ዘይተዘመረሉ ጅግና- የማነብርሃን ብርሃነ (ባቡር)

(Save Adna)

የማነብርሃን ብርሃነ ኣብ ኤርትራ መንደፈራ ተወሊዱ፡፡ኣቡኡ ግራዝማች ብርሃነ ወ/ሚካኤል ቆልዓ እናሃለዉ ኣቡኦም ብሹማት ካብ ዓጋመ ናብ መንደፈራ እንትኸዱ ሓቢሮም ከይዶም፡፡

የማነብርሃን ካብ ብንእስነቱ ጀሚሩ ኣዝዩ በሊሕ ተምሃራይን ኩለመዳያዊ ንቕሓት ዝዓደሎን ነይሩ፡፡ ንቲ ናይ ኣቡኡ ዓቀይታዊ ስርዓትን ድሑር ባህልታትን ኣሰራርሓትን ይነቅፍ ነይሩ፡፡

ኣብ ትግራዋይነትን ኢትዮጵያውነትን መንነቱ፣ ኣብ ባህሉን ቋንቁኡን ዝነበሮ ፍቕሪ መሰታ ዝነበሮ አይኮነን፡፡

ትግራይዛ ትግራይና ዘይብላ መሰታ

ዝፋሓር ከለዋ መኣድን ትሕቲ ባይታ

ዝረኣይ ከለዋ ዝእረ ብለቖታ

ኣብ ስደት በኒኖም ክተርፉ ኣዝርእታ

ካብ ዓዶም ዝወፁ ሓጋይ ምስፍልሰታ:

ብዘርእኻ መስክር ኩራዕ ተበራበር

ትግራዋይ ሓቦኛ ተፀቂጥካ ኣይትንበር

ካብ የማነብርሃን ብቑልዕነቱ ዝፀሓፎም ግጥምታት ሓደ እዩ፡፡

የማነብርሃን ብ1962 ዓ.ም ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብባዮሎጂ ብፀብለልታ ተመሪቑ፣ ናብታ ዝብህጋ ዓዱ ትግራይ ናብ ዓድግራት ድማ ተመዲቡ፣ ኣብ ኣግኣዚ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ናይ ባዮሎጂ መምህር ኮይኑ፣ ፀኒሑ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ንግስተ ሳበ ተዘዋዊሩ፣ ምክትል ርእሰ-መምህርን መምህርን ኮይኑ ብሓያል ፍቕሪን ወነን ስርሑ ጀሚሩ- 1967፡፡

የማነብርሃን መምህርን ምክትል ዳይሬክተርን ኮይኑ እቲ ስርዓት ፈፂሙ ዘይፈቕዶ ምዃኑ እናፈለጠ ብትግርኛ ምምሃር፣ ኣኼባታት ምክያድ፣ ምልክታታት ምልጣፍ፡፡ ኣብ ታሪኽ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ስርዓታት ንመጀመርያ ግዘ ምልክታ ብትግርኛ ዝለጠፈ ድማ የማነብርሃን ኮይኑ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ የማነብርሃን መስርዕ ተምሃሮ ብትግርኛ “ሰጥ በል”፣ “ዕረፍቲ” ዝብል ዓብዪ ወነ ዝነበሮ ትግራዋይ ነይሩ፡፡Photo - Yemanebrhan Berhane (babur)

ህ.ወ.ሓ.ት ለካቲት 11 ውልደታ እንተበስር የማነ ቁምጣ ስረ፣ ጋምባለ ገይሩ ውዒሉ፡፡ የማነ ካብ መጀመርዩኡ ኣባል ስርዒት ህ.ወ.ሓ.ት እዩ ነይሩ፡፡ ተምሃሮኡ እናሰለፈ ድማ ናብ ገጠራት ትግራይ እናወረደ ንሓረስቶት ምሕጋዝ፣ ሓሳብ ልቦም ምድማፅ ስርሐይ ኢሉ ሒዙዎ፡፡ የማነብርሃን ንሓረስቶት ትግራይ ዝነበሮ ፍቕሪ መጠን ዘይብሉ ነይሩ፡፡ የማነ ምስ ሓረስቶት ትግራይ ዓብዪ ምትእስሳር እዩ ፈጢሩ፡፡ ብፍላይ እዚ ንስርዓት ደርጊ ድቃስ ዝኸልአ ነይሩ፡፡

የማነ ዝገብሮ ዝነበረ ምንቅስቓሳት ዝተዓዘበ ደርጊ ብ1967 ዓ.ም ኣብ መቐለ ኣሲሩዎ፡፡ ብርቱዕ ስቓይን መግረፍትን ድማ ወሪዱዎ፡፡ ፍረ ነብሩ እንተይተረፈ ቀጥቂጦምዎ፣ ብዝረሰነ ሓፂን ኣንዲዶምዎ፡፡ ምንም ምሽጥር ግን ክረከቦ ኣይከኣለን፡፡ ስለዚ ናብ ዓድዋ መሊሶምዎ ድማ ስርሑ ቀፂሉ፡፡

የማነብርሃን ኣብቲ ከባቢ ብዘነበሩ ብዙሓት ደቆም ዘጋለዱ እንዳበይ ረታ ዝበሃሉ ዓቀይታይ ኣቢሉ ምስ ህ.ወ.ሓ.ት ረኽቡ ቀፂሉ፡፡ ብ1968 ዓ.ም የማነብርሃን ንኻልኣይ ግዘ ኣብ ዓድዋ ተኣሲሩ፡፡ ካብኡ ናብ ኣኽሱም ወሲዶምዎ፡፡ ብሄሊኮፕተር ብመቐለ ኣቢሎም ናብ ዓድግራት ወሲዶምዎ፡፡ የማነብርሃን ዝበፅሖ መግረፍቲን ስቓይን ንቓላት ዝኸበደ እዩ፡፡ ቀጥቂጦም፣ ረጊፆም፣ ቆርበጡ ቀሊጦም ምንም ነገር ክረኽብሉ ስለዘይከኣሉ ናብ ኣስመራ ይወስዱዎ፡፡ ኣብኡ እውን ቀጥቂጦም ምስመነዉዎ ናብ ሰምበል ቤት ማእሰርቲ ይዳጉንዎ፡፡

ኣብ መወዳእታ ምንም ጥር ትብል ምሽጥር ክረኽበሉ ዘይከኣለ ስርዓት ደርጊ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ሕሱም ስቓይ ንየማነብርሃን ፈቲሑ ናብ ዓዲግራት ቤት-ትምህርቲ ኣግኣዚ መዲቡዎ- 1970፡፡ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዳይሬክተር ድማ ኮይኑ፡፡ ትምህርትቤት ኣግኣዚ ድማ ሓያል ዋዒን ሂወትን ሰሪዑላ፡፡

ኣብቲ ዓመት እቲ ፍፁም ብዘይተገመተ መልክዕ ንየማነብርሃን ናብ መፃወዲያ ንምእታው ይመስል ናይ ኣውራጃ ኣኽሱም ዋና መማሓደሪ ከይኑ ተሸይሙ፡፡ ካብ ዓድግራት ድማ ናብ ኣኽሱም ተዛዊሩ፡፡ ናይ ኣውራጃ ዋና መማሓደሪ ምዃን ገዚፍ ስልጣን እዩ፡፡ የማነ ግን እዚ መፃወድያ ምዃኑ ኣይጠፍኦን፡፡ ብዙሕ ሰብ ግን በቃ የማነ ናብ ደርጊ ኣቲዩ ኢሉ ሓሲቡ ነይሩ፡፡

የማነብርሃን ዋና መማሓደሪ ኣውራጃ ኣኽሱም ኮይኑ ብሓደ ቢራራ ዝበሃል ሓረስታይ ኣቢሉ ምስ ህ.ወ.ሓ.ት ዘለዎ ረኽቢ ቀፂሉ፡፡ ተቖፂሮም ዘይውድኡ ስራሕቲ ውድብ ድማ ምስራሕ ጀሚሩ፡፡ ኮነ ኢሉ ሓደሓደ ወራራት ደርጊ ክፈሽሉ፣ ሚሊሻታት ደርጊ ክፈርሱ ወ.ዘ.ተ ዕውት ስራሕቲ ይሰርሕ ነይሩ፡፡ ኣብቲ ኣውራጃ ድማ ብትግርኛ መንግስታዊ ስራሕቲ ምክያድ፣ ኣኼባታት ምስላጥ፣ ፅሑፋት ምፅሓፍ ጀሚሩ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ድማ “ሰታሪት” እትብሃል ጋዜጣ ብትግርኛ እናፀሓፈ ምብታን ጀሚሩ፡፡ “ፍልጠት ንጀመርቲ”፣ “ንባብ ንሓረስቶት” ዝብላ ፅሑፋት ድማ ናብ ሓረስቶት ትግራይ ዘርጊሑ፡፡ ኣብ ጓጓ ደርጊ ኮይኑ ማእለያ ዘይብሎም ኣዝዮም ዘስደምሙ ዕማማት ይውግን ነይሩ፡፡

የማነብርሃን ጥሪ 12/ 1973 ዓ.ም ብሓደ ዝሰለመ ተጋዳላይ ህ.ወ.ሓ.ት ነበር ኣባል ስርዒት ምዃኑ ተጋሊፁ፡፡ ከምልጥ ክብል ድማ ተታሒዙ ተኣሲሩ፡፡ ናብ መቐለ ድማ ተወሲዱ፡፡ ኣዝዮም ዘስካሕክሑ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊኡ ተፈፂሞም፡፡ ብመቑሕ ኢዱን እግሩን ተኣሲሩ፣ መዓልቲ መዓልቲ ድማ መግረፍቲ ይበፅሖ ነይሩ፡፡ ኣብቲ ቤት-ማአስርቲ መቐለ ኣብቲ እዋን ክንድኡ ኣብ መቑሕ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ኣይነበረን፡፡ ስለዚ ድማ እሱራት ባቡር ዝብል ሳጓ ሂቦምዎ፡፡ ከምኡ እውን ኮይኑ ግን የማነብርሃን ድምብርፅ ዝብሎ ኣይኮነን፡፡ የግዳስ ንዝተኣሰሩ ከበረታትዕ፣ ደርጊ ፈራሲ ምዃኑን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተሳኺኡ እቶም ኣሰርቶም ፍርዲ ከምዝረኽቡ፣ ክተሩ ከምዘለዎ፣ ተስፋ ክቖርፁ ከምዘይብሎም ይመኽሮም ነይሩ፡፡

ብ1974 ዓ.ም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተወሲዱ፡፡ የማነ ኣብ ናየ ኣዲስ ኣበባ ቤት ማእሰርቲ እውን ብሞራሉ፣ ስነ-ምግባሩ፣ ሓቡኡ፣ ኩለመዳያዊ ፍልጠቱን ምስ ሰብ ዘለዎ ናይ ምቕራብ ተውህቦን ኣብ ሓፂር እዋን ብኹሎም እሱራት ክብሪ ክረክብ ኣኽኢሉዎ እዩ፡፡ ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ዝተፈላለዩ ትምህርቲታት ይህብ፣ ንእሱራት የበረታትዕ፣ ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ የምህር ነይሩ‹‹ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ሰሩዕ ትምህርቲ ድማ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ኣካውንቲንግ ኮይኑ፡፡

ብውልቁ ድማ የማነ ዝተፈላለዩ መፃሕፍቲ የዳሉ ነይሩ‹‹ እንተንኣሰ ብግልፂ ዝፍለጡ ኣርባዕተ መፃሕፍቲ ናብ ምውድኡ ገፅ ነይሩ፡፡ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ናብ ትግርኛ ናይ ምትርጓም ስራሕቲ እውን ይውግን ነይሩ፡፡ ሐዚ እቶም ፅሑፋቱ ኣበይ ከምዝኣተዉ ዝፈልጥ የለን፡፡ ምናልባሽ ደርጊ ኣቃፂሉዎም ክኸውን ይኽእል፡፡

የማነብርሃን ለይቲ ጥቅምቲ 21/ 1978 ዓ.ም ምስ ካልኦት 58 እሱራት ተረሺኑ፡፡ ነብሱ መንግስተ ሰማይ የዋርሳ!

የማነብርሃን 8 ቋንቋታት ኣቀላጢፉ ይዛረብን ይፅሕፍን ነይሩ- ትግርኛ፣ ትግረ፣ ዓረብኛ፣ ጣልያንኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ፈረንሳይኛ፣ ጀርመንኛ::

የማነ-ብርሃን ብርሃነ ፈታዊ ህዝቡ፣ በዓል ራኢ፣ ዓቃል፣ ፈላጥ፣ ፅኑዕ፣ በዓል ሓቦ፣ ግርማ ሞገስ ዝተዓደለ በሊሕ፣ ጅግና ትግራዋይ ነይሩ፡፡ የማነብርሃን ብፍላይ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ፣ ባህልን መንነትን ተጋሩ ዝነበሮ መዘና ዘይብሉ ኣበርክቶ ኣብ ግምት ኣትዩ ብስሙ ሓደ ቀዋሚ ነገር ክትከል፣ ሓደ ትካል ወይ መንገዲ ብስሙ ክስየም፣ ብሓፈሻ ዝነበሮ ልዑል ኣበርክቶ ኣብ ፍልጦ ክወሃቦ ይግባእ፡፡

(ዋና ፍልፍል ሓበሬታ፡ ተራሮችን ያንቀጠቀጠ ትውልድ)

****************

Guest Author

more recommended stories