ተኽለወይኒ ኣሰፋ ይቕሬታ ዝሓተተሉ መግለፂ

ከመይ ውዒልኩም፡፡ ኣነ ሎሚ በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ጋዜጣዊ መግለፂ እየ ክህብ።

ኣብ ዝሓለፉ ምንቅስቓሳት ኣብ ዕብየት ስፖርት ትግራይ፣ ኣብ ህንፀት ስታድየም፣ በብደረጅኡ ዘለዎ ክለባት ኣብ ምጥንኻር ብውልቀይ ይኹን ብትካል ዓብይ ኣስተዋፅኦ ገይረ እየ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብኽልል ኣብ ሃገራዊ ፌደሬሽን ስፖርት ኣመራርሓ ኣትየ ተራይ ክፃወት ተሓቲተ ኣነ እውን ድልየት ስለዝነበረኒ በቲ ዝቐረበለይ ሕቶ ተቐቢለ ብምክታል ፕረዚደንት ተመሪፀ ናብ ስራሕ ኣትየ እየ።

ኣብዚ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ፃንሒተይ ኣብ ሃገራዊ ፌደሬሽን ዝነበሩ ማእለያ ዘዘይብሎ ፀገማት ብምልላይ መልክዕ ክሕዙ ዝስዕቡ ስራሕቲ ሰሪሐ እየ። ንኣብነት ንዘመናት ዘይነበረ ናይ ተፃወቲ ዝውውር ስርዓት ንመጀመርያ ግዘ ኣብ ታሪኽ ናይ ኢትዮጵያ ኩዕሶ እግሪ ክተኣታቶ ዝለዓለ ግደ እየ ተፃዊተ።

ኣብ ክሊ ፋይናንስ እውን ዘመናዊ ኣሰራርሓታት ብምትእትታው እውን ኣብቲ ኣነ ዝነበርኩሉ ኣርባዕተ ዓመት ልዕሊ 300 ሚልዮን ብር እየ ኣተኣኻኺበ። በዚ እውን ኩዕሶ እግሪ ሃገርና ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ናይ ኢትዮጵያ ክባፃሕ ገይረ እየ።

ሳልሳይ ዓለማዊ ርክባት እውን ኣጠናኺረ እየ። ንኣብነት ናይ ሃገርና ብሄራዊ ቡደን ማልያ ኣይነበሮምን። ናይ ኣዲዳስ እዮም ዝጥቀሙ ነይሮም። ንመጀመርያ ግዘ ግን ኢራ ዝበሃል ናይ ጣልያን ርክብ ገይረን ውዕሊ ኣሲርናን በብዓመቱ ይድግፉ ኣሎ።

ካልእ ፕሮፌሽናል ሊግ እውን ክጣየሽ ኣብ ቀልቀል ኣብፂሐ ነይረ እየ። ምኽንያቱ ሐዚ ዝካየዱ ውድድራት ብምልኦም እቲ ፌደሬሽን እዩ ዘካይዶም። ስለዚ እቲ ፌደሬሽን ብሓደ ገፅ ሕጊ የውፅእ፤ ብኻልእ ገፅ ፈፃሚ ስለዝኾነ ኩሉ ግዘ ጎንፅታት ኣሎ።

ኣብ መንጐ እቲ ፌደሬሽንን ብብደረጅኡ ዘለዉ ክለባትንን፡፡ ስለዚ ፕሮፌሽናል ሊግ ብምቁቛም ባዕሎም እቶም ክለባት ናይ ባዕሎም ፕሮፌሽናል ሊግ ኣቋቚሞም ባዕሎም ካካይዶም እውን ምስ ፊፋ ብምንግጋር ካብ ጀርማን ፣ ኣውስትራልያ፣ ኣፍሪካ እውን ክኢላታት ብምምፃእ ምሉእ ኣሳይመንት ተዋሂበ ኣብ ጫፍ ኣብፂሐዮ ኣለኹ፡፡ ፣ ገና ኣይተወድአን፡፡

Photo - Teklewoyni Assefa, chief of REST Tigray
Photo – Teklewoyni Assefa, chief of REST Tigray

ካልእ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ እውን ብሃገር ደረጃ ክውደባ ዝለዓለ ቆላሕታ ክወሃበን ትርጉም ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ገይረ እየ፡፡ ብደንቢ ዝምስክራሉ እየን፡፡ ካልእ ብትግራይ ክለባት ትግራይ እውን ፋይናንሳዊ ይኹን ካልኦት ደገፋት ብቐረባ ክረኽባ ብምግባር፣ ተጠናኺረን ክወፅኣ ኣብ ርእሲ ምስራሕ ትግራይ ኣብ ፕሪሜር ሊግ ውክልና ክትረክብ ምስ ፌደሬሽን ስፖርት ትግራይ ብምዃን ዝተፈላለየ ስራሕቲ ሰሪሐ ኣዕዊተ እየ፡፡ እዚ ኹሉ እኹል እዩ እኳ እንተዘይበልኩ ዓቕመይ ብዝፈቐዶ ከይተለገምኩ ለይትን ቀትርን ሰሪሐ እየ፡፡

ኮይኑ ግን ምስ መበለ ኣብ 10ይ ጉባኤ ሃገራዊ ፌደሬሽን ልዕሊ 300 ተሳተፍቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣዳራሽ ሓበሬታ ምስ ምሃብ ተኣሳሲሩ እቲ ጉባኤ ኣብ መቐለ ክሳለጥ ካብ ዝነበረኒ ድልየት ተበጊሰ ዝሃብኩዎ መብርሂ ማለት፣ እቶም ተሳተፍቲ ጉባኤተኛታት፣ ክለባት ወልዋሎን መቐለን ናብ ፕሪሜር ሊግ ብምሕላፈን ዝተፈጠረ ምንቅስቓስ ንምዕዛብ፣ ዝህነፅ ዘሎ ስታድዮም ትግራይ ክርእዩ፣ መቐለ እውን ዓዲ ቆናጁን ውቅብትን፣ ስሓቢትን እያ ኢለ ተዛሪበ እየ፡፡

እዚ እቲ ጉባኤ ኣብ መቐለ ክካየድ ካብ ዝነበረኒ ባህጊ ተበጊሰ ዝተዛረብኩዎ እዩ ነይሩ፡፡ ይኹን እምበር ብኻልእ መልክዑ ስለ ዝተተርጎመ ኣሉታዊ ሳዕቤን ስለዘኸተለ ኣነ ዝፈጠርኩዎ ዘየድሊ ክፍተት እውን ስለዝኾነ ንመላእ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ መቐለ፣ ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ይቕሬታ እሓትት፡፡

ዕድመይ ምሉእ ንመሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝተቓለስኩን ናብራ ንምምሕያሽ ለይትን ቀትርን ዝሰርሕ ዘለኹን ስለዝኾነ ብዝኾነ ይኹን መልክዕ ቅሬታ ክሕዛለይ ዘለዘየድሊ ዘቕርቦ ዘለኹ ይቕሬታ ኣዝዩ ተሰሚዑኒ ከም መጠን ተጋዳላይ ካብ ልበይ ይቕሬታ ዘቕርብ ዘለኹ ምዃነይን እገልፅ፡፡

ካልኣይ ብተወሳኺ እውን ሃገራዊ ኩነታት ምርጫ ተኣሳሲሩ ዝፍነው ዝነበሩ ዘይጥጡሓት ጎስጓሳት ዝፈጠረለይ ኣሉታዊ ተፅዕኖ ባዕለይ ዝፈጠርኩዎ ኩነታት ተደማሚሩ ንጋዜጠኛታት ዝሃብኩዎ መብርሂ ንመራሒ ሃገርና ብእኡ ደረጃ ከልዕል ኣይነበረንን፡፡ ኣብዚ ተመርኲሶም ዝተፈጠሩ ጉዳያት እውን ይቕሬታ እሓትት፡፡

ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት እቲ ፌደሬሽን ኣብ ምምራሕ ፀኒሐ ስርሐይ ወዲአ ኣብ ምርኽኻብ እየ ዘለኹ፡፡ ንካልኣይ ምርጫ ክልል ትግራይ ስለዝወከለኒ ነዚ መሰረት ብምግባር እውን ፌደሬሽን ክልልና ክለባት ክልል ትግራይ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክለባት፣ ካብ ናይ ደቡብ ህዝቢ ክለብ፣ ካብ ኢትዮ- ሶማሊ ክለብን ካልኦት ክለባትን ደገፍ ስለዝሃባኒ ኣዝየ እናመስገንኩ በቲ ባዕለይ ዝፈጠርኩዎ ኩነታት ህዝብን መንግስትን ትግራይ ውክልንኡ ከምዘልዐለ ብምዝኽኻር ኣነ እውን እቲ ውሳነ ብምኽባር ዝተውሃበኒ ውክልና ብውልቀይ ኣልዒለ ኣለኹ፡፡

ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝግበር ክልላዊ ይኹን ሃገራዊ ምንቅስቓስ ስፖርት ብዝገብሮ ተሳትፎ ዝዕገት ዘይኮነስ ካብ ናይ ኩሉ ግዘ ተሳትፎይ ኣጠናኺረ ደገፍ ከም ዝቕፅል እውን በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ እፈቱ፡፡

የመስግን፡፡

********

Daniel Berhane

more recommended stories