታት ማይ የቕርብ ነይሩ? ኣብዚ ብጣዕሚ ዘሕዝን ቃለ መጠይቅ እየ ሰሚዐ፡፡ እዚ እኳ ህዝቢ ዓድዋ ባዕሉ ምላሽ ይሃበሉ፡፡

ማንም ትግራዋይ ከም መጠን ትግራዋይ፣ ትግራዋይ በዓል ሃፍቲ ክፍጠርን ኣብ ዓዱ ኢንቨስት ክገብር ይደሊ ይምነ፣ ክንዲ ዝከኣል ድጋፍ ክገብርን ኣብ ምፍታሕ ፀገማቱ ክዋሳእን ይደሊ፡፡ ውድብናን መራሕቲ ውድብናን ኣብ ትግራይ ዝግበር ኢንቨስትመንት ዋላውን ኣብ ዝኮነ ከባቢ ሃገርና የበረታትዑ፡፡ ኣይኮነን ዶ ወዲ ዓድና ካብ ደገውን ለሚንና ነምፅእ አለና ኣብ ቴክስታይል ዝኸድናዮ ክያዶ ሓደ ኣብነት እዩ፡፡ ብምዃኑውን ኣይተ ዳዊት ገ/ሄር ንዝገበርኩምዎ (investment) ኣብ ራያ ቢራ ዓብይ ክብሪ አለና፡፡

ግን ሓደ ሕርኽርኽ ዝበለኒ ኣብቲ ቃለመሕትት ሰሚዐ እሱውን ራያ ቢራ እንትነጣይሽ ንህዝቢ ትግራይ ኢለ እየ እምበር ንትርፊ ኢለ ኣይኮንኩን ዝብል እዩ፡፡ እሞ እንካብ ቢራ ፋብሪካ እታ ዝረኣይዋ ናይ ዓድዋ ሆስፒታል ዶ ምምሕያሽ ኣይመሐሸን? ኢለ ንባዕለይ ሓቲተ፡፡ ግን እዚ ክብል ከለኹ ንምንታይ ራያ ቢራ ተጣይሸ ካብ ዝብል ኣይኮንኩን፡፡ ሐዚ ኣብ ሃገርና ናይ ገንዘብ ሕፅረት ተዘይኮይኑ ቢራ ፋብሪካ ብጣዕሚ እዩ ዘዋፅእ፡፡ እተን ዘለዋ ፋብሪካታት ነቲ ጠለብ ህዝቢ ከማልኣ ኣይካኣላን፡፡ ስለዚ ቢራ ፋብሪካ መትረፋይነቱ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡ ዝጣየሽ ዘለዋ ሓደሽቲ ፋብሪካታት ቢራ ትርፈን ፈሊጠን አረ ገሊአንስ ኣብ ዓመት 40% ትርፊ ክንህብ ኢና እናበላ እየን ኣክስዮን ዝሸጣ ዘለዋ፡፡

ካሊእ ካብ መጠይቕ ኣይተ ዳዊት፡-

‘‘እዚ መንግስቲ ወያ እንታይ ዓይነት መንግስቲ፣ መንነቱ ዘይፈልጥ መንግስቲ ፍቃድ ብኣምሓርኛን ብኢንግሊዝኛን ይህብ’’ …..

ካሊእ ዝገረመኒ ነገር እንተሃለወ ካብ ሓደ ዓለም ለኻዊ በዓል ሃፍቲ ዘይትፅበዮ ፀቢብ ኣተሓሳስባ ኣብቲ ቃለ-መሕትት ዝሰማዕክዎ እዩ፡፡ እሱውን እዚ መንግስቲ ወያ እንታይ ዓይነት መንግስቲ፣ መንነቱ ዘይፈልጥ መንግስቲ ፍቃድ ብኣምሓርኛን ብኢንግሊዝኛን ይህብ ዝብል ነይሩ፡፡ ኣይተ ዳዊት ገ/ሄር ብውነኦም ድዮም እዚ ተዛሪቦም ዋላስ ብሚሒር ቂምን ቅሬታን ዓዊሮም እዮም ተዛሪቦምዎ? ዝብል ሕቶ መፂኡለይ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ዝታቀለሰ ብቋንቋኡ ናይ ምጥቃም፣ ናይ ምምሃር፣ ናይ ምፅሓፍ ከምኡውን ቋንቋኡ ናይ ምምዕባል መሰሉ ንከረጋግፅ እምበር ናይ ሃገርና ይኩን ናይ ዓለም ለኸ ቋንቋታት ኣብ ትግራይ ከይፀሓፍ፣ ከይዝረቡ፣ መንግስቲ ብሕጊ ክኽልከሎም ኣይኮነን፡፡ ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝኾነ ከባቢታት ሃገርና ብደስ ዝበሎ ቋንቋ ምዝራብን ምፅሓፍን መሰሉ እዩ፡፡ ብፍላይ ሐዚ ሃገርናን ክልልና ንምልማዕ ናይ ወፃእ ቀጥተኛ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ኣብ እንገብሮ ፃዕሪ ብትግርኛ እንተዘይፀሓፍካ ወይከዓ ብኣማሓርኛ ኦሮምኛ ወይ ብኢግሊዝኛ እንድሕር ትፅሕፍ ፍቃድ አይንህበካን እንድሕር ንብል እንታይ ማለት እዩ እዚ? እሞ ድማ ብኣምሓረኛን ብእንግኢዝኛን ፍቃድ ብምሃቡ መንነቱ ዘይፍለጥ መንግስቲ ክበሃል እዚ ዓገብ ብስለት ዘይብሉ ምስ ናይ 21 ክ/ዘ ፣ ምስ ግሎባላይዜሽንን ምስ ናይ ናፃ ዕዳጋ ዘይኸድ ኣተሓሳስባ እዩ፡፡

መንግስቲ ወያነና ኣብቶም ቀንዲ መትከላት ብቋንቋኻ ምዝራብ፣ ምምሃር፣ ምድናይ ግን ኣይተደራደረን፡፡ ህዝብና ክሳብ 8 ክፍሊ ብቋንቋኡ ክመሃር፣ ናይ ክልልና ናይ ስራሕ ቋንቋ ትግርኛ ክኾን፣ ቋንቋና ንምምዕባል ዓቅሚ ብዝፈቐዶ ናይ ኪነጥበባት ኮሌጅን ማሕበራትን የበረታትዕን ይድግፎን ኣሎ፡፡ ካብዚ ወፀኢ ግን ከምዚ ዘይለጠፍካ ከምዚ ዘይፀሓፍካ እናበልካ ልምዓት ምስላጥ ኣይከኣልን፡፡ ኢንቨስተራት ምስሓብ ኣይከኣልን፡፡ 

 

ኣብ ክራይ ኣካብነትን ግብሪ መንግስቲ ምኽፋልን

ግብሪ መንግስቲ ምኽፋል ካብ ማንም ንላዕሊ ተጣባቓይ ኮይኑ ክመፅእ ዘለዎ እቲ ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ግብሪ መንግስቲ ዘይምኽፋል ማለት ነቲ ናፃ ዕዳጋ ምዝባዕ ማለት ስለዝኾነ፡፡ ናፃ ዕዳጋ ተዛቢዑ ማለት ከዓ ክራይ ኣከብቲ እንትልምልሙ ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ ከዓ ምውድዳር ተስኢንዎ ይኸስር ብኡ ገይሩ ይኸስም ማለት እዩ፡፡ ስለስኾነውን ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት እተን ናይቲ በዓል ሃፍቲ ውዳበታት ከምኒ (Chamber of Commerce) እዚ ናይ ናፃ ዕዳጋ ከይዛባዕ ጠንኪረን ይሰርሓ፡፡ ከምዚ ናትና ኣይኮናን ንኹሉ /ብኣግባቡ ንዝኸፍልን ብኣግባቡ ንዘይኸፍልን/ ዝጣበቓ፡፡ ስለዚ ግብሪ መንግስቲ ቀንዲ መሳርሒ ናፃ ዕዳጋ እዩ፡፡ ኣነ ዘግረመለይ ግን ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት ዝስማዕክዎ መንግስቲ ትግራይ 1 ቢልዮን ግብሪ ክእክብ እየ ኢሉ እዚ ከዓ ወንጀል ከምዝኮነ እንትዛረቡ፣ ካብ ሓደ ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ ዝበሃል ኣንደበት ክስምዕ ከለኹ ደንፂዩኒ፡፡

ግብሪ ምኽፋል ኣብ ዝኾነ ሃገር መሰል ዘይኮነስ ግቡእ እዩ፡፡ ነዚ ዝቃወም ከዓ ክራይ ኣካቢ ጥራሕ እዩ፡፡ ኣብዛ ሃገር ቀንዲ ናይ ልምዓት ተዋናይ ኮይኑ ዘሎ መንግስቲ እዩ፡፡ መንግስቲ ዝእክቦ ዘሎ ግብሪ ኣብ ልምዓት ከምዘውዕሎ እቲ ልምዓት ባዕሉ ይዛረብ ኣሎ፡፡ ናይ ህዝቢ ፃምዕ መሰረት ልምዓት ክማላእ እንተኾይኑ መንግስቲ ግብሪ ከኽፍል ኣለዎ፡፡ ህዝቢ እውን ግብሪ መንግስትን ሞትን ዘይተርፍ እዩ ኢሉ ክኸፍል ኣለዎ፡፡ ብጭቡጥ እንትንርኢ ግን፣ ምስ ተመሳሰልቲ ናይ ኣፍሪካ ሃገራት እንትነፃፀር ናይ ሃገርና ግብሪ ናይ ምእካብ ተኽእሎ ኣዚዩ ዝተሓተ ከምዝኾነ ብዓለም ደረጃ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ካብቲ ናይ ክልልና ጠቅላላ እቶት ግብሪ ዝእከብ ትሕቲ 10 % እዩ፡፡

እሞ ኣይተ ዳዊት ገ/ሄር ዳኣ እንታይ ማለቶም እዩ?

ግብሪ ኣብ ምእካብ ቀንዲ ፀገምና እቲ ክእከብ ዝግበኦ ዘይምእካብ እዩ፡፡ እቲ ትኽክለኛ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝኸፍል እኮ ብፔይሮል ዝኽፈል ዶሞዝተኛ ጥራሕ እዩ ነይሩ፡፡ ሐዚ ሐዚ ግን ሻላ ዝተሰርሐሉ ቁፅሩ ዘይነዓቕ ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ እናተፈጠረ ክኸፍሎ ዝግባእ ግብሪ ምኽፋል ይጅምር ኣሎ፣ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢታት ይመፅእ ኣሎ፣ ብምዃኑውን ኣብ ናይ 2007 ባጀት ዓመት ልዕሊ 2.8 ቢልዮን እዩ ተኣኪቡ፡፡ እዚውን ግን ነቲ 40% ናይ ልምዓት መደባት ክልልና ጥራሕ እዩ ሸፊኑ፡፡ ብምዃኑውን ሐዚ እውን እቲ ክእከብ ዝግበኦ ኩሉ ተኣኪቡ እዩ ዝብል እምነት የለን፡፡ ገና ብዙሕ ክስረሓሉ ይግባእ፡፡ ብቀፃሊ ክንእክቦ ዝሓሰብና ድማ ልዕሊ ዚ እዩ፡፡ ኣብዚ ሓሙሽተ ዓመት ነዚ 2.8 ቢልዮን ብር ኣብ መወዳእታ 2012 ዓ.ም. ናብ 5.13 ቢልዮን ክነብፅሕ ኢና፡፡

ሃገርና ዋላውን ክልልና ካብ ዓለም እታ ዝግባእ ግብሪ ዘይእከበላ ሃገር ምዃና እናተፈለጠ፣ ግብሪ መንግስቲ ዘይምኽፋል ከም ነውሪ ዘይውሰደሉ ሃገር ምዃኑ እናተፈለጠ፣ ግን ድማ ሓያል ፃምእ ልምዓት ምህላዉን ናይዚ ቀንዲ መንቀሳቐሲ ኣብዙ ሐዚ እዋን ድማ መንግስቲ ምዃኑ እናተፈለጠ ብምንታይ ኳልኩሌሽን እዩ ወንጀለኛ መንግስቲ ዘብል?

እሞ ኣይተ ዳዊትስ ልምዓታዊ በዓልሃፍቲ ዶ ዋላስ ክራይ ንምእካብ ዝዳሎ በዓል ሃፍቲ? ብስሩ ኸ ግብሪ መንግስቲ ይኸፍሉ ዶ?

ብዝኮነ ሳላ ኣርሒቑ ዝጥምት ኣመራርሓ፣ ውፍይ ኣባልን ካድረን ውድብን፣ ሃርኳት ህዝቢን ዝሓዝና፤ ትግራይና ዋላውን ሃገርና ኢትዮጵያ፣ ዓለምና ብፋይናንሳዊን ኢኮኖሚያዊን ቅልውላው ኣብ ትሕመሰሉ እዋን ንተኸታታሊ 12 ዓመታት በዓል ድርብ ኣሃዝ ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን፣ ህዝቢ በቢደረጅኡ ተጠቃሚ ዝኮነሉ ፍትሓዊ ዕብየትን እናመዝገበት ትቅፅል ኣላ፡፡ እዚ ከዓ ኣብ ዓለምና ከም ፀሓይ በርቂ ወለል አሉ ይረአ ኣሎ፡፡ ሃገራትን ዓለምለኻዊ ትካላትን ናይ ልምዓትና ምሽጥር ክፈልጣን ተሞክሮ ክቀስማን እየን ናብ ሃገርና ዝውሕጃ ዘለዋ፡፡ ነዚ ክርኢ ዘይደለየ ዓይኑ ብፀሊም ጨርቂ ዝሸፈነ እውን እንተኾነ እነተዘይረኣየ ውን ይርድኦ እዩ፡፡

ኩሎም ትምክሕቲ፣ ፀበብቲ፣ ተረፍመረፍ ደርገ ኢሰፓ፣ ሻዕብያ ኮታስ ኩሎም ተቋወምቲ ኢና በሃልቲ ውድባት ነቲ ዝረአ ልምዓት ክወሓጠሎም ስለዘይኽእል እወ ኣብቲ ኣብቲ ፎቓት ንርኢ ኣለና፣ መንገዲ ንርኢ ኣለና ግን እሱ ብሓገዝ ዝተሰርሐ፣ ብልቓሕ ዝተሰርሐ፣ እዩ እናበሉ ከላግፅሉ ይስተውዓሉ፡፡ ኣይተ ዳዊት ገ/ሄር እውን ከምቶም ክራይ ኣከብቲ ሓይሊታት ነቲ ዝምዝገብ ዘሎ ልምዓትና እወ ኣብ መቐለ ፎቃት ተሃኒፆም ንርኢ ኣለና ግን ብዳያስፖራ እየን ብምባል ነቲ ዝተመዝገበ ልምዓት ሓጪጮሙሉን ኣናኢሶምዎን፡፡ መቐለ ኮ G+3 ኣይነበራን፡፡ ሐዚ ግን ሳላ ልምዓታዊን ዴሞክራሲያዊን መንግስትና፣ ዜጋና ሃፍቲ ምርካብ ስለዝጀመረ ፎቓት ምህናፅ ጀሚሩ፡፡ ሃገር ትለምዕ ስለዘላ ዕዳጋ ይፍጠር ስለዘሎ ዳያስፖራታትና እውን ኣብ ዓድና ክነልምዕ፣ ኢድና ክንሓውስ ኢሎም ኣብ ክልሎም ይሰርሑ ኣለዉ፡፡ ራያ ቢራውን እኮ ንሕና ከም ናይ ልምዓትና ውፅኢት ጌርና ኢና ንወስዳ፡፡ ስለዚ ተፈተወ ተፀልአ እዞም ኣብ ትግራይና ዝህነፁ ዘለዉ ፎቓት ይኹኑ ፋብሪካታት ናይ ልምዓትና መሰኻኽር ሓወልትና እዮም፡፡

ትግራይ ማይ ብምዕቋር ኣቢልካ ምተቐየረት ግን ኣርሒቑ ዝሓስብ መራሕቲ ወያነ ኣብ ትግራይ ስለዘለዉ ኣይተኽኣለን ኢሎም ኣይተ ዳዊት

እሞ ኣይተ ዳዊት መዐዘቢኹም ተዛሪብኩም እምበር ትግራይና ካብ ናይ ዝናብ ተፀባይነት ንምውፃእ ሕድሕድ ገባር መማረፂ ማይ ባንኪ ከጥሪ ፃዕሪታት ይግበር ኣሎ፡፡ እዚ በቲ ንደልዮ ዋላ እንተዘየተማለአ ግን ዘበረታትዕ ውፅኢት ይምዝገብ ኣሎ፡፡ ኣብ ትግራይ እኮ እንትርፊ ገለ ውልቀ ሰባት መስኖ ዝሕሰብ ኣይነበረን፡፡ ሳላ ዝሰራሕናሉ ግን ኣብ 2002 ዓ/ም ሽፋን መስኖ ክልልና 81 ሽሕ ሄ/ር እንትበፅሕ ኣብ 2007 ዓ/ም 276 ሽሕ ሄ/ር ምብፅሑ ኣብ ክልልና ሰላምን በሊሕ ኣመራርሓን ምህላው የሪኤና፡፡ መራሕቲ ወያነ ናይ ህዝቢ ፀገም ቀንዲ ፀገምና ኢሎም ንምፍታሕ ዝሰርሑ ዘለው ምኳኖም የሪኤና፡፡

እዚ እንትብል ግን ወዮ ደኣ ናይ ኣይተ ዳዊት ገ/ሄር ቃለ መሕትት መሰረት ዘይብሉ ካብ ገለገለ ዘጋጠሞም ፀገማት ተበጊሶም ነቲ ቃልሲ ህዝቢን ውፅኢቱን ጠቐር ስለዝኸደንዎ ምላሽ ንምሃብ ስለዝደለኹ እምበር ውድብናን መንግስትናን ፍፁማት እዮም ማለተይ ኣይኮነን፡፡ ኣብ እንዳ ወያነ ካብ ንዝተረኸቡ ዓዎታት ንላዕሊ ኣብ ድኽመታት፣ ማሕንቆታት፣ ፀገማት ኢና ነድህብ፡፡ ስለዚ ዋላኳ ንዓለምና ዘደነቐ ዕብየት ኣመዝጊብና እንተበልና ፀፍ ጭልጥ ዝበልና ምንም ፀገም ዘይጠበቀና ማለት ኣይኮነን፡፡ ምስ ሰናይ ምምሕዳርን ክራይ ኣካብነትን ዝተትሓሓዙ ብዙሓት ፀገማት ኣለው፡፡ ነዚ መፍትሒ ኣንፈት ተቐሚጡሉ ፅቡቕ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ፡፡

ኣይተ ዳዊት ገ/ሄር ደኣ መንግስቲ ትግራይ ይኣስሮም ኣሎ ኢሎም ነዞም ክራይ ኣከብቲ ዝበልናዮም ይጣበቑሎም ኣለዉ እምበር …

ነቶም ኣፍጢጦም ዝወፁ ክራይ ኣካብቲ፣ ነቶም ናይ ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ ካባ ለቢሶም ኣፍቲ ኣፍቲ እናኸዱ ህዝብን ምምሕዳርን ክሪኤሎም 10-20 ሚልዮን ብምትዃብ ነዚ ከም ጉልባብ ወሲዶም በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ዘወር ኢሎም ናይ ክራይ ኣካብነት ካባኦም ደሪቦም ብኣማኢት ሚልዮናት ግብሪ መንግስቲ ዘህድሙ እወ ተኣሲሮም፡፡ ነቶም ብሽም ናይ ነፃ ቐረፅ ዕድል ንብረት ካብ ደገ ክኣቲ ብምግባር ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣየር ብኣየር ንግዲ ብምችብቻብ ዘይግባእ ሃፍቲ ህዝቢ ዝጉሕሉ ክራይ ኣከብቲ፣ ነቶም ካብ ህዝቢ ዝኣከብዎ ቫት ከውሽዩ ዝተረኸቡ እዎ ክሳብ ምእሳር ዝተበፅሐ ስጉምቲ ተወሲዱ፡፡ ካብ ሕጊ ወፃእ ኣብ ውራ መሬት ዝተዋፈሩ ኣካላት ብዘይንሕስያ ስጉምቲ ተወሲዱሎም፡፡ በዚእውን ህዝቢ ትግራይ ጠስሚ ልቡ ሰትዩ፣ ያዒስ ውድበይ ከምኡ ኢልኪ ቀፅሊ፣ እዚ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ይቐፅል ኢሉ ሪኢቶ ሂቡሉ፡፡ ከምቲ ኩቡር መራሒና ዝበሎ ቀይሕ መስመር ዝሰገረ ክራይ ኣካቢ ንሕሰያ የለን፡፡

እሞ ኣይተ ዳዊት ብከመይ ደኣ እዮም ነዚ ብነቐፌታ ኣብ ቃለ መሕትቶም ዘልዓልዎ? ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ ንክራይ ኣከብቲ ዶ ይጣበቐሎም እየ? ዋላስ እዚ ሓቂ ተሸፊንዎም? ብኣደባባይ፣ ብሚድያ ዝተዘረበ ሓቂ እንተተሸፊንዎም ሓሜታት ምብስባስ መራሕቲ ወያነ ደኣ ከመይ ተራኢይዎም?

ውድብና ንክራይ ኣካብነት ምቅላስ ማለት ንውልቀ ሰባት እናሳደድካ ምእሳር እዩ መፍትሒ ኢላ ኣይትኣምንን፡፡ ከምኡ እንተዝኾን ክንደይ ኢልካ እሞ ኣሲርካ ትውድኦ? ምኽንያቱ እቲ ዘሎ ባይታ ንክራይ ኣካብነት ስለዝጥዕም፡፡ ስለዚ ክራይ ኣካብነት ንሪኦ ከም ሓደ ዓብይ ናይ ስርዓትና ሓደጋ ኮይኑ እቲ ቃልሲ እውን ኣተሓሳስባ ብምቅያርን ዘሎ ናይ ክራይ ኣካብነት ሙቹው ኩነታት ብምፍራስ ኣቢልካ እዩ፡፡ እዚውን ናይ ክራይ ኣካብነት ፍልፍላት ካብ ምንጮም ምድራቅ ብዝብል ኣንፈት ብሙሉእ ተሳትፎ ህዝቢ ብምስራሕና ለውጢታት ሪኢና ኣለና፡፡

ቅድሚ ሐዚ ኣብዝሓ ንክራይ ኣካብነት ከምቅቡል ዝውሰድ ዝነበረ፣ እናረኣየ ከምዘይረኣየ ዝሓልፍ ዝነበረ፣ ገሊኡ ድማ ብኡ ክሓልፈሉ ታርኡ ዝፅበ ዝነበረ እንትኾን፤ ሐዚ እዚ ተሸርሺሩ ክራይ ኣካብነት ኣብቲ ሕብረተሰብ ባይታ እናሰኣነ ይመፅእ ኣሎ፡፡ ንኣብነት ናይ ንግዲ ኣካላት ደቀቅትን ኣናእሽተይን ትካላት ነታ ናይ መንግስቲ ናይ ዕዳጋ ድጋፍ ንምርካብ እውን ክሳብ ንጉቦ ባጀት ምሓዝ ዝኽየድ ዝነበረ፣ እዚ ሐዚ ኣብ መብዛሕትኡ ከም ነውሪ ይውሰድ ኣሎ፡፡ እንተጋጥም እውን ባዕሉ ምቅላዕ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ስለዚ ዘቐመጥናዮ ኣንፈት ክንደየናይ ውፅኢታዊ ከምዝኮነ ብግልፂ የሪኤና፡፡

ክራይ ኣካብነት ሎሚ ገዲዱ ዝብል እንተሊዩ ወይ እቲ ዝነበረ ባይታን ኣተሓሳስባን ሓደጋነትን ክራይ ኣካብነት ዝግባእ ክብደት ዝሃቦ ኣይነበረን፣ ወይ ከዓ ነቲ ለውጢ ክሪኢ ኣይከኣለን እየ ክብል ዝኽእል፡፡

ኣነ ክራይ ኣካብነት ሐዚ ክሪኦ ከለኹ ይቅንስ ኣሎ፡፡ ህዝቢና ነዚ ተኳሳሓይ ኮይኑ ሒዝዎ ኣሎ፡፡ ህዝቢ ቅቡል ገይሩ ዝወሰዶ ዝነበረ፣ ዝሽፍኖ ዝነበረ፣ ሐዚ ይቀልዖ ኣሎ፣ ንፋስን ፀሓይን ክወቕዖ ብምግባር መቃለሲ ይገብሮ ኣሎ፡፡ እዚ ውን ሎሚ ስለዝገደደ ዘይኮነስ፣ ልክዕ ከምቲ ተዓፊኑን ተኸዲኑን ዝነበረ ዝበስበሰ ነገር ክትቀለዖ ከለኻ ብጨና ዝብክል፣ ናይ ክራይ ኣካብነት ኣተሓሳስባን ተግባርን ንዘመናት ስር ሰዲዱ ኣብ ውሽጥና ተዓፊኑ ስለዝነበረ፣ ክብርን ሞገስን ንኩቡር መራሒና መለስ ዜናዊ፣ ነዚ ፀገም ከም ናይ ስርዓትና ሓደጋ ጌርና ብምውሳድ እዚ ናይ ክራይ ኣካብነት ፖለቲካል ኢኮኖሚ ብምፍራስ ኣቢልና ኢና ክንቃለሶ ዝግባእ ብዝብል ኣንፈት ነፂሩልና ምቅላስ ምስጀመርና ፀሓይን ንፋስን ክወቕዖ ስለዝጀመረ እዩ፡፡ ኣብዚ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልክዎ ገሊኡ ነቲ ሓደጋ ክራይ ኣካብነት ብዝግባእ ይርደኦ ስለዘይነበረ ሐዚ ምስተቐልዐ እንትጨንዎ ክራይ ኣካብነት ይገድድ ኣሎ ኢሉ እንትግምግም፣ ነቲ ናይ ክራይ ኣካብነት ሓደጋ ብዝግባእ ሪኡ ነቲ ኣንፈት ቃልሲ ኣንፃር ክራይ ኣካብነት ዝተረደአን ከዓ ብናይ ህዝቢ ተሳትፎ ነቲ ዝበስበሰ ቀሊዑ ንፋስን ፀሓይን ክወቕዖ ብምግባር የድርቆ ምህላዉ ይግምግም፡፡

ነዚ እዩ ሐዚ ክራይ ኣካብነት ኣብ ገጠር እተን ቀንዲ ፍልፍላትና ፀሓይን ንፋስን ክወቕዐን ብምግባር ኣድሪቅናየን ኣለና ግን ተረፍ መረፍ ብሰናይ ምምሕዳር ዝግለፃ ዝተርፋና ኣለዋ ንብል፡፡ ኣብ ከተማ ድማ ነቲ ዝበስበሰ ነገር ምቕላዕ ጀሚርናዮ እነሆ ኣብ ከይዲ ምድራቕ ኣሎ፡፡ ስለዚ ክራይ ኣካብነት ኣብ ክልልና ፀሓይ ክወቅዖ ንፋስ ክኣትዎ ዝግበር ዘሎን ኣብ ከይዲ ምንካይ/ምድራቕ ዘሎን ተገይሩ ክውሰድ ይግባእ፡፡ ማንም ትግራዋይ ነዚ ተረዲኡ፣ ኣብ ክሊ ቃልሲ ኣንፃር ክራይ ኣካብነት ከጋጥም ዝኽእል ሓጎፅጎፅን ምትዕንቃፍን ተገንዚቡ ደጋፋይ ተራ ክህልዎ ይግባእ፡፡ እቲ ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ እውን ጨና ክራይ ኣካብነት እንተጋጥም ነቲ መበገሲ ናይቲ ጨና ኣብ ምሕባርን ኣብ ምእላሽን ኣብ ምቕላዕን ተሓባባራይ ክኾን ይግባእ እምበር ተጉላእሊኤ፣ ተዓናቂፈ ኢሉ ዝእነፈሉ ጉዳይ ኮይኑ ነቲ ናይ ውድብን መንግስትን ፃዕሪ ብዓይነ ዕሙተይ ገደሉ ክኸቶ ኣይግባእን፡፡

ውድብናን መንግስትናን እዞም ፀገማት እዚኦም ቀንዲ ሓደጋ ስርዓትና እዮም ኢሉ ብምውሳድ ካብ ምንጮም ንምድራቕ ይሰርሕ ከምዘሎ ምርዳእ የድሊ፡፡ ኣብዚ ናይ ክራይ ኣካብነት ሓደጋና ካብ ኣተሓሳሰባ ሓሊፉ ናብ ተግባር ዝኣተወ ቀይሕ መስመር ዝተሳገረ እንተሊዩ ደረጃ ሓላፍነቱ ብዘየገድስ ስጉምቲ እንትውሰድ ኩሉ ዝሪኦ ሓቂ እዩ፡፡ ስለዚ ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀር እውን ብሓቂ ንሃገርን ንህዝብን ተጣባቒ እንተኾይኖም እንካብ ስቕ ኢልካ ብደፈናኡ ኩሎም መራሕቲ ወያነ በስቢሶም ጠልቅዮም እዮም ምባል፣ ከምቲ ባዕሎም ዝበልዎ ተሓታትነት ብዘለዎ ብመረዳእታ ዝተደገፈ ኣንቁሕ ኣቢልካ ምውፃእ እዩ ንህዝብን ንሃገርን ዝጠቅም፡፡ እንተዘየለ እቲ ብደፈናኡ ብስምዒትን ብፅልኣትን ተመሪሕካ መራሕቲ ወያነ በስቢሶም እዮም ዝብል ካብ ውድብን ህዝብን ንምፍልላይ ዝግበር ሽርሒ ወፃእ ካሊእ ትርጉም ዝወሃቦ ኣይኮነን፡፡

ኣነ እዚ ክብል ከለኹ ግን ሐዚ ውን መራሕትና 100% ጥዑያት እዮም ማለተይ ኣይኮንኩን፡፡ ዝበስበሱውን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፡፡ ግን ከምቲ ኣይተ ዳዊት ዝበልዎ ኩሎም መራሕቲ ወያነ በስቢሶም ዝብል ግን ጌጋ እዩ፡፡ ከምቲ ኣብላዕሊ ዘርዝር ኣቢልና ዝረኣናዮ ተኣምር ዝሰርሕ ዘሎ ውድብን መንግስትን፣ ዓለም ሙሉእ ዝመስከረሉ ዕብየት ዘመዝግብ ዘሎ ውድብን መንግስትን ብምንታይ ኳልኩሌሽን እዩ ኩሎም መራሕቲ በስቢሶም ዝበሃል? ስለዚ እዚ በስቢሶም ዝብል ዘረባ ኣይተ ዳዊት ሓሶትን ጌጋን ጥራሕ ዘይኮነስ ኮነይ ኢልካ ውድብ ንምፍራስ ዝግበር ተንኮል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ እዚ ከዓ ናይቶም ቀንዲ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ፀበብቲ፣ ትምክሕት፣ ተረፍ-መረፍ ደርገ ኢሰፓን ናይኒ ሻዕብያን ዘናፍስዎ መዕነዋይ ፕሮፖጋንዳ መቐፀልታ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ ምኽንያቱ ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ኣብቲ ዝሓብዎ ቃለ መሕትት ዝበልዎም እንትርፊ ኣብ ገለ ገለ ዘጋጠሞም ቢሮክራሲያዊ ዓንቀፍቀፍ ካሊእ ግን ኩሉ መሰረት ዘይብሉ ኣብ መሬት ካብ ዘየለ ሓቅታት ተበጊሱ ዝሃብዎ ትንተና ብምዃኑ እዩ፡፡ ነዚውን እየ መዕነዋይ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ እዩ ዝብሎ ዘለኹ፡፡

ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኢትዮጵያን ውን ብክልል ደረጃ 6 መማረፂ ውድባት ብሃገር ደረጃ ድማ 58 መማረፂ ውድባት ቀሪቦሙሉ ንውድብና ህወሓት/ኢህወዴግ እንተመርፅ እዞም ፀገማት ከምዘለውን ነዞም ፀገማት ውን ህወሓት/ ኢህወዴግ ጥራሕ ትክክለኛ መፍትሐን ኣንፈትን ከምዘቐምጥ ተረዲኡ፣ ኣብ ኣፈታትሓ እውን ንህዝቢ ኣሳቲፉ ከምዝፈትሖም ካብ ተመክሮኡ ስለዝፈለጠ እዩ ዝመረፀና፡፡

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ እቲ ቀንዲ ነገር ፀገም የጋጥምዶ ኣየጋጥምን ኣይኮነን፡፡ ካብ ላዕሊ ፌደራል ክሳብ ታሕቲ ጣብያ ዘለዉ መራሕትና መራሕቲ ወያነ፣ ዝሐሹ እዮ ኢሉ ህዝቢ ዝመረፆም ሰባት እምበር መላእኽቲ ስለዘይኮኑ ፀገም ከጋጥም ግድን እዩ፡፡ እንተዘየጋጥም ግን ክገርመና ነይሩ፡፡ ዋና ነገር ግን ነዞመ ፀገማት ቀልጢፍካ ምሓሽ ምሃብ፣ ህዝቢ ዘልዐሎም ዋኒናት እዝኒ ምሃብ እዩ፡፡ እዚ ከዓ ህወሓት/ኢህወደግ ጥራሕ እዩ ክፍፅሞ ዝኽእል፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ረብሓ ዝተልዓለ ውድብ፣ በጃ ህዝቢ መስዋእቲ ዝኸፈለን ዝኸፍል ዘሎ ውድብ፣ ናይ ህዝቢ ብሕታዊ ውድብ ህወሓት/ኢህወዴግ ብምኳኑ፡፡ 5ይ ሃገራዊ መረፃ ዘረጋገፀልና ሓቂ እንተሃለወ እዚ እዩ፡፡ ብኣንፃሩ ድማ ተቃወምቲ ውድባት ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናተሸምረሩ ሎሚ ኩለን ወናብር ኣረኪቦም ክግለሉ ህዝቢ ብካርዲ ወሲኑሎም ይርከብ፡፡

ኣይተ ዳዊት ገ/ሄር ብዛዕባ ናይ ውሽጣዊ ውድብ ኣሰራርሓ ኣመልኪቶም ዝተዛረብዎ …..

ኣብ መወዳእታ ኣይተ ዳዊት ገ/ሄር ብዛዕባ ናይ ውድብና ናይ ማእከላይ ኮሚቴን ናይ ፖሊት ቢሮን ኣሰያይማ ኣልዒሎም ክሓማዝቑን ምስቲ መድረኽ ምኻድ ኣብዩዎም ምስ ዝተረፈቱ ከሓድቲ ህዝቢ ከተዓረቁ ፈቲኖም እዮም፡፡ እቲ ምትኽካእ እውን ናይ ሰባት ዘይኮነስ ናይ ኣተሓሳስባ ናይ ፊሎዞፊ ምትኽኻእ ክግበር ኣለዎ ኢሎም ኣንጀቴ ምኽሪ፡፡

ብዛዕባ ምትኽኻእ

ከም ውድብ ምትኽኻእ እንትንብል ናይ ኣተሓሳስባ፣ ናይ ኣረኣእያ ወይ ከዓ ናይ ፊሎዞፊ ምትኽኻእ ማለትና ኣይኮነን፡፡ ከም ውድብ ናይ ፖሊሲ፣ ናይ ስትራቴጂ፣ ፀገማት የብልናን፡፡ ክብርን መጎስን ንክቡር መራሒና መለስ፣ ናይ 40-50 ዓመታት ኣንፈት ነፂሩልና እዩ፡፡ ኣብዚ ደንገርገር ከጋጥመና እዩ ዝብል ስግኣት የለን፡፡

ናይ ኣተሓሳስባ ወይ ናይ ፊሎዞፊ ምትኽኻእ ዝግበር እቲ መስመር ዘይሰርሕ እንድሕር ኮይኑ ጥራሕ እዩ፡፡ ናትና መስመር ግን ውፅኢታዊነቱ ዘረጋገፀ፣ ኣይኮነን ንዓና ንመላእ ኣፍሪካን ከምኡውን ነዘን ብናይ ፋይናንስን ኤኮኖሚያዊን ቀውሲ ዝሕመሳ ዘለዋ ሃገራት ፉቱንን ውፅኢታዊን መስመር እዩ፡፡ ስለዚ ናይ ህዝቢ ውግንና ዘለዎ ኣካል ካብ ናይ ህወሓት/ኢህወዴግ መስመር ወፃእ ኩሉ መንገዱ ነዊሕን ሓጎፅጎፅን እዩ፡፡

ስለዝኾነ ምትኽኻእ እንትንብል ነቲ ናይ ውድብና ኣንፈታትን መትከላትን ብሓዱሽ ወነን ብሓዱሽ ጉልበትን ናህርን ኣብ ዝብፃሕ ንከብፅሕ ሓዱሽ ወለዶ (መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን) ክኣቱን ነቲ ቃልሲ ተረኪቡ ክቕፅለሉን ንምግባር ዝዓለመ እዩ፡፡ መስመራት ውድብና ዘመን ተሻገርቲ ብምኳኖም ኣብቲ ኣመራርሓ ብዝተተለመን ብዝተመርሐን ኣገባብ እቲ ናይ ሰባት (ናይ መራሕቲ ምትኽኻእ) እንተዘይተገይሩ ናይቲ ውድብ ሃለዋት ምስቶም ብናይ ነባራት መራሕቲ ዕድመ ዝውሰን ስለ ዝኸውን እዩ፡፡

ስለዝኾነ ናትና ምትኽኻእ ናይ ሰባት ምትኽኻእ፣ እምበር ናይ ፊሎዞፊ ምትኽኻእ ኣየድልየናን፡፡ ናይ ፊሎሶፊ ምትኽኻእ ዘድልዮም እንተሊዮም ከምቶም ኣብ ተሃድሶ ጊዜ ከይዶም ናብ ትምክሕቲ ዝተፀምበሩ ሐዚውን መንገዱ ክፍቲ እዩ ዴሞክራሲያዊ መሰሎም እዩ ክኸድ ዝደለየ ማንም ኣይሕዞን፡፡ እንተ ውድብና ናይ ሰማእታት ሕድሪ፣ ናይ መላእ ህዝቢ ትግራይ ሕድሪ ዘለዋ ውድብ እያ፡፡ እዚ ሕድሪ ረጊፃ ትኸይድ ውድብ ኣይኮነትን፡፡

ካሊእ መገረሚ ዘረባ ኣይተ ዳዊት ካብ ደገ ቲንክ ታንክ ግሩፕ ክጣየሽ ኣለዎ

ካብ ኩሉ ዝደንፀወኒ ድማ ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ዝሓደረ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ቂም ኣብ ውድብና ህወሓት ዘለዎም ይመስል ነዚ ውድብ ከፍርሱ ካብ ደገ ቲንክ ታንክ ጉጅለ ክጣየሽ ኣለዎ፣ ዝተረፈቱ ኣባላት እውን ክመፁ ኣለዎም፣ ወይለከ ጉድ ኣንታ ሎሚስ ዘይንሰምዖ ነገር የለን፡፡ እቲ ውድብ እኮ ሕጋዊ ውድብ ናይ ባዕሉ ኣሰራርሓ ዘለዎ ውድብ፣ ኣማኢት ኣሻሓት ኣባላት ዘለዎ ውድብ፣ መላእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኑ ዘሰለፈ ውድብ፣ ነዚውን ኣብ 5ይ ሃገራዊ መረፃ ካብ ዝሓለፉ መረፃታት ንላዕሊ ንተቓወምቲ ውድባት ማርጅናላይዝ ብምግባር ሙሉእ ድጋፉ ንህወሓት ዝሃበሉ ውድብ፣ ብሓፈሻ ጠንካራ መሰረት ዘለዎ ውድብ ምዃኑ ረሲዖም፡፡

ስለዚ ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ኣብ ዘይምልከቶም ናይ ውሽጢ ውድብ ኣሰራርሓ ኣትዮም ካብ ዝሕምዙቑ፣ በቲ ስዋኣትና ዘረጋገፁሎም ዴሞክራሲያዊ መሰል ተጠቒሞም ካብ ናይ ውድብና ዝሐሸ መማረፂ ኣለኒ ዝብሉ እንተኾይኖም ፓርቲ መስሪቶም ክወዳደሩ ይኽእሉ፣ ወይድማ ከምቲ ዝብልዎ ዘለዉ ዝብሉ ውድባት ብቁፅሪ ብዙሓት ስለዘለዉ ኣብ ገሊኦም ብዕሊ ኣትዮም እንተተወዳደሩ ይሓይሽ፡፡ ምኽንያቱ ኣብዛ ውድብ እዚኣ ንከምኦም ዝበለ በዓል ሃፍቲ ክትሓቑፍ ስለዘይትኽእል ስለዚ ኣብ ዘይ መንጠቢትክን ኣይትስደዳ ኢድክን ከምዝበሃል ኣብ ናይ ውሽጢ ውድብ ኣሰራርሓ እናኣተኻ ምሕምዟቕ ቀይሕ መስመር ምሕላፍ ማለት እዩ፡፡

ብኣጠቓላሊ እቲ ቃለ መሕትት መሰረት ዘይብሉ፣ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ፣ ነቲ ኣባይታ ዘሎ ጭቡጥ ለውጢ ዘናሸወ፣ ኣብዙ ሐዚ እዋን ዋላ ኒዮ ሊበራል ኣራመድቲ ዝበሃሉ ናይ ዓለምና ገበርቲ ሓደግቲ መንግስታት ዝመስከሩሉ ሓቂ፣ ኣብ ዓዶም ጥራሕ ዘይኮነስ ትማሊ ኣብ ዓድና መፂኦም መስኪሮም ኣመስጊኖም ኣብዘረጋገፁሉ እዋን፣ ብኣይተ ዳዊት ዝሰማዕናዮ ምንሻው ካብ ሓደ ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ ኢልና ንሓስቦ ወገን ትፅቢት ዘይግበር እዩ፡፡

ጥምር ኣቢልካ እንትረአ ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ሰሚዐ እቲ ንዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ውሽጠይ ሂበዮም ዝነበርኩ ናይ ክብሪ ቦታ ናብ ሕቶ ዘእተወን ኩሉ ዘረባኦም ንህዝቢ ትግራይ ዝተሓለቑ መሲሎም ነታ ህዝቢ ትግራይ ዝሕበነላን መስዋእቲ ዝኸፈለላን ብሕታዊት ውድቡ ብምፍራስ ንሕና ተጋሩ ነኒባዕልትና ክንባላዕን ትግራይና ኣደዳ ትምክሕትን ፀበብትን ሓይሊታት ክትከውን ዘግብር ኣንፃር ተጋሩ ዘቕነዐ መዕነዋይ ፕሮፖጋንዳ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡፡ ብጣዕሚ ሓዚነ፡፡

ነዚውን እየ ናይዚ ምላሸይ ርእሲ ኮሓሎያ መሲለንስ መንቆሮ ኢለ ዝሰየምኩዎ፡፡ እሞ ኣይተ ዳዊት ነዚ ዝሃብዎ ሚዛኑ ዝሰሓተ ናይ ሰዓትን ፈረቓን ቃለ መሕትት ይቕሬታ ክሓትሉ ዝግባእ ጉዳይ እዩ፡፡ ሐዚውን ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሀር ኣብቲ ናይ ፖለቲካ ምሑምዟቕ ገዲፎም ኣብቲ ጀሚሮምዎ ዘለዉ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ከም ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ ነጢፎም ንህዝቦምን ሃገሮምን እንተረብሑ ይሓይሽ፡፡

ብዛዕባ ትካላት ትእምት

ኣይተ ዳዊት ገ/ሄር ሰጋእ መጋእ እናበሉ ብዛዕባ ዋንነት ትካላት ትእምት ኣልዒሎም ነይሮም፡፡ ዋንነተን እውን ናይ ህወሓት ከምዝኾና ነጊሮምና ኣለዉ፡፡ እቲ ሓቂ እንታይ ይመስል፡፡

ዓረና ሓዊሱ ኩሎም ተቋወምቲ ውድባት፣ ሻዕብያን ካልኦት ፀረ ህዝብን ክራይ ኣካብቲ ሓይሊታትን ኣብ ትእምት ዘነፃፀረ መዕነዋይ ፕሮፖጋንዳ ወግሐ ፀብሐ እንትነፍሑ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ካብቲ ንህዝቢ ከደናግሩልና ይኽእሉ እዮም ኢሎም ዘልዕልዎ ሓሳባት ውሽጢ እቶም ቀንዲ

· ኣብ ዋንነት እዘን ትካላት፣ ኣብ ግልፅነትን ተሓታትነትን፣ ንዝቢ ትግራይ ዘለዎን ረብሓ፣ ዝብሉ እዮም፡፡

እሞ ኣብዞም ነጥቢታት ማእኸል ገይሮም ሕቶታት እንተልዕሉ ናይ ብሓቂ ንህዝቢ ብምቑርቋር/ብምሕላቕ ድዩ? ዋላስ ካሊእ ዕላማ ኣለዎም?

ዘይፈልጥወን ኮይኖም ሓበሬታ ስኢኖም ድዮም? ዋላስ ኮነይ ኢሎም ከደናግሩ?

ከመይ ተጣይሸን? ናይመን እየን?/ወናኒአን መን እዩ? ዕላምአን ወይከዓ ልዑኸን እንታይ እዩ? ክሳብ ሐዚ ኸ እንታይ ይገብራ ኣለዋ?

ንዝብሉ ሕቶታት ብዝምልስ ኣገባብ ክንርኤን ኢና፡-

ኣመሰራርታ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት)

ውድብና ህወሓት/ኢህወዴግ ኣንፃር ደርጊ ብረት ኣልዒላ ቃልሲ እንትተካይድ ብፍላይ ኣብ መጀመርታ 1980ታት ብርክት ዝበላ ሰራዊት ከምዝነበሮ ይፍለጥ፡፡ ውድብና ነዚ ሰራዊት ዝኸውን ዕጥቅን ስንቅን ብዋናነት ካብ ፀላኢ ዝርከብ እኳ እንተነበረ ብተወሳኺ ካብ ኣባላት ውድብን ደገፍቲ ቃልስናን ብውህብቶ ዝተውሃበውን እዩ ነይሩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ውድብ ዘንቀሳቕሶም ናይ ቢዝነስ ስራሕቲ ዘፍረይዎ ዘፍረይዎ ሃፍቲ ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ኣይነበረን፡፡ ብሓፈሻ ውድብና ህወሓት/ኢህወዴግ ኣብ ፅባሕ ምድምሳስ ደርጊ ካብ ዝዓበየ ክሳብ ዝነኣሰ ሞተራትን ናይ ኢድ መሳርሒታትን መኻይን፣ ናይ ሕርሻ መሳርሕታት፣ ጋራጃት፣ ዝተፈላለዩ ከበድትን ፎከስትን ናይ ጦር መሳርሒታት፣ ታንክታት ወዘተ፣ ከምኡውን ኣብ ወፃእ ዓዲ ውን ዝተወሰኑ ህንፃታት ከምዝነበሮ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡

ድሕሪ ውድቀት ደርጊ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ምስተዛዘመ ሃገርና ናይ ባዕላ ሽግግር መንግስቲ ኣጣይሻ ምስቆመት እዚ ንቲ ቃልሲ ዝሕግዝ ዝነበረ ሃፍቲ ወይከዓ ንብረት ኣብ ክልተ ብምምቃል እቲ ሓደ ወታደራዊ ዕጥቅን ስንቅን ብዘይምንም ሕቶ ከምዘሎ ናብ መንግስቲ ወይ ከዓ ናብ መከላኸሊ ሃገር ኣታዊ እንትግበር እቲ ካልኣይ ክፋል ማለትእውን ሲቪላዊ ንብረት እንታይ ይኹን ዝብል ሕቶ ተላዒሉ ብዙሓት ኣማራፂታት ቀሪቦም ካብቶም ዝቀረቡ ኣማራፂታት ንምጥቃስ

1. እዚ ንብረት ተሸይጡ ንተጋዳለይ፣ ኣባልውድብን ስድራ ስውኣትን ይከፋፈል፣

2. እዚ ንብረት ተሸይጡ ዝተረኸበ ገንዘብ ንስራሕ መካየዲ ክውዕል ናብቲ ውድብ ኣታዊ ይገበር፣

3. እዚ ንብረት ከምቲ ወታሃደራዊ ቁሳቑስ፣ ናብ መንግስቲ ተሃጊሩ ኣብ ስራሕ ልምዓት ክውዕል

4. እዚ ንብረት እዚ ቀደሙ’ውን መቃለሲ እዩ ነይሩ ሐዚ’ውን መቃለሲ ክኾን ኣለዋ፡፡ ዝብሉ መማረፂታት ቀሪቦም ነይሮም፡፡

ውድብና ህወሓት ዋላኳ እቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ እዋን ዝተጠረየ ሃፍቲ ናይ ምውናንን ንውድብ መጠናኸሪን ንስራሕ መካየዲን ናይ ምግባር ሕጋዊን ርትዓዊን መሰል እንተሃለወኳ፣ ህወሓት/ኢህወዴግ ግን እዚ ንብረት ቀደሙውን መቃለሲ ኣንፃር ፀረ-ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ከምዝነበረን፣ ሐዚ ዘሎ ቃልሲ ከዓ ኣንፃር ድኽነት ከምኳኑ መጠን እዚ ሃብቲ እዚ ቀደሙውን መቃለሲ እዩ ነይሩ ሐዚውን መቃለሲ ድኽነት ክኾን ኣለዎ ብዝብል፣ ካብዞም ዝቀረቡ መማረፂታት ውሽጢ እቲ ናይ መወዳእታ (4ይ) መማረፂ ተመሪፁ፡፡

ግን ድማ ብከመይ ኣገባብ? ዝብል ሕቶ ክምለስ ነይሩዎ ብፍላይ ኣብቲ ኣወዳድባን ዋንነትን ዝምልከት፡፡

ኣብቲ ኣወዳድባ ነቲ ናይ ድኽነት ምጥፋእ ስራሕቲ ብዝሕግዛ ኣገባብ ብመልክል ፋውንዴሽን ክውደባ ኣብ ክሊ እዚ ፋውንዴሽን ዝተፈላለያ ናይ ቢዝነስ ትካላት በቲ ናይ ሃገርና ናይ ንግዲ ሕጊ ዝፈቅዶ መሰረት ክጣየሻን ክንቀሳቀሳን ተወሲኑ፡፡ ኩለን ናይ ኢህወዴግ ውድባት ኣብ ትሕቲኤን ዝነበረ ሃፍቲ በዚ መልክዕ ክፍፅማ ምርድዳእ ተገይሩ፡፡ በዚ መሰረት ናይ ውድብና ህወሓት ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ብዝብል ትካል ምግባረ ሰናይ ብናይ ሃገርና ፍታብሄር ሕጊ (1952) መሰረት መመስረቲ ፅሑፍን መተሓዳደሪ ደንብን ብምፅዳቕ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1987 ዓ.ም. ተወዲቡ፡፡

ዋንነት ከ ናይመን እዩ

ህወሓት/ኢህወዴግ ፖለቲካዊ ውድባት ከምኳኖም መጠን ብናይ ሃገር ሕጊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ ንግዲ ክሳተፍ ኣይኽእልን፡፡ ፖለቲካዊ ውድብ ፍልፍ ሃፍቱ ካብ ኣባላቱን ደገፍቱን ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ ስለዝብል፣ ውድብና ነዚውን ስለ ትኣምነሉ እዘን ኣብ ትሕቲ እዚ ፋውንዴሽን ዝጣየሻ ትካላት ብውድብ ክውነና የብለንን ኢላ ጉጅአን ክወፃ ገይራተን፡፡ ስለዚ ከምናይ ክልሉ ገበርቲ ሰናይ ተቆፂረን፣ ናይቲ ክልል ህዝቢ ትካላት ኮይነን ክቅፀላ ኣለወን ብዝብል ምርድዳእ ተገይሩ፡፡

ግን ድማ ናይ ፋውንዴሽን ኣጣይሻ ሕጊ ስለዘይነበረ እዚ ክሳብ ዝወፅእ ብሽም ላዕላዎት ኣመራርሓ ውድብና ኮይነን ግን ዘፍርየኦ ትርፊ ምክፍፋል ከምዘይከኣል ተገይሩ ተጣይሸን፡፡ ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብ ወላ እውን እቶም ኣብ እዋን ተሃድሶ ካብቲ ውድብ ዝተገለሉ መራሕቲ ነበር ብሽሞም ብመልክዕ ኣክስዮን (Share) ሒዞም ዘጣየሽወን ትካላት እየን ነይረን፡፡ እቲ ናይ ፋውንዴሽን ሕጊ ምስፀደቀ ናይ ውልቀ ዋንነት share ክተርፍ ብምግባር ከምዘሎ ትርፊ ዋንነቱ ኩሉ ነቲ ፋውንዴሽን እቲ ፋውንዴሽን ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ህብረተሰብ ኣካላት ዝተውፃእፅኡ ናይ ባዕሉ ጉባኤ ዘለዎ ናይ ባዕሉ በዓል ሓደራ ቦርድ ዘለዎ ኮይኑ ዝተጣየሸ ፋውንዴሽን እዩ፡፡

ልዑክ ትካላት ትእምት

ሃገርና ኣብ ክሊ ናፃ ዕዳጋ ማእቀፍ ኮይኑ ግን ድማ ናይ መንግስቲ ጣልቃ ኣታውነት ብሰፊሑ ዝፈቅድ ስርዓት ኢኮኖሚ እያ ትኽተል፡፡ ናይ መንግስቲ ጣልቃ ኣታውነት እንትንብል ከዓ ስቅ ኢልካ ኣብ ዝኮነ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቃስ ምስታፍ ዘይኮነስ ነቲ ናይ ሃገርና ኢኮኖሚ ምዕባይ ወሳኒ ተራ ኣብ ዘለዎምን ብፍላይ ከዓ ሰብ ሃፍቲ ዘይሳተፉሉን መዳያት ኢዱ ከእቱ፡፡ ናይቲ ሃገር ቀንዲ ናይ ኤኮኖሚ ምንቅስቓስ ተቆፃፀርቲ ኣብ ዝበሃሉ ሴክተራት ከም እኒ ባንኪ፣ ቴሌ፣ መብራህቲ፣ ወዘተ መንግስቲ ክሕዞም ብምግባር እቲ ዝህበኦ ግልጋሎት ድማ ፍትሓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ናብ ኩሉ ከባፅሕ እዩ እቲ ግደ መንግስቲ፡፡

እዘን ናይ ትእምት ትካላት እውን እቲ መንግስቲን ውልቀ ሰብ ሃፍትን ዘይኣተውዎን ወይከዓ ኣትዮምዎ ግን ድማ ብዝግባእ ዘይሸፈንዎ ሴክተራት ኢንቨስት ብምግባር እቲ ዘሎ ናይ ዕዳጋ ክፍተት ብምምላእ ናይ ክልልናን ሃገርናን ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ከሰጉማ እዩ ከም ልዕኹቶ ተዋሂብወን፡፡ በዚ መሰረት እዘን ናይ ትእምት ትካላት

· ኣብ ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር፣

· ንናይ ሃገርና ደኣንትን ሰብ ሃፍትን ዘበረታትዕን ዝመጋገቡሉን፣

· ኣብ ቴክኖሎጂያዊ ስግግር

· ኮታስ ብኢኮኖሚያዊ መዳይን ብናፃ ዕዳጋን ናይ ህዝቢ ፀገማት ኣብ ዝፈትሑን ናይ ሃገር ዑቁር ሃፍቲ ኣብ መዓልኡ ንምውዓል ዝሕግዙን መዳያት ንክዋፈራ እዩ ተገይሩ፡፡

እዚ ልዑክ ሒዘን እንትንቀሳቀሳ ካብ መንግስቲ ፍሉይ ሓላፊ ክግበረለን ዘይኮነስ ብናይ ናፃዕዳጋ ብናይ ሃገርና ናይ ንግዲ ሕግታት ሙሉእ ብሙሉእ ተኸቲለን፣ ኣብ ምኽባር ሕግን ኣብ ምኽፋል ግብሪ መንግስቲን፣ ነቲ ናይ ሃገርና በዓል ሃፍቲ መምሃሪን ሞዴላትን ኮይነን ክንቀሳቀሳ እዩ፡፡ ከምኡ ከዓ ኮይነን ኣለዋ፡፡

ተሓታትነትን ግልፅነትን

ካብዞም ዝቀረቡ መማረፂታት ውሽጢ እቲ ናይ መወዳእታ (4ይ) መማረፂ እንትምረፅ፣ ብኣወዳድባ ምግባረ ሰናይ ትካላት ክውደብ ናይ ባዕሉ ቤትምኽሪ፣ በዓል ሓደራ ቦርድ፣ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ኦዲተር፣ ነናይ ትካሉ ስሩዕ ዘመናዊ ኣመራርሓን ትካላዊ መሓውርን ክህልዎ ተገይሩ እዩ ተጣይሹ፡፡

ሀ/ ቤትምኽሪ ትእምት

ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ኣካላት ዝተመፃፅኡ፣ማለት እውን ካብ ኩሉ ሕብረተሰብ ክፋላት፣ ካብ መንግስታዊ ኣካላት፣ ካብ ጉድኣት ኩናት ዝተውፃፅአ ቤት ምክሪ ኣሎ፡፡

· እዚ ቤትምኽሪ ሓፈሻዊ ኣንፈትን ስትራቴጂያዊ ትልምታትን ዓበይቲ ውሳነታት የሕልፍ፡፡

· እዚ ቤት ምኽሪ እዚ ናይ ሓደራ ገንዘብን ንብረትን ህዝቢ ብኣግበቡ ኣብ መዓልኡ ምውዓሉ የረጋግፅ፣ይመርሕ

· ኣፈፃፅማ ናይ ቤት ምኽሪ ትእምት ውሳነታት፣ ናይዘን ትካላት ኣወፋፍራን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ፣ ጠቕላላ ስራሕ ኣፈፃፅማ ብኣንፃር ትልሚ ጉባኤ እናተፀወዐ ዝግምገመለሉ ስርዓት ተተኺሉ ኣሎ፡፡

ለ/ ናይ ደገ ኦዲተር

እዘን ትካላት ትእምት ናይ ቢዝነስ ትካላት ከምኻነን መጠን ከም ማንም ናይ ቢዝነስ ትካል ናይ ሃገር ናይ ንግዲ ሕግን ስርዓትን ኣኽቢረን ክኸዳ ትፅቢ ይግበር፡፡ እዚ እንድሕር ዘየማለኤን ስራሕቲ ንግዲ ብዝግባእ ክፍፅማ ኣይኽእላን፡፡ ካብዞም ከማልአኦም ዝግባእ ሕጋዊ ሮቕሓታት ሓደ ኦዲት ምግባር እዩ፡፡ ኦዲት እንድሕር ዘይተገይረን ካብ ባንኪ ልቓሕ ክወስዳ ኣይኽእላን፣ ፍትሓዊ ግብሪ ክኸፍላ ኣይኽእላን፣ ምስ ናይ ውሽጢ ይኹን ናይደገ ናይ ንግዲ ትካላት፣ ጥዕና ዘለዎ ርክብ ክፍፅማ ኣይኽእላን ስለዚ ኦዲት ናይ ምግባር ጉዳይ ሕጋዊን ትካላዊን ግቡእ እዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ናይቲ ምንቅስቓስ ውፅኢት ፀብፃብን ተኣማንነት ንክህልዎ ብናይ ደገ ኦዲተር ክምርመር ግድን ብምኳኑ፣ በቢዓመቱ ብዝተመስከረሎም ወይከዓ ቻርተርድ ኣካውንታንት ይምርመራ ውፅኢቱ እውን ኣብ ዓመታዊ መፅሄተን ንህዝቢ ቅሉዕ ይገብራ፡፡

ሐ/ ባዓል ሓደራ ቦርድ

እቲ ናይ ትእምት ቤት ምኽሪ ዝወስኖም ውሳነታት፣ ብኣግባቡን በቲ ዝደለ መንገዲ ክፍፀም ዝመርሕ ኣብ ትሕቲኡ ናይ ኢንቨስትመንት ማእኸል ቤት ፅሕፈት ብምጥያሽ ነቲ ናይ ምግባረ ሰናይ ዝከታተል እዩ፡፡ እዚ ኣካል እዚ በቢ 3 ወርሑ ናይ ሕድሕድ ትእምት ትካል ኣፈፃፅማ እናገምገመ መስተኻኸሊ ስጉምቲ ዝወስድን ኣንፈት ዘቐመጥን እዩ፡፡

መ/ ትካላዊ መሓውርን ኣመራርሓ ስራሕን

ናይ ትእምት ትካላት ከም ማንም ኣብ ናፃዕዳጋ ዝወዳደር ናይ ቢዝነስ ትካላት፡-

· ናይ ባዕለን መፈፀሚ ዝኸውን ትካላዊ መሓውር ዘለወን፣

· እቲ እዋን ዝጠልቦ ብቁዓትን ተወዳደርቲን ኣመራርሓ ዘለወን፣

· ብመሰረት ሮቕሓታት ትካላዊ መሓውር፣ እንተነኣሰ እቲ ዝተሓተ ደረጃ ትምህርቲን፣ ሞያን ስራሕ ልምዲን ዘማለአ ብቑዕን ተወዳዳሪን ሰራሕተኛ ካብ ዕዳጋ ኣወዳዲረን ዝቆፅራ ትካላት እየን፡፡

እዚ ኣመራርሓን ሰራሕተኛን ነፃነቱ ሓሊዩ፣ ካብ ቤት ምኽሪ ትእምትን ካብ በዓል ሓደራ ቦርድ ብዝወረደሉ ኣንፈት ብትልሙን መሰረት ብትርፉን ኪሳራኡን ዝዕቀን መሓውር እዩ፡፡ ጥቅልል ኣቢልካ እንትረአ ትካላት ትእምት፡-

· ህዝቢ ትግራይን ደገፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ኣብቲ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ነቲ ቃልሲ ንክድግፍ ዘበርከትዎ ሃፍቲ፣

· ጅግና ተጋዳላይ ህወሓት/ኢህወዴግ በቲ ልሙድ ጀግንነታዊ ስርሒቱ ካብ ፀላኢ ዝመንዘዖ ሃፍቲ፣

ሒዘን ድሕሪ ምዝዛም ብረታዊ ቃልሲ ዝተጣየሻን ኣብ ቢዝነስ ዓለም ተዋፊረን ኣብዙ ሐዚ ደረጃ ዝበፅሓ ናይ ህዝቢ ትግራይ ሃፍቲ እየን፡፡ እዘን ትካላት እዚአን ኣብ ድኽነት ምጥፋእ ናይ ባዕለን እጃም ዝዋፀኣ ዘለዋ ስሩዕ ናይ ግልፅነትን ተሓታትነትን መትከላት ተላቢሰን መትረፍቲን ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕ ዝፅዕራ ዘለዋን ናይ ህዝቢ ትካላት እየን፡፡

ክሳብ ሐዚ ንህዝቢ ትግራይ እንታይ ረብሓታት ኣርኪበን?

ትካላት ትእምት ንህዝቢ ትግራይን ንሃገርናን ዘለወን ረብሓ እንታይ ይመስል ዝብል ኣብ ክልተ ከፊልና ክንሪኦ ኢ ና

1. ብመዳይ ኢንቨስትመንት ምስፍሕፋሕ

2. ብመዳይ ምግባረ ሰናይ

ብመዳይ ኢንቨስትመንት

ኢንቨስትመንት ኣብ ሓደ ዓዲ እንትስፍሕፋሕ ናይ ዓዲ ኢኮኖሚ ይዓቢ ድኽነት ይጠፍእ፣ ሰብ በቢተሳትፎኡን እጃሙን ተጠቃማይ ስለዝኾን ተጠዋሪ ይቕንስ፡፡ ናይ ውሽጢ ዓድን ናይ ደገን ኢንቨስትመንት ኣብ ሃገርናን ክልልናን ክነስፋሕፍሕ እነትንፅዕር ፡-

· ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር፣

· ናይ ዓድና ዑቁር ሃፍቲ ብኣግባቡ ንምጥቃም፣

· ናይ ሕርሻን ተፈጥሮ ሃብትናን ክብሪ ብምሳክ ብዓለም ደረጃ ዝሓሸ ዋጋ ንምርካብ፣

· ተወሳኺ ናይ ወፃኢ ሸረፊ ንምርካብን፣ ካብ ወፃኢ ዓዲ ነእትዎም ዝነበሩ ኣቁሑት ኣብ ዓድና ክሰርሑ ብምግባር ናይ ወፃእ ሸርፊ ምቁጣብ፣

· መፍረይነትናን ተወዳዳሪነትናን ንምዕባይ ናይ ቴክኖሎጂ ስግግር ንምርግጋፅ እዩ፡፡

ኢንቨስትመንት እናሰፍሐ እንተከይዱ ኣብ መንጐ ትካላት ልምዓታዊ ምትእስሳር ብምፍጣር ክራይ ኣካብነት ፖለቲካል ኢኮኖሚን እናተሸርሸረ ብልምዓታዊ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ይትካእ፡፡ ሰብኣዊ ዓቅሚ ክልልና ሃገርና ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናተሃነፀ ቴክኖሎጂ እናተዓጠቀ ዝለዓለ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ክንውንን ይገብር፡፡ መንግስቲ ካብቲ ዝግበር ኢንቨስትመንት ዝሓሸ ግብሪ ክእክብ ብምኽኣሉ፣ መሰረታዊ ፀገማት ሕብረተሰብ ንክፈትሕን ኣብ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቃስ ንዘጋጥሙ ናይ ዕዳጋ ጉድለታት/ፀገማትን ዓቅሚ ረኺቡ ክፈትሕ የኽእሎ፡፡

ብሓፂሩ ኢንቨስትመንት ምስፍሕፋሕ ናይ ሓደ ዓዲ ኢኮኖመሚያዊ ዕብየት ዘቀላጥፍ ብምኳኑ ኩሉ ይጠልቦ፡፡ እዚ ብትእምት ትካላት ጥራሕ ዝርከብ ዘይኮነስ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ኢንቨስትመንት ብምብርትታዕን ናይ ደገ ኢንቨስትመንት ብምስሓብን ክረጋገፅ ዝኽእል ብምኳኑ ሃገር/ክልልና ኢንቨስትመንት ንምብርትታዕ ዓበይቲ ፃዕርታት ትገብር ኣላ፡፡

ስለዚ ዋንነት ብዘየገድስ ኢንቨስትመንት ምህላው ጥራሕ ንሓደ ህዝቢን ሃገርን ዕብየት ወሳኒ ተራ ኣለዎ፡፡ ካሊእ ገዲፍና ናይ ትእምት ትካላት ኣብ ክልልናን ሃገርናን ብምጥያሸንን ብምንቅስቓሰንን ጥራሕ ንክልልናን ሃገርናን ዝለዓለ ረብሓ ኣለወን እንተበልና ማንም ዘይኽሕዶ ሓቂ እዩ፡፡

ይኹን እምበር ትካላት ትእምት ኣብ ክልልና ዝገበረኦ ኣስተዋፀኦ እንትርኢ

· ልዕሊ 29,000 ናይ ስራሕ ዕድል ብቀዋሚን ጊዚያዊን ፈጢረን ኣለዋ፡፡ /ሲቪል ሰርቫንት ክልልና 78,000 እዩ/

· ብክልልን ሃገርን ደረጃ እተን ዝለዓለ ግብሪ ዝኸፍላን ትክክለኛ ልምዓታዊ ባህሪ ዘለወን ትካላት ከምዝኾና

· ብኣሻሓት ዝቁፀሩ ናይ ክልልና መናእሰይ ክስልጥኑ፣ ብዳኣንት ተወዲቦም ናብ ስራሕ ክኣትውን ዕዳጋ ክተኣሳሰሩን ብምግባር ዝለዓለ ተራ ይፃወታ ኣለዋ፡፡ ሓደሽቲ በዓል ሃፍቲ ንክፍጠሩ ዝለዓለ ፃዕሪ ይገብራ ኣለዋ፡፡

· ናይ ቴክኒክን ሞያን ሰልጠንቲ ናይ ተግባር ስልጠና ክረኽቡን ዓቅሞም ከዕብዩን ዝለዓለ ድጋፍ ይገብራ ኣለዋ፡፡

· ብመንግስቲ ይኹን ብሰብ ሃፍቲ ክሰርሑ ዘይከኣሉ ዓበይቲ ኢንቨስትመንታት ኣብ ክልልና ክሰርሑ ብምግባር ናብ ኢንዳስትራላይዚሽን ዝግበር ጉዕዞ የቀላጥፋ ኣለዋ፡፡

እሞ ዝኾነ ኢንቨስትመንት እዞም ረብሓታት ዘርክብ እንተኾይኑ፣ ናይ ትእምት ትካላት ዋንነተን ብዘየገድስ ዋላውን ናይ ውልቀ ሰባት ኮይነን ወይከዓ ናይ ደገ ሰብ ሃፍቲ ኮይነን ኣብ ክልል እንተተጣየሸ እንታይ ፀገም ኣለዎ?

እዚ ኩሎም ብዛዕባ ትእምት ሕቶታት ዘልዐሉ ኣካላት ክምልስዎ ዝግባእ፡፡

ብምግባረ ሰናይ መዳያቱ

ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ረብሓታት ኢንቨስትመንት፣ እቲ ቀንዲ ዝድለ ረብሓ ኮይኑ እዚውን ብዝኮነ ናይ ቢዝነስ ትካል፣ ትእምት ውን ሓዊሱ ንክልልና ዘርክቦ ረብሓታት እዩ ነይሩ፡፡ ናይ ትእምት ትካላት ግን ካብ ማንም ናይ ቢዝንስ ትካል ንላዕሊ፣ ዋንነተን ናይ ህዝቢ ትግራይ ብምኳነን ጥራሕ ፍሉይ ሓለፋ ንህዝቢ ትግራይ ይገብራ ኣለዋ፡፡

ትካላት ትእምት ካብ ናይ ውልቀ ቢዝነስ ዝፈለየን ነገር እንተሃለወ ካብ ዘትረፍኦ ትርፊ ነቲ ህዝቢ ዘለዎ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገማት ዝፈትሑ ሓገዝ ንምግባር ንፁር ፖሊሲን ስትራቴጅን ኣንፈትን ነፂረን ምቅማጠን እዩ፡፡ በዚ መሰረት ክሳብ ሐዚ ክሳብ 1.04 ቢልዮን ብር ዝግመት ዝተፈላለዩ ድጋፋት ገይረን ኣለዋ ንምጥቃስ ዝኣክል፡-

ኣብ ትምህርትን ስልጠናን —–200 ሚልዮን

ኣብሓለዋ ጥዕና ———— 140 ሚልዮን

ኣብ ሕርሻን ተፈጥሮ ሃፍትን———- 31 ሚልዮን

ኣብ ምዕባለ ስፖርት ——— 167 ሚልዮን

ንዳኣንት ምጥንኻር—— 238 ሚልዮን

ንኣካለ ጉድኣትን ስድራ ስውኣትን ——– 213 ሚልዮን

ካልኦት ደገፋት ———50 ሚልዮን

ጠቕላላ 1.04 ቢልዮን

ንቅድሚት ተታሒዞም ዘለው መደባት

ብኢንቨስትመንት ደረጃ ንሃገርናን ክልልና ኣብ ኢኮኖሚ መዋቅራዊ ለውጢ (Economic Structural Transformation) ንምርግጋፅ ቁልፊ ተራ ኣብ ዘለዎም ዓበይቲ ኢንቨስትመንታት ኢንቨስት ንምግባር ዓብይ ርብርብ ይግበር ኣሎ፡፡ ሐዚ’ውን ክብርን መጎስን ንክቡር መራሒና መለስ ዜናዊ ቅድሚ ምስዋኡ ዝተወሰና ኣዋርሕ ናይ ትግራይና/ትእምት ናይ ኢንዱስትሪ ናይ 5 ዓመት ስትራቴጅ ሓንፂፁልና እዩ ከይዱ፡፡ ዋላኳ ብምኽንያት ሕፅረት ፋይናንስን ካልኦት ፀገማትን ዝተወሰነ ምጉታት እንተነበሮ ብኡ መሰረት ንምስራሕ ሰፋሕቲ ምንቅስቓሳት ይግበሩ ኣለው፡፡ በዚ መሰረት

1. ግዙፍ ናይ ፕላስቲክን ኬሚካልን ኢንዳስትሪ ንምህናፅ

2. ግዙፍ ናይ ሓፂንን ካልኦት ማዕድናትን ካብ ሓመድ ናይ ምውፃእን ምምካኽን ፋብሪካ ንምጥያሽ

3. ናይ ጨርቃጨርቂ ፋብሪካብ ብብዙሕ ዕፅፊ ንምስፋሕ

4. ከምኡውን ካልኦት ብዙሓት ተመጋገብቲ ተወሰኽቲ ፋብሪካ ታት በቢ ናይ ልምዓት ኮሪደሩ ንምህናፅ ሰፋሕቲ ምድላዋት ይግበር ኣሎ፡፡

እሞ ንምንታይ ደኣ እዮም ገለገለ ተቃወምቲ ውድባትን ሰብሃፍትን ብዛዕባ ትእምት እናልዓሉ ናይ ምድንጋር ወረታት ዘናፍሱ?

እዚ እቲ መንበባይ ክመያየጠሉን ባዕሉ ክምልሶ ገዲፈዮ ኣለኹ፡፡

ግን ትእምት ትካላት ፀገማት ኣለወን ዶ የብለንን?

ማንም ትካል ኣብ ቢዝነስ ተዋፊሩ እንትንቀሳቀስ ብዙሓት ፀገማት የጋጥምዎ እዮም፡፡ ከምቲ ኣብ መንግስታዊ መሓውር ንግምግሞ ናይ ሰናይ ምምሕዳር፣ ናይ ክራይ ኣካብነት ናይ ምፍፃም ዓቅሚ ፀገማት ንብሎም ኣብዘን ትካላት እዚአን እውን ኣለው፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ዕዳጋ ፀገማት ኣበገሊኡ እንተጋጥም ኣብ ገሊኡ ከዓ ዝሐሸ ይኸውን፡፡

ክራይ ኣካብነትን ሰናይ ምምሕዳርን እውን ከምኡ እዚ ከምቲ ተቃወምቲ ውድባትን ክራይ ኣካብነትን ዝብልዎ ብፉሉይ ኣብ ትእምት ትካላት ዘጋጥም ዘይኮነስ ከም ማንም ቢዝነስ ትካል መንግስታዊ ትካላትን ዘጋጥም ከምዝኮነ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ፡፡

እዚ ውን በቲ ውድብን መንግስትን ዘቀመጦም ኣንፈታት መሰረት ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ Reforms (ንኣብነት ካይዘን፣ ዓለምለኻዊ ናይ ኳሊቲ ስታንዳርድ፣ ፐርፎርማንስ ማኔጅመንት፣ ካልኦትን) ብምትእትታው ንምፍታሕ ፃዕርታት ይግበር፣ ለውጢታት’ውን ይረኣዩ ኣለው፡፡

እሞ እዙኹሉ መፀለምታን መደናገሪ ፕሮፖጋንዳን ደኣ ንምንታይ?

ሃገርና ኢትዮጵያ ካብቲ ንዘመናት እናተቐባበሉ ሰንሰን ዘብልዋ ዝነበሩ ፀረ-ዴሞክራሲያዊን ፀረ-ህዝብን ስርዓታት ብቃልሲ ህዝቢ ተናጊፋ፣ ሀዚ ሕገመንግስታዊን ዴሞክራሲያዊን ስርዓት ዘርጊሓ እነሆ ጋብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናማዕበለት ኣብዚ ደረጃ በፂሓ ኣላ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ዓመታት ሓደ መግለፂ ዴሞክራሲያዊ ስርዓትና ንብሎ ስልጣን ብናፃ ናይ ህዝቢ ምርጫ ስርዓት ጥራሕ ዝተሓዘሉ ኩነታት ምፍጣርና እዩ፡፡ ኣብዚ ናይ ምርጫ ስርዓትና ገዛኢ ፓርቲ ሓዊሱ ኩሎም ተቋወምቲ ውድባትን ዝሐሸ መማረፂ ኣለና ዝብሉ ኣካላትን ዕላምኦምን ፕሮግራማቶምን ብነፃነት ናብ ህዝቢ እናቕረቡ ዝወዳደሩሉ ዕድል ተፈጢሩ ሃገርና ሓሙሽተ ሰላማዊ፣ ነፃን ፍትሓዊን ናይ ክልልን ሃገራዊን ተወከልቲ ህዝቢ መረፃታት ተኻይዶም እዮም፡፡ ኣብዞም ዝተኻየዱ ናይ ህዝቢ መረፃታት ዝተረጋገፀ ሓቂ እንተሃለወ፣ መስመራት ልምዓታዊን ዴሞክራሲያዊን መንግስትና ውፅኢቱ ኣብ መነባብሮ ህዝብና መሰረታዊ ናይ ናብራ ለውጢ ምምፃእ ስለዝጀመረ ነዚውን ህዝብና ካብ ጫፍ ናብ ጫህ ሃገርና ዝርከብ ህዝብና ካብ ጊዘ ናብ ጊዘ ከስተማቕሮን ድጋፉ ክህብን ስለዝጀመረ እዚውን ንተቋወምቲ ሓይሊታት ርእሲ ሕማም ስለዝኾኖም እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ካብ ናይ ውድብና ዝሐሸ ንህዝቢ ዝኸውን ዕላማን ፕሮግራምን ከቕርቡ ስለዘይኽእሉ እቲ ዝመርፅዎ ዘለዉ ስልጣን መርከቢ መንገዲ፡-

· ኣብ ኣፈፃፅማ ገዛኢ ፓርቲ ዘጋጥሙ ፀገማት እናጋነንካ ብምቕራብ ንህዝቢ ምድንጋር፣

· ሀዚ ልምዓትና ኩሉ ይምስክረሉ ስለዘሎ፣ ኢትዮጵያ ለሚዓ እያ ክልልና ወይ ክልልካ ግን ድሕሪት ተሪፋ ብዝብል እቲ ሓደ ክልል ካብዙ ስርዓት ተጠቃማይ እቲ ካልእ ተጎዳኣይ ብምምሳል ምድንጋር፣

· ነቲ ርኡይ ለውጢ ዘምፅኡ ፕሮጀክትታትና መደናገሪ ወረ እናምፃእካ ምፅላም፣

· ከም ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ኣብ ሊብያ፣ ኣብ ሱዕዲ ኣብ ስደተኛታት ወገንና ምብስባስ እንትፍጠር፣ ስርዓትና ዝፈጠሮ ሽግር ኣምሲልካ ብምቕራብ ንምልዕዓል ምፍታንን ምድንጋርን፣

· ኣብዙ ልምዓት ዝለዓለ ተራ ዘለዎን ናይ ትእምት ትካላትና ዋና ከምዘይብለን፣ ይውረራ ከምዘለዋ፣ ነቲ ክልል ይብድላ ከምዘለዋ፣ ውልቀ ሓለፍቲ ከምድሌቶም ዝገብርዎን ከምዝኾና እናተቐባበሉ ምፅላም፣

· ብኣልማሚት ኣመራርሓ በስቢሱ ኢልካ ምጥቃን፣

· ካብ ማንም ጊዘ ንላዕሊ ክራይ ኣካብነት ገኒኑ፣ ኣድልዎ በዚሑ፣ ፍትሒ ተሳኢኑ፣ ወዘተ

እናበልካ ህዝቢ ክደናገርን ኣብቲ ናይ ባዕሉ ስርዓት ጥርጥር ክሓድሮን ኢሉውን ናብ ቅሬታን ናብ ዓመፅን ንክኣቱ ብምግባር፣ እዚ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ ስልጣን ንምብሓት ዝግበሩ ፃዕሪታት እዮም፡፡ ስለዚ ማንም ሃገሩ ዝፎቱ፣ ናይ ህዝቡን ሃገሩን ሰላም፣ ዴሞክራሲ፣ ልምዓት ዝምነ ግዱስ ዜጋ ነዚ ብየማነ ፀጋም ዝመፁ መዕነውቲ ፕሮፖጋንዳ ተገንዚቡ ብብቕዓት ክምክት ይግባእ፡፡

ጥቕልል ኣቢልካ እንትረአ፣ እዘን ትካላት ትእምት እዚኤን ውድብና ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዘውረሰተን ትካላት ኮይነን፣ ኣብ ክልልና ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድል ብምፍጣር፣ ናይ ክልልና ተፈጥሮ ሃፍቲ ክብሪ ብምውሳኽ ንዕዳጋ ኣብ ምቕራብ፣ ንናይ ክልልና ሰብ ሃፍትን ደቀቕትን ኣናእሽትን ንግዲ ትካላት (ደኣንት) ኣብ ምድጋፍ፣ ብኣጠቓላሊ ኣብ ናይ ክልልና ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ኢንዳስትሪያላይዜሽንን ዝለዓለ ኣበርክቶ ዝገብራ ዘለዋ ልምዓታዊ ትካላት ህዝቢ ትግራይ እየን፡፡

ስለዚ ማንም ትግራዋይ ኣብዘን ትካላት ትእምት እዚኤን ባዕሉ ከም በዓል ኣክስዮን ብምቑፃር ናይ ባዕሉ ትካላት ምኳነን ፈሊጡ ኣብዘን ትካላት ዝወርድ መዕነዋይ ፕሮፓጋንዳ መበገሲኡ ተረዲኡ ክምክትን ሃናፃይ ተራ ክህልዎን ይግባእ፡፡

ብዛዕባ ስደት

ኣይተ ዳዊት ገ/ሄር ካብ ዘለዐልዎም ዓበይቲን እዋናዊ ጉዳያትን ሓደ ብዛዕባ ስደት እዩ፡፡ እቲ ስደት ዘልዐልዎ ድማ ምስ ናይ ኤርትራ ብምትሕሓዝ እዩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሚኢትን ገለን ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለው ብሚዲያ ከምዝሰሙዑን ግን ናይ ተጋሩ ስደት ካብዚ ንላዕሊ ከምዝኮነ ብምግላፅ ነቲ ህዝቢ ትግራይ ብዘመነ ወያነ ከፊኡዎ እዩ ዘሎ ዝብል መልእኽቶም ከም መራጐዲ ገይሮምዎ፡፡ ምስ ዘይወዳደር ብምውድዳሮም ብጣዕሚ ገሪሙኒ፡፡ ንነገሩ ኣብ ኩሉ ከም መነፃፀሪ ገይሮም ዝወሰድዎ ምስ ናይ ጃንሆይ ስርዓት ኮይኑ ኣብ ናይ ስደት ግን ምስ ስርዓት ሻዕቢያ እዩ ነይሩ፡፡

ትግራይና ስደት እንትበሃል ንፈልጦ ብስንኪ ድርቂን ጥምየትን ህዝብና ዝብላዕ ዝለሓስ ስኢኑ ንዘመናት ናብ እኽለማይ ኣለዎ ካባና ይሓሹ እዮም ዝብሎም ከባቢ እናተሰደደ ፀኒሑ እዩ፡፡ ኣብቲ ስደት‘ውን ብዙሕ ሰብ እናረገፈ መፂኡ እዩ፡፡ እዚ ንዓና ንተጋሩ ዘይንፈልጦ ኣይኮነን፡፡ አረ ገሊኦም ፀረ ህዝቢ ሓይልታትስ ከም ነዚ ዝተፈጠርና ገይሮም ብምውሳድ ብዙሕ ሽማ-ሽም ከውፅኡልና ይስምዐዑ እዮም፡፡ ብምዃኑውን ካብቶም መንቀሊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑውን ሓደ እዚ እዩ፡፡ ህዝቢ ሰላምን ዴሞክራሲን ረኺቡ ዘመናዊ ቴክኖሎጂን ናይ ህርሻ እታዎታትን ተጠቂሙ ናብሩኡ ንከመሓይሽ ዕድል ንክረክብ እዩ ተቃሊሱ፡፡

ስለዝኮነ’ውን ህዝቢ ትግራይ ሳላ ቅኑዕ ህዝባዊ መስመሩን ውዱቡን፣ ሳላ እንተይተሰላቸወ ጠንኪሩ ዝተቃለሰ እቲ ንዘመናት ምኽንያት ስደቱ ኮይኑ ዝነበረ ፀገም ሐዚ ቀይሩዎ እዩ፡፡ ሐዚ ኣብ ትግራይና

· ዝብላዕ ዝስተ ስኢኑ ዝስደድ የለን

· ድርቅን ጥሜትን ኣስካሕኪሑዎ ዝስደድ የለን

· ሰላምን ምርግጋዕን ሲኢኑ ዝስደድ የለን

· ዴሞክራሲ ፀቢቡዎ፣ ንምንታይ ተቋወምካ ኢሉ ስለዝእሰር ንምታይ ተወዲካ ተባሂሉ ስለዝርሸን ዝስደድ የለን

· ኣብ ገዛእ ሃገሩከም ካልኣይ ዜጋ ስለ ዝቁፀር ዝስደድ የለን

· ኮታስ እቶም ቅድሚ ልምዓታዊን ዴሞክራሲያዊን ስርዓትና ዝነበሩ ምኽንያታት ሐዚ የለውን፡፡

እዚውን ሳላ ዝለማዕና ነዞም ኣብ ክልልና ዝነበሩ ምክንያታት ስደት ክነወግዶም ኪኢልና ኢና፡፡

ግን ስደት ኣሎ ዶ የለን?

ስደት ሐዚውን ኣሎ፣ መጠኑን ዓይነቱን ኣዚዩ ክንኪ ገይርናዮ እምበር ሐዚውን ኣይተረፈን፣ ዓብዪ ትኹረትን ስራሕን ዘድልዮ ጉዳይ እዩ ኮይኑ ዘሎ፡፡ ሐዚ ኣብ ሃገርና/ክልልና ዘሎ ስደት ብመሰረቱ ብኣቋራጭ ንክትዓቢ ናይ ምድላይ፣ ኣብ ሓፂር ጊዜ ኣይሱዝን ሚኒባስን ክተጥሪ ናይ ምድላይ ኣተሓሳስባ ዝወለዶ እምበር ድርቂ፣ ጥምየት፣ ስእነት ሰላም፣ ዘይምርግጋዕ፣ ፀረ ዲሞክራሲ ዝፈጠርዎ ስደት ኣይኮነን፡፡

ናይ ኤርትራዊያን ኣሓትና ስደትን ናትና ስደትን እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ?

ሰላም ዝነገሰላ ሃገር ሒዝካ፣ ከም ዓቅምኻ ጥራሕ ዘይኮነስ መንግስቲ ውን እናደገፈካ ተልምዐላ ሃገር ወኒንካ፣ ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን ስርዓት ዝነገሰላ ሃገር ወኒንካ፣ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ተግባራዊ ዝኮነላ ሃገር እናሃለወትካ፣ ዝብላዕ ዝስተ ከይሰኣንካ ዝግበር ስደት መንኣሰያት ክልልና/ሃገርና ከመይ ገይሩ ምስ ናይ ኤርትራውያን ኣሓትና ይነፃፀር? ወለድና ከምዚ ዝበለ እንትረክቡ፡-

“ኣቦያ ዘለዎ ዝበኪስ ኣቦ ንዘይብሉ ከብኪ” ይብልዎ፡፡

ኤርትራውያን ኣሓትና ዝስደዱ ዘለዉኮ፣ ን30 ዓመታት ተቓሊሶም ብዙሓት ቀያሕትን ፀለምትን መስዋእቲ ከፊሎም ነፃነታ ክተረጋግፅ ኣብ ዝገበሩዋ ዓዶም/ሃገሮም

· ነፃነትን ዴሞክራሲን ስኢኖም፣ ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ንምንታይ ተቋወምካ ኢሉ ስለዝእሰር፣ ንምታይ ተወደብካ ተባሂሉ ስለዝርሸን

· ብገዛ ሃገሮም ብስርዓት ሻዕብያ ሰላምን ምርግጋዕን ሲኢኖም፣ ሃገሮም ብሕጊን ሕገ-መንግስትን ዘይትምራሕ ሃገር ኮይናቶም፣

· ዝብህግዎ ዝነበሩ ልምዓት ስኢኖም፣

· ብደኣንት ተወዲቡ ንክሰርሕ ዝድግፍ ፖሊሲን ስትራቴጊን ስለዘየለ፣

· ዝብላዕ ዝለሓስ ስኢኖም፣

· ድርቅን ጥሜትን ኣስካሕኪሑዎም፣

· ብገዛ ሃገሮም ካልኣይ ዜጋ ስለ ዝቑፀሩ፣ ናይ ላዕለዎት ትምህርቲን ስልጠናን ብዝግባእ ስለዘይረክብ፣ እንተይፈተወ ውትድርና ግልጋሎት ክህብ ስለዝግደድ፣ እዩ፡፡

ኣብ ኤርትራ ንሪኦ ዘለና ስደት መወፃፅኢ ደኣ ይፍጠረሎም እምበር፣ ብዓይነቱን ብመጠኑን ፈፂሙ ምስ ናትና ዝረአ ዘሎ ስደት ዝነፃፀር ኣይኮነን፡፡ ኣብ በቢ ሰሙኑ ብዘይ ምቁራፅ ብኣማኢት ዝቑፀሩ መናእሰይ፣ ወታደራት፣ ኣንስቲ፣ ቆሉዑ፣ ዓበይቲ፣ ኣካለጉድኣት፣ ወዘተ ኤርትራውያን እኮ እዮም ናብ ሃገርና ዝውሕጁ ዘለዉ፡፡ ኣብዚኣ ኣይተ ዳዊት ዓዘራ ተዛሪቦም፡፡

እዚ ክብል ከለኹ ግን ናትና ስደት ፀገም ኣይኮነን ማለተይ ኣይኮነን፡፡ ኩሎም ስደታት ዋላ ኣብ ዓይነቶምን መጠኖምን ይፈላለዩ እምበር፣ ሂወት የጥፍኡ ኣለዉ፣ ኣካል የጉድሉ ኣለዉ፣ ስድራ የብርሱ ኣለዉ፣ ሃገርን ህዝብን የዋርዱ ኣለዉ፣ ስለዚ ዋላውን ሓደሰብ ይኹን ብስደት ክንስእን የብልናን ክንሰርሓሉ ኣለና፡፡

ካብቶም መበገሲ ፀገማት ስደት እቲ ቀንዲ ናይ ኣተሓሳስባ ፀገም ምዃኑ ተፈሊጡ፣ ብፍላይ ወለዲ፣ ናይ እምነት ትካላት፣ ናይ ትምህርትን ስልጠናን ትካላት፣ ናይ ከባቢ ሕብረተሰብ፣ ገበርቲ ሰናይ ትካላት፣ ካልኦት ዝምልከቶም መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ዝሳተፉሉ ኣወዳድባታት ብምፍጣር እዞም ናይ ኣተሓሳስባን ካልኦትን ፀገማት ንምፍታሕ ምንቅስቓሳት ይግበሩ ኣለዉ፡፡ ብፍላይ ኣብተን ስደት ዝበዝሐለን ወረዳታትን ጣብያታትን ሰፋሕቲ ኣንፃር ስደት ናይ ምልዕዓል ስራሕቲ ይስረሑ ኣለዉ፡፡

እዚ ዓብዪ ሓደጋ ናብ ዕድል ንምልዋጥ ዋላ ከምቲ ዝድለ ኣይኹን እምበር፣ ዜጋታትና ተማሂሮምን ሰልጢኖምን ሕጋዊ ብዝኾነ መንገዲ፣ ውሕስናን ሕጋዊ ውዕሊ ብዘለዎ መንገዲ ናብ ዝደለይዎ ሃገር ከይዶም ክሰርሑን ንባዕሎም፣ ንቤተሰቦምን ንሃገሮምን ክኾኑ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ፃዕሪታት ይገብር ኣሎ፡፡

ብፍላይ ወለድን ሕድሕድ ኣባላት ስድራን ሓላፍነቱ ክዋፃእ፣ ንሂወቱ ደቁን ቤተሰቡን ዋጋ ክህብን፣ ብኣቋራጭ ናይ ምዕባይ መንገዲ፣ መንገዲ ጥፍኣት ምዃኑ ተገንዚቡ፣ ከምቲ ወለድና ዝብልዎ “መንገዲ ጥዕና ዓመት ኪዳ’’ እዩሞ ኣብ ዓድና ሰሪሕና ንልወጠሉ ኣተሓሳስባ ክምዕብል ካብኡ ዝሓለፈ ድማ፣ ሕጋዊ መንገዲ ብምጥቃም ነዚ ሓደጋ ኩላትና ጠጠው ከነብሎ ይግባእ፡፡

ጥቅልል ኣቢልካ እንትረኣ ውድብናን መንግስትናን ናይ ስደት ሓደጋን ውርደትን ዝተረደኦ ሐዚ ስደተኛታት ወገናትና ኣብ ስዑዲ ስለተባባበሱ ኣይኮነን፣ ወይከዓ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ብጎማን ነዳዲን ስለተቓፀሉ ኣይኮነን፣ ወይከዓ ኣብ ሊብያ ብኣይ ኤስ ኣይ ኤስ ስለተሓረዱ ኣይኮነን፣ ወይከዓ ኣብ ባሕሪታት ቀይሕ ባሕሪን ሚዲትራንያን ስለጠሓሉ ኣይኮነን፡፡

ውድብናን መንግስትናን ቅድሚ 14 ዓመት ኣንፈታትን መስመራትን ጉዕዞ ህዳሴና እንትሕንፀፅ፣ ናይ ኩሎም ውርደታትና መበገሲን ቀንዲ ፀላኢናን ድኽነት እዩ፡፡ ካብ ድኽነት ንላዕሊ ዝኸፍእ ፀላኢ የብልናን፡፡ ካብ ድኽነት ንላዕሊ፣ ኣብ ናይ ዓለምና ኣደባባይ ክንዋረድን ሃገርና ናይ ድኽነትን ድሕረትን መመሰሊት ክትኮን ዝገበረ ካሊእ ፀላኢ የብልናን ብምባል መንግስትና ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ሓንፂፁ ንህዝቢ ኣሰሊፉ እንሆ ኣብ ዝሓለፉ 12 ዓመታት ሳለ መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ዝሰራሕና ለውጢ ኣምፂእና ኣብዚ በፂሕና ኣለና፡፡ እናለማዕና ኣብ ዝኸድካ ቁፅሪ መልክዖም ቀይሮም ዝመፁ ፀገማት እውን ካብቲ ዝተቀመጠ መስመርን ኣንፈትን እንተይ ወፃና ንምፍታሕ ይፀዓር ኣሎ ለውጢውን ይረአ ኣሎ፡፡ አረ ገሊኦምስ ገለ ምልክታት እናረኣዮ ካብ መንገድና ንከውፅኡና ናብ ኲናትን ኣካኪ ዘራፍን ከአትውና ዝፅዕሩ እንተሃለዉውን ነቲ መስመርና ከይሰሓትና ዘጋጥሙ ፈተናታት ብዓዎት እናሰገርናዮም መፂና ኢና፡፡

እዞም ኩሎም ፈተናታት ተሳጊሩ ኣብዚ ዝበፅሐ ህዝቢ ደኣ ሞ እንታይ ኮይኑ ጅግና ህዝቢ ዘይበሃል?

መን እዩ እቲ ጅግና

እሞ ዝነበረ ናይ 3-ሽሕ ዓመታት ናይ ድሕርሕሪት ጉዕዞ ማርሺ ቀይሩ ሃገርና ናይ ድሕረትን ውርደትን ኣብነት ዝነበረት፣ ሐዚ ዓለምና ብፋይናንሳዊን ኤኮኖሚያዊን ቅልውላው ኣብ እትሕመሰሉ እዋን፣ ሳላ ኣብ መስመር ውድቡ ህወሓት ኣሚኑ ዝተሰለፈን ቀትርን ለይትን ሳላ ዝለፍዐ፣ ናይ ቅልጡፍ፣ ፍትሓዊን፣ ቀፃልነትን ዘለዎን ዕብየት ክተመዝግብ ዝገበረ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኢትዮጵያን እንታይ ኮይኑ ጅግና ዘይበሃል፡፡ ጅግና ህዝቢ ትግራይ እንተተብሃለ ይንእሶ እምበር ኣይበዝሖን፡፡ ስለዚ እዚ ጅግና ህዝቢ ኩሉ ጊዘ እናኮርዐን እናተሓበነን ይነብር፡፡

ብኣንፃሩ ድማ ነዚ ብከቢድ ቃልስን መስዋእትን ህዝቢ ዝተረኸበ ዴሞክራሲያዊን ሕገመንግስታዊን ስርዓትና ጠቐር ክኸድኑ መዕነዋይን ፕሮፖጋንዳ ዝነፍሑ፣ ህዝቢ ቀሲኑ ኣብ ልምዓት ከይዋፈር በለካ ለኽዐካ እናፈሓሱ ከደናግሩ ዝውዕሉ፣ ነቲ ዓለም ሙሉእ ዝመስከሮ ልምዓትናን ኣብ ሕድሕድ ገዛ ዝረአ ለውጥታትናን ኣይተለወጥካን ዝተለወጥካ እንዳኣሉ መሲሉካ እናበሉ ወግሐ ፀብሐ ንህዝቢ ዘደንቁሩ፣ መንግስትና ልቓሕ፣ ልምዓታዊ ድጋፍ፣ እንትሓትት ኣብ ኣደባባይ ዝቃወሙ፣ እዚኦም ነቲ ህዝቢ ዘይውክሉ ክርዳዳትን እብቲ ዝኒሄ ልምዓት መዕነዋይ ተራ ዝነበሮም ብምዃኖም ዘልኣለም እናሓፈሩ ዝነብሩ እዮም፡፡

መጠቓላሊ

ኣነ እዚ ክፅሕፍ ዝደፋፈአኒ ነገር ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዝገለፅክዎ ኣብ ክልልና፣ ኣብ ሃገርና፣ ኣብ ውድብና ፀገማት ከምዘየለው ንምግላፅ ኣይኮነን፣ ወይከዓ ኣይተ ዳዊት ገ/ሄር ምንም ፀገም ኣይገጠሞምን ንምባል ኣይኮነን፡፡

ዕላማ ፅሑፈይ ኣይተ ዳዊት ብዘጋጠሞ ቢሮክራሲያዊ ሕልኽልኻትን ንሕቶኦም ቅልጡፍ ምላሽ ብዘይምርካቦምን ምኽንያት፣ ንጠቅላላ እቲ ስርዓት ናብ ሕቶ ዘእቱ ሓሳባት ኣብ ኣደባባይ ስለዝገለፁ፣ ህዝቢ ካብ ማንም ጊዘ ንላዕሊ ኣብ ዘመነ ወያነ ከምዝተዋረደ ዝዓይነቱ፣ ኩሎም ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝኮኑ ፀበብቲ ትምክሕቲ ሓይሊታት እነኮላይ እኒ ሻዕብያ ዝብልዎም ዘረባታት ካብ ሓደ ግዱስ ትግራዋይ ኢለ ዝሓስቦም ወገን ብምስመዐይ ምላሽ ክህብ ኢለ ተለዓዒለ እየ ዝፀሓፍክዎ

· ቀንዲ ልኡኽ እዚ ምላሸይ ስርዓት ወያናይ-ዴሞክራሲ ምስ ስርዓት ጃንሆይ ወይ ደርጊ ንምንፅፃር ኣይኮነን ፈፂሞም ዘይራኸቡ ክነፃፀሩ ዘይኽእሉ ከመይ ገይረ ከነፃፅሮ፣

· ወይከዓ ወያናይ ዴሞክራሲ ዝረኸቦም ዓወታት ንምዝርዛር ኣይኮነን ክንደይ ኢለ እሞ ዘርዚረ ክውድኦ ወይከዓ

· ህዝቢ ዘጋጥሞ ዘሎ ፀገም፣ ንምሽፋን ኣይኮነን እንተተፈተነ ውን ክትሽፍኖ ኣይትኽእልን ወይከዓ

· ኣብ ስርዓትናን መንግስትናን ዘለው ናይ ሰናይ ምምሕዳርን ክራይኣካቢነትን ፀገማት ንምቅላል ኣይኮነን፣ ኣብ ኣደባይ ፀገምና ምዃኑ ብዕሊ ኣዊጅና፣ ብተሳትፎ ህዝቢ ንምፍታሕ ንሰርሕ እንዶ አለና፡፡ ከመይ ገይረ ከቃልሎ?

· ኣይተ ዳዊት ገ/ሄር ፀገም ኣየጋጠሞምን ንምባል ኣይኮነን ባዕሎም ፀገም ኣጋጢሙኒ እናበሉ ከመይ ጌርካ ይከሓድ ስለዚ ቀንዲ ዕላማ ፅሑፈይ

ስለዚ አነ ነቲ ኣይተ ዳዊት ገ/ሄር ዝሃብዎ ዘይሚዛናዊ ዘረባ፣ ዘሕለፍዎ መዕነዋይ ፖለቲካዊ ሓዘል መልእኽቲ መሰረት ዘይብሉ ምኳኑ፣ ኣብ ልዕሊ ውድብና ህወሓት ዝተነፃፀረ መዕነዊ ዘረባ ምኳኑን ንምርኣይን ሚዛኑ ንምሕላው ዓሊሙ ዝተዳለወ ምኳኑ ክሕብር ይፈቱ፡፡

ገለ ካብ ዝተውሃቡ ሪኢቶ

ደርባዊ ቦታ (ተረፍ መረፍ ዘውዳዊ) ፡-

ገለ ወሃብቲ ሪኢቶ ኣይተ ዳዊት ገ/ሄር ኣርባዕተ ኣሕዋቶም ዘጋደሉ፣ ሰለስተ ዘሰውኡ ከመይ ገይርካ ኣብ ተረፍመረፍ ዘውዳዊ ስርዓት ተቐምጦም? ንብዙሓት ደቂ መሳፍንቲ ተጋደልቲውን ትፍርጅ ኣለኻ ማለት እዩ ዝበሉኒ ኣለው፡፡

ኣብዚ መንበባይ ክርድኦ ዘለዎ ደርባዊ ቦታ ዝፍረጅ ብዘርኢ፣ ኣዐፅምቲ ስጋ ዘይኮነስ ብኣተሓሳስባ እዩ፡፡ ተጋደልትና ድማ ዘርኦም ዓፅመ ስጋኦም ብዘየገድስ ህዝባዊ ዕላማ ሒዞም ዝተበገሱ ኣብ ዓወት ዘብፅሑና እዮም፡፡ ከመይ ገይሮም ከ ምስ ኣይተ ዳዊት ሓደ ክፍረጁ? ብፍላይ ኣሕዋት ኣይተ ዳዊትን ካልኦት መሰል ተጋደልቲን እኮ፣ ናብ ዚ ውድብ እንትፅምበሩ ነቲ ዝነበረ መስፍናዊ ስርዓት ንቂፎም ፀረ ህዝቢ ከምዝኾነ ኣቐሚጦም እዮም ተጋዲሎም፡፡ ናይ ወለዶም መሬት ኣሕዲጎም ነቲ ውፅዕ ህዝቢ ብማዕረ ዘከፋፈሉ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ከመይ ገይሩ ናብ ተረፍመረፍ ዘውዳዊ ስርዓት ክፍረጁ፡፡ ስለዚ ንደቂ ህዝቢ ኣይፈረጅኩን፡፡ ንኣይተ ዳዊት ውን ካብቲ ዝተዛረቡዎ እምበር ካብ ትውልዶም ካብ ዓፅመ-ስገኦም ተበጊሰ ኣይፈረጅኩዎምን፡፡

ከመይ ዝበለ በዓል ሃፍቲ የድልየና ዝብል ሕቶ ፡-

ሐዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ በዓል ሃፍቲ ናይ ነፃ ዕዳጋ ኩነታት እንትመቻቾ በቲ ቅኑዕን ነዊሕን ልምዓታዊ መንገዲ ክኸድ ዝኽእል ብምኳኑ ናይ ልምዓታዊ ዴሞክራሲያዊ መንግስቲ ተጠቃሚን ደጋፊን ሓይሊ ክኾን ዝኽእል እዩ፡፡ ፀገማት እንተጋጥምዎ ምውድዳር እንትስኣኖን ግን ናይ ምንሽርታትን ናብ ናይ ኣቋራጭ መንገዲ ናይ ምኻድ ዕድሉ ብጣዕሚ ሰፊሕ እዩ፡፡ ናይ ሃገርና ኩነታት ክንሪኦ ከለና ድማ ብጣዕሚ ሰፋሕቲ ናይ ዕዳጋ ዱድለታት ስለዘለዉ ንክትወዳደር መፀገሚ ኩነታት (ፀገማት መሰረተ ልምዓት፣ ብቑዕ ሓይሊሰብ፣ እኹል ፋይናንስ፣ ቢሮክራሲያዊ ሕልኽልኻት፣ ወዘተ) ስለዘሎ እቲ ናይ ምንሽርታት ዕድል ዝበልናዮ ወይከዓ ብግበረለይ ክገብረልካ፣ ምስ ሰበ ስልጣን ብምፅጋዕ ወይ ስልጣን ብምሓዝ፣ ብኣቋራጭ ወይ ካብ ሕጊ ወፃእ ክትከድ ናይ ምድላይ ዕድሉ ዝለዓለ እዩ፡፡

ስለዚ ከምዚ ዓይነት ዕድል ኣብ ዝሰፍሓሉ ሃገር እቲ ባዓል ሃፍቲ ምስቲ መሪሕ ውድብ ክህልዎ ዝግባእ ርክብ ብርሑቑ እዩ ክኾን ዝግባእ፡፡ ካብዚ ወፃእ ግን እቲ በዓል ሃፍቲ ኣብቲ መሪሕ ውድብ ዝኣትወሉን ከምድሌቱ ዝሓማዙቖሉን ዕድል እንተተፈጢሩ ግን እቲ ስርዓት ካብ ናብ ልምዓታዊ ናብ ናይ ክራይ ኣካብነት መንገዲ ናይ ምኻድ ዕድሉ ዝዓበየ እዩ፡፡ ናይኒ ታይዋንን ኮርያን ተሞክሮ ዘሪኤና እዚ እዩ፡፡ ስለዚ ኣነ ከም ኣይተ ዳዊት ገ/ዚሄር ዝበሉ በዓል ሃፍቲ እንትብል ኣይተ ዳዊት ነቲ ስርዓት ስለዝነቐፉ ዘይኮንኩስ ዝብል ዘለኹ፣ ብሱሩ ልምዓታዊ ዴሞክራሲያዊ መስመርና ሓደ ባህሪኡ ምስ በዓል ሃፍቲ ዝህልዎ ርክብ ብርሑቑ፣ እቲ ውድብ ኣብ ጁባ በዓል ሃፍቲ ምእታው እንተጀሚሩ ኩሉ ነገር ዓለሙ ሃሊቑሉ፣ ተጨውዩ ማለት እዩ፡፡ ስለዚ በዓል ሃፍቲ ደጋፊ እምበር ኣባል መሪሕ ውድብ ክኾን ኣይኽእልን፡፡ እንተደሊዩ ናይ ባዕሉ ፓርቲ ኣጣይሹ ክወዳደር ግን ማንም ኣይኽልክሎን፡፡ ስለዚ ንኹሎም በዓል ሃፍቲ ወገናትና እምበር ንኣይተ ዳዊት ጥራሕ ኣይኮነን፡፡

ዓወት ንመበል 12 ጉባኤ ህወሓት
ክብርን መጎስን ነቶም ጉርዲ ዘይለግቦም ስውዓትና
****************

Guest Author

more recommended stories