አብ ምንጻት ትርከብ ሃገረ ኤርትራ – መንቀሊኡን አፈታትሕኡን

መእተዊ

ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ነጻነት፣ ፍትሒ፣ ዴሞክራሲ፣ ማዕርነት፣ ራህዋን ሰላምን ክብል ልዕሊ 30 ዓመት ዝወሰደ ብረታዊ ተጋድሎ ገይሩ እዩ፡፡ ሂወት አማኢት አሻሓት ጸለምቲን ቀያሕቲን መላምል ደቁ እውን ከፊሉ እዩ፡፡ ካብኡ ንላዕሊ አካላት ደቁ ሰንኪሉ እዩ፡፡ አደታትን አቦታትን ኤርትራ ብዘይጠዋሪ ቀሪየን እየን፡፡ ሃገራዊ ሃፍቲ ኤርትራ ሓዊ በሊዕዎ እዩ፡፡ ከምኡ ኮይኑ ግን ኤርትራ ሓራ ወጺኣ ምስ ሃገራት ዓለም ማዕረ ባንዴራኣ ተንበልብል አላ፡፡ ናይ ባንዴራ ነጻነት ይብልዎ ሙሁራን ፖለቲካ፡፡ ምእንተ ምእንታይሲ እተን መሰረታውያን ህዝቢ ኤርትራ ዝብህገን ንክረክበን ሓያሎ መስዋእቲ ዝኸፈለለን ዴሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ማዕርነት፣ ራህዋን ልምዓትን ግን ገዲደን ስለ ዝተቐበራ እዩ፡፡ ንብዓት አዶታትን አቦታት ኤርትራን ግን ብዝገደደ መልክዑ ቐጺሉ ኣሎ፡፡

እቲ ካብ ብዓንተወኡ ንዕምሪ ስልጣን ምበር ንባህጊ ኤርትራ ዘይወፈረ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ አፍወርቂ ብፍላይ ድሕሪ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ ምትንፋስ ክሳብ ዝስእን ብክሳዱ ዓምጺጹ ክገዝኦ ጸኒሑ እዩ፡፡ ኩለን እተን ባህግታት ህዝቢ ኤርትራን ጀጋኑ ተጋደልቲን ንከይትግብር ክብል ማእለያ ዘይብሉ ንስንስ ብምእላም ዕምሪ ስልጣኑ የናውሕ ኣሎ፡፡ ቅዋም ሃገር፣ ዲሞክራሲ፣ ልምዓት፣ ፍትሕን ማዕርነትን ንዘይምስፋን መጀመርያ ምስ ሱዳን፣ የመን፣ ጅቡቲ ደሓር ከዓኒ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ኣዝዩ ኣድማዪ ኲናት ኣትዩ እዩ፡፡ ደሓር ከዓ ሃገር ኣብ ሓደጋ እያ ዘላ ኢሉ ዝኾነ ዓይነት ሕቶ ከይለዓል ቀይዱ ሒዙ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ቅልውላው ብምፍጣር ከም ህዝቢ እታ ዝፈትዋ መረበቱ ራሕሪሑ ፍቖዶ ስደት ፋሕ ብትን ክብል ይረአ ኣሎ፡፡

ሞስሊም ምስ ክርስትያን፣ ካቶሊክ ምስ ፕሮቴስታንት፣ ኦርቶዶክስ ምስ ኩሎም ሃይማኖት፣ መታሕት ምስ ከበሳ፣ አኩሎጉዛይ ምስ ሓማሴን፣ ሓማሴን ምስ ሰራዬ፣ ከምኡውን ተጋዳላይ ምስ ተጋዳላይ፣ ቤተሰብ ምስ ደቆም ምትእምማን ከይህሉ መትከላዊ ገይሩ ክስርሐሉ ዝጸንሐ እቲ ጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሓረስታይ፣ ነጋዳይ፣ ወታደራዊ ጀነራል፣ ሚኒስቴር፣ ሙሁር፣ ጳጳስ ወዘተ ኩሉ ብዝክእሎ እግረይ አውጽእኒ እናበለ ፍቖዶ ባሕሪን በረኻን እናቋረጸ ናብ ስደት ይውሕዝ ኣሎ፡፡ ልዕሊ ዲፕሎማት ዝተሰደዱላ ሃገር ምስ ምኳና ከዓ መን ዳኣ ጢዕምዎ ኣሎ ኢልካ ትሓትት፡፡

ጥር ትብል ሳንቲም ብመሓውር ውሑዳት ጉጅለ ህግደፍ ክጥርነፍ ብምግባር ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ስነ-ቑጠባዊ ረብሓ ክግለል፣ መንእሰያት ገደብ ብዘይብሉ ግፋ ማኣዲ ትምህርቶም ገዲፎም ብዘይማሃያ ረብሓ ውሑዳት በዓል መዚታት ህግደፍ ከገልግሉ፣ ጀጋኑ ተጋደልቲ ጀራዲን ናይ ጀነራላት ክኩስኩሱ ኮታስ ህዝቢ ከምህዝቢ ካብ ሀገራዊ ህንጸት ብምምንዛዕ ከደምቲ ሰበስልጣን ህግደፍ ክኾኑ ተፈሪድሎም ይርከብ፡፡ ስለዝኾነ ከዓ ፖሊቲካዊ፣ ስነቑጠባዊን ማሕበራዊን ቅልውላው ተፈጢሩ ህጻውንቲን ወለዲን ተፈላልዮም ህዝቢ ከም ህዝቢ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ብትን ክብሉ ይረኣዩ ኣለው፡፡ ሓረስታይ ናብ ካሊእ ሃገር መሬቱ ገዲፉ ክስደድ ኣባይ ተርእዩ ድዩ፡ ኣብ ኤርትራ ጥራሕ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት፡ ዘይተምሃረ፣ ዓዱ ዝጸልእ፣ ተስፋ ዝቖረጸ ወለዶ ተፈጢሩ ይርከብ፡፡ እዚ እዩ እቲ ሓደገኛ ውድቀት ኤርትራ፡፡ ኮታስ ቐባሪ ተሳኢኑ፣ መፍረይቲ ሃገር መንእሰያት ተሰዲዶም፣ ተጋደልቲ ተበቲኖም፣ አዶታት ክበኽያ ብሓፈሻ ሀገር ኣብ ደልሃመት ኣትያ መጻኢ ዕድል ሃገር ኣብ ኣዝዩ ዘሰክፍ ኩነታት ትርከብ፡፡

Photo - Migrants on boat on Mediterranean Sea
Photo – Migrants on boat on Mediterranean Sea

ስለምንታይ ኢሳያስ ከምኡ ገይሩ?

በዓል መዚታት ኤርትራ  ምስ ወንጀለኛት ደላሎ ዘይሕጋዊ  ኣብ ናይ ሰባት ዝውውር ከም ዝነጥፉ ተቓሊዑ እዩ፡፡ መራሒ እቲ ጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ክብል ካብ መፈለምታ ተጋድሎ ነጻነት ኤርትራ ጀጋኑን ሙሁራን እናቐንጸለ ዝመጸ ምኳኑ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ ስለዝኮነ ትንተና ኣየድልዮን እዩ፡፡ ንምንታይ ባህግታት ህዝቢ ኤርትራ ጨውዩ፣ ንምንታይ ሰፍ ዘይብል ገበን ኣብ ልዕሊ ብጾቱን ህዝቡን ይፍጽም ኣሎ ዝብል ውን ኣመጻጽኣ ባህሪኡ ስለዘይፈቕደሉ ስለዝኮነ ክበሃል ይከኣል፡፡

ብካሊእ መዳይ ግን ዝተምሃረ ማሕበረሰብ እንተሃሊዩ፡ ሕቶ ዲሞክራሲ፣ ልምዓትን ማሕበራዊ ፍትሕን ምልዓሉ ዘይቐሪ ባህሪያዊ እዩ፡፡ ኢሳያስ ከዓ ነዚ ክምልስ ዝክእል ዓቕሚን ድልየትን የብሉን፡፡ ስለዚ ዘይተምሃረ ወለዶ ክፈጥር ግድን እዩ፡፡ እቲ ዘይተምሃረ ወለዶ ኣብ ኤርትራ እንተተኣኪቡ ውን ሓደ መዓልቲ ምዕማጹ ዘይቐሪ ጉዳይ እዩ፡፡ ስለዚ ክብተንን ክስደድን ኣለዎ፡፡ በዚ መሰረት እቲ ወለዶ ከይማሃር፣ ኣብ ዓዲ ከይውህልል ብስደት መልክዕ ምብታን ንጽባሕ ዘይበሃል ፖለቲካዊ ውዲት እዩ፡፡ ስለዝኾነ ከዓ ኢሳያስ ከም ኣምላክ ዝሪኦ፣ ኣብ ኤርትራን ህዝባን ዝበጽሕ ዘሎ ዕንወት ዘይፈልጥ፣ ብግዳማዊ ጉዳይ ዘስቅጥ፣ ንስደት ዘንቀለ ማሕበረሰብ ተፈጢሩ፡፡ ውጥን ኢሳያስ ተሳኪዑ፡፡ እቶም ንስደት ዝከዱ ከዓ ከም ፍልፍል እቶት ዶላር ይርበሐሎም ኣሎ፡፡

ስለዝኾነ ብርሰት ህዝቢ ኤርትራ ብፕሪዝደንት ኢሳያስ ዝተወጠነ፣ ብኡ መሰረት ዝስረሐሉ ዘሎ ጉዳይ እዩ እሞ ከይንግረም፡፡ እስቲ እዘን ዝስዕባ ጸብጻባት ብዛዕባ ስደት ኤርትራ ንመልከት፡፡

ናይ ቐርኒ አፍሪቃ ልምዓት በየነ መንግስታት  (ኢጋድ፣ IGAD)  ንኡስ ናይ ፀጠታ ሴክተር ፕሮግራም ምስ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ሳሃን ዝተብሃለ ናይ ፖሊሲ ፅንዓት ትካል ኣብዚ ሰሙን ከምዝገለጾ፡ ሰበስልጣናት ህግደፍ ኣብ ዘይ ሕጋዊ ደቂ ሰባት ዝውውር ስራሕቲ ከምዝሳተፉ፣ ንስደት ንዝኸዱ ዜጋታት ናይ ሓሶት ፓስፖርት ሰነዳት ብምድላው፣ መኪና ብምሃብ የሳልጡ ኣለው ክብል ኣቃሊዑ ኔሩ ዝሓለፈ ወርሓት፡፡ ኣብ ዓለም ስደተኛታት ብበዝሒ ብፍላቕ ካብ ብጦርነት ትሕመስ ሶርያ ቐፂላ ካልአይቲ ከምዝኾነትን ከምኡ እውን 20 ሚኢታዊ ህዝባ ዝተሰደደላ ንእሽተይ ሃገር ግን ኣሻሓት ስደተኛታት እተበርክት ሃገር ክብል ወሲኹ ገሊፁ እዩ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት፡፡ ንኣብነት ኣብ 2015 ዓ.ም.ፈ ናብ ኣውሮጳ ካብ ዝኣተው ስደተኛታት እቶም ርብዒ ማለት እውን 40,000 ካብ ኤርትራ ከምዝኾኑ ሓቢሩ፡፡ ኤርትራውያን ናብ ስደት ከምርሑ ሓያለ ማህሰይቲ፣ ኮላሊቶም ክሳብ ምሻጥ፣ መቕተልቲን መግረፍቲን ከምዝበጽሖም እውን ኣቃሊዑ ኣሎ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 200,000 ኤርትራውያን፣ ኣብ ሱዳን ልዕሊ 460,000 ስደተኛታት ከምዘለውን እቶም 150,000  ኤርትራውያን ከምዝኾኑ ንፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ ይብል እቲ መጽናዕቲ፡፡

ዘይሕጋውያን ደላሎ ኤርትራውያን ምስ መን ይሰርሑ ኣለው?

ኣብዚ ዞባ ዝሰርሑ ዘይሕጋውያን ወንጀለታት ኣዘዋወርቲ ደቂ ሰባት (human traffickers)  መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ምዃኖም ዘቃለዐ እቲ ሪፖርት እዞም ደለልቲ ምስ ሰበስልጣናት ህግደፍ ብምትሕብባር ካብ ኤርትራ መንእሰያት ክወፁ ብምግባር ብዙሕ ዶላር ከምዝረኽቡን ኔትዎርኮም ካብ ሶማል፣ ሱዳን፣ ሊብያ፣ ሲንጋፖር፣ አውሮጳ ወዘተ ከምዝዝርጋሕ ኣብ ኢድ ቀይዲ ዝዋዓሉ ደላሎ ካብ ዝተዛረብዎ ሓበሬታ ምፍላጥ ይከአል፡፡ ኣብዚ ቐርኒ ኣፍሪካ ካብ ዘለው መንግስታት ሰበስልጣናት ህግደፍ ጥራሕ ብሂወት ዜጋታቶም ጠላዕ ይፃወቱ ከምዘለው ዝሓበሩ ተሳተፍቲ እቲ መፅናዕቲ ሚሒር ብምሕዛን ኣብ ልዕሊ ብወንጀል ዝጠልቀዩ ተሳተፍቲ ሰበስልጣናትን ኤርትራውያን ደላሎን ናብ ፍርዲ ቤት ክቐርቡ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ቤት ምኽሪ ፀጠታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብልቢ ክሰርሕ ተላብዮም እዮም፡፡

ኣስታት 39 ገፅ ዝሓዘ እቲ ሪፖርት ዘይሕጋዊ ናይ ደቂ ሰባት ዝውውር ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ብዝብል ርእሲ መፅናዕቲ ዘቕረቡ ኣብ አዲስኣበባ ንዝርከቡ ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ልኡኻት (ዲፕሎማታት) ቐሪቡ ሰፊሕ ዘተ ተካይድሉ እዩ፡፡  ካብ ሃገራት ቐርኒ ኣፍሪካ ናብ ኣውሮጳ ዝውሕዙ ስደተኛታት ብዝተወደቡ ዘይሕጋውያን ደላሎን ናይ ፀጠታን ወታደራዊ ጀነራላትን ከምዝካየድ ዝተገለፀ እንትኾን ኣሻሓት ዶላራት ክኸፍሉ ከምዝግደዱ ተሓቢሩ፡፡ ቐንዲ ዘይሕጋውያን ደላሎን መስመር ቐርኒ ኣፍሪካ ካብ ኤርትራ-ሱዳን-ግብፂ-ሊብያ-ኣውሮጳ ዝተቖፃፀርዎ ኤርትራውያን ብሕጊ ዓለም ዝድለዩን ገሊኦም ኣብቐይዲ ዘለውን እንትኾኑ ዝተወሰኑን እቶም ዋና ዋና ኤርትራውያን ኣብቲ ሪፖርት ስሞምን ስእሎምን ቐሪቡ እዩ፡፡

ስም ኤርትራውያን ዘይሕጋዊ አስገርቲን መሳርሕቶም ሰበስልጣን ህግደፍን

በዚ መሰረት ጆን ሃብቱ (ብቕፅል ስሙ ኦባማ)፣ ጀማል ሱዲ፣ ማዓሾ ተስፋማርያም፣ መድሃኔ ይሕደጎ፣ ኤርምያስ ግርማይ፣ ወዲ ኢሳቅ፣ ፍፁም፣ ዓወት ኪዳኔ፣ ሃብቶም መርሓይ ወዘተ እንትኾኑ ካብዚኦም ሃብቶም መርሓይ ምስ በዓል መዚ ኤርትራ የማነ ገብራብ (monkey) ብተደጋጋሚ ኣብ ሽውደን ከምዝተርኣየን ኣብ ጥልያን ወንጀለኛ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘሎን ተሓቢሩ፡፡ ብፍላይ ኤፍሬም (ምስ የማነ ገብረኣብ ምቅርራብ ዘለዎ) ቅድሚ ኣብ ቁፅፅር ፖሊስ ጥልያን ምእታው ብተደጋጋሚ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ብምትሕብባር ኣሻሓት ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ ክወፁ ብምግባር ሓያሎ ዜጋታት ቀለብ ዓሳ፣ ኮላሊቶም ክሸጡ፣ ኣብ በረኻ ክቕተሉ ዓብዪ ተራ ኣለዎ ክብል እቲ ሪፖርት ሰኒድዎ፡፡

መብዛሕቲኦም ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ዘለው ዲፕሎማት ኤርትራ ፓስፖርትን መፍለጢ ማንነት (ናይ ሓሶት ይኹን ንግዚኡ ዘይተፈለጠ) እናሃቡ ገንዘብ ከምዝቕበሉ እውን ተቓሊዑ፡፡

በዞም ክልተ ኤርትራውያን ደለልቲ ዝተወሰዱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሲናይ በረኻ ዝተሓረዱ፣ ኣብ ላምፖዶ ዝተቓፀለት ጃልባ፣ ኣብ ሊብያ ብአይ ኤስ (ISIS) ዝተሓረዱ ይርከብዎም፡፡

መብዛሕቲኦም ሰበ ስልጣን ፀጠታን ምክልካል ሃገርን አብዚ ጉዳይ ዝሳተፉ ከምዝኾኑን ሃገራዊ ግዴታኦም ረሲዖም መገዛ ህዝቦም ብገንዘብ ክሸጡ ዝውዕሉ ዘለው ምዃኖም ዝተሓበረ እንትኾን ንብረት መንግስቲ ዝኾና መኻይን እውን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኤርትራ ናብ ራሻይዳ ከረክባን ዶላራት ክቕበላን ይውዕላ ኣለዋ ይብል፡፡ ካሊእ ይትረፍ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ስደተኛታት ኤርትራ ኣማኢት ኣሻሓት ናቕፋ ንወታደራት ህግደፍ ከምዝኸፍሉ ናይ ሕድሕድ ኤርትራዊ ተጓንፎ እዩ፡፡ ንኣብነት ካብ ደቂ ኣምሓረ-ሰንዓፈ ናብ ዛላንበሳ ዝኣትው ኤርትራውያን ካብ 70-90 ሽሕ ናቕፋ ንሰበ ስልጣን ወታደራዊ ሓለፍቲ ህግደፍ ይኸፍሉ፡ ካብ ኣስመራ-ዓዲዃላ ናብ ዓድዋ ዝኣትው ኤርትራውያን እውን ካብ 100-200 ናቕፋ ከምዝኸፍሉ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ይዛረቡ፡፡ ናብ ሱዳን-ግብፂ ኢስራኤል ዝኸዱ ከዓኒ ክሳብ 20 ሺሕ ዶላር ይኸፍሉ፡፡ ቀረብ ትራንስፖርትን ካልኦት መስገሪ ሰነዳትን ከዓ ካብቶም ጀነራላትን ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕንነትን ይረኽቡ፡፡

ሰአን ፍትሕን ራህዋን ሃገሩ ገዲፉ ሃፅ እናበለ ዝስደድ ዘሎ ሚስኪን ኤርትራዊ መጀመርያ ንሰበስልጣን ህግደፍ ደሓር ከዓ ንራሻይዳ እናበለ ስቅያቱ ይርኢ ኣሎ፡፡ ናፅነትን ፍትሒን ከምፀልና ኢዩ ብዝብል ትምኒት ኣሻሐት ቀያሕቲን ፀለምትን ደቁ መስዋእቲ ዝገበረ ህዝቢ ኤርትራ ብገዛ ደቁ ከም ቆርበት በጊዕ ኣብ ዕዳጋ ይሸጥዎን ይልውጥዎን ኣለው፡፡ እቶም ዘይናትና እንብሎም ዝነበርና መግዛእቲ ጥልያን ኢትዮጵያን እውን ከምዚኣስ አይገበርዎን ንህዝቢ ኤርትራ ይብል ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ስሙ ክጥቀስ ዘይደሊ፡፡ ዝተፈላለዩ ትካላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ወንጀል ግብረ ሽበራ ስርዓት ህግደፍ ከጋልፅዎ ዝፀንሑ እንትኾን ብዝበለፀ ከዓ ኢጋድ ብመርትዖ ኣደጊፉ ኣቃሊዑ ይርከብ፡፡ ኣብ ዝባኑ ንዝበጽሖ ማእለያ ዘይብሉ በደል ህዝቢ ኤርትራ ምስክር ናይ ዝኾነ ዘይደሊ እኳ እንተኾነ ግፍዐኛታት መራሕቱ ንምውጋድ ሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም የድልዮ እዩ፡፡

መጠቓለሊ

በሉ ኤርትራውያን ኣሕዋት ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝበፅሕ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕን ክሕደትን ከምዚ ይመስል፡፡ ሕጂ ግን ይኣክል ንበሎ! ንብዓት ኤርትራዊት ኣዶ ንዓቅቦ! ፈቲክን ፀሊእክን ኣነ እየ አዴኺን በለት ባርያ ከምዝበሃል ፈቲና ፀሊእና እዚ ይመስል መራሒና፡፡ ህዝብናን ሃገርን ኣብ ምፅናት ዝርከብ ናይ ወንጀለኛታት እክብካብ ህግደፍ ቅድሚ ህዝብና ሸይጡ ምውዳኡ ቐላፅምና ነልዕል፡፡ እታ እንፈትዋን እንብህጋን ኤርትራ ንምርካብ ኩላትና ንለዓል፡፡ ቁልፊ መፍቲሒኡ ከዓ ዘለና ውልቃዊ ናይ ሓሳብ ኣፈላላያት ንጎኒ ብምግባር ሙሁር፣ ተቓወምቲ ውዱባት፣ መንእሰያት ወዘተ ኬበልና ኩላትና ዳግም እንትንውደብን ኣብ ጽላል ሃገራዊ ኣጀንዳ እንትንዓስልን ጥራሕ እዩ፡፡

***********

* ዘርኣይ ሃ/ማርያም ጸሓፊ እዚ ኣርቲክል ኢትዮጵያዊ ኮይኑ ኣብ ኤርትራውያን ዝበጽሕ ግፍዒ ብቐረባ ዝተዓዘቦ እዩ ጺሒፉ ዘሎ፡፡ ዝኾነ ሓሳብ ዘለዎ ሰብ በዛ ኣድራሻ [email protected] ከንጸባርቕ ይክእል፡፡

Zeray hailemariam Abebe is a scholar of International Relations and is researcher in the horn of Africa’s conflict, inter-state relations and cooperation. He blogs at HornAffairs and can be reached at [email protected]

more recommended stories