ሃይ በሃሊ ዝሰኣነ ሕክምና  ስኒ መቐለን ትግራይን

(He Fre – ካብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል)

ኣብ ከተማ መቐለ ቁፅረን ብርክት ዝበላ ሕክምና ስኒ ኣለዋ። ይኹን ደኣ እምበር እዚ ፀሓፋይ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ዳርጋ እተን ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ዝኾና ናይ ስኒ ሕክምና ብዙሓት ችግራት ከም ዘለውወን እንዳተፈለጠ ዝምልከቶም ኣካላት ኣድላይ ስጉምትን ቁፅፅርን ብዘይ ምውሳዶም ህዝብና ኣድላይ ናብ ዘይኾነ ወፃኢ ካብ ምቅላዕ ሓሊፉ ኣብ ጥዕና ብዙሓት ተሓከምቲ ከበድቲ ጉድኣታት ይበፅሖም ከምዘሎ ኣብቲ ሞያ ዘለና ሰባት ንዕዘብ ኣለና።

እተን ክሊኒካት ዝተኸፈታ ኣብቲ ሞያ ብቐጥታ ርክብ ብዘይብሎም ሰብ ውልቀ ሃብቲ ወይ ክዓ አብ ቅርሺ ጥራሕ አድሂቦም ብዝሰርሑ በዓል ሞያታትን እየን። እዙይ ማለት ሓደ ናይ ስኒ ሓኪም (ደንቲስት) ነቶም ውልቀ ሃብቲ ናይ ሕክምና ብቅዓቱ ዘርኢ ላይሰንስ(Linsence የካርዮም።

ይኹን ደኣምበር እቲ በዓል ሞያ ናይ መንግስቲ ቑጻር ስለዝኾነ (መብዛሕቲኦም ኣብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል እዮም ዝሰርሑ) ኣብተን ክሊኒካት ኣይርከብን።

ብምዃኑ ድማ መብዛሕቲኡ ሕብረተሰብና ዶክተር ብዘይኾኑ ነርስታት ዘይግቡእ ሕክምና እንዳረኸበ ይርከብ። ዶክተር እንተዘይኾይኑ ዶክተር ዝብል ሽም,ዝወሃቦም እዞም ሃይጅኒስታትን (hygienist) ነርስታትን ዘብፅሕዎ ዘለዉ ጉድኣት ብቐሊሉ ዝረኣይ  ኣይኮነን።

Photo - Ayder Hospital, Mekele, Ethiopia
Photo – Ayder Hospital, Mekele, Ethiopia

ብሕጊ ኣንፃር እንተሪእናዮ ድማ ሓደ ዶክተር ናይ ሞያ ብቅዓቱ ላይሰንስ ምክራይ ዝኽልኽሎ ዝርዝር ኢሉ ዝወፀ ሕጊ እንተዘይሃለወ እኳ እቲ በዓል ሞያ ባዕሉ ኣብቲ ላይሰንስ ዘካረየሉ ቦታ እንተዘይ ተረኺቡ ግና ባዕሉን እቲ ላይሰንስ ዝተካረየ ክሊኒክን ተሓተቲ ከምዝኾኑ ‘የኢትዮጵያ የምግብ፣ የመድኃኒት እና የጤና ክብካቤ አስተዳደርና ቁጥጥር ባለስልጣን’ (FMHACA) ዘውጸኦም ዝተፈላለዩ ድንጋገታት የረድኡ።

ብተወሳኺ እውን እቲ በዓል ሞያ ናይ መንግስቲ ቑፃር እንተኾይኑ እቲ ክሊንክን ባዕሉ እቲ በዓል ሞያን ክሰርሑ ዝግብኦም ካብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ወፃኢ ከምዝኾነ ማንም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።

እዙይ ከምዚ እንዳሃለወ ግና እተን ብናይ ሰብ ላይሰንስ ዝተኸፈታ ክሊኒካት ሙሉእ መዓልቲ እንዳሰርሓ ይውዕላ ኣለዋ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ እቶም ⷀትሪ ስኒ እንዳነቐሉን እንዳሓከሙን ዝውዕሉ ዘለዉ ነርስታት እዮም። ዝምልከቶ ኣካላት እኹል ጠመተ ብዘይ ምሃቦም ግና ሓደ ውልቀ ሃብቲ ክሳብ 3ተ ቅርንጫፍ ናይ ስኒ ሕክምና ኸፊቱ ንክሰርሕ ተፈቂዱሉ አሎ።

ብምዃኑ ድማ ሕብረተሰብና ናብ ዝኸፍኣ ሽግር እንዳኣተወ ይርከብ። እዘን ብውልቀ በዓል ሃፍቲ ዝተኸፈታ ሰለስተ ክሊኒካት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዶክተር ኣብ ዘይብሉ እዋን ሕክምና እንዳሃበ ስለዝተረኸባ ብዝምልከቶም አካላት ዝተፈላለዩ መጠንቀቕታት ዝተውሃበን እንትኸውን እተን ክሊኒካት እውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ንሰሙን ካብኡ ንላዕልን ዝኣክል ዝተዓሸጋሉ ግዜ ኣሎ። ይኹን ድኣ እምበር እቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ትርር ዝበለ ስለዘይኾነ እቲ ጥፍኣት ብተደጋጋሚ ንክፍፀም በሪ ኸፊቱ ይርከብ።

እቶም ነዘን ክሊኒካት ላይሰንስ ዘካርዩ  ዘለዉ ዶካተራት ጥራሕ እንተይኮነስ እቶም ነርስታት እውን ናይ መንግስቲ ተቖፀርቲ እዮም። ኣብ ትርፊ ሰዓቶም ናይ ምስራሕ መሰል እንተሃለዎም እኳ ብተግባር ከም ዝርኣ ዘሎ ግና ናይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ሰዓት ብምብዳል ኣብ ውልቀ ክሊኒካት ክሰርሑ እዮም ዝውዕሉ።

ኣብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታልን መቐለ ሆስፒታልን ሕብረተሰብና ሓኪም የለን ነርሲ የለን እንዳተብሃለ እንዳተንገላትዓ ዝውዕል ዘሎ እቶም ሓካይም ኣብተን ናይ ውልቀ ሕክምናታት ስኒ ካብ ሕጊ ወፃኢ እንዳሰርሑ ስለዝውዕሉ እዩ።

ካሊእ ዝተዓዘብክዎ ድማ ሓደ ናይ ወፃኢ ዜጋ ናይ ትምህርቲ መረዳእታኡ ናይ ሓሶት ኾይኑ ስለ ዝተረኸበ ካብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ተባሪሩ። ይኹን ድአ እምበር ምስተባረረ ናይ ባዕሉ ክሊኒክ ንክኸፍት ተፈቂዱሉ እንዳሰርሐ ይርከብ።

እዙይ ዘርእየና ኣብ ፍቃድ ኣወሃህባ ዝኾነ ክፍተት ከም ዘሎ እዩ ። እንተስ ብጉቦ እንተስ ከምቲ ዝለመዶ ዝተጭበርበረ ሰነድ ብምቕራብ ክሰርሕ ዝተፈቐደሉ ምኽንያት ብቅልጡፍ ክፃረ ይግባእ።

መዓዝ እዙይ ጥራሕ ኾይኑ። ሓደ ናይ ሕክምና ስኒ ላብራቶሪ እውን ሙሉእ ሕክምና እንዳሃበ ይርከብ። እዚ ሕክምና ስኒ ላብራቶሪ ግና ሕክምና ስኒ ክህብ ሕጊ አይፈቅደሉን። ምእንተ ምእንታይሲ እቲ ኣብቲ ክሊኒክ ዝሰርሕ ዘሎ  ናይ ሕክምና በዓል ሞያ ኣይኮነን።

ደንታል ተክኒሻን (dental  technician) እዩ። ደንታል ተክኒሻን ድማ ሓደ ደንቲስት ብዝሃቦ ዓቀን መሰረት ስኒ ምስራሕ እምበር ዓርሱ ኽኢሉ ሕክምና ክህብ ሕጊ ኣይፈቅዶሉን ናይ ሞያ ብቕዓት እውን የብሉን። እሞ  ድኣ ጥዕና ቢሮ ክልል ትግራይ ኣድላይ ቁፅፅር ገይሩ ንምንታይ ዘይዕሽጎ ዝብል ሕቶ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ኾይኑና ኣሎ።

ብሰብ ውልቀ ሃፍቲ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ዓይደር ተምሃሮ ብዝኾኑ ሰባት ዝተኸፈታ ሰለስተ ክሊኒካት እውን ኣለዋ። እዘን ክሊኒካት ሙሉእ መዓልቲ ግልጋሎት ክህባ ሕጊ ኣይፈቅድን። ይኹን ድኣ እምበር እቶም ተምሃሮ  ትምህርቶምን መንግታዊ ግዴቶኦምን ንጎኒ ብምግዳፍ ቅርሺ ኣብ ምእካብ ይውዕሉ ኣለዉ።

ኣብ ቀረባ ዝረኣናዮ ኻሊእ ኣጋጣሚ ድማ ብርክት ዝበሉ ነርስታት ብምውዳብ ሕክምና ስኒ ንክኸፍቱ ተፈቂዱሎም ኣገልግሎት እንዳሃቡ ይርከቡ። ልክዕ ከምቲ ውልቀሰብ ሃብቲ ዝገብሮ ዘሎ እዞም ነርስታት እውን ናይ ሕክምና ስኒ ዶክተር ላይሰንስ ተካርዮም እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ይኹን ድኣ እምበር እቲ ዶክተር ኣብቲ ክሊኒክ ስለዘይርከብ እቶም ነርስታት ዶክተር ኢና ብዝብል ናይ ሕሶት ጉልባብ እንዳሓከሙ ይውዕሉ ኣለዉ።

ንምጥቅላል ዝኣክል ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዘለዋ ናይ ስኒ ሕክምና ሙሉእ መዓልቲ ግልጋሎት ዝህባን ናይ ሙሉእ ግዜ ዶክተር ዘለወን ሰለስተ ጥራሕ እንትኾና እተን ዝተረፋ ግና ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ሰብ ውልቀ ሃብቲ ወይ ኽዓ ነርስታት ላይሰንስ ብምክራይ ዝኸፈትወን እየን። ብምዃኑ ድማ ነባሪ ከተማ መቐለ ጥራሕ እንተዘይኮነስ ካብ ዝተፈላለዩ  ቦታታት ክልልና ዝመፁ ዜጋታት እውን ዘይግቡእ ሕክምና ይረኽቡ ኣለዉ።

እዙይ ድማ ዝምልከቶም ኣካላት ዝወስድዎ ቑፅፅርን ስጉምትን ብቑዕ ከምዘይኾነ እዩ ዘርእየና።ብተወሳኺ እውን ፍቓድ ሕክምና ኣወሃህባ እውን ብዘይሕጋዊ መንገድን ኢዶም ብብላዕ ብዝተጨማለቑ ሰባት ዝምራሕ ከምዝኾነ ፀሓይ ዝወⷅዖ ሓቂ ኾይኑ አሎ ።ነዙይ ሓበሬታ መሰረት ገይሮም ድማ ዝምልከቶም ኣካላት ኣድላይ ስጉምቲ ንክወስድ ይላበው።

********

Guest Author

more recommended stories