ውሽጠ ዴሞክራሲ፡ ተጠርናፊነት፡ ገምጋምን ወያናይ ባህሪ ተጋዳላይ ህወሓትን

(Mahari Yohans Gebru)

ኣብ ዓለምና ብፍላይ ኣብተን ዘይማዕበላ ክፍለ ዓለማት ዝተርኣዩ ወያነታት ብባህሪኦም ነቲ የማናይ ክንፊ ፖለቲካ ዝነፀጉ፤ ኣብ እምነት ማርክሳውን ሌኒናውን ርእየተ ዓለምን ውድባዊ መዋቕርን ዝተሞርከዙ ኮይኖም ኢና ንረኽቦም፡፡ እዚ ድማ ናይ ባዕሉ ሰነ-አመኽንዮ ኣለዎ፡፡ ብቲ ሓደ ገፅ ካርል ማርክስ ዝሰኣሎ ናይ መወዳእታን ካብ ጭቆና ነፃ ዝኾነ ምዕባለ ደቂ ሰባት ማለት ርእሰ-ዴስነት ንምብፃሕ፤ መሪሕ ውድብ ኣባላቱ ብወያናይ ስነ-ምግባር ክህነፁን ክለምዱን ምግባር ሰለ ዘድሊ እንትኸውን፤ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ናይ ስርዓት ለውጢ ንምምፃእ ኣብ ስልጣን ምስ ዘሎ መንግሰቲ ዝቃለስ ደባይ ተዋጋኢ ውድብ ፍኑው ዝኾነ ውልቀ ሰባት ከምድሌቶም ዝኾኑሉ ስርዓት ሒዙ ክዕወት ስለዘይክል እዩ፡፡

ዴሞክራስያዊ ተጠርናፊነት ዳርጋ ናይ ኩሎም ኣብ ዓለምና ዝተርኣዩ ገስግስቲ ውድባት ውድባዊ ጥርናፈ መርሕ እዩ፡፡ ናይ ሶቭየት ኮሚኒስት ውድብን ናይ ቻይና ኮሚዩኒስት ውድብን ምስ እንወስድ ክልቲኦም ፈላሞትን ዓበይትን ንነውሕ ዘበናት ብመስርሕ ዴሞክራስያዊ ጥርናፈ ዝሓለፉ ውድባት እዮም፡፡ ብሓፈሻ ኣብ መላእ ዓለም ዝተርኣዩ ንመሰልን ማዕረነትን ጭቁናት ዝተቓለሱ ተራመድቲ ወድባት ኣብ ኣምር ማርክሳውን ሌንናውን ዴሞክራስያዊ ጥርናፈ ዝተመስረቱ እዮም፡፡ ነገሩ ካብ እንዳ ሊበራሊዝም ንህዘቢ ኢሉ ዝመውት ኣይርከብን፡፡ ኣብ ደምበ ሊብራል ፖሊተካዊ ፍልስፍና ውልቀ ሰባት ንውልቀ ረብሖኦም ብዝነኣሰ ዋጋ ክሕልው እምበር ምእነተ ማዕርነት ጩቁን መደብን ብሄርን ክቃለሱ ኣይፈቀድን፡፡ ኣብ እንዳ ሊበራል ኣተሓሳስባ ትግራዋይ ምዃን ፀገም ዝፈጥረልካ እንተኾይኑ ነዚ ግፍዒ ምቅላስ ዘይኮነ መድሓኒቱስ ምእንተ ቁጠባዊ ረብሓኻ ትግራዋይነትካ ገዲፍካ ነቲ ገዛኢ መደብ ዘሰጉሞ መንነት ምሓዝ እዩ፡፡

ስለዚ መብዘሕቲኦም ወያነታት ዓለም ኣንፃር መደባውን ብሄራውን ጭቆና ዝተወልዑ ስለዝነበሩ፤ መሪሕ ፍልስፍንኦም ውድባዊ መዋቕሮምን ማርክሳውን ሌኒናውን ክኸውን ግድን እዩ፡፡

ናብ ወያነ ትግራይ እንትንመፅእ `ውን ንረኽቦ ተመክሮ እዚ እዩ፡፡ ከምዝፍለጥ ቅድሚ ምምስራት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር መደባዊ ዕብለላን ብሄራዊ ጭቆናን ኣብ መፋርቕ 20 ክ/ዘመን ቀዳማይ ወያነ ዝብሃል ስያመ ዝነበሮ ቃልሲ ጀሚሩ ከም ዝነበረ እዩ፡፡ ምንቅስቓስ ቀዳማይ ወያነ ዋለ `ውን ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ፀላእቱ ክለዓዓል እንተገበረ፤ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሃይለስላሴ ዓወት እንተየመዝገበ ክስዓር ክኢሉ እዩ፡፡

ቀዳማይ ወያነ ትግራይ ዝተስዓረሉ ምክንያት ድማ፤ ብሓይሊ ሰራዊትን ብዝሒ ኣፅዋር መንግስቲ ሃይለስላሴን መሻርኽቱን ጥራሕ ኣይነበረን፡፡ ምኽንያት ስዕረት ቀዳማይ ወያነ ብዝያዳ ዝምርሓሉ ጡሉል ፖለቲኮ-ኢኮኖማዊ ኣተሓስስባ ከምኡ`ውን ነቲ ዝተጀመረ ቃልሲ ዝድግፍ ሓይሊ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ፈልዩን ኣዋሂዱን ዘኽይድ ውድባዊ መስርሕ ስለዘይነበሮ እዩ፡፡

መስረቲ ህወሓት ካብዚ ጌጋ ተማሂሮም ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ቅድሚ ናብ ሜዳ ትግራይ ምውፅኦም ኣብ ማርክሳውን-ሌኒናውን ኣተሓሳስባ ገዚፍ ኣፍልጦ ኣማዕቢሎም ስለዝነበሩ ንፁር ፖለቲካዊ መስርሕን መዋቕርን ዘለዎ ውድብ ንምህናፅ ኣየፀገመሎምን፡፡ ብርግፅ ክሳዕ እቲ ብ1968 ዓ/ም ኣብ ዴማ ዝተሳለጠ ቀዳማይ ዋዕላ ተጋደልቲ፤ ህወሓት እዚ እዩ ዝበሃል ወድባዊ ቅርፂን ኣስራርሓን ኣይነበሮን፡፡ ድሕሪ ናይ ዴማ ዋዕላ ግን ህወሓት ማርክሳውን ሌኒናውን ውድባዊ ቅርፂ እናሓዘ ዝመፀ እንትኸውን፤ ብፋላይ ድሕሪ እቲ ብ1971 ዓ/ም ኣብ ማይ ኣባይ ዝተሳለጠ ፈላማይ ስሩዕ ውድባዊ ጉባኤ ሙሉእ ቁመና ማርክሳውን ሌኒናውን ውድብ ክሕዝ ኪኢሉ እዩ፡፡ ጉባኤ፡ ፖሊትቢሮ፡ ማእኸላይ ኮሚቴ፡ ከምኡ ውን ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዝሓቖፋ ዓበይቲ ኮሚቴታ ተጣይሸን፤ ህወሓት ነናይ ባዕለሎም ዕማማት ዝዓሙ ንሐደ ዕላማ ዝሰርሑ ክፍለ ኣካለት ዘለዉዎ ገዚፍን ጠንካራን ውድብ ክኸውን ኪኢሉ እዩ፡፡

ልዕሊ ዝኾነ ጥንካረ ህወሓት ድማ ኣብቲ ውሽጠ ዴሞክራስን ተጠርናፊነትን ዝብል ኣምር ማርክሳውን ሌኒናውን ኣተሓሳስባ እዩ ዝነበረ፡፡ ስነ-ሓሳብ ውሽጠ ዴሞክራስን ተጠርናፊነት፤ ፋሉሉነት ዘወገድ፡ ድሌትን ድምፅን ሓፋሽ ዘተኣናጋድ ናይ ባዕሉ ዝኾነ መስርሕ ዘለዎ ኣሰራርሓ እዩ፡፡ ኣብ ከይዲ ውሽጠ ዴሜክራሲ፤ ክህለው ዝኽእሉ ናይ ሓሳብ ኣፈላላያት ኣብ ነዊሐን ዴሞክራስያውን ዘተ ይበስሉ፡፡ ነውሕን መሪርን ክትዕ በቢ ደረጅኡ ብፍላይ ድማ ኣብቶም ናይቲ ውድብ መተንፈሲ ኣካላት ዝኾኑ ላዕሎወት መዋቕራት ይካየድ፡፡ ዝሰዓረ ሓሳብ ፀዲቑ ናይቲ ውድብ መስርሕ ይኸውን፡፡ ዝኣመነ ይኣምን ዘይኣመነ ድማ በቲ መስርሕ ተጠርኒፉ ንዕላማ እቲ ቃልሲ ተገዛኢ ኮይኑ ይቃልስ፡፡ እዚ ውሽጠ ዴሞክራሰያዊ ኣሰራርሓ ወያናይ ውድብ ህልውንኡን ህልውና ኣባላቱን ዝሕልወሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ መስርሕ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ሓሳባቱ ኣብ ዴሞክራስያዊ መድረኽ ዝተሰዓረ ውልቀ ሰብ ይኹን ጉጅለ ብፋሉልነት ካብ ምንቅስቓስን ምፍፃምን ዝድርት ማዕቀፍ ስለ ዝፈጥር፡፡

ውሽጠ ዴሞክራስን ተጠርናፊነትን ምእንተ ነብሱ ግን እኹል ኣይኮነን፡፡ ንተፈፃምነትን ውፅኢታውነትን ዴሞክራስያዊ ጥርናፈ ስጡም ክትትልን ገምጋምን የድሊ፡፡ ገምጋም ዝተፈላለዩ መልክዓት ክህልዎ ይኽእል፡፡ ኣፈፃፅማ ፕሮገራም ህወሓት ከምኡ `ውን ህወሓት ምስ ተቓለሰቲ ክፍልታት ሕ/ሰብ ብፍላይ ምስ ጭቁን ሓረስታይ ዘለዎ ርክብን ዝምድናን ዝምልከት ሓደ መልክዕ ገምጋም ይኸውን፡፡ ህወሓት ፕርግራማቱ ንህዝባዊ ገምጋም ክፍቲ ይገብር ካብ ህዝባዊ ገምጋም ዝተረኸቡ ናይ ሓሳብ እታወታት ድማ ተቐቢሉ ይሓቁፍ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ህዝቢ ናይ ህወሓት ዓብዩ መነፅር ስለዝነበረ ተጋዳላይ ህወሓት ምስ ህዝቢ ዘለዎ ርክብ የንፀባርቕ፡፡

ካልእ መልክዕ ገምጋም ኣብ ግዜ ገድሊ፤ ተጋዳላይ ህወሓት ኣብ ዕለታዊ ናብርኡ ወያናይ ባህርን ስብእናን ሓልዩ ንዓወት ወያናይ መስመር ዝግብኦ ኩሉ ምፍፃሙን ዘይምፍፃሙ ዝረጋገፀሉ መስርሕ እዩ፡፡ እዚ ዓይነት ገምጋም ነቐፌታን ዓረሰ ነቐፌታን ዝበሃሉ ክልተ መልክዓት ክሕዝ ይኽእል፡፡ ድሕሪ ነቐፌታን ዓርሰ ነቐፌታን ድማ ከበድትን ፈኮስትን መአረምታት እንዳተወሰዱ ቀፃልነተ ሂወት ወያነ ይረጋገፅ፡፡

ነቐፌታን ዓርሰ ነቔፌታን ተጋዳላይ ህወሓት ኣብ ዓለም ብወያናይ ባህሪኡን ተወፋይነቱን ተወዳዳሪ ዘይብሉ ኩሉሻዕ ልቡ ዘይስበር ዓወት ጥራሕ ዝሓስብን ዝበሎ ዝገብር ተዓዋታይ ህዝባዊ ሓይሊ ክኸውን ኣኽኢሉ እዩ፡፡ እዚ መስርሕ ተጋዳላይ ህወሓት ንሰከንድ ውን ካብ ወያናይ መስርሕ ፈተኽ ዘይብል፤ ውልቃዊ ሂወቱ ገዲፉ ንሓበራዊ ረብሓን ህዝባዊ ልዕልናን ዝነብርን ዝስዋእን ክኸውን ገይሩ እዩ፡፡

ተኣምር ድማ ተፈጢሩ፡፡ ተጋዳላይ ህወሓት ከም ሰብ ዘይኮነስ ልዕሊ ሰብ ምስ ዝኾነ ተኣምራዊ ሓይሊ ዝነፃፀር ፉጡር ከይኑ፡፡ ሕግታት ተፈጥሮ ስዒሩ ኩሎም እቶም ናይ ደቂ ሰባት ድኽመታት በዲሁ፡፡ ምሽጢር ውድብ ከየውፅእ ምእንተ ወያነ ትግራይ መልሓሱ ዝቖርፅ ተጋዳላይ ተፈጢሩ፡፡ ንድሕነት ወያነ ትግራይ እናረኣየ ገበል ዝብላዕ ተጋዳላይ ተፈጢሩ፡፡ ምእንተ ምድሓን ብፆቱ ንባዕሉ ዝስዋእ ተጋዳላይ ተፈጢሩ፡፡ ምእተ ዓወት ስርሒት ወያነ ኣብ ዓለም ዝኸአፈን ዝመረረን ዓይነት መግረፍትን ምርመራን ዝፃወር ስርዒት ፈርዩ፡፡ ምእተ ዓወት ስርሒት ወያነን ልዕልና ሓቦ ተጋላይ ህወሓትን ዓይኑ እንረኣየ ናብ ገደል ዝኣቱ ቆራፅ ተጋዳላይ ተፈጢሩ፡፡ ህዝባውነቱ ካብ ኣፅናፍ ናብ ኣፅናፍ ዝተጋውሐ ጅግና ተጋዳላይ፡፡ እንከይ በልዐ ንህዝቢ ዘብልዕ፡፡ ጥምየትን ፃምእን ዘይስክኖ ህዝባውነትን ህዝባዊ ረብሓን ጥራሐሕሕሕ ዝምገብ ተጋዳላይ ተፈጢሩ፡፡

እዚ ድማ ውድብ ህወሓት ካብቶም ኣብ ዘመነ ገድሊ ዝነበሩ ተነሓናሕቲ ውድባት ህዝባውነት ዝወነነ ብሕታዊ ተዓወታይ ውድብ ይገብሮ፡፡ ብርግፅ ኣብ ሜዳ ኢትዮጵያ ኤርትራን ኣብ ግዜ ገድሊ ካብ ዝነበሩ ውድባት ህወሓት ንፁርን ናብ ባይታ ዝወርድን ፕሮግራም ዝነበሮ እንኮ ውድብ እዩ፡፡ ምኽንያት ዓወት ህወሓት ግን ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ምስጢር ዓወት ህወሓት ዕዉት ውሽጠ-ዴሞክራሲ፡ ዴሞክራስያዊ ተጠርናፊነት፡ ገምጋምን ተወፋይነትን ተጋዳላይ ህወሓት እዮም፡፡ ብርግፅ ከም በዓል አ.ህ.ኣ.ፓ (የኢትዮጵያ ህዝቦች ኣብዮታዊ ፓርቲ) ዝበሉ ኣብ ማርክሳውን ሌኒናውን ርእየተ ዓለም ዝኣምኑ ውድባት ነይሮም እዮም፡፡ እንተኾነ ግን ክንዲ ናይ ህወሓት ዝኸውን ውሽጠ ዴሞክራሲ ተጠርናፊነትን ከምኡ `ውን ዴሞክራስያውን ወያናይን ገምጋም ስለዘይነበሮም፤ ውሽጣዊ ኣፈላላያቶም ምትእንጋድን ምፍታሕን ኣብይዎም ውሽጦም ሞሽሙሹ ብቐሊል ውቅዒት ካብ ሜዳ ተኣልዮም፡፡

ውድብ ህወሓት ግን ብኣንፃሩ ዋላ `ውን ብዕድመን ብዝረኽቦ ሓገዝን እቲ ዝነኣሰ እንተነበረ፤ ልዕሊ ዝኾነ ውደብ ተዓዊቱ ክወፅእ ዘኽእልዎ ሮቓሒታት ውሽጠ ዴሞክራሲ፡ ተጠርናፊነት፡ ወያናይ ገምጋምን ድምር ኩሎም ዝኾነ ህዝባውነትን እዮም፡፡ እዞም ሮቓሒታት ድማ ህወሓት ብህዝቢ ትግራይ ተፈታዋይ፤ ተኣማናይን ሓቀኛ ህዝባውነት ዝተላበሰ ወኪልን ክኸውን ኣኽኢሎሞ፡፡

ህወሓት ኣብ ፖሊተካዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ እንኮ ህዝቢ ኣሚኑ ዝተዓወተ ውድብ እዩ፡፡ ኣብ ግዜ ገድሊ ንኹሎም ተናሓናሕቱ በቢ ተራ ስዕሩ ኣፋንዩ፡፡ ኢድዩ (ዴሞክራስያዊ ሓድነት ኢትዮጵያ)፡ ጠራናፊት (ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ)፡ ግገሓት( ግምባር ገድሊ ሓርነት ትግራይ)፡ አ.ህ.ኣ.ፓ (የኢትዮጵያ ህዝቦች ኣብዮታዊ ፓርቲ)፡ ጀብሃ/ዓማ (ግንባር ሓርነት ኤርትራ) ብዓብዩ ድማ ንደርጊ ስዒሩ ሓዳሽ ኢትዮጵያ ከምብሓድሽ ሃኒፁ፡፡

ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ዋላ `ውን ከምቲ ናይ ግዜ ገድሊ ኣይኹን፤ ብፋላይ ኣብተን ናይ መጀመርያ ናይ ሰላም ዓመታት ህወሓት ህዝባውነቱ ሐሊዩ ቐፂሉ እዩ፡፡ ኣብ ከይዲ ግን ወያናይ ባህሪ ተጋዳላይን ኣባልን ህወሓት እናተሸርሸረ ምኻዱ ኣይተረፈን፡፡ ነዚ ድማ ቡዙሓት ምኽንያታት ምጥቃስ ይከኣል እዩ፡፡ ሓደ ኣብ ሜዳ ሂወት ሓበራዊ ናብራ ዝለመደ ተጋዳላይ ብናይ ከተማ ውልቃዊ ሂወት ተበሪዙ፡፡ ካልኣይ እቲ ተወሃሂዱ ከምሓደ ዝሓስብ ዝነበረ ተጋዳላይ ህወሓት ኣብ መንግስታዊ መሓውራት ምስካልእ ልምድን ክብርን ዘለዎም ሰባትን ኣካላትን እንትሕወስ፤ ነቲ ዝነበሮ ወያናይ ባህሪ ብኻሊእ እናተክኦ ከይዱ፡፡ ብሓፈሻ እቲ ዓለም ዘደመመ ወያናይ ስብእና ተጋዳላይ ህወሓት ድሕሪ ዓወት ብውልቃውነት እናተስዓረሉ ዝኸይደ ኩነታት እዩ ዘሎ፡፡

እዚ ድማ ባህሪያዊ እዩ፡፡ ተፈጥሮኣዊ ዕብየት ሓደ ደባይ ተዋጋኢ ዝነበረ ውድብ ካብዚ ወፃኢ ኣይኸውን፡፡ ዳርጋ ኮሎም ማርክሳውን ሌኒናውን ርእየተ-ዓለም ዝሰዓቡ ወድባት ተዓዊቶም መንግስትነት እንትርከቡ ዘጋጥሞም ፀገም እንተሃለወ፤ እቲ ምስኦም ኮይኑ ዝወየነ ከም ባሕርን ዱርን ኮይኑ ዘፅለሎም ህዝቢ ዝፈልጦ ወያናይ ባህሪኦም ዘይምሕላው እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ብተዓዋታይነቶም ህዝባውነቶም ዝፍለጡ ማርክሳውን ሌኒውን ርእየተ-ዓለም ዝስዕቡ ውድባት፤ ብጀካ ውሑዳት ኣብ ሰለማዊ ቃልሲ ተዘሪሮም እንትወድቁ እዩ ዝርአ፡፡ ዝዓበየ ምኽንያት ድማ ናይ ህዝቢ ትፅቢት ተስፋን እዩ፡፡ ህዝቢ ትማሊ ከይበልዐ ዘብልዖ፡ ከይሰተየ ዘስትዮ፡ በጅኡ ዝስዋእ ዝነበረ ተጋዳላይ፤ ሎሚ ወያናይ ባህሪኡ ገዲፉ ኣብ ምስራቕን ምሕሰውን ክውዕል ይኽእል እዩ ኢሉ ኣይግምትን፡፡ ብዓይኒ ህዝቢ ተጋዳላይ ልዕሊ ሰብ ናብ ሞሎኮታዊ ሓይሊ ዝቐርብ ፉጡር እዩ፡፡ ዋላ ንእሽቶ እንተተጋግዩ ህዝቢ ብጣዕሚ እዩ ዘስቆንቁኖ፡፡

ዕብየት ውድብ ህወሓት ድማ ኣካል እዚ ባህርያዊ ዕብየት እዩ፡፡ ብርግፅ ካብቶም ወያናይ ባህሪኦም ሓልዮም ኣብ ዴሞክራስያውን ኢኮኖማውን ልምዓት ዓወት ዘመዝገቡ ማርክሳውን ሌንናውን ደባይ ተዋጋእቲ `ውድባት ሓደ እዩ፡፡ ምስ በዓል ሻዕብያ እንትነፃፀር፤ ህወሓት ተኣምር ኣብ ምስራሕ ይርከብ፡፡ ድሌት ህዝቢ ትግራይን ኣብ ኢድና ዘሎ ኩዉኑነትን እንተሪኢና ግን፤ ወያናይ ባህሪ ህወሓት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናቐነሰ ይመፅእ ኣሎ፡፡

ብፍላይ ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ወያናይ ባህሪ ኣባላት ህወሓት ዘተሓሳስብ እናኾነ ይመፅእ ኣሎ፡፡ እቶም ምስጢር ዓወት ዝኸኑ ክብርታቱን ውርስታቱን እናገደፈ ካብ ህዝባውን ወያናይ መንነቱ እንናረሓቐ ይኸይድ ኣሎ፡፡ ሓቂ ብ ቅጥፈትን ጉሕለት እናተተከአ ይመፅእ ኣሎ፡፡ ንባዕሉ ነቒፉ ንካልኦት ዝነቅፍ ወያናይ ህዝባውን ተጋዳላይ ኣባልን እናጠፍአ፤ ገምጋም ናይ መጠቓቕዕን መጠቓቐምን መድረኽ እናኾነ ይከድ ኣሎ፡፡ እንዳ ህወሓት ጀግናን ሓቀኛን ዝፈርየሉን ዝህነፀሉን ዝነበረ፤ ሎሚ ሓሳውን መሳሰዪን ዝኸብረሉ ይኸውን ኣሎ፡፡ ወያናይ ባህሪ ዘለዎ ኣባል ዝናሸወሉን ከም ዱሑርን ሰነፍን ሰብ ዝቑፀረሉ፤ ብግልባጥ ብሓሳውነቱን መምሰላይነቱን ዝፍለጥ ኣባል ዝነኣደሉን ኣብ ልዕሊ ስልጣን ስልጣን ዝድረበሉን ኩነታት ይበዝሕ ኣሎ፡፡ እቲ ትማሊ ምእንተ ወያነ ትግራይ ልዕልና ሓፋሽን ፈንጂ ካብ ምርጋፅ ንድሕሪት ዘይብል ዝነበረ ተጋዳላይን ኣባልን ህወሓት፤ ሎሚ ኣይጥርነፍን ዝብለሉ ወልቀ ረብሑኡን ሕሳር ምቾት ዝመርፀሉ ሃዋህው እዩ ዘሎ፡፡ ኮታስ ዴሞክርስያዊ ተጠርናፍነትን ወያናይ ገምጋም ኣብ እንዳ ህወሓት ንጨና `ውን ሕርሚ ናብ ምዃን ገፁ እዩ፡፡ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ብፃይነትን ቅንዕናን ይጠፍእ ኣሎ፡፡

ወያናይን ዴሞክራስያውን ባህሪ ውድብ ህወሓት ብዝቐነሰ ቑፅሪ ድማ ኢ-ህዝባውነቱ ብናይ ብርሃን ፍጥነት እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ኣየጠራጥርን፡፡ እዚ ድማ ንተፈፃምነት ልምዓታዊ ዴሞክራሲ መስመር ህወሓት ዓንቃፊ እዩ፡፡ ፍቕርን ድልውነት ህዝቢ ከይወነንካ ዝመፅእ ልምዓት እንተሃለወ እውን ዘላቒ ኣይኸውንን፡፡

ስለዚ ንልምዓት ህዝቢ ትግራይ ምሩፃት ፖሊስታትን ስትራቴጅታትን ዝውንን ህወሓት፤ ወያናይነቱን ህዝባውነቱን ሓሊዩ ምእንታን ክቕፅል፤ ከም ውድብ ጠጠው ኢሉ ክሓስበሉ ዝግባእ ሐዚ እዩ፡፡ ወያናይን ልምዓታውን ሰራዊት ብጭርሖን ፈኸራን ኣይኮነን ዝህነፅ፡፡ ምሩፅን ተወዳዳራይ ዝኾነ ልዕሊ ውልቃዊ ድሌቱ ንሓፋሽ ዝሓስብ፤ ፖሊስታትን ስትራቴጅታትን ህወሓት ብዝግባእ ዝርዳእን ዘፈፅምን፤ መስተውዐላይን ኣርሒቑ ዝእምትን በሊሕ ኣባል ዘፍርዩ ትካላት ምህንፅ ድማ እቲ እንኮ መድሓኒት እዩ፡፡ ነዚ ድማ ልምዲ ናይ እቲ ኣብ ቀፃሊ ዓወት ዝርከብን ንጭቁን ህዝቡ ልምዓትን ክብርን ዘጓናፀፈ ናይ ቻይና ኮሚኒስት ፓርቲ ምድህሳስን ንዓና ብዝጥዕም መልክዑ ምቕራፅን ኣገዳሲ እዩ፡፡

ህዝቢ ዝኣመነ ይዕወት!
**********

(Mahari Yohans Gebru) [email protected] – Department of Political Science and Strategic Studies, Mekele University

Wurayna Magazine

more recommended stories