‘ዝቕፅል ጉባኤ ኢህወደግ ከም ብሓዱሽ ዝፍጠረሉ ጉባኤ ክኸውን ትፅቢት እገብር’ – ስብሓት ነጋ

ጋዜጣ ወይን ብምኽንያት 15 ሰነ ዝተኽበር መዓልቲ ሰማእታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣባል ቤት ምኽሪ ኢህወዴግን ኣብ ዓለም ናይ ኢትዮጵያ ሰላምን ልምዓትን ተፃዋዒ ኮይኑ ይሰርሕ ምስ ዘሎ ተጋዳላይ ስብሓት ነጋ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት፡፡

Highlights:

* ኣብ ሓደ ጉባኤ ድሕሪ መስዋእቲ መለስ ኣብ ዝተኻየደ መበል 11 ጉባኤ ኣባይ ወልዱ እንተመርሕ ሓደ ብጣዕሚ ዘሕጉስ፣ ንዓይ ዘሕጎሰኒ ኣብ ውድብና ምጥቕቓንን ምጥቕቓዕን ኣሎ ኢሉ ሰለስተ ሻዕ ተዛሪቡ፡፡ እቲ ጉባኤ ግን እዚ ኣበይ እዩ ዝርአ ኢሉ ኮሚቴ ኣጣይሹ ክርኢ ኣይክኣለን፡፡ እቲ ኣባይ ዝበሎ ትኽክል እዩ፡፡ ከምኡ የለን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ፡፡ ግን ከምኡ ጥራሕ ተባሂሉ ተሪፉ፡፡ ካብዚ ዝኸፍአ ሓጥያት ስለዘየለ ክፃረ ነይርዎ፡፡

* ኣብ ትሕቲ ኢህወደግ ዘለዋ ውድባት እንተይተሰኻኸፋ ብትረት ሓደ ኮይነን ዝግምግማሉ መስርሕ ኢህወዲግ ቀልጢፉ ክፍጥር ኣለዎ፡፡ ሓደ ስለዝኾና ምንም ዘስኻኽፍ ነገር የብልናን፡፡ ምኽንያቱ እዚ ህዝቢ ካብ ኢህወደግ ወፃኢ ካልእ ተስፋ ስለዘይብሉ ፀላኢ ከይሕጎስ፣ ፈታዊ ከይሓዝን ብቕፅበት ሓደ ኣካል ኮይኑ ክኸይድ ኣለዎ፡፡

* ስቕ ኢሉ ፀኒሑ፣ ሰብ ሓሳብ እንትህብ ምስረአየ ርኢቶ ዝህብ፡፡ ጎይትኡ እንተተዛሪቡ ዝድግፍ፣ ጎይቶኡ እንተተቓዊሙ ዝቃወም እንተይሰምዐ፣ እንተይረኣየ ዝድግፍ፣ እንተይሰምዐ እንተይረኣየ ዝቃወም፣ ሓሳብን ሰብን ዘይፈሊ በለፀኛ ኣሎ፡፡

* ኣነ እቲ ውዳበን እቲ ትካልን ብዝግባእ እንተገምጊናዮ ሰብ ምግምጋም እንተቐረየ እውን ብዙሕ ዝጎድእ ኣይኮነን፡፡ ውዳበን ትካልን እንተይገምገምካ ሰብ ምግምጋም ግን ዓብዪ ክሳራ እዩ፡፡ ክሳብ ሕዚ ኣብ ገምጋማትና እናተዓዘብክዎ ዝመፅእ ዘለኹ ግን ብሰብ ጀሚርካ ብሰብ ምውዳእ እዩ፡፡ ኣነ ፖሊት ቢሮ እንተኾይነ ነቲ ፖሊት ቢሮ ከም ውዳበ ምስተገምገመ እየ ክግምገም ዝግበኣኒ፡፡ ስለዚ ኣካል እንተይገምገምካ ናብ ውልቀ ሳባት እናዘለልካ ክስቶ ከምዚ እዩ፤ ክስቶ ከምዚ እዩ ምባል መንገዲ ዕንወት እዩ፡፡

* ኣብ ኤርትራ ዘሎ ድኽመት ናይቲ ስርዓትን እቲ ዝፈልሕ ዘሎ ነጐዳን /ማሕማሕ ዝብል ዘሎ ነጐዳ/ እንተርኢናዮ ኣብ ኤርትራ ውድቀት መንግስቲ ኣይጋጥምን ኢልካ ክትዛረብ ኣየኽእልን፡፡

* እቲ ክሳብ ሕዚ ኣመዝጊብናዮ ዘለና ዓወታት ምስ ካልኦት ጎረባብትና ዓድታት ክነነፃፅሮ እንተለና ዓብዪ እዩ፡፡ ምስ ሕሉፍ ናትና ኩነታት፣ ኢኮኖምያዊ መነባብሮና እንትወዳደር እውን ዓብዪ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ምስቲ ክንኮኖ ዝግበአና ኢና ክንርኢ ዝግበአና፡፡

– – – – – 

Photo - Sebhat Nega, EPRDF and TPLF veteran
Photo – Sebhat Nega, EPRDF and TPLF veteran

ወይን፡- እዚ ቃለ መሕትት ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኢና እነካይዶ ዘለና እሞ 26 ዓመታትን ልዕሊኡን ንድሕሪት ተመሊስካ ምእንቲ እቲ ዕላማ ክብሉ ንዝሓለፉ ሰማእታት እንትትዝክር ብውልቅኻ ዝስመዐካ ስምዒትን ዘለዎ ትርጉምን እንተትገልፀልና፡፡

ተጋዳላይ ስብሓት፡- ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ኩላትና እንፈልጦ ናብርኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናንቆልቆለ ዝመፀ ህዝቢ እዩ ነይሩ፡፡ እቲ ቃልሲ ከመይ ኢሉ ተጀሚሩ? እንተኢልና፣ ብሓቂ ንምቕማጥ እንተኾይኑ ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ህወሓት ነቲ ቃልሲ ምጅማሩ ብዝነበሮ ዘይምርግጋእ፣ ዝነበሮ ናይ ቃልሲ ድሌት ህወሓት ቅድሚ ምምስራቱ ኣቐዲሙ ዝመፀ እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ዝፈሪ ምህርቲ ካብ ማሕረስ እዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ካብ ማሕረሱ ቀለብ ዓመት ዝረክብ ዝነበረ ህዝቢ ድማ ኣዝዩ ውሑድ እዩ ነይሩ፡፡ እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ዝብላዕ ኣይነበሮን፡፡ ስለዝኾነ ስደት ክኸድ ግድን እዩ ነይሩ፡፡ እቲ ስደት ከዓ ናብ ሱዳን ነይሩ፡፡ ናብ ኤርትራ ነይሩ፡፡ ናብ ማእኸላይ ኢትዮጵያ ነይሩ፡፡ ተሰዲዱ እውን ግን እቲ ህዝቢ ካብቶም ካልኦት ናይ ኢትዮጵያ ብሄራት ዝኸፍአ ውርደት እዩ በፂሕዎ፡፡ ኤርትራ እንተኸይዱ ቆማል ዓጋመ እዩ ዝበሃል፡፡ ናብ ማእኸል ሃገር እንተመፂኡ በላዒ ኣንበጣ እዩ፡፡ ብፖለቲካ እውን ኣይእመንን፡፡ ስለዚ መነባብርኡ ኮነ ኣጠቓላሊ ህይወቱ ዝተናገዐን በቶም ዝሓለፉ ስርዓታት ዝተገፍዐን ህዝቢ እዩ ነይሩ፡፡

ካብዚ ተበጊሶም መስረቲ ማገብት ነቲ ኩነታት ኣዐርዮም እዮም ይርድእዎ ነይሮም፡፡ ዕላማ ናይቲ ቃልሲ እውን ነቶም ፀገማት ዝፈትሕ እዩ ነይሩ፡፡ ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ቃልሲ ቀልጢፉ ተቐቢልዎ፡፡ ቅድሚ ህወሓት ካልኦት ውድባት እኮ ነይሮም እዮም፡፡ ነገር ግን ህዝቢ ኣይተቐበለሙን፡፡

ስለዚ እንታይ ማለት እዩ? ሰማእትነት ነቲ ስርዓት ኣማዕድዩ እንትሪኦ እንተሎ፣ ኣማዕዲዩ ዝሪኦ ስርዓት ትግራይ ከምዚ ክትከውን እያ፣ ከምዙይ ክትከውን እያ ዝብሉ ጭርሖታትን እምነታትን ሒዙ እዩ ተቓሊሱ፡፡ ስለዝኾነ እውን ነቲ ክህነፅ ኣማዕዲዩ ዝሪኦ ዝነበረ ስርዓት ዝኾነ ይኹን ዋጋ ክኽፈል ኣለዎ ኢሉ ተቐቢሉ፡፡ ብተግባር ድማ መስዋእቲ ህይወት ኮነ ኣካል ከፊሉ፡፡ ኣማዕድዩ ዝሪኦ ዝነበረ ስርዓት እንከን ዘይብሉ እዩ፤ ኢሉ እዩ ተቓሊሱ፡፡ ኣብ ኩሉ ነቲ ኣማዕድዩ ዝሪኦ ዝነበረ እንከን ዘይብሉ ስርዓት እዩ ተሰሊፉ፡፡ እቲ ዝተሰለፈ ቅድሚ ምስውኡ ዝነበሩ መከራታት ይፈልጦም እዩ፡፡ ጥምየት ኣሎ፣ ሕማም ኣሎ፣ ድኻም ኣሎ፡፡ ቅድሚ ምስውኡ ዘሕለፎም ስቓያት ንምግማቶም ኣፀገምቲ እዮም፡፡ ኲናት እንትጅምር እንተሎ እውን ክምለስ እየ ኣይብልን፡፡ ቃልስና ክዕወት እዩ፤ እንከን ዘይብሉ ስርዓት ክነምፅእ ኢና፡፡ ንሕና ግን ኣይንሪኦን፡፡ እቶም ዝተረፉ ግን ክቕፅልሉ እዮም ኢሉ ይኣምን፡፡ ኲናት እንትህሉ ምስዋእ ከምዘሎ ምኢቲ ብምኢቲ ኣሚኑ እዩ ዝኣቱ፡፡ እንትስዋእ እንተሎ እውን እቲ ዘየቋርፅ መስዋእትነት እቲ ጥምየት፣ እቲ ድኻም፣ እቲ ሕማም ሓሊፉ ንመወዳእታ ግዜ እንትስዋእ እንተሎ ተሓጒሱ ይስዋእ፡፡ እቲ ዝተረፈ ከዓ ነቲ ዝተሰወአ ክንደይ ኮን ደስ ኢልዎ ይኸውን እዩ ዝብል ነይሩ፡፡ ነቲ ዝፍጠር ስርዓት ግን ምንም ኣይጠራጠርን፡፡ ኣብ ሓድ ሓደ ፋይላት ብተግባር ከም እንዕዘቦ ሓደራ እናበለ እዩ ዝስዋእ፡፡ ስለዚ ስዋኣት ንህዝቢ እናሓሰቡ ሓደራ እናበሉ እዮም ሓሊፎም፡፡

ሕዚ ሰማእታት ንዘክር፣ ጉርዲ ዘይለግቦም ሰማእታት ወዘተ እንትንብል ናይ እማንና ዲና? ናይ እማንና እቲ ዝተሰውእሉ፣ በቲ ዝነበሮም ፅንዓት ደረጃ ዲና ፀኒዕና ሒዝናዮ? ስውእ እኮ ኣይምለስን፡፡ ዝኽሪ ሰማእታት እንትንብል ግን ንዕዑ ዲና ክንዝክሮ ዘለና? ነቲ ክሓልፈሉ እዩ ዝበሎ ህዝቢ ይሓልፈሉ ዶ ኣሎ? ኢና ክንብል ዝግበአና፡፡ ንእኡ ዘኪርና ድኣ እንታይ ክነምፅእ? ዝኽሪ ሰማእታት ኢልና ክሳድና ክነድንን እንተለና ክንዝክሮ ዘለና ነቲ ህዝቢ እዩ፡፡ ኣብኡ እንተለና ብዛዕባ ባዕልና እውን ንዝክር፡፡ ኣለና ዶ? ኣብ ቦታና፣ ኣነ ኸ ኣብታ ሓደራ ዝተብሃለት ቦታ ዶ ኣለኹ? ክንብል ኣለና፡፡ ጉርዲ ኣለና ዶ? ብኣንፃር ናይቲ ህዝቢ ኩነታት፡፡ ስለዚ ዝኽረ ሰማእታት እንትብሃል ንኣይ ምዝካር ነቲ ቓልሲ ወይ ነቲ ህዝቢ ማለት እዩ፡፡ መሸፈጢ ኣይንግበሮ፡፡

ወይን፡– ኣብ ክሊ እዚ ኮይና ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንዝኸፈሎ ዋጋ ብመዳይ ምዕቃብ ማሕበራዊ ክብርታቱ፣ ምርግጋፅ ቁጠባውን ፖለቲካውን ተጠቃምነቱ እንትምዘን እንታይ ክንብል ንኽእል? ኣብዚ ከም ዓበይቲ ዓወታት ገይርና ክነቕርቦም እንኽእል እንታይ እዮም? ክትግበሩ እናተገበኦም ግን ከዓ ዘይተተግበሩ እትቡሎም፣ ክኾኑ ዘይግበኦም ግን ድማ ኮይኖም እትብሎም ጉድለታት እንተሃልዮም?

ተጋዳላይ ስብሓት፡- እቲ ክሳብ ሕዚ ኣመዝጊብናዮ ዘለና ዓወታት ምስ ካልኦት ጎረባብትና ዓድታት ክነነፃፅሮ እንተለና ዓብዪ እዩ፡፡ ምስ ሕሉፍ ናትና ኩነታት፣ ኢኮኖምያዊ መነባብሮና እንትወዳደር እውን ዓብዪ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ምስቲ ክንኮኖ ዝግበአና ኢና ክንርኢ ዝግበአና፡፡ ምስ ኩስቶ፣ ምስ ኩስቶ ዝብል ገምጋም ምዝማድ ንውድቀት ምዕዳም ከይኸውን ይጥርጥር እየ፡፡ ምስቲ ክንኮኖ ዝግበአና ዝነበረ፣ ምስቲ ዝተኸፈለ ዋጋን እቲ ዘለናዮን ክንርኢ እንተለና ኣነ እቲ ሓደ መዐቀኒ ኢለ ዝወስዶ፣ ጠቓሚ ገይረ ዝወስዶ ሓይልና እዩ፡፡ ስለዚ ህዝብና እናነቕሐ ፀላኢኡን ፈታዊኡን እናፈለጠ፣ እናተወደበ ኣይከደን፡፡ እቲ ቀንዲ ሓይሊ ህዝቢ እዩ፡፡ ፈጣሪ መንግስቲ ንሱ እዩ፡፡ ፈጣሪ ውድብ እውን ህዝቢ እዩ፡፡ እቲ ባይታ ንሱ እዩ፡፡ ሕዚ ውዳበታት ህዝብና ኣበይ ኣሎ? ንቕሓቱ ከመይ ኣሎ? ኣብ 1971 ዓ/ም ዝተብሃለ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡፡ ምንቃሕ፣ ምውዳብ፣ ምዕጣቕ፣ መደብ ኣትሒዝካ ምውፋር፣ ነፃ ውዳበታት ናይ ህዝቢ ኣሎ ዶ የለን? እቲ መንግስቲ ኸ በቲ ዝተቐመጠ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ይመርሕ ዶ ኣሎ?

እዚ ሕገ-መንግሰቲ እዙይ በዓል ዋንኡ ህዝቢ እዩ ኢሉ፣ ህዝቢ ከዓ ብተወከልቱ ኣቢሉ ባዕሉ እውን ብቐጥታ ይቆፃፀሮ ኣሎ ዶ? በብሓሙሽተ ዓመት እንተይኮነስ መዓልታዊ፡፡ እቶም ኣብያተ ምኽሪ ኸ ካብ ላዕሊ ጀሚርካ ክሳብ ታሕቲ ስርሖምን ሓላፍነቶምን ፈሊጦም ነቲ ፈፃሚ ብትኽክል ዶ የቆፃፀርዎ? ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ውድብ ካብ ጉባኤ ጀሚሩ፣ ጉባኤ ዝለዓለ ኣካል ናይ ውድብ እዩ፡፡ ጉባኤ ናይ ውድብ ኩሉ ክልላዊ ኩነታት፣ ሃራዊ ኩነታት፣ ፀላእን ፈታውን ፈሊጡ ዶ ይመርሕ ኣሎ? ኣድቂቑ ፈሊጡን ተረዲኡን ድዩ ናብ ጉባኤ ዝኣቱ? ናብ ጉባኤ እንትኣቱ ዝርዝር ሓበሬታ ሒዙ ድዩ ዝኣቱ? ጉባኤ እኮ መማልኢ እዩ፡፡ ኩስቶን ኩስቶን ብብቕዓቶም ይኹን፣ ህዝባውነቶም ፣ ብትካላዊ ኣሰራርሓ ከይዶም ዶ ይመርሑ ነይሮም?

ትካላዊ ኣሰራርሓ እንትብል እንተለኹ፣ ደድሕሪ ጉባኤ ዘሎ ማእኸላይ ኮሚቴ እዩ፡፡ ማእኸላይ ኮሚቴ ደድሕሪ ጉባኤ ዝርአ ላዕለዋይ ኣካል ኮይኑ ነቲ ቤት-ምኽሪ፣ ነቲ ፈፃሚ ይከታተሎ ዶ ኣሎ? ላዕለዋይ መራሒ እዩ፡፡ ካልኦት በብኣካሉ ዘለዉ ነቲ ኣሰራርሓ ፈሊጦም ይመርሑ ዶ ኣለዉ? እንተድኣ ኢልና፣ እቲ ውድብ እውን ክርአ ዘለዎ እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ሓደ መዐቀኒ ዝብሎ ሰማእታትናን እቲ ዘይተሰወአ ህዝቢ ትግራይ እውን እናተዓወተ እዩ ዝኸይድ ዘሎ እንተኢልና፤ እቲ ዋና ነገር ዝመስለኒ ኣነ እቲ መስመርና ወይ ሓይልና እዩ፡፡ ናይ ህዝቢ ሓይልታት፣ ናይ መንግስቲ ሓይልታት፣ ናይ ውድብ ሓይልታት ትካላዊ ብዝኾነ ስርሖምን ሓላፍነቶምን ፈሊጦም ዶ ይኸዱ ኣለዉ?

ስለዚ መገምገሚኡ ሰማእታትና ከመዚ ኢሎም ከይዶም፤ እቲ ብድሕሪኦም ክፍጠር እዩ ዝበልዎ ብዘይ እዙይ ስለዘይፍጠር፣ እዙይ ኣሎ ዶ የለን? ሕቶ እየ ዝሓትት ዘለኹ፡፡ ስለዚ ነቲ ሕቶኹም በዚ ሕቶ እዚ እየ ክምልሶ፡፡ እዙይ እዩ እቲ ቀንዲ መዐቀኒ፡፡

ኣብ ልምዓት፣ ኢኮኖምያዊ ልምዓት ይኹን ማሕበራዊ ልምዓት ከምቲ ዝድለ ኣሎ ዶ? ሕርሻ ቀንዲ ናይ ኢኮኖሚ መሰረትና እዩ፡፡ መፍረይነት ሓረስታይ መፍረይነት ግራት ብዘየቋርፅ መንገዲ ዶ እናዓበየ ይኸየድ ኣሎ? ኣብ ሕርሻ እቶም እታወታት መፍረይነት ዝበሃሉ መሬትን ሓረስታይን እዮም፡፡ ስለዚ ናይ ሓረስታይ መፍረያይነት ናይታ ግራት መፍረይነት በቲ ዝድለ ዶ ይኸየድ ኣሎ? በቲ ዝድለ ዘሎ ምኻዱን ዘይምኻዱን መዐቀኒኡ እቲ ሕርሻ መሰረት ኢንዳስትሪ ዝተብሃለ ፖሊሲ እዩ፡፡ ስለዚ ናይ ሕርሻ ፍርያታትና ክንደይ ኢንዳስትሪ ፈጢሩ? ብፅሬት ይኹን ብመጠን ክንደይ ከስቢ ኣምፂኡ? ፋብሪካታት ንኽምስረታ፣ ናይ ዓዲ በዓል ሃፍቲ ይኹን ናይ ወፃኢ በዓል ሃፍቲ ይጓየይ ኣሎ ዶ? ”Agriculural Development Lead Industialization” /ADLI/ ማለት ኢንዳስትሪና ሕርሻ እዩ ዝመርሖ ማለት እዩ፡፡ ስለዚ ክንደይ ፋብሪካታት ሕርሻ መሰረት ዝገበራ ተፈጢረን? ክንደይ ሓረስታይ ከ ካብ ግራት ኣላቒቕናዮ? 85 ምኢታዊ ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ሓረስታይ እዩ ኢልና፡፡ ሕዚ ኣብ ማሕረስ ተጣቢቑ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ናብ 60 ምኢታዊ ናብ 50 ምኢታዊ ዶ ወሪዱ? በዓል ሃፍትን ሸቃላይን ዶ ተፈጢሩ? ዝወሓደ ሓረስታይ እዩ ክመፀእ ዘለዎ፡፡ ብፍጥነት እናነከየ፣ እናነከየ ክኸይድ ኣለዎ፡፡

ናብ ማሕበራዊ ልምዓታት እንተኸይድና እውን ፅሬት ትምህርትና እንታይ እዩ ዝመስል? ብሃገር ደረጃ እንትንዕቅን እንተለና ኣብ ብሄራዊ ፈተናታት ኣብ መበል ክንደይ ንስለፍ? እቲ ዝሓለፈ በቢዩኒቨርስቲኡ ዘሎ ብቕዓቱ ክሳብ ክንደይ እዩ? ጥዕና ኸ ክሳብ ክንደይ እዩ? ዝብል ኣብቲ ማሓበራዊ ጉዳያት እውን ምዕቃኑ ፅቡቕ እዩ፡፡ ስለዚ እዚ እውን ከምቲ ናይ ውዳበታት ብፅሬቱ (qualitatively) ወይ ከዓ ከም ኣካል (Physicaly) ዕቤቱ ክሳብ ክንደይ ከይድና? ኢለ ብሕቶ እየ ዝምልሶ፡፡

ምስ ናይ ዓለም ዕዳጋ ዝወዳደር ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ ክሳብ ክንደይ ፈጢርና? ኣብቲ ፕሮግራምና “ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ መትካእታ ዘይብሉ ኣጋር እዩ፣” እዩ ዝብል፡፡ ንሱ እናተወደበ እናጠንኸረ ደሓር ናይ ካፒታሊት ስርዓት መሰረት ይኸውን፡፡ ስለዚ ምስኡ እናተሓኻኸኽና ዲና እንኸይድ ዘለና? ወይስ ተወዳዳራይነቱ እናጉላህናዮ ኢና እንኸይድ ዘለና? እዚ እውን ክርአ ዘለዎ ይመስለኒ፡፡ ኣካል ናይቲ ህዝቢ እዩ፣ ክንደይ ኣብ ኢንድስትሪ ይኹን ኣብ ግልጋሎት ይኹን ይሳተፍ ኣሎ? ወይስ እቲ ወንበር ንውልቀ ረብሓ ዝብል ኣሎ? ወይስ ትግራዋይ ኢንዳስትራሊስት፣ ኢንተርፕረነር፣ ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ ክኸውን ኣይኽእልን? እንተኾይኑ ኮይኑ ኣሎ፤ እንተዘይኮይኑ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ እዚ እውን ክረአ ዘለዎ እዩ፡፡

ኣብዚ ካሊእ ክረአ ዘለዎ ሕድሪ ሰማእታት መሰረት ገይርና ዶ ንኸየድ ኣለና ዝብል፣ ህወሓት ክሳብ ክንደይ ናይቲ ሃገር ኩነታት ይከታተል ኣሎ? ዝብል እዩ፡፡ ክንደይ ብፅሒት ኣለዎ? ብብርኪ ሃገር፡፡ ዝኾነ ሕመቕ ከይፍጠር፡፡ ኣርባዕቲአን ውድባት ተወዲበን እየን ሃገር ዘድሕና፡፡ ስለዚ ናይ ህወሓት ብፅሒት ብብርኪ ሃገር ክሳብ ክንደይ ፅልዋ ይፈጥር ኣሎ? ክሳብ ክንደይ ይሕግዝ ኣሎ? ብፅቡቕ ማለተይ እዩ፡፡ ዝብል እውን ክርአ ዘለዎ እዩ፡፡ ስለዚ ኣነ ዝብል ዘለኹ እንታይ እዩ? ክርአ ንዘለዎ፣ ኣሎን የለን ዝብል ገምጋም ምቕማጥ ስለዘይደለኹ እዩ፡፡ ክረኣዩ ዘለዎም እዚኣቶም ይመስለኒ፡፡ እቲ ዝምልሶ ከዓ እቲ ህዝቢ እዩ፡፡ እቲ ኣባል ውድብ እዩ፡፡

ክግበር ዝግበኦ ኣይተገበረን፣ ክግበር ዝግበኦ ዘይተገበረ ህዝቢ እንድሕር ዘይተወዲቡ፣ ነቒሑ እንተዘይተወዲቡ፣ ምኽንያቱ ህዝቢ ነቒሑ እንተተወዲቡ በዓል ዋና ስለዝኾነ ተጠቃማይ ስለዝኾነ ክግበር ኣለዎ ኢሉ ዓትዒቱ ዘቐምጥ ዝተወደበ ዝነቕሐ ህዝቢ እዩ፡፡ ስለዚ እዙይ ኣይተገበረን፡፡ እዙይ ክግበር ዝግበኦ እዩ፤ ኣይተገበረን፡፡ ክግበር ዝግበኦ ኣይተገበረን፣ ክጅምር ዝግበኦ ኣይተጀመረን፡፡ እዚ እቲ ውድብ ክብሎ ኣይኽእልን፡፡ ካብቲ ህዝቢ እዩ ዝሰምዕ፡፡ እቲ ህዝቢ እዙይ ክግበር ነይርዎ፤ ይብል፡፡ ምኽንያቱ ህዝቢ ደላዪ ፅቡቕ እዩ፡፡ ካብቲ ክግበር ዝግበኦ ንላዕሊ ይነግረካ ህዝቢ፡፡

ስለዚ ንሱ ተወዲቡ እንተዝነብር ውድብን መንግስትን እቲ ህዝቢ እዙይ ኢሉና ነይሩ፡፡ እዙይ ንኽእል ኢና ኢልናዮ ነይርና፡፡ እዚ ፈፂምና ኣለና፤ እዚ ድማ ኣይፈፀምናን ኢሉ ነቶም ዘይፈፀሞም ዓቕሚ እናፈጠርኩ ብዝኸድኩ ክፍፅሞም እየ ኢሉ ኣብቲ ህዝቢ ዋሕስ ገይሩ ይኸይድ፡፡ ስለዚ ነቲ ክግበር ዝግበኦ ግን ከዓ ሕዚ ዘይከኣል ዋሕስ ገይሩ ይኸየድ፡፡ ንዓዓተን ከዓ ዓቕሚ የዳሉ፡፡ ስለዚ ንሱ እዩ ዝፈልጦ ነይሩ፡፡ ኣቦ ወንበር ክስቶ ኣይፈልጦ፣ ክስቶ ኣይፈልጦ፡፡ ብምሉእነት ማለተይ እየ፡፡ ስለዚ ክግበር ዝግበኦ ዘይተገበረ ነገር እዚ እዩ፡፡

እቶም ዝስርሑ ዘለዉ ናይ ህዝቢ ድፍኢቶም ውሑድ ዝኾኑ እውን በቲ ዝግባእ ግዜ፣ መጠን፣ ፅሬትን ወፃእን ዶ ይስርሑ ኣለዉ? ዝብል እውን ካልእ ሕቶ እዩ፡፡ ከምቲ ዝውረ ብግዚኦም ዘይውድኡ፣ ፅሬቶም ዝተጓደለ፣ ዋግኦም ሰማይ እናተሰቐለ ዝኸይድ፣ እቲ ሓላፊ ምስቲ ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ ክልቲኦም እናተሻፋፈጡ፣ ክልቲኦም እናባኸኑ፣ እቲ እውን ፅቡቕ መራሒ እንተይኮነ እቱይ እውን ፅቡቕ ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ እንተይኮነ ይተርፍ፡፡ ስለዚ ኣብዚ እውን ክርአ ዝግባእ ፀገም ኣሎ፡፡

ወይን፡– ውድብ ህወሓት ኣብቲ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ናይ ውሽጢ ውድብ ፀገማት እንትፍጠሩ እናኣለየሉ ዝመፀ መንገዲ ከመይ እዩ ነይሩ? እዚ ብሕልፊ ምስ ዲሞክራስያውነትን ኣተኣላልያ እቶም ፀገማትን ተኣሳሲሩ ነቶም ፀገማት ካብ ስሮም ተረዲእኻ ዘላቒ መፍትሒ ብምቕማጥ ኣንፃር ባህሊ እቲ ውድብ ከመይ ይግለፅ?

ተጋዳላይ ስብሓት፡- ቅድሚ እቲ አተኣላልያ ፀገማት ምርኣይና ገለ መበገስታት ከልዕል፡፡ እቲ ቃልሲ እንትጅመር ናብቲ ቃልሲ መጀመርያ ዝወፁ ተጋደልቲ ፍፁም ህዝባውነት ዝወነኑ እዮም ነይሮም፡፡ እንተኾነ እቲ ዝነበሮም ዓቕሚ ግን ንእሽተይ እዩ ነይሩ፡፡ ዳሓር እዩ እቲ ህዝባውነት ክግመት ዘይኽእል ዓብዪ ዓቕሚ ክውንኑ ገይርዎም፡፡ እቲ ህዝባውነት ንምግማቱ ዘፀግም ዓቕሚ ፈጢሩ፡፡ ስለዚ ኣብ ውሽጢ ውድብ ቅድሚ እቶም ፀገማት ምፍጣሮም ቀልጢፉ ከምዚ ዝበለ ዓቕሚ ተፈጢሩ ፀኒሑ እዩ፡፡

ኣብ ውድብ ንመጀመርያ እዋን ፀገም ዘጋጠመ ኣብ ምጅማር ክራማት 1967 ዓ/ም ኣብ ደደቢት እዩ፡፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ናይ ገጠር ዓቀይቶት ኣብ ውሽጢ እቲ ቃልሲ ነይሮም፡፡ ንሳቶም ብረት ዝፈልጡ፣ በረኻ ዝፈልጡ እዮም ነይሮም፡፡ እዚኦም ቅድሚ ናብቲ በረኻ ምውፅኦም ካብቲ ህዝቢ እናመንጠሉ ዝበልዑ እዮም ነይሮም፡፡ ናብቲ ቃልሲ እንትሕወሱ እውን ዝበለፀ ካብቲ ህዝቢ እናመንጠሉ ክበልዑ፣ ዝበለፀ ዓቀይቶት ክኾኑ እዩ ነይሩ እቲ ድሌቶም፡፡ንሳቶም እንታይ እዩ መሲልዎም ነይሩ? ካብቲ ቅድም ክብል ብውልቀኦም ወይ እውን በብኽልተ ሰለስተ ኮይኖም ዝሰርቅዎ ዝነበሩ “ምስ ህወሓት ተወዲብና ዝበለፀ ክንሰርቕ” ዝብል ሓሳብ እዩ ነይርዎም፡፡ ብዝበለፀ ክቕለቱ እዩ መሲልዎም ነይሩ፡፡

ይኹን እምበር ኣብቲ እዋን ኣብ ህወሓት ዝነበረ ድስፒሊን፣ ስነ ስርዓትን ዕላማ እቲ ቓልስን ነዚ ዝፈቅድ ኣይነበረን፡፡ ዕላማ እቲ ቃልሲ ብተግባር እናረኣይዎ ምስ ከዱ እናመረሮም ከይዱ፡ ነቲ ዝነበረ ህዝባውነት ክፃወርዎ ኣይካኣሉን፡፡ ስለዝኾነ ነቶም ኣማራርሓ ንቕተሎም ኢሎም ወሲኖም፡፡ እዚ እንትውስኑ “ንሙሴ እንተቐቲልናዮ ምስ ኤርትራ ክንበኣስ ኢና፤ መለስ እውን ምእንታ ፖለቲካ ከምህረና ንኽልቲኦም ንግደፎም ነቶም ካልኦት ግን ንኹሎም ንቕተሎም” ኢሎም፡፡ ነገር ግን ነዚ ክትግብርዎ ኩሉ ነገር ምስ ወድኡ ኣብ ውሽጢ ናይ ስዓታት ኣፈላላይ ፈሺሉ፡፡ ምስ ፈሸለ እቶም ኣብቲ ተግባር መራሕቲ ዝነበሩ ገሊኦም ናብ ፀላኢ ሰሊሞም፡፡ እዚ ምስ ኮነ ኣኼባ ተገይሩ፡፡ ኣብቲ መቕተልቲ ተሓዊሶም ግን እንተይከዱ ዝተረፉ ንኣብነት ሓደ ባህረ ዝበሃል ናይ በረኻ ሽሙ ኣሉላ፣ ነቲ ተሓሲቡ ዝነበረ ተግባር ከምዝኣምነሉ ኣብቲ ኣኼባ ብግልፂ ተዛሪቡ፡፡ ዝኣምነሉ ምኽንያት ከዓ “ናይ ናትናስ ናትና ግን ስሑል ዝኣክል ቁሪ እናተወዐ፣ ተረፍ ቆልዓ ሰበይቲ እንጀራ ሃቡና እናበልና ክንበልዕ ይስመዐኒ እዩ፡፡ እቲ ዝግበር ዘሎ ተግባር ትኽክል ኣይኮነን፡፡ ሃፀይ ሃይለስላሴ ዝፈልጥዎ፣ ራእሲ ስዩም መንገሻ ዝፈልጥዎ ስሑል ከመይ ከምዚ ይኸውን?” ኢሉ መበገሲ ናይቲ ኩነታት ዝበልዎ ሓሳብ ኣቕሪቡ፡፡

ሓደ ከዓ ደሓር እኳ ክሳብ ኮነሬል መዓርግ እውን በፂሑ፤ ኣብቲ ገምጋም በኽዩ፡፡ ኣነ ነቲ ተግባር ኣይኣምነሉን ነይረ፤ ምስ ነገሩኒ ግን እሞ ካብ ኮነስ ኢለ ኣሚነ ኢሉ፡፡ ነቲ መቕተልቲ፡፡ እዚ እንትኸውን ኣብ ኣተኣላልያ እቲ ፀገም እንዲና እንዛረብ ዘለና ነዞም ከምዚ ዝገበሩ ሰባት ይተአሰሩ ኣይተብሃለ፣ ይቀተሉ ኣይተብሃለ፤ ክርፈቱ እዩ ተገይሩ፡፡ እቲ ሓሲቦምዎ ዝነበሩ ነቲ ውድብ ንምጥፋእ እዩ፡፡ ግን እታ ውድብ ድሒና ኣላ ተባሂሉ “ገዛኹም ኪዱ” ተባሂሎም፡፡ ገሊኦም ዳሓር ተመሊሶም ዝመፁ ኣለዉ፡፡ ክሳብ ኮነሬል መዓርግ እውን በፂሖም ኣለዉ፡፡ ስለዚ ኣብቲ እዋን ሓዞ ትሰዶ ኣይነበረን፡፡ ፀገማት ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ እንትፍጠሩ ይኹን ዋላ ምስ ካልኦት ውድባት እውን ዴሞክራስያዊ ብዝኾነ መንገዲ እዮም ዝእለዩ ነይሮም፡፡

ድሕሪ እዚ ኣብ 1969 ዓ/ም ዘጋጠመ ሕንፍሽፍሽ ነይሩ፡፡ ኣብዚ ከም ድኽመት ክግለፅ ዝኽእል ነቲ ፀገም ቅድም ኢልካ ክረአ ምተኽኣለ ነይሩ፡፡ ናብቲ ደረጃ ንሱ እንተይበፅሐ ማለተይ እየ፡፡ ሕመቓት ነቲ ውድብ ዳርጋ ተቖፃፂረምዎ ነይሮም፡፡ ክሳብ ከምዚ ዝኸውን ስቕ ኢልካ ምርኣይ ኣይመድለየን ነይሩ፡፡ ኣብ ኣፈታትሓ ግን ኣብኡ እውን እዚ ጌጋ ነይሩ ዝብሎ የብለይን፡፡ እቲ ኣፈታትሓ ብመሰረቱ ዲሞክራሲያዊ እዩ ነይሩ፡፡ ከምቲ ቅድም ክብል ዝገለፅክዎ ኣብዚ ኩነታት ተሳቲፎም ካብ ዝነበሩ ሰባት ሕዚ እውን ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣለዉ፡፡ ኣብቲ ኩነታት ተሳትፎ ካብ ዝነበሮም ኣካላት ገብሩ ኣስራት ሓደ ካብኣቶም እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ፃኢ ተነቒፉ እዩ፤ ኣሚኑ እውን፡፡ ብሕልፊ ነቲ ኩነታት ብዝግባእ እናፈለጠክዎ እናሃለኹ ግን ኣይተቓለስኩን ኢሉ ዓርሰ ነቐፌታ ገይሩ፡፡ መበገሲ ናይቲ ሕንፍሽፍሽ ገለገለ ሰባት “ኣውራጃውነት እዩ ነይሩ” እንትብሉ ይስምዕ እየ፡፡ ይኹን እምበር ኣውራጃውነት ኣይነበሮን፡፡ ሽዑ እውን ኣብቲ ቃልሲ ንዝነበሩ ጠቕላላ ፀገማት ክትፃወር ካብ ዘይምኽኣል ዝነቅል መበገሲ እዩ ነይሩ፡፡ ዝመረሮምን ነቲ ቃልሲ ክገድፍዎ ዝደለዩን እዮም ነቲ ሕንፍሽፍሽ ፈጢረምዎ፡፡

ኣዋራጃዊ መልክዕ ዘትሓዝዎ ከምቲ ሕዚ ፀቢብነት ትምክሕቲ ገለ እንብሎ ክብለፅሉ ደልዮም እዮም፡፡ ንኣብነት ነቲ ሕንፍሽፍሽ ዝጀመርዎ ሰባት እንተርኢና ሓደ ሓዱሽ ገዘሀይ እዩ ነይሩ፡፡ ሓዱሽ ገዘሀይ ከዓ ወዲ ዓድዋ እዩ፡፡ ካልእ ተሾመ ኪዱ ነይሩ፤ እንትጮ ዓድዋ እዩ፡፡ ስለዚ ነቲ ኣውራጃውነት ከም መሸፈኒ እዮም ዝጥቀምሉ ነይሮም እምበር እቲ ሽዑ ዝነበረ ፅንኩር ኩነታት ስለዝመረሮም እዩ፡፡ ናይ ኢኮኖሚ ፀገም ነይሩ፡፡ ምስ ዝተፈላለዩ ውድባት ዘይምርዳእ ነይሩ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ሶቬት ንደርጊ ኣዕጢቑ ኣዕርዩ ዘጠናኸረሉ እዋን እዩ ነይሩ፡፡ ስለዚ በዞም ኩሎም ፅንኩራት ኣጋጣምታት ዝተፀላመቱ ሰባት ነይሮም፡፡ ኣብ መወዳእትኡ ነቲ ሕንፍሽፍሽ መሪፆም፡፡ ሰብ እንትፅልምቶ እንተሎ፣ እንትሰንፍ እንተሎ ኣውራጃውነት ከባብያውነት ከም መሸፈኒ ይጥቀም፡፡ ከምታ ኣብ ትግራይ ሰርጌን ገለ እትብሃል ውልቀ መፅሄት፡፡ ስለዚ ናይ ፈፁም ሕመቕ ፖለቲካ እዩ ነይሩ፡፡ እዚ ኮይኑ ኣብቲ ኣፈታትሕኡ እዚ እውን ዲሞክራሲያዊ እዩ ነይሩ፡፡ ዝኾነ ሰሓቦ ጉተቶ ኣይነበሮን፡፡

ኣብ 1974 ዓ/ም ዝነበረ ምድኻም እውን ኣሎ፡፡ ካብ 1974 ዓ.ም ክሳብ 1977 ዓ/ም ዝፀንሐ እኒ ግደይ ዘርኣፅዮን ኣረጋዊ በርሀ ዝነበረ ኩነታት ማለት እዩ፡፡ ናይ ኣረጋዊ ዝነበረ ፀገም ይብለፅ ኣለኹ ካብ ዝብል ቅንኢ ዝነቅል እዩ ነይሩ፡፡ ባዕሉ ዘምሃሮም፣ ባዕሉ ዘልመዶም እንትበልፅዎ ምስ ረኣየ ኣይተሓጎሰን፡፡ ዘይተሓጎሰ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣዐርዩ ተበሳጭዩ፡፡ ከቢድ ውልቃውነት ዝወለዶ እዩ፡፡ ናይ ግደይ ዘርኣፅዮን እውን ውልቃውነት ዝወለዶ እዩ ነይሩ፡፡ ዝኾነ ኮይኑ ኣብቲ ኣተኣላልያ ነቲ ፀገም ንዛረብ ስለዘለና ኣረጋዊ ነዚኦም ነጥፍኣዮም እናበለ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ፀኒሑ እዩ፡፡ ከመይ ከምዝጠፍኡ ዝፀሓፎ ፅሑፍ፣ ሰነድ እኒሀ እዩ፡፡ ማስረጃ እኒሀ ምሳይ ዝዘራረቦ ዝነበረ፡፡ እዚ እናገበረ ከምዝፀንሐ እናተፈለጠ ግን ድሕሪ እቶም ናይ ገምጋምን ክትዕን መድረኻት ምክያዶም ኣረጋዊ ይመደብ ተባሂሉ ኣብ ካሊእ ስራሕ ተመዲቡ እዩ፡፡ ኣብ መንጉኡ ግን ሓፍተይ ክርኢ ኢሉ ንሱዳን ከይዱ ብኡ ገይሩ ተሪፉ፡፡

ናይ ግደይ እውን ከምኡ እዩ፡፡ ግደይ እውን ነቲ ሃፍታም ገባር ፀላኢና እዩ ዝብሎ ዝነበረ ሓሳብ ምስተስዓረ “ካልእ ውድብ ክፍጥር እየ” ኢሉ፡፡ ኣብ ውሽጢ ውድብ ኣይትኽእልን፤ ኣብ ሕብረተሰብ ግን ከምድላይካ ተባሂሉ ተፈቒድሉ፡፡ “እምበኣር ቅርሺ ሃቡኒ” ኢሉ ተዋሂብዎ፡፡ ነቲ ዝተውሃቦ ቅርሺ ሒዙ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ምዛር ጀሚሩ፡፡ ይኹን እምበር ክውደበሉ ዝኽእል ሰብ ኣይረኸበን፡፡ ደሓር ዘይሩ ዘይሩ ኣብ መወዳእታ ነቲ ዝተውሃቦ ገንዘብ ወዲኡ ተመሊሱ መፂኡ፡፡ እንደገና ገንዘብ ሓቲቱ፤ ተዋሂብዎ እውን፡፡ ስለዚ እቲ ኣተኣላልያ ብመሰረቱ ዲሞክራሲያዊ እዩ ነይሩ፡፡

እዚ እንትብሃል ኣናሽተይ ፀገማት ኣይነበሩን ማለት ግን ኣይኮነን፡፡ ብውሳናይ መልክዑ ግን ኣብቲ እዋን ፀገማት እንትፍጠሩ ናይቶም ፀገማት መበገሲኦም ብምፅናዕ ለውጢ ብዘምፅእ መልክዑ ዲሞክራሲያዊ ብዝኾነ መንገድን ነቶም ፀገማት እውን ካብ መሰረቶም ብዝፈትሕ መልክዑን እዩ ዝፍታሕ ነይሩ፡፡

ወይን፡– ከምቲ ልዕል ክብል ዝተገለፀ እቲ ቅድም ኢሉ ኣብቲ ውድብ ዝፀንሐ ባህልን ልምድን ኣፈታትሓ ፀገማት ሕዚ ኣብ ህወሓት ኢህወዴግ ከምቲ ናይ ቀደም ጥንካርኡ ሓልዩ ይኸይድ ኣሎ ዶ ክንብል ንኽእል?

ተጋዳላይ ስብሓት፡- ብምሉእነት ኣሎ ኣይብልን፡፡ ንኣብነት ኣብ 1993 ዓ/ም ዝነበረ ናይ ኣንጃ ምንቅስቓስ እንተርኢና ብኡ መጠን ዶ ከጋጥም ይግባእ ነይሩ? እናተድኣ ኢልና፣ ብሓደ እናደቀስና ብሓደ እናወደስና ነይርና ብኡ መጠን ከጋጥም ኣይግባእን ነይሩ፡፡ ምኽንያቱ ካብቶም ኣብቲ እዋን ዝነበሩ 30 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ እቶም 17 ናብቲ ዕግርግር እዮም ኣትዮም፡፡ እሞ ከዓ እዚኦም ዝውድሱ ዝነበሩ እዮም፡፡ ስለዚ ነቲ ኩነታት ኣቕዲምና ክንፈልጦ ዶ ኣይግብኣናን ነይሩ? ዝብል ሕቶ ኣለኒ፡፡ ሓቲተ እውን ስቕ ካብ ዝብል ኣቕዲምና ክንፈልጦ ምኽኣልና ነይርና፤ እየ ዝብል፡፡ ተኸኣኢልካ ምንባር ነይሩ፡፡ ምክእኣል፣ ዘይመትካላዊ ዝኾነን ሸፈጥ ዝተመልኦን ረኽቢ ነይሩ፡፡

ስለዚ ኣብቲ ቅድም ክብል ፀገማት ኣቕዲምካ ዝርኣየሉ ዝነበረ ባህሊ ሽዑ እዚ ኣይገበርናን፡፡ ናብቲ ተሃድሶ ዝብሃል ነገር እውን ኣይምኣተናን፡፡ ፖለቲካዊ ድኽመት እዩ እምበር ኣቐዲምና ንምርኣይ ዘፀገም ኩነታት እውን ኣይነበረን፡፡ ክሳብ ህወሓት ውድብ ዘይብላ እትቐሪ ስቕ ኢልና ርኢና፡፡ ውድብ ኣይነበረን፡፡ ክሳብ እቲ ዝቕፅል ጉባኤ እቲ ካድረ እዩ ከም ውድብ ንውሰዶ ኢሉ እምበር ክልተ ሲሶ ኣባል እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣየነበረን እኮ፡፡ እዚ ምስ ኣጋጠመ ኣብ ኣተኣላልያ ግን ሕዚ እውን ድኽመት ነይሩና ኣይብልን፡፡ ከጋጥም ኣይነበሮን፤ ምስ ኣጋጠመ ግን ብመሰረቱ ዲሞክራሲያዊ ብዝኾነ መንገዲ እዩ ተኣልዩ፡፡ ምስ ኣለይናዮ ግን ደቂቕ ገምጋም ከዓ ኣይገበርናን፤ ዝበል እምነት ኣለኒ፡፡ ደቂቕ ገምጋም እንተንገብር ዘየቋርፅ ኩለመዳይ ጉዕዞ ምኸድና ነይርና ኢለ እየ ዝኣምን፡፡ እዚ ኩሉ ግዜ ዝዛረቦ እውን እዩ፡፡ ደቂቕ ገምጋም ክነካይድ ነይሩና፡፡ ስለዚ እቲ ፀገም ከጋጥሞ ኣይነበሮን፡፡ ኣተኣላልይኡ ግን ዲሞክራስያዊ እዩ ነይሩ፡፡ ምስተኣለየ ግን ብድሕሪኡ ሕመቕ ከጋጥም ብዘየኽእል መንገዲ ብደቂቕ ገምጋም ኣይተዓጀበን፡፡ እንተንግምግም ናይ 1997 ዓ/ም ፀገም ኣይመጋጠመን፡፡ ነቶም ካብ 1997 ዓ/ም ዝተነፀሩ ፖሊሲታት፣ ስትራተጂታት ንቕድሚት ዝወስድ ወያናይ ሓይሊ ኣይፈጠርናን፡፡

ኣብ 1997 ዓ/ም ዘጋጠመና ናይ ትምክሕቲ ሓደጋ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ንትምክሕቲ ኩላትና ናይ ኢህወዴግ ኣባላት ክንምክቶ ይግበአና፡፡ ንብአዴን ጥራሕ ዝምልከት ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ዋላ ነቲ 1997 ዓ/ም ዘጋጠመና ናይ ትምክሕቲ ፀገም ብዝግባእ ተረዲእና እናሰዓብና እንትንፈትሖ እቲ ሕዚ ዘጋጠመና ፀገም ኣይመጋጠመን ነይሩ፡፡ ሕዚ ካብዚ ክንመሃር ክንክእል ኣለና፡፡ ነቲ ፀገም ካብ መሰረቱ ጀሚርና ክንፈትሖ እንተኾይና ድማ ብላዕሊ እዩ ክጅምር ዘለዎ፡፡ እቲ ፀገም ኣብኡ ስለዝኾነ፡፡ ነቲ ዓብዪ ፀይቃም ሓዲግና ኣብቲ ንእሽተይ ፀይቃም ክነተኩር የብልናን፡፡ ከምቲ ኣብ 1985 ዓ/ም ዝገበርናዮ ክንገብር የብልናን፡፡ እቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኣበይ ብርኪ ኣለና? ኢሉ ንባዕሉ ክርኢ ኣለዎ፡፡ ካብ ተመክሮና ክንመሃር ኣለና፡፡ ክንምሃር ድማ ኢና፡፡

ወይን፡– ትምክሕትን ፀቢብነትን ናይቲ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓትና ሓደጋታት ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ህዝቢ ትግራይ ኢኮኖምያዊ ልዕልና ከምዘሎን ህወሓት ድማ ቁልፊ ናይ ፌደራል መንግስቲ ኣካላት ከምዝሓዘን ብዝተፈላለየ መንገድታት እንትግለፅ ይስማዕ እዩ፡፡ መንቀሊኡ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ተጋዳላይ ስብሓት፡- መንቀሊኡ ኢህወደግ እውን ኣውጅዎ እዩ፡፡ መንቀሊ ናይ ፀቢብነትን ትምክሕትን ብልሽው ኣሰራርሓን ተግባራት ፀረ ዲሞክራስን እዮም፡፡ እዞም ፀገማት ኣብ ሓደ እዋን ዝተፈጠሩ ኣይኮኑን፡፡ ኣብቲ ዝሓለፍናዮ 15 ዓመት እናተዋህለሉ ዝመፁ እዮም፡፡ ንሕና እውን ዘለናዮ ማለት እዩ፡፡ ዝኾነ ኮይኑ ትምክሕትን ፀቢብነትን መግለፅታት ሕመቕ እዮም፡፡ መንቀሊኦም ግን ኣካብነት ክራይን ባህርያት ፀረ ዲሞክራስን እዮም፡፡

እዚ ውድብ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ውድብ እዩ፡፡ እቲ እንሃንፆ ዘለና ስርዓት ከዓ ካፒታሊዝም እዩ፡፡ ኢህወዴግ ድማ ከምቲ እንፈልጦ መሰረቱ ሸቃላይ፣ ሓረስታይ፣ ንኡስ ደላቢ ሃብትን ወያናይ ምሁርን እዮም፡፡ ስለዚ ኣብ ኢህወዴግ ካፒታሊዝም ብዘይ ሰብ ዋና እዩ ዝህነፅ ዘሎ፡፡ ካፒታሊዝም ዝሃነፁ ዓድታት ብብርዥዋ እዮም ሃኒፆም፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግን ንመጀመርያ ግዜ ካፒታሊዝም ብዘይ ሰብ ዋና ተኣዊጁ፡፡ ነዚ ዝገብሩ /ነቲ ካፒታሊዝም ዝሃንፁ/ መሪሕነት ናይ ኢህወዴግ እዮም፡፡ ግን ድማ ታሪኽ ዓዲልዎም ዘይስርሖም ይሰርሑ ስለዘለው ናይ ውሽጢ ውድብ ውዑይ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክህሉ ነይርዎ፤ ኣለዎ፡፡ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝባውነት እዩ፡፡ እዚ ከዓ ናይቶም ኣርባዕተ መደባት ጥራሕ እውን ኣይኮነን፡፡ ጠቕላላ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብቲ ዝነበሮ ግፍዕታት ነፃ ንምውፃእ ኩሉ በብደረጅኡ ክሳተፍ ኣለዎ፡፡ ስለዚ ናይ ህዝቢ ረብሓ ማእኸል ዘይገበረ ቀልጢፉ እውን ስለዝኸድዕ፣ ስለዝብስብስ ብውዑይ ቃልሲ ክሳነ ኣለዎ፡፡ ስለዚ እቲ መንቀሊኡ ናይ ህዝብን ሃገርን ረብሓ ዘቕድም ፖለቲካዊ ስራሕ፣ ውዳበታት ዘጠናኽርን ተሓታትነት ዘምፅእን ስራሕ ኣይተሰርሐን፡፡ ሰኑይ ሰሪቑ ሶሉስ ዝፍለጥ ስርዓት ኣይተሃነፀን፡፡ ኣብቲ ኣቀማምጣ ግን ትኽክል እዩ፡፡

ካብዚ ወፃኢ እንተርኢና ግን ትምክሕትን ፀቢብነትን ብመሰረቱ ናይቲ ዝመረተ ምሁር ኣተሓሳስባ እዮም፡፡ መሸጉጢ እዮም፤ መስረቒ፡፡ ዘይሰርቁ ከምዘለው፣ ዘየበላሸው ከምዘለው ንምምሳል ነቲ ህዝቢ ንመደንዘዚ ዝጥቀምሉ እዩ፡፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ትምክሕተኛ ኮነ ፀቢብ ኣይኮነን፡፡ ከምዚ ዝበለ ዝመረተ ኣተሓሳስባ ዝሓዘ ምሁር እዩ ነቲ ፈታዊ ህዝቢ ፀላኢ፣ ነቲ ፀላኢ ከዓ ፈታዊ እናበለ ዝውዕል፡፡ ሕዚ እቲ ቀንዲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እውን ተፈጢሩ ዘሎ ነቲ ቀንዲ ፈታዊ ህዝቢ ፀላኢ እናገበርካ ምቕራብ እዩ፡፡ ነቶም ፀላእቲ ከዓ ፈተውትና ኢለምዎም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ካብቶም ቀንዲ ፈታዊ ኮይኑ እናሃለወ ፀላኢ ተገይሩ ተቖፂሩ፡፡ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ትግራይ ኢኮኖምያዊ ልዕልና ኣሎ ተባሂሉ፡፡ ብክልስ ሓሳብ እንተርኢናዮ እቲ እንኽተሎ ዘለና ስርዓት ናይ ሓደ ብሄር ልዕልና ንክህሉ ዝፈቅድ እውን ኣይኮነን፡፡ ኩሉ ካብ ክልሉ እዩ ግብሪ ዘኽፍል፡፡ ብኡ ኣቢሉ ከዓ ይመሓደር፡፡

ሰፊሕን ዓሚቑን እዋናዊ ፖለቲካዊ ትንተና ተጋዳላይ ስብሓት ነጋ ኣብ ጋዜጣ ወይን ሮማናት አደባባይ፣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ወይን፣ ኣብ ዓይጋ ፎረም ተኣንገዱታ

ብጨረፍታ

እቲ ሕዚ ዝኸውን ዘሎ ከምኡ ዶ ክኸውን ነይርዎ? እንተድኣ ኢልና ግን፣ ክኸውን ኣይነበሮን፡፡ ብመሰረቱ ፖለቲካ ቃል ክኸውን የብሉን፡፡ ፖለቲካ እምነት /indoctrination/ እዩ፡፡ ስለዚ ስቕ ኢልካ ብቓል ጥራሕ ናይ ህወሓት ልዕልና የለን፡፡ ናይ ትግራይ ሕልፊ ኢኮኖምያዊ ተጠቃምነት የለን ኣይኮነን ክብሃል ዘለዎ፡፡ ኩሉ ሰብ ክሳብ ዝኣመነሉ፣ ተኣሚንሉ እውን ክሳብ ዝትግብሮ ክስረሓሉ ምተገበኦ፡፡ ነቲ ፀቢብን ትምክሕተኛን ምሁር ክተእምን ኣይትኽእልን፡፡ እቲ ህዝቢ ግን ክሳብ ዝኣመነሉ ኣሚኑ እውን ነቲ ኣተሓሳስባ ክሳብ ዝስዕሮ መሪር ዝኾነ ቃልሲ ክካየድ ይግባእ ነይሩ፡፡ እዚ እንተዝግበር እቲ ብፀቢብነትን ትምክሕትን ዝተኣሰረ ህዝቢ ነፃ ምወፀ ነይሩ፡፡ ስለዚ እቲ ህዝቢ ካብዚ ዶ ነፃ ኣውፂእናዮ? ኣውፂእና፣ ፈታውየይ ፈታዊ፣ ፀላእየይ ፀላኢ ክብል ዶ ገይርና? ብእምነት ጥራሕ እንተይኮነስ ብተግባር፡፡

ኣብዚ ህወሓት ከም ኣባል ናይ ኢህወዴግ ፀቢብነት ኮነ ትምክሕቲ ኣብዚ ብርኪ እዚ ክሳብ ዝበፅሕ፣ ኣሰላልፋ ክሳብ ዘዛብዕ፣ ሃገራዊ ድሕንነት ክሳብ ዝበላሾ ኣበይ ነይራ? ህወሓት እንትብል ኮላይ ንባዕለይ ሓዊሰ እየ፡፡ እዚ እንትብል ህወሓት ጥራሕ እዩ ተሓታቲ ማለተይ ኣይኮንኩን፡፡ ህወሓት ኣብ መድረኻት ኢህወዴግ ዝበለፀ ዶ ምኸደት ዶ ነይራ ካብ ዝብል ሕቶ እየ ዝብገስ ዘለኹ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ምንም እኳ እቲ ቓልሲ ብኣውርኡ ናይ ኢህወዴግ እንተኾነን ተሓታቲ እውን ንሱ እንተኾነን ህወሓት ነቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝነብር ትግራዋይ ተወዲቡ ክቃለስ እውን ገይራ እንተትኸውን እቲ ሓደጋ ምቐነሰ ነይሩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ እዚኦም ክልቲኦም ህወሓት ኣይገበረትን፡፡ ስለዚ እቲ ዝተፈጠረ ፀገም ኣብ ውሸጢ 15 ዓመት እናተኣከበ ዝተፈጠረ ስለዝኾነ ኣነ እውን ተሓታቲ እየ፡፡ እቲ ኻልእ ዝተተከአ ሓይሊ እውን ተሓታቲ ኢለ እየ ዝኣምን፡፡

እዚ ኮይኑ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ትግራይ ሕልፊ ኢኮኖሚያዊ ተጠቃምነት ኣሎ፣ ናይ ህወሓት ኣብ ኢህወደግ ልዕልነት ኣሎ ወዘተ ዝብሃል ግን ከምቲ ተደጋጊሙ ዝብሃል ምንም መሰረት ዘይብሉ እዩ፡፡ ከምቲ “ክበልዕዋያ ዝደለዩ ኣባጉምባሕስ”ዝብሃል ነቲ ስርዓት ከፍርሱ ስለዝደለዩ ጥራሕ እዩ ኣብ ህወሓትን ህዝቢ ትገራይን መሰረት ገይሮም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ፡፡

ወይን፡- እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ብዕምቆት ናይ ምሕዳስ መድረኽ ነቶም ተፈጢሮም ዝነበሩን ሕዚ እውን ዘለዉን ፀገማት ብመሰረቱ ዝፈትሕ ድዩ? ህወሓት ኮነ ኢህወደግ ነቶም ፀገማት ብዝግባእ ተረዲኦምዎ ድዮም? ክሳብ ሕዚ ዝኸድዎ ርሕቐት ከ እንታይ ይመስል?

ተጋዳላይ ስብሓት ፡- ሓደ ነገር እቲ ናይ ተሃድሶ ኣዋጅ ምእዋጁ ሓደ ዓብዪ ዓወት እዩ፡፡ እዚ ሓደ ጉዳይ ኮይኑ በብእዋኑ እናተዋህለለ ዝመፀ ሕመቕ ስለዘሎ ግን ብሓደ ግዜ ንምፍትሑ ኣፀጋሚ እዩ፡፡ ኣብቲ እናተዋህለለ ዝመፀ ሕመቕ እቲ ዋና ክሳርኡ ቅርሺ ኣይኮነን፣ እቲ ዋና ክሳርኡ ሓይሊ ሰብ እዩ፡፡ ሓይሊ ሰብ እዩ እንትብል እንተለኹ ዝተባላሸወ ሓይሊ ሰብ እዩ፡፡ ዝኸሰርናዮ ሰብ ካብቲ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ተግባራት ኣካብነት ክራይ ዝሰኣናዮ ቢልዮናት ንላዕሊ እዩ፡፡ ብሰንኪ ዘይምፅራይን ዘይምጥንኻርን ውዳበታትን ትካላዊ ኣሰራርሓታትን ዝኸሰርናዮ ሰብ ብዙሕ እዩ፡፡ ብዙሕ ሰብ እዩ ተቓፂሉና፡፡ ዓብዪ ኪሳራ እዩ ኣጋጢሙ፡፡ መሸጎጢ ስርቂ፣ መሸጎጢ ሕመቕ እናሰርሐ ዝመፀ ሰብ በዚሑ፡፡ ስለዚ ነዚ ሕመቕ በብእዋኑ እናዐረናዮ ስለዘይመፃእና እናተበራኽተ መፂኡ፡፡ ኔትዎርክ እናተፈጠረ ስለዝመፀ ብቐሊሉ ዝፍታሕ ኣይመስለንን፡፡ ይኹን እምበር ድሕሪ እቲ መድረኽ ብዕምቆት ምህዳስ ዝሓሸ ኩነታት ኣሎ፤ መሰረታዊ መፍትሒ ንምምፃእ ግን ክንድቲ ንቑልቁል ዝተጓዓዝናሉ እዋን ዋላ እኳ እንተዘይኣፅንሐ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመት ክወስድ ይኽእል እዩ፡፡ ሕዚ ናብቲ ኣንፀላልዩ ዝነበረ ናይ ምብትታን ሓደጋ ዘይንበፅሐሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ እዚ ሓደጋ ብፍፁም ድሕሪ ሕዚ ኣይድገምን ናብ ዝብል ብርኪ ግን ኣይተበፅሐን፡፡ ብዙሕ ዝተበላሸወ ሰብ ስለዘሎ እዚ ክሳብ ዝውይን ወይ እውን ብኻልእ ወያናይ ሓይሊ ክሳብ ዝትካእ ግዜ ክወስድ እዩ፡፡ ሕዚ እንታይ እዩ ነቲ ፀገም ምግንዛብ ሓደ ጉዳይ እዩ፡፡ ነቲ ግንዛበ ብጥልቀት እንተዘይተረዲእኻዮ እሞ ኣዐሪኻ እንተዘይፀሊእኻዮን በዚ ሕዚ ተሓድሶ ኣየድልየናን ናብ ዝብል ብርኪ እንተዘይተበፂሑ ዋጋ የብሉን፡፡ ምኽንያቱ ተሃድሶ ናይ ሕመቕ እዩ፡፡ ተኣጂልካ ትፀንሕ ተሃድሶ ትብል፡፡ ድሕሪ ሕዚ ቀጥ ኢልና ክንከይድ ኣለና፡፡ ዝቕፅሉ እናበዝሑ፣ ዝስተኻኸሉ እናወሓዱ፣ ዝልወጥ እውን እንተሃልዩ ብተኸታታሊ እናለወጥና ክንከይድ አለና፡፡ እዚ ልምዲ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ምቕፃል፣ ምምሕያሽ ለውጢ ዘድልዮ እንተኾይኑ ኸዓ ምልዋጥ የድሊ ኣብቲ ኣመራርሓ፡፡ ኣብ እንግሊዝ ምቕፃል /continutiy/፣ ምምሕያሽ /improvemen/፣ ምልዋጥ /change/ ዝብልዎ ኣለዎም፡፡ ንሕና እውን ነዚ ብዝግባእ ክንትግብሮ ኣለና፡፡ ናብቲ ዘየቋርፅ ጉዕዞ ዕብየት ክንኣቱ እዚ ምግባር ይሓተና እዩ፡፡ እቶም ሕመቓት ኣብቲ ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ሓደጋ ምዃኖም፣ ኣብቲ ሃገር ክሳብ ክንደይ ሓደጋ ምዃኖም ክንርዳእ ኣለና፡፡

ከምቲ ቅድም ክብል ዝገለፅክዎ ክሳብ ሕዚ በቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ሓደጋ ካብ ምብትታን ዘድሕን ስራሕ ተሰሪሑ ኣሎ እየ ዝብል፡፡ እቲ ከም ሓደ ዓብዪ ውሕስነት ገይረ ዝወስዶ ግን እቲ ዝቕፅል ጉባኤ ሓደ ጠቓሚ ስጉምቲ ብምውሳድ ንቕድሚት ክመርሐና፣ ንቕድሚት ብሓደ ግዜ ክወስድና ዘይኮነስ ካብቲ ሕዚ ዝኒሀ ምርግጋእ ብዝሓሸ ናብ ግዚኡ ዝተፈለጠ ብዕምቆት ምሕዳስ ከእትወና ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ፡፡ ከእትወና እውን እዩ፡፡ እዚኣ እንተምሊጣ ግን ሽግር ክፍጠር እዩ፡፡

ወይን፡– ካብቲ መድረኽ ብዕምቆት ምህዳስ ዝጅመር ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዘለካ ገምጋም፡፡ ካብቲ ሃገራዊ ምርግጋእ ብዝዘለለ እንታይ ዝመፀ ለውጢ ኣሎ ትብል?

ተጋዳላይ ስብሓት፡- እቲ መሪሕነት ብዝግባእ ተዓጢቑ እዩ፣ እቲ ህዝቢ ካብቶም ሓጥያታት ወፂኡ እዩ ዝብል እምነት የብለይን፡፡ ነቶም እቲ ገምጋም ምህዳስ ዘቐመጦም ሕመቓት ሓደ ብሓደ እንተርኢና እኮ ዝኾነ ሰብ ዝርድኦን ክምልሶ እውን ዝኽእልን ሕቶ እዩ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ምህዳስ ዓበይቲ ሓደጋታት ተባሂሎም ካብ ዝተቐመጡ ፀገማት ፀቢብነትን ትምክሕትን ብቐንዱ ክጥቀሱ ዝግብኦም እዮም፡፡ ሕዚ ነዚ ፈሊና እንተሪኢናዮ ኣብ ምንታይ ብርኪ ኣሎ? ፀቢብነትን ትምክሕትን ካብቲ ህዝቢ ነቒልካ ንምውፃእ ዘኽእሉ ስራሕቲ ዶ ንሰርሕ ኣለና? እቲ ህዘቢ ነቶም ናይ ፀቢብነትን ትምክሕትን ኣተሓሳስባታት ዝዘርኡ ዝነበሩ ፀላእቱ ፀላእተይ እዮም ከ ይብል ዶ ኣሎ? ነቲ ፈታዊኦም ፀላእየይ ዝበልዎ ኸ ፈታውየይ እዩ ዶ ይብሉ ኣለው?

ካልኣይ ኣብቲ ጉዳይ ዲሞክራሲ እንተሪእና፣ ፀረ-ዲሞክራሲ ኣብ ውሽጢ ውድብ፣ ፀረ-ዲሞክራሲ ምስ ህዝቢ ዝብል እዙይ ከ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ? ኣብ ውሽጢ ውድብ እንትብሃል ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ዘለዋ ውድባት ኣብ መንጐኦም ምትእመማን ኣሎ ዶ? ሓደ ኢና፣ ሓንቲ እያ ፕሮግራምና ዝብል ኣተሓሳስባ ዶ ኣሎ ሕዚ? ናይ ህወሓት ፕሮግራም ናተይ ፕሮግራም እዩ ዶ ይብል ኦፒዲኦ? ብአዴን ናይ ዲህዴን ወይ ናይ ካልኦት ውድባት ፕሮግራም ናተይ እዩ ዶ ይብል? እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ውድባት ዘለው ሕመቓት ናተይ ሕመቕ እዩ ዶ ይብሉ እቶም ውድባት? ህወሓት እውን ከምኡ፡፡ ፕሮግራሞም እኮ ናይ ኩሎም ሓንቲ እያ፡፡ እቲ ብሄራዊ ዝበሃል ቅርፂ /form/ እዩ፡፡ ህወሓት እቲ ቃልሲ እንትጅምር እንተሎ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጐንፂ ቀዳማይ ናይ ብሄር እዩ፡፡ እቲ ካልኣይ ከዓ ናይ ሓረስታይ እዩ ኢሉ እዩ ተቓሊሱ፡፡ ስለዚ ኣብቲ ብረታዊ ቃልሲ እውን እቲ ቅርፂ /መልክዕ/ ናይቲ ቃልሲ እዩ ብሄራዊ ነይሩ እምበር ትሕዝቶ እቲ ቃልሲ ግን ደርባዊ እዩ ነይሩ፡፡

ስለዚ ኢህወዴግ ነቲ ቁምነገር /ትሕዝቶ/ ናይቲ ቃልሲ ብኣግባቡ ተረዲኡ ናይ ኩላትና ዕላማ ሓንቲ እያ ኢሉ ኣብ ኩሎም ዲሞክራሲያዊ ዝኾነ ረኽቢ ክህሉ ዶ ገይሩ? እንተኢልና፣ ኣነ ከምኡ ዘለው ኣይመስለንን፡፡ ምስኽኻፍ ዘሎ ይመስለኒ፡፡ ካሊእ ብልሽው ኣሰራርሓ እውን ፀገም እዩ ተባሂሉ ተቐሚጡ ኣብቲ ተሃድሶ፡፡ ወንበር ንውልቀ ረብሓኻ ምውዓል ኣሎ ተባሂሉ፡፡ ኣብዚ ነቲ ስርዓት እንተይ ኣፅረኻ፣ ነቲ ቕድም ዝነበረ እንተይጋላህኻ፣ ነቲ ግዕዝይና ዝፈጠረ ኣካይዳን ኣፈፃፅማን እንተይፈተሽካ ነቲ ፀገም ምፍታሕ ኣይክኣልን፡፡ ኣብ ታሕቲ ኸ እንታይ ለውጢ ኣሎ? መለለይ ካርዲ ብነፃ ዶ ይወሃብ ኣሎ? ዕዳጋታት ከመይ ኣለው? ኣብ ውሽጢ ውድብ ከ ኣብ ሕድሕድ ውድባት ዝተወደበ ስርዓት ዝሓዘ፣ ንመሰረታዊ ጉዳያት ትኹረት እናተውሃበ ዶ ይግምግም ኣሎ? ወይስ ናይ ውልቀ ሰባት ምትእስሳር ኣሎ? ኔትወርክ አሎ? ስለዚ እዚ ቆፂርካ ዝፍለጥ ስለዝኾነ ኣብቶም ኣብቲ ገምጋም ዝተቐመጡ ሕመቓት ዝተፈጠረ ለውጢ ዝኾነ ሰብ ዝርድኦን ክግምግሞ እውን ዝኽእልን እዩ፡፡ ኣይተ እከልን ኣይተ እከለን ነቲ ዝነበረ ብልሽው አሰራርሓ ተጠቒሞም ሰሪቖም፡፡ ወይ ከዓ ነቲ ስርዓት ኣብ ምብልሻው ኢድ ነይርዎም ዝብል ወፂኡ ዶ ኣይወፀን፡፡ ኣነ ነዚ ኣይፈልጥን፡፡ ኣብ ላዕሊ እየ ዝብል ዘለኹ፡፡

ወይን፡- እቲ ንቕድሚት ዝካየድ ጉባኤ ነቶም ዘለዉ ድምር ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ታሪኻዊ ብፅሒት ንክህልዎ ዘለካ ትፅቢት ደጋጊምካ ገሊፅካ ኣለኻ፡፡ እዚ ንክኸውን ብኣግኡ ክስርሑ ዝግበኦም ስራሕቲ እንታይ እዮም?

ተጋዳላይ ስብሓት፡- ነቲ ዝመፅእ ዘሎ ጉባኤ ዘሎ ትፅቢት ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት እውን ተላዒሉ እዩ፡፡ እቲ ሓደ ንህወሓት ዓብዪ ዓወት ክኸውን ዝኽእል እውን እዚ እዩ ክኸውን ዝኽእል፡፡ ማለት ቅድሚ እቲ ጉባኤ ብዝግባእ ገምጊሙ ክመፅእ ኣለዎ፡፡ ኣብ ኢህወደግ እውን ከምኡ፡፡ ኣርባዕቲኦም ውድባት ሓደ ኣጀንዳ ናይ ጉባኤ ክሕዙ ኣለዎም፡፡ ንኣብነት ኣብቲ ሕገ-መንግስቲ፣ ናይ ህዝቢ ውዳበታት፣ ናይ ፓርቲ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን፣ ናይ ፀላእቲ ወዘተ መሰረት ዝገበሩ መሰረታዊ ኣጀንዳታት ሒዝካ ምእታው ይረኣየኒ፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ትሕቲ ኢህወዴግ ዘለዉ ውድባት ሓደ እዮም፡፡ ኣሰናዳዊት እቲ ጉባኤ እውን ናይ ኩሎም ሓደ ክኸውን ኣለዎ፡፡ እቲ ሓደ ውድብ ጉባኤ እንትገብር እውን ሰለስቲኦም ዝካፈልሉ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ክሳብ ሕዚ በበይንትና ኢና እናካይድና ነይርና፡፡ እቲ ሓደ እንተካይድ እውን ከምኡ፡፡ ኣብቶም ኣጀንዳታት ድማ ብሰፊሑ ምይይጥ ዝግበረሉ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ኣባል ጥራሕ እንተይኮነስ መሰረታዊ እቶም ማሕበራዊ መሰረታትና እውን ክመያየጥሉ ኣለዎም፡፡ ትሕዝትኡ ህዝቢ ዝፈልጦ ክኸውን ይግባእ፡፡

ነዚ ኣጀንዳ እዚ ፅሑፋት ዘዳልው እውን ካብ ኣርባዕቲኦም ውድባት ዝተውፃእፅኡ ገይርና ሓደ ውድብ ኮይና እንተካይድና እቲ ጉባኤ መጀመሪ ናብ ዘየዳግም ተሃድሶ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ዝኾነ ኮይኑ አቲ ዝቕፅል ጉባኤ ከም ናይ ኢህወዴግ ብሓዱሽ ምፍጣር ገይሮም ዝሪእዎ ብዙሓት እዮም፡፡ ነቲ ኣነ ዝብሎ ዘለኹ ኣጀንዳታት ዝሓዙ ካልኦት እውን ኣለዉ እዮም፡፡ ስለዚ ነዚኦም ኣኻኺብካ ትሕዝትኡ፣ ኣወዳድብኡን ኣካይድኡን እንታይ ይኹን ዝብል መበገሲ ፅሑፍ /ፕሮፖዛል/ ኣቕርቡ እንተዝብሃሉ ነቲ ዝምልከቶ ኣካል ከቕርቡ ከምዝኽእሉ እውን ይግመት፡፡ ነዚ እቲ ኣባል ጥራሕ እንተይኮነስ እቲ ህዝቢ ብምልኡ ዝፅበዮ ዘሎ ጉዳይ እዩ፡፡ ልምዓት ይፅበ፣ ፍትሒ ይፅበ፣ ወዘተ … ካብቶም ዝፅበዮም ሓደ ግን እቲ ዓብዪ እዚ እውን እዩ፡፡

ስለዚ ንኣይ እቲ ክሳብ ሕዚ ኣብቲ መድረኽ ምህዳስ ዝተሰርሐ መረጋግኢ እዩ፡፡ ድሕሪ እቲ ጉባኤ ግን ብዝሕዚ ናብ ተሃድሶ ከምዘይንምለስ መጀመሪ እቲ ዘየቋርፅ ጉዕዞ ዕብየት ዝረጋገፀሉ በሪ ክንፈጥር ኣለና፡፡ እዙይ መጀመሪ ምስረታ ኢህወዲግ እዩ እውን እንተብልኩ ኢህወዲግ ዶ የለን እዩ ከይብሃል ኢህወዲግ ከም ብሓዱሽ ዝፈጠረሉ ታሪኻዊ ጉባኤ ክኸውን እዩ ብምባል ክገልፆ፡፡

ወይን፡– ሃገርና ኣብ ትሕቲ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኮይና ትመሓደር ምህላዋ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲ ህፁፅ ኣዋጅ ኮይና ትመሓደር ብምህላዋ ከዓ ስክፍታታት ኣሎ፡፡ ብመሰረቱ እቲ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኣድላዪ ነይሩ ዶ ትብል? ክሳብ መዓዝ ከ እዚ ኣዋጅ እዚ ክፀንሕ ይኽእል?

ተጋዳይ ስብሓት፡- ብመሰረቱ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ብሓለዋ ሰላም እትፍለጥ ዓዲ እያ፡፡ ሰላም ብምሕላው ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ እያ ኢትዮጵያ፡፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ሽም ስለዘለና ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክዝረግ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ዘለዎ ናይ ውሽጢ ይኹን ናይ ደገ ሓይሊ ዋላ ሓደ ኣይነበረን፡፡ ስለዝኾነ እቲ ፀገም ዘይተገመተ፣ ክመፅእ እውን ዘይነበሮ፣ ክፍጠር ዘይነበሮ ፀገም እዩ ተፈጢሩ፡፡ እቲ ፀገም ንልዕሊ ዓሰርተ ኣዋርሕ እዩ ድማ ፀኒሑ፡፡ ኣብዚ ንብረት፣ ህይወት ጠፊኡ እዩ፡፡ ነዚ ኩነታት ፀላእቲ ክፍጠር ይኽእል እዩ ኢሎም እኳ እንተዘይገመቱ ግን ከዓ ክኸውን ዝፅበይዎ ዝነበረ እዩ፡፡ ለይትን ቀትርን እውን እናሰርሕሉ ፀኒሖም እዮም፡፡ ክልተ ዝተፈላለየ ግን ድማ ዝመሳሰል ባህጊ ዘለዎም ኣካላት ነዚ ስራሕ እናሰርሕዎ ፀኒሖም፡፡ እቶም ሓደ ምድብ መንግስቲ ክወድቕ /state failure/ ክፍጠር ዝደልዮ እዮም፡፡ እዚኦም ንኹሎም ሽሞም እንተይፀዋዕኹ መንግስቲ ኤርትራን ናቱ ጎይታታትን ኮራኹርን ዝሓውስ እዩ፡፡ መንግስቲ እንተወዲቑ ንብረት ጠፊኡ፣ ናይ ደቂ ሰባት ህይወት ሓሊፉ ክስተኻኸል ዝኽእል ነገር እውን ኣይኮነን፡፡ እዚ እንተተፈጢሩ ከዓ ንዓና ኣዐርዩ ከቢድ ታሪኻዊ ክሳራ እዩ፡፡ እዛ ሃገር ብዝኾነ መንገዲ ክትዕርየሉ ናብ ዘይትኽእል ብርኪ እዩ ዝወስድ፡፡ እዚ ንክኸውን እቶም ዝገለፅክዎም ኣካላት ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ዝርከቡ ብሕመቕ ዝተሰየሙ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ብሓባር እናሰርሑ ፀኒሖም እዮም፡፡ እቲ ኩነታት ምስ ኣጋጠመ ድማ እዚ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም ደምዲሞም ነይሮም እዮም፡፡ ምንም ኣይተጠራጠሩን ነይሮም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብቂዑላ እዩ ኢሎም ነይሮም፡፡ ኲናት ሕድሕድ ተጀሚሩ እዩ፣ መምለሲ የብሉን፤ ኢሎም ዝኣመኑ ፍፁማት ፀላእቲ እዮም፡፡

ካልኣይ ፈትውትና ዝመስሉ ሕዚ እውን ኣሽማቶም እንተይፀዋዕኹ ገለ ዓበይቲ ዓድታት ኣብዚ ኩነታት ተረባሪቦም እዮም፡፡ ናይዚኦም ድሌት ምእንቲ ልኣላዊት ኢትዮጵያ ንኸይትህሉ እዩ፡፡ ኣብ ታሪኽ ሉኣላዊት ኢትዮጵያ ተራእያ ስለዘይትፈልጥ፣ ሉኣላዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ እተሕድሮ ፅልዋ እውን ስለዝፈልጡ በዚ ምኽንያት እውን ይመሮም ስለዘሎ ሉኣላዊት ኢትዮጵያ ንምጥፋእ ንሶም እውን ተረባሪቦም እዮም፡፡ ንሳቶም ሓሻክር እንድዮም ዝደልዩ ስለዚ እዚ ዘስግኦም ፈተውትና ዝመስሉ ዓበይቲ ዓድታት መንግስቲ ዘይብላ ሃገር ንምፍጣር እንታይኮነስ ናይ ኢህወዴግ ኣመራርሓ ንመድስካል /dilute ንምግባር/ ማለት እውን ሉኣላውነቱ ዘይሕልው መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክፍጠር እናሰርሑ መፂኦም እዮም፤ ሕዚ እውን ይሰርሑ ኣለዉ፡፡ እዚኦም ብዋናነት ነቶም ውድቀት መንግስቲ ዝፅበዩ ናይ ውሽጢ ዓዲ ተቓወምቲ ውድባት ምስ ኢህወዴግ ስልጣን ከማቕልዎም እዮም ዝደልዩ፡፡ ኢህወዴግ ምስ እዚኦም ብምሕዋስ ድኹምን ሉኣላውነቱ ዘይሕሉ መንግስትን ፈጢሮም ናቶም ተለኣኣኺ ምእንታን ክኸውን ይደልዩ፡፡ እዚ ምእንታ ክኸውን ድማ እዚኦም እውን ምስቶም ፀላእትና ኮይኖም ይሰርሑ፡፡

ስለዚ ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኮይነ ብምርኣይ እቲ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ብወገነይ ዘንጊዑ እንተዘይኮይኑ ምእዋጁ ትክኽል እዩ፤ እየ ዝብል፡፡ እዚ እንትብል ግን ቁፅሪ ሓደ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ዘፍጥር ኩነታት ክንፈጥር ኣይምተገበአናን ነይሩ፡፡ ቀጥ ኢልና እናማዕበልና፣ ዲሞክራታይዝ እናኾና ክንከይድ ምተገበአና፡፡ ስለዝሓመቕና ግን ነቲ ሕመቕና ድማ ፀላእትና መዝሚዞም ናብቲ ዝረኣናዮ ኩነታት ስለዘእተውና እቲ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ብዘይጥርጥር ኣድላዪ ኮይኑ ተረኺቡ፡፡

እዚ ብምዃኑ እቶም ተሃርሂሮም ዝነበሩን ነናይ ባዕሎም ዕላማ ዝነበሮምን ክንደይ ከም ዝተናደዱ ይፈልጥዎ እዮም፡፡ ንሕና እውን ንፈልጦ ኢና፡፡ እዛ ሃገር ከይትድሕን፣ ካብቲ ገጢምዋ ዝነበረ ፀገም ምእንታን ከይትወፅእ ናብ ዝመስልዎም ሰባት ክንደይ ስልኪ ከም እተደወለ ንፈልጦ ኢና፡፡ ምኽንያቱ ወዲቖም እዮም ኢሎም ደምዲሞም እዮም ነይሮም፡፡ ስለዚ እቲ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኣዕርዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ፡፡

ሕዚ ኸ ንዝብል፣ እቲ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ንክልዓልን ንኸይልዓልን ዝውሰኖ እቲ ኩነታት እዩ፡፡ ነቲ ኩነታት ዝግንዘቦ ከዓ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ፡፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይደልዮ ዶ? እንተይልና ንሰላሙ ብዘለዎ ትርጉም ህዝቢ ኢትዮጵያ ይደልዮ እዩ፡፡ ፀላእቲ ግን ኣይኮነን ክሳብ ሕዚ ክፀንሕን ክቕፅልን ነታ ሽዱሽተ ወርሒ እውን ከመይ ከምዝመረረቶም ርኢናዮም ኢና፡፡ ስለዚ ንሳቶም ቀልጢፉ ክለዓለሎም እዮም ዝደልዩ፡፡

እቶም ፀላእቲ ሕዚ እውን ስርሖም ኣይሰርሑን ዘለው ኣይንብልን፡፡ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሞም ዝተለምዎ ዝወደቐት ኢትዮጵያ ንምህላው ለይትን ቀትርን ካብ ምስርሖም ዓዲ ኣይውዕሉን፡፡ ብድምር ግን እዚኦም ደረጀኦም እዩ ዝፈላለ እምበር ክልቲኦም ሓደ እዮም፡፡ ምስቶም ኢትዮጵያ ክትወድቕ ዝደልዩ እንተተሓናፊፅና ወዲቕና ማለት እዩ፡፡ ስለዚ እዚኦም እቲ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ክለዓል ይደልዩ፡፡ ምእንታን ድሌቶም ክሰርሑ፡፡ ይኹን እምበር ህዝቢ ኢትዮጵያ እዚ ክኸውን ዝደሊ ኣይመስለንን፡፡ ንስኻ ኸ እንታይ ርኢቶ ኣለካ እንተድኣ ኢልክሙኒ ግን ሕዚ ለይትን ቀትርን ፅዑቕ ፖለቲካዊ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ፡፡ እዚ እናገበርና ክሳብ ጉባኤ እንተንፀንሕ ፅቡቕ ምዃነ እብል፡፡ እዚ እንትብል ወሳኒኡ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ፡፡ ኣነ ግን ከምቲ ዝበልክዎ ክሳብ እቲ ጉባኤ ዝካየድ እንተዝፀንሕ ደስ ምበለኒ፡፡

ወይን፡- ሕገ መንግስቲ ሃገርና ብፍላይ ከዓ ስርዓት ፌደራሊዝም ኣብ ሃገርና ፀዲቑ ኣብ ተግባር ካብ ዝውዕል ንነዘ ልዕሊ 20 ዓመት ኣቑፂሩ ኣሎ፡፡ ይኹን እምበር እዚ ሕገ መንግስቲ እንትፀድቕ ዝለዓሉ ዝነበሩ ሕቶታት ሕዚ እውን ብዝተፈላለዩ መንገድታት ይለዓሉ ኣለው፡፡ ብፍላይ ከዓ እዚ ስርዓት ነዛ ሃገር ክብትና እዩ ዝብል ናይቲ ትምክሕቲ ኣተሓሳስባ እናቐነሰ ኣብ ክንዲ ዝኸይድ እናተጠናኸረ እንትኸይድ ንዕዘብ ኣለና እሞ ኢህወዴግ ልዕልነት እቲ ወያናይ ዲሞክራሲ ኣተሓሳስባ ኣብ ምርግጋፅ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ከመይ ክንገልፆ ንኽእል?

ተጋዳላይ ስብሓት፡- ሓይልታት ትምክሕቲ ነቲ ፌደራል ስርዓት ካብ ቀደሙ ኣይደልይዎን ነይሮም፡፡ ብኣንፃሩ ውድባት ብሄር ብሄረሰባት ከዓ ነዚ ስርዓት ሃንቀውታ ነይርዎም፡፡ ሃንቀውታ ጥራሕ ማለት እዩ፡፡ ናይ ትምክሕቲ ሓይልታት እንተድኣ ኣልዒልና ግን ካብ ቀደሙ እውን ተለሚኖም ኣብዮም እዮም፡፡ ህወሓት/ ኢህወዴግን ኣብ 1981 ዓ/ም ኣብ ኣቬራ ጉባኤ እንተካይድ ኩሎም ናይ ኢትዮጵያ ውድባት ብፀጋም ይሃልው ብየማን እኒ ኢህኣፓ/ ኢህኣሰ፣ ኢድዩ፣ ምኢሶን ወዘተ ሰራዊትና ፀፀግዑ ኣቐሚጥና ፖሊስ ቆፂርና ብናይ ደገ ሓይሊ እውን እናተሓለውና ናይ ስግግር መንግስቲ ንመስርት እንትብል እንተሎ ቁፅሪ ሓደ ዘባጨወ ውድብ እንተነበረ ኢህኣፓ እዩ፡፡ ሽዑ ኢህኣፓ ኣብ ቶሮንቶ ኣኼባ ገይሮም ነይሮም ፡፡ እዚ እንትገብሩ ንዓና ኣግሊሎም ንኢድዩ እዮም ዓዲሞሞም፡፡ ደሓር ከዓ ንሕና እውን ምስ ደርግ ክንሸማገል ንሮማ ከይድና ነይርና፡፡ ደርግ እውን ሽዑ ንሕና ብዛዕባ ኢትዮጵያ ምዝራብና ኣዐርዩ ገሪምዎ፡፡ ንስኹም ዶ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ትዛረቡ ኢኹም? ኢሉና፡፡ እዚ እንትብሉና ንሕና እውን ገሪሙና፡፡ ግን ከዓ እቲ ምዝራብና ዘይተርፍ ስለዝኾነ ናብቲ ሽምግልና እንትንኣቱ ቅድሚ እቲ ሽምግልና ምጅማሩ መሸማገሊ ቋንቋና እንታይ ይኹን? ተባሂሉ፡፡ ድሕሪ እዚ ደርግ ቋንቋና እንግሊዝኛ ይኹን ኢሉ፡፡ ብኣንፃሩ ንሕና ድማ ንናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ብእንግሊዝኛ ኣይንዛረብን፣ ኣምሓርኛ ኢና እንዛረብ ኢልና፡፡ ሓቂ ንምዝራብ እንተኾይኑ ነቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ እቶም ናታቶም ልኡኻት ካብቶም ናትና ልኡኻት ንታሕቲ እዮም ዝፈልጥዎ፡፡ ይኹን እምበር በዚ ኸምዚ ዝበለ ምኽንያት ተፈላሊና እቲ ሽምግልና እንተይተኻየደ ተሪፉ፡፡

እዚ ኮይኑ እንተብቅዕ ንሕና ተስፋ ኣይቆረፅናን ኣብ 1983 ዓ/ም እንደገና ኩላትና ነቲ ስግግር መንግስቲ ንመስርት ድማ ኢልና፡፡ ሰራዊትና ብሓላዊ ይቀመጥ ኢልና፡፡ ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ መንግስቲ ዘይብላ ሃገር ተገይራ እያ እትሕሰብ ነይራ፡፡ ከም “Failed state” እያ እትቑፀር ነይራ፡፡ እዚ ስለዝኾነ ሓይልታት ምዕራብ ኢዶም ዘወጣውጥሉ እዋን እዩ ነይሩ፡፡ ኢህወዴግ መንግስቲ መስሪቱ ነቲ ሃገር ክመርሕ እዩ ዝብል እምነት እውን ኣይነበሮምን፡፡ ገለ ሃገራት ኣፍሪካ እውን ድሕሪ ሕዚ ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር የላን፤ ስለዚ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ እውን ካብ ኣዲስኣበባ ክነውፅኦ ኢና ኢሎም ዝመናጠልሉ ዝነበረ ወቕቲ እዩ፡፡

ኣብዚ ቀውጢ ኩነታት ኢሰፓ፣ ኢህኣፓ፣ ምኢሶን ወዘተ ኢትዮጵያ ትሃሉ ዶ ኣይትሃሉ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ናብቲ አህወዴግ ዝፀወዖ ናይ ሓባር ምስረታ ስግግር መንግስቲ ኣይንኣቱን እዮም ኢሎም፡፡ ንኣይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገርም ታሪኽ (the most historic) ኢትዮጵያ ገና ንኽትህሉ ፃዕሪ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ትውልዶም እዩ ኢትዮጵያ እምበር ናይ ኢትዮጵያ ኣረኣእያ እንተዝህልዎም ኣይንኣቱን ኣይምበሉን ነይሮም፡፡ እዙይ ኣዐርዩ ታሪኻዊ ነይሩ፡፡ እዚኦም እንታይ ይባሃሉ? ኢትዮጵያ ትህሉ ድያ ኣይትህሉን? ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ኢትዮጵያ ኣይትሃሉ እዮም መሪፆም፡፡ ስለዚ እቶም ትምክሕተኛታት ነቲ ስርዓት ኣይድግፋን ነይሮም፤ ይቃወሙ ነይሮም ጥራሕ እንተይኮነስ ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር ክትጠፍእ እውን ዓብዪ ድሌት እዩ ነይርዎም፡፡

ኢድዩ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ፀብፀሖ ጉድኣት ዝፍለጥ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ንኢድዩ ፃውዒት ገይርናሎም ኢና፡፡ ኣትዮም እውን ተቐቢልናዮም፡፡ ሽዑ ሰይጣን ይኹን መልኣኽ ዝኾነ ብሽም ህዝቢ ዝተወደበ ሓይሊ ይእቶ ኢና ኢልና፡፡ ካልእ ይትረፍ እስላማዊ ግንባር ንሓርነት ኦሮሞ (Islamic front for the libaration of oromia) ዝብል ነይሩ፡፡ ንሱ እውን ይምፃእ እዩ ተባሂሉ፡፡ እዚ ኩሉ እንተገበርና እውን ግን ኣይኮነን፡፡ እዚ ዝብል ዘለኹ ነቲ ፌደራል ስርዓት ብቓል ዘይኮነስ ብተግባር እውን ዘይደልይዎ ምንባሮም ክግለፅ ስለዝደለኹ እየ፡፡ ኣብዚ ከይዲ እዙይ እቲ ፌደራል ስርዓት ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝተሓንፀፀ ማለተይ እየ፤ ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ ሓድነት ብሄራት ከምዝህሉ እዩ ዘቕምጥ፡፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ኣብ ከይዲ ሓደ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ማሕበረሰብ ከምዝፍጠር እዩ ዝገልፅ፡፡ ስለዚ እቲ ሕገ መንግስቲ ካልኦት ዓድታት እውን ከም ኣብነት ወሲዶም ክጥቀምሉ ዝደልዩ ሕገ መንግስቲ እዩ፡፡ ንኣብነት ዒራቕ ሓሲቦሞ ነይሮም፤ ፀገም ኣጋጢምዎም እምበር፡፡ የመንን ካልኦት ብዙሓት ናይ ኣፍሪካ ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ድሌት ነይርዎም፡፡ ዝወሰድዎ ዓድታት እውን ኣለዉ፡፡ ኣብ ልዕሊ እዚ እቲ ፌደራል ስርዓት ከከም ኩነታቱ ኣብ ከይዲ እናተመሓየሸ ከምዝኸይድ እውን የቕምጥ እዩ፡፡ ብድምር ግን እቲ ሕገ መንግስቲ ብኣንፃር ረብሓ ህዝብን ሃገርን እንተተራእዩ ዝወፆ የብሉን፡፡

እዚ ኮይኑ ኣብ ኣፈፃፅማ ነቲ ሕገ መንግስቲ ዝፃብኡ ተግባራት ግን ኣለው፡፡ እዚ ብምዃኑ እውን ግድን እዚ እዩ ፈጢርዎም እኳ እንተዘይተብሃለ ኣብዚ ሃገር ናይቲ ስርዓት ሓደጋ ትምክሕቲ ጥራሕ ዝነበረ ሕዚ ፀቢብነት እውን ተወሲኽዎ ኣሎ፡፡ ስለዚ ሕዚ ከምቲ ኩላትና እንሪኦ ዘለና እቲ ሕገ መንግስቲ እውን ኣብ ፈተና ወዲቑ ንሪኦ ኣለና፡፡ ይኹን እምበር ዕጥቂ ስለዘለና /እቲ ክልስ ሓሰባዊ ዕጥቂ ማለተይ እየ/ እቲ ሕገ መንግስቲ ባዕሉ፣ እቲ ወያናይ ዲሞክራሲያውነት ኣሎ፡፡ ስለዚ ነዚ ቀልጢፍካ ተዓጢቕካ ምድሓን ይካኣል እዩ፡፡

ካብዚ ተበጊስና እንተሪእና እቶም መሰረታዊ ዕጥቅታት ስለዘለውና ካብቲ ገጢሙና ዘሎ ሓደጋ ክንወፅእ ንኽእል ኢና፡፡ ኣብ 1983 ዓ/ም እኮ እቶም ሕዚ ዝወነንናዮም ዕጥቅታት ኣይነበሩናን፡፡ ስለዚ ሕዚ አዐርዩ ዝበለፀ ዕጥቂ ስለዘለና ካብቲ ሓደጋ ዘይንወፀሉ ምኽንያት የለን ክብል ደልየ እየ፡፡ ነቶም ዕጥቅታት ምስጣም እዩ ዘድሊ ሕዚ፡፡ እቶም ዕጥቅታት ህዝቢ ዝተረብሐሎም ዕጥቅታት ስለዝኾኑ ድማ እዚ ነቲ ሕገ መንግስቲ ኮነ ነቲ ዙርያ መለሽ ጉዕዞና ዓብይ ዕድል እዩ፡፡ ፀቢብነት ናይ ዝተወሰነ ምሁር ኣተሓሳስባ እዩ፡፡ ትምክሕቲ እውን ከምኡ፡፡ ስለዚ ንዚኣቶም ንምስዓር ነቶም ዕጥቅታት ብዝግባእ ዓጢቕና ነቲ ህዝቢ እውን ብዝግባእ ኣንቂሕናን ወዲብናን ምኻድ ከድሊ እዩ፡፡

ወይን፡– ኣብ መንግስቲ ሻዕብያ ከም ሃገር እናተኸተልናዮ ዝመፃእና ፖሊሲ ወፃኢ እቲ ዝድለ ውፅኢት ከምዘይኣምፀአ ናይ ብዙሓት ሰባት ርኢቶ ይኸውን ኣሎ፡፡ ብፍላይ ከዓ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ምስቲ ኣብ ከባቢታት ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራት ይሰርሖ ኣሎ ዝበሃል ስራሕ ተኣሳሲሩ እውን ቀፃሊ ዕዳ ህዝቢ ትግራይ እዩ ይባሃል እዩ እሞ ኣብዚ ዘለካ ርኢቶ እንታይ እዩ?

ተጋዳላይ ስብሓት፡- ኣነ፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ እቲ ክሳብ ሕዚ ዝነበረ ፖሊሲ ጉድለት ነይርዎ ዝብል እምነት የብለይን፡፡ ምናልባት ሕዚ ክስተኻኸል ኣለዎ ዝበሃል ነገር እንተሃልዩ ድማ እቲ ውሳነ ናይ ዝለዓለ ኣካል እዩ ዝኸውን፡፡ ምናልባት ኣብቲ ክሳብ ሕዚ ዝነበረ ፖሊሲ ኣብ ኣፈፃፅምኡ ግን ድኽመት ዶ ይነብር ይኸውን ዝብል ሕቶ ኣለኒ፡፡ ማለት ፈተውቲ ክልቲኡ ህዝቢ ኣብ ምልዕዓል፣ ኣብ ምስላፍ ውስናት ጉድለታት ይህልው ዶ ይኾኑ እብል፡፡ ምስ እዚ ተተሓሒዙ በቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኣይሰላም ኣይኵናት ኩነታት ዘሎ ጥቕዓት እንተርኢና ክልቲኡ ህዝቢ እዩ ዝጥቃዕ ዘሎ፡፡ እዚ ደኣ ይኹን እምበር እቲ ቀንዲ ጥቕዓት ግን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ዘሎ፡፡ ፍሉጥ እዩ ምስ ኤርትራ ሰላም እንትንኸውን ንሕና እውን ከም ህዝብን ሃገርን እንረኽቦ ጥቕሚ ኣሎ፡፡ እዚ ብዘይምዃኑ ዝጐደለና ነገር ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ፡፡ ግን እዚ ምስቲ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ኩነታት ዝጉድኦ ዘሎ ጉድኣትን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣጠቓላሊ ሓደጋን እንተወዳዲርናዮ ግን እቲ ናይ ኤርትራ ኣዐርዩ ዝገደደ እዩ፡፡ ንርኢ ኣለና ህዝቢ ኤርትራ ናብ ስደት እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ እውን ብትንትን ዝበለ እዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ናይ መንግስቲ ምውዳቕ /Failed state/ ሓደጋ እዩ ኣንፀላሊዩ ዘሎ፡፡ እቲ ሕዚ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ነዚ እዩ ዘርኢ፡፡ ኣብ ኤርትራ ዘለው ዓፋር ይኹኑ ኩናማ፣ ሳሆ፣ ትግረ ዋላ እውን እቶም ትግርኛ ተዛረብቲ ዝተባታተኑ እዮም፡፡ ነዚ ዝርዳእ መንግስቲ ድማ የለን ኣብ ኤርትራ፡፡ ስለዚ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ድኽመት ናይቲ ስርዓትን እቲ ዝፈልሕ ዘሎ ነጐዳን /ማሕማሕ ዝብል ዘሎ ነጐዳ/ እንተርኢናዮ ኣብ ኤርትራ ውድቀት መንግስቲ ኣይጋጥምን ኢልካ ክትዛረብ ኣየኽእልን፡፡ ኣብዚ ኩነታት ኣባና ክበፅሕ ዝኽእል ሓደጋ ካብቲ ሕዚ ዝኒሀ ሓደጋ ዝዓበየ እዩ ዝኸውን፡፡ ስለዚ እቲ ሓደጋ እቲ ናይ ሕዚ ዘይኮነስ እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ንቕድሚት እዩ ዘሎ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ይብተን ኣሎ፡፡ ስለዚ ኣብ ውሽጢ እቲ ፖሊሲና ኮይና እዚ ከይኸውን ነቲ ህዝቢ ምልዕዓል ዶ ምትኽኣለ ነይሩ ዝበልኩ እውን ነዚ እዩ፡፡ ኣብቲ ብደገ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም እናተረዳዳእና እናፈጠርናዮ ዝመፃእና ፅዕንቶ እውን ካብቲ ዝሰራሕናዮ ንላዕሊ ምኸድና ዶ ነይርና እብል፡፡

እንተዘይኮይኑ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መንግስቲ ካብ ዕግርግር ወፃኢ ክነብር ኣይኽእልን፡፡ ሓደ እዋን ሓሰን ጉሌ ናይ ጁብቲ ፐረዚዳንት/ “ኢሳያስ ብመሰረቱ ካብ ዕግርግር ወፃኢ ክነብር ኣይኽእልን፡፡ ህይወቱ እውን ዕግርግር እዩ” ኢልዎ ነይሩ ፡፡ ትኽክል እዩ እቲ መንግስቲ ህውከት እንተሃድን መሬት መሸይዎ፡፡ ናብ ዕግርግር ይኣቱ እሞ በዝን በትን መተዓረቕቲ ይመፅሉ፡፡ ስለዚ እቲ መንግስቲ ብተፈጥርኡ ብዘይህውከት ክነብር ኣይኽእልን፡፡ ናብ ደቡብ ሱዳን፣ ናብ ሱማልያ /ኣልሸባብ/ ናብ ቀረባና ምኻድ እሞ ንግደፎ ናብ ስሪላንካ እኮ ከይዶም ነይሮም ሻዕብያ፣ ህውከት ክእልሹ፡፡ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ድማ ሻዕብያ ምስ ኢራን /ሁቲ/ ዓሪኹ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ሕዚ ድማ ንኢራን ሓዲጉ ናብ ሱዑዲ ዓረብ /ሺዓ/ ከይዱ ኣሎ፡፡ እዙይ ዘሪአና ክትግምቶ ዘይትኽእል ዝሓመመ ጉጅለ ምዃኑ እዩ ናይ ኤርትራ መንግስቲ፡፡ ፅባሕ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ዝበለፀ ዕግርግር እንተተፈጢሩ ናብቲ ዝበለፀ ክኸይድ እዩ፡፡ ከምዚ እናገበረ ገንዘብ ከምዝረክብ ድማ ይፍለጥ እዩ፡፡ ግን ገንዘብ ዓዲ ኣይሰርሕን፤ ሰላም እውን ኣየምፅእን፡፡

መንግስቲ ሻዕብያ ገንዘብ ዝረኽብሉ ወይ ሽሙ ዝፅወዐላ ኣጋጣሚ እንተረኺቡ ግና ናብ ዝኾነ እዩ ዝኸይድ፡፡ ብዝኾነ መንግስቲ ሻዕብያ ገዛ ዕዮ ዘይብሉ መንግስቲ እዩ፡፡ ጉዳይ ኤርትራ ጉዳዩ ኣይኮነን፡፡ ሽሙ ጥራሕ ትፀዋዕ፡፡ ስለዝኾነ እውን ሕዚ ምስቶም ንዓና ዝፃልኡ ጥልዕ ጉምቡስ ምባሉ ዝነበረን ዘሎን እዩ፡፡

ኣብቲ ዓዲ ዘሎ ኩነታት እንተሪኢና ድማ መንግስቲ ሻዕብያ ኣብ ኤርትራ ንሱ ዝበላ ዝሰምዕ ህዝብን መሪሕነትን እዩ ፈጢሩ ዘሎ፡፡ ዝኣዘዞ ዝሰርሕ መሪሕነት ወይ ከዓ በየ ኣንፈቱ ዝኸድዕ፣ በዚ ኣቢሉ ነፃ ዝወፅእ መሪሕነትን ህዝብን እዩ ዘለዎ፡፡ ንሕና ካብዚ ይምሓረና ኢና እንብል፡፡ ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን፡፡ ንሕና እቲ ህዝቢ ዝበለና ክንሰምዕ፣ ህዝቢ ሕማቕ ስለዘይደሊ ዝበለና ክንሰምዕ ጥራሕ እውን ዘይኮነስ ዝበለና ክንገብር ኣለና፡፡ ሻዕብያ ግን እዚ እንትገብር ፈለማ መን ከማኻ እናበለ እዩ ኣዐሽይዎ፡፡ እዚ ትምክሕቲ እዚ ዓብይ ሓደጋ እዩ፡፡ ንሕና እውን ካብዚ ክንምሃር ኣለና፡፡ ብዝኾነ ከምዚ እናበለ ሕዚ ኣብ ኤርትራ ቅርፂ ዘለዎ መንግስቲ ናብ ዘይብሉ ብርኪ በፂሑ ኣሎ፡፡ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ዘይኮነስ ሓደ ሰብ እዩ ዘሎ፡፡ ዝኾነ ኮይኑ ግን እዚ ኩነታት ተደሚሩ ንክልቲኡ ህዝቢ ከቢድ ሓደጋ እዩ ፡፡

ስለዚ ሕዚ ናይ ፖሊሲ ለውጢ እንተሃልዩ መንግስቲ ዝሓስበሉ ጉዳይ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ኮይኑ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ግን ብመሰረቱ ንኢትዮጵያ ስርሓ ከይትሰርሕ ዝገብር ግን ኣይኮነን፡፡ ኣሉታዊ ፅልዋ ኣለዎ፤ ግን ከዓ ባዕልና እንተዘይሓሚቕና ካብ ዕዮ ገዛና ከትርፈና ዝኽእል ግን ኣይኮነን፡፡ ክሳብ ሕዚ እውን ይቅርታ ህዝቢ ትግራይ ክቕየም ይኽእል ይኸውን በቲ ዝኒሀ ኩነታት መሰረታዊ ዝኾነ ጉድኣት በፂሑና እዩ ኣይብልን፡፡

እዚ ምስ በልኩ ህዝቢ ትግራይ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ትምክሕተኛ ዝበሃል፣ ፀቢብ ዝበሃል ህዝቢ የለን ኢሉ ዘይቕየም ንህዝቢ ኤርትራ እውን ክቕየም የብሉን፡፡ ስለዚ ከዓ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘሎ ርክባት ክጠናኸር ኣለዎ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵታ ካብ ኤርትራ ንዝመፁ ስደተኛታት ዘለዎ ፖሊስን ኣተሓሕዛን ዝምስገን እዩ፡፡ እዚ ኣዐርዩ ናበቲ ህዝቢ ክወርድ ኣለዎ፡፡

ወይን፡– ክሳብ ሕዚ ዘይገለፅክዮ ክሓልፍ እትደልዮ መልእኽቲ እንተሃልዩ፡-

ተጋዳላይ ስብሓት፡- ብቐንዱ ክገልፆም ካብ ዝደሊ ጉዳያት ሓደ ኣብቶም ዝሃብክዎም ሓሳባት ዝኾነ ሰብ ዝመሰሎ ርኢቶ ክህብ ይኽእል እዩ፡፡ እቶም ዝገለፅክዎም ድኽመታት ቅድም ኢልና ኣብቲ ኣመራርሓ ንዝነበርና ነፃ ዘውፅእ ነቲ ሕዚ ዘሎ ኣመራርሓ ድማ ዝወቅስ ገይርካ ምርዳእ ኣየድልን፡፡ እቲ ድኽመት ናይ ኩላትና ድኽመት እዩ፡፡ ምኽንያቱ ናይ 15 ዓመት ድኽመት ኢና እንግምግም ዘለና፡፡ ካሊእ እቲ ዝተቓለሰ ህዝቢ፣ ህዝቢ ትግራይ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ኣይተቓለሰን ኣይብልን ነቲ ዘለዎ ዝወደቐ ናብራ ብዝግባእ ምግንዛብ ከድልዮ እዩ፡፡ ኣብ ዝወደቐ ናብራ ኢና እነይና፤ ከም ትግራይ ይኹን ዋላ ከም ኢትዮጵያ፡፡ ስለዚ ከምዚ ኢልና ኣይንነብርን፤ ካልኦት ናይ ዓለም ህዝብታት ከም እኒ ጃፓን፣ ጀርመን ዝበፅሕዎ ክንበፅሕ ኢና ክብል ኣለዎ፡፡ ካብ ዝወደቕናዮ ኣይተሳእናን ገና ኢና፤ ብዝበለፀ ፅኑዕ እምነት ክሕዝ ኣለዎ፡፡ እዚ እንተሃልዩ ዝፍጠር ሓይሊ ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን፡፡ ከምዚ ዝበለ ሓይሊ እንተተፈጢሩ ንሎምን ንፅባሕን ዝኸውን ሓይሊ እዩ፡፡ ኣብዛ ሕዚ እዋን ኮይና እንትርኢ ግን ኣይኮነን ንፅባሕ ዝኸውንስ ንሎሚ ዝኸውን ሓይሊ እውን የብልናን፡፡ ሓደ ኣመራርሓ ከዓ ንፅባሕ ዝኸውን ሓይሊ እውን እዩ ክፈጥር ዘለዎ፡፡ ስለዚ እዚ ክኸውን እንተኾይኑ ዝነቐሐ ዝተወደበ ኣመራርሓ ክፍጠር ኣለዎ፡፡ እቲ ዝነቕሐን ዝተወደበን ኣመራርሓ እዩ ዝነቕሐን ዝተወደበን ህዝቢ ዝፈጥር፡፡ እዚ ክኸውን ዝግባእ ድማ ኣብቲ ላዕለዋይ መሪሕነት እዩ፡፡ ዓርሞሸሽ ኣመራርሓ እንተተፈጢሩ ኣብ ትግራይ ዝተደጎለ ዓቕሚ ዘለዎ፣ ክውደብ ዝኽእል፣ ተወዲቡ እውን ተኣምር ክፈጥር ዝኽእል ዝተደጎለ ፀጋ ኣሎ፡፡ ነዚ ክንፈጥር ክንክእል ኣለና፡፡

ካብዚ ወፃኢ እዚ ጉዳይ ነቲ ውድብ ዝምልከት እዩ ክኸውን፡፡ ኣብ ምግምጋም ዘሎ ፀገም ብዝግባእ ክርአ ዘለዎ እዩ፡ እንትንግምግም መጀመርያ ውዳበታት፣ ዓቕምታት እዩ ክግምገም ዘለዎ፡፡ ተቐዳዲምና ሰብ ክንግምግም የብልናን፡፡ ህወሓት ጉባኤታቱ ምግምጋም፣ ማእኸላይ ኮሚቴኡ ምግምጋም፣ ፖሊት ቢሮ ምግምጋም፣ ካልኦት ኩሎም ውዳበታትን ትካላትን ምግምጋም የድልዮ፡፡ እዚ እንትንግምግም ቀንዲ መርአይና እቲ ትካል ወይ ውዳበ ሰብ ዶ የፍሪ ኣሎ ወይስ ኣየፍርን ብዝብል ክኸውን ኣለዎ፡፡ እዚ ምስ ገበርና ነቲ ሰብ እውን ክንግምግም ንኽእል፡፡ ኣብዚ ኮይና እገለ ፅቡቕ ሰሪሑ፣ እገለ ወዲቑ ክንብል ንክእል፡፡ ኣነ እቲ ውዳበን እቲ ትካልን ብዝግባእ እንተገምጊናዮ ሰብ ምግምጋም እንተቐረየ እውን ብዙሕ ዝጎድእ ኣይኮነን፡፡ ውዳበን ትካልን እንተይገምገምካ ሰብ ምግምጋም ግን ዓብዪ ክሳራ እዩ፡፡ ክሳብ ሕዚ ኣብ ገምጋማትና እናተዓዘብክዎ ዝመፅእ ዘለኹ ግን ብሰብ ጀሚርካ ብሰብ ምውዳእ እዩ፡፡ ኣነ ፖሊት ቢሮ እንተኾይነ ነቲ ፖሊት ቢሮ ከም ውዳበ ምስተገምገመ እየ ክግምገም ዝግበኣኒ፡፡ ስለዚ ኣካል እንተይገምገምካ ናብ ውልቀ ሳባት እናዘለልካ ክስቶ ከምዚ እዩ፤ ክስቶ ከምዚ እዩ ምባል መንገዲ ዕንወት እዩ፡፡

ምስ እዚ ተደሪቡ ክርአ ዘለዎ ኣብ ገምጋማት በለፀኛታት ኣለዉ፡፡ ስቕ ኢሉ ፀኒሑ፣ ሰብ ሓሳብ እንትህብ ምስረአየ ርኢቶ ዝህብ፡፡ ጎይትኡ እንተተዛሪቡ ዝድግፍ፣ ጎይቶኡ እንተተቓዊሙ ዝቃወም እንተይሰምዐ፣ እንተይረኣየ ዝድግፍ፣ እንተይሰምዐ እንተይረኣየ ዝቃወም፣ ሓሳብን ሰብን ዘይፈሊ በለፀኛ ኣሎ፡፡ ኣብዚ እቲ ለኣኺ ድዩ ሓደገኛ ወይስ እቲ ተልኣኺ እንተኢልና ክልቲኦም ሕማቓት እንድዮም ንዓይ ግን እቲ ዝኸፍአ ሕማቕ እቲ ተልኣኺ እዩ፡፡ ስለዚ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ እንተይሰምዑን እንተይረኣዩን ክድግፉ ወይ ክቃወሙ ወሲኖም ዝኣተዉ ኣብ ኩሉ ብርክታት ዘለዉ /ካብ ፖሊት ጀሚሮም ክሳብ ዝነኣሱ ውዳበታት/ ካብ ሻዕብያ ወይ ካልእ ፀላኢ ሓይሊ ክንፅውዕ ቀንዲ ፀላእትና እዚኦም እዮም፡፡ ናይ ውሽጢ ፀላኢ እዩ ሓደገኛ፡፡

ኣብ ሓደ ጉባኤ ድሕሪ መስዋእቲ መለስ ኣብ ዝተኻየደ መበል 11 ጉባኤ ኣባይ ወልዱ እንተመርሕ ሓደ ብጣዕሚ ዘሕጉስ፣ ንዓይ ዘሕጎሰኒ ኣብ ውድብና ምጥቕቓንን ምጥቕቓዕን ኣሎ ኢሉ ሰለስተ ሻዕ ተዛሪቡ፡፡ እቲ ጉባኤ ግን እዚ ኣበይ እዩ ዝርአ ኢሉ ኮሚቴ ኣጣይሹ ክርኢ ኣይክኣለን፡፡ እቲ ኣባይ ዝበሎ ትኽክል እዩ፡፡ ከምኡ የለን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ፡፡ ግን ከምኡ ጥራሕ ተባሂሉ ተሪፉ፡፡ ካብዚ ዝኸፍአ ሓጥያት ስለዘየለ ክፃረ ነይርዎ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ምስዚ ወሲኽና ክንሪኦ ዝግበኣና ዕግበት ዝምልከት እዩ፡፡ ዕግበት ኣዐርዩ ሓደገኛ እዩ፡፡ ዕግበት እናፀወዓ ዝወደቓ ውድባት ብዙሓት ክፅውዕ ይኽእል እየ፡፡ ሓደ ውድብ ክወድቕ እንተድኣ ኮይኑ ዕግበት እዩ ዘንፀባርቕ፡፡ ከምዚ ሰራሕና፣ ከምዚ ገበርና ይብል፡፡ ነቲ ክሰርሖ ዝግበኦስ ሰሪሐዮ ኢሉ ይጀሃር፡፡ ሓምሳ ክንሰርሕ መደብ እንተሒዝና ነተን ሓምሳ ብምፍፃምና እንታይ ዘዛርብ ኣለዎ፡፡ ካብቶም ዝሰራሕናዮም ክንመሃረሎም ዝግበአና ፅቡቓት ወይ ሕማቓት ነገራት እንተሃልዮም ምዝራብ ይከኣል፡፡ ብሕልፊ ከዓ ነቲ ዝሓዝናዮ ዘይንሰርሖ ስለዘለና ኣይሰራሕናዮን ኢልና ኢና ክንዛረብ ዝግበአና፡፡ ምእንታ ክንሰርሖ፡፡ ቻይናውያን ስርሖም ወዲኦም እንትግምግሙ፣ ነቲ ዝሓዝዎ ትልሞም ብኣግባቡ ወዲኦም ማለት እዩ ካብዚ ዝበለፀ ምሰራሕና፣ ካብዚ ዝበዝሐ ምስራሕና እዮም ዝብሉ፡፡ ካብዚ ዝበለፀ፣ ካብዚ ዝበዝሐ ዘይሰራሕናሉ ምኽንያት እዚ፣ እዚ እዩ ኢሎም እዮም ምኽንያት ዘቕምጡ፡፡ ኩሉ ግዜ ስርሖም እንትግምግሙ ዝበዝሐን ዝበለፀን /more & Better/ ኢሎም እዮም ዝለዓሉ፡፡ ከምኡ እናበሉ እዮም ገምጋማቶም ዝዓፅዉ ቻይናውያን፡፡ ከምኡ ስለዝብሉ እውን ሕዚ ቻይና ዘላቶ ብርኪ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ግን ከዓ ቻይናውያን ሕዚ እውን እንተኾነ ንሃገሮም ዘይማዕበለት ሃገር ኢሎም እዮም ዝፅውዕዋ፡፡ ጃፓናውያን እውን ድቃስ የብለሙን፤ ከይብለፁ፡፡ ዕግበቶም እንትፅብፅቡ ኣይንርእን፡፡ ንሕና ግን እዚ ኣይለመድናዮን፡፡ ንእሽተይ ሰሪሕና ዝለዓለ ስራሕ፣ ዘሕጉስ፣ ዝተሳኸዐ፣ ተጠናኺሩ ክቕፅል ዝግበኦ ንብል፡፡ እዚ ፀገም እዩ፡፡

ፀላእትና ጌጋታትና የጋንኑ እዮም፡፡ ኣነ ኣይፀልኦን፤ መጠንቀቕታ እዩ፡፡ መበገሲኡ ዋላ ካሊእ ይኹን ይፍለጥ እዩ ዕንወት ምምናይ እዩ፤ ዘልዕልዎም ጌጋታት ግን ምቕባል ኣድላዪ እዩ፡፡ እዚ ሓሳብ ካብ ፀላኢ እዩ መፂኡ ኢልካ ዝድርበ ሓሳብ የለን፡፡ ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ድኽመታትና፣ ግድፈታትና ንፀላኢ ቐዲምና ንህዝቢ ባዕልና ንዛረቦ፡፡ ፈታዊ ዝመስል ከዓ ኣብ ውሽጢ ኮይኑ ዓወት የጋንን፡፡ እቶም ፀላእቲ ጌጋታት የጋንኑ፡፡ እዚኦም ክልቲኦም ንዓይ ፀላእቲ እዮም፡፡

ኣብ መወዳእታ ከምቲ ቅድም ክብል ዝበልክዎ ኣብ ትሕቲ ኢህወደግ ዘለዋ ውድባት እንተይተሰኻኸፋ ብትረት ሓደ ኮይነን ዝግምግማሉ መስርሕ ኢህወዲግ ቀልጢፉ ክፍጥር ኣለዎ፡፡ ሓደ ስለዝኾና ምንም ዘስኻኽፍ ነገር የብልናን፡፡ ምኽንያቱ እዚ ህዝቢ ካብ ኢህወደግ ወፃኢ ካልእ ተስፋ ስለዘይብሉ ፀላኢ ከይሕጎስ፣ ፈታዊ ከይሓዝን ብቕፅበት ሓደ ኣካል ኮይኑ ክኸይድ ኣለዎ፡፡ ውዳበታትና ነጠናኽር፡፡ ውድበ ሓይሊ እዩ ንብል እሞ፣ ነቲ ውድብ ሓይሊ እዩ ዝበልናዮ ከዓ ኔትዎርክ ፈጢርና ነዳኽሞ፡፡ እዚ ብዝግባእ ክርአ ኣለዎ፡፡ ብድምር በዚ ሕዚ ተሃድሶ ናብ እትብሃል ቃል ናብ ዘይንሰምዐሉ ብርኪ ክንሰጋገር ኣለና፡፡ ተሃድሶ ተኣጃጂልካ ናይ ምፅናሕ፣ ናይ ሕመቕ ውፅኢት እዩ፡፡ ወልፊ ኮይኑ፡፡ ቀፃልነት ዘለዎ ምምሕያሽ ንግበር፣ ለውጢ ዘድልዮ እንተሃልዩ እውን እናለወጥካ ምኻድ እዩ ዘድሊ፡፡

ወይን፣ ብሽም ምስንዳእ ቤት ፅሕፈት ጋዜጣ ወይን ነመስግን፡፡

ተጋዳላይ ስብሓት፣ ኣነ እውን የመስግን፡፡

*******

Guest Author

more recommended stories