ተዝክሮታት ጉንበት 20 – ኦፕሬሽን 5 ደቓይቕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ቅድሚ 25 ዓመት ጉንበት 19 1983 ዓም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻርየ ዝነብረሉ ዘነበርኩ ገዛ ሓደ ታሪኽ ተፈጺሙ። 5 ደቓይቕ ዝወሰደ ወታሃደራዊ ስርሒት ነይሩ። እተን ገዛ ዘካረያና መቦቅለን ናይ ወሎ ኣምሓራ ዝኾና ወይዘሮ ሙሉየ ዝተብሃላ (ሰብኣየን ኮሎኔል ኣየለ ናይ ሃይለ ሥላሴ ወታደር ዝነበሩ ሽዑ ብሂወት ዘይነበሩ)ተባዕን ሕያወይቲን ሰበይቲ እየን ነይረን። ኣብ ስራሕ ዓለም ዝነበሩ ዓበይቲ ደቀን’ውን ከምኡ። ኣፍቲ እዋን ብሓደ ናይ ደርግ ኮሎኔል ሰበይቶም ንምምንጣል ምእንታን ወያነ ተባሂሎም ኣብ ማእከላዊ ምርመራን ኣብ ኣለም በቃኝን ብዙሕ ዓመታት ዝተሳቐዩ ሓደ ትግራዋይ ብኣጋጣሚ ኣብ እንዳ ሰብ ተፋሊጠን ታሪኾም ምስሰምዓ ብጣዕሚ ልበን ይትንከፍ’ሞ ብሓዘኔታ ሰለስተ ደቆም የምህራሎም ነይረን። እዘን ኣዶ ኣብ ተጋሩ ዝተፈለየ ሓዘኔታ ሓዲሩወን ንኣና’ውን ከም ደቀን ይርኣና ስለዝነበራ ሕማቕና ክሪኣ ኣይደልያን ነይረን። ብሰንክና ግና ብውሽጥን ብደገን ብዙሕ ተፅዕኖታት ይመጽአን ጀሚሩ።

ቕድም ክብል ኣብ ዝነበሩ ክልተ ዓመታት ጸጸኒሑ ኣብ ወርሒ ወይ ተነውሐ ኣብ ክልተ ወርሒ ናፍቲ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ግቢ ናመጸ ዝጋየሽ ሻለቃ ኣክሊሉ ዝተብሃለ ናይ ደርጊ ወታደር ነይሩ። ወዲ ሓወን እዩ። ብሓመድን ጭቃን ዝረስሐት ወታሃደራዊ መኪና ሒዙ ምስ እጅገ ኢዶም ዝሰብሰቡ ኮማንዶ ዓጀብቱን ሹፌሩን ይመጽእ፣ 2, 3 መዓልቲ ጸኒሑ ድማ ናብ ግምባር ይምለስ ነበረ። ዂናት በርቲዑ፣ ናይ ደርጊ ስዕረት ኣብ ኩሉ ግንባራት ናተግሃደ ጀጋኑና ድማ ‘ኣሽቕድም ኣሽቕድም’ ናበሉ ንማእኸል ሃገር ይግስግሱ ስለዝነበሩ ደርጊ ብጭንቂ “ኣብገገዛኹም ዝነብሩ ተጋሩ ናይ ግድን ኣብ ቀበሌ መጺኹም ከምተመዝግቡ” ኢሉ ውሽጣዊ መምርሒ ንህዝቢ ኣዲስ ኣበባ፣ ናዝሬት፣ ደብረዘይት፣ ኣምቦ ካልኦትን ዘውረደሉ እዋን እዩ ነይሩ። ከምቲ ዝንገር ናይ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ልዕሊ 53 ሺህ ትግራዋይ ከም በጊዕ ክሕረድ ተመዝገበ። ኢትዮጵያ ከም ላይበሪያን ሶማሊያን ክትከውን እያ ዝበሃል ዝነበረ ምኽንያት ከምዚ ዝብለ ኣረመኒያዊ ተግባር ኣብ ልዕሊ ሓደ ብሄር ክፍፀም ተሓሲቡ ስለዝነበረ እዩ።     

ሓደ መዓልቲ እዚ ናይ ደርጊ መምርሒ ብቀበሌ መመሓደርቲ ከምተነገረን ወይዘሮ ሙሉየ ኮፍ ኣቢለን ይነግራኒ እሞ ኣነን ኣፍቲ ገዛ ንእከብ ኣዕርኽተይን ጥንቃቐ ክንገብር ምኽረን ይልግሳለይ። ንዓይ ብፍሉይ ድማ “ሲጨንቀኝ ኣንተ የኮሎኔል ኣየለ የኣደራ ልጅ እንደሆንክ ነገሪያቸዋለሁ ኣንድ ነገር ካሉህ እንደሱ በላቸው። ጓደኞችህም ኣንድ ላይ ተሰብስባቹ ኣትሂዱ በላቸው” ኢለናኒ። እዚ በቀበሌ ዝምፅእ ዝነበረ ስግኣት ከይኣክል ኣብ ገዝአን ዝጋየሽ ዝነበረ ሻለቃውን ንሕና ኣፍቲ ገዛ ምህላውና ስለዝፈልጥ እዚ ናይ ተጋሩ ምዝገባ ጉዳይ ንወይዘሮ ሙሉየ መመሊሱ የዘኻኸረን ነበረ። ንስን ድማ የመና ጥዒቲ ብምንባረን ንሱ ናብ ግንባር ምስከደ ከምዚ ክብላ መኸራና:-        

‘’እናንተ ልጆች እኔ ከወለድኩዋቸው ልጆች ለይቼ ኣላያችሁም፣ ኣይኔ እያየ ሂወታቹ እንዲጠፋ ኣልመኝም፣ ስለሆነም ኣንድ ነገር እንድታረጉ እፈልጋለሁ። ሌሊት ሊመጡባቹ ስለሚችሉ የተወሰኑ ቀናቶች ሰወር ብሉ እና ተመለሱ። ነገር ግን እዚህ በምታድሩበት ጊዜ ሌሊት ዋናው በር ከተንኳኳ፣ እናንተን የፈለጉ ስለሚሆኑ ይሄን እንጨት ከፍታቹ በዚህ ኣድርጋቸ ቆሻሻ ወደ የሚፈስበት ወንዝ ውስጥ ዘላቹ ግቡ። ከዛ ወደ ታች ያለው መንገድ ጫፍ ስለሚያስወጣ በዛው መጥፋት ትችላላቹ። ስዩም ልጄም ከብሄራዊ ውትድርና በዚህ ነበር ያመለጠው። እናንተም እንደሱ ኣድርጉ። ኣትፍሩ … ኤዲያ… የትግሬ ወንድ ቆሞ እጅ ሲሰጥ ሲሞት ሰምቼ ኣላውቅም!’’ በላና’ሞ፣ ቐጺለን ደማ ‘’ይህ የወንድሜ ልጅ የሆነው ሻለቃ 11 ኣጎቶቹ ቆሞ ያስገደለ ኣረመኔ ስለሆነ ለናንተም ኣይተዋችሁም። እንዲያውም ሲያያቹ ደሙ እየፈላ እየዛተባቹ ስለሆነ ከጦር ሜዳ የመጣ ጊዜ ለጥቂት ቀናት ሰወር በሉ። የቤቱን ክራይ ኣታስቡ። እንዲያውም በገንዘብ የሚገዛ ሽጉጥ ካገኛቹሁም ራሳቹሁን ለመከላከል ስለሚያገለግል ፈልጉ እና ንገሩኝ እኔ እከፍላለሁ’’ በላና።

እዘን ሰበይቲ ካፍቲ ሻለቃን ቀበሌን ውሽጣ ውሽጢን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝንዛሕ ዝነበረ ወረታት ስለዝሰምዓ ካባና ንላዕሊ ስግኣት ሓዲሩወን ኣሎ። ንሕና ግና ብስለት ዘይምህላው እዩ ዝመስለኒ ናይቲ ዝነበረ ኩነታት ክፍኣት መግለጺ ዝኾኑ ብዙሓት ነገራት ኣብ ቐረባና ኣጋጢሞም እንዳሃለዉ እውን ጥንቃቐ ይጎድለና ነይሩ። ንኣብነት  ቕድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ኣቢሉ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ቦታ ደው ኢለ ታክሲ ናተፀበኹ እንዳሃለኹ እከለ ዲኻ ብምባል ሰላም ኢሉኒ። ተጋጊኻ ኢለዮ። ኣስዒቡ ድማ ‘’እሞ ሓዉ ንእከለ ኢኻ’’ ኢሉኒ። ከምኡ ዝብሃል ሓው የብለይን ተጋጊኻ ድማ በልኩዎ። ዘይምዃነይ ዋላ እንተነገርኩዎ ኣይተውሓጠሉን ግን ‘’ካሕሳይ ይብሃል’’ ኢሉ ተፋሊጡኒ። ምስቲ እከለ ኢሉ ብሳጉኡ ዝፀውዖ ሰብ ብጣዕሚ ከምዝመሳሰልን ከምዝገረሞን ገሊጹለይ። ‘’በጃኻ ሻሂ ንስተ ብደም’ውቢን ክንፋለጥ’’ ኢሉ ድማ ለሚኑኒ ኣነውን ተሰኪፈ ዋኒነይ ገዲፈ ናብ እንዳ ሻሂ ኣቲና ሰቲና። ኣብ ሳውዲ ዓረቢያ ከምዝነብር፣ ብንግዲ ከምዝማሓደር፣ ኣቑሑት ናብ ኢትዮጵያ ከምዘእቱ፣ ኣዲስ ኣበባ እውን ብደምቢ ከምዘይፈልጦ ገሊጹለይ ክንራኸብ ተሰማሚዕና ተፈላሊና።  

እዚ ሰብ ስልከይ ወሲዱ ስለዝነበረ ናደወለለይ ንኣዋርሓት ዝኸውን ንራኸብ ቐጺልና ብደምቢ’ውን ተቐራሪብና። ሓደ ምሸት ኣብ ገዛውትና ከባቢ ሻሂ ክንሰቲ ፀኒሕና ቖሪሩኒ ስለዝበለኒ ንመጀመርታ ግዘ ናብ ገዛ ከይድና ናተይ ጀኬት ሂበዮ ንፅባሒትኡ ክንራኸብ ቦታን ሰዓትን ፈሊና ተፈላሊና። ብፅባሒትኡ ድንገት ቕድሚ ቖፀሮ ሰዓትና ምብፅሑ ብንጉሁኡ ደዊሉ ብህፁፅ ከዛርበኒ ከምዝደሊ ገሊጹለይ ተራኺብና። ዝተጨነቐ ይመስል ነይሩ። ብዝኾነ ኣብ ሓደ ኣቲየዮ ዘይፈልጥ ፀባብ ጓዳ ዘለዋ ቡናቤት እቲና ኮፍ ምስበልና ገፁ ኣሲሩ ዘደንግፅ ነገራት ነግሪሩኒ። እቲ ዝበለኒ ብሓፂሩ ንምግላፅ፣ ኣብዞም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብዙሕ ከምተዓዘበኒን ብጣዕሚ ከምዝኣመነኒን ነጊሩ፣ ተጋዳላይ ከምዝኾነ፣ ብገንዘብ ሓይሊ ካብ ናይ ደርጊ ደህንነት ኣባላት ዝገዘኦ ብዙሕ ሚስጥራዊ ሰነዳትን ሓንቲ ኡዚ ብረትን ሓቢኡ ከምዘሎ፣ ንዝተወሰነ እዋን ናብ ዘይገለጸለይ ቦታ ስለዝገይሽ እዚ ንብረት ኣብ ዘይርከብ ቦታ ወሲደ ክሓብአሉ ከምዝደሊን ሓቲቱኒ። ኣነ’ውን ተሰማሚዐ ንኣጋ ምሸቱ ኣፀልሚትና ክንራኸብ ተቛፂርና ተፈላሊና።

Photo - EPRDF fighters entering the National Palace, Addis Ababa, May 28, 1991
Photo – EPRDF fighters entering the National Palace, Addis Ababa, May 28, 1991

ኣብ ቆጸሮና ሰዓት ናፍታ ዓሪፉላ ዝነበረ ገነት ሆቴል እንተኸድኩ ሓጎስ ዝተብሃለ ኩልሻዕ ክንወፅእ ክንኣቱ ዝሪኤና ዝነበረ ዋርዲያ ድምፁ ኣትሕት ኣቢሉ ብፍርሒ “ኣታቖልዓ እንታይ ትገብር ኣለኻ ኣብዚ! ጥፋእ ከብዚ ኪድ ኪድ ይብለካ ኣለኹ!” ይብለኒ። እንታይ ገይረ እንተበልኩዎ ‘’ኣፍታ ከምዚኣ ዝበለት ቦታ ፅንሐኒ ሀዚ ክስዕበካ እየ” ኢሉ ቐልበይ ጊፊፉ መሊሱኒ። ኣነውን ቐልጢፈ ከይደ ካፍታ ዝበለኒ ቦታ ቁሩብ ሕልፍ ኢለ ተፀቢየዮ። ዋርዲያ ሓጎስ ከምታ ዝበላ በይኑ መጺኡ ብደውና ከምዚ ዝስዕብ በለኒ፣ “ዳዊት ሎሚ ንጉሆ ብናይ ደህንነት መኪና ተኣሲሩ ተወሲዱ ኣሎ።” መን እዩ ዳዊት? በልኩዎ “እዚ ምሳኻ ዝኸድይ ኣብዚ ሆቴል ዝዓረፈ ሰብኣይ።” ለካ ካሊእ ኣነ ዘይፈልጦ ሽምውን ኣለዎ! ደሓር ከምዝፈለጥናዮ እንተነኣሰ ሰለስተ ሽም ዝነበሮ ሰብ እዩ። ብዝኾነ ሓጎስ ዘረብኡ ብምቕፃል  “ኣብዚ ሆቴል ኩልሻዕ ዝመላለሱ ሰለስተ ሰባት ናይ ንግዲ ታርጋ ዘለዋ ሚኒባስ ሒዞም መፂኦም እዮም ወሲዶምዎ። ምስ ዳዊት ክልተ ኣዋልድ’ውን ነይረን ግን ኣይወሰዱወንን። ስለዚህ ፈጺምካ ኣብዚ ቦታ ከይትመፅእ፣ ብዚ መገዲ’ውን ከይትሓልፍ” ክብል ብኣፅንዖት ነጊሩኒ ከይዱ።   

ብዝኾነ እዚ ብዓል ብዙሕ ሽም እተን ዝበለኒ ንብረት እንተየቐበለኒ ብደህንነት ተታሒዙ ኣሰሩ ጠፊኡና ኣሎ። ንሕናውን ናቱ ዕፃ ከይበጽሐና ኣብ ገዛ ዝነበረና ናይ ወያነ ደርፊታትን ጋዜጣ ወይንን ኣኻኺብና ሰብ ኣብ ዘይረኽቦ ሓቢእና ናፍቲን ናፍቲን ክንብል ቐኒና ገዛና ተመሊስና። ኣፍቲ ኣብ ገዛ ዘይቀነናሉ እዋን ሓንቲ ዘይፈልጣ በተልሄም ዝተብሃለት ሰብ 20 ጊዜ ዝኸውን ደዊላ ከም ዝሰኣነትኒን ስልኪ ቑፅራ እውን ከምዝገደፈትለይን መልእኽቲ ጸኒሑኒ። ካብ ወይዘሮ ሙሉ ተቐቢለ ደዊለላ። ሓንቲ ጊዜ ኣብ ገነት ሆቴል ክፍሊ ሒዙ ምስ ዝነበረ ‘’ሃይለ’’ ዝተብሃለ ሰብ ረኺባትኒ ከምዝነበረት ብምዝኽኻር ንሱ ኣብ ማእከላዊ ምርመራ ምእሳሩ ከምዘረጋገፀትን ንሕናውን  ሓደጋ ከጋጥመና ስለዝኸእል ካፍቲ ቦታ ብቕልጡፍ ክንጠፍእ ከምዘለናን ነጊራትኒ ስልካ ዓጺያቶ። ዝገርም እዩ! እዚ ተኣሲሩ ኣሰሩ ጠፊኡና ዘሎ ሰብ ካሕሳይ፣ ዳዊት፣ ሃይለ ዝብሉ ሰለስተ ሽማት ዘለዎ ሰብ ምዃኑ ተረዲእና። ከምቲ ቤቴልሄም ዝበለቶ ናይዚ ሰብ ምትሓዝ ንኣናውን ዝልክም ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚትና።

ኩሉ ናሓመቐ ከይዱ። ካብ ቀበሌ ዝምፅእ ዝነበረ ናይ ምዝገባ ጎስጓስ፣ ካብ ሻለቃ ዝግበር ዝነበረ ናይ ምዝገባ ድፍኢትን ናይዚ ሰብ ምእሳርን ተደሚሩ ኣብ ሓደጋ ከምዘለና ግልጺ ኮይኑልና ኣሎ። ሓሓሊፍና ውፅእ ኢልካ ካብ ምቕናይ ዝለለ ግና ገዛን ቦታን ኣይቀየርናን። ካፍተን ሰበይቲ ዝሓሸ ሰብ’ውን ኣይምተረኸበን። ናብ ቤተሰብ ምኻድ ይከኣል ነይሩ ግና ሓቢርካ ምጥፋእ እዩ ዝከውን። መቸም ብዙሕ ተይተጨናነቕና ናፍቲን ናፍቲን ጸኽደምደም ክንብል እዋን ሓለፈ። ከምዘይበጽሕ የለን ናይ ደርጊ መወዳእታ 2 መዓልቲ ተረፎ። ኣብዚ እዋን ሳላ ብልሓተኛ ዓርክና ማሕሙድ ኢብራሂም ክላሽን’ውን ኣብ ገዛና ኣቐሚጥና ኣለና። ገለ ተመፀ ድማ መዋፅእቲ ክፈጥረልና ተኽእሎ ኣለዎ ኢልና ዝተኣማመናሉ ናይ ብዙሕ ዓመታት ተጋድሎ ልምዲ ዘለዎ ሓው ምሳና ስለ ዘሎ እታ ክላሽን ኣረኪብናዮ ኣለና።     

ራዲዮ፣ ቴሌቪዥን መንግስቲ ‘’ኣስገንጣይ ተገንጣይ ወንድብዴዎች’’ ወዘተ ናበለ ተኽኽ ከብላና ከምዘይ ሓገያ ኣብዛ መዓልቲ ግን ኣብ ጭንቀት ከምዘለዋ ግልጺ ነይሩ። ንሕናውን ካብ ስምዒታት ሓሊፉ ፖለቲካ ብዑምቀት ክንትንትን ዝኽእል ዓቕሚ ስለዘይነበረና እቲ ኩነታት ብጥሪኡ ካብ ምግምጋምን ምውጋዕን ንላዕሊ ዝኸይድ ግምት ኣይነበረናን። ከምቲ መንግስቱ ሃ/ማሪያም “ወያኔዎች በዚሁ በመዲናችን በየኣንድ መቶ ሜትሩ ይገኛሉ” ዝበሎ እቲ ምሳና ዘሎ ሙኩር ተጋዳላይ’ውን ፍቖዶ ቀቀኒዩ ይመፅእ እሞ “ኣጆኹም ኣዲስ ኣበባ ብብፆት ተወሪራ ኣላ” ናበለ ሞራል ይህበና ነበረ። ንሕና’ውን ተጋደልቲ ክንርኢ ተሃንጢና ኣለና። ብፍላይ እቶም ሽሞም ዝገነነ በዓል ስየ፣ ሓይሎም፣ ፃድቃን፣ ሳሞራ፣ ጆቤ፣ ኣቦይ ስብሓት፣ ኣባይ ፀሃየ፣ መለስ፣ ስዩም፣ ተወልደ፣ ኣርከበን ካልኦት ጀጋኑን እንታይ ከምዝመስሉ ንምርኣይ ተመነና።     

ኣፍታ መዓልቲ፣ ማለት ግንቦት 18 ምስ መሰየ ድማ ወይዘሮ ሙሉ ብድሕሪት ሳሎን መጺኤን ከምዚ በላኒ፣- “ሻለቃ እናንተን ኣጥፍቶ ራሱን ሊያጠፋ እየተናገረ ነው ያለው። ሲልያለቅስ ነው የየዋለው፣ ደግሞም 3 ክላሽን፣ ብዙ የጥይት ካዝና፣ 2 ሽጉጥ እና ከረጢት ሙሉ የእጅ ቦምቦች እቤት ውስጥ ማስቀመጡን በኣይኔ በብርቱ ኣይቻለሁ። ይፈጃቹሃል፣ ሁላችንን የፈጀናል ልጆቼ። ስለዚህ ዛሬ ተመካከሩ እና ሳይቀድማቹ ኣንድ ነገር ኣድርጉ” በላና። ሕራይ ኢልናየን ወጊሑ ግንቦት 19 ኾነ።  

ኣነ፣ ማሕሙድ ኢብራሂም፣ ፍሰሃ፣ ጣዓመ ንጉሰ (ጠዓመ ራያ) ኮይና ኮፍ ኢልና መኺርና ተጋደልቲ ኣዲስ ኣበባ እስካብ ዝኣትዉ ድማ ንሻለቃ ክንማርኾ’ሞ ኣብ ናትና መደቀሲ ኣሲርናዮ ክንጽንሕ ተሰማሚዕና። ተጋደልቲ ፅባሕ እንተኣተዉ ፅቡቕ ተዘይኣቲዮምውን ድሕሪ ፅባሕ ምእታዎም ኣይተርፍን ኢልና ደምዲምና። ኣብዛ ዕለት (ግንቦት 19) ኣብ ኣለም በቃኝ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ንፈልጦም እሱራት ካብ ምርካብ ጀሚሩ ኣዲስ ኣበባ ኮለል ኢልና ብፍርሒ ዝተውሓጠት ወታሃደራት ናተበተኑ ዝኣትዉዋን ድሮውን ክላሽን ምሻጥ ዝጀመሩላን ከተማ ኮይና ዊዒላ። ኣብዝወዓልና ዊዒልና ንጽባሒትኡ ኣዲስ ኣበባ ኣብቑጽጽር ሰራዊት ኢህወደግ ከምትወድቕ ተኣማሚና ምሸት ገዛ መጻና።

ሸለቃ ምስ ሰራዊቱ ተሳዒሩ ካብ ግንባር ሃዲሙ ኣዲስ ኣበባ መጺኡስ ኣብ ገዛ ብዘይ ዓጀብቲ ካብ ዝዕፆ ቑሩብ መዓልቲታት ገይሩ ኣሎ። መኪንኡ’ውን ኣፍቲ ዝተለመደ ቦታ የላን። ክንውጽእ ክንኣቱ ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢሉ ከምዝርኤና ንፈልጥ ኢና። ሻለቃን ናይተን ተባዕ ሰበይቲ ደቀንን ኣብ ሳሎን ኮይኖም ዝሓዘነት ናይ ደርጊ ቴሌብዥን ይሪኡ ከምዝነበሩ ኣስተውዒልና። ናይ መወዳእታ ሰዓት ስለዝበጽሐ ንወይዘሮ ሙሉየ ቀስ ኣቢልና ብድሕሪ ገዛ ፀዊዒናየን። ማሪኽና ኣብ ገዛ ኣሲርና ክነፅንሖ ከምዝወሰና’ውን ነጊርናየን። ንሰን’ውን ኣብ ፍርሒ ነይረን ግን ብሓሳብና ተሰማሚዐን። ኣፍታ ሰዓት ሽጉጥ ተዓጢቑ ከምዘሎ ሓቢረን ብቕልጡፍ ክንፍፅሞ ነጊረናና። በቲ ውዕልና መሰረት ድማ ጊዜ እንተይኣጥፋእና ኦፕሬሽን 5 ደቓይቕ ብኸምዚ ዝስዕብ ፈጺምናያ፣-     

እታ ዘላትና ክልሽን በቲ ሙኩር ሰብ (ፍሰሃ) ተታሒዛ ካልኦትና ድማ ጥራሕ ኢድና ኾይና ብድሕሪት ማዕፆ ናብ ሳሎን ድንገት ብምእታው ‘’እጅ ወደ ላይ ሻለቃ፣ እንዳትንቀሳቀስ’’ ምስበልናዮ ኣፍታ ዘለዋ ብድንጋፀ ኣፍጢጡ ረኣየና። ኢድካ ንላዕሊ ግበር ኢልና ድማ ብቐሊሉ ኣብቁጽጽር ኣውዓልናዮ። ብድሕሪኡ ንኽረጋጋዕ ብምንጋር ኩሎም ዝሓብኦም ዕጥቅታት ኣብ ዘለዎ ኾፍ ምስበለ ንኽዛረብ ኣገዲድናዮ። ኩሉ ዕጥቁ ድማ በተን ሰበይቲ ገይርና ተረከብናዮ። 3 ክላሽን፣ 5 ተወሳኺ ጥይት ዝመልአ ካዝና፣ 25 ኣብ ሕሩጭ ዝትሓብአ ዝተፈላለየ ዓይነት ቦምብ፣ ሽጉጥ ብሰላም ኣረኪቡ። ሽዑ ሻለቃ ድምጺ ዓው ኣቢሉ አይ አይ አይ … ኢሉ በኸየሞ ‘’ወይኔ ኣክሊሉ፣ እናንተም እናንተም … እዚሁ ሆናቹ ወይኔ ኣክሊሉ …” ክብል ኣምረረ። ብወገና ድማ ከነጸናንዕ ተኸኽ በልና። ኣሕዋቱ ከምዝኾናን ዋላ ሓንቲ ከምዘይንገብሮን ኣብ ቅድሚ ኣሙኡ ነጊርና ኣብ ቑፅፅርና ከምዝሓድር ኣረዲእና ካፍቲ ዝነበሮ ሳሎን ናብ መደቂሲና ዓጂብና ወሲድናዮ። ወይዘሮ ሙሉየ ከምተሓጎሳ ይፍለጣ ነይረን ግን “ኣይዞህ ወንድሞችህ ናቸው” ናበላ ኣብ ሳሎን ተሪፈን።    

መሓሙድ ኩልጊዜ ብልሓት ኣይስእንን መፃእኹ ኢሉ ብምፍላይ፣ ኣብ ቐረባ ካብ ዝርከብ ናይ ጉራጌ ዱንኳን ኸይዱ 3 ዙርባ ጫት ኣምጺኡ ንሻለቃ ዓደሞ። ወዮ እሱር ሻለቃ’ውን ፈውሲ ብኽያት እንተኾኖ ክቕሕም ተሰማሚዑ። ጫት ዝቕሕም ናቓሓመ ዝሕሉ ናሓለው ሓደርና። ሻለቃ ምእንታን ንወግዒ ክምችወሉ ይመስለኒ ቕድሚ ኑዛዜ “ናይ መቐለ ዶ ወይስ ናይ ኣስመራ ተጋሩ ኢኹም” ኢሉ ቀስ ኣቢሉ ብምርግጋፅ ዘረባ ጀሚሩ። ናይ ትግራይ ምዃና ብምርግጋፅ እቲ መድረኽ ገደፍናሉ። ሻለቃ እቲ ቖፅሊ ሓመድ ኽገብሮ ጀመረ፣ ፅንሕ ኢሉ ድማ ብምርቃና ክናዘዝ ጀሚሩ። ወዮ ኣብ ወፍሪ ቴዎድሮስ፣ ወፍሪ ዋለልኝ፣ ሰሜን ሸዋ ሰራዊቱ ሒዙ ገጢሙ ናተሸነፈ ዝሃደመ ሻለቃ ምዃኑ ናፈለጥናዮስ ንሳ ናገደፈ ዕድሚኡ ሙሉእ ናብ ሰሜን ግንባር ከይዱ ከምዘይፈልጥን ኣብ ናይ ሱማሌ ወረራ ክምክትን ድንበር ክከላኸልን ዕድሚኡ ከምዘሕለፈ ሕንኽ ከይበሎ ተሪኹልና። ወሲኹ ድማ ደርግ ንኻልኦት ብፆቱ ፎቖዶ ኣውሮፓን፣ ኣሜሪካን ሶቪየትን ንትምህርቲ ክስደድ እንተሎ ንሱ ግና ዘመድ ስለዘይብሉ ኣብ በረኻታት ኦጋዴን ተደርቢዩ ዝዝክሮ ዝሰኣነ ሰብ ከምዝነበረ ቡቁጭት ናበኸየ ተረኸልና። ብሓጺሩ “እውነቴን ነው የምላቹ ወንድሞቼ፣ ደርግ ያደረሰብኝ እንግልትና ጭካኔ እኮ ውይውይ ውይ … እረ ተዉኝ እህእህ….” ናበለ ከም ሃገሩ ናማረረ ሓዲሩ ከም ዘይወግሕ የለን ወግሐ ግንቦት 20 1983 ዓ.ም ኮነ።    

መሬት ምውጋሕ ክጅምር ጀጋኑና ዝትኩስዎ ጥይት ተሰምዐ፣ ተኹሲ ናበርተዐ ቀጸለ። ብርሕቐት ናይ ኸቢድ ብረት ዝመስል ድምፂ ይስማዕ። ብርሃን ወገገግ ምስበለ ደገ ውጥም ቕልቅል ናበልና ብተደጋጋሚ ምስ ኣረጋገጽናን ንደገ ወጺእና ዝተወሰኑ እግረኛ ሰራዊት ኢህወደግ ፀግዒ ፀግዒ ዝሓዙ ኣስተውዒልና። ሽዑ ኣብ ገዛ ዝተርፍ ሰብ ኣይክህሉን፣ ንደገ ክንወፅእ ወሲና።  ሻለቃ ምእንቲ ደሕንነቱ ክብል ከይተንቀሳቐሰ ንባዕሉ ኣብ ገዛ ኣሲሩ ክጸንሕ ኣእሚናዮ ነቶም ኣብ ማእኸል ኣዲስ ኣበባ ተማረኹ ዕጥቂ ሒዝና ብመሪሕነት ተጋዳላይ ሓውና ናፍቶም ታንክታት፣ ላንድ ክሩዘር፣ ወታሃደራዊ ማኻይን፣ ዝበዝሑ ደማ ብእግሪ ተሰሊፎም ክኸዱ ዝረኣናዮም ጀጋኑ ተጋደልቲ ተጸምቢርና። ኣብ ኣህጉርና ዝገዘፈ ሰራዊት ዝነበሮ ደርግ ወዲቑ ርእሰ ከተማ ሃገርና ብጀጋኑ ክትተሓዝ ምርኣይ ምእማን ዝጸግም እዩ ነይሩ።   

ዕጥቂታት ተሰኪምና ናብ ፅርጊያ ክንወጽእ ዝረኣየና ብርሑቕ ዝፈልጠና ናይ ሰፈር ሰብ ገረሞ፣ ጉድ ድማ በለና። ተጋደልቲ’ውን ብየማን ፀጋም ኮይኖም “መን ኢኹም ንስኹም”? ክብሉ ኣዋጠሩና። ብዝኾነ እቲ ዝመርሐና ዝነበረ ሓውና ብዝፈልጦ ናይ ተጋደልቲ ቛንቛ ተረዳዲኡዎም ብሰሓቕ ተቐቢሎምና። እቲ ዕጥቂታት ኣረኪብናዮም ምስኦም ኣብ መኪና ሰቒሎምና ናብ ዝኸዱዎ ከይድና ርእሰ ከተማና’ውን ኣብ ምርኮ ከውዕሉዋ ብዓይንና ሪኢና። ዝተሰቐልናላ መኪና ብቐጥታ ናፍቲ ኸቢድ ተኹሲን ፍንዳታን ዝነበሮ ኸባቢ ኣራት ኪሎን ቤተመንግስቲን ገፃ ኣምሪሓ። ንሕና እውን ናይ ቦታ ሽማትን ጎዳናታት ክንሕብረሎም ብሓደ ጠርናፊ ተነጊሩና። ኣፍቲ ኸባቢ ምስበፃሕና ዝፍንድእ ድምጺ ሓዊሱ ፅዑቕ ቶኹሲ ይቕፅል ነይሩ። ኣፍታ እዋን ካብ ቤተመንግስት ብላንድ ክሩዘር ሃዲሞም ክወጽኡ ኣፍታ ናይ ፓርላማ መዕፅፊት ጥቓ ዘላ መስቀለኛ ናይ ትራፊክ መብራህቲ መኪንኦም ብኸቢድ ናይ ኢድ ብረት ተወቒዓ መግዲ ሲሒታ ተጋጪያ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ሰባት፣ ብፍላይ ሓደ ቐዪሕ ሰብኣይ ምስ ሳምሶናይቱ ናይ ድሕሪት ማዕጾ ተኸፊቱ ኣብ እግሪ መኪና እንትወድቕ ብዓይንና ረኣና። ቤተ መንግስት ኣብ ቁፅፅር ወዓለት። ኣውኡ ዝነበሩ ተኣመንቲ ኮማንዶታት እውን ተማረኹ። ተኹሲ ቐኒሱ እቲ ዝፍንድእ ዝነበረ ግን ቐጺሉ ጥይትቤት ዝበሃል ይቃፀል ከምዘሎውን ክዛረቡ ሰሚዕና። ካብዚ ንድሓር ኣባላት ኣታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሻለቃ ዝማረኸት ጉጀለ’ውን ኣዲስ ኣበባ ይፈልጡ እዮም ተባሂልና ናብ ኩሉ ገፅ በተኑና’ሞ፣ ዐዕዮና ተውሃበና።       

ኣነ ዘለኹዋ ንስድስት ኪሎ፣ ደሓር ንፒያሳ፣ጊዮርጊስ ቐጸለት። ኣብ ፒያሳ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝዓረዱ ብኣማራጭ ሃይሎች ስም ዝተኣኻኸቡ ውድባት፣ ሰራዊት ኢህወደግ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትግስግስ ብዶብ ሱዳን ተበጊሶም ኸባቢ ጎንደርን ቤንሻንጉልን ገይሮም ንሰራዊት እህወደግ ብሕቚኡ ክወግኡ ዝፈተኑ እርይራይ ኢህኣፓ፣ ኣባላት ደርግን ካልኦትን ዝተዳለወ ሓያል ናይ ተቓውሞ ኣድማ ገጠመና። ኣብ ቤት መዘጋጃ ግቢ ብውሽጥን ብደገን ኸቢብና ኣለና፣ ሰልፈኛ እቲ ናይ ሚኒሊክ ኣደባባይን ኣራዳ ፖስታቤት ኸባቢ ናዞረ “ወያኔ፣ ኣስገንጣይ” ወዘተ ዝብል ደርጊ ዝብሎ ዝነበረ ቃላት ዝደግሙ ሰልፈኛታት ነይሮም። ሰልፈኛታት ካብ ፀርፊን እንቱፍ ምባልን ሓሊፎም እምኒን ሓደ ክልተ ጊዜ’ውን ቦምብ ደርቢዮምልና። ሓንቲ ቦምብ ሰኣን ክእለቱ ምስ ቀለበታ ደርቢዋ እታ ሓንቲ ድማ ክድርቢያ ክብል ካብ ርሑቕ ተጋዳላይ ቐዲሙዎ ኣብ ሞንጎ ሰልፈኛታትን ተጋደልቲን ዝነበረ ሰፊሕ ክፍቲ ቦታ ወዲቓ ትኪ ብትኪ ኮይና። ካፍቶም ሽዑ ዝተትሓዙ መራሕቲ ናዕበኛታት ሓደ ኣብ ዓዲግራት ናይ ደህንነት ኮይኑ ሰብ ዘሳቒ ዝነበረ ኣባል ደርግ ከምዝነበረ ሓደ ወዲ ዓዲግራት ተጋዳላይ ኣለሊይዎ። ኣነውን ኣፍቲ ኣድማ ካብ ዝነበሩ ሸምቦቆ ዝሓዘ ዕድሚኡ ኣብ መፋርቕ ሰላሳታት ዝርከብ ሰብ ዓይነይ ከንቁረኒ ፈተነ። ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ ኣብ ጅቡኡ 4 ዝተፈላለየ መለለዪ መንነት ተረኺቡዎ ግና ተለቒቑ።      

ይዝክር ኣፍታ እዋን ብሓደ ገፅ ለገሰ ኣስፋው ከምልጥ ተታሒዙ ዝብል ዜና ብራዲዮ ይመሓላለፍ እሞ ኣብ ሞንጎ ናይ ኣስቴርን ኤፍሬምን ደርፊ ብተደጋጋሚ ይልቀቕ ነበረ (ናይ ሽዓ መዓልቲ ዝነበረ ዲጄ ክነፍዕ!)። ብካሊእ ገጽ ድማ ኣብ ድሕሪት ክሳዱ ንእሽተይ ውጋእ ትመስል ዝነበረቶ ተጋዳላይ (ወዲ መድሂን እዩ ዝበሃል’ኳ ኢሎምና) ምስ ካለኦት ብፆቱ ብጂፕ ዝመስላ ወታሃደረዊ መኻይን ናተንቀሳቐሱ “ሰልፍ በህግ እስኪፈቀድ ድረስ በየቤታቹ ሆናቹ ተከታተሉ። ኣሁን ለድህንነታቹ ኣደጋ ስላለው እባካቹ እስኪፈቀድ ድረስ በየቤታቹ ሆናቹሁ ተከታተሉ” እንዳበሉ ብመጉልሒ ድምጺ ይዛረቡን ንቲ ሰልፊ ክብትኑ ይፅዕሩን ነይሮም። እቲ ሰልፊ ንወያነ ፈጺሞም ብዘይቕበሉ ሓይላታት ስለዝተዳለወ ዕግርግር ቐጺሉ። ናዕበኛ ሓንቲ ጥይት ንሰማይ ክትኮስ ተላ ጥራይ ይብተን ነበረ።  

ብናይ ዕላማ ፅንዓቶምን ሰፍ ዘይብል መስዋእቶምን ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ጀጋኑ መንግስቲ ኣሜሪካ ተሓባቢሩዎም እዩ ተዓዊቶም ዝብሉ ሓይሊ ትምክሕተኛታት ብዝነዝሑዎ ወረ ዝተደናገረ ሓንቲ ኣፍልጦ ዘይብሉ ኣድመኛ ካብ ፒያሳ ናብ ሽሮ ሜዳ  ብምኻድ ንኣሜሪካ ኤምባሲ ረበሸ ብእምኒ እውን ደብደበ።  ከምኣ ኢልና ዊዒልና ንምሸቱ ብሰባ ደረጃ ገይርና ውሽጣውሽጢ ናብ ስድስት ኪሎ ደይብና እስካብ ናይ ለይቲ ሸውዓተ ሰዓት ኣፍቲ ኸባቢ ናተዛወርና ኣምሲና ኣብ ብሄራዊ ሚዚየም ልዕል ኢሉ ዝርከብ ሓደ ናይ መንግስቲ ቤት ፅሕፈት ኣቲና ምስ ተጋደልቲ ተሓዊስና። ሻሂ መርቲ ብዝብል ናይ ቲማቲም ታኒካ ጋቢዞምና ሰቲና ደቂስና ሓዲርና።

ብድሕሪኡ ምስቶም ሪኢኻዮም ዘይጽገቡ ጀጋኑ ዝኣዘዙና ስራሕቲ ክንገብር ፎቖዶ ክንውዕል ክንሓድር ሓሙሽተ መዓልቲ ፀኒሕና፣ ናብ ገዛ ተደውልና ወይዘሮ ሙሉየ፣ “ሻለቃ እናንተ ሳትመጡ እጄን ለወያኔ ኣልሰጥም ብሎ በፍርሃት እያለቀሰ ነው’ና ሰውየው ጨርቁን ሳይጥል እባካቹ ራሳቹ ውሰዱት’’ ክብላ ተማሕጺነናኒ። እተን ተባዕ ሰበይቲ ክሪኡወን ዝደለዩ ክልተ ተጋደልቲ ሒዘ ናፍቲ ገዛ ብመኪና ኸይደና ዓሊለን ድማ ተቐቢለናና። ሻለቃ ካብ ዝተሓብኦ መደቀሲ ወጺኡ ብፍርሒ ገጹ ሓመድ መሲሉ ውቃቢኡ ርሒቑዎ መጸ እሞ ከምዝናፈቐ ሰብ ኣገላቢጡ ሰዓመኒ፣ ንቶም ጀጋኑ ድማ “እንኳን ደህና መጣቹ ውንድሞቼ” በሎም ብክልተ ኢዱ ናጨበጠ። ሙሉእ ዓርሰ እምነትን ህዝባዊነትን ዝተላበሱ ጀጋኑ ተጋደልትና ድማ ንሱ ብዘይተጸበዮ ኹነታት ብምቕሉልነት ሰላም ኢሎም፣ ኣጻዊቶም፣ ኣስሒቖም ኢዱ ክህብ ንጦር ሃይሎች ብመኪና ወሲድናዮ። ኣፍቶም መዝገብቲ ቐሪቡ ናተንቀጥቀጠ ዕጥቁ ኣቐዲሙ ከምተማረኸ ብምግላፅ መዓርጉን ሽሙን ኣመዝገበ። “በራዲዮ እና በቴሌቪዥን ለተሃድሶ እስክትጠሩ ድረስ ወደ ቤትህ መሄድ ትችላለህ” በሉዎ። ናቱ ስርዓት ከምኡ ዝገብር ስለዘይነበረ ምእማን ኣቢዎ “በቃ ልሂድ”? ኢሉ ብምርግጋፅ ፍርቂ መገዲ ምሳና ብመኪና ክምለስ ሓቲቱና ሒዝናዮ ድማ ተመለስና። በቲ ኩነታት ብምግራም ኣመስጊኑና ካብ መኪና ወሪዱ መናዕ መናዕ ናበለ ገዝኡ ኣተወ።   

ኩሉ ሓሊፉ ሂወትና ኣብ ኢድና ጨቢጥና ንኸድሉ እዋን ተጋሂዱ። ንመመላእታ ሚኢቲ ዓመት ኢትዮጵያን ህዝባን ሰንሰን ዘበለ ሸዋዊ ስርዓት ንኸይምለስ ተደምሲሱ። ቐልቢ ህዝቢን ፖለቲካን ኣፈንቱ ቐይሩ፣ ቕድሚኡ ብወረ ንሰምዖም እምበር ዘይንፈልጦም ዝነበርና ነፃ ፕሬስ፣ ዴሞክራሲ፣ ሕገመንግስቲ፣ ስግግር መንግስቲ፣ ህዝባዊ መንግስቲ፣ ብዙሃን ፓርቲ፣ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ተቓዋሚ ውድብ፣ ብሄር ብሄረሰብ ወዘተ ወዘተ ናይ ኢትዮጵያ ዕለታዊ ዘረባን ኣትኩሮትን ኮይኖም ቐፀሉ። ሃገርና ኣንፃራዊ ሰላም ዓሲሉዋ ዜጋታት ብዘይ ሓንቲ ይሕለፍን መለለዪ መንነትን ናብ ዝደለይዎ ኣንፈት ሃገሮም ወፊሮም ስርሖም ከሳልጡ ዕድል ተረኺቡ። ትማሊ ንዛ ሃገር ኣብ ቅድሚ ዓለም ናብ ጥሜትን፣ ስደት፣ ውርዴትን ጨፍጫፊ ስርዓትን ኣእቲዮም ብሕድሕድ ኲናት ደም ዘውሐዙላ ከም ሻለቃ ኣክሊሉን መሓዙቱን ዝበሉ ደጋዊያን’ውን ከም ሃገሮም ብሰላም ዝነብርሉ፣ ንርእሶም ናብ ጋዜጠኛ ቀይሮም ብሓዱሽ መልክዕ ዝቃለስሉ፣ ውድብ መስሪቶም ኣካል ስግግር መንስግስቲ ዝኾኑሉን ንቲ መሰል ዝሃቦም ስርዓት መሊሶም ዝቃወሙሉን፣ ናብ ድሌቶም ተንቀሳቒሶም ዝነብሩሉን ዝሰርሑሉን ስርዓት ሳላ መስዋእቲ ጀጋኑ ተረጋጊጹ።   

ብምዃኑ ድማ ናፍቲ ትማሊ ብናፓልምን ታንክን መዳፍዕን ገይሮም ብጭካነ ዘንደድዎ ህዝቢ ትግራይ’ውን እንተይተረፈ ነጋዳይ ኮይኖም ይምለስዎ ጀሚሮም። ድሕሪ ሓደ ዓመት ይኸውን ኣብ መቐለ ምስ መሓዙተይ ኣብ ሓደ ቤት ብልዒ ኮፍ እንትንብል ካብዙይ መፀአ ዘይበሃል ሰብ ብድሕሪተይ መጺኡ ተጠምጠመኒ። ናይቲ ጨካን ስርዓት ናይ ቀደም ወታሃደር ናይ ሎሚ ነጋዳይ ሻለቃ ኣክሊሉ እዩ ነይሩ። ተዋስኦ ብዝመስል ኣገላልጻ ድማ ‘’ኣንተ የልጅ ትልቅ ሰው፣ በዚያን ቀውጢ ወቅት፣ ተስፋ በቆረጥኩበት የመጨረሻዎቹ ደቂቃዎች ሂወቴን ያተረፍካት ሰው ነህ… ኣንተና ውንድሞችህ እንደዛ ባታደርጉ ኣሳዛኝ ነገር ሊከሰት ይችል ነበር፣ እዚህ ቆመንም ኣናወራም ነበር’’ ኢሉ ናብቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ወሲዱ ኣፋሊጡኒ። ኮፍ ኣቢሎምኒ እቲ ሕሉፍ ታሪኽ’ውን ብሓፂሩ ተረኸሎም’ሞ ብኣ ተፈላለና።  

ድሕሪ ውድቀት ደርጊ

ወይዘሮ ሙሉየ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ እውን ኣዴና ኮይነን ቀጺለን። እቶም ምስ ዓበይቲ ደቀን ሓዊሰን ዘምህርኦም ዝነበራ ደቂ እቶም ኸቢድ ግፍዒ ዝወረዶም ትግራዋይ እውን ኣብ ቁም ነገር በጺሖም። ኣዶ ደቆም’ኳ ካብ ገዛ ወጺኣ እንተረፈት ንሶም ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ቐጺሎምስ ዕድመ ሂቡዎም ንጥሮታ በጺሖም። ዘይተርፍ ተፈጥሮኣዊ ከይዲ ኮይኑ ወይዘሮ ሙሉየ’ውን ብዝሓደረን ሕማም ካብዛ ዓለም ተፈሊየን። ኣብዚ ክፉእ ዘበን ሰብ ንሰብ ዘጥፈአሉ ኩነታት ከምዚአን ዝበላ ሕያወይቲ ኣዶ እውን ነይረን።

ነቲ ኣረመኒያዊ ስርዓት ሓመድ ድበ ዘእተዉዎ ዝለዓለ ዲሲፕሊን፣ ፈተኽ ዘይብል ፅንዓትን ህዝባዊነንትን ዝተዓተቑ ንሃገርም ኩለንተንኦም ዝሃቡ ውፉያት ጀጋኑ ብዘይ ሓንቲ ጥሮታ ዓዲ ዓዶም ክፋነዉ እንተለዉ (ደሓር’ኳ ኣብ ባድመ’ውን ንመስዋእቲ ተዓዲሞም) ሻለቃ ኣክሊሉን መሓዙቱን ግን ነጋዶ ናይ ምዃን ዕድል ተዋሂቡዎም። ኩሉ ተረሲዑስ ሳላ መንግስቲ ኢህወደግ ድሕሪ ተሃድሶ ተወዲቡ ኣብ ናይ መጓዓዚያ ንግዲ ማሕበር ይነጥፍ ከምዘሎ ኣብ መቐለ ድንገት ምስተራኸብና ነጊሩኒ።

እቲ ደህነነት ኣሰሩ ዘጥፍኡልና በዓል ብዙሕ ሽም ሰብ ሞይቱ ኢልና ምስቐበጽና ኣብ 1986 ዓ.ም ኣብ ትግራይ፣ ሩባ ወርዒ ኣነ ንምዕራብ ንሱ ንምብራቕ ገፅና ክንሳገር ጎፍ ንጎፍ ተራኺብና። ብድንጋፀ ተፋጢጥና ደው ኢልና፣ ክልቴና ምእማን ኣቢዩና። ድሕሪ ሰላምታ ንፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ኣብ ዓብዪ እምኒ ኮፍ ኢልና እቲ ዝነበረ ኩነታት ገሊጹለይ።  ክእሰር እንተሎ እታ ምሸት ቖሪሩዎ ዝሃብኩዎ ጀኬት ተኸዲኑ ከምዝነበረን ናተይ ዓርባዕተ ጉርዲ ፎቶ ኣብ ጁባ ከምዝረኸበን ገሊጹለይ። እተን ስእሊ ማእከላዊ ምርመራ ዝኣተወላ መዓልቲ ኣብ ካልሱ ቐርቂሩ ፀኒሑ ኣብ ሽንትቤት ሽዑ ንሽዑ ከምዘእተወን ነጊሩኒ። ኣፍቲ እዋን ንኣብርሃም ያየህ ይረኽቦ ከምዝነበረን ደህንነት ጠርጢሮም ከምዝሓዙዎን ሂወቱ እስካብ ዝስሕት ብመግረፍቲን ቶርቸርን ከምተሳቐየን እውን ገሊጹለይ። ብዛዕባ እቲ ሚስጥራዊ ዝበሎ ሰነድን ብረትን ግን ዝበለኒ ነገር የለን፣ ኣነውን ኣይሓተትኩዎን። ኣውጊዕና ስልከይ ሂበዮ ኣፍታ በረኻ ተፈላሊና። ብድሕሪኡ ደሃዩ የብልናን።

እቲ ንሻለቃ ክንማርኽ ክላሽን ዝዓመረ ሙኩር ተጋዳላይ ኣብ ናይ ኢትዮ- ኤርትራ ውግእ ኣብ ባድመ ግምባር ኸቢድ መውጋእቲ ገጢሙዎ ምስቲ ናይ ደርግ እዋን ዝነበሮ 11 መውጋእቲ ተደሚሩ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ስለዝበፅሐ ብጥሮታ ካብ መከላኸሊ ሃገር ተሰናቢቱ ብሂወት ኣሎ። ደፋር ጣዓመ ራያ ናብ ደብረዘይት ደሓር ናብ ኣዋሽን ምዕራብ ሃረርጌን ምስ ሰራዊት ቐጺሉ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ናይ ኦነግ ብኣግማል ምርጋፅ ዝተሓገዘ ውግእ ዊዒሉ ብጎድኑ ተወጊኡስ ተሓኪሙ ድሒኑ። ሀዚ ኣብ ናይ ውልቀ ስራሕ ተዋፊሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከብ። ብልሓተኛ ማሕሙድ ኢብራሂም ኣብ ሪያድ ዕዉት ሂወት ይመርሕ ኣሎ። ተዘክሮ ግንቦት 20 1983 ዓ.ም ብሓጺሩ እዚ ይመስል።  

ኽብሪን መጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና! ውግዘት ነቶም በላዕቲ ሕድሪ!

********

ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ ኣብ ሃገራዊን ዞባዊን ከምኡውን ዓለም ለኻዊ ፖለቲካ ጉዳያት ዝከታተል፣ ኣብዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘይነጥፍ ውልቀ ሰብ እዩ። ንሃናፃይ ሪኢቶ ኣብ [email protected]

more recommended stories