ዳግመ ሃገራዊ ባርነትን ፖለቲካዊ ተነፅሎን ዝወለደ ተናኻሳይ ባህሪ ሻዕብያ

(ኣባዲ ገ/ስላሴ)

ነቲ ሕዚ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ዘሎ ዝሓመቐን ዝተሓላለኸን ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታት ካብቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ወፃእ ዋላ ንድሕሪት ተመሊስካ እውን እንተኾነ ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ ደፋእቲ መበገስታት ምቕራብ ኣይክኣልን።ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ብሳላ ቃልሱ ነቲ ኩሉ ኩነታት ሓሊፉ ኣብ ናይ ባዕሉ ውሳነ ጥራሕ እትምስረት ነፃ ሃገር ፈጢሩ ስለዝነበረ። እንተኾነ እውን ግን ብሓፈሻ ብዛዕባ ኤርትራ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ነቲ ሕዚ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ንምርዳእን መፍትሒ ቀፃሊ ዕድላት እዛ ሃገር ንምምልኻትን ንድሕሪት ተመሊስካ ምርኣይ ጠቓሚ እዩ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ከም ሃገርን ህዝብን ብፍላይ ክልቲኦም ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ዝኾኑ ህዝቢ ድማ ትግራይ ትግርኚ እናተብሃሉ ክሳብ መዋእለ ሕልፈት ንጉሰ ነገስት ዘኢትዮጵያ ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ 1881 ዓ/ም ብሓባር ምፅንሖምን ክልቲኦም ህዝቢ ወነንቲ እቲ ኩሉ ሕሉፍ ታሪኽ ምዃኖምን ዝፍለጥ እዩ። ይኹን እምበር ድሕሪ ሞት ሃፀይ ዮሃንስ ኣብ ኢትዮጵያ መንበረ ስልጣን ዝተረከቡ ሃፀይ ሚኒሊክ ምእንተ ዘላቒ ረብሓ ስልጣኖም ክብሉ ነቲ መረብ ሰጊርካ ዝርከብ ህዝብን መሬትን ኢትዮጵያ ኣብ 1881 ዓ/ም ብመሰረት ውዕሊ ውጫሊ ንመንግስቲ ጥልያን ብመልክዕ ገፀ- በረከት ስለዝሃብዎ ንልዕሊ 50 ዓመት ሓዉ ካብ ዝኾነ ህዝቢ ተፈልዩ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ መንግስቲ ጥልያን ንክነብር ተገዲዱ እዩ።

ኣብ ውሽጢ እዚ ኩነታት ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ኵናት ዓለም ብሃገራት ኣመሪካ፣ እንግሊዝን ፈረንሳይን ስዕረት ዘጋጠማ መሓዛ ኵናት ሃገራት ጀርመንን ኦስትርያ ሃንጋርን ዝነበረት ጥልያን ኣብ ኣፍሪካ ዝነበራ ግዝኣት ተመንጢላ ብእንግሊዝ ንኽተሓዛ ምኽንያት ኮይኑ። ስለዝኾነ እውን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሞግዚትነት መንግስቲ እንግሊዝ ድማ ንከባቢ 10 ዓመት ፀኒሓ። ድሕሪ እዚ ግን ኣብ መላእ ዓለም ብዝተገበረ ቃልሲ ብሕልፊ ኣፍሪካውያን ብዘስምዕዎ ናይ ሓባር ተቓውሞ ድምፂ ምዕራባውያን ብግዝኣት ንዝሓዝወን ሃገራት ሓዲጎም ንኽወፁ ምኽንያት ስለዝተፈጠረ እንግሊዝ እውን ካብ ኤርትራ ንኽትወፅእ ግድን ኮይኑ። ይኹን ድኣ እምበር ጉዳይ ኤርትራ እንታይ ይኹን ዝብል ሕቶ ግን ንመንግስትታት ዓለም እውን ከይተረፈ ዘተሓሳሰበ ጉዳይ ነይሩ። ናይዚ ሕቶ ቀንዲ መንቀሊ ኤርትራ ዓርሳ ዝኸኣለት ነፃ ሃገር ኮይና ንምቕፃል ዝኽልክል ስርዓት ስለዝነበረ ግን ኣይኮነን።

ኤርትራ ልክዕ ከምተን ኩለን ሃገራት ኣፍሪካ ይኹን ኣብ ካልእ ክፍላተ ዓለም ኣብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ወዲቐን ዝተመሓደራ ሃገራት ዝተፈጠረ ወሰንን ግዝኣትን መሰረት ገይርካ ነፃ ሃገር ኮይና ክትቅፅል ትኽእል ነይራ እያ። ይኹን እምበር ኣብቲ እዋን ብዝነበሩ ግዳማውን ውሽጣውን ምኽንያታት ጉዳይ ኤርትራ ንውሳነ ሕቡራት መንግስታት ዓለም እዩ ቀሪቡ። ካብቶም ምኽንያታት ቀዲሞም ክጥቀሱ ዝኽእሉ ኣብቲ እዋን ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ትሑት ብርኪ ቁጠባ፣ ውሕድ በዝሒ ህዝብን ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ዝተፈላለየ ድሌት እቲ ህዝቢ፣ ”ኤርትራ ከም ነፃ ሃገር ኮይና ንክትቅፅል ክትፅገም እያ” ዝብል እምነት ንኽትሓዝ ምኽንያት ኮይኑ እዩ ። ንኣብነት ኣብቲ እዋን ኣብ ኤርትራ ይነብር ካብ ዝነበረ 957 ሽሕ ህዝቢ መጠኑ ኣዐርዩ ብዘይበላለፅ መልክዑ ገሊኡ ምስ ኢትዮጵያ ክወሃድ ዝደሊ /ልዕሊ 400 ሽሕ/ ገሊኡ ድማ ነፃ ሃገር ክምስርት ዝደሊ /ልዕሊ 500 ሽሕ/ እዩ ነይሩ። /የኢትዮጵያና ኤርትራ ግጭት፣ መንስኤና መፍትሔ፣ ዶ/ር ደጀዝማች ገ/ ስላሴ/

ነዚ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ጉዳይ ኤርትራ ዕልባት ንምሃብ ዝተፈላለዩ ዋላታት ዘሳለጠ ውድብ ሕቡራት መነግስታት ዓለም ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኣፅኒዐን መፍትሒ ሓሳባት ንከቕማጣ በብእዋኑ ተልእኾ ዝሃበን ሃገራት፣ ኤርትራ ነፃ ሃገር ትኹን፣ ምስ ኢትዮጵያ ትወሃድ፣ ብሞግዚትነት እንግሊዝ፣ ጥልያን፣ ግብፂ ትመሓደር፣ ምዕራብ ኤርትራ ተኸፊሉ ምስ ሱዳን፣ እቲ ዝተረፈ ድማ ምስ ኢትዮያ ይተሓወስ ወዘተ… ዝብሉ በበእዋኑ ዝቀያየሩን ኣብ ስምምዕ ዘይብፅሓሎምን ሓሳባት እናሓዘ ተኣኪቡ እናተበተነ ፀኒሑ እዩ። ብርግፅ እቶም ውሳነታት ፖለቲካዊ ድሌት ዝተፈላለዩ ሃገራት እውን ይዓርፈሉ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ነቲ ኩነታት ብዝግባእ ኣፅኒዐን ፍታሕ ንከቕምጣ ተልእኾ ዝተውሃበን ሓሙሽተ ሃገራት በዓል ፓኪስታን፣ ጓቲማላ፣ ኖርወይ፣ በርማን ደቡብ ኣፍሪካን ነይረን። ካብዘን ሃገራት ደቡብ ኣፍሪካን በርማን ኤርትራ ብፌዴሬሽን ናብ ኢትዮጵያ ትተሓወስ ዝብል ዘቕረበኦ መማረፂ ሓሳብ ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ 1945 ዓ/ም ኤርትራ ናይ ባዕላ ዝኾነ ነፃ ምምሕዳር ዘለዋ ግን ድማ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ እትመሓደር ሃገር ኮይና ተሓዊሳ።እዚ ውሳነ ንኢትዮጵያ ኮነ ንኤርትራ ዓብዩ ዕድል ምንባሩ ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ፖለቲካ ዝዛረብሉ ጉዳይ እዩ። ይኹን እምበር ሃፀይ ሃይለስላሴ ነቲ ፌደሬሽን ኣብ ሹድሽተ ሕዳር 1955 ዓ/ም ክፈርስ ብምግባር ኤርትራ መበል 14 ክፍለ ሃገር ኢትዮጵያ ኮይና ኣብ ትሕቲ እቶም ንጉስ ክትመሓደር ስለዝገበሩ እቲ ኣብ ክልቲኦም ህዝቢ ተፈጢሩ ዝነበረ ወርቃዊ ዕድል ከንቱ ተሪፉ።

ነቲ ውሳነ ኣብቲ እዋን ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ትውልደ ኤርትራዊ ኣይተ ኣክሊሉ ሃብተወልድ ከይተረፉ ከምዝተቓወምዎ እዩ ዝፍለጥ። ብኣውርኡ ድማ እቶም ቅድም ክብሉ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንክትወሃድ ድሌት ዝነበሮም ኤርትራዊያን ከይተረፉ ናብቶም ነፃ ኤርትራ ዝብሉ ዝነበሩ ህዝቢ ተወሲኾም ኣንፃር ውሳነ እቶም ንጉስ ደው ንኽብሉ ምኽንያት ኮይኑ። በዚ ምኽንያት ኣብ ኤርትራ ህውከት ስለዝተፈጠረ እቲ ዝነበረ ሲቪል ምምሕዳር ናብ ወታደራዊ ምምሕዳር ተለዊጡ። ካብዚ እዋን ጀሚሩ ድማ “ወይ ነፃነት ወይ ሞት” ድምፂ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ምዃን ተሰጋገረ። ቅድም ክብል ነቲ ፌዴሬሽን ይቃወም ብዝነበረ እድሪስ መሓመድ ኣብ 1953 ዓ/ም ኣብ ካይሮ ዝተፈጠረ ውድብ ጀብሃ ድማ ነቲ ኩነታት ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ጐኑ ብምስላፍ ኣንፃር እቲ ስርዓት ስሩዕ ቃልሲ ጀመረ።

በዚ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ዝተጀመረ ቃልሲ ነፃነት ህዝቢ ኤርትራ በብእዋኑ ናብቲ ናይ በረኻ ብረታዊ ቃልሲ ዝውሕዝ መንእሰይ እናተበራኸተ ከይዱ። እዚ ደኣ ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ እቲ ቃልሲ ዝጀመረ ውድብ እውን ናይ ኣረኣእያ ለውጥታት እናተፈጠረ ስለዝኸደ ሓደ ግምባር ጀብሃ ኮይኑ “ሰልፊ ነፃነት” ብዝብል ሽም ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ሓደ ውዳበ ኣብ ከባቢ 1965 ዓ/ም ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ /ሻዕበያ/ ዝብል ሽም ዝሓዘ ዓርሱ ዝኸኣለ ካልእ ውድብ ድማ ፈጠረ።

ኤርትራ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እናሃለወት ንመንግስቲ ሃይለስላሴ ገልቢጡ ስልጣን ዝተረከበ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግ እውን እንተኾነ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞን ቃልስን ኤርትራ ኣብ ክንዲ ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ክፈትሕ ዝፅዕር ብሓይሊ ክጭፍልቕ ምንቅስቓስ ስለዘካየደ ሕቶ ነፃነት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዝገደደ መልክዑ ጫፍ ወፂኡ። ስለዝኾነ እውን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐድኒ እቲ ብዝተፈላለዩ ታሪኻዊ ኣጋጣሚታት እውን ኣብ ሜዳ ኤርትራ ንብሕቱ ዝተረፈ ድምፂ ነፃነት ህዝቢ ኤርትራ ዘስምዕ ሻዕብያ ተሰሊፉ ህይወት ልዕሊ 60 ሽሕ ምሩፃት ደቁ ከፊሉ ኣብ ጉንበት 1983 ዓ/ም ዓዱ ካብ ፀላእቱ ሓራ ኣውፂኡ። ነዚ ስዒቡ ኣብ 1987 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ሪፈረንደም ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ተፈልዩ”ዓርሳ ዝኸኣላት ነፃ ኤርትራ ክትህልወና ኢና እንደሊ” ስለዝበለ፣ ብገዛ ቃልሱን ድሌቱን ነፃ ሃገር ፈጠረ።

ይኹን ደኣምበር ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኩሉ መከራ ሓሊፉ፣ እቲ ኹሉ ህይወትን ዋጋን ከፊሉ ኣብ ዓለም ኤርትራ ዝብል ሽም ዘለዋ ሃገር ካብ ምፍጣር ወፃኢ እቲ ዝተመነዮ ሰላም፣ ልምዓት፣ ዲሞክራስን ፍትሕንስ ይትረፎ መፃኢ ሃገራዊ ህልውናኣ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝወደቐትን ፖለቲካዊ ነፃነታ ዝተመንጠለትን ኤርትራ ንምውናን ተገዲዱ። እዚ ስለዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ሓዲጉ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይብተን ኣሎ። ብኣውርኡ ድማ ቀፃሊ ዕድላቱ ተፀላሚቱ ይርአ ኣሎ። ነዚ ኩነታት ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ድምፆም ከስምዑ ዘይከኣሉ ልዕሊ 20 ዝበፅሑ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካን ካልእ ብርክት ዝበለ ቁፅሪ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ተዘሪኦም ተቓውመኦም የስምዑ ኣለው።

እዚ ንምንታይ ከምኡ ኮይኑ? ነዚ ኩነታት ንምፍታሕ ተቓወምቲ ውድባትን ህዝቢ ኤርትራን እንታይ ይሰርሑ ኣለዉ? ኣብ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዘለዉ ፈተናታት እንታይ እዮም? ነቶም ዕንቅፋታት ፈቲሖም ንቕድሚት ከሰጉም ዘኽእል ስብእና ኣለዎም ዶ? ብሓፈሸ እቲ ካብ እዋን ናብ እዋን ናብ ጫፍ ገደል እናቐረበ ዝኸይድ ዘሎ ህልውና ኤርትራ ብኸመይ እዩ ክፍታሕ?እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣሓት ህዝብታት / ኢትዮጵያን ኤርትራን/ ዘሎ ኩነታት ከ ናበይ ከምርሕ ይኸውን? ኣመራርሓ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝርዝር መብርሂ ሂቦምና ኣለዉ።

Map - Eritrea
Map – Eritrea

ፍረ ኣልቦ ቃልሲ ነፃነት ህዝቢ ኤርትራ

ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ንልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘበን ምእንተ ሰብኣዊ ክብሩን መሰሉን ዝገበሮ ኣዝዩ ነዊሕን ከቢድን ቃልሲ፣ ብሕልፊ ከዓ ኣብቲ ንልዕሊ 30 ዓመት ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ኣንፃር ፀላእቱ ሓርበኛዊ ተጋድሎ ብምክያድ ዓወት ኣመዝጊቡ እዩ፤ ነፃነት ኣምፂኡ። እዚ እንትኸውን ከቢድ መስዋእቲ እዩ ከፊሉ። ኣካሉ ዝጎደለ ተጋዳላይን ህዝብን ኤርትራ፣ ኣብቲ ኲናት ዝጠፍአ ንብረትን ጉልበትን እንተይፀብፀብካ ልዕሊ 60 ሽሕ ህይወት ተኸፊሉ። ግን እቲ ዝተኸፈለ ከቢድ መስዋእቲ፣ እቲ ዝተሓለፈ መሪር ህይወትን ከንቱ ኮይኑ። ሸቶ እቲ ቃልሲ ነቲ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ንምፍጣር ኣይነበረን። እቲ ህዝቢ እዚ ኩሉ ዋጋ ከፊሉ ብመዳይ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን መለክዕታት እንተተራእዩ ካብቲ ቅድሚ ነፃነት ዝነበረ እዋን ዝገደደ ኮይንዎ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ብረት ፖለተካዊ ስልጣን ተቖፃፂሩ፤ ኣብ ኮረቻ ስልጣን እውን ደይቡ። ክሳብ ሕጂ ድማ እታ ካብ በረኻ ዝመፃላ ባህሪ ሒዙ ይቕፅል ኣሎ። ሻዕብያ ካብቲ በረኻ ጀሚሩ ከበድቲ ፀረ ዲሞክራስያዊ ባህርታትን ተግባራትን እዮም ነይሮምዎ።ንዲሞክራሲ፣ ንኣፈላላይ ሓሳባት ብምይይጥን ምርድዳእን ንምፍታሕ እዝኒ ኣይነበሮን። እቲ ስርዓት ጨና ዲሞክራሲ ኣይነበሮን። ንኹሎም ጉዳያት ብብረት እዩ መልሲ እናሃበ መፂኡ። ነዚ ሓሳብ ዘጠናኽሩ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖለቲካን ፕሮፖጋንዳን ምክትል ኣቦ ወንበርን ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ድግሓኤ/ ዝኾኑ ኣይተ ተወልደ ገብረስላሴ”ንሕና ከም ውድብ ካብቲ በረኻ እውን ጀሚርና ኣፀቢቕና ስለእንፈልጦ ብዙሓት በደላት እዩ ዝፍፅም ነይሩ” እዮም ዝብሉ።

ሻዕብያ ንእሽተይ ንዝተጠርጠሮ ወይ እውን ፍልይ ዝበለት ሓሳብ ንዘቕረበ ሰብ እናረሸነ እዩ መፂኡ። ነዚ ተግባር ተባሂሉ ዝተመስረተ “ሓላዋ ሳውራ” ዝተብሃለ ኣወዳድባ ኣብ ትሕቲኡ ሓሙሽተ ቤት ማእሰርቲ ነይረምዎ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ይፍፀሙ ንዝነበሩ ግፍዕታት ዝዝርዝሩ ኣይተ ተወልደ፣ ናብቲ ቤት እሱር ዝኣትዉ ተኣሰርቲ ማይን ምግብን ይኽልከሉ ከምዝነበሩ፣ ንተኸታተልቲ መዓልትታት ከይደቀሱ ኣብ ቁሪ ደው ኢሎም ክሓደሩ ይግበሩ ከምዝነበሩ፣ ሽንቲ ከይሸኑ ይኽልከሉን ካብዚ ዝኸፍአ ድማ ሰውነቶም ብዝፈልሐ ዘይትን ሓውን ይቃፀሉ ከምዝነበሩ እዮም ዝገልፁ። ሻዕብያ በዚ ኩነታት ልዕሊ 3000 ሰባት ኣብቲ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ቀቲሉ እዩ ።

ካብ ከምዚ ዝበለ ውልቀ መላኽን ኣብ ልዕሊ ናይ ባዕሉ ኣባላት ግፍዒ እናፈፀመን ዝመፀ ስርዓት ጥዑይ ምሕደራ ፣ ዲሞራሲያዊ ዝኾነ ስርዓት ትፅቢት ክትገብር ኣይትኽእልን።ብዝኾነ መመዘኒ ንህዝቢ ክረብሕ ይኽእል እዩ ኢልካ እውን ኣይትግምትን።ኣይተ ተወልደ እውን”ንሕና ሻዕብያ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ ክተክል ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ካብ ቀደሙ ኣይነበረናን።ኣብ ኤርትራ ፀረ-ህዝቢ፣ ፀረ- ዲሞክራስን ዝኾነ ዓፋኒ ፅግዕተኛ ስርዓት እዩ ክትክል ዝብል እምነት እዩ ነይሩና። ከምኡ ከአ ኮይኑ። ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኩሉ መልክዓት ወፅዓታት እዮም ተጋሂዶም። ብሄራዊ፣ ደርባዊ፣ ፆታውን ሃይማኖታውን ወፅዓታት እዮም ኣብ ኤርትራ ተተኺሎም ዘለዉ። ኣብ ኤርትራ ጉዳይ ማዕርነት ፣ መሰል ምፅሓፍ ፣ ምውዳብ እሞ ይትረፍ መሰል ምዝራብ የለን። ሰባት ብጥርጣረ ፍርዲ ዘይብሉ ማእሰርቲ ይእሰሩ፣ ይንገላትዑ፣ ይቕተሉ ኣብ ኤርትራ። ካልእ ገዲፍና ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ስርዓት ዝነበሩ ኣካላት እኮ ብጥርጣረ ተኣሲሮም ሕጂ ኣበይ ከምዘለዉ አይፍለጡን።ብሓፂሩ ኣብ ኤርትራ ሕጋዊ ተሓታትነት ዘለዎ ስርዓት ስለዘየለ እቲ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ኩሉ ግፍዒ ከጋጥም ባህሪያዊ ገይርና ኢና ንወስዶ ንሕና” ብምባል እዮም እቲ ቀይዲ በተኽ ስርዓት ሻዕብያ ዘለዎ ምስልን ኣብቲ ህዝቢ ዘሎ ወፅዓን ዝገልፅዎ።

ኣብቲ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ብጉልበት እስሮኛታት ከምዝተሰርሐ ዝዝረበሉ ቤት ማእሰርቲ “ሓለዋ ሳውራ” ሕዚ “ትካል ብሄራዊ ድሕንነት” ዝብሃል ሽም ተቐይርሉ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ እቲ ዝለመዶ ግፍዒ ይፍፀመሉ ኣሎ። ካልእስ ይትረፍ ኣብ ቀደማይ ጉባኤ ሻዕብያ ኣባላት ፖሊት ቢሮ ካብ ዝነበሩ 13 ኣመራርሓ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ረመዳን መሓመድ ኑር፣ ዓሊ ስዒድ ዓብደላ፣ ዑቅበ ኣብርሃ፣ ስብሓት ኤፍሬም፣ ሃይለ ወልደትንሳኤ፣ ጴጥሮስ ሰለሙን፣ መሓመድ ስዒድ በርሀ፣ መስፍን ሓጎስ፣ ኢብራሂም ዓፋ፣ ኣልኣሚን መሓመድ፣ ብርሃነ ገ/ሔር፣ መሓመድ ኣሕመድ ሸሪፎ/ድሕሪ ዓወት እውን ላዕለወት ኣመራርሓ ሻዕብያ ኮይኖም ዝቐፀሉ/ መሓመድ ኣሕመድ ሸሪፎ፣ ዑቅበ ኣብርሃ፣ ብርሃነ ገ/ሔር፣ ጴጥሮስ ሰለሙንን ሃይለ ወልደትንሳኤን እቲ ኤርትራ ክትመሓደረሉ ዝረቐቐ ሕገ መንግስቲ ተግባራዊ ክኸውን ሕቶ ስለዘቕረቡ”ኣዲምኩም ተባሂሎም”ኣይተ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብቲ እሱር ቤት ካብ ዝዳጉኖም ከባቢ 15 ዓመት ኣሕሊፎም ኣለዉ።

ካብዚኦም ዑቅበ ኣብርሃን መሓመድ ኣሕመድ ሸሪፎን ብሕሱም ስቓይ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ዝፍለጥ እዩ። እኒ ሃይለ ወልደትንሳኤ፣ ብርሃነ ገ/ሔርን ጴጥሮስ ሰለሙንን ግን ዛጊድ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘለዉ ዝፈልጥ ሰብ የለን። መሰፍን ሓጎስ ካብቶም ሕቶ ዘቕረቡ ኣባላት ሓደ እዩ ነይሩ። ብምኽንያት ስራሕ ኣብ ወፃኢ ስለዝነበረ ካብቲ እሱር ኣምሊጡ ፖለቲካዊ ዕቑባ ሓቲቱ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ይነብር ኣሎ። ነዚ ከም ኣብነት ደኣ ኣልዓልና እምበር ኣብ ልዕሊ እቶም ካልኦት ንፁሃን ኤርትራውያን ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ግን ማእለያ ዘይብሉ እዩ።

ብሓፈሻ ነቲ ሕዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ህዝቢ ኤርትራ ነፃነት ንምምፃእ ዝኸፈሎ ዋጋ ፍረ ኣልባ እዩ ኮይኑ። ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ እቲ ኩሉ ዋጋ እንትኸፍል ምእንተ ዝበለፀ ሰላም ክረክብ፣ ኢኮኖምያዊ ተጠቃምነቱ ከረጋግፅ፣ ማሕበራዊ ህይወቱን ክብርታቱን ብዝበለፀ ከዕብይን ዴሞክራስያዊ ብዝኾነ መንግዲ ባዕሉ ንከምሓደርን እዩ ነይሩ ። ይኹን እምበር በዞም መለክዕታት እዚኦም እቲ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት እንተተራእዩ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝኸፍአ እዋን ከምዝኾነ ዝገልፁ ድማ ቃል ወሃብን ምክትል ወፃኢ ጉዳያትን ኣማኻሪ ኣቦ ወንበርን ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ኣይተ ነስረዲን ኣሕመድ እዮም።

ብመዳይ ፖለቲካ እንተርኢና፣ብመሰረቱ ኣብ ኤርትራ ስርዓት ዝብሃል ነገር የለን። ስርዓት እንተዘይሃልዩ ድማ ጥዕና ሓደ ስርዓት ኮነ ውድብ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ። ገባርን ሓዳግን፣ ጨፍጫፍን ዓፋንን እዩ ዝኸውን። መሓውራት መንግስቲ የለውን። እቲ ፈፃሚ ኣካል ናይ ባይትኡስ ናይ ሕጊ መውፅእስ ጠቕሊሉ ባዕሉ ይሰርሖ። ዝደለዮ ይገብር ማለት እዩ። ኣሳርን ፈራድን ባዕሉ እዩ ዝኸውን ። ነዚ ኩነታት መብርሂ ዘቕርቡ ኣይተ ነስረዲን”ኣብ ኤርትራ ፈፂሙ ሕጋዊ ተሓታትነት ዝብሃል ነገር የለን።እቲ መንግስትስ ይትረፍ እቲ ውድብ ባዕሉ እውን ጉባኤ ኣይገብርን እኮ። ገምጋም ዝብሃል ነገር የለን። ካብ ላዕሊ መምርሒ ይወርድ ፍተው ኣይትፍተው ትፍፅም።

መንግስቲ ምምራፅ ሕልሚ እዩ ኣብ ኤርትራ። ታሪኻዊ ትዕድልቲ ኮይኑ ህዝቢ ኤርትራ መንግስቲ መሪፁ ኣይፈልጥን። ብሄራዊ፣ ፆታዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ማዕርነት የለን። እቲ ዝኸፍአ ከዓ ፀገማትካ ተቓሊስካ እኳ ከይትፈትሕ መሰል ምፅሓፍ፣ ምውዳብ ሓሳብካ ብነፃነት ምግላፅ ዝብሃሉ ነገራት የለውን። ኣብ ኤርትራ ናይ ፕሬስ ነፃነት የለን። ፀገም ናይቲ ህዝቢ ከስምዓ ዝኽእላ ሚድያታት የለዋን። እተን ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ሚድያታት ድምፂ እቲ ስርዓት እየን ዘስምዓ። ዝተፈለየ ሓሳብ ዘለዎ ሰብ ኣብ ኤርትራ ቤት መእሰርቲ እዩ ዝፅበዮ። ይትረፍ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮይንካ ካብ ካልኦት ሃገራት እውን ጨውዮም እዮም ዝወስዱኻ። ብሓፂሩ ንኹሉ እናቐጥቀጥካ ብፍርሒ ሰጥለበጥ ኢሉ ክኸይድ ዝገብር ኣሰራርሓ እዩ ዘሎ ኣብ ኤርትራ” ይብሉ ኣይተ ነስረድን።

ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብመዳይ ቁጠባ እንተርኢናዮ እውን ተመሳሳሊ እዩ ዝብሉ እቶም ቃል ወሃብን ምክትል ወፃኢ ጉዳያትን ኣማኻሪ ኣቦ ወንበርን ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዝርዝር መርትዖታቶም እንተቕርቡ፣ “ኣብቲ ህዝቢ ኣዝዩ ክፉእ መነባብሮ እዩ ዘሎ። ሰፊሕ ፀገም ናብራ ኣሎ ኣብ ኤርትራ። እቲ ህዝቢ ንባኒ እኳስ ብኩፖን እኮ እዩ ዝወሃቦ። ባኒ ክበልዕ ተሰሊፉ ይውዕል ህዝቢ ኤርትራ። እዚ እቲ ስርዓት ካብ ዝኽተሎ ግጉይ ፖሊሲ እዩ ዝብገስ። ብመሰረቱ ሻዕብያ ዝፍለጥ ናይ ኢኮኖሚ ፖሊሲ እውን የብሉን።ሕርሻ የለን፤ ኢንዳስትሪ የለን፤ ካልኦት ፍልፍል ቁጠባ ክኾኑ ዝኽእሉ ዓውድታት የለውን። እዚ እንተዘይሃልዩ ከዓ ብዛዕባ ኢኮኖሚ ሓደ ሃገር ክትዛረብ ኣይትኽእልን። ኣብ ርእሲ እዚ ነቲ ዝርካቡ ሃፍትን ጉልበትን እቲ ሃገር እቲ ስርዓት እዩ ዓፍጢጡ ሒዝዎ ዘሎ። ካብዚ ብተወሳኺ እቲ መንግስቲ ከም ዘይሕጋዊ ውልቀ ነጋዳይ ናይ ኮንትሮ ባንድ ስራሕ እዩ ዝሰርሕ። ካብ ሱዳን ብዙሕ ሽኮር፣ ኣጣል፣ ኣባጊዕ፣ ኣግማል ብኮንትሮ ባንድ ናብ ኤርትራ የእቱ። ካብ ኢትዮጵያ እውን ቡን፣ ሰሊጥ፣ ኣግማልን ካልኦት ዓይነታት እኽሊ የእቱ እዩ።

ነዚ ብባፅዕ ኣቢሉ ናብ ወፃኢ ሰደድ ይገብሮ። ምስ ኢትዮጵያ ኣብ 1990 ዓ/ም ዘበኣሰ እውን እኮ ሓደ ንሱ እዩ፤ ስቕ ኢልካ እዩ መሬት ገለ መለ ዝብሃል እምበር። ብሓፂሩ እቲ መንግስቲ ኣብ ስርቅን ኣብ ኮንትሮ ባንድን ስራሕቲ እዩ ተዋፊሩ ዘሎ። እዚ ባዕሉን ውሕዳት መገልገልትን እቲ ስርዓት እዮም ዝጥቀምሉ። ኣብቲ ሃገር ዘለዋ ትካላት ይኹና ካልእ መዓድናት ዋንነቱ ናይቲ መንግስቲ እዩ። መሬት ናይ መንግስቲ እዩ፤ እንተደልዩ ይሸጦ እንተደልዩ ይልውጦ። እዚ ስለዝኾነ እቲ ገዛኢ ደርቢ ፅቡቕ እዩ ዘሎ። እዚ እንትገብር እቲ መንእሰይ ሓይሊ ከዓ ሰሪሑ ህይወቱ ከይልውጥ፣ ሕብረተሰቡን ሃገሩን ከየማዕብል ኣብ ወታደራዊ ግልጋሎት እዩ ዳጕንዎም ዘሎ። እዚ ኩሉ ኩነታት ተደሚሩ ኢኮኖሚ እቲ ሃገር ኣዝዩ ተደቚሱ ኣሎ፤ ህዝቢ ከዓ ብኡ ልክዕ ናብራ ከቢድዎ ኣሎ። ስለዝኾነ እዩ ክዓ ህዝቢ ኤርትራ ሞት እናረኣየ እግሩ ናብ ዝመርሖ እናተሰደ ፈቖዶ ባሕርን በረኻን ዝመውት ዘሎ።

ብማሕበራዊ ሸነኽ ክንሪኦ እንተለና ድማ ዝገደደ እዩ። ብመሰረቱ እቲ ማሕበራዊ ኩነታት ካብቲ ኩነታት ኢኮኖምን ፖለቲካን ስለዝቕዳሕ ብመዳይ ፖለቲካን ኢኮኖምን ኣብ ዝኸፍአ ብርኪካብ ዘላ ኤርትራ ማሕበራዊ ህይወት እቲ ህዝቢ ዝሕሸ ክኸውን ኣይትፅበን ኢኻ። ኣብ ኤርትራ ትምህርቲ የለን። ኮለጃት፣ ዩንቨርስትታት የለዋን። ትምህርቲ እንተዘይሃልዩ ድማ ትካላት ጥዕና ፣ መንገዲ፣ መብራህቲ፣ ማይ ወዘተ ክህሉ ኣይትፅበን ኢኻ። ብመዳይ ሕክምና እንተርኢና ኣብ ኤርትራ እቲ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ኣብ ሱዳን ከይዱ እዩ ዝሕከም። ብፍላይ እቶም ላዕለዎት ኣገልገልቲ እቲ ስርዓት ኣብ ወፃእ ከይዶም እዮም ዝሕከሙ። ምኽንያቱ ካብቲ ድኻ ሕብረተሰብ በትን በትን ኣቢሎም ዘዋህለልዎ ሃፍቲ ኣለዎም። እቲ ድኻ ግን ሓሚሙ ይመውት።

ብድምር ግን እቲ ሕብረተሰብ ማሕበራዊ ህይወት ክሰርዕ ኣይከኣልን እዩ። ኣብቲ መንግስቲ ብናፃ ናይ ባርነት ስራሕ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። መናእሰይ ዕድላቶም ፀልማት እዩ። ብሕልፊ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ከዓ ዝበኣሰ ህይወት ኣለወን። ኣብ ናይ ባዕለን ህይወት ባዕለን ክውስና ዝኽእላ ኣይኮናን። ንሰን እውን ከም ሃገረን ኣብቶም ማዕስከራት እንድየን ዘለዋ፤ አብ ልዕሊኤን ግህሰት ይፍፀመለን ኣሎ። ካብታ ወተሃደራዊ ካምፕ ጀሚረን ወታደራት እቲ ስርዓት ይጫወቱለን። መዓት ዘይተዓደለየ ጥንስን ሕርስን እዩ ዘጋጥመን። ንተላጋብቲ ሕማማት እውን ይቃልዓ ኣለዋ። ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ዝፍፀም ግፍዒ ብጣዕሚ ዘስካሕክሕ እዩ። መፃኢ ሓዳር፣ ህይወት ሰሪዐን፣ ትምህርተን ማዕቢለን፣ መፃኢ ዕድለን ክመርሓ ኢልካ ትፅበዮ ነገር ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ከም ህዝቢ እውን ኩሉ ማሕበራዊ ክብርታቱ ተመንጢሉ እዩ። እዚ ስለዝኾነ እዩ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ሓዲጉ ዝኸይድ ዘሎ።እታ ዘላቶ ዕድል ተሰዲዱ ምምላጥ እያ። ንሳ እያ ናቱ ተቓውሞ እምበር ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተቓውምኡ ክገልፅ ዘኽእሎ ባይታ የለን” እዮም ዝብሉ ኣይተ ነስረድን።

ዳግመ ሃገራዊ ባርነትን ፖለቲካዊ ተነፅሎን ዝወለደ ተናኻሳይ ባህሪ ሻዕብያ

ኣብ ውሽጡ ፀረ- ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት፣ ዲሞክራሲያዊ ዝኾነ ኣሰራርሓን ስርዓትን ዘይብሉ መንግስቲ ኣብ ከባቢኡ ምስ ዘሎ ህዝቢ ብሰላም ሓቢርካ ናይ ምንባር ፖሊሲ ክመርፅ ትፅቢት ኣይትገብርን። ምስ ጎረባብቱ እናተተናኾየ ፀላኢ ዝብሃል ሓይሊ ይፈጥር። በዚ ኣቢሉ ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ውሽጡ ኮይኑ ዝብድሎ ዘሎ ስርዓት ዝቃለስ ቆላሕትኡ ንደገ ክኸውን ይገብር። መንግስቲ ሻዕብያ እዚ እዩ ዝገብር ዘሎ።ኣብ ኤርትራ ስልጣን ካብ ዝሓዘላ መዓልቲ ጀሚሩ ዘይተተናኾያ ጎረቤት ምርካብ ኣይክኣልን። ብፀላእነት ዘይተመደበ ምዕራባዊ ሃገር እውን የለን። መንግስቲ ሻዕብያ ንህዝቢ ኤርትራ ወግሐ ፀብሐ ኢትዮጵያን ምዕራባውያንን ኤርትራ ንምሕማስን ንምጥፋእን ድቃስ ከምዘይብለን እዩ ብተደጋጋሚ እንትገልፅ እንሰምዕ። ነቲ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ፀገም እውን ንኻልኦት ሃገራት እዩ ተሓተቲ ዝገብር።

መንግስቲ ሻዕብያ ንፈለማ እዋን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ የመን እዩ ኲናት ከፊቱ። እዚ ንምግባር ሻዕብያ እቲ ትምክሕተኛን ተናኻሳይ ባህሩን ስለዘገገደዶ እምበር ህዝብን መንግስትን የመን ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝነበረ ዝዛረቡ ቃል ወሃብን ምክትል ወፃኢ ጉዳያትን ኣማኻሪ ኣቦ ወንበርን ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ኣይተ ነስረድን ኣሕመድ ብሕልፊ ነቲ ኤርትራዊ ዓፋር ከዓ እዚ ኩነታት ዙርያ መለሽ በሰላ ከምዝፈጠረሉ እዮም ዝገልፁ። ድሕሪ እዚ ምስ ጅቡቲ፣ ምስ ሱዳን ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዉ ህዝቢ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኲናት ኣዊጁ። እዚ ተግባሩ ኣብ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጠሮ ፅልዋ ዝፍለጥ ኮይኑ ብፍላይ ነቲ ኤርትራዊ ዓፋር ግን ምስ ኩለን ብጉርብትናን ሕውነትን ዝራኸቦም ዝነበረ ህዝቢ ስለዝፈለዮን መእተውን መውፅእን ስለዘስኣኖን ድርብ ወፅዓ ኮይንዎ ከምዘሎ እዮም ዝገልፁ።

መንግስቲ ሻዕብያ ሕዚ እውን እንተኾነ ብብርኪ ዓለም ብተግባር ግብረ ራዕዲ ምስ ዝተመደቡ ጉጅለታት ብምትሕብባር ብሕልፊ ነዚ እንርከበሉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንምሕማስ ዝለዓለ ፃዕሪ ይገብር ኣሎ።ብተግባር ግብረ ራዕዲ ምስ ዝፍለጥ “ኣልሸባብ” ዝተብሃለ ጉጅለ ሓቢሩ ከምዝሰርሕ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብተግባር ብዙሕ ግዘ ዘረጋገፆ ሓቂ እዩ። ሶማልያ ንምሕማስ ብገንዘብ፣ ብሓሳብን ናውትን ካብ ምሕጋዝ ሓሊፉ ናብ ሶማልያ ወታደራት ልኢኹ ንኣልሸባብ ብተግባር ይሕግዝ። ብኣውርኡ ከዓ ንዜጋታቱ ብፀረ ዲሞክራሲ ዓፊኑ ይገዝኦም ከምዘሎ ስለዝተኣመነ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ 2009 ዓ/ም/ፈ ኣፅዋር ከይገዝእ፣ ካብ ኤርትራ እውን ዝኾነ ዓይነት መሳርሒ ኲናት ንደገ ከይወፅእ ማዕቀብ ከምዘንበረሉ ዝፍለጥ እዩ።

ይኹን እምበር ባህሪ እቲ ስርዓት ንምምሕያሽ ዝዕድም ስለዘይኮነ ክምሃር ኣይክኣለን። ሕዚ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ይፍፅም ኣሎ፤ ነቲ ከባቢ ንምትርማስ ዝገብሮም ፃዕርታት እውን ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ኣሎ። ናይዚ መቐፀልታ ኣብቲ ዝሓለፍናዮ ወርሒ መጋቢት 2017 ዓ/ም/ፈ ካብ ሰሜን ኮርያ ናይ ውግእ ራድዮ ገዚኡ ናብ ሃገሩ ከእትው ስለዝተረኸበ መንግስቲ ኣሜሪካ ምስቲ መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ረኽቢ ሓይሊ ባሕሪ ንከይህሉ ዝኽልክል ተወሳኺ ማዕቀብ ኣንቢርሉ ኣሎ።

ብድምር መንግስቲ ሻዕብያ በቶም ዝኽተሎም ዘሎ ዝተዛብዑ ተግባራት ካብ ዓለም ዝተገለለ ሽፍታ መንግስቲ እዩ። ምስ ዝኾነት ንህዝባ ዝረብሕ ፖሊሲ ዘለዋ፣ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ዝመስረተት ሃገር ዝምድና የብሉን። ካብ ኩሎም ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ፖለቲካዊ ውዳበታት ግሉል እዩ። ካብ ኢጋድ ጀሚሩ ክሳብ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኣውሮፓ ሕብረት ይኹን ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ባዕሉ እቲ ስርዓት ኩሉ ግዜ ብፀላእነት ዘቐመጦም ውዳበታት እዮም። ብሓፂሩ ዓለም ለኻዊ ፖለቲካዊ ተነፅሎ ዝገጠሞ መንግስቲ እዩ። እቲ ስርዓት ካብ ዓለም ጥራሕ እውን ዘይኮነስ በቲ ዝኽተሎ ዘሎ ስሑት ፖሊሲ ካብ ህዝቡ እውን ዝተነፀለ ስርዓት ምዃኑ ዝገልፁ ድማ ኣቦ ወንበር ውድብ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ /ሕድሪ/ ኣይተ ገ/ሚካኤል ኣስካለ እዮም። ኣይተ ገ/ሚካኤል ናይዚ መግለፂ እንትዝርዝሩ፣ “እቲ ህዝቢ ብዝረኸባ ኣጋጣሚ ካብቲ ስርዓት በብእዋኑ የምልጥ ኣሎ። ሃገሩ ገዲፉ ይስደድ ኣሎ።

ኣብቲ ዝተሰደተሉ ሃገር ኮይኑ እውን ተቓውምኡ የስምዕ ኣሎ። ካልእ ይትረፍ እቲ ስርዓት ኣብቲ ምክልኻል ሃገር እውን ተቐባልነት የብሉን። እዚ ስለዝኾነ ኣባላት እቲ ምክልኻል ሃገር እውን ነቲ ስርዓት እናራሕርሑ ናብ ኢትዮጵያ በብመዓልቱ ይመፁ ኣለዉ። እቲ ዝተረፈ እውን ነንባዕሉ ኣተኣሳሲሩ ክትሓላሎን ክጠማመትን ስለዝገበሮ እምበር ነቲ ስርዓት ደጊፉ ኣይኮነን ዝነብር ዘሎ። ብሓፈሻ እቲ ሰራዊት ምክልኻል ከም ሓደ ብቑዕ ሓይሊ ጌርካ እትወስዶ ኣይኮነን። ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ብሞራል ተዳኺሙ እዩ ዘሎ። ናይ ምውጋእ ሞራል የብሉን። ካብዚ ሓሊፉ ስቕ አልካ እዩ እቲ ናይ ቀደም ናይ ሰራዊት ኣፀዋውዓን አወዳድባን ኣሽማት ዘሎ እምበር ሓይሊ ሰብ እውን የብሉን። ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ዝተረኸበ እውን መብዛሕትኡ ብዕድመ ዝደፍአ እዩ። ምኽንያቱ እቲ መንእሰይ በብእዋኑ እናጠፍአ ይወፅእ ኣሎ።

እዚ እንትኸውን ነቲ ስርዓት ዝድግፉ ገለ ኣካላት ግን የለውን ማለት ኣይኮነን። እዚኦም እቶም ዝበዝሑ ብምኽንያት ዘለዎም ሓላፍነት ተጠቀምቲ ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ እዮም። ካብዚ ብተወሳኺ ነቲ ስርዓት ዘይፈትውዎ ግን ከዓ ብስግኣት እቲ ስርዓት እንተወዲቑ ኣብቲ ሃገር ዝገደደ ሕምስምስ ክፍጠር እዩ። እዛ ሃገር ዓዲ ፈጠርቲ ራዕዲ ክትከውን እያ ኢሎም ተቓውሞ ዘይመርፁ ኣካላት ኣለዉ። እዚኦም ክልቲኦም ጉጉያት ኣረኣእያታት እዮም። ህዝቡ እናረገፈ፣ ሃገሩ ናብ ቀልቀል ገደል እናምርሐት እናረአየ ምእንተ ግዝያዊ ውልቃዊ ጥቕሙ ክብል ነቲ ስርዓት ዝድግፍ ዘሎ ብታሪኽ ተሓታቲ ክኸውን እዩ። እቲ ድሕሪ ሻዕብያ ዝገደደ እንተመፀኸ ኢሉ ዝሰግእ እውን፣ ካብ ሻዕብያ ኣዕርዩ ዝበለፀ እምበር ካብ ሻዕብያ ዝኸፍእ ኩነታት ክፍጠር ከምዘይኽእል ክኣምን ኣለዎ።

ብመሰረቱ ሻዕብያ ካብ ምውዳቑ እውን ዓዲ ኣይውዕልን። ናይ ግድን ክወድቕ እዩ። እዚ ክሳብ ዝኸውን ግን ካብ እዋን ናብ እዋን ነታ ሃገር ሒዝዋ ይመውት ኣሎ። ስትራተጂካዊ ረብሓ እቲ ሃገር ናብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኩነታት የምርሖ ኣሎ። ምኽንያቱ እቲ ስርዓት ጉዳይ ሃገር፣ ጉዳይ ህዝቢ፣ ጉዳይ ቀፃሊ ህልውና እቲ ሃገርን ህዝብን ኣይእንታዩን። ንሱ ዝርኢ ነታ ሕጂ ዘላ ሰልጣን ከመይ ኢላ ትቐኒ ጥራሕ እዩ። ስለዝኾነ እውን ቀፃሊ ህልውና ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ስራሕቲ ይሰርሕ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ብቐፃሊ ኣኽራሪ እስላማዊ ስርዓት ክፍጠር ዝደልዩ ሓይልታት ኣብቲ ሃገር ኢዶምን እግሮምን ምስ አእተዉ ዘይወፅሉ ኩነታት ክፈጥር ዘኽእል ባይታ የመቻቹ ኣሎ።

ብሓፂሩ ኤርትራ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሃገራዊ ነፃነት ዘለዋ ዓዲ ኣይኮነትን። ዳርጋ ብሞግዚትነት ካልኦት ዓድታት እትመሓደር ዘላ ሃገር እያ። እዚ ድማ እናኸፍአ እዩ ዝኸይድ ዘሎ እምበር ክሕሽ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ኣይግመትን። ምኽንያቱ እቲ ስርዓት ብባህሪኡ ግዝያዊ ህልውንኡ ንምርግጋፅ ክብል ዋላ ምስ ሰይጣን እውን ክዓርኽ ዝኽእል ባህሪ እዩ ዘለዎ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ከዓ ክቕኒ እውን ኣይኽእልን። ምስ ኢትዮጵያ ዝኽተሎ ስርዓት እውን ተመሳሳሊ እዩ። ንኢትዮጵያ ክሕምሱለይ ይኽእሉ እዮም ምስ ዝበሎም ሓይልታት ዋላ ምስቶም ህልውና ኤርትራ ዘይቕበሉን ህዝቢ ኤርትራ ትማሊ ብኲናት ምስዝሰዓሮም ሓይልታት እውን ሓቢሩ እንትሰርሕ ንርኢ ኣለና። ስለዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከዓ እቲ መንእሰይ ነዚ ኩነታት ብዝግባእ እዩ ክርድኦን መፍትሒ እውን ክእልሸሉን” ዝግባእን ይብሉ።

ሃገራዊ ድሕነት እዋናዊ ዋኒን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ!

ሻዕብያ በቶም ዙርያ መለሽ ምግባረ እከይ ተግባራቱ ካብ ዓለም ዝተነፀለ መንግስቲ እዩ። ኣብ ሃገሩ እውን እንተኾነ ካብቲ ምክልኻል ሃገር ጀሚሩ ህዝባዊ መሰረት የብሉን። ብሕልፊ እቲ መንእሰይ ወለዶ ከኣ በብእዋኑ ካብቲ ሃገር ወፂኡ ይውዳእ ኣሎ። ብድምር ሻዕብያ ውሽጣዊ ዓቕምታቱ ዝተዘቖቐ ጉጅለ እዩ። እዚ ኮይኑ እውን ግን መንግስቲ ኮይኑ ይቕፅል ኣሎ። ኣብ ህዝቡ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ይፍፅም ኣሎ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ መፃኢ ዕድል እታ ሃገር ካብ እዋን ናብ እዋን የወሳስቦ ኣሎ። ነቲ መፃኢ ወለዶ ከቢድ ዕዳ የሸክሞ ኣሎ።”እዚ ንምንታይ ኮይኑ? እንተይልና ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ሓደ ኮይኖም ነቲ ህዝቢ ኣብ ጎኖም ኣሰሊፎም ኣንፃር እቲ ስርዓት ሓበራዊ ድምፂ ከስምዑ ስለዘይክኣሉ ጥራሕ እዩ” ይብሉ ኣቦ ወንበር ኤርትራ ዲሞክራስያዊት ኪዳንን ኣቦ ወንበር ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራን /ድግሓኤ/ ኣይተ ጀማል ሳልሕ።

ፖለቲካ ሓንቲ ሃገር ካብቲ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ጭቡጥ ባይታ እዩ ዝቕዳሕ። እቲ ውሁብ ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን ፖለቲካውን ኩነታት መሰረትን ምስልን ኩሎም ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት እዩ። እዚ ስለዝኾነ እውን እዩ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዘካይድዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ካብቲ ሻዕብያ ሕልኽልኽ ዘበሎ ዙርያ መለሽ ኩነታት ኤርትራ ወፂኦም ንቕድሚት ክኸዱ ዘይከኣሉ። እቲ ስርዓት ዝፈጠሮ ድምር ፀገም ከም ፀጋ ተጠቒሞም ነታ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ሓበራዊ ቃልሲ ኣብ ክንዲ ዘካይዱ ኣብቲ ንሱ ዘወሳሰቦን ኣብ ሕድሕዶም ዝፈጠሮ በሰላን ተሸሚሞም ነቲ ፍታሕ ዝፅበ ህዝቢ ተስፋ መቑረፅቲ ኮይኖም ዘሊቖም ኣለዉ። እዚ ውፅኢት ሻዕብያ እዩ። ንቕድሚት እውን እንተኾነ እዚ ስርዓት ዝፈጠረሮም በሰላታት ካብ ሓያልን በሊሕን ፃዕሪ ወፃኢ ንምስትኽኻሎም ቀለልቲ ኣይክኾኑን፡

ዛጊድ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሻዕብያ ተወዲቦም ዝቃወሙ 21 ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣለዉ። ካብዚኦም ገሊኦም ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘለዎም እውን እዮም። እዚ ኮይኑ እውን ግን ፈለማ ኤርትራ ትድሓን፣ እቲ ህዝቢ ካብ ፀገም ነድሕኖ እሞ ኣብ ኤርትራ ንዝትከል ስርዓት ግን ደሓር ህዝቢ ዝውስኖ ክኸውን እዩ ኢሎም ስትራተጂካውን ስልታውን ምሕዝነቶም ነፂሮም ኣብ ምቅላስ ፀገማት ኣለዉዎም። ከምቲ “ጤል ቅድሚ ምዕዳጋስ ብኣበይ ክትእሰርያ ሰብኣይን ሰበይትን ተባኢሶም” ዝብሃል ምስላ፣ ድሕሪ ውድቀት ሻዕብያ ክተኽልዎ ብዛዕባ ዝደልዩ ስርዓት ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ስርዓት ይዋጠጡ። ሃይማኖታዊ ስርዓት ክምስርቱ ዝደልዩ፣ ሃይማኖትን መንግስትን በበይኖም እዮም ኢሎም ዝኣምኑ፣ ልምዓታዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክሃንፁ ዝደልዩ፣ ሊብራል ስርዓት ክኽተሉ ዝደልዩ፣ ኣሃዳዊ ስርዓት ክምስርቱ ዝደልዩን ንመሰል ብሄር ብሄረሰባትን ኣፍልጦ ዘይህቡን ብኣንፃሩ ድማ ሕገ መንግስቲ እቲ ሃገር ክሳብ ምግንፃል እውን ዝፈቅድ ክኸውን ከምዘለዎ ዝኣምኑ ውድባት ኣለዉ።

እዚ እንትብሃል ተሓባቢሮምን ተቐራሪቦን ዝሰርሑ ውድባት የለውን፤ ዕላመኦም ንምቅርራብን ናብ ሓደ ንምምፃእን ዝሰርሑ ውደባት የለውን ማለት ግን ኣይኮነን።ንኣብነት ኣብዚ ፅሑፍ ዕዱማትና ዝገበርነዮም ውድባት ናይ ዕላማ ኣፈላላይ ኣይረኸብናሎምን። ንሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣቐዲሞም መልሲ ክህቡ ከምዝግበኦምን ሓበራዊ ቃልሲ ከካይዱ ከምዝግባእን ይኣምኑ። ናይቶም ውድባት እምነታትን ክብርታትን እውን ሓደ ዓይነት እዮም። ንስርዓት ህግደፍ ኣወጊዶም ዲሞክራያዊ ስርዓት ምትካል ናይ ኩሎም ባህጊ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ መንግስቲሻዕብያ፣ ንክብርን ነፅነትን ኤርትራ ዝግህሱ ናይ ደገ ሓይልታትን ተረፍ መረፍ ናይ መስፍናዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ሓይልታትን ስትራተጂካዊ ፀላእቶም ገይሮም ይወስዱ። ስለዝኾነ እውን ነዞም ሓይልታት እዚኦም ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣጠቓላሊ ሓይሊ ሚዛን ፈተውቲ እቲ ቃልሲ ኣብ ጎኖም ክዓስሉ ከምዝሰርሑ እዮም ዝገልፁ።

ኣቦ ወንበር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ኣቦ ወንበር ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራን /ድግሓኤ/ ኣይተ ጀማል ሳልሕ እምነት ውድቦም ድግሓኤን ኣብ ትሕቲ እቲ ብኣቦ ወንበርነት ዝመርሕዎ ኪዳን ዘለዋ ትሸዓተ ውድባትን ብዙሕ ዘረሓሕቕ መስመር ከምዘይብለን እዮም ዝገልፁ። “እቲ ኣብ ኤርትራ ክንተኽሎ እንደሊ መስመር ህዝባውን ዲሞክራሲያውን መስመር ክኸውን፣ ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ስርዓት ክትከል፣ ህዝባዊ ስርዓት ክንብል ከለና ድማ ፌደራላዊ ስርዓት መንግስቲ ማለት እዩ፤ ምኽንያቱ ኤርትራ ናይ ብዙሓት ሃገር እያ። ዝተፈላለዩ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዘለዋ ሃገር እያ። ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት እውን ኣለውዋ።

ስለዚ እቲ ክንተኽሎ እንደልዮ ስርዓት ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኮይኑ ፓርላሜንታዊ ስርዓት እዩ ክኸውን። ካብዚ ብተወሳኺ ብውሳነ ህዝቢ ዝኣምን ስርዓት ኢና ክንምስርት ኣብ ኤርትራ። መሰል ዓርሰ ውሳነ ዜጋታት ዘኽብር ሕገ-መንግስቲ ክጣየሽ ኢና ንስርሕ ዘለና። ካልኣይ ውልቃውን ጉጅለኣውን መሰል ዘኽብር ስርዓት ክንምስርት ኢና ንቃለስ ዘለና። ኣብ ቁጠባዊ ፖሊሲና ኣብ ክሊ ርእሰ ማልነት ዝህነፅ ነፃ ዕዳጋ ክንእውጅ ኢና። ሓፋሽ ህዝቢ በቢደረጁ ተጠቃሚ ዝገብር ፖሊሲ ቁጠባ ኢና ክንኽተል። መሬት እውን ካብ ኢድ መንግስቲ ኣውፂእና ሓበራዊ ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ክንገብሮ ኢና። መሬት ክሽወጥ ክልወጥ የብሉን ዝብል ፅኑዕ ቅዋም እዩ ዘለና” ይብሉ።ኣይተ ነስረድን ኣሕመድ፣ ኣይተ ተወልደ ገ/ስላሴን ኣይተ ገ/ሚካኤል ኣስካለን ዝሃቡና ሓሳብ እውን ተመሳሳሊ እዩ።

ይኹን እምበር እዚ መንፈስ ናይ ኩሎም ውድባት ኣብ ምግባር ዓበይቲ ሕፅረታት ከምዘለውዎም ድማ እቶም ኣመራርሓ ብኣንደበቶም ዝገልፅዎን በቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ተግባራዊ ምንቅስቓስ እውን ምርግጋፅን ዝክኣል እዩ። እቶም ክሳብ ሕጂ ዘካየድዎም ተተደጋገምቲ ናይ ሓባር መድረኻት ናብ ሓደ ኣየምፅእዎምን። ስለዝኾነ እውን እቲ ቃልሶም ዝተበታተነን ኣብቲ ስርዓት ፅዕንቶ ዘይፈጥርን ኮይኑ ይቕፅል ኣሎ።

ኣይተ ጀማል ሳልሕ ነዚ ኩነታት ከምዝስዕብ እዮም ዝገልፅዎ። እቲ ቃልስና ንምንታይ

እዩ ዓንቀፍቀፍ ዝብል ዘሎ? ንምንታይ እዩ ተጠናኺሩ ንቕድሚት ዘይኸይድ ዝብል ገምጋም ነካይድ ኢና። ብርግፅ ምስቶም ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ኣብዚ ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ብርኪ ምርድዳእ ንምብፃሕ እውን ድሕሪ ነዊሕ ፃዕሪ ዝረኸብናዮ ዓወት እንድዩ፣ ግን ኣብቶም ገምጋማትና እንሪኦምን ብተግባር እውን ፈተና ኮይኖምና ዝዘልቁ ዘለዉን እቶም ውድባት ሃገራዊ ፕሮግራም ደኣ እዩ ዘለዎም እንበር ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ፕሮግራም ዝሓዙ ኣይኮኑን።

ገሊአን ፖለቲካዊ ውድባት ድማ ውልቃውን ጉጅለኣውን ረብሓአን ዘቐድማ እየን። ውልቃውን ጉጅላውን ረብሓ ተቐድም እንተኾይንካ ከዓ ዲሞክራሲያዊ ሓድነት ክሰፍን ኣይኽእልን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ጐዲእዎ እዩ። ነቲ ዘሎ ፀረ-ዲሞክራሲ ዝኾነ ስርዓት ክምክታ ኣይከኣላን። እዚኣ ክሳብ ሕዚ ተሳቕየና ዘለና ጉዳይ እያ። እዚ ስለዝኾነ እዩ እምበር ህዝቢ ኤርትራ ደኣ ንሻዕብያ ፈትይዎ እኮ ኣይኮነን። ኣባና ድኽመት ስለዘሎ እዩ ኣብ ጎንና ክዓስል ዘይክኣለ። ንባዕልና ዝትበታተና ስለዝኾና ምስመን ኮይኑ ከምዝቃለስ ፀጊምዎ እዩ እምበር ህዝቢ ድኣ ኣይ ኣብ ስደትን ማዕስከራትን እንድዩ ብፀገም ዝነብር ዘሎ። ይሳቐ ይመውት እንድዩ ዘሎ። እቲ ህዝቢ ካብቲ ከምዚ ዝበለ ፀገም ክወፅእ ይደሊ እዩ። ክወፅእ እንተኾይኑ ድማ ምስ መንግስቲ ሻዕብያ ኮይንካ ከምዘይክኣል ብዝግባእ ተረዲእዎ ዝሓደረ ጉዳይ እዩ።

ብርግፅ ብመንፅር ዝሓለፈ ተመክሮ ክርአ እንተሎ ብዙሓት ውድባት ፅቡቕ ከይደን ነይረን እየን። ይኹን እምበር ከምቲ አቐዲመ ዝገለፅክዎ እቲ ምንቅስቓስ ዝረብሕ ኣይኮነን። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ንኩለን ተቓወምቲ ውድባት ኣተሓባቢሩ ክመርሕ ተልእኾ ዝተውሃቦ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ነቲ ዝተውሃቦ ተልእኾ ብኣግባቡ ክሰርሕ ብዘይምኽኣሉ ዝተፈጠረ ፀገም እዩ። እቲ ኣብዚ ዝነበረ ፀገም ሕዚ ገምጊምናዮ ኣለና፤ እቲ ባይቶ እንትፍጠር ንፁር ዝኾኑ ተልእኾታት ኣብ ምሃብ ፀገማት ከምዝነበሩናን ናይቲ ባይቶ ምድኻም ምኽንያት እውን ንሱ ምዃኑ ተረዳዲእና ኢና። ስለዚ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ባይቶ ኣኼባ ከካይድ እዩ። ነዞም ፀገማት ፈቲሑ እውን ተጠናኺሩ ክወፅእ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ” ይብሉ።

ንሓሳብ ኣይተ ጀማል ዘጠናኽሩ ኣይተ ነስረድን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዘለወን ኩሉ ኣፈላላይ ኣፅቢበን ፈለማ ኣብቲ ኣብ ህልውና ኤርትራ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ስርዓት ክረባረባ ከምዝግባእን እዚ ድማ ከምዝገብራን እዮም ዝገልፁ። እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ይብሉ ኣይተ ነስረድን፣ ኣብ ኤርትራ ሕማቕ ነገር ክፍጠር እዩ። ፈለማ እቲ መንግስቲ ናይ ሓደ ለይቲ ዕድመ ብዝወሰሸ ቁፅሪ ነታ ሃገር ናብ ዝገደደ ዝተሓላለኸ ኩነታት ይወስዳ ኣሎ። ኤርትራ ነፃ ሃገር ምዃና ተሪፉ ብኢድ ኣዙር ካልኦት ሃገራት እትመሓደር ሃገር ክትከውን እያ። ካብዚ ብተወሳኺ ድማ እቲ ስርዓት ምውዳቑ ኣይተርፎን። እዚ እንትኸውን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ሃገር ከምርሕ ዘኽእል ሓድነትን ፖለቲካዊ ቁመናን ወኒነን እንተዘይፀኒሐን ኣብ ኤርትራ ኣልባ መንግስትነት እውን ክፍጠር ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ህዝቢ ኮነ ነቲ ድምር ሓይሊ ኣተሓባቢሩ ክምርሕ ዝኽእል ሓይሊ የለን። ስለዚ በዚ ኣጋጣሚ እውን ነዚ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲና ክንሰርሕ ንኩሎም ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኮነ ንህዝቢ ኤርትራን ሓውን ፈታውን ህዝቢ ኤርትራን ፃውዒተይ ከቕርብ ይደሊ” ይብሉ።

ድሕነት ኤርትራ ዝፅበ ተስፋ ሕውነትን ረብሓን ክልቲኡ ህዝቢ

ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ሓደ ህዝቢ እዮም። ክልቲኦም ህዝቢ ናይ ነዊሕ እዋን ዘኹርዑ ሓበራዊ መግለፅታትን ታሪኽን ዘለዎም ህዝቢ እዮም። ባህሎም፣ ሃይማኖቶም፣ ቋንቁኦም ኮታስ ዙርያ መለሽ ኣመፃፅእኦም ኮነ ታሪኾም ሓደ እዩ። ብፍላይ ምስ ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣሓት ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ንምድምሳስ ኣብ ዝተገበረ ቃልሲ፣ ክልቲኦም ህዝብታት ተሓባቢሮም ብሓደ ተቓሊሶም፣ተሰዊኦምን ደሞም ኣፍሲሶምን ሓራ ወፂኦም እዮም። እዚ ገይሮም ብምርድዳእን ብፍቕርን ብሓባር ዝነበሩ ብደምን ኣዕፅምትን ዝተነደቐ ሕውነት ዘለዎም ህዝብታት እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር መንግስቲ ሻዕብያ ነዚ ከምዚ ዝበለ ዕድል ዘሪግዎ። ሕጂ እውን እንተኾነ እቲ ህዝቢ ብፅልኢ ክጠማመትን ምኽንያት ህላወ ስርዓቱ ገይሩ ይቕፅለሉን ኣሎ። እዚ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝቢ ዝፈጥሮ ዘሎ በሰላ ንምግማቱ ዘፀግም ኣይኮነን።ብሕልፊ ንህዝቢ ኤርትራ ከዓ ዙርያ መለሽ ፀገም የስዕብ ኣሎ። ብቐፃሊ እውን ምስ ህልውና ኤርትራ ተደሚሩ ዝርአ ፀገም ከስዕብ ከምዝኽእል ዘጠራጥር የብሉን።

ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገር ዘሎ ፀገም መበገሲኡ ከምቲ መንግስቲ ሻዕብያ ዝብሎ ጉዳይ ዶብ፣ ጉዳይ መሬት ወዘተ ዘይኮነስ ካብ ትዕቢትን ተናኻሳይ ባህርን ሻዕብያ ዝፍልፍል እዩ። እቶም ተቓወምቲ ውድባት እውን ነዚ ኩነታት ብኣግባቡ ከም ዝርድእዎን ስርዓት ሻዕብያ ምስ ዝእለ ሕውነት ክልቲኦም ህዝብታት ናብ ንብሩ ከምዝምለስ እዮም ዝገልፁ። “እዚ ኣብ ቀረባ እውን ብተግባር ክሃሃድ እዩ” ዝብሉ እቶም መራሕቲ እዚ ንክኸውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝኽትሎ ዘሎ ሕውነታዊ ኣተሓሕዛን ሓልዮትን ድማ ኣዐርዩ ሓጋዚ ምዃኑ እዮም ዝገልፁ። ህዝቢ ኤርትራ እውን ኣብ መንጎ ክልቲኡ መንግስታት ዘሎ ኩነታት እናፈለጠ እዩ ናብቲ ናተይን ወገነይን ዝብሎ ህዝቢ ብፍላይ ከዓ ናብ ህዝቢ ትግራይ ዝመፅእ ዘሎ እሞ እዚ ኩሉ ተደሚሩ ነቲ ዕድመ ብዝሃብናዮ ቁፅሪ ህልውና ኤርትራ ናብ ጉድጓድ ሒዝዋ ዝወርድ ዘሎ ስርዓት ደምሲስና ነታ እንብህጋ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ መስሪትና ሕውነትና እውን ክግሃድ እዩ እዮም ዝብሉ።

ህዝቢ ኤርትራ እውን ነዚ ኩነታት ከምቲ ጀሚርዎ ዘሎ ብኣግኡን ብኣግባቡን ተረዲኡ ነታ ብናይ ልዕሊ ሓደ ክፈለ ዘበን ቃልሱ ዝፈጠራ ነፃ ኤርትራ ደጊሙ ናብ ባዕሉ ክርከባ ክፅዕር ኣለዎ። እዚ እንትገብር ዙርያ መለሽ ውሽጣዊ ኣፈላላያቱን ስግኣቱን ንድሕሪት ብምግዳፍ ኣብ ዙርያ እቲ እንኮ ዕላማ ሃገር ምድሓን እንተተሰሊፉ እምበር ከምቲ ዝተለመደ ኣብ ውሽጢ እቲ ሻዕብያ ዘተሓላለኾ ኣፈላላይ እንተተፀሚዱ ግን ዓንዲ ኮይኑ ዕድመ ሻዕብያ ካብ ምቕፃል ወፃኢ ካልእ ትርጉም ከምዘይህልዎ ምርድኡ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ብተግባር ከምዝኸውን እምነት እቶም ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ እዩ።ንሕና እውን ነቲ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ እንተይኮናስ ነዚ ብሩህ ተስፋ ኤርትራ ተመኒና ኣለና።

********* 

*ወይን ጉንበት 2009

Guest Author

more recommended stories