ኣባይ ፀሃየን ግደይ ዘርኣፅዮንን ብ1979 ዝመላለስዎ ዝነበሩ ደብደበታት

ምስ ምስረታ ማለሊት ተተሓሒዙ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ውድብ ህወሓት ብዝተፈጠረ ኣፈላላይ ካብቲ ውድብ ወፂኡ ናይ ባዕሉ ውድብ ክምስርት ተፈቂድሉ ዝነበረ ግደይ ዘርኣፅዮን ምስ ኣብቲ እዋን ኣቦመንበር ማለሊት ዝነበረ ተጋዳላይ ኣባይ ፀሃየ ዝመላለስዎ ዝነበሩ ደብደበ ንሎሚ ክልተ ናይ ግድይ ሓንቲ ናይ ኣባይ ክነቅርብ። ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኢድና ዘሎ ኩሉ ምልልሶም ክነቅርብ ኢና።
*******************

23/1/79 ዓ/ም
ናብ ኣባይ

ብፃይ ኣባይ ከመይ ቀኒኻ ኣኼባ ይሰልጥ ኣሎዶ? ድሕሪ ናይ ነፋሪት ደብዳብ ብስራሕ ምክንያት ናብ ደጀን ደይበ ነይረ። ኣጋጣሚ ግን ንስኹም ትብገሱ ስለዝነበርኩም ክንራኸብ ኣይከኣልናን፡፡

ብዛዕባ “ናይ ገባርን ሸቃሎን ምልክነት” ትምልከት ፅሕፍቲ ከምቲ ቅድም ዝገለፁኩልካ መልሲ ምፅሓፍ ጀሚረ ኣለኹ፡፡ብዙሓት ዝተልዓሉ ስለዘለው ግን ጊዜ ክወስደኒ ምዃኑ ተገንዚበ ኣለኹ፡፡ስለዚ እተን ዝቐደማ ፅሑፋት ይዘርግሓሞ እዚኣውን ምስወዳእኹ ክትስዕብ፤ መልሲ ይፅሕፍ ከምዘሎኽውን ኣብቲ መእተዊ ናይተን መፅሒታት እንተተገለፀ ፅቡቕ፡፡

ካልእ ነቲ ፅሑፍካ ክምልስ ከለኹ ናይ ማሌሊት መርጊፂውን ከምናትካ ብምውሳድ ኣብ ማሌሊት ዘለኒ መርገፂውን እንዳነፀርኩ እየ ክኸይድ፡፡ ብዝተረፈ እዚ ናይ ኣፈላላያትና ክትዓት ካብ ክሊ ማ/ኮሚቴ ወፃኢ ግፍሕ ዝበለ መድረኽ ረኺቡ ክዝርጋሕ ፓሊት ቢሮ ወይ ማ/ኮሚቴ ውሳነ ክህበሉ እግረ መገደይ የዘኻኽር ኣለኹ፡፡መልሲ ካባኻ እፅበ ኣለኹ፡፡

ግደይ

*******************

ሕዳር 8/1979
ናብ ግደይ ዘርኣፅዮን

ኣብ መስራቲ ጉባኤ ማሌሊት ኣብ ፕሮግራም ዝሰፈረ ምልኪ ሸቃሎን ገባርን ናይ ምትካል ፓለቲካዊ ዕላማ ብምሉእነት ከይትቕበሎ ሕርኽርኽ ዝበለካ ነገር ከምዘሎካ ገሊፅካ ነዚ ክተፅሪ በቲ ሕሉፍ ናይ ኣሰራርሓና ድኽመት ምክንያት ግድነት ኮይኑ ዝተውሃበካ ዕድል ነይሩ፡፡እዚ ዕድል’ዚ ክትጥቀም እንተለኻ ነቲ ፕሮግራም ብመሰረቱ ተቐቢልካን ቁጠበኻ ገዲፍካን ጥራሕ ከምዝኾነ ጉባኤ ወሲኑ ንስኻውን ብኡ ተቐቢልካዮ ዝኣተኻ ነይሩ፡፡ማ/ኮሚቴ ማሌሊት ድማ በቲ ኣብ ጉባኤ ዝተወሰነልካን በቲ ንስኻውን ነቲ ፕሮግራም ተቐቢልካ ብኡ ተጠርኒፍካ ክትጓዓዝ ግን ሕርኽራኽካ ንምፅራይ ምስ ዝሕግዙኻ ብፆት ክትመያየጥን ከምዝተፈቐደልካ ዝዝከር’ዩ፡፡

በዚ መሰረት 1978 ውሽጢ ፅንዓት ጌርካ ሕርኽራክካ ክንዲ ምፅራይ ኣፈላላይካ ዘዕቢ ነቲ ፕሮግራም ዝፃረር መርገፂ በፂሕኻ፤ ነዚ ዝገልፅ ፅሑፍን ኣዳሊኻ ኣቕሪብካ። ንዕኡ መልሲ ድማ ብፅሑፍ ሂብካ ፤ክልቲአን ፅሑፍ ናብ ማ/ኮሚቴ ክዝርጋሕ ተገይሩ ናይ መጨረሻ መርገፂኻ ነቲ ዝሃብናካ ፅሑፍ ሪእኻ ክተንፅር ክሳብ ማ/ኮሚቴ ኣኼባ ዘሎ ጊዜ ተዋሂቡ ብፅሑፍ መልሲ ተዳሉ ከምዘሎኻ ገሊፅካ ነይርካ፡፡ እቲ ዝፀሓፍካዮ ፅሑፍን እቲ ዝሃብናዮ መልስን ናብ ኩሉ ኣባል ክዝርጋሕ ሓቲትካ ካብ ፕሮግራም ወፃኢ ዝኾነ ፅሑፍ ናብ ኣባልን ዕላዊ መድረክ ሊግናን ናይ ምዝርጋሕ መሰል ዝህሉ እዩ፤ ፕሮግራም ንክትዕ ኣብ ዝዝርገሐሉ ጊዜ ጥራሕ ወይ ድማ ፕሮግራም ንክትዕ ክዝርጋሕ ዝሓትት ኣካል ህንፃ ዝፈቅድ ኣገባብ ምስ ኣማለኤ ጥራሕ ምዃኑ ተገሊፁልካ ነይሩ፡፡ ኣብ ኣድላዪ ጊዜ ግና እቲ ፅሑፍ ከም ኢንፎርመሽን ክዝርጋሕ ከምዝኽእል ተገሊፁልካ ነይሩ፡፡ በዚ ኣገባብ’ዚ መሰረት ንናይ ፕሮግራም ኣፈላላይ ናይ መጨረሻ ቅዋምካ ናብ ማ/ኮሚቴ ኣኼባ ክተቕርብ ንፅበየካ ነይርና፡፡

ኣብ ሞንጎኡ ኣብ እዋን ርጅን 1 ስሩዕ 2ይ ርጅናዊ ኮንፈረንስ ጊዜ ሃገራዊ ቡርዧን ሃፍታም ሓረስታይን ዝምልከት ኣብ ፕሮግራም ዝሰፈረ መርገፂና ተፃሪርካ ስለዝተዛረብካ እቲ ኮንፈረንስ ፕሮግራምና ዝፃረር ሰብ ይውፀኤልና ወይ ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ’ዩ ኣብዚ ዝሳተፍ ዘሎ ዝብል ተቓውሞ ኣልዒሉ ናይቲ ኮንፈረንስ ፕረዝድየም ነቲ ጉዳይ ክርኦ ተወሲኑ፡፡ፕረዝድየም ንዘቕረበልካ ሕቶ ድማ ፕሮግራም ማሌሊት ኣይኣምነሉን ዝብል መልሲ ሂብካ። ኣብቲ ኮንፈረንስውን እምነተይ ሒዘ ምክታዕ ጌጋ ኣይኮነን፤ ንቐፃሊውን በቲ መርገፂ ተበጊሰ እየ ዝካታዕ በቲ ናይ ማሌሊት ፕሮግራም ኣይቕየድን። ስለዝበልካ ፕረዝድየም ካብቲ ኮንፈረንስ ክትወፅእ ዝሃቦ ውሳነ ርጅን ኮንፈረንስውን ተቐቢልዎ ወፂኻ፡፡

ድሕሪኡ ኮሮም ዝመልእ ፓሊት ቢሮ ተራኺቡ ድማ ንኡስ ፕሮግራም ማሌሊትን ፕሮግራም ህ.ወ.ሓ.ትን ሓደ ስለዝኾነ ነዚ ፕሮግራም ተፃሪርካ ኣብ ክልቲኡ ይኹን ሓዲኡ ክትፀንሕ ከምዘይትኽእል ስለዚ ድማ ካብ ህወሓት ይኹን ካብ ማሌሊት ኣባል ድማ ክሳብ ማ/ኮሚቴ ማሌሊት ብውሳነኡ መሰረት ናይ መጠረሻ ውሳነ ዝህበካ ተኣጊድካ ትፀንሕ፡፡

ኩሉ ናይ ህወሓት ይኹን ማሌሊት ሒዝካዮ ዝፀናሕኻ ስራሕ ተረክብ ከም ተራ ሰብ ጥራሕ ኮይንካ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ኣካል ሕጋዊ ስንብት ዝህበካ ትፀንሕ ኢሉ ወሲኑ ኣሎ፡፡

ካብ ፕሮግራምና ዝተፈለየ ሓሳብ ዝሓዘ ፅሑፍ ወይ ሰብ ኣብ ኣባልና ምዝርጋሕ ኣድላይ ኮይኑ ጠቓሚ ኮይኑ እንትንረኽቦ ምዝርጋሕ ኣሰራርሓና ስለዝኾነ ብመሰል ዘይኮነ ብጠቓምነት ርኢና ኣፈላላይካ ብፓነል መልክዕ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ኮንፈረንስዚ ክተቕርብ ዕድል ንህበካ ኣለና። ፍቃደኛ እንተኾይንካ መልሲ ኣፍልጠና። እቲ ዝተዘርዘረ ነጥብታት ብኣካል ክንዘራረበሉ ናይዚ ፓነልን ናይዛ ደብዳቤን መልሲ ብፅሑፍ ሃበና፡፡

ማህተም ማሌሊት
ኣባይ
*******************

ሕዳር 10/1979
ናብ ኣባይ

ብሕዳር 8/1979 ፓሊት ቢሮ ብዛዕባ ናተይ ካብ ህወሓትን ማሌሊትን ኣባልነት ምእጋደይ ዘሕለፎ ውሳነ ዝገልፅ ደብዳብ በፂሑኒ፡፡

ብማ/ኮሚቴ ማሌሊት ኣብ ናይ ሸቃላይን ገባርን ምልክነት ዘለኒ ኣረኣእያ ናይ መጨረሻ ፅሑፈይ ሕዳር 30/1979 ከቕርብ ዕድል ተዋሂቡኒ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ፡፡ኣብ ሞንጎዚ ኣብ ናይ ሪጅን 1 ካልኣይ ኮንፈረንስ ብሕዳር 3/1979 ኣብ ዝተልዓለ ኣካይዳ ተቓውሞ ኣቕሪበ፡፡እቲ ገዛ ተቓሞይ ፕሮግራም ዝትንከፍ ስለዝኾነ ናይ ፕሮግራም ኣፈላላይ ሒዝካ ክትቅፅል ኣይትእልን ብዝብል ካብቲ ኮንፈረንስ ክወፅእ ወሲኑ፡፡

ብወገነይ ገዛ ተቐቢልዎ ኣብ ምይይጥ ንዘሎ ኣጀንዳ ደጊፍካ ወይ ተቓውሞኻ ምግላፅ ሕጋውን ትኽክለኛን ምዃኑ ማንም ሰብውን ሓሳብካ ደሪቱ ካብዚ ናብዚ ጥራሕ ኢኻ ትዛረብ ክብለካ ከምዘይብሉን እየ ዝኣምን፡፡ፕሮግራም ፍፁም ኮይኑ ዘይትንከፍን ዘይንቀፍን ኣይኮነን እቲ ቀንዲ ናይ ቃልሲ ርብርብውን ፅሩይ ፕሮግራም ብፅሬቱ ድማ ሓሊኻዮ ክትከይድን እዩ፡፡

ፕሮግራም ዝትንክፍ ኣጀንዳ ከምመመያየጢ ብዕሊ እንተቐሪቡ ካብ ዋህዮ ጀሚሩ ክሳብ ዝለዓለ ጉባኤ ዘሎ ኣኼባታት ነቲ ፕሮግራም ክድግፍ ወይ ክነቅፍ ግድነት’ዩ፡፡ነቲ ፕሮግራም ዝነቅፍ ሓሳብ ክቐርብ የብሉን ዝብል ኣረኣእያ እንተልዩ ግን ሓሳቡ ከይገልፅ ተዓጊቱ ዝተርፍ ክህሉ’ዩ፡፡ትኽክለኛ ናይ ማሌ ኣሰራርሓ ኣይኮነን፡፡በዚ መሰረት ኣብ መጀመርያ ፕሮግራም ይትንክፍዩ ብዝብል ሓሳበይ ከይገልፅ መድረኽ ከይረክብ ምግባሩ ትኽክል ዘይምኻኑ ይኣምን፡፡መወዳእታ ግና ናይ ማሌሊት መስመርን ፕሮግራምን ኣይኣምነሉን በቲ ፕሮግራም’ውን ተጠርኒፈ ምይይጥ ክቕፅል ኣይደልን ምስበልኩ ካብቲ ኮንፈረነስ ክወፅእ ምውሳኑ ትኽክለኛን ሕጋውን ምዃኑ እቕበሎ፡፡

ብድሕሪ’ዚ ፓሊት ቢሮ ተኣኪቡ ናይ ማሌሊት ንኡስ ፕሮግራምን ናይ ህወሓት ፕሮግራምን ሓደ ስለዝኾነ ነዚ ፕሮግራም ተፃሪርካ ኣብ ክልቲኡ ይኹን ሓዲኡ ክትፀንሕ ስለዘይከኣል ክሳብ ማ/ኮሚቴ ማሌሊት ናይ መጨረሻ ውሳነ ዝህብ ካብ ክልቲኡ ውድብ ኣባልነተይ ተኣጊደ ክፀንሕ ወሲኑ ኣሎ፡፡እዚውን ብሕጋዊ መገዲ ዝቃወም ነገር የብሉን፡፡

ኣብዚ ንማ/ኮሚቴ ማሌሊት ከዘኻኽሮ ዝደሊ ነገር ግን ብወገነይ ፀረ መስፍንነትን ሃፀይነትን ቢሮክራሲያዊ ር/ማልነትን ይቃለስ ስለዝኾንኩ ብናይ ስሙር ዲሞክራሲያዊ ግንባር ፃውዒት እንተገደደ ድማ ብናይ ስሙር ግንባር ፃውዒት ናይቲ ውድብ ኘሰረት ሓቢረ ክቃለሰሉ ዝኽእል ዕድል ኣሎ ኢለ ስለዝኣምን ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ ውሳነ ክህበኒ እዩ፡፡ብተወሳኺ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲን ኣብ ምስረታ ፓርቲ ብኢትዮጵያ ደረጃ ዝግበር ጉዕዞን ርኡይ ተራ ክህልወኒ ነዚ ተሳትፎይ ዝሕግዝ ፓለቲካዊ መድረኻትን ማተርያልን ዝረኽበሉ ዕድል ኣብ ግምት ካኣቱ እላቦ፡፡

ኣብ መጨረሻ ኣፈላላይካ ብፓነል መልክዕ ክተቕርብ እንተደሊኻ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ኮንፈረንስ ዕድል ንህበካ ኣለና ንዝብል እቕበሎ ኣሎኹ ኣገባብ ኣቀራርባኡ ዝምልከት ብኣካል ምሳኻ ክዘራረበሉ፡

ግደይ ዘርኣፅዮን
****************************************

Wurayna Magazine

more recommended stories