ናይ መሪሕነት ሱር ነቀል ለውጢ ወይ ተተሓሒዝካ ምጽዳፍ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ድማ መተማን ኸባቢኣን ዝነብር ብዓሰርተ ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝብና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ። ዝከላኸለሉ ስኢኑ ሎሚ ናብ ሱዳንን ካሊእን ፋሕ ጭንግራሕ ይብል ኣሎ። ንብረቱ ተዘሚቱ፣ ተቓፂሉን ዓንዩን ይርከብ። ህወሓት ቕድሚ እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተለሞ ኣኼባታት ምግባር ናይ እኒ ገዱ ዘመቻ ምፅናት ተጋሩ ብመከላኸሊ ሰራዊት ሃገር ኣቢሉ ጠጠው ንኸብሎ ዝከኣሎ ይግበር። እዚ ግዘ ዘይህብ ጉዳይ እዩ። እዚ ካብ በልኩ ኣፍቲ ተሓሲቡ ዘሎ ኣኼባታትን ካሊእን ቑሩብ ዝመስለኒ ከካፍለኩም።

እዛ ኣብዚ ሰሙን ተጀማሚራ ዘላ ኣኼባ ኣብ መሪሕነት ሱርን ነቀል ለውጢ ሒዛ ተዘይመጺኣ በቃ ምጽዳፍና ኣረጋጊፅና ማለት እዩ። ብቲ ዝጸንሐ ክንቅፅል ከምዘይንኽእል ካብዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ንላዕሊ መረጋገጺ የለን። ካብ ዲናያል (denial) ወጺእኻ ምስቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ምርፃም ዝሓሸ ፍታሕ ከም ዘምፅእ ምርዳእ የድሊ።

ኣብዚ ሰሙን ኣባላት ኢህወደግ ዝኾኑ ውድባት ናይ ባዕሎም ኣኼባታት ከካይዱ ከምተወሰን ይፍለጥ። ህወሓት ድማ ቕድሚ ጠቕላላ ኣኼባኣ ብውዳበታት ኣቢላ ክትጅምሮ ተሓሲቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ትግራይን ዘለዉ ከምዝጀመሩ ገለ ኣሕዋት ሓበሬታ ኣቐቢሎምና። ግን እዚ ኣኼባ ካፍቶም ዝሓለፉ ኣኼባታት እንታይ ይፈሊዮ? ኢልካ ምሕታት ናይ ለባማት እዩ ዝኸውን። ንዚ ሕቶ ሕድሕድ ኣባል ንጹር መልሲ ክህልዎ ይግባእ። ከምቶም ዝሓለፉ ኣኼባታት ’’ኣብ ዝሓለፈ እዚ ጥንካረን ድኽመትን ከምዘለና ገምጊምና ድኽመትና ንምምሕያሽ ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና’’ ዝብሉ ስታንዳርድን ዘይቕየሩ መልሲታት ምስማዕ ለሚድናዮን ሰልቺዩናን እዩ። ምኽንያቱስ እቶም ኣለዉ ዝተብሃሉ ድኽመታት ክመሓየሹ ኣይረኣናን።

ኣፍቶም ብድኽመት ዝተፈረጁ ጉዳያት ይኹን ኣባላት መሪሕነት ሓንቲ ስጉምቲ እንተይወሰድካ ኣኼባታት ብጓይላ ምዝዛም ልሙድ ኣሰራርሓ ህወሓት ካብ ዝኸውን ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ መበል 12 ጉባኤ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት ’’ብምጥቕቓን፣ ብምጥቕቓዕ፣ ብምጉጅጃል፣ መትከላዊ ዘይኮነ ርክብ ብምፍፃም፣ ብክራይ ኣካብነት …’’ ወዘተ ዝግለጸሉ ኩነታት ከምዘሎ ንርእሱ ገምጊሙ ከብቅዕ ንቲ ብኸምዚ ዓይነት ዝተገምገመ መሪሕነት ተመሊሱ ተመራሪጹ ኣኼባ ብጓይላ ተዛዚሙ። ህዝቢ ሒዝካ ንምጥፋእ ተዘይተደሊዩ እዚ ሎሚ ክድገም የብሉን። እንተተደጊሙ ጥፍኣት ህዝቢ ትግራይ ምእዋጅ ምዃኑ ሕድሕድ ኣባል መሪሕነት ክርዳእ ኣለዎ። ስለዚህ ካብዚ ኣኼባ ህዝብና ዝጽበ ካፍቲ ልሙድ ዝተፈለየ ከምዝኾነ ክፍለጥ ኣለዎ።

ዕንጭቕና ይኣክል

ናይ ውድብ ኣኼባታትስ ይካይድ ጽቡቕ። ግና ኣብዚ ጉዳይ ህዝቢ እንተይ ይብል ከምዘሎ ምፍላጥ ዶ ኣይምተገበአን? ብፍላይ ድማ ነዚ ዘሎ ኩነታት ዝከታተሉዎ ሙሁራን እንታይ ሪኢቶታትን ትንታነን ምኽሪን ከምዘለዎም ንምስማዕን ንምቕባልን መድረኽ ንምፍጣር ንምንታይ ዘይተደለየ? ካባና ንላዕሊ ዝፈልጥ የለን ዝብል ዕንጭቕና እንተኾይኑ ሀዚውን ኣብ ሓደጋ ኣለኹም ንብለኩም። ኣንቱም ሰባት ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ እምበር ካብ ኣፍታ ውድብ ዘለኹም ሰባት ዝበልሑ ፈላጣት ተጋሩ ትግራይ ወሊዳ እያ። ብዛዕባ ተገዳስነት ህዝቦም ድማ ብደምቢ ገይሮም ዝበልጽኹም እውን ከምዘለዉ ብርግጸኝነት ምዝራብ ይከኣል። ሙሁራትን ህዝቢ ወልቃይትን፣ ኣብርሃ ጅራን፣ ሽንፋን ክብሎ ዝሓገየ ብእዋኑ እንተትሰምዑን ግቡእ ምላሽ እንተትህቡን ነይርኩም ሎሚ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ኣዘቕቲ ኣይምኣቶናን።

ኣንቱም ኣብ ኣመራርሓ ዘለኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ካፍቲ ኣሲሩኩም ዘሎ ዘየዛልቕ ምቾት (comfort zone) ወጺእኹም ሱር ነቀል ዝኾነ ለውጢ ክትገብሩ ትፅቢት ይግበረኩም ኣሎ። ሙሁራትን ሰብ ሃፍቲን ትግራይ ፀዊዕኹም ንምዛራብ ትብዓት ይሃልኹም። እዚ ክትገብሩ እንተደፊርኩም ድማ ብኣዋጅ ንኹሉ ክትዕድሙ ይግባእ። ንይምሰል ተትፈልጡዎ ሰብ ጥራይ እንተፅዊዕኹም ግና ተኣካቢ ካባኹም ዝተፈለየ ሓሳብ ክህሉዎም ኢልካ ኣይግመትን። ንሱ ድማ ውጺኢቱ እቲ ንሪኦ ዘለና ስለዝኾነ ንለውጢ ዝሕግዝ ኣይኮነን። ሓደ ንህዝቢ ጠጠው ኢለ ኣለኹ ዝብል ውድብ ናይ ህዝቢ ሪኢቶ ክፈርሕ እንተጀሚሩ ነገር ተወዲኡ ኣሎ ማለት እዩ። ብሉፅ ሓሳብን ትንተናን ብቕንዕና ምቕባልን ምጥቃምን ናይ ዓርሰ እምነት መግለጺ እምበር ናይ ዘይምፍላጥ ምልክት ኣይኮነን። ኣብ ዓለምና ኣለዉ ዝበሃል ገዘፍቲ መራሕቲ ኣብ ሕድሕድ ጉዳይ ኣማኻሪ ኣለዎም። እዚ ዝገብር ፖለቲካዊ ሓይሊ ዕድሚኡ ናይ ምንዋሕ ዕድሉ ሰፊሕ እዩ። እዚ ድማ ትጸልኡዎ ኣይመስለናን።

ህዝብና ዘድሊዮ

ኣብዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ብሉፅን ዓቕሚ ዘለዎ መሪሕነት የድሊዮ ኣሎ። ውፍያትን ነብሶም ዝረስዑን መራሕቲ ይደሊዮ ኣሎ። ከምቲ ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ኣነ ክሞት ንስኻ ፅናሕ ናተብሃለ ዘስደምም ታሪኽ ዝተሰርሐ ሀዚ’ውን ካባይ ንስኻ/ኺ ዝበለጸ ዓቕሚ ኣለካ/ኪ ኢሎም ቦትኦም ንብዓል ዓቕሚ ዝለቁ ኣባላት መሪሕነት የድሊዮ ኣሎ። ብሰንክይ ህዝቢ ትግራይ ይጉዳእ ኣሎ ታሪኸይ ከይፅይቕ ኢሉ ብፍቓዱ ካብ ስልጣን ዝገልስ ተባዕ መሪሕነት የድሊዮ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ዓው ኢሉ ዘእውየሉን ዝሕለቐሉን ተመራጺ ይደሊ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኾነ ይኹን እንትጉዳእ ብዘይ ስኽፍታ ሽሙ ፀዊዑ ዝጣበቐሉ መሪሕነት የድሊዮ ኣሎ። እቶም ፎቖዶ ጭንግራሕ ዝብሉ ዘለዉ ሰብ ሃፍቱን ሙሁራቱን ኣኪቡ ንምስራሕ ምችው ባይታ ዝፈጥረሉ መሪሕነት የድሊዮ ኣሎ። ህዝብና ክልሉ ብቕልጡፍ ኣማዕቢሉ ድኽነት ዘጥፈአሉን ፎቖዶ ናኸደ ካብ ምጉናይን ምሕሳርን ዘድሕኖ መሪሕነት ይደሊ ኣሎ። ህዝብና መናእሰይ ደቁ ካብ ስራሕ ስእነትን ስደትን ዘናግፎ መሪሕነት የድሊዮ ኣሎ። ንህዝቢ ትግራይ እዚ እውን እንትንእሶ እዩ። ደቁ መሪቑ ንመስዋእቲ ዘቕረበን ኩለንተንኡ ንዛ ሃገር (ኢትዮጵያ) ዘወፈየን ተባዕን ዓቕላምን ህዝቢ ካሕስኡ ሰላምን ራህዋን፣ ፖለቲካዊን ቑጠባዊን ሓርነትን፣ ፍትሕን ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን እምበር ብማንም ትምክሕተኛታት ዝድፈር፣ ብድኽነት ዝሳቐ፣ ብልምዓት ንድሕሪት ዝተረፈ፣ ብስራሕ ስእነት ዝሳቐ፣ ፍትሒን ሰናይ ምምሕዳርን ዝሓረሞ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ጀኖሳይድ ዝእወጀሉ ህዝቢ ክኸውን ኣይመተገብኦን።

ዝገርመኒ ዘሎ

ሙሁራትን ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ ኣብ ወገኖም እዚ ኹሉ ሽግር ናበጽሐ ኣብ ገዝኦም እስካብ ዝኣቱ ሱቕ ምባሎም እዩ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሽግር ኣብ ህወሓት ዝተሓፀረ ኣይኮነን ንህዝቢ ትግራይ ብጠቕላልኡ እምበር። መፍትሒኡ እውን ምንም’ኳ ኣብ ኢድ መንግስቲ ዘሎ እንተኾነ ሙሁራትን ሰብ ሃፍቲን ትግራይ እውን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ገይሮም ቐሊል ዘይበሃል ተፅዕኖ ምፍጣር ይኽእሉ እዮም። ከም ንሪኦ ዘለና ግን ኩሉ በቢገዝኡ እንዳ ሻሂን ኮይንካ ካብ ምዝራብ ዝሓልፍ ነገር ኣይገበረን። እዚ ብህጹፅ ክቕየር ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ኣብዛ ሃገር ሓደጋ እንተመጺኡ ቐንዲ ተጎዳእቲ ኣብ ጽቡቕ መነባብሮ ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ እምበር እቲ ድኻማ ኣይነበሮ ኣይጠፍኦ ነገር እዩ ዝኸውን። ስለዚህ ንቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓደጋ ንምቕልባስ መንግስቲ ብብቕዓት ሓደ ነገር ክገብር ድምጹ ዓው ኣቢሉ ከእውዩ ዘለዎም ሙሁራትን ሰብ ሃፍቲን ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን ኢልና ንኣምን።

ህጹጽ ስጉምቲ

ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ህዝብና ካብ ዘርኢ ምፅናት ከምልጥ ፍቖዶ በረኻታት ፋሕ ጭንግራሕ ይብል ኣሎ። ንዙይ ጠጠው ንምባል ነኒኽእሉ ንግበር። ንመንግስቲ ፃዊዒት ካብ ምግባር ጀሚሩ እስካብ ማሕብረሰብ ዓለም ክፍልጦ ፃዕሪ ይገበር ንብል።
***********

ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ ኣብ ሃገራዊን ዞባዊን ከምኡውን ዓለም ለኻዊ ፖለቲካ ጉዳያት ዝከታተል፣ ኣብዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘይነጥፍ ውልቀ ሰብ እዩ። ንሃናፃይ ሪኢቶ ኣብ [email protected]

more recommended stories