መሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ: ንትግራይ ጸጋ’ዶስ ፈተና?

(BBC Tigrigna)

ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ካብ ስልጣኑ ብገዛእ ፍቓዱ ከምዝወርድ ምስገለጸ ብዙሓት ሰባት ኣስደሚሙ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ታሪኽ ኢህወዴግ :ከይዲ መረጻ ኣቦመንበር እቲ ግንባር ንምምራጽ ካብ ሕሉፍ ብዝተፈለየ ሰባት መን ክምረጽ ከምዝኽእል ንምግማት ዘፀገመን ኣዝዩ መካትዕን ኮይኑ ነይሩ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዴሞክርስያዊ ውድብ ህዝብታት ኦሮሞ ደሓር ድማ ኣቦመንበር እቲ ውድብ: ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣቦመንበር እቲ ግንባር ቀፂሉ ድማ: ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኮይኑ ካብ ዝስየም እነሆ ሰላሳ መዓልታት ኣቑጺሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣትያቶ ዝፀንሓት ቀራና መገዲ የናግፋ’ዩ ዝበሎም ውሳነታት ኣሕሊፉ’ዩ።

ካብዚኣቶም ቀልቢ ብዙሓት ዝሰሓቡን መዘራረቢ ዛዕባን ንምዃን ካብ ዝበቕዑ ተግባራት መንጎ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ተጓዒዙ ምስ ሕብረተሰብ ዘተ ኣካይዱን ሓድሽ ካቢኔ ኣጣይሹን’ዩ።

ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጽባሕ ስይመቱ ፈላማይ ጉዕዝኡ ናብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ብምግባር ምስ ህዝቢ ጅግጅጋ ዘተ ምግባሩ ምስ እቲ ኣብ መንጎ እቲ ክልልን ክልል ኦሮምያን ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምቅድዳው ንምህዳእ ልዑል ተራ ከምዘለዎ ይገልፁ።

ቀፂሉ ድማ: እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ክልል ኦሮምያ ተደጋጋሚ ማእኸል ተቓውሞን ዕግርግርን ኮይና ናብ እትፍለጥ ከተማ ኣምቦ ኣምሪሑ ምስ ህዝቢ እታ ከተማ ኣብ ሰተድየም ተራኺቡ’ዩ።

ህዝብታት ኢትዮጵያ: “እምበር’ዶ ኸ ሓቢርና ክንቅጽል ኢና?” ኢሎም ኣብ ቀራና መንገዲ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ከምዝተመዘዘ ዝገልጽ መምህር ሕጊ ዩኒቨርስቲ መቐለ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮነን ፍስሃ: እቲ ዛጊድ ዘካየዶ ጉዕዞ ብመንጽር ቅቡልነትን ዝሓርፈፈ ዝምድና ህዝብታት ኣብ ምጽጋን ናይ ባዕሉ ኣወንታዊ ተራ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎ።

እንተኾነ ግን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ተቐባልነት ንምርካብ ተባሂሉ ነናብ እቲ ዝኸዶ ከባቢ ህዝቢ ክሰምዖ ዝደልዮ ነገር ጥራይ እናመረጽካ ምዝራብ ብኣሉታዊ ጎኒ ከምዝርእዮ እቲ ምሁር ሕጊ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ኣምቦ መደርኡ ብተደጋጋሚ ን’ቄሮ’ (ብቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ መንእሰይ ማለት’ዩ) ምምጓሱ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ውዒሉ ነይሩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብፍላይ ኣብ ፌስቡክ ልዑል ተሳትፎ ዘለዎ ዶክተር ዘጽኣት: ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኣምቦ ዝገበሮ ጉዕዞን ዘስምዖ መደረን ንመናእሰይ ኦሮሞ “ሳላ ቃልስኻ ኢና ናብ ስልጣን ደይብና እሞ የቀንየልና” ዝብል ትርጉም ከምዝሃቦ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

Photo – PM Abiy Ahmed speaking in Mekelle, Martyr’s hall, April 13, 2018
Photo – PM Abiy Ahmed speaking in Mekelle, Martyr’s hall, April 13, 2018

ንትግራይ ጸጋ’ዶስ ፈተና?

ኣርባዕተ ብሄራዊ ውድባት ሓቝፉ ዝሓዘ ግንባር ወያናይ ዴምክርስያዊ ህዝብታት ኢትዮጵያ (ኢህወዴግ) ኣብ ዘካየዶ መረጻ ኣቦ መንበር : ብዕሊ ዝተረጋገጸ’ኳ እንተዘይኮነ መብዛሕትኦም ኣባላት ህወሓት ድምጾም ንዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ከምዘይሃቡ ብሰፊሑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ። ፀኒሑ ድማ ልሒኾም ወፂኦም ዝተብሃሉ ሓበሬታታት ካብዚ ዝተፈለየ ግምታት ዘርእዩ’ዮም።

ካብዚ ብምብጋስ መሪሒነት ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ንትግራይ ፈተና ዶ ኾን ይኸውን ዝብል ሕቶ ዘልዓሉ ሰባት ኣይተሰኣኑን።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ድሕሪ ናይ ጅግጅጋን ኣምቦን ጉዕዝኡ ናብ ከተማ መቐለ ኣቕኒዑ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝዘተየሉ እዋን 13 ደቓይቅ ዝወድአ መደረኡ ብትግርኛ ብምግባሩን ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ብዝግባእ ብምግላጹን ዘየቋርጽ ጣቒዒትን ዕልልታን ካብ ተሳተፍቲ ተሰንይሉ’ዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር: ኣብ እዋን በዓለ ስይመቱ ነዓእ 17 ዓመት ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ እንከይጸርሐ ምሕላፉ ንብዙሓት ዘደንገጸ ጉዳይ ከምዝነበረ ዝገልጽ ምሁር ሕጊ መኮነን ፍስሃ፡ ናብ ትግራይ መጺኡ እቲ ህዝቢ ብዝመልኮ ቋንቋ ዝግብኦ ክብሪ ስለዝሃቦ ግን እቲ ዝነበረ ምድንጋጻት ብመጠኑ’ውን እንተኾነ ከምዝቐረፎ ሓቢሩ።

“ኣምቦ ከይድካ ብዛዕባ ጅግንነት ቄሮ ክተውግዕ እንከለኻ ኣብ ካሊእ ከባቢ ከባቢ ቄሮ እንታይ’ዩ? ኩሉ እቲ ቄሮ ኸ ስርዓት ሓልዩ ድዩ ዝኸይድ ገለ ዝብሉ ተቓውሞታት ክህሉ ይክእል’ዩ። ብተመሳሳሊ ናብ መቐለ መጺኻ’ውን ህዝቢ ትግራይ ወርቂ’ዩ፣ ሞተር’ዩ ዝብሉ ሓሳባት ዋላ ሓቅነት ይሃልዎም በቲ ኻሊእ’ኸኣ ኣንሕና ኸ ዝብል ሕቶ ከለዕል ይኽእል’ዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ኣብነት ብምልዓል ዝሟገትመምህር መኮነን ፍስሃ ኣብ ዝኸድካዮ ህዝቢ ዝደልዮ ነገር ኣሊሽካ ምዝራብ ብኣሉታዊ ጎኑ ይሪኦካ::

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መቐለ: “ህወሓት ኣብ መረበኣ እንከይሰርሐት’ያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣንበሳ መሲላ እትርአ” ምባሉን መደርኡ ብትግርኛ ምግባሩን “ህዝቢ ትግራይ ብመሪሒነት ህወሓት ኣይተጠቐምካን ስለዚ ንዓይ ከም መራሒኻ ተጋህ ኢላክ ተቐበለኒ” ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ ከምዝተመለሰ ዝገልጽ ዶክተር ዘጽኣት: ብቐጥታ እኳ ምስ ምምራጽ እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተኣሳሰር እንተዘይኮነ ኣብፌደራል መንግስቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተራጎደ ይመጽእ ዘሎ ፖለቲካዊ ጨና ኣንጻር ረብሓታት ትግራይ ዋጋ ከኽፍለና’ዩ ዝብል ገምጋም ኣለዎ።

መምህር መኮነን ፍስሃ ግን ምምራጽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ከም ዓብይ ስግኣት ተገይሩ ክውሰድ የብሉን ይብል። ህዝቢ ትግራይ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ፈደራል መንግስቲ ጽልዋ ፈጠርቲ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ‘ዘይናትና’ዮም ካብ ዝብል ሰኸፈት ድሌታቱ ብዝግባእ ኣየንጸባርቅን ነይሩ” ዝብል ገምጋም ዘለዎ መምህር መኮነን ንቐጻሊ ግን ዘድልይዎ ሕቶታት መሰረተ ልምዓት ኮነ ሕቶ ዴምክራሲ እንከይተሰከፈብምግላጽ ካብቲ ዝነበሮ ዝሓሸ እምበር ዝኸፍአ ነገር ከምዘይገጥሞ ሓቢሩ።

ቁልፊ ፖለቲካዊ ስልጣናት ምጥቕላል

ብመሰረት ሓድሽ ካብኔ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ፖለቲካዊ ትርጉም ዘለዎም ስልጣን መንግስቲ ማለት’ውን ካብ ቦታ ቀዳማይ ሚኒስትር ጀሚርካ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ሚኒስትሪ ሓይልታት ምክልኻል፣ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕንነት፣ በዓል መዚ እቶት ፈደራል፣ ዋና ዓቃቢ ሕግን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣካቢት ካቢኔ ሚኒስትራትን ብኣባላት ዴሞክርስያዊ ውድብ ህዝብታት ኦሮሞ ክትሓዝ ምግባሩ ” ስግግር ካብ ልዕልነት ህወሓት ናብ ልዕለነት ኦህዴድ” ዝበሉ ብዙሓት’ዮም።

እቶም ፖለቲካዊ ትርጉም ኣለዎም ዝበሃሉ ስልጣን መንግስቲ ብናይ ኦህዴድ መራሕቲ ክተሓዙ ምግባሮም ስራሕ ንኸድምዩ ካብ ዝብል ቅኑዕ መንፈስ እንተድኣኾይኑ ሓጥያት የብሉን ዝብል መምህር መኮነን እቲ ህቅን ንዘበናት ብሰሜኖቶት( ትግራይን ኣምሓራን) እትግዛእ ዝነበረት ኢትዮጵያ ግደና ንምርሓያ ካብ ዝብል መንፈስ እንተኾይኑ ግን ሓደገኛ መገዲ’ዩ ይብል።

ፈተናታት መሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ

እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ብቃልሲ ብሄርተኛ ሓይሊ ናብ ስልጣን ዝደየበ መራሒ ስለዝኾነ “እቲ ‘ሓንጊረ ናብ ኮረቻ ስልጣን ኣደይበካ እየ’ ዝብል ሓይሊ ‘ድሌታተይ ኣማለአለይ’ ምባሉ ስለዘይተርፍ እቲ ኻሊእ ኣካል ድማ ‘ኣነ ኸ?’ናብ ዝብል ውጥጥ ኣምሪሑ ጎንጽታት ከየስዕብ ስግኣት ከምዘለዎ ዶክተር ዘጽኣት ገሊጹ።

ከምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀራና መገዲ ወዲቓቶዘላ: ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ቀራና መንገዲ’ዩ ዘሎ ዝብል ምልከታ ከምዘለዎ ዝዛረብ መምህር ዩኒቨርስቲ መቐለ መኮነን ፍስሃ “ኣብ ኢትዮጵያ ክትዓረቑ ዘይኽእሉ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ኣለዉ” ይብል።

መምህር መኮነን: ብፍላይ ድማ ካብ ዲያስፖራ ክፋል ሕብረሰተብ ክመጽአ ዝኽእል ጽልዋ ናጻ ኾይኑ ብናይ ባዕሉ መገዲ ክጓዓዝ እንተዘይኪኢሉ ንባዕሉን ዝመርሖ ስርዓትን ሓደጋ ከምዝኾነ ኣስሚርሉ።

********

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories