ህወሓት ኣብ ታሪኽ ንህዝቢ ትግራይ ደው ዝበለሉ ዕለት የለን

(ዲ/ን ሙሉጌታ ወልደገብርኤል – [email protected])

ህልው ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ንምግምጋም አርሒቕና እንተይከድና አብ መንጎ እቲ ህዝብን ብመሪሕነት ቦታ ዝተቐመጡ ግለሰባት ዘሎ ሰፊሕ አፈላላይ ከምኡ ድማ ሐርፋፍ ርክባቱን ምርአይ ግድን እዩ። ትግራይ ከም በዓል አቦይ ስብሐት ዝአመሰሉ ጠንቆምን ሸርሖምን ዘይውዳእ ካብዚ ሐሊፉ ድማ ካብ ቅዱስ ገብርኤል ንላዕሊ ዝፍርሑላ ዓዲ እያ። ትግራይ ካድረታት “ህወሐት” ዝደለይዎ ሰብ ካብ ማዕኸል ከተማ እናጎተቱ ከም ቆርበት አልፊዖም ዝደለይዎ ዝገብሩ ሕግን ሥርዓትን ዘይገዝኦም ንስልጣኖም ገደብን ወሰንን ዘይብሎም ርእሶም ዝኸአሉ ነገሥታት ዝበዝሕዋ ክልል እውን እያ።

ህዝቢ ትግራይ አብ ትሕቲ ልዕሊ ሕግ ዝመላለሱ ዳኛ ዘይብሎም ካድረታት ወዲቑ ቁም ስቑሉ ዝርኢ ዘሎ ሕዝቢ ንምኻኑ ሕቶ የብሉን። ነዚ ጭቡጥ ኩነታት ሕዝቢ ትግራይ ድማ አነ ህያው ምስክር እየ። ብ1998 ዓ.ም ንክረምታዊ ዕረፍቲ ናብ መቐለ አምሪሐ ነይረ። ዝገጠመኒ ኩነታት ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል። አብቲ እዋን ከም ህዝበይ “ቅንጅት … ኢ.ህ.ዲ.ግ!” እንትበሃል ካብ ምስማዕ ዝሐለፈ ስለ ፖለቲካ የውጣ ዝፈልጦ ተአምር አይነበረን። እዚ ግን ዳኛ ዘይብሎም ካብ ኢድ ካድረታት ውድብ “ህወሐት” አይገላገለንን። ብሃበ ተረኽበ ተሐፊሰ ንሰዓታት ብዘሰንብዱ ጥያቄታት ደንዚዘ ነይሩ ንኽስደድ ዝተገበርኩ።

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን አብ መበቆል ዓደ ቦይ አሕዋተይን አሐትይን አካሎም ዝጎደሉላ፤ አኮታተይን አሐት አቦታተይ ዝተሰውኡላ መሬት ትግራይ ንሙኻነይ ጥራሕ ዘይኮነስ እቶም ናይ ፖሊስ መለዮ ዘጥለቁ ዑሱባት እውን እንተኾኑ ተጋሩ ንሙኻኖም እስካብ ዝጠራጠር ገይሩኒ እዩ። ብኻልእ ጉኑ ድማ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይን ብሽም ህዝብ ትግራይ ዝሽቅጥ ውድብ ማንነት ንኸጽንዕ ደፋፊኡኒ እዩ። ዝኾነ ኾይኑ ካድረታት ውድብ “ህወሐት” ዳኛ ከምዘይብሎምን ሎሚ እውን እንተኮነ ህዝቢ ትግራይ አብ ትሕቲ ቐይዲ ዝርከብ ህዝቢ ከምዝኾነ እየ ዝፈልጥ።

ህዝቢ ትግራይ አብ ማእኸል ዓዱ ተሸማቂቑ እዩ ዝነብር ዘሎ። ፊደል ዘይቆጸሩ ካድረታት እቲ ውድብ ፎቅ ብፎቅ እንትብሽበሹ ገባር ትግራዋይ ድማ ጅማን ካሊእ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ተሰዲዱ ቡና እናለቐመ ኢዩ መዓልቲ ዝሐልፎ ዘሎ።

እቲ ሐቂ፥ እዞም ሰባት እዚአቶም ቅድሚ ዒስራ ዓመታት አብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበሮም ወታደራዊ አተሐሳስባን አተሐሕዛ ጉዳያት ደሪቆም ዝተረፉ፤ አንጻር ለውጢ ዝተሰለፉ፤ ንዕብየት ሕዝቢ ትግራይ መሕንቆታት ከምዝኾኑ ብኑጹር ክንገሎም ክኽእል አለዎ። ህዝቢ ትግራይ አንጻር መግዛዕቲ ብዝገበሮ ዕጥቃዊ ቃልስ ንዘመዝገቦ ዓወት ዝተሳተፉ አሕዋትን አሐትን ክብርን ሞገስን ግብኦም እዩ። እንታይ ደአ ውድብ “ህወሐት” ሕዝቢ ትግራይ ከም መሰላል ተጠቂሙ ናይ ምኞቱ ዝረኸበ ዓማጺ ውድብ ዳአምበር ብታሪኽ ንሕዝቢ ትግራይ ደው ዝበለሉ ዕለት ከምዘሎ ግን ክስመረሉ ይግባእ። ውድብ “ህወሐት” አንጻር ትግራዋይ ማንነት ዝቆመ ውድብ እዩ። እዚ ውድብ እዚ ካብ ንህዝቢ ትግራይ ንህዝቢ ኤርትራ ልቡ ዝቀልጥ፤ ትግራዋይነት ዘሕፍሮ ናይ ሸፋቱ ውድብ እዩ።

1983 – 85 ዓ.ም ካብ አስመራን ከባቢአን ሀብቶምን ንብረቶም ተዘሪፎም ዝተባረሩ ተጋሩ ናይ ርሑቅ ዘመን ታሪኽ አይኮነን። ብወቕቱ አብ ትሕቲ አቶ መለስ ዝምራሕ ዝነበረ ውድብ “ህወሐት” ጉዳዩ አመልኪቱ ዝሃቦ ምላሽ “እዚ ዝበሃል ዘሎ ነገር ነበረያ ነበረ … ጽውጽዋይ እዩ” ሕሉፍ ሐፊፍዎም ድማ “ናይ እንዳ ስዋ ወረ ሰካራማት እዩ” ብማለት ነይሩ ችግርን ሞትን ተጋሩ ዘቃለሎ። ድሕሪ 90ታት እውን እንተኾነ መንግሥትን ሕዝብን ኤርትራ አብ ልዕሊ ተጋሩ ንዘፈጸምዎ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ህዝቢ ትግራይ ዝረድኦ አካል አይነበርን።

“ተጋሩ ፋታ ብሰንኹም ከቢሩ … ተጋሩ አብዘለኹምዎ ሕረሩ” እናተብሃለ አብ ልዕሊ ትግራዋይ ማንነት ዘለዎም ብአሻሐት ዝቁጸሩ ወገናታትና ዝተፈጸመ አሰቃቂ ግፍዒ ውድብ “ህወሐት” ንህዝቢ ትግራይ ምንም ዓይነት ልቢ ከምዘይብሉ ደጋጊሙ ዘረጋገጸሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ዓይነት ምስክር እዩ ክቐርብ ዝድለ ዘሎ?

በዚ በለ በቲ እዞም ሰባት እዚአቶም ካብ ሕሉፍ ትምህርቲ ዝወስዱ ሰባት አይኮኑን። ካልእ ይትረፍ ህዝቢ ትግራይ እውን እንተኾነ ዓኽ – ቱፍ አሊ ከምዝተፍኦም ክፈልጡ ክኽእሉ አለዎም። በዚ አጋጣሚ እዚ አሕዋትን አሐትን መዳለውቲ “ … ” ብእትህብዎ አገልግሎት ምንቅስቓስ ግዳማዊ ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ አብ ምዕጋትን ምቅላስን እትገብርዎ ተጋድሎ ከምዘሎ ኾይኑ ውድብ “ህወሐት” ብዝምልከት ግን እቲ ሐቂ እንተይዘይዳፈን ጥራሕ ዘይኮነስ ሃናጺ ዝኾነ ሐሳባት ዝንሸራሸርሉ፤ ህዝቢ ትግራይ አብ ልዕሊ ውድብ “ህወሐት” ዘለዎ ርኢቶ ዝገልጸሉ ባይታ ብምፍጣር አብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ ደው ንኽትብሉ እላቦው።

ስርዓት ሐላፊ ኢዩ፣ ስርዓት ወዳቒ እዩ፣ ስርዓት ተለዋጢ ኢዩ። ሕዝቢ ግን ሕዝቢ ኢዩ። እዚ ድማ ሐቂ እዩ። እዚ ውድብ እዚ ብአተሐሳስብኡ ክሳብ ምጽአት እውን እንተኮነ ፈጺሙ ዝመሐየሽ ውድብ አይኮነን። ውዳሴታትን ከምኡ ድማ ዘየለ ልምዓታዊ ጽሑፋት ጥራሕ ዘይኮነስ ጎደሎታት እቲ ብሽርሕን ብተንኮልን ዝጠስጠሰ ውድብ ዝግምግሙ ጽሑፋት ብግቡእ ክተአናገዱ አለዎም። ይሰንብዱ። ዝተኸፈለ መስዋዕትነት እውን እንተኾነ ንፍትሕን ማዕርነትን ህዝቢ ደአምበር አብ ባይታ ንዘየለ ወግዒ ንኽውጋዕ አይነበረን።

እምበአርከስ ህዝቢ ትግራይ ልቢ አስፊሑ ደአምበር አባላት ውድብ “ህወሐት” ከምዝሐስብዎን ዝግምትዎን ባህልቢ (ዓሻ) ህዝቢ አይኮነን። ውሽጡ ደም እናነብዐ “ካብ ዘይትፈልጦ መልአኽ አትፈልጦ ሸይጣን” ኢሉ ተዓገሶም ደአምበር ከም እምነት እቲ ውድብ ህዝቢ ትግራይ ዓሻ ሕዝቢ ኮይኑ አይኮነን። አባላት ውድብ “ህወሐት” ህዝቢ ትግራይ ካብ ሎሚ ጽባህ ልቢ ይገዝኡ ይኾኑ እናበለ ሕማሙ ኽኢሉ ብትዕግስቲ ከም ዝተጻወሮም አይፈለጡን። ብሽሙ ዝስራህ ሕድሕድ ምንቅስቃስ ናይዚ ውድብ እዚ እውን እንተኾነ እርይ ቁጽር አቢሉ ብዝርዝር አጻሪዩ ዝፈልጥ ሕዝቢ እዩ።

አይበላዕ! ህዝቢ እናደለልካ ዝብላዕ እንጀራ ናይ ደም እንጀራ እዩ። ዲ/ን ሙሉጌታ ወልደገብርኤል

**************

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories