ስሑል(ገሰሰ አየለ) – ለካቲትን፣ ደደቢትን

(ሃይላይ ሓድጉደራስን ጋዜጠኛን)

ሓደ እዋን ናብቲ 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ብረታዊ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝተጀመረሉ በረኻ ደደቢት ኣንጊህና ተበጊስና።

በዝሒ ወፈርቲ ሰለስተ ኢና። ኣረጋይ ኣብርሃ፣ መብራሃቱ ጠዓመን ኣነን። መብርሃቱ ጠዓመ ናብ ደደቢት ወፊሩ ታሪክ ገድሊ ንክፅሕፋ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ኣዲስ ኣበባ ዝተሰደደ ነባርን ንፍዕን ጋዜጠኛ እዩ።TPLF logo (current)

ኣረጋይ ኣብርሃን ኣነን ድማ ኣብ ጨንፈር ትግራይ ኢና ንሰርሕ። ሰለስቴና ግና ኣብ ሓደ ትካል ኢና ንሰርሕ። ንጉዕዞና ዝኸውን ወግዒ መሊኡ’ዩ። እንተስ ናይ ኣዲስ ኣበባ እንተስ ናይ ትግራይ። ስንቅና እውን ሒዝና ኢና ዋላ ስንቂ መኪናና። እቲ መንገዲ ግን ብቐሊሉ ዝብተኽ ኣይኮነን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ራሕቒ ኣይኮነን። ኣፀጋምነት እቲ መንገዲ’ዩ።

ካልእ እሞ ይፅናሕ ካብ መቐለ ንዓዲግራት እኮ ከምቲ ሕዚ እንበፅሐሉ ዘለና ሰዓት ኣይኮናን በፂሕና። እቲ መንገዲ ዝተኲዓተን ዝተቦሕጎጠን ስለዝነበረ ሐወፅወፅ እናበልካ ሰዓታት ትደፍእ። ካብ ዓዲግራት ናብ ዓድዋ ብዙሕ ዝበሃል ርሕቐት ኣይብሉን እንተ በቲ እዋን ዝነበሮ አፀጋምነት ግና ኸቢድ’ዩ ነይሩ።

መንገዲ ዓዲግራት ዓድዋ ሓፂር ርሕቐት መድከሚ ጉዕዞ ነይሩ። ገለ፣ ገለ መራሕቲ መኪና ነቲ መንገዲ ‹‹ብሎናት ይፈትሕ›› ብምባል ይገልፅዎ። ንሕና በቲ መንገዲ ንሱ ከም መንገዲ ማይ ተመላሲስናሉ ኢና። ሐቂ ዘረባ ናይ መኪናና ቡሎን ፈቲሑልና ኣይፈልጥን። ንባዕልትና ግን ኣይሓደገልናን ብሰንኪ ሐውፅወፅ ሓንጎልና አናዊፁ ኣካልና ኣድኪሙ ፀርፀር! ኣቢሉና እዩ።

ሕዚ እዙኩሉ የለን። ሓሊፉ እቲ ኩነታት እውን ተረሲዑ ከምቲ ‹‹ሕማም ሕርሲ ተረሰዓይ›› ዝብላ ኣዴታትናን ኣሕዋትናን ወይ ድማ ከምቲ ውሩይን ፍትውን ከያኒና ኪሮስ ኣለማየሁ

‹‹እንትትዛረቦ ስቓይ ቀሊል እዩ
ዘይሓልፍ የለን ሓላፋይ እዩ››

ዝበሎ እዩ።

ኽምኡ እናበልና ዓድዋ፣ ኣክሱም፣ ሽረ ኣተና። እተን ኣብ መንጎ ዘለዋ ሓዊሲ ዕሸል ከተማታት ኣይዘርዘርኩወንን።

መሬት መሽዩ እዩ። ድሕሪ እዚ ዘሎ ውራይ ኣብ ሽረ ምሕዳር’ዩ። ናብ ሽረ እንትንወፍር ኩሉ ግዘ ላሊበላ ሆቴል ኢና ንሓድር። እቶም ስብ ገዛ ዓብይ ምስ ንእሽተይ ይፎትውናን ይቀባበሉናን እዮም። ቡን ይፋልሕልና። ክንክን ይግበረልና። ንሕና እውን ንፎትዎም።

ኣብ ሽረ ሓዲርና ብፅባሕትኡ ጉዕዞ ክነካይድ ኢና። መሬት ምስ ወግሐ ከምቲ ‹‹ፀሓይካ ኣብርቕካ ንጉስካ መሪቕካ›› ዝበሃል ብሂል እንተይኮነስ ኣንጊህና ተልዒልና ንጉዕዞ ተቐረብና። ኣብ ሽረ ክልተ ኣማራፂ መንገዲ ኣሎ። ሓደ ናብ ሽራሮ ዘብፅሕ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ናብ እንዳባጉና። በቲ እዋን ንሕና ዝመረፅናዮ መንገዲ እቲ ናብ እንዳባጉና ዘብፅሕ’ዩ። እንዳባጉና በፃሕና። እንዳባጉና ወላ በቲ እዋን ድምቅቲ ነይራ። ካብ እንዳባጉና ግና ሓጋዚ ደሊና።

ሓጋዚ ማለት ናብ በረኻ ደደቢት መንገዲ መሪሑ ዝወስድ ማለት’ዩ። ተጋዳላይ ገ/መስቀል ታሪቀ በቲ እዋን ዋና ኣማሓዳሪ እቲ ኸባቢ እዮም ነይሮም። እዞም ሰብ እቲ ዘመሓድርዎ ኸባቢ ይፎትዎም እዩ። እዞም ተጋዳላይ ሕዚ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ፈፃሚት ስራሕ ህወሓትን ኢህወደግን እዮም።

በቲ እዋን ንሕቶናን ድሌትናን ተገንዚቦም ባዕሎም ዝመረፁልና ሰብ ሒዝና ነቲ ኣፀጋሚ መንገድታት እናሰገርና ጉዕዞና ቐፀልና። ክሳድ ግባ፣ ማይ ሓንሳ፣ ዓዲ መሓመዳይ…. ናብ በረኻ ደደቢት ቕድሚ ምብፃሕና ዝረኸብናየን ኸባቢታት እየን። ጉዕዞ ሓይሉ። ፀሓይ ዓራርቦ ኾይኑ ናብቲ ዝተሃንጠናሉ በረኻ ደደቢት እንከይበፃሕና ኣብ መንገዲ ሓደርና።

ምግቢ መሕደሪ ኣብ ኣድያቦ ፀገም የለን። ጋሻ ምቕባል፣ ጋሻ ምኽባር ፃምእ ኣጋይሽ ምርዋይ፣ ንዝጠመየ ጋሻ ምዕንጋል ንቡር ርስቲ ህዝቢ ኣድያቦ እዩ። ንሕና እውን እዚ እዩ ገጢሙና።

መሬት ወግሐ። ድሕሪ እዚ ኣማን ብኣማን ናብ በረኻ ደደቢት ክንጉዓዝ ኢና። እቲ ጉዕዞ ከምቲ ዝሓለፈ ኣይኮነን ብመኪና። መዓንጣኻ ሽጥ ኣቢልካ ብእግሪ እዩ። ካብ መቐለ ሰለስተ ወፈርቲ ተበጊስና ኣብ እንዳባጉና ሓደ ሰብ ተሓዊሱና ናብ በረኻ ደደቢት እንትንወፈር ግና ቁፅሪ በዚሑ ብግምት ኩላትና ዓሰርተ ንኸውን።

በረኻ ደደቢት ብሓቂ በረኻ እዩ። ንሕና እውን ጉዕዘና ኣብዚ በረኻ እዩ ኾይኑ። ፀሓይ ግና ኣይረኸበናን እቲ ጉዕዞ ብዓበይቲ ኣእዋማት እናፅለልካ እዩ። ጭዓን፣ ቆንጠፍጠፈን ዝዓሰሎ ኣግራባት ደደቢት ንጠላዕ ፀሓይ እቲ ኸባቢ እናመከተ ፅቡቕ ኸለላ ኾይኑና። ቀሊል ዘይበሃል ጉዕዞ ተጓዒዝና ድኻም እውን ኣግንዩና። ብፍላይ እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፀ መሳርሕትና ዝያዳ ደኺሙን ላህኺቱን ነይሩ።

ናብታ ሕምብርቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተጀመረላ ደደቢት በፂሕና። ኣብታ በረኻ ሐወልቲ ኣላ። ኣብታ ሓወልቲ ‹‹መፈለምታ ሽግ ሓርነት ደደቢት ጀሚሩ›› ዝብል ፅሑፍ ነይሩ። ኣነን ኣረጋይን እናጎየና ናብታ ሓወልቲ ቐረብና ካብቶ ምሳና ዝነበሩ ፅጡቓት ወየንቲ ካላሽን ተቐቢልና ፎቶ ግራፍ ተልዓልና። ካብቶም ዕጡቓት ወየንቲ ሓደ ‹‹ግርም እባ መሬት ምስ ወግሐ ካላሽን ምዕጣቕ›› ብምባል ቀለደልና።

በረኻ ደደቢት ታሕጓስ ዝፈጥር ደስ ዝብል በረኻ እዩ። ኮለል ኢሉ ዝውሕዝ ሩባ ኣለዎ ንሕና እውን ናብቲ ሩባ ቐሪብና ገፅና፣ ኣእዳውና፣ ኣእጋርናን ብምሕፃብ ቁሩብ ትርክስ በልና። ኣብቲ ኸባቢ ኣርማ ዝበሃል ቦታ ኣሎ። እዚ ቦታ ኣብ መንጎ ዓበይቲ ኣክራናት እዩ ዝርከብ። ኣብዚ ኾንኻ እቲ ኣፅረጋ፣ ማይ ኩሕሊ፣ ክሳድ ግባ፣ ዓዲ መሓሙዳይ… ምቁማት ይከእል።

በረኻ ደደቢት ስለምንታይ ንዕጥቃዊ ቃልሲ ህወሓት ተመሪፁ? ዓርሶም ዝኸአሉ መብራህርህታት ኣለውዎ። በቲ እዋን ኣነ ዘመፀለይ ሓሳብ ግና ሓደ ጥራሕ’ዩ። ነዚ ሓሳበይ እውን ነቶም ምሳና ዝነበሩ ወየንቲ ‹‹ዋእ! ኣብዙይስ ኣይኮነንዶ ቐደምስ ሕዚ እውን ናብዚ መፂኡ ዝተናኾል የለን›› ብምባል ተዛረብኩ።

‹‹ተጋደልቲ ህወሓት ኣብዚ በረኻን፣ ሽንጥሮን ስለዘዕቆቡ እዮም ካብ ዝኾነ ዓይነት ተፃብኦ ድሒኖም ዝብል እምነት እንተደአ ሒዝካ ጌጋ’ዩ። ሽንጥሮን በረኻን ካብ ተፃባኦ ኣየድሕንን። ህዝቢ እንተዘይደልዮም ሓንቲ ለይቲ እውን ኣይመሕደሮምን። ግን ደገፍ ህዝቢ ነይርዎም። ኣብ በረኻን ኣብ ሽንጥሮን ኣይኮኑን ኣዕቒቦም ነይሮም ኣብ ህዝቢ እዮም››

ዝብል መብራህርሂ ተወሃበኒ።

እዚ ዝተወሃበኒ መብራህርሂ ኣይተውሓጠለይን። ምኽንያቱ ሕቶ ኣለኒ። ንሕቶይ ‹‹ከመይ ማለት’ዩ ደገፍ ህዝቢ? ህዝቢ እኮ ኣብ ኸይዲ ንዕላማኻ ኣለልዩ እዩ ዝድግፈካ እምበር ብሓደ እዋን ዶ ይድግፈካ እዩ?›› ብምባል ሕቶይ ኣቕረብኩ።

‹‹ንሕና እውን እኮ ብሓንቲ ለይቲ ኣይደገፍናዮምን። ኣብ ሽንጥሮታትና ዝአተው ፅባሕ ሓደሽቲ ሰባት ከምዘለው ፈሊጥና። እንታይ ዝደለዮ ክኸኑ ይኽእሉ? ኢልና ሓሲብና። ፈላማ ዝመፀልና ሓሰብ ሽፉቱ እዮም ዝብል ነይሩ። ሽፍታ ጥሪት ገንዘብ ይወርስ። የፈራርሕ ደቂ ኣነስትዮ ይጋሰስ እቶም ሽፍቱ ኢልና ጠርጢርናዮም ዝነበርና ካብዚ ዝረሓቑ እዮም። የግዳስ ከፍትና ይሕልውልና››

ብምባል እቲ መብርህታት ቐፀልሉ ኣነ እውን ካልእ ሕቶ ክሓትት ናሃቶም ዘረባ ክሳብ ዝውዳእ እናተፀበኹ እየ። እንተኾነ ግና ዕድል ኣይረኸብኩን ካብቶም ወየንቲ ካልአ ተወሳኺ መብራህርሂ ስለዝቐረበ

‹‹እቲ ዝተዘረበ ሓቂ ኾይኑ ብዓብይኡ ዘደቀሰና ምኽንያት ድማ ኣይተ ገሰሰ ኣየለ ብምንባሮም እዩ››

ዝብል ሓሳብ ቐረበ። ድሕሪ እዚ ኣነ እውን ካልእ መካትዒ ሓሳብ ከቕርብ ኣይብለየን የግዳስ ብዛዕባ ገሰሰ ኣየለ እየ ተወሳኺ ዛዕባታት ክርዳእ ዝግበአኒ። ገሰሰ ኣየለ ኣብ ልቦና ህዝቢ ትግራይ ዓብይ ቦታ ዘለዎ ፎታዊ ህዝቡን ሃገሩን።

ገሰሰ ኣየለ ማለት ኣያ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኾይኑ ንመናእሰይ ተቓለስቲ መሪሑ ኣብ በረኻ ደደቢት ቃልሲ ዝጀመረ ጅግና ኣቦና እዩ። ህዝባዊ ፍቅሪ ስሑል ዓሚቕ’ዩ። ጅግንነቱ ውፍይነቱን ድማ ረዚን። ስሑል ቃልሲ ዝጀመረሉ እዋን ቅድም ይብል’ዩ።

ኩሉ ግዘ ‹‹ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ወፅዓ ይበፅሖ ኣሎ ህዝቢ ትግራይ ኣድልዎ እናተፈፀመሉ እዩ›› እናበለ ዝቃለስ እዩ።

ጨቆንቲ ህዝቢ ትግራይ ንስሑል ክጥብሩ ስልጣን ከማቕልዎ ዲሕ እንትብሉ ስሑል ኣይቕበሎምን ነይሩ። ውግንንኡ ኩሉ ግዘ ምስ ውፁዕ ህዝቢ እዩ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝመፅሕ ዝነበረ መእለያ ዘይብሉ ወፅዓን አድልዎን ክፈትሕ ዝተፈላለያ ውዳበታት የጣይሽ ነይሩ። ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ወነ ቃልሲ ስሑል ንምኲላፍ ዝተፈላለየ ስራሕቲ እናሃቡ ክሓብእዎ እኳ እንተፈተኑ ስሑል ብናታቶም ስልጣን ተዓሽዩ ንወነ ቃልሱ ኣይሸጦን።

‹‹ውፅዕ ህዝቢ ሓራ እንከይወፀ ድቃስ የለን››

ይብል ነይሩ ስሑል። እዚ ብህዝቢ ትግራይ ዝለዓለ ፍቅሪን ኣኽብሮትን ዝተውሃቦ ስሑል ኣብ 1962 ዓ/ም ብህዝቢ ሽረ ተመሪፁ ኣባል ፓርላማ ኾይኑ። ብህወሓት ዝምራሕ ፅጥቃዊ ቃልሲ እንትጅመር ሰሑል ነቶም መናእሰይ ተቃለስቲ መሪሑ 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ናብ በረኻ ደደቢት ዝወፈረ አያ ቃልሲ’ዩ።

ነዚ እዩ እውን እቶም ወየንቲ ደደቢት ‹‹ብዓውዩ ዘደቀሰና ኣይተ ገሰሰ ኣየለ ብምንባሮም’ዩ›› ዝበሉና።

እወ! እማን! ስሑል ብምንባሩ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ አያ ረኺቡ። እዚ ኩሉ ወግዒ በዘይ ስሩዕ እዩ። ድሕሪ እዚ ካብዘይ ስሩዕ ናብ ስሩዕ ወግዒ ንምእታው ነቶም ሰብ ታሪክ ተኸፋፈልና ሓዝናዮም እሞ ወግዒ ገጠምና ብድምፅን ብምስልን ዝተሰነየ ሰፊሕ ወግዒ…

ናይ ደደቢት ፃኒሒትና ግርም ነይሩ። ካብቲ ኸባቢ ቅድሚ ምስንባትና ጤለ በጊዕ ተሓሪዱልና መሰተታት ተሓዊስዎ ብድሙቕ ጓይላ ተሃድሶ ተገይሩልና በቶም ኣጋይሽ ዘይመንዉ ህዝቢ ብፍቅሪ ተሰኒና።

ሰራሕትና ወጊና ክንምለስ ግድን ምስኾነ በቲ ዝመፃእናዮ መንገዲ ኣይኮናን ተመሊስና። መንገድና ናብ ሽራሮ ብዝወሰድ መንገዲ እዩ ነይሩ። መራሒ መንገዲ ሓደ ዕጡቕ ወያናይ ተማሊእና ኢና። መንገድና ብእግራ እግሪ ልሙዕ ኣግራባት እዩ። ቆቋሕን ዛግራን ብየማንን ፀጋምን ብቐረባ ርሕቐት እናረአና…

‹‹ሓደ ክልተ ቆቋሕ እንዶ ንማላእ?››

ብምባል ነቶም ኣብ ጎድነይ ዝነበሩ ዕጡቕ ወየናይ ሕቶ ኣቕረብኩሎም።

ንሶም እውን ንሕቶይ ተቐቢሎም ብረቶም አዐመሩ። መብርሃቱ ተቆጠዐ። ‹‹ኣብዚ ጥይት ክትኮስ? ብስሩ ኸ እንስሳ ምቕታል ይፍቀድ ድዩ?›› ብምባል ተዛረበ። ብጣዕሚ ተቆጠዐ። ንኣይ ብዙሕ ክዛረበኒ ደለየ። እንተኾነ ግን ኣብ ቅድሚ እቶም ወያናይ ክዛረበኒ ኣይደለየን። ‹‹ኣይቆልዓ፣ ኣይዓብይ ኢኻ›› ዝዓይነቱ ዘረባ ግና ተዛረበኒ።

እዚ ኩሉ እንትፍፀም ኣረጋይ ነቲ ፍፃመ ወይ ኣይደገፎን ወይ ኣይተቓወሞን። መብርሃቱ ብዕድመ ብተምኩሮ ህይወትን ስራሕን ንኣይን ንኣረጋይን ኣፀቢቑ ይምርሐና እዩ። ኣነን ኣረጋይን ገለ ፅይቅነት ዝተሓወሶ ስራሕን ዘረባታትን እንትንፍፅም ይግስፀና እዩ። ኣብ ገሊኡ እውን ነናድዶ ንነብር ኢና። ዋላ እዚ ኾይኑ ግን ይፎትወና’ዩ።

ድሕሪ እዚ ኩሉ ሽራሮ በፂሕና። ኣብ ሽራሮ ሓዲርና። በቐፃልነት ሽረ፣ ኣክሱም፣ ዓድዋ፣ ዓዲግራት እናበልና መቐለ ኣተና። ክቡራት ኣምበብቲ እዚ ብውሕዱ ዘውጋዕኩኩም ካልእ እንተይኮነስ ወርሒ ለካቲት እዩ እሞ ስሑል፣ ለካቲትን ደደቢትን በዚ ኣጋጣሚ ከዛኻክር ስለዝደለኹ እየ። እዚ ቁንጥር ኣቢለ ዘዘንተውኩልኩም ታሪክ ድማ ዓሰርተ ዓመቱ ዘቁፀረ እዩ። ዕድመን ጥዕናን እንተሂቡስ ለካ ዕድመ ተቆፃራይ እዩ።
********

Wurayna Magazine

more recommended stories