ልእኽቶታት ካልኣይ ወያነ ትግራይ ናብይ ኣበሉ?

[ካብ ገጽ 1 ዝቀጸለ]

ካብዙይ ቀፂለ ኣብዚ ኣዋርሕ ብዝተፈላለዩ ሚድያታት ዝቐረቡን ክልዓሉ ይግባእ ኢለ ዝኣምነሎምን ንጥብታት ከስዕብ።

1. ፖለቲካዊ ቃልሲ ትግራይውን ኣካል ቃልሲ ለጂትመሲ ክኸውን ምብቅዑ

ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ክዕረቑ ኣብ ዘይኽእሉ ተፃባእቲ ጫፋት ዝርከበሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣግባብ ቃልስታቶም ኣብ ፀግዒ ፖለቲካል ለጂትመሲ ዘንበሩ ሓይልታት ዝራመፅሉ መድረኽ ብምዃኑ እዩ። ጠቕሊልካ እንትርአ ፖለቲካል ለጂትመሲ ስልጣን ናይ ምሓዝ መሰልን ግቡእነትን የመልክት። ዝብዝሕ ጊዜ ለጂትሜት ዝኾነ መንግስቲ ፍልፍል ስልጣኑ ህዝባዊ መረፃ እዩ። ይኹን እምበር ካብ ፍሉይ ታሪኽን ኣጋጣምታትን ዝፍልፍል ለጂትመሲውን ኣሎ። ንኣብነት ኣንፃር ባዓዳዊ ይኹን ደርባውን ብሄራዊ ወፅዓታትን ዝተኻየዱ ቃልስታት ስዒቦም ናብ ስልጣን ዝመፁ ሓይልታት ሕገ መንግስታዊ መዳያይቦ ስልጣን ክሳዕ ዝብጆ ንውስን ጊዜ ለጂትሜት ኮይኖም ክቑፀሩ ይከኣል። መንግስታዊ ስልጣን ናይ ምሓዝ ለጂትመሲ መሰረቱ ህዝባዊ ተቐባልነት’ዩ ካብ ዝብል ኣምር ይፍልፍል። ዝበዝሕ ህዝቢ ናይ’ቲ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ ለጂትመሲ ዘይቕበል እንተኾይኑ እንትቕድም ባዕሉ እቲ መንግስቲ ከምዘለዎ ክቕፅል ሕጋዊን ሞራላዊን መሰረት ይምንጠል። ቀፂሉ ከኣ እቲ ኩነታት ግቡእ ፍታሕ ብቕልጡፍ ምስ ዘይረክብ ናብ ህዝባዊ ዓመፅን ናዕቢን የምርሕ።

ፍልፍል ለጂትሜት መንግስቲ መረፃ ይኹን እምበር መረፃ ንዓርሱ ለጂትመሲ ክህልዎ ቅድመ-ኩነት የድልዮ። ንኣብነት ተናሓናሕቲ ሓይልታት ኣብ ኣገደስቲ መንግስታዊ ትካላትን ብዓብይኡ ከኣ ሕገ መንግስታዊ እምነቶም ፈተኽ ዘይብል ምዃን፣ መረፃ ንኸፈፅም ሓላፍነት ዝወሰደ መንግስታዊ ትካል ብኹሎም ትናሓናሕቲ ውድባትን ውልቀሰባትን ቅቡል ምዃን፣ እቲ መረፃ ዝካየደሉ ሃዋህው ንኹሎም ተናሓናሕቲ ሓይልታት ማዕረ ዕድል ዝህብ ምዃን፣ ፍትሓዊ ብፅሒት ሽፋን ሚድያ፣ ከምኡውን እቲ መራፃይ ህዝቢ ብዓብይኡ ብዘይ ስኽፍታ ዝደለዮ ተወካሊ ምምራፅ ዘኽእሎ ኩነታት ምህላው ወዘተ ምጥቃስ ይካኣል። እንተናኣሰ እዞም ዝተጠቐሱ ነጥብታት ዘየማልእ መረፃ በብግዚኡ እናሓየለ ዝኸይድ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ከውሕስ ኣይኽእልን።

በዚ መንፅር’ዚ ኩነታት ፖለቲካዊ ሃገርና እንትንፍትሽ ግዳይ ለጂትመሲ ኮይኑ ንረኽቦ። ኢህወዴግ ምትእኽኻብ “ሓደ እዝኖም ዝመንፀፎም እቲ ካልእ ድማ ክዳኖም” ዝኾኑ ሰባት ይኹን ኣይኹን ገና ኣብ “ዘይበርሀሉ” ሰዓት’ውን እንተኾነ “ንእሽቶ ዕድል እስኪ ንሃቦ” እትብል ናይ ምትሕብባር መንፈስ ከርእዩ ኣይፈቐዱን። ገና ካብ ብጊሓቱ ኢህወዴግ ሃገር ዝበታትን “ሰይጣን” ከምዝኾነ ቁዋም ብምሓዝ ለጂትሜት ዝኾነ መንግስቲ ካብ ኣፈሙዝ ጥራሕ ከምዝርከብ ዝኣምን ሓይሊ ዳርጋ ኩሎም ናይ ተቓውምሞ ሚድያታት ብምቁፅፃር ንዓመታት ሰቢኹ። ከምውፅኢት’ውን ድሕሪ ርብዒ ክፍለ ዘበን ልምምድ ሓውሲ-ዴሞክራሲ’ውን እንተኾነ ዓይነታዊ ብዝኾነ መንገዲ ዝለዘቡ ፖለቲካዊ ቁዋማት የለውን። ብዓይኒ ተቓወምቲ ሐዚ’ውን መንግስቲ ኢህወዴግ ብኣፈሙዝ ዝገዝእ ኣምባገነን መንግስቲ እዩ። ሳዕቤን እዙ ቁዋም ዴሞክራሲ ሃገርና ንዘይተወሰነ እዋን ዝደፍእ ከምኡውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ጥዕና ዘለዎም መማረፂታት ዘስእን ኮይኑ ይርከብ።

ለጂትመሲ ኣብ ትግራይ ግን ፍልይ ዝበለ ታሪኽ ነይሩዎ። ኣብ ለጂትመሲ ወያነ ትግራይ ስክፍታን ተቓውሞን ዝነበሮም ትግራዎት ኣዝዮም ውሑዳት ነይሮም። ፍትሓውነት ምድምሳስ ደርጊ ዳርጋ ንኹሉ ትግራዋይ ቕሳነት ምንባሩ ምርምር ዘድልዮ መደምደምታ ጌረ ኣይወስዶን። እቲ ሓቂ ክምዙይ እንተነይሩ ኣብዙ ሐዚ እዋን ንምንታይ መልክዑ ቀይሩ ናይ ለጂትመሲ ሕቶ ክኸውን ክኢሉ? 1983ዓ/ም ከም መሰረት ፍልልይ ባህግታትን ፖለቲካዊ ቁዋማትን ዘለዎም ዝተፈላልዩ ሓይልታት ክትከውን ዘይትኽእለሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ግዕዙይ ምሕደራ ህወሓት ንምቁዋም ለጂትመሲ ዕጥቃዊ ቃልስና ምቁዋም ግድንን ኣድላዪን ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ ክኸውን ይኽእል? ወያነ ትግራይ መቐፀልታ ገድላዊ ልእኽቶ ኤርትራ ከምዝኾነ ዝከራኸሩ ሰባት ቁፀሮም እናወሰኸ ይመፅእ ዘሎ ይመስለኒ። እንታይ ክግበር ነይሩዎ እዮም ዝብሉ ዘለዉ?

እቶም ኣብ ትግራይ ዝርካቦም ተናሓናሕቲ ውድባት ይኹኑ ካልኦት ውልቀታት ሕቶ እዋናዊ ቃልሲ ትግራይ ሕቶ ለጂትመሲ ክኸውን ምምራፆም ንኽልልና መፍትሒ ዘይኮነስ ተወሳኺ ሓልኪ ከምዝኾነ እየ ዝኣምን። እዞም ሓይልታትን ውልቀታትን ሕዚ ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ብዓፈናን ንህዝቢ ኣማራፂ ብምኽላእን ስልጣኑ ከናውሕ ዝቖረፀ ምዃኑ ምእማን ብኡ መጠን ከኣ እዋናዊ ህዝባዊ ውክልናኡ ኣብ ሕቶ ምእታው ከምኡውን ናብ ጭቡጥ ናይ ኣፈፃፅማ ፀገማት ብምውራድ ህዝቢ ኣብ ጎኖም ክዓስል ምግባር ርትዓዊ ናይ ቃልሲ ኣንፈት ጌይረ እወስድ። ህወሓት ካብ እትፍጠር ጀሚሩ ንዝገበረቶ ኣበርክቶ ኣብ ሕቶ ምእታው እንትብእስ ከኣ ናይ ባዕላ ልእኹቶ ዘይነበራ ምስልይቲ ሓይሊ ጌሩ ዝርኢ ኣመዛዝና ግን ኣዝዩ ድኹምን ኣብ ክውንነት ዘይተመስረተን ኮይኑ ይረኣየኒ። ነዚ ከራጉድ ምእንታ ዝቐርብ መከራኸሪ ነጥቢ ህወሓት ብዛዕባ ኤርትራ ካብ ኤርትራውያን ንላዕሊ እትሕለቅ ሕቶ ኤርትራ ሕቶ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምዃኑ ምቕባላ ከምኣብነት ብምኽቅራብ ንኢትዮጵያ ብምጉዳእ ኤርትራ ከምዝጠቐመትን ኣሰር ካልኣዊ ምኒሊክ ብምስዓብ ንሃገራዊ ድሕነት ወሳኒ ዝኾነ ኣፍደገ ባሕሪ ክንስእን ብምግባር ዘይስረይ ሓጥኣት ከምዝፈፀመትን ይኸሱዋ። ከም ውፅኢትውን ትግራይ ንምምራሕ ዘኽእላ ሞራላዊ መንፀፍ ከምዘይብላ ይድምድሙ።

ንሓደ መንግስቲ ወይ ከኣ ውድብ ኣብ ሓደ ዛዕባ ምንቃፍ ምእንተ ርእሱ ዝግበር ኣይመስለንን። ጉድለት ፈፂሙ ኢልካ ምስ ዝእመን ንምዕራይ ካብ ምህቃን ክብገስ ዘለዎ ይመስለኒ። ከምሓደ ታሪኻዊ ጉድለት ክርአ ካብ ምድላይ ክብገስውን ይኽእል፤ ይኹን እምበር ከምዙይ ዝዓይነቱ ባህጊ ኣካዳሚያዊ ብምዃኑ ንፖለቲካዊ ውድባትን ፖለቲከኛታትን መኽሰብ ዝርከቦ ኣይኮነን። እቲ ዛዕባ ክምዙይ እንተኾይኑ ሕቶ ኤርትራ ደጋጊምካ ምልዓል ዝሞተ ፈረስ ምግላብ’ዶ ኣይኮነን? ሕቶ ኤርትራ ሕቶ መሰል ርእሰ ውሳነ ኾነ ሕቶ ባዕዳዊ መግዛእቲ እቲ ሓቂ ግን ህወሓት ትባሃል ውድብ ቅድሚ ምፍጣራ ንኣስታት ዓሰርተ ወኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ኣብ ደማዊ ኲናት ተረግሪግና ምንባርና እዩ። እቱ ሓቂ ከምኡ ኮይኑውን ህወሓት ኣብዙ ጉዳይ’ዚ “ዝተጋገየ” ቁዋም ምትሓዛን ፀኒሓውን ነዚ ዘራጉድ ውሳነ ብምሕላፋን(ኤርትራ እትባሃል ሃገር ቀዲማ ብምፍላጥ)ምንቃፍ ከም መሰል ምውሳድ ብዙሕ ዝተሓትት ከይኾን ይኽእል። ኮይኑ ግን ንኤርትራ ካብ ዝነበራ ሕሉፍ ፍቕሪ ወይ ከኣ ሕሉፍ ፅልኢት ኢትዮጵያ ዝወለዶ ክኸውን ኣይኽልን። ኢትዮጵያ ደገ ባሕሪ ብምስኣና ከጋጥሙዋ ዝኽእሉ ፀገማት ካብ ዘይምእማት ዝብገስ እውን ኣይነበረን። ሕቶ ኤርትራ ናዓይ (ከም ተጋዳላይ ህወሓት መጠን) ጫፍ መዐቀኒ ንሃገረይ ዝነበረኒ ተገዳስነት ጌረ እየ ዝወስዶ። ብፖለቲካዊ ትሕቶኡ ከዓ ብዓይነቱ ዝተፈለየ ዕማም ህንፀት ሃገር(State thesis) እዩ። እታ ኣነ ዝፈልጣ ህወሓት ርእሲ ኩሉ ነገር መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት እቱ ዝረዘነ ዕማማ እዩ ነይሩ። ምእንቲ ሓደ ረብሓ ክትብል ህዝቢ ዝዕፈነሉን ኣብ ዘይሳሲ ውግእ ዝእጐደሉን መጐት ኣይትቕበልን። ብቐንዱ መሰረት ሃገር ወለንታዊ ድሌት ህዝቢታት እምበር ሓይለ መልጢን ግበታን ክኾን ከምዘይብሉ ምእማና እዩ ዕጥቃዊ ቃልስና ፍሉይ ዝገብሮ። ኣብ ግዝኣታዊ ሓድነት ዝምርኮስ ሃገራዊነት ኣብ ሑፃ ዝተሃንፀ ቅርፃ እዩ። ስለዝኾነውን ውዒሉ ሓዲሩ ምፍራሱ ርጉፅ እዩ። ዝተብሃለ እንተተብሃለ ሃገርና ተፃዒኖሙዋ ዝነበሩ ፀገማት ክፈትሕ ብናይማን ዝተበገሰ ሓይሊ ሕቶ ኤርትራ ካብ ምፍታሕ ወፃእ ከሳኽዖ ዝኽእል ለውጢ ኣይነበረን። እምበኣር ከስ ግጉይ ይኹን ርቱዕ ሕቶ ኤርትራ ኣካል መፍትሒ ሽግራት ሃገርና ብምንባሩ እምበር ፍቕሪ ወይ ከኣ ፅልኢት ኤርትራ ዝደፍኦ ቁዋም ክኾን ኣይኽእልን።

ናይ ሓደ ስነ ሓሳብ ናይ መወዳእታ መዐቀኒ ከኣ ኣብ ባይታ ዘለዉ ግብራዊ መረዳእታታት እዮም። ኤርትራ ብምስኣንና ከፍአና’ዶ ሐሸና? ከምዙይ ዓይነት ሓሳብ ምስ ዝልዓል ሓድሓደ ሰባት “ምስ ወደባትና እንተንኾንከ ክንደይ ዕፅፊ ምፀበቐልና ነይሩ?” ክብሉ ይከራኸሩ። ይኹን እምበር ናይ ኤርትራውያን ፍቓድ ኣብዘይህልወሉ ኩነታት ካብ ውግእ ወፃእ ወደባት እንውንነሉ ካልእ መንገዲ የለን። ዓለም ለኻዊ ሕጊ ብዝፈቕዶ ኣግባብ ምስ ባሕሪ ዘራኽብ ክርዓት ክንረክብ ዝብል ሓሳብ እውን ኣሎ። እዙ ሓሳብ እዚ ዘባእስ ዛዕባ ኮይኑ ኣይረኽቦን። ኣብ ኤርትራ ሰማዒ እዝኒ ዘለዎ መንግስቲ ምስ ዝትከል ክስጐም ዝግብኦ ሕቶ እዩ። እዙይ ዝኸውን ግን ኣብ ምክብባርን ሰናይ ጉርብትናን ዝምስረት ርክብ ንምፍጣር ብዕቱብ ምስ ዝስራሕ’ዩ። በትሪ እናዋጣወጥካ ክሳለጥ ምትምናይ ግን ብብዕራይ እንኢኒ ክትሓርስ ካብ ምድላይ ዝፈልዩ ነገር የብሉን።

ናይ’ዞም ተነሓናሕቲ ሓይልታት ኣንፈት ቃልሲ ኣካል ናይቲ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ለጂትመሲ ዝኾነሉ ምኽንያት(ሕቶ ኤርትራውን ሓዊሱ) ብቐንዱ ንህዝቢ ትግራይ ከገልግልን እቶም ኣመራርሓ ህወሓት ፈፂሙዎም እንብሎም ፀገማት ክፈትሕ ስለዝድለን ዝካኣልን ኣይኮነን። ቀንዲ ምኽንያቱ ካልእ ዓይነት ኣንፈት ቃልሲ መሓዛ ዘይርከቦ ምዃኑ እዩ። ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኮይኖም በብግዚኡ መልክዓቶም እናለዋወጡ ዝርኣዩ ምሕደራዊን ልምዓታውን ፀገማት እናቃልዑ ምቅላስ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ብሓደ ገፅ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ከምዙይ ዝዓይነቱ ኣንፈት ኣካይዳ ኣይፈቅድን፤ ብኻኣልእ መልክዑ ቀልቢ ዓለም ለኻዊ የእትወና በሃልትን ተደናገፅቶምን ዝስሕብ ስለዘይኮነ። እሞ እዙ ፀገም ባዓል ዋንኡ መን እዩ? ተነሓናሕቲ ሓይልታት ህወሓት ለጂትሜት ብዘይምዃና ክትድምሰስ(ክትፈርስ) ኣለዋ ይብሉ። ብኣንፃሩ ከኣ ህወሓትን መንግስትን ብሂወቶም ዝመፁ ሓይልታት ከምዝኾኑን ክምከቱ ዝግብኦም ፀላእቲ ከምዝኾኑን ብምትንታን ቁዋሞም የጠናኽሩ። እዞም ኣፈላላያት ንወያነ ኢትዮጵያ ዝገጠሙዎ ፖለቲካዊ ዋልታታት በዓይነቶም ተመሳሳልቲ እዮም። ውድብን መንግስትን ፖለቲካዊ ሃዋህው ንምፅባብ ምኽንያት እንትኾኖም ንተነሓናሕቲ ሓይልታት ከኣ ተወሰኽቲ መሓዙት ንምፍራይ ዕጥቃዊ ቃልስና ዘፀልምን ኣብ ሕቶ ዘእቱን ዋኒኖም የሳልጡ። ከምቲ ልሙድ ከኣ ህዝቢ ትግራይ እዞም ክልተ ሓራምዝ ኣብ ዝዕንድሩሉ ሩባ ዝበቖለ ሳዕሪ ኮይኑ ይርገፅ።

2. ባህሪያውያን ተፃብኦታት ዴሞክራሲን ዴሞክራሲያዊ ጥርናፈን

ዴሞክራሲያዊ ጥርናፈ ግብራዊ መስርሕን ዲስፕሊንን ኮምዩኒስት ፓርቲ ሶቬት ሕብረት ነበር፣ ማኦይስት ቻይናን ካልኦት ኮምዩኒስት ሃገራትን ኮይኑ ዘገልገለን ዘገልግል ዘሎን እንትኾን ቀንዲ ትሕዝቶኡ ከኣ “ናይ ምይይጥ ነፃነትን ግብራዊ ሓድነትን” ምንጋስ እዩ። እዙይ ማለት ኣባላት ኣብ ኣንፈትን ፖሊሲን ውድቦም ዝመስሎም ሓሳብ ሒዞም ብናፅነት ይከራኸሩ። መደምታታት ብኣብዝሓ ድምፂ ኣባላት ይሓልፉ። ኣብ መወዳእታ ግን ውሳነታቶም ከምሓደ ሰብ ኮይኖም የተግብሩ። ካብቲ ናይ ምይይጥ መድረኽ ወፃእ ኣፈላላያቶም ናይ ምጓሕ መሰል የብሎምን።

መመንጨዊ ዴሞክራሲያዊ ጥርናፈ ሌኒን (ናይ ጀርመን ሶሻል ዴሞክራቲክ ፓርቲ ዴሞክራሲያዊ ጥርናፈ ከምዝተግበረውን ይንገር) እንትኾን ንዚ ስዒቡ ናይ’ቲ ጊዜ ራሺያ ሶሻል ዴሞክራቲክ ሌበር ፓርቲ ናብ ብሌኒን ዝምራሕ ቦልሸቪክን ብትሮትስኪ ዝምራሕ መንሼቪክን ፓርቲታት ምግምማዑ ታሪኽ ይምስክር። ዴሞክራሲያዊ ጥርናፈ ኣብ ጊዜ ስታሊን “ልዕለ ሓያል ሶቬት” ናብ ዝብል ኣምር ክብ ብምባል ታሕተዎት ኣካላት ናይ’ቲ ላዕላዋይ ኣመራርሓ ውሳነታት ካብ ምፍፃም ዝዛይድ መዚ ከምዘይነበሮም ይፍለጥ። ኣብ ጊዜ ብረዥኔቭ ከኣ ኣካል ሕገ መንግስቲ ብምዃን መጥመሪ “መርሃ ሉዓላዊ መንግስቲ ሶቬት” ኮይኑ። ዴሞክራሲያዊ ጥርናፈ ክሳዕ ሃገራዊ መርፃ ዝኽይድ ተራ ነይሩዎ። ከም ልሙድ ዴሳውያን ሃገራት ህላወ ሓደ ፓርቲ ጥራይ ስለዝቕበላ መራፃይ ህዝቢ ኣብ ውፅኢት መረፃ ዝፈጥሮ ፅዕንቶ ፈፂሙ ኣይነበረን።ኣብ ኮምዩኒስት ቻይናውን ኣካል ሕገ መንግስቲ ኮይኑ ንረኽቦ። ኣንቀፅ 3 ሕገ መንግስቲ ቻይና “ኩሎም መንግስታዊ ኣካላት ህዝባዊት ሪፐብሊክ ቻይና መርሃ ዴሞክራሲያዊ ጥርናፈ ክትግብሩ” ከምዘለዎም ይድንግግ።

ውድባት ብዝደለዩዎ መንገዲ ኣባላቶም እንተጠርነፉን ዓርሳቶም እንተመሓድሩን ንህዝቢ ዘጨንቖ ዛዕባ ክኸውን ኣይኽእልን። በዚ መንፅር’ዚ እንትርአ ህወሓት ኣባላታ ብኸመይ ትውድብ ንኣባላታ ጥራይ ዝምልከት እዩ። እንተኾነ ግን እዙይ ካብ ትምኒት ብዙሕ ዝፍለ ሓሳብ ኣይኮነን። ዝበዝሕ ነባሪ ከተማን ገፀርን ከምኡውን ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብል ውድብ’ዩ። ዳርጋ ኩሎም ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልልን ፌደራልን ኣባላት ውድብ እዮም። እዙይ ኣብ ዝኾነሉ ኩነታት ዴሞክራሲያዊ ጥርናፈ ከመይ ክትግበር ይካኣል? ምስ ሕገ መንግስትና ዘለዎ ተፃብኦኸ እንታይ ይመስል?

ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ኣንቀፅ 54 ቁፀሪ 4 ከምዝስዕብ ይድንግግ። ”ኣባላት እዙ ቤት ምኽሪ ወከልቲ መላእ ህዝቢታት እዮም። ተፅዋዕነቶም ከኣ ንሕገ-መንግስቲ፣ ንዝመረፆም ህዝብን ከምኡውን ንሕሊናኦም ጥራይ ይኸውን።”

እምኸ ደኣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝመረፆም ህዝቢ ፀገማቱ ኣብ ዘይፍትሕሉ እዋንን በብግዜኡ ኣብ ዝወፁ ሕግታትን ኣፋላላይ ምስ ዝህልዎም እንታይ ክገብሩ ይግበኦም? እዙ ሐዚ ዝኒሀ ኢዱ ጥራይ ዘውፅእ ቤት ምኽሪ ሒዝካ ዴሞክራሲ ብኸመይ ይህነፅ ኢያቶም ዝብሉና ዘለዉ? ፀገማት እናረኣዩ ስኽ ምባል ዝይካኣሉ ሕልናውያን ክቕፅዑን ውክልንኦም ክምንጠሉን ምግባር ፀረ ሕገ መንግስታዊ ምዃኑኸ መን ክነግረልና ይኽእል?

እንትቕድም ኣብ ትግራይ ኣባል ውድብ ዝኽወን ዳርጋ ብግዲ እዩ። ካብ መንግስትን ውድብን ዝርከብ ተራ ኣገልግሎት ጀሚሩ ክሳዕ ስራሕ ዕድል ምርካብ ካብ ኣባልነት ወፃእ ኣይሕሰብን(እዙይ ኣብ ካልኦት ክልላትውን ተመሳሳሊ እዩ)። እዙ ወፍሪ ኣባላት ምብዛሕ ብመሰረቱ ውድብ ስለ ዘደንፍዕ ኣይኮነን። ውድብ እምነቱ ብዝዓተሩ ውሑዳትን ብሉፃትን ኣባላቱ እዩ ጥንካረኡ ዝዕቀን። ዕላማ ውድብ እንታይ ከምዝኾነ ክገልፁ ዘይኽሉ ሚልዮን ኣባላት ኣለውኒ ምባል ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። መሪሕነት ህወሓት እዙይ ይጠፍኦ እዩ ክብል ኣይክእልን፤ ይፈልጦን ፈረቓን። ንዚ መሪሕነት ተገድስ ሓንቲ ዛዕባ ግን ኣላ። ቁዉም ምርግጋእ(static stability) ክነግስ ምድላይ። ቁዉም ምርግጋእ ኣንፃር ለውጣዊ ምርግጋእ(dynamic stability) እዩ።

ቁዉም ምርግጋእ ውሱን ዓውዲ ትግበራ እዩ ዘለዎ። ሂወት ዘለዎም ትካላትን ዴሞክራሲያዊያን ሃገራትን ኣብ ለውጣዊ ምርግጋእ ዝተመስረተ ስርዓት ዝሃነፁ እዮም። ማእለያ ኣብ ዘይብሎም ሓሳባትን ፍልልያትን ዝምስረት ኣብ መወዳእትኡ ግና ብሕገ መንግስቲ ዝእርነብ ለውጣዊ ምርግጋእ’ዩ ንሃገርና ዝምጥናን ዘድልያን። መሪሕነትና ግን ክምዙይ ዝዓይነቱ ዴምክራሲያዊ ሃዋህው ህውተታ ጌሩ ይቖፅር። ኣባላት ውድብ ዝኾኑ ኣባላት ፓርላማ ዘካይድዎ ክርክር ከም ዝባኸነ ጊዜ ይቑፀር። ብስሩኸባ ፓርላማ ተኸራኺሩ ሕጊ ካብ ምውፃእን ንስራሕ መካየዲ (ካቢኔት) ካብ ምቁፅፃርን ወፃእ እንታይ ዋኒን’ዶ ኣለዎ እዩ? መበገሲ ኣፋላላይት ፖሊሲ ጥራይ ከምዝኾኑ ምሕሳብክ እንታይ ይባሃል? ብዙሓት ኣባላት ምስ ዝበዝሑ ፖሊሲታት መንግስትን ውድብን ኣፈላላይ ዘይክህልዎም ይኽእል። በብኸባቢኡ ዘለዉ መማሓደርቲ ህዝቢ እንትሳቐ ሪኦም ከምዘይረኣዩ ክኾኑ ማእከላይ ኮሚቴን ፖሊት ቢሮን ክሳዕ ዝግምግሙ ኣፋቶም ክዕበስ ግን ኣይግብኦን።

ጠቕሊልካ እንትምዘን ዴሞክራሲያዊ ጥርናፈ ካብ ውድባዊ መስርሕ ወፃእ ግብራዊ ምግባር ኢ-ዴሞክራሲያዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ሕገ መንግስታዊ ደንጋገታትና’ውን ዝፃረር’ዩ። መሪሕነትና ዝፈቐደልና ጥራይ ክንሰምዕን ክንዛረብን ዝገብር ውዒሉ ሓዲሩ ከኣ እቶም ክሳብ ሐዚ ዘመዝገብናዮም ሽቶታት ዝምንጥልን ሓደገኛ ምዕባለ ኮይኑ እረኽቦ። “ኣይፋሉን በታ ዝሓዝኩዋ እየ ዝቕፅል” ዝብል እንትኾይኑ ግን እዛ ሃገር ብኣዋጅ ሓደ ፓርቲ ጥራይ ዝውንና ምግባር ዝሓሽ መማረፂ ይመስለኒ።

3. ወሰናት ውድብን መንግስትን

ህወሓት/ኢህወዴግ ካብ ዘለዉዎ ፀገማት ሓደ ኣብ መንጎ መንግስትን ውድብን ክህሉ ዝግብኦ ሕጋዊ ወሰን ምጥፍኡ እዩ። ሲቪል ሰርቪስ ኣብ ክንዲ መዕቖቢ ዕማሞም ንምፍፃም ዝህርኩቱ ሞያውያን መዐንደሪ ፖለቲካዊ ውድባት ክኸውን ተፈሪዱዎ ይርከብ። ብናተይ እምነት ሲቪል ሰርቪስ ካብ ዝኾነ ተፅዕኖ ፖለቲካዊ ውድባት ናፃ ኮይኑ ኣብ ሜሪትን ሞያዊ ክእለትን ጥራይ ብምምስራት ልእኽቶኡ ክፍፅም ይግብኦ። ፖለቲካዊ ውድባት ብምርጫ ተወዳዲሮም ካብ ዝሕዙዎም መንግስታዊ መዝታት ወፃእ ኢድ ከእትዉ ኣይግባእን። እቱ ሐዚ ዘሎ ምትሕውዋስ ፍልፍል ብርክት ዝበሉ ሃገራዊ ፀገማትና ዝኾነ ይመስለኒ፤ ብውሕዱ እዞም ዝስዕቡ ሽግራት ምቕማጥ ይካኣል።

. ለጂትመሲ ሕገ መንግስታዊ ትካላት ኣብ ሕቶ የእቱ። ኣብዙ ሐዚ እዋን ዝተብሃለ እንተተብሃለ መንግስታዊ ትካላት ሕገ መንግስታዊ ተልእኾኦም ብናፅነት ይሰርሑ እዮም ኢሉ ዝኣምን ሓይሊ እንተሃልዩ ኣዝዩ ውሑድዩ ክኸውን። እዙይ ምስ ዝኾን ቅንዕናኣቶም ኮነ ፀብፃባት ስርሒቶም ተቐባልነት ኣይህልዎን። ካብ ዝምልከቶም ቢሮታት ትግራይ ዝወፁ ፀብፃባት ኣፈፃፀማ ትልምታት ልምዓት ክንደይናይ ይእመኑ? ትካላት መንግስቲ ተኣማንነት እንተስኢኖም ብኡ ኣቢሉ ከኣ ኣድላይነቶም ኣብ ሕቶ ይኣቱ። ከምውፅኢት ከኣ ናይ ለጂትመሲ ሕቶ ብምዃን እንተዘይፈሪሶም ክዕርዩ ዘይኽእሉ ኮይኖም ይቑፀሩ። ትካላት መንግስቲ ደርጊ ዝረኣየ ካልእ ኣብነት ኣየድልዮን።

. ስግግር ስልጣን ገዛእቲ ውድባት እንትፍጠር ሓያል ማሕበራዊ ቐውሲ ይፈጥር። ሰራሕተኛታት ሲቪል ሰርቪስ ኣካል ናይ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ መሳርሒ እንትኾኑን እቲ ውድብ ብምርጫ ተሳዒሩ ስልጣኑ ከረክብ እንትግደድን ዝፍጠር ቀውሲ ኣዝዩ መሰከፊ እዩ። እቱ ናብ ስልጣን ዝወፀ ሓይሊ ዝጥርጥሮ ሲቪል ሰርቪስ ሒዙ ክጓዓዝ ዘገድዶ ሕጊ የለን። ዛጊድ ዘገድድ ሕጊ እንተሃለወ’ኳ ስልጣኑ ተጠቒሙ ንምቕያር ዘሰክፎ ዋኒን ኣይኸውንን። እቱ ስልጣን ዘረከበ ውድብ ንሚልዮናት ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ይገደድ ማለት’ዩ። ብግብሪ ከኣ ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥረሉ ዝኽእል ኣግባብ የለን። ከምውፅኢት ከኣ ሲቪል ሰርቪስ ኣካል ናይ ሞትን ሕየትን ሓዝ ክሕዝ ስልጣን ይኸውን። ንባዕሉ ክብል ንቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ የዳሉ። ካብኡ ኣገልግሎት ክርኽቡ ዝግብኦም ኻልኦት ውድባት ከኣ የጓኒ። እቱ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ፍናን ይስምዖ። ዝሓየለ ስለዝመስሎ ምስማዕ ይኣቢ። መረዳእታታት ከምድላዩ ይሕምዙቕ። ኣብ መሬት ዘይጭበጡ ለውጥታት ከምዘመዝገበ ይጫድር። እዙይ ኣብዘሎሉ ኩነታት ዴሞክራሲ ርጋፁ ደሊኻ ኣይርከብን።

. ፈጠራን ሜሪትን ይቐትል። ሲቪል ሰርቪስ በላሕቲን ክኢላታትን ብውፅኢቶም ጥራይ ዝዕቀንሉ መድረኽ ምዃኑ ቐርዩስ ድኹማት ብተዘዋዋሪ መንገዲ ካርዲ ኣባልነቶም ተጠቂሞም ዝኹየጡሉ ይኸውን ኣሎ። ሎሚ ሎሚ ኣብ ዩኒቨርሲታትና ብሉፅ ውፅኢት ካብ ምምፃእ ንላዕሊ ኣባል ውድብ ምዃን ዝያዳ ትኹረት ይወሃቦ። ከምዙይ ምዃኑ ዘገርም ነገር የብሉን። ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ክዉንነት ካብ ዝጠልቦ ንላዕሊ ምስራሕ ኣየድልን። ስራሕ ንምርካብ መሕለፊ ውፅኢትን ኣባልነት ውድብን እኹል እንተኾይኑ ሓንጎሉ ኣጨኒቑን ድቃስ ስኢኑን ንውፅኢት ዝተግሀሉ ምኽንያት የለን። በዚ ባህሪያዊ ስርዓት ዘይጥመሩ ውልቀታት የለውን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ሕቶ ልዕሊ ዕስራ ምኢታዊ ሃገራዊ በጀት ዝስልዐሉ ዘሎ ሴክተር ትምህርቲ ዝምልስ ኣይኮነን።

. ውድባዊ ዝቕባበ የስዕብ። ፖለቲካዊ ውድባት ሓይለን ኣብ ዝተሓንገጥኦም ዕላማታትን ዕላማታተን ንምፍፃም ብዝስሕላኦም ሓሳባትን ክምስረት ይግባእ። ኣባላት ምብዛሕ ምእንቲ ዓርሱ መግልፂ ብርትዐ ኣይኮነን። እኳድኣስ ንምሕደርኡ ዘፀግም ኣባል ብምእካብ ፍልፍል ሓያሎ ፀገማት ይኸውን። ኣባላት ሲቪል ሰርቪስ ዝፈጥሩዎም ፀገማት ካብቶም ፀገም ዘፈጠሩ ሰባት ሓሊፉስ ውድባዊ ፀገም ይኸውን። ብኡ መጠንውን ተሓታትነት ይብርትዕ። ስኽፍታ ሕልናውያን ኣባላት ይሕይል። ርውየት ስራሕ ይጠፍእ።ውድብ ከሐይል ዝተኾመረ ኣባልን ካድረን ፍልፍል ውድቀት ይኸውን። እንትጠቓለል ፍልፍል ዕብየትን ቁዉም ምርግጋእን ክኸውን ዝተተስፈወሉ ሓይሊ ፍልፍል ምጥፍፋእን ዘይምርግጋእን ይኸውን። መፍትሒኡ ከኣ ውድባዊ ዝቕባበ ምጥፋእ እዩ ዝኸውን።

. ንብረትን ገንዘብን መንግስትን ንውድባዊ ጥቕሚ ምውዓል። ሲቪል ሰርቪስ መጋበሪያ ፖለቲካዊ ውድባት ምዃን ብኹርዓት ዝዝረበሉ ነገር ኮይኑ’ሎ። ውድብ ዝምልከት ኣብ ዝግበሩ ኣኼባታት፣ዋዕላታትን ጉባአታትን ብመኻይንን ነዳድን መንግስቲ ከምዝሳለጡ ናይ ብዙሓት እምነት’ዩ። ኣዳራሻት ቤት ዕዮ ሚኒስቴራትን ዩኒቨርሲታትን በዓላት ምስረታ ውድባት የኽብራ። ነቲ በዓል ዘድልዩ ወፃእታት እውን ይሽፍና። ናይ ስራሕ ሰዓተን ይግብራ። ብሃገር ደረጃ እንትረአ ቀሊል ብኽነት ከምዛይኮነ ሓደ ነገር ኮይኑ እቲ ቀንዲ ዋኒን ግን ንኣተረጓጉማን ኣተገባብራን ሕጊ ዝህልዎ ሚዛን ግን የዐርዩ ዝተዛበዐ ይገብሮ። እዙይ ኮይኑውን ዓገብ ዝብል ለባም ዝርከብ ኣይመስልን። እንተሃለወኸ መን ሰማዒ?

መጠቓለሊ

· ወያነ ትግራይ ከምቶም መብዛሕቶም ፈላሞት ወያነታት ዝሓለፉዎ ብርኪ ደውታ ይርከብ። ዕጥቃዊ ቃልሲ ብዕዉት ድሕሪ ምዝዛሙ ሰናይ ምሕደራን ልምዓትን ከውሕስ ኣይተኽኣሎን።

· ኣብ ለጂትመሲ ዝምስረት ቃልሲ ኣዝዩ ሃሳዪ ስልዝኾነን ንኽልልናን ህዝብናን ዘየድሊ ዋጋ የኽፍል ስለዘሎን ተናሓናሕቲ ሓይልታት ክእድቡን ኣብ ክሊ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትና ኮይኖም ኣውያት ህዝብና ክሰምዑ ይግባእ።

· ሲቪል ሰርቪስ ካብ ዝኾነ ፅዕንቶ ፖለቲካዊ ውድባት ነፃ ኾይኑ(ኣባልነት ሓዊሱ)ዕዮታቱ ከሰጉምን ግልፂን ሜሪት ብዝማእኸሉ ምዘና ክዓቢ ክግበር ይግባእ።

እንትጠቓለል መሪሕነት ህወሓት ደደቢት ናብ መቐለ ከምፅእ ክብል ንመቐለ ናብ ደደቢት ክወስዳ የብሉን!!

******************

Teweldebrhan Kifle

more recommended stories