ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ(ህወሓት)ን ሀገራዊ ባህልናን

“ህወሓት መዋእሉ ብዙሓት ፈተናታት እናሰገረ እናስዓረ ዝመፀ ኣብቱ እዋን ካብ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ውድባት  ብዕላምኡን ህዝባውነቱ ጎሊሁ ዝወፀ ፅኑዕ ውድብ እዩ” – ኣቦይ ሰብሓት

“ ቃልሲን መስዋእትን ህዝቢ ትግራይ…… ህዝብታት ኢትዮጵያ በብዘለውዎ ተበቲኖም ኣብዛ ሃገር ለውጢ ንኽመፅእ ዝኸፈልዎ መስዋእቲ’ውን ከንቱ ንኸይተርፍ ዝገበረ’ዩ….” – ቀዳማይ ምንስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ

“ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት ንህዝቢ ተኽክለኛ ፍትሒ ክህብ እንተልይዎ መሓውራቱ ዝህብዎ ፀብፃብ ሙሉእ ዘይኽኾን ስለዝኽእል ብቐጥታ ንህዝቢ ረኺቡ ኩነታት ህዝቢ ዝፍልጠሉ መንገዲ ክናዲ ይግባእ” – ኣባይ ፀሃየ

“ተጋዳላይ ህወሓት ምስ ፀላኢ ስቕ ኢሉ ዝጃፋዕ ደንባር ሰራዊት ዘይኮነስ ንኹነታት ብደንቢ ዝርዳእ፣ ሓበሬታ ዘየምልጦ፣ ንኩነታት ነቒሑ ዝከታተል ‘ዩ ነይሩ” – ኣቦይ ስብሓት

ወርሒ ለካቲት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብፅቡቕ ኮነ ብሕማቕ ኣዕርየን ካብ ዝለዓላን ሰፈር ታሪክ ዝኾናን ኣዋርሕ እታ ቅድሚት እያ ተተባሂላ ምግናን ኣይኸውንን፡፡

ካብ ሃገራዊ ኩርዓት ሓሊፋ ኩርዓት ውፅዓት ህዝቢታት ዓለም (ብፍላይ ፀለምቲ) ዝኾነ ዓወት ዓድዋ ኣብ ወርሒ ለካቲት እዩ ተፈፂሙ፡፡(23 ለካቲት ዓወት ዓድዋ)

12 ለካቲት ፋሽሽቲ ጣልያን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ንዜጋታት እዛ ሃገር ዝጨፍጨፍሉ ኮይኑ ታሪኽ ብኽፉእነቱ ዝመዝገቦ’ዩ።

ለውጢ/ወያነ 66 ኣብ ወርሒ ለካቲት’ዩ ተፈፂሙ። ሓደ ዓብይ ምዕራፍ ታሪኽ’ዩ ኣብ ኢትዮጵያ ይጥቀም ይጉዳእ ካልእ ኮይኑ፡፡ ካልኦት ፍፃመታት’ውን ኣለው፡፡

ኣብዙይ ከልዕላ ዝደለኹን ካብ ኩሎም ዝደመቐትን ግን 11 ለካቲት እያ፡፡ ዝደመቐት ዝበለኩሉ ምክንያት ካብቶም ካልኦት ዝፈልያ፤ እቶም ካልኦት ሐሕማቖም እንመሃረሎም ገለ ጥንካረኦም ድማ እንወስደሎም ዓበይቲ ምዕራፋት ታሪኽ ምዃኖም’ዩ። 11 ለካቲት ግን ነቶም ኩሎም ሕልኸላኻት ንሓንሳእን ንሓዋሩን መልክዕ ሒዞም ከም ሃገር ንምፍታሕ መንገዲ ዝፀረገት ናይ ሓደ ግዘ ፍፃመ ጥራሕ ዘይኮነትስ ከም መበሰሪት እቲ ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ብርሃን ስለዝኾነት እዩ፡፡

ኣብዛ ፅሕፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ውፃእ ወረድን ንዕኡ ሓሊፋ ዘመዝገቦ ዓወትን ብምልኡ ንምግላፅ ኣይኮነን (ዝካኣል ስለዘይኮነ) ብዓበይትን ክፋላትን መፃሕፍቲ ጥራሕ ክትርኽ ዝኽእልን ዝግበኦን ስለዝኾነ፤ እንታይ ደኣስ ኣብዛ ቅንያት ካብቶም መስረቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እቶም ዕንቁታት ተጋዳልቲ ስብሓት ነጋን ኣባይ ፀሃየን ብምክንያት 11 ለካቲት (መበል 39 በዓል ምስረታ) ዝቀረበ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ መሰረት ገይረ ሓደ ሓደ ከብል ደልየ’የ፡፡

እዞም እነኽብሮምን እንፈትዎምን ወለድናን መራሕቲ ወያነ ትግራይ ዝኾኑ ነባራት ተጋደልቲ፤ ታሪኽ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ንወለዶ ክመሓላለፍ ተገድሾም ብተበግሶ ስለዘካፈሉና ብስመይን ብስም መንበብትን ዝለዓለ ምስጋና ይበፃሓዮም፡፡ ውራይና ድማ እዞም ሓርበኛታት ዘዘንታውዎ ከምዘለውዎ ኣብ ከይዲ ክተሕትም ምዃና ቃል ኣትየ ንሐዚ ብፍላይ ኣቦይ ስብሓት ቅድሚ ናብቲ ዛንታ ተጋድሎ ምእታው ሃገራዊ ባህሊ ኢሉ ዘቕረቦ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝተሰመዕኒ ንዕኡ ኣሕፂረ ከቕርብ እየ።

ባህሊ ንልምዓት ይኹን ንህንፀት ዲሞክራሲ ወሳኒ ግደ ዝፃወት ስለዝኾነ ክፅናዕ ኣለዎ ኢሉ ዝጀመረ ኣቦይ ስብሓት፤ ባህሊ ጥንኩርን ድኹምን ወይ ሕማቕን ፅቡቕን ጎኒ ኣለውዎ ኢሉ ዘልዐሎም ነጥብታት፦

1. ውልቃውነትን ሓበራዊነትን፦ ሓደ ህዝቢ- ባህሊ ሓቢርካ ምስራሕ፣ተሓጋጊዝካ ምዕባይ፣ተደጋጊፍካን ተመካኺርካን ምምራሕ፣ ህዝቢ እንትርባሕ ረብሓይ ይረጋጋፅ ኢልካ ምእማን ዝመሰለ ዓብላላይ ባህሊ ዘለዎ እንተኾይኑ ጠንካራ (ፅብቕ) ባህሊ ኣለዎ ማለት’ዩ። ብግልባጡ ንባዕለይ ጥራሕ ካብ በሓባር ንስራሕ ዝብል በይነይ ክሰርሕ ዝብል፣ በይነይ ክዓቢ፣ ንዓይ ጥራሕ ስምዑኒ ..ወዘተ ዝብል ዓብላላይ ባህሊ ዘለዎ ድማ ድኹም ባህሊ ዘለዎ ማሕበረሰብ ይኸውን። ናህና ኣበይ ይምደብ? ዝብል ምፍታሽ!!

ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ግን ሓበራውነት ማዕቢሉ ከምዝነበረ ኣየጠራጥርን፡፡

2.ሓዱሽ (ዘይፍለጥ ነገር) ምውጋድ (Uncertainty av0idcnce)

ናብ ሓድሽ ነገር ሓሲቡን ኣስተንቲኑን፤ ከጋጥም ዝኽእል ፀገም ገሚቱን እንተጋጥም ንምፍታሕ ተዳልዩን ዝኣቱ፤ ሓድሽ ነገር ዝፈጥርን ዝቕበልን፣ መሃዛይን ሓታታይን ባህሊ ዘለዎ ጠንካራ ባህሊ ’ዩ፡፡

ኣብታ ዘለዋ ክነብር ዝመርፅ፣ ሓድሽ ነገር ዘይቕበል፣ ቅድሚ 50 ዓመት ዝነበረላ ሜላ ኣነባብራ ክነብር ዝመርፅ፣ ካብ ዝነበሮ ንምውፃእ ዝፅገም እንተኾኑ ድኹም ባህሊ’ዩ፡፡ ናህና ሕብረተሰብ ከመይ’ዩ?

3.ንዝበለፀካ ምርሓቕ (Power distance)፡- ካብ በዓል ስልጣን፣ካብ በዓል ሃፍቲ ወዘተ ምርሓቕ፤ ስልጣን ይኹን ሃፍቲ እቲ ዘለዎ እምበር ንዓኻ ከምዘይተዓደለ ኣሚንካ ተቐቢልካ ምንባር፤ ዘይምሕታት፤ እቲ ዘለኻዮ ቅቡልን ዉህብን ገይረካ ምውሳድ፡፡ ንምንታይ ከምዙይ ይኾን፣ከምዙይ ዘይኮነ? ወዘተ ኢልካ ዘይምሕታት ድኹም ባህሊ’ዩ፡፡

4. ፅግዕተኛን ፃዕራምን (ፍረ ረሃፅ) (Ascribed vs achieved)

ብፃዕሩ፣ ብኸእለቱ፣ ብፍልጠቱ፣ ብሞይኡ፣ ብመንነቱ ወዘተ ዝኣምን ብኡ ክነብርን ክኽበርን ዝብል ጥንኩር ባህሊ’ዩ፡፡

ብፍልጦ ፍልጦ፣ ብዘመድ፣ ብወዲዓደነት ወዘተ ክርባሕ ምባል ድማ ድኹም ባህሊ’ዩ። እዙይ ኣብ ዓድና እንትንረአ ብዝተወሰነ ኣብ ገጠር achievement ይመስል፤ ኣብ ከተመታይ ግን እንድዒ?

5. ኣድላውነትን (ውልቀ) ምዕሩይነትን (ሓፈሻዊ) (Particularism vs universalist)

ንሰብ ከምሰብነቱ ዘይኮነስ ብሃፍቱ ወይ ብዘለካ ቅርበትን ፍልጦን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ይኹን ካልእ ብማዕረ ዘይምርኣይ። ንኣብነት ተመሳሳሊ ገበን ዝፈፀሙ ክልተ ሽፈራት ዝረኸበ ትራፊክ ፓሊስ ንቲ ሓደ ዝፍልጦ ብምዃኑ እንተምሕሮ፤ ንቲ ዘይፈልጦ ድማ እንተቐፅዖ ማለት’ዩ። ከምዚ እንተኾይኑ particularism ’ዩ፤ ድኩም ባህሊ ይኸውን። ብግልባጡ ንኹሉ ማዕረ /ቀንጪ/ብዝኾነ ምድናይ ድማ universalist ጥንኩር ባህሊ’ዩ።

6. ምኽንያታውን(ገለልተኛ) ስምዒታውን(neutralist vs emotionalist)

ንነገራት ብትዕግስትን ብርግኣትን ሪኢኻ፤ ክንዲዝወሰደ ግዘ ይውሰድ ብዝግባእ ምርኣይ፤ ሓሳባት ካብ ዝመፁ ይምፅኡ ሓሳብነቶም ወሲድካ ሚዛናዊ ኮይንካ ምርኣይን ምውሳንን፤ ብደንቢ ገልቢጥካ ገላቢጥካ፣ ሓሲበካ ምውሳን …ዝኣመሰሉ ጥንኩር ባህሊ እዩ። ብግልባጡ ከየመዛዘንካ ምውሳን፣ ብስምዒት ‘ልክዕ ልክዑ ኣእትየዮ፡ ረሃፅ ብረሃፅ ገይረዮ’ ወዘተ ምባል ድኹም ባህሊ እዩ።

7. ተባዕን ተንበርካኽን(Assertive vs Submissive)፦

ተባዕ(assertive) ምዃን ማለት ምሕታት፣ ዓርስ እምነት ምህላው፣ ንመሰልካ ምቅላስ፣ መሰልካ ምርግጋፅ፣ ማዕባላይ ሓሳብ ምቕራብ……ወዘተ ‘ዩ። ተንበርካኽነት ምስ power distance ተመሳሳልነት ኣለዎ ግን ዝበኣሰ እዩ(ኣሽንባይ ዶ ክትሓትትስ ከይተለኣኽካ ምልኣኽ ማለት እኮ እያ)።

8. ኣብ ግዘን ተፈጥሮን (time dimension vs nature)

ኣብ ሕሉፍ ዝነብር ሕ/ሰብ ኣሎ። ኣቦሓጎይ ከምዙይ ገበረ፣ ሓወይ ከምዚ ደገመ…እንዳበለ እናፈከረ ዝነብር ኣሎ። እዙይ 70% ኣብ ሕሉፍ(ታሪክ)፣ 20% ኣብ ሐዚ፣ 10% ድማ ኣብ ቀፃሊ ዝነብር ማለት እዩ(ድኩም ባህሊ እዩ እዙይ)።

እቲ ጥንኩር ባህሊ ዝበሃል ድማ ካብ ታሪክ(ሕሉፍ) ዝወሰደ ወሲዱ እሞ ናብ ሐዚ ኣወሃሂዱ(ወዲ-ዓዲ ገይሩ) ብዝዓበየ ንቕድሚት ዝነብር እዩ። ኣብ ሕሉፍ 10%፣ ኣብ ሎሚ 40%፣ ኣብ ፅባሕ(future) 50% ዝነብር ማሕበረሰብ ጠንካራ ባህሊ ዘለዎ ማሕበረሰብ ይበሃል። ናህና ማሕበረሰብ ኣብ ሕሉፍ ‘እናፈከረ’ ዝነብር ይመስለኒ?

ተፈጥሮ ብዝምልከት ድማ ከም ህበይ ንግዚኡ እንዳሸማጠጠ ዝነብር ንፅባሕ ዘይትልም ወይ ራኢ ዘይብሉ ድኹም ባህሊ እዩ። ንተፈጥሮ ክፍልጥን ክቆፃፀርን ብዙሕ ዘይመራመር እቲ ዘሎ ዝቀራመት ይመስለኒ ናትና ማሕበረሰብ? ጠንካራ ባህሊዘለዎ ናይዙይ ግልባጥ ዘተግብር ማለት እዩ።

ኣቦይ ስብሓት እዞም ዝተዘርዘሩ ሸሞንተ(8) ናይ ባህሊ መዳያት ምስ ኣቐመጠ ጠንካራ ጎኖም ንኽምዕብልን እቲ ደካማ ባህሊ ድማ ንክጠፍእ ዝገብሩ ውዳበታት እዮም ይብል። እቶም ውዳበታት ማሕበራት፣ ትካላት፣ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ወዘተ ክኾኑ ይክእሉ ኢሉ፤ ኣብ ውድብ ህወሓት ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ እቶም ጠነካራ ጎኒ ዝበልናዮም ክምዕብሉ እቶም ደካማ ድማ ክለምሱ ሰፊሕ ስራሕ ተሰሪሑ ነይሩ እዩ ይብል። ሐዚ ኸ ከመይ ኣለው ኣብ ውድብ ይኹን ኣብቲ ማሕበረሰብ? ዝብል ምርምርን መፅናዕትን ክግበረሎም ይግባእ ኢሉ ናብ ወሰንቲ መድረኻት ህወሓት ዝበሎም ምዝርዛር እዩ ኣትዩ ኣቦይ ስብሓት።

ለካቲት 7/2006 ዓ/ም ብዩኒቨርስቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ political science and strategic studies (forum for political science and strategic studies) ኣብ ዝተዳለወ መድረክ እዩ ኣቦይ ሰብሓት መዛተዪ ሓሳብ ዘቕረበ። ተጋዳላይ ኣባይ ፀሃየ ድማ 10 ለካቲት ብህወሓት ኣብ ዝተዳለወ መድረክ ዘተ መዘተዪ ሓሳቡ ኣቕሪቡ። ክልቲኦም ዝገለፅዎም ወሰንቲ መድረካት ህወሓት ተመሳሰልቲ እዮም። ብዝርዝር ካልእ እዋን ዝቐርብ ኮይኑ ገለ ነጥብታት ከልዕል።

ህወሓት፦ -ኣብቲ ግዘ ተፈጢሮም ካብ ዝነበሩ ውድባት ብዝተፈለየ ንኹነታት ኢትዮጵያ ብዝግባእ ዝተረደአ ምዃኑ

– ትኽክለኛ እቶ ህዝቢ ሒዙ ዝተለዓለን ምላሽ ዝሀበን ውድብ እዩ

-ቅኑዕ መስመርን መትከልን ዝነበሮን ንዚ ድማ ህዝቢ ክቕበሎን ክውንኖን ዝገበረ

-ተጋዳለይ ኩሉ ህዘባዊ ፍቅሪ ዝነበሮ፣ ድፋዕ ሒዙ ዝጃፋዕ ዘይኮነስ ምስ ህዝቢ ኮይኑ ንህዝቢ ዝሕዝን ዘእምንን ንፀሊኢ ድማ ዘርዕድ ምንባሩ

-ሕንፍሽፍሽ ካብ ድሌት ውለቀ መድሐርሐረቲ ዝተበገሰን ድሑር ባህሊ ማሕበረሰብ ተጠቒሞም ዘንበልበልዎን ምንባሩ

-ዝሓዞ ፕሮግራም ቅኑዕ ብምንባሩ ቅኑዕ ፕሮግራም ምሰ ዘይነበሮም ኩሎም ውድባት ከምዘባአሶ

-ኣብ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊ፣ ኪነት(ጥበብ) ወዘተ ህወሓት ጠንካራ ትካላት ከምዝነበርዎ

– ካብ ውሽጡ ብዝፍልፍል ፅቡቕ ናይ ድፕሎማሲ ሓይሊን ፀብለልትንትን ክምዝነበሮ

– ኣፋላላያት ብዴሞክራስያዊ መንገዲ ዝፈትሕ፤ ሓሳብ ከም ሓሳብነቱ ሪኡ ብክትዕን ብልዝብን ዝፈትሕ

-ብረት ሒዙ ሰላማውን ደሞክራስያውን ውድድርን መረፃን ዘካየደ ….ወዘተ ወወዘተ ካብቶም ዝተለዓሉ እዮም።
***************

Wurayna Magazine

more recommended stories