መሪሕነት ህወሓትን ኮንፊሼየሲዝምን

ኮንፊሼየሲዝም ብሓፂሩ ንምግላፅ ኣብ 550 – 479 BC (ዓ/ዓ) ኣብ ሃገረ ቻይና ዝነብረ ኮንፊሼየስ ዝተብሃለ መምህር ዝመሃዞን ዝኽተሎን ዘስርፆ ፍልስፍና ኮይኑ ቐንዲ ጽንሰ ሓስቡ ኣብ ሕብረተሰብ ውሽጢ ምክብባር (ብፍላይ ንዓበይቲ ምኽባር) ፣ ስኒት፣ ውህደት፣ ምክእኣል ወይ ተፃዋርነት፣ ተኣማንነት፣ ዘይምብዳል፣ ዘይናትካ ዘይምውሳድ፣ ኣብ ዘይጉዳይካ ጣልቃ ዘይምእታው፣ ኣብ ርክባትካ ዘይምኽራር፣ ሚዛናዊ ምዃን ወዘተ ናይ ሂወትካ ዕለታዊ መምርሒ ገይርካ ክትውስዶም ዝምህር እዩ። ሕብረተሰብ ቻይና ካብ ሓደ ስድራ ጀሚሩ እስካብ መንግስቲ ዘሎ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝድይብ ሰንሰለታማ ርክብ ብዚ ፍልስፍና ከምዝምርሑ ይእመን።

እዚ ፍልስፍና ዋላ’ኳ ብዋናነት ብዛዕባ ህዝቢ ቻይና ዝምልከት እንተኾነ ሓደ ብርኪ ልዕል ብምባል መንግስቲታት ቻይና ምስ ጎረባብቲን ዘይጎረባብቲን ሃገራት ዝገብሩዎ ዓለም ለኻዊ ርክባት ዝምርሕሉ ፍልስፍና ናብ ምዃን’ውን በቒዑ እዩ። ንኣብነት ናይ ቻይና ናይ ወፃኢ ፖሊሲ ኣብ መእተዊኡ ’.. ምክብባር፣ ተኸኣኢልካ ብሰላም ምንባር፣ ኣብ ናይ ካልኦት ልሉኣላዊ ሃገራት ውሽጣዊ ጉዳያትን ጣልቃ ዘይምእታው፣ ማዕርነትን ሓባራዊ ረብሓን ዝተመስረተ’ ወዘተ ዝብሉ ሓሳባት ካብቲ ፍልስፍና ንሱ ዝቕዳሕ እዩ።

ፍልስፍና ኮንፊሼየሲዝም ምስ ጎደልኡ ናይ ባዕሉ ኣዚዩ ፅቡቕ ዝኾነ ማሕብራዊን መዋቅራዊን ፀጋታት ብምህናፅ ከም ህዝቢ ምክብባርን ምትእምማንን ዝለዓለ ማራላዊ ዲሲፕሊን ፈጢሩሎም ከም ሃገር ንቕድሚት ከሰጉሞም ክኢሊ እዩ። እዚ ፍልስፍና ኣብ ነዊሕ ታሪኻዊ ከይዲ ኣብቲ ህዝቢ ከምኡ ዓይነት ብህሪያትን መንፈስን ብምፍጣሩ ኣብ ፖለቲካዊ ሂወት ናይዛ ሃገር’ውን ብደምቢ ሱር ሰዲዱ ዕለታዊ ዝንዘባረቕ ባህሪ ኮይኑ ይርከብ።

እቲ ንስራሕ ባህሊን መሃዛይነትን ገዲፍና እታ ዝነኣሰት ነገር ንምጥቃስ ዝኣክል፣ ኣብ ቻይና ካብተን ዝለዓላ ነውሪ ዝበሃላ 10 ተግባራት ኣብ ዝኾነ ግልጋሎት ወሃቢ ቦታ (ቤት ብልዒ፣ እንዳ ቡን፣ ሻሂ) ከይድካ ቲፕ (ዓስቢ/ፃማ) ምሃብ ወይ ምግዳፍ እዩ። እዚ ብጥብቂ ዝውግዝ ነውሪ ተግባር እዩ። ዘይፈለጥካ ተገዲፍካሎም ተኸቲሎም ይህቡኻ። ኣብቲ ዝዓበየ ዝበሃል ዘበናዊ ከተማ ሻንግሃይ ዝነበረኒ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኸውን ፃኒሒት ኮነ ኢለ ቲፕ ንምሃብ/ንምግዳፍ ብተደጋጋሚ ፈቲነ ሓቂ ኮይኑ ረኺቦዮ እየ። እዚ ግዕዝይና ኣብ ምክልኻል ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ክህሉዎ እዩ። መሲልካ እንታይ ኣመፃእኻ እዩም ናብ ገዛና ክምለስ።

Photo - confucianism

ችደናይ ንትግራይ ..!

ናይ ንትግራይ ፖለቲካ ምስ ጎረባብቲን ዘይጎርባብቲን ዝኾና ሃገራት ይፅነሐልና’ሞ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትናን ባህሪያት ፖለቲከኛታትን ክነተኩር። ኣብዚ ቐረባ መዓልቲታ ዝተወድአ ፯ይ ኮንፈረንስ ህወሓት እቲ ውድብን ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲን ኣብ ከመይ ዓይነት ሕምቀት ከምዝኣተዉን ህዝቢ ደም ከምዘንብዑዎን ብቶም መራሕቲ ባዕሎም ተገሊጹ እዩ።

ንዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ተጋዳላይ ስዩም መስፍን ቻይናዊያን ዘለዎም ኮንፊሼየሲዝም ዝተብሃለ ፍልስፍና ተንከፍ መትከላዊ እምንትን ስርዓትን ከም ኣብነት ወሲዱ እንትዛረብ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር እምነት ኣጉዲሎም ህዝቢ ገፁ እንተመሊሱሎም እቲ ዝዓበየ ውርዴት ስለዝኾነ ብድሕሪኡ ሂወት የብሎምን። ብምዃኑ ድማ ዓርሰ ቕትለት እስካብ ምፍፃም ይበጽሑ ይብል። ተጋዳላይ ስዩም እቲ ጉዳይ ከምዚ ዝስዕብ ይገልፆ:

እቶም ደሓን ብተነፃፃሪ ገስጋሲ ውድብ ዝመርሖም፣ ንምግላጹ ዝሸግር ቅልጡፍ ልምዓት ዘርኢ ዘሎ ቻይና ንርአ። ከምታ ንሕና ዝገበርናያ ምንቕቓፍ፣ ጌጋጋኻ ቦጥቂልካ ምውፃእ ኣይደፍሩዋን። ክንዳኣ ኣይኸዱን። ይነቓቐፉ እዮም፣ ይነግሩና እዮም ግን ፍልስፍና ኣለዎም ኮንፊሼስሲዝም ዝበሃል። ናይቲ ሕብረተሰብ፣ ፊሎሶፊ ኣለዎም። ደረት ኣለዎ፣ ሓደ ተጋዳላይ፣ ሓደ ሰብ ገፁ ስኢኑ ይብሉዎ። Loosing face – ገፅ ሲኢኑ ሓፊሩ እንተተባሂሉ ከምዚኣ ኣብዛ መቑሎ እዚኣ ተገቲሩ ደው ኢሉ ኣይኸይድን። ተሓቢኡ ኸይዱ እዩ ንባዕሉ ዝቕትል። ገፁ ኣየርአን፣ ይሓንኽ። ተመሊሰ ከገልግል እየ ኢሉ ኣይርእን። ደረት ኣለዎ …’’ ይብል። እወ ሓቁ እዩ ኣብ ቻይና ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ እዩ ነይሩ።

ኣብ ትግራይ፣ ብሓፈሽኡ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ሽንኳን ኮንፊሼየሲዝም ኣታኣታቲዩ እቲ ፍልስፍና ዘምህሮም ፅቡቓት ባህሪያትን መትከላትን ክምራሕን፣ ካብኣ እንተወዲቑ ድማ ንባዕሉ ክቐትልስ ይትረፍዋ ከም ዝኾነ ፍጡር መዋቲ ምዃኑ ረሲዑ ንዘለኣለማዊ ናይ ስልጣን ሂወቱ ዝቃለስ ፖለቲከኛ እዩ ዘለና። ግቡኡ ናፈጸመ ስልጣን እንተዝደሊስ ሓደ ቑመነገር እንዶ ምኾነ ነይሩ ..! እሞ ዓርሰ ቕትለት ምፍፃም፣ ምሕባእ፣ ምሕፋርስ ይትረፎምዋ እቶም ዝሓመቑን ዝተሸኸሉን ካብ ስልጣን ዓርሰ ምውራድ ተዝገብሩስ ህዝቢ እንዶ መመስገኖም ነይሩ።

ድርብርብ ጥፍኣት ኮይኑና ሽግር ተረኺቡ ዘሎ ዓርሰ ቕትለት ኣይገበሩ፣ ዓርሰ ምውራድ ኣይገበሩ፣ ዝገደደ ድማ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ጥፍኣት ናወሰኽካ ናተነሳህኻ ኣብ ስልጣን ንምቕፃል ይቃለሱ። እቲ ኮንፊሼየስ ዝኣምን ቻይና ህዝቢ ገፅ እንተኸሊኡዎ ከቢድ ውርዴት ስለዝኾነ ተመሊሱ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ኣይሓስቦን እቲ ናትና ግን ናጥፍኣኻን ናጋዕዘኻን ኣብ ስልጣን ምንባር ከም ንቡር ወሲዱዎ እዩ። ናትናስ ከምቶም ኮንፊሼየስ ዝኣምኑ ሕብረተሰብ ኣይኮነን፣ ፈፂሙ ደረት የብሉን ኣይሓንኽ፣ ኣይሓፍር፣ ኣይሕባእ፣ ናፋጠጠልካ ተገቲሩ ድኣ ይኸይድ። ጉደኛ..!

እቲ ኣብ ግልጋሎት ወሃብቲ (ቤት ብልዒ፣ እንዳ ቡን፣ ሻሂ) ዝሰርሕ ኣዚዩ ውሑድ ተኸፋሊ ንግደፎሞ ንስኻ ብትኸፍሎ ግብሪ ከገልግለካ ዝተቐመጠ ሹመኛ’ኳስ ቲፕ ናነኣሶስ ንብረትካ ሸይጥካ ክትህቦ’ውን ስለዝደሊ ሕንኽ እንተይበለ ’’ብኢድካ እምበር ብእግርኻ ዶ ምፃእ ኢለካ እየ’’ ዝብለካ ሹመኛ ዘለዎ ዓዲ ኢና ዘለና። ’’ሲሾም ያልበላ ሲሻር ይቆጨዋል’’ ዝብል ናይ ኣምሓርኛ ብሂል’ውን ኣብ ስነልቦና ህዝብና ዝሰረፀ ኣሎ።

ኣብዚ ንኹሉ ግልፂ ክኸውን ዘለዎ ነገር ኣሎ። እዞም ሹመኛታት ካብ ሰማይ ዘይኮነስ ካብቲ ሕብረተሰብ እዮም ወፂኦም ብምዃኑ ድማ ከም ሕብረተሰብ’ውን ጎዶሎታት ከምዘለና ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ንቶም ጉዕዙያት ኣብ ክንዲ ምቅላስ ገና ንገና ኣይፍጸመለይን ዝኸውን ናብለካ መሰልካ እንዳሃለወ’ውን ብኢድካ ምኻድ ሕብረተሰብና ጠጠው ከብል ይግባእ ንምባል እዩ። ቐሊል ኣይኮነን ዘላቒ መማረጺኡ ግን ምቅላስ ጥራይ እዩ።

ከምቲ ተጋዳላይ ስዩም መስፍን ከረድእ ዝፈተኖ መሪሕነት ህወሓት ዘሕፍር፣ ዘሕንኽን ዘሕብእን ዓርሰ ቕትለት ከፈፅሞ ዘኽእል በደል እዩ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኣብፂሑ። እሞ እቲ ክልተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚኢቲን ዓመት ዝገበረ ፍልስፍና ኮንፊሼየስ ፅቡቕ’ኳ እንተኾነ ተረዲኡናን ሰሪጹናን ናይ ባህሪ ለውጢ እስካብ ነምፅእ ዓለም ክሓልፍ እዩ። ጊዜ ዘይህብ ሽግር ስለዘለና ለውጢ ንምምፃእ ኣቋራጭ መገዲ ምኻድ እዩ ዘድሊ። ንሱ ድማ ናይ ሕጊ ልዕልናን ተሓታቲነትን ብዘይውዓል ሕደር ክሰፍን ምግባር ጥራይ እዩ።

መን ንመን የዐርዮ ድኣ እዩ ጨኒቑና ዘሎ እምበር ከምቲ ህዝቢን ባዕሎም እቶም መራሕትናን ዝብሉዎ ዘለዉ ከምዚ ኢልካ ምቕፃል ካብዚ ንድሓር ኣይሰርሕን። እቲ ሕምቀት እንተቐፂሉ ግን ንቲ ህዝቢ ናብ ዘይደለዮ ኩነታት ይድፋእ ከምዘሎ ብሕልናኻ ምርዳእ ይግባእ። ህዝቢ ትግራይ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብስለትን ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ዘይጭበጥ ንስሃን ፕሮፓጋንዳን መራሕቱ ሰልቺዎ እዩ። ሀዚ እተን ክዝረባ ዝቐነያ ናብ ተግባር ምስተሸረፋ ጥራይ እዩ እቲ ንስሃን ይቕሬታን ሓቂ ምዃኑ ዝኣምን። እሞ’ማ ጨው ንርእስኻ ክትብል መቅር ተዘይኮይኑ ግን … ። እወ ከምኡ እዩ።

ክብሪን ሞገስን ንሰማእታትና!

*********

ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ ኣብ ሃገራዊን ዞባዊን ከምኡውን ዓለም ለኻዊ ፖለቲካ ጉዳያት ዝከታተል፣ ኣብዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘይነጥፍ ውልቀ ሰብ እዩ። ንሃናፃይ ሪኢቶ ኣብ [email protected]

more recommended stories