ብስራት ምስረታ ሰብ ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ

ዝኸበርካ ወያናይ ህዝቢ ትግራይ፤ መሪር መስዋእቲ ከፊልካ፣ ንስርዓት ደርጊ ደምሲስካ፣ ብማዕርነት ዝኣምን ሕብረብሄራዊ ፌዴራላዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ክረጋገጽ፤ ሰዓራይ እናሃለኻ – መስዋእቲ ከፊለ እየ እሞ ንዓይ ንበይነይ ከይበልካ፤ ኣፍደገ ህንጸት ሰላም፣ ልምዓት ዴሞክራስን እዛ ሃገር ኣርሒዉካ፤ ጉዕዞ ካልኣይ ምዕራፍ ቃልሲ ካብ ትጅምር እንሆ 27 ዓመታት ተቖጺሮም ኣለው፡፡

ከምቲ ኣብ እዋን ኩናት ዝኸበደን ዝመረረን መስዋእቲ እንዳኸፈልካ ዘይረብረብካ፤ ኣብ ህንጸት ዴሞክራስያዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ውን ምእንተ ሓድነት ዝኸፈልካዮ መስዋእቲ ክንሓስብ ከለና፤ ሰብ ሕድሪ ደቅኻ እናሻዕ ኩርዓት ይስመዓና፡፡ ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ጉዕዞ ህንጸት ሰላም፣ ልምዓት ዴሞክራስን ሰረት ዘንበረ ሕገ-መንግስቲ ክጸድቕ ምስ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ኮይንካ ዝፈጸምካዮ መስተንክር ዝንተእለት ታሪኽ ዝዝክሮ እዩ፡፡

ምእንተ ዴሞክራስያዊ ሓድነት እዛ ሃገር መላምል ደቅኻ ዝኸፈልካ፣ 17 ዓመታት መመላእታ ኲናትን ባህርያዊ ጸገማት ከየሰኮንካ ዝተቓለስካ፣ ዝሓሰመ ጸላኢኻ ሲዒርካ እንዳሃለኻ ንድሕሪት ተመሊስካ ክፋእ ዘኪርካ ሕነ ክትፈዲ ዘይሃቀንካ፣ ንኹሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘሳትፉ ሃገራዊ ትካላት ክትከሉ መስዋእትኻ ጸብጺብካ ዘይቆዘምካ፣ እቶም ሙኩራት ተጋደልቲ ደቅኻ ምእንተ ሃገራዊ ሓድነት ዕጥቆም ፈቲሖም እንስጎጉ ካሕሳ ዘይሓተትካ፤ ኮታስ ንሃገር ዝተበጀካ ንስኻ ክቡር ህዝቢ ኢኻ እሞ መመሊስካ ክትሕበንን ክትውይንን ይግበኣካ፡፡

ኮይኑ ግን፤ እቶም ትማሊ ኣስናኖም ዘርገፍካሎም ጸላእትኻ ናይ ወትሩ ጸላእትኻ እዮም እሞ፤ ብሓደ ገጽ እዚኣቶም መዓልቲ ሓልዮም ሕነ ክፈድዩኻ ብኻልእ ገጽ ድማ ዕላማ ገድልኻ ጠሊሞም ኣብ ናይ ውልቀን ጉጅለ ረብሓ ዝጠሓሉ ሰለዝኸሓዱኻ፤ ንደርጊ ሓመደ ድበ ካብ ተእቱ ድሕሪ 27 ዓመታት ኣብ ፈታኒ ምዕራፍ ክትርከብ ተገዲድካ ኣለኻ፡፡ ናይቶም ጸላእቲ ዕላምኦም ስለዝኾነ ኣይገርመናን እዩ፡፡ ነዞም ሕዱራት ጸላእትኻ ንሕና ስብ ሕድሪ ደቅኻ ሎሚ ውን ከም ቀደም ዋልታን ድርዕን ኮይና ክምክቶም ኢና፡፡ እቲ ኣብ መስርሕ ምዕቃብ ዓወታትካን ምቕጻል ዘይዛሪ ጉዕዞኻን ኣጋጢሙ ዘሎ ባዕላዊ ጸገም ግን ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ብብልሓት ክትሪኦን ክትምርምሮን ከምዘለካ ትስሕቶ ኣይኮነን፡፡

ኣብ ከምዚ ዝበለ ሃዋህው እዩ እምበኣር ሰብ ሕድሪ ደቅኻ ኣለናልካ ንብለካ ዘለና!

Logo - Sebhidri Civil Society Tigray
Logo – Sebhidri Civil Society Tigray

ንሕና ሰብ ሕድሪ ደቅኻ ጸገማትካን መገፋዕታኻን ክንኣሊ ዝተሳእና ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ኢና፡፡ ሰብ ሕድሪ ፍርያት ገድልኻ ዝኾኑ መናእሰይ ሙሁራን ተጋሩን ሕዚ ውን ሕድሮም ዘይጠለሙ ካብቲ ናይ ትማሊ ገድሊ ብህይወት ዝተረፉ ሓርበኛታት ተጋደልትን ብጥምረት ዝፈጠርዎ ሲቪል ማሕበረሰብ እዩ፡፡ ሰብ ሕደሪ ብዘይ ናይ ፓለቲካ ስነ-ሓሳብ፣ ሃይማኖት፣ ጾታን ደርቢን ፍልልይ፤ ተጋሩ ከም ተጋሩ እቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ተኣፋፊ ኩነታት ከም ወትሩ ሓድነትና ሰሚሩ በዲህና ክንሓልፎን ብመሪር መስዋእትና ዝተረኸቡ ዓወታት ተዓቂቦም ዋሕዚ ህላወና ክረጋገጽ ዝተመስረተ ትካል እዩ፡፡ ሰብ ሕድሪ ውግንንኡ ንረብሓን ክብርን ትግራይ ከምኡ ውን ረብሓኻን ክብርታትካን ክረጋግጽ ብኩለመዳያዊ መስዋእቲ ንዝሃነጽካዮ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትና እዩ፡፡

ሰብ ሕድሪ ኣብዚ ተኣፋፊ እዋን ሕላገት ገድልኻ ተዓጢቑ ዓወት ወያነኻ ከይብርዕን ንምሕላው ኢሉ `ውን ኣብዚ ዘመን ዘጋጥሙኻ ማሕለኻታት ነዚ ዘመን ብዝመሰሉ ስትራቴጂታትን ሰልታትን እንዳፈትሐ፤ ቀጻልነት ዓወትካ ክረጋግጽ ዝተጣየሸ ሲቪል ማሕበር እዩ፡፡ ሰብ ሕድሪ ጸገማት ህዝቢ ትግራይ ግብራዊ ፍታሕ ክረኽቡ፤ መንግስትን ተቓወምቲ ውድባት ዘይመልእዎም ነኻላት ክዓብስ ዝነቐለ ማሕበር እዩ፡፡ብምኻኑ ድማ ነዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ተኣፈፊ ኩነታት፤ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ፍልልይና ጼርና ብሓድነት ክንሰገሮ ከምዘለና ኣሚኑ ዝተቐበለን ውራይ ሓድነትን ምዕቃብ ገድሊ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ቅድሚት ዝሰርዐ ሲቪላዊ ውዳበ ጉዱሳት ተጋሩ እዩ፡፡ ሰለዝኾነ ሰብ ሕድሪ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ወለዶታት ዝሳገር ዋሓዚ ሕድሪ ምኻኑ ብምእማን ንፓለቲካዊ ፍልልያትን ጎነጽ ሰነ-ሓሳብን ከም ጸጋ ተቐቢሉ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝርያ ሓድነቱ ከም በዓል ዋና ክዓስል ይጽውዕ፡፡

ሰብ ሕድሪ ዋሕዚ ቃልሲ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ መስርዑ ሓልዩ ክፈስስ ካብ ዘለዎ እምነት፤ ውርሲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ከይዛሪ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተሳተፉ ተጋደልን ሓዱሽ ምሁር ወለዶን ክራኸቡ ዓሊሙ ኣብ ርእሲ ምጥያሹ፤ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዘረጋግጽ ሕብረብሄራዊ ፌዴራላዊ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ተጠናኺሩን ደልዲሉን ክቕጽል፤ ከም መጠን ሲቪል ማሕበር መትከላት ልዕልነት ሕጊን ሕገ-መንግስታውነትን ክረጋገጹ ከም ሽቶ ዝጨበጠ ማሕበር እዩ፡፡

ብመሪር መስዋእትኻ ዘረጋገጽካዮም ዕላማታትካ ማለት ውን ብሄራዊ ሓርነትካ፣ ዴሞክራስያዊ ሓድነት ኢትዮጵያ፣ ከምኡ ውን ከም ኩሎም ህዝብታት ክትረኽቦም ጸሚእካ ዋጋ ዝኸፈልካሎም ዕላማታት ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራስን ከይተሸራረፉ ክረጋገጹ ሰብ ሕድሪ ደቅኻ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኹሉን ዝሰርዕዎም ሽቶታት እዮም፡፡

ዝኸበርካ ኣብ ዓድን ወጻእን ትርከብ ህዝቢ ትግራይ!

ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ባህግታትካ ክተግህድ ዘሳለጥካዮ ጉዕዞ ከምቲ ዝሓሰብካዮ ከምዘይኮነልካን ከም ዝጎሃኻን ሰብ ሕድሪ ደቅኻ ንኣምን፡፡ ኣሚንና ውን እጃምና ክንወጻእ ቆሪጽና ተላዒልና ኣለና፡፡ ንፍትሒ ከምዘይተቓለስካ ፍትሒ ምስኣንካ፤ ንርህውትን ብልጽግትን ትግራይ/ኢትዮጵያ ከምዘይታቓለስካ “ኣብ ዓጋም ዝተጸገዐ ቆልቃል” ኮይንካ ምሉእ ሰላም ከምዘይረኸብካ፣ ዋላ ነተንጎቦታት  ዓድኻ ውን ኮስኪስካ ኣብ ዓድኻን መረበትካን ሃፍቲ ክተፍሪ ከምዘይተቓለስካ ንሰደት ከምዝተዳረግካ፣ በጃ እዛ ሃገር ከምዘይ ወደቕካ ዘይሽማካ ሽም ተዋሂብካ ከም ዝጸለምካ፣ ከብድኻ ብጥሙዩ ዝባንካ ብዕሩቑ ብሰሪ ናይ ሕሶት ጸብጻባጽ ዘይበላዕካዮ ከምዝበልዑኻ – ክንርእን ክንሰምዕን ከለና ዘወረስካና ብሄራዊ ሕራንን ኒሕን ኣገዲዱና እዩ እምበኣር እጃምና ክንውፊ ቆሪጽና ተላዒልና ዘለና፡፡

ዝኸበርኩም ሓርበኛታት ተጋደልቲ፣ ስድራ ስውኣት፣ ጉድኣት ኩናት ትግራይ!

ንስኹም ኣብቲ ናይ 17 ዓመታት መሪር ቃልሲ ጫፍ ብልሒ ገድሊ ህዝቢ ትግራይ ኮይንኩም መስዋእቲ ምኽፋልኩም ክትሕበኑ ይግባእ፡፡ ንሰኹም ሓበን ትግራይ ኢኹም፡፡ ብሻላ ንስኹም ዝኸፈልኩሞ መስዋእቲ እንሆ ብሄራዊ ሓርነትን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ጋህዲ ኮይኖም፤ ዋላካ ከምቲ ባህግና እንተዘይኮነ ፍረታት ገድልና ክንርኢ በቒዕና ኣለና፡፡ እንተኾነ ግን ዓወት ወያነ ትግራይ ዝፍትኑ ኩነታት ተፈጢሮም አለው እሞ ሎሚ ውን ከም ትማሊ፤ በቶም ድሕሪ ዓወት ዘጋጠሙኹም በደላትን ሰንከልከልን ከይተሰኮንኩም ክትሕርኑን ንዓና ንሰብ ሕድሪ ደቅኹም ኣጀኹም ክትብሉና ንጠልብ፡፡ ኣብ ጎድኒ ሰብ ሕደሪ ደቅኹም ተሰሊፍኩም ከይረብረብኩም ወያናይ ሓቦ ከምተስንቑና ውን እምነትና ክንገልጸልኩም ንፎቱ፡፡

ዝኸበርኩም ኣባላትን መሪሕነትን ህወሓት

ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ – ገድሊ ህዝቢ ትግራይ መሪሑ ዘዐወተ ታሪኻዊ ውድብ ምኻኑ፤ ንስኹም ኣባላትን መሪሕነትን ጥራሕ ዘይኮንኩም  መላእ ህዝቢ ትግራይ ኢሉ ውን መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያን ካልኦት ተቓለስቲህዝብታትን ዓለምን ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ፡፡ በዚ ንስኹም ጥራሕ ዘይኮንኩም መላእ ህዝቢ ትግራይ ንሕና ውን ከም ሰብ ሕድሪ ንሕበን፡፡ እንተኾነ ህወሓት ውድብ እዩ እሞ ውድብ ከኣ ናይ ሰባት እኩብ ምዃኑ ኣሚንኩም፤ ኣብ መስርሕ ጉዕዞ 43 ዓመታት ህወሓት ከም ውድብ ከምኡ ውን ነቲ ውድብ ዝመርሑ ውልቀ መራሕቲ ዝፈጸምዎም ጌጋታት ከምዘለው ብምእማን፤ ምእንተ ህንጸት ዴሞክራሲ፣ ምእንተ ትስፉው መጻኢ፣ ምእንተ ሰለጤን ልምዓትን ሰላምን፤ ንናይ ሓሳብ ፍልልያት ክብሪ ክትህቡ ክነዘኻኽረኩም ንፈቱ፡፡ እዚ ዝኸውን ምእንተ ምዕቃብ ዓወታት ወያነ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነ፤ ምእንተ ጥንካረ ውድብኩም ውን እዩ፡፡ ሰለዚ ንሕና ሰብ ሕድሪ ኣባላትን መሪሕነትን ህወሓት ንተበግሶና ክትድግፉ ጻውዒትና ነቕርብ፡፡

ዝኸበርኩም ኣባላትን መሪሕነትን ተቓወምቲ ውድባት

ህዝቢ ትግራይ ትማሊ ያሒት መስዋእቲ ዝኸፈለ ምእንተ ህንጸት ዴሞክራስን ሕገ-መንግስታውነትን እዩ፡፡ ትግራይ ኢሉ ውን ሃገርና ኢትዮጵያ ሓደ ውድብ ወይከኣ ናይ “መን ኣለኒ” በሃልቲ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታት ከም ድሌቶም ዝዕድሩላ ከይትኸውን እዩ ህዝብና ዝተቓለሰን መስዋእቲ ዝኸፈለን፡፡ ብፍላይ ንሕና ንተጋሩ ብዝበለጸ እዚ ሓዱሽ ወለዶ፤ንፍትሒ ማዕርነትን ከምዘይተቓለስና ዓወት ግድልና ናብ ሓደጋ ክሳብ ዝኣቱ ጸረ ዴሞክራስያዊ ኣካይዳታት ሰፊኖም ዓድን ሃገርን ናብ ሓደጋ ክኣትውስቕ ኢልና ንሪኤሉ ሕልና ክህሉ ኣይግባእን፡፡ ሰለዝኾነ ሰብ ሕድሪ ከም ሲቪል ማሕበር ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ከይተሸራረፈ ክፍጸም ሰለዝኣምን፤ ንስኻትኩም ኣባላትን መሪሕነትን ተቓወምቲ ውድባት፤ ሕብረ-ውድባውነት ክዕምብብ ዝለዓለ እጃም ከምዘለኩም ክነዘኻኽረኩም ንፈቱ፡፡ ምዝኽኻር ጥራሕ ኣይኮነን ሰብ ሕድሪ ከም ሲቪል ማሕበር ብዘይ ናይ ፓለቲካ ፍልልይ ተጋሩ ኣብ ስሙር ሓድነት ኮይና ጉዕዞ ህንጸት ዴሞክራስን ልዕልና ሕግን ክሳለጥ ቀዳምነት ሂቡ ሰለዝንቀሳቐሰ፤ እጃምኩም ክትውፍዩ ንጽውዕ፡፡

ዝኸበርካ ምሁር መንእሰይ ትግራይ! ንዝሓለፉ 5 ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ካብ ደገን ወጻእን ዝመጽዎ ዝነበሩ ተጻብኦታት ክትምክት፤ ከምቲ ዘመን ዝጠልቦ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከቲትካ ንዘርኣኻዮ ሓቦ ዝተመልኦ ቃልሲ ሰብ ሕድሪ ናእዳና ወሰን የብሉን፡፡ ኣብቲ ካብ ዝተፈለላዩ ሸነኻት ዝተፈነዉ ተጻብኦታት ዝበዝሕሉ መድረኽ፤ መኪትካ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ዝበለጹ፣ ቡሱላትን ገስገስትን ሓሳባት ሒዝካ ብጸብለልታ ጎብለል ምባልካ ክትሕበነሉ ይግባእ፡፡ ሰብ ሕደሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ክምስረት ውን ናትካ ምልዕዓል እቲ ዝዓበየ እጃም ከምዝኾነ ክነፍልጠካ ንደሊ፡፡ በዓል ዋና ሰብ ሕድሪ ንስኻ ኢኻ፡፡ ሰብ ሕድሪ ከም ሲቪል ማሕበር ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ከይዛሪ፤ ሰብ ተመክሮ ዝኾኑ ተጋደልቲ ተመክሮኦም ከሕልፉሉ ዝኽእሉ ዕድል ንምፍጣር ደኣ እዩ ናይ ተጋደልትን መናእሰይ ውሁድ ክኸውን ተደልዩ እምበር፤ ፈጣሪ ማዕበልን ቀላሲ መጻኢ ኣንፈት እዚ ማሕበር ንስኻ ባዕልኻ ምሁር መንእሰይ ትግራይ ኢኻ፡፡ በዚ ክትሕበን ይግብኣካ፡፡ ዕላማታት ሰብ ሕድሪ ትስከመሉ ማእገር ከምዘለካ ሰለንኣምን ከኣ ጫፍ ብልሒ መሪሕነት ንስኻ ምዃንካ ኣሚንካ፤ ኣብዚ ተኣፋፊ እዋን ዋሕስ ህዝብኻ ኮይንካ፣ ፍልልይካ ጼርካ፣ ኣብ ዙርያ ብሄራዊ ሐርነትካ ምስ ውዳበኻ ሰብ ሕድሪ ክትዓስል ጻውዒትና ነቕርብ፡፡

እምበኣር ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፣ ዝኸበርኩም ተጋደልቲ፣ ዝኸበርኩም ስድራ ሰውኣትን ጉዱኣት ኩናትን፣ ዝኸበርኩም ኣባላትን መሪሕነትን ህወሓት፣ ዝኸበርኩም ኣባላትን መሪሕነትን ተቓወምቲ ውድባት፣ ብዝያዳ ድማ ዝኸበርካ መንእሰይ ትግራይ – ዓወት ገድሊ ህዝቢ ትግራይ ከይዛሪ፣ ክብርታት ህዝቢ ትግራይ ክዕቀቡ፣ ብሄራዊ ሓርነትን ረብሐን ህዝቢ ትግራይ ክረጋገጽ፣ ህንጸት ሕብረብሄራዊ ዴሞክራስያዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ክረጋገጽ፣ ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ከይተሸራረፈ ክፍጸም – ብተበግሶ ሙሁራት መናእሰይን ሓርበኛታት ተጋደልትን – ብመሪሕነት መናእሰይ ሙሁራን ተጋሩን፤ ኣብ ትግራይ ኢሉ ውን ኣብ መላእ ሃገርን ዓለምን ዝንቀሳቐስ  “ሰብ ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ” ዝተብሃለ ሲቪል ማሕበር ከም ዘጣየስና ከነበስረኩም ንፎቱ፡፡

ምስረታ ሰብ ሕድሪ ክገሃድ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝነብሩ ሓርበኛታት ተጋደልትን መናእሰይ ሙሁራንን ንልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ጻዕሮም ዘውፈርሉ ኮይኑ፤ ድሕሪ ቡዙሕ ድኻምን ጻዕርን ሕጋዊ ኣካልነት ክረክብ፤ ሎሚ መጋቢት 12/2010 ዓ/ም ናብ ቢሮ ፍትሒ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንምዝገባ ኣትዩ ኣሎ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ማሕበርና ሕጋዊ ኣካልነት ምስረኸበ ብዛዕባ ዝርዝር ዕላማታትናን ኣንፈት መጻኢ ጉዕዞናን ንህዝብና ከምንዝርግሕ ክነፍልጥ ንፎቱ፡፡

ምስ ወያናይ ሰላምታ !

Image - Signature of founders of Sebhidri Civil Society Tigray
Image – Signature of founders of Sebhidri Civil Society Tigray

ግዝያዊ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕን ቁጽጽር ኮሚቴን

መሓሪ ዮሃንስ ገብሩ

ጎይቶኦም ገ/ብሄር በርሀ

ኣግኣዚ መብራህቶም ወልደምህረት

ክንፈ ሓዱሽ በላይ

መትከል ኣረጋይ ገብረየሱስ

ዓንደማርያም ዮሃንስ ሞጎስ

በለጽ ገብረሚካኤል ፍሰሃ

ልኡል ዓይንምሸት ገብሩ

ሓጎስ መዝገበ ኣጽባሃ

ኣብርሃ ኣከሎም ኣብርሃ

ጉዑሽ መረሳ ውነህ

ተስፋሚካኤል ግደይ ኪዳነማርያም

********

Guest Author

more recommended stories