6/ ኣመራርፃ ኣመራርሓ ብተግባር
ውድብና ህወሓት ልዕሊ 750 ሽሕ ኣባላት ዝሓዘትን ንዝሓለፉ 5 ናፃን ዴሞክራሲያዊን መረፃታት ናይ መላእ ህዝቢ ትግራይ ድጋፍ እናረኸበት ስልጣን ሒዛ ክልልና (ትግራይ) ካብቲ ዝነበረቶ ሚሒር ድኽነት ኣብ ምውፃእ ትርከብ ናይ ህዝቢ ውድብ እያ፡፡ እዛ ውድብና እዚኣ ንህዝቢ ኣብ ጎና ኣሰሊፋ ድሕሪ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ንደርጊ ዝሰዓረት እንትትኮን፣ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ድማ በቲ ናይ ሃገርና ዴሞክራሲያዊ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ድማ ኣብ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ቃልሲ ክማላእ ዝግበኦ ሮቕሓታት ብምምላእ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ሃገርና ተመዝጊባ ምንቅስቓስ ትገብር ዘላ ውድብ እያ፡፡
ህወሓት ልዕሊ 750 ሽሕ ግዱሳትን ውፍያትን ተጋሩ ዝሓቖፈት ዴሞክራሲያዊት ውድብ ኮይና ኣወዳድባ/ኣወቓቕራ ውድብና እንትረአ እዞም ልዕሊ 750 ሽሕ ኣባላት ውድብ ዝወከልዎም 1100 ኣባላት ዝሓዘ ጠቕላላ ጉባኤ፣ 45 ኣባላት ዘለዉዎ ማእከላይ ኮሚቴን ካብ እዚኦም ዝምረፅ 9 ኣባላት ዘለዎ ዝለዓለ ኣመራርሓ ዝህብ ፖሊት ቢሮን ዝሓዘ ኣወዳድባ ኣለዋ፡፡ ትሕቲ እዚ ኣመራርሓ እዚ ድማ ናይ ዞባ፣ ወረዳ፣ መሰረታዊ ውዳበን ዋህዮን ዝብሉ ኣወዳድባታት ዘለዎ ኮይኑ እዚ ኣወዳድባ ካብ ላዕላይ ኣመራርሓ ካብ ዝወርደሉ ኣንፈትን መምርሒን መሰረት መደባቱ ይፍፅም፡፡
ብመሰረት ህንፃ ውድብ ህወሓት ካብ ናይ ዋህዮ ኣመራርሓ ክሳብ ናይ ፖሊት ቢሮ ዘሎ ኣመራርፃን ኣመዳድባን ኣባላት ኣመራርሓ ብናፃን ዴሞክራሲያዊን መንገዲ ዝፍፀም ኮይኑ ኣብ ናይ ወረዳን ዞባን ኣመራርሓ ግን ከከም ኩነታቱ ብፉሉይን ካብቶም ብቑዓት ዝባሃሉ ላዕለዋይን ማእኸለዋይን ኣመራርሓ ብምምዳብ ዝካየደሉ ኩነታት ኣሎ፡፡ ኣጠቓሊልካ እንትረአ ግን ልዕሊ 95 ሚእታዊ ምባል ይከኣል እቲ ኣመራርሓ መሓውራት/ውዳበታት ብናፃን ዴሞክራሲያዊን መረፃ እዩ ዝካየድ፡፡
6.1 ኣሰያይማ ጉባኤ
ከም ማንም ዴሞክራሲያዊ ውድብ ውድብና ህወሓት ኣበቢ 2 ወይ 2ን ፈረቓ ዓመት ሓፈሻዊ ጉባኤ እናተፀወዐ ናይቲ ውድብ ናይ 2 ወይ 2ን ፈረቓ ዓመት ዝርዝር ኣፈፃፅማ ብምግምጋም ናይ ቀፃላይ 2 ዓመት ትልምን ናይ ኣፈፃፅማ ኣንፈትን ብምውሳን ንቐፃሊ 2 ወይ 2ን ፈረቓ ዓመት ናይ ውድብ ኣመራርሓ /ማእከላይ ኮሚቴ፣ ፖሊት ቢሮን ቁፅፅር ኮሚሽንን/ ብምምራፅ የጠቓልል፡፡
ኣብዚ በቢክልተ ዓመቱ ዝካየድ ጠቕላላ ጉባኤ ዝሳተፉ በዝሒ ተሳሰተፍቲ ከከም በዝሒ ኣባላቱ ዝውሰን በቲ ናይ ጉባኤ መዳለዊ ኮሚቴ ኮይኑ ብድምፂ፣ ብዘይድምፂ፣ ብተዓዛቢነትን ብክብሪ ጋሻነትን ተኸፋፊሉ ናብ ታሕቲ መሓውር ይወርድ፡፡ ናብ ታሕቲ መሓውር እንትወርድ ብመሰረት በዝሒ ኣባል ውድብ ብኮታ ብድምፂ፣ ብዘይድምፂን ብተዓዛብነትን ብቑፅሪ ተፈልዩ ይወሃብ፡፡ ንኣብነት ኣብ መበል 12 ጉባኤ እቲ መዳለዊ ኮሚቴ 1100 ተሳተፍቲ ጉባኤ ከከም በዝሑ ናብ ናይ ዞባ ውዳበታት ሸንሺኑ እንትልእኽ ናይ ዞባ መሓውር ድማ እቲ ዝተውሃበ ኮታ ብበዝሒ ኣባላተን ሸንሺኑ ናብ ወረዳታት ይልእኽ፣ ሕድሕድ ወረዳ ከዓ በዚ ኣገባብ ናብ ሕድሕድ መሰረታዊ ውዳበ ይልእኽ፡፡ ኣብዚ እቲ ኮታ እንትለኣኽ ደረጃን ሓላፍነትን ኣባላት ብዘየገድስ ንኩሉ ኣባል ማዕረ ተራኢዩ እዩ ኮታ ዝወሃቦ፡፡ ስለዚ ንኔትዎርክ፣ ንጉጅላዊ ኣሰራርሓ በሪ ዘይፈቕድ ፍፁም ዴሞክራሲያዊ እዩ፡፡
6.2/ ኣመራርፃ ጉባኤተኛ
6.2.1/ ናይ መረፅቲ መረፃ
ብመሰረት ካብ ላዕሊ ዝወረደ ኮታ ሕድሕድ መሰረታዊ ውዳበ ዝተውሃቦ ኮታ ንምምራፅ ኩሉ ኣባል ክእከብ ብምግባር ድሕሪ ናይ መደብ ኣፈፃፅማን ናይ ቀፃላይ ኣንፈት ብምግምጋም ኣብ መወዳእታ ናብቲ ጉባኤ ብቐጥታ ዝሳተፉ ወይከዓ ከከም ኮቱኡ ናብ ናይ መረፅቲ መረፃ የካይዱ፡፡ ኣብዚ ናይ መረፃ ስራሕቲ ዘካይድ እቲ ናይቲ ውዳበ ኣመራርሓ ኣይኮነን፣ እሱ ከምሃገሩ እንተተመሪፁ ይኸይድ እንድሕር ዘይተመሪፁ ይፀንሕ፡፡ ስለዚ ነቲ ናይ መረፃ ስራሕቲ ዘሳልጡ መማረፂ ኮሚቴ ካብቲ ኣመራርሓ ወፃእ ተመሪፁ፣ ከምበዝሒ ተመረፅቲ ኮታ ሕፁያት ብድምፂ ብምውሳን ናብ ጥቆማ ይእቶ፡፡
ኣብዚ ናብ ጥቆማ እንትእቶ ሕድሕድ ዝጥቆም ሰብ ዝርዝር ዘለዎ ጥንካረን ድኽመትን ብምዝርዛር ናብቲ ኣኼበተኛ (ናብ ተሳተፍቲ) የቕርብ፣ ናብቲ ዝቐረበ ዝርዝር ፀብፃብ ተወሳኺ፣ ፉሉይን ተቋውሞ ንቲ ገዛ ተሓቲቱ ዝርዝር ምይይጥ ይግበር፡፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ተጠቋሚ ናብ ሕፁይነት ይሕለፍዶ ኣይሕለፍ ዝብል ብድምፂ ይሕተት ልዕሊ ሓደ ሲሶ እንድሕር ደጊፉዎ ናብ ሑፁይነት ይሰግር፣ እንድሕር ድምፂ ውሒድዎ ናብ ሕፁይነት ከይሰገረ ይተርፍ ካሊእ ሕፁይ ክጥቆም ብምግባር ብተመሳሳሊ መንፊት ይሓልፍ፡፡ ናይቲ ውዳበ ኣመራርሓ ይኹን ካልእ ላዕለዋይን ማእኸላይን ኣመራርሓ ኩሉ ምስ ዝኾነ ሙሉእ ኣባል ማዕረ ድምፂን ተሳትፎን ክህልዎም ብምግባር ዝተውሃቦም ኮታ መሰረት ተገይሩ ዝወሰንዎ በዝሒ ሑፁይ ጦቊሞም ምስ ወድኡ፣ ንኹሉ ማህተም ወይ ፌርማ ዘለዎ መምረፂ ወረቐት ክዕደል ብምግባር ብሚሽጥር ዝደለዮም ኣባላት ይመርፅ፡፡ እቲ መማረፂ ኮሚቴ ነቲ ድምፂ ብምቑፃር ብቅደም ሰዓብ ይእውጆ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ክንሪኦ ከለና ብኣንፃር ዴሞክራሲያዊ መትከላትን ኣሰራርሓ ውድብን እንትረአ ፍፁም ዴሞክራሲያዊ እዩ ክበሃል ዝኽእል እዩ፡፡
ካብ ሕድሕድ መሰረታዊ ውዳበ ወይ ወረዳ ብናፃን ዴሞክራሲያዊ መንገዲን ዝተመረፁ ካበ 3-5 ወይ ከከም ኮታኡ ናብ ወረዳ ወይ ዞባ ከይዶም እንደገና ኣብ ላዕሊ ብዝተገለፀ ተመሳሳሊ ከይዲ ተሳተፍቲ ጉባኤ ብዝተውሃቦም ኮታ መሰረት ይመርፁ፡፡ ስለዚ ሐዚውን ናብ ጉባኤ ዝምረፅ ብናፃን ዴሞክራሲያዊ መንገዲ ይኸውን ኣሎ፡፡ ብተወሳኺ ካብቲ ኣብወረዳ/ዞባ ዘሎ ጠቕላላ ኣባል እቲ ብቑዕ፣ ካብ ክራይ ኣካብነት ተግባርን ኣተሓሳስባን ናፃ ዝኾነ፣ ብኣፈፃፅማ ስራሑ ሐዚ ውን ካብቲ ወረዳ/ዞባ እቶም ዝሓሹ ዝባሃሉ፣ ምስ ህዝብን መሳርሕቱን ዘለዎ ርክብ፣ ኣብ ምቅልላስ ወለም-ዘለም ዘይብል፣ ፀገማት ኣብ ምቕባል ሽግር ዘይብሉ ወዘተ ሮቕሓታት ዘማለአ ተመሚዩ ናብ ሑፁይ ብምቕራብ ብምሽጥር ይምረፁ፡፡ ስለዚ እቲ ልዕሊ 1100 ጉባኤተኛ ካብቲ ልዕሊ 750 ሽሕ ኣባል ውድብ ብብቕዓቱ ዝሐሸ እዩ ተባሂሉ ብዴሞክራሲያዊ መንገዲ ብናፃ ምርጫ ተመሪፁ ዝኣተወ እዩ፡፡
ስለዚ ገለገለ ተቋወምቲን ውልቀ ሰባት ዝብልዎ ናይ ኔትዎርክ ይኹን ካሊእ ሕቡእ ጉጅለ ዘየተኣናግድ ብፍፁም ነፃነት ዝተመልኦን ዴሞክራሲያዊ ብዝኾነ መንገዲ ተመሪፁ ዝመፅእ ተሳታፊ እዩ፡፡
መረፃ ኣመራርሓ ውድብና 45 ብቑዓት ኣመራርሓ (ማእከላይ ኮሚቴ) ንምምራፅ 50 ብቑዓት ክጥቆሙ ይግበር፡፡ ኣብዚውን እቲ በዝሒ ሑፁይ 50ዶ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ይኹን ዝብል ናብቲ ጉባኤተኛ ቀሪቡ ብድምፂ ይውሰን፡፡ ቅድሚ ናብ ጥቆማ ምእታዉ እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ዝገምገሞን ብመሰረት ናይ ኣመራርሓ ናይ ምትኽኻእ መስርሕ ክትክኡ ዝግበኦም ኣባላት ኣመራርሓ ናብቲ ጉባኤተኛ ብምቕራብ የፍልጥ፡፡ ብኽብሪ ዝሰናበቱ ናይ ክብሪ ምስክር ወረቐት ይወሃብ፡፡
ካብ ናይቲ ውድብ ኣቦወንበር ጀሚሩ ኩሎም ማእከላይ ኮሚቴ ምስቲ ኩሉ ጉባኤተኛ ማዕረ ተቖፂሮም እንተተጦቊሞም ናብ ሕፀ ይቀርቡ እንተዘይተጦቊሞም ድማ ካብ ማእከላይ ኮሚቴ ይተርፉ፡፡ ኣብዚ ማእከላይ ኮሚቴ እዩ ነይሩ ወይ እዚ ሓላፍነት ዘለዎ እዩ ተባሂሉ ሪዘርቭ ዝግበር ነገር የለን፡፡ ናብ ጥቆማ እንትእቶ በቲ ድምፂ ዝተውሃበሉ መሰረት ብልሙድ 50 ሕፁያት ይጥቆሙ፡፡
45 ንምምራፅ 50 ደኣሞ ኣይውሕድን ዶ? ዝብል ሕቶ ክቐርብ ይኽእል እዩ፡፡
ማእከላይ ኮሚቴ ዝጥቆም ካብቲ ጉባኤተኛ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ብምኽንያት ሕፅረት ኮታ ብቑዓት ኣመራርሓ ማእከላይ ኮሚቴ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብልዎም እንተሊዮም ዋላውን ካብቲ ጉባኤተኛ ወፃእ ዘለዉ ንምጥቋም ከምዝከኣል ኣሰራርሓ ውድብና ይፈቅድ እዩ፡፡ ጥቆማ እንትጅመር ሕድሕድ ጦቋሚ ናይቲ ዝጥቁሞ ሰብ ንምንታይ ከምዝጦቆሞ፣ ንማእከላይ ኮሚቴነት ዝበቅዕ ምዃኑ ብምዝርዛር የቕርብ፡፡ ናይዚ ብቕዓት ንምርኣይ ድማ ዝምልከቶ ውዳበ ኦፊሻል ዝተገምገመ ዘለዎ ጥንካረን ድኽመትን ይዝርዘር፣ ዝተረፈ ዘይተርኣየ እንተሊዩ ብሕቶን ርኢቶን ካብ ገዛ ነፃን ግልፅን ብዝኾነ መንገዲ ይቐርብ፣ ኣብ ገሊኡ ልዕሊ ፍርቂ ሰዓት ዝወስድ ኣሎ፡፡ ኣብ መወዳእታ ኩሉ (ጥንካረን ድኽመትን) ምስቀረበ ንገዛ ናብ ሕፀ ይሕለፍ ወይስ ይትረፍ ተባሂሉ ይሕተት ብድምፂ ተራኢዩ ኣብዛሓ ጉባኤተኛ ይሕለፍ ኢሉ ድምፂ እንተሂቡ ናብ ሑፁይ ይሓልፍ እቲ ይሕለፍ ዝበለ ናይቲ ጉባኤተኛ ቁፅሪ ዉሑድ እንተኾይኑ እቲ ተጠቋሚ ተሪፉ ካሊእ ይቕፅል፡፡ ሕድሕድ 50 ሑፁይ ማእከላይ ኮሚቴ በዚ ከይዲ ይሓልፍ፡፡ ቀፂሉ እቲ ጉባኤተኛ ብምሽጥር ድምፂ ብምሃብ እቶም ኣብዝሓ ድምፂ ዝረኸቡ ብቅደም ሰዓቦም 45 ይሓልፉ ናይ መወዳእታ 5 ድማ ይተርፉ፡፡ ናይ ቁፅፅር ኮሚሽን ኣመራርፃውን በዚ መልክዕ ድሕሪ ውፅኢት መረፃ ማእከላይ ኮሚቴ ምፍላጥ ይቕፅል፡፡
ብተግባር ኣብ ከይዲ ጥቆማ ዋላኳ 50 ይጥቆሙ ይበሃል እምበር ብልሙድ ኣብ ሕድሕድ ጉባኤ ካብ 10 ዘይንእሱ ተጦቊሞም ኣብቲ ገዛ ብዝግበር ክርክር (ቡቑዕ እዩ/ያ ብቑዕ ኣይኮነን/ትን) ወይከዓ ተጦቋሚ ባዕሉ ገናእየ ብዝብል ናብ ሕፀ እንተይቀረበ ዝተርፍ እውን ኣሎ፡፡ ስለዚ ፍትሓዊነት ቁፅሪ ተጦምቲ ክንርኢ ከለና፣ ቀዳማይ እቲ ጉባኤተኛ ካብታሕቲ ተመሚዩ ዝመፅእ ብምዃኑ፣ ካልኣይ ናብ ሕፀ ንምሕላፍ እውን ብደንቢ ተነፍዩ ዝሓልፍ ብምዃኑ 50 ዘይኮነስ ዳርጋ 60 ልዕሊኡን ተጦቊሙ ናብ 50 ዝፃረ ብምዃኑ ኣይውሕድን ዝብል ሪኢቶ ኣለኒ፡፡ ኩሉጊዜ ናብቲ ጉባኤተኛ 60 ወይ ልዕሊኡ ንክጡቆሙ ሪኢቶ ይቐርብ እዩ ግን ድማ እቲ ጉባኤተኛ ነዚ መስርሕ ኣጠቛቑማ ብዝግባእ ስለዝርድኦ 50ክኸውን ብድምፂ ይውስን፡፡ ስለዚ እቲ 50 ምጥቋም ናይ ውድብ መምርሒ ዘይኮነስ ብዴሞክራሲያዊ መንገዲ እቲ ጉባኤተኛ ዝውስኖ እዩ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ናይ ማእከላይ ኮሚቴ መረፃ ከይዲ እንትረአ ብቕዓት መሰረት ዝገበረ፣ ናፃን ዴሞኮራሲያዊን ብዝኾነ ኣገባብ ዝፍፀም ከምዝኾነ የሪኤና፡፡
ውፅኢት ማእከላይ ኮሚቴ ምስተፈለጠ እቶም ዝተመረፁ 45 ማእከላይ ኮሚቴ ብሓደ ተኣኪቦም ብተመሳሳሊ ኣካይዳ ናይ ውድብ ኣቦወንበርን ዋና ስራሕ ፈፀምትን (ፖሊት ቢሮን) ይመርፁ፡፡ ኣብዚ ካብ ዝለዓሉ ሕቶታት ሓደ ዝለዓለ ድምፂ ጉባኤተኛ ዝረኸበ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ንምንታይ ኣቦወንበር ውድብ ወይ ኣባል ፖሊት ቢሮ ዘይኾን? ዝብል እዩ፡፡ ኣብዚውን ብመሰረት ናይ ማእከላይ ኮሚቴ መረፃ ዝረኸብዎ ድምፂ ዘይኮነስ፣ ከምብሓዱሽ እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ተኻቲዑ መማረፂታት ኣቕሪቡ ብምሽጥር ድምፂ ብምሃብ ይምረፅ፡፡ ምኽንያቱ እዚ ካሊእ ናይ መረፃ ብርኪ እዩ፡፡ ብናይ ውድብና ኣሰራርሓ እቲ ጉባኤተኛ ንማእከላይ ኮሚቴን ንማእከላይ ቁፅፅር ኮሚሽንን ናይ ምምራፅ መሰል እዩ ዘለዎ እምበር ፖሊት ቢሮ ናይ ምምራፅ መሰል የብሉን፡፡ ፖሊት ቢሮን ናይ ውድብ ኣቦወንበርን ናይ ምምራፅ መሰል ዘለዎ በቲ ብጉባኤ ዝተመረፀ ማእከላይ ኮሚቴ እምበር ጉባኤተኛ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ እቲ ብሉፅ ተባሂሉ ብጉባኤተኛ ዝተመረፀ 45 ማእከላይ ኮሚቴ፣ በቶም ኣብ ላዕሊ እናረኣናዮም ዝመፃና ሮቕሓታት መሰረት ካብዞም ብሉፃት ብሉፅ 9 ብምምራፅ ይጠናቐቕ፡፡ ስለዚ ብመሰረት መሰረታዊ መትከላት ዴሞክራሲን ናይ ውድብና ኣሰራርሓን እንትንሪኦ፣ እዚውን ብፍፁም ዴሞክራሲያዊን ነፃነቱ ዝሓለውን ዝግበር መረፃ እዩ፡፡
ከምዝፍለጥ ውድብና ህወሓት ልዕሊ 60 ሽሕ ኣባላታ ኣብቲ ጥንኩርን ፀልማትን እዋን በጃ ህዝብን ሃገርን መስዋእቲ ዝኸፈሉላ ውድብ፣ ካብ ሓደ ገዛ 4-5 መስዋእቲ ዝተኸፈለላ ውድብ፣ ሐዚውን ልዕሊ 750 ሽሕ ኣባላታ ኣብ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ቃልሲ ኣትዮም እዋን ዝጠልቦ መስዋእቲ ንምኽፋል ዝተዳለዉላን ንዓለምና ዘገረመ ቅልጡፍ፣ ፍትሓዊን ቀፃልነት ዘለዎ ልምዓት ዘረጋግፁ ዘለዉ ኣባላት ዘለዋ ውድብ እያ፡፡ ኣብ ኣባላታ ዘጋጥሙ ፀገማት ብዘይንሕስያ እናገምገመት ዘዝምጥኖ ስጉምቲ እናወሰደት ከቢድ ሽግር ዘለዎም እውን ካብ ኣባልነት ብምብራር ብሕጊ ተሓታቲ ትገብር ውድብ እያ፡፡ ሐዚውን ካብዝኾነ ጊዘ ንላዕሊ ድጋፍ ህዝባ ዘይተፈለያን ዝንካረኣ ዓቂባ ዘላ ውድብ፣ እሞ ካብዛውድብ እዚኣ በዞም ዝረኣናዮም ብዙሓትን ፀበብትን መንፊታት ነፃን ዴሞክራሲያዊን ብዝኾነ መንገዲ ተመምዮም ንኣመራርሓነት ብቕዓቶም ተረጋጊፁ ዝመፁላ ውድብ፣ ሐዚ ብምንታይ መዐቀኒ እዩ ካብ ሓደ ገዛ (ሰብኣይን ሰበይትን) ኮይኖም ኣመራርሓኣ፣ ዓፅመ ስጋ ዝተኣሳሰሩ እዮም ኣመራርሓኣ፣ ወዘተ ዝብሉ ነቐፌታታት ዝቐርቡላ?
ኣብ ውድብና ስልጣን ማለት ቀደም እውን ሎሚእውን ፡-
– መቃለሲ፣ ሕድሪ ሰማእታትን ህድሪ ህዝብን ሒዝካ ካብ ሃገርካ ንላዕሊ ምውፋይ፣
– ኣብዙ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ እዋን ዝጠልቦ መስዋእቲ ምኽፋል ማለት እዩ፡፡
እሞ እዙ ውድብ እዚ ሰብኣይን ሰበይትን ዶ መስዋእቲ ኣይከፈሉን እዮም? ካብ ሓደ ገዛ 4-5 ደቂ ሓደ ኣቦ እኖ ዶ መስዋእቲ ኣይከፈሉን እዮም? መስዋእቲ ዓፅመ ስጋ ዶ ይቖፅር ነይረየ እዩ? ሎሚ ከመይ ገይረየ ኣብ ማእከላይ ኮሚቴ ከም ሮቕሓ ይኣቱ? ማእከላይ ኮሚቴ መቃለሲ ኣይኮነን ድዩ? ስለዚ መበገሲኡ ብዘየገድስ ሐዚ መፂኻ ሰብኣይ ሰበይቲ፣ ሓው ሓፍቲ፣ ስጋ ዘመድ ዝብሉ መዕነውቲ ሓሳባት ፀበብትን ትምክሕትን ሓይሊታት ምዃኑ ተገንዚብና ክንቃለሶ ዝግበኣና ጉዳይ እዩ ዝብል ርኢቶ ኣለኒ፡፡
ብድምር እቲ ናይ ኣመራርሓ መረፃ ውድብና እንትረአ፣ በቢደረጅኡ ብፀቢብ መንፊት እናተመመየ ዝመፀሉን ብናፃን ዴሞክራሲያዊን ተሳትፎ፣ ብምሽጥራዊ መረፃ ዝሓልፍ ብምዃኑ እቲ ትኽክለኛ ናይ ውድብ ዕላማን መስመርን ብዝግባእ ዝተረደአን፣ ንባዕሉ ካብ ኣተሓሳስባታትን ተግባርን ክራይ ኣካብነት ነፃ ዝኾነን፣ ብቑዕ ኣመራርሓ ዝምረፀሉን ንካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት እውን መምሃሪ ዝኾን መስርሕ እዩ ኢልካ ክውሰድ ዝግበኦ እዩ፡፡ ስለዚ ኣብ ገለ ገለ ተቋወምትን ውልቀ ሰባትን ዘውርይዎ ጠቐነታት መሰረት ዘይብሉ ወረ ምዃኑ ካብዚ ከይዲ መረፃ ውድብና ክንርዳእ ንኽእል፡፡
ምትኽኻእ እንትበሃል ኩሉ በቢናይባዕሉ ኣተረጋጉማን ኣተሓሳስባን እና ወሰደ ብዙሕ ክዛረብን ክፅሕፍን ሪኢና ነይርና፡፡ እዞም ኣብዚ ዝተንፀባረቑ ኣረኣእያታት ኣብ ስልጣን ብዘለዎም ኣረኣእያ ኣብ ክልተ ከፊልካ ምርኣይ ይከኣል፡፡
ገሊኡ ስልጣን ማለት ብሓፂር ጊዜ ገዚፍ ሃፍቲ መዋህለሊ ብሕታዊ መንገዲ እያ፣ ስልጣን ምሓዝ ማለት ናይ ምንድልቓቕን ናይ ምቾትን ናብራ ምንባር ማለት እያ፣ ስልጣን ምሓዝ ማለት ንቤተሰብካን ንዝደለኻዮን ከምደስ ዝበለካ ናይ ምጥቃም ከም ሎተሪ ዕድል ምርካብ ማለት እዩ ኢሎም ዝሓስቡ ወገናት ስልጣን ምርካብ ናይ ሞትን ሕውየትን ጉዳይ ገይሮም ስለዝወስድዎ ካብዚ ዝብገስ ኣፍራሲ ወይከዓ መዕነዋይ ሓሳባት እንትናፍሱ ይረአ፡፡ እዞም ሓይሊታት እዚኦም ብዝኾነ ኣጋጣሚ እቲ ስልጣን ናብ ኢዶም ንክኣቱ ዘይፍንቅልዎ እምኒ የለን፡፡
ብኻሊእ ገፅ ድማ ስልጣን ማለት ከም ናይ ህዝቢ መገልገሊ፣ ሓለፋ መስዋእቲ መኽፈሊ፣ ስልጣን ማለት ሓደራ ህዝብን ሃገርን ተረኪብካ ግቡእ ግልጋሎት ምሃብ፣ ስልጣን ምሓዝ ማለት ኣብዙ ጥንኩር ፈታኒን ጊዘ እዚ ናይ ክራይ ኣካብነት፣ ናይ ግበረለይ ክገብረልካ ኣተሓሳስባታት ኣፍሪስካ ብልምዓታዊ ኣተሓሳስባ ናይ ምቕያርን ሰፍ ዘይብል ሓላፍነት ምርካብ ማለት እዩ፡፡ ስልጣን ማላት ድኽነትን ድሕረትን ካብ ሃገር ንምጥፋእ ዝሓትት ከቢድ መስዋእቲ ልክዕ ከምቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ቀዲምካ በጃ ህዝብን ብፆትካን ፈንጂ ዝርገፅ ዝነበረ ሐዚውን ኣብዙ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ቃልሲ ኣብነት ምዃንን እዋን ዝጠልቦ መስዋእቲ ምኽፋልን እዩ ኢሉ ዝሓስብ ድማ ናይ ባዕሉ ኣሉታዊን ኣዎንታዊን ኣረኣእያታት ከንፀባርቕ ይረአ፡፡
በዞም ኣብላዕሊ ዝረኣናዮም ክልተ ዝተፈላለዩ ኣራእያታት ዝብገሱ ኣብ ምትኽኻእ ውድብና ኣመልኪቶም ዝላዓሉ ሓሳባት ውሽጢ ዝስዕቡ ይርከብዎም፡፡
ተፀራሪጎም ኩሎም ክወፀ ኣለዎም ዝብል ገሊኡ ነቲ ውድብ ብምሕሳብ ብሓዱሽ ወነ ንክምራሕ፣ ብፍላይ ሐዚ ዘጋጥሙ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ክራይ ኣካብነትን ብወነን ብሓዱሽ መንፈስ ክቃለሶምን ኣብ ሓፂር እዋን ክፈትሖምን ይኽእል እዩ ከብዝብል ዝብገስ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ዝሓዘ እንትኮን፡፡ በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ናይዚ ውድብ ውድቀት ዝምነዮ ብዴሞክራሲያዊን ብናፃ ናይ ህዝቢ መረፃ ክስዕሩ ዘይከኣሉ ትምክሕትን ፀበብትን ሓይሊታት ከዓ በዚ ኣጋጣሚ ሆይሆይ ብምባልን ብምድንጋርን እቲ ውድብ ዕድሚኡ ከሕፅረልና ይኽእል እዩ ብዝብል ንምፍራስ ዝሃቀኑ እዮም፡፡ እዞም ሓይሊታት እዚኦም ዝብልዎ በቃ ውድብ ድሕሪ መለስ ሞይታ እያ፣ ደጊም ኣይትምለስን ስለዚ ዘለው ነባራት /ብዕድመ ዝደፍኡ ይኹን ገና ጎልማሳ ዋላውን መናእሰይ/ ኩሎም ተፀራሪጎም ክወፁ ኣለዎም፣ እዚውድብ ስለዘብቀዐ ካብኩሉ ኣባልን ዘይኣባልን፣ ካብ ዝተረፈተን ዝተባረረን፣ ካብ ዓበይቲ ሙሁራትን ሊቃውንትን ቲንክታንክ ጉጅለ ተጣይሹ ነቲ ብዓለምና ዘደነቐ ተኣምር ዝሰርሕ ወይ ዘምፅእ ዘሎ ናይ ውድብና መስመር ክኽልስዎ ዝደልዩ ሓይሊታት ትምክሕትን ፀበብትን እዮም፡፡
እዚኦም ኩልቲኦም (እቲ ሓደ ብገርሁ እቲ ካሊእ ብጉርሑ) ነቲ ሳይንሳዊ መስርሕ ምትኽኻእ ዝፃረሩን ቀፃልነት ዕላማን መስመርን ውድብና ናብ ሓደጋ ዘእትው ብምኳኖም፣ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት መስዋእቲ እናኸፈለሉ ዝመፀ ሕድሪ ሰማእታት ናብ ሓደጋ ዘእቱ ብምኳኑ መዕነዋይ ሓሳብ እዩ ክባሃል ይኽእል፡፡
7.2/ ቅድሚ ሐዚ ዝተተክኡን ሐዚ ዝትክኡን ክምለሱ/ክፀንሑ ኣለዎም
ናይዚ መበገሲ ብቀንዲ ካብቲ ናይ ውድብ ሓልየትን ወገናዊነትን ዝብገስ ኮይኑ እቲ ውድብ ብዓቅምን ተመክሮን ዝውሕዶም ተተካእቲ ክምራሕ ብምግባር ናብ ሓደጋ ዘእቱ ስለዝኮነ ብፍላይ ኣንጋፋታትን ፍሉጣትን ነባራት ኣመራርሓ ክወፁ የብሎምን፡፡ ዝብል እዩ፡፡ አዚ ዋላውን ኣብቲ ጉባኤተኛ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ክሊ እቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓውን እንተኮነ ከም ዋና መዘራረብን መከራኸሪን ጉዳይ እዩ ነይሩ፡፡
ብናይ ሓፂር እዋን ረብሓ እንትረአ ትኽኽል እዩ እዞም ብመስርሕ ምትኽኻእ ዝተተክኡ ብፆት ብኩለመዳይ ዓቅሚ ካብቲ ዝትክእ ዝበለፀ ከምዝኾኑ ኣይተሓትትን፡፡ ኣብ ስራሕ መዳይውን ብኣፈፃፅማ ዝበለፀ ከምዝሰርሑ ኣይተሓትትን፡፡ ግን በቲ ዘለዎም ፍጥነትን ወነን ምኳድ ከምዘይኽእሉ ግን ሳይንሳዊ ሓቂ እዩ፡፡ ኣብቲ ናይ ዱላ ቅብብል ጉያ ከም ኣብነት ዝረኣናዮ ሓደ ሰብ ንበይኑ ሓደ ማራቶን ዝውደአሉ ጊዘን፤ ብዙሓት ብቁዓት ናይ ሓፂር ንውሓት ጉያ ጎየይቲ ብምፍጣር ብናይ ዱላ ቅብብል ኣቢሉ ዝውደአሉ ጊዘን እንተሪኢና ኣፈላላዩ ዓብይ እዩ፡፡ ብፍላብ በዝሒ ተዋሳእቲ እንተ-ኣፍሪና ክሳብ ብዕፅፊ ዝንክየሉ እዩ እቲ ሳይንድስ ይኹን እቲ ተግባር ዘርእየና፡፡ ስለዚ እቲ ናይ ቀረባ ከጋጥም ዝኽእል ሓጎፅጎፅ ቅቡል ጌርካ ብናይ ነዊሕ ጊዜ ራእይን ቀፃልነት መስመር ውድብናን ብምርኣይ ግን እቲ መስርሕ ምትኽኻእ ብዘይምሽርራፍ ምትግባሩ ዘዋፅእ እዩ፡፡ ካብ መስዋአቲ ክቡር መራሒና ንመሃሮ ነገር እንተሃለወ እዚ ኣተሓሳስባ ዓንቃፋይ ምንባሩን ምኳኑን እዩ፡፡ ምኽንያቱ ክቡር መራሒና ኣብቲ ዝሓተተሉ እዋን እንተንሰዶ ነይርና ካብ ዕለታዊ ዝፀምድ ናይ ቢሮ ስራሕቲ ተላቒቑ ጊዘ ረኺቡ ብዙሕ ነገር ምፀሓፈ ነይሩ፣ ካብኡ ድማ ተጠቀምቲ ምኾንና፡፡
ኣብዚ ክበሃል ዝግበኦ እቲ ናይ ምትኽኻእ መስርሐ ቅድም ኢሉ ቅድሚ ሚሊንየም ሃገርና እንተዝተኣታተው ነይሩ ብዙሕ ምሰራሕናሉን ምተጠቐምናን፡፡ ብምድንጋዩ ዋጋ ንኸፍል አለና፡፡ እሱውን ነባራት መራሕትና ቅድሚ እቲ ዝድለ ምትህንናፅ ምፍፃሞም ይደኩሙና ኣለው፣ ጊዜ ረኺቦም ከይሃንፀን ከይፅሕፉን ኣብ ዕለታዊ ናይ መንግስቲ ስራሕቲ ኣእቲና ነጨንቆም አለና፡፡ እቲ ኣብዝሓ ናይ ውድብና ኣመራርሓ ቦትኡ ክለቅቕን ካብኡ ብዝበለፀ ክወስድዎ ይኽእሉ እዮም ብዝብሎም መራሕቲ ክትካእ ዝደሊ እንትኾን፣ ገሊኡ ውሑድ ድማ ያው ናብ ሕመቃት ኣትዩ ነቲ ቦታ ኣብ ክንዲ መቃለሲ፣ መገልገሊ ዝገብሮ ናብ ናይ ውልቀ ናብራ መድፍኢ ገይሩ ብምውጋድ ቃልሲ ገዲፉ ናብ ማቻነት ዝኣቱውን ኣሎ፡፡ ስለዚ ነዚ ካብ ድቃሱ ኣበራቢርካ ቦታ ክለቅቕ ብምግባር ብሓዱሽ ወነን ዓቕሚን ዘለዎ ኣመራርሓ ዝትከአሉ ኩነታት ክፍጠር ይግባእ፡፡
ስለዚ እቲ ኣብ መበል 11 ይኩን 12 ጉባኤና ዝተገበረ ምትኽኻእ ብችኮላን ብተብተብን ተገይሩ እዩ ዝብል እምነት የብለይን፡፡ ከምዚ ዝብል እንተሊዩ ኣብቲ ውድብ ዘውፅኦ መስርሕ ምትኽኻ ዘለዎ እምነት ምሽርሻሩን ንውድብ ዘይጠቅም ብኡ ኣቢሉ ነቲ ውድብ ናብ ምብስባስ ዘምርሕን ምኳኑ ካብ ዘይምግንዛብ ዝብገስ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡
ባሪክ ኦባማ ኣብ ዓድና መፂኡ ዝተዛረቦ ንምጥቃስ ዝኣክል “ኣነ ናይ ኤሜሪካ ፕሬዝዳንት ኮይነ ንክልተ ተርም ኣገልጊለ እየ ሐዚ እንተዝቅፅል ኣነብባዕለይ ምደለኩ ዝሓሸ ዓቅሚ ኣጥርየ እየ ካብቲ ዝፀናሕክዎ ናይ ፕሬዚዳንትነት ዘመነይ ሐዚ ብዝሓሸ መገልገልኩ ግን ድማ ሕጊ ሃገረይ ኣይፈቅድን፣ ነቲ ሕጊ ዝለዓለ ስለጣን ዘለዎ ፕሬዚዳንት’ውን ክቕይሮ ኣይኽእልን ስለዚ ናይ ግድን ክወርድ ኣለኒ ከይፎቶኹ ይወርድ ኣለኹ፣ ናይ ኣፍሪካ መራሕቲውን ስልጣን ዕድመ-ልክዕ ገይርኹም ኣይትሓዙ’’ ኢሉና፡፡
ባራክ ኦባማ ስልጣን ምቁር ከምዝኾነ፣ ሓደ ጊዘ እንተሒዝካዮ ስደዶ ከምዘይመፀካ፣ እንተዝኽእል ባዕሉውን ክቕፅል ከምዝደሊ፣ እንተኾነ ግን ሕጊ ሃገሩ ከምዝሓዞን ተገዲዱ ከምዝለቅቕን ተዛሪቡ፡፡ እዚ ኣበሃህላ ምስ ናይ ሃገርና/ውድብና ዘይኸድን ካብ ጉጉይ መበገሲ ተበጊሱ ዝተዛረቦ እዩ፡፡ ብናቱ ኣተረጓጉማ ስልጣን ኣብ ኣፍሪካ ማለት ከምቲ ክራይ ኣከብቲ ኣብ ሃገርና ዝሓስብዎ ገይሩ ትርጉም ሂብዎ ክኾን ይኽእል፡፡ ስልጣን ማለት ብህወሓት ኢህወዴግ እንታይ ማለት እዩ እንተዝፈልጥ እንታይ ምበለ? ዝብል ሕቶ ንመንበብቲ ገዲፈ ኣባና ክኾን ዘለዎ ብናይ ውድብና መበገሲ ገይረ ሓደነገር ክብል፡፡
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ናይ ዱላ ቅብብልን ናይ ማራቶን ጉያን ብምንፅፃር ዝረኣናዮ ዋላውን ኣብቲ ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ መስርሕና ዘቐመጥናዮ ሓደ ሰብ ሙሉእ ማራቶን ካብ ዝጎዪ ብዙሓት እናተቐባበሉ እንተጎዮም እቲ ጊዜ ዘይህብ ድኽነት ብተነፃፃሪ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምቕራፍ ዕድል ንረክብ፡፡ ምስቲ ሐዚ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ኣመራርሓ ምፍጣርና ተተሓሒዙ፣ ነቲ ብመትከል ዝተቐበልናዮ ናይ ምትኽኻእ ጉዳይ ብኣሰራርሓ ተርም ምድጋፉ ብዝበለፀ ክንጎዪ፣ ተርምና ከይተወደአ ተገዲድና ብርክት ዝበሉ ኣመራርሓ ክነፍሪ ዘግብርን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጠላባይ ማሕበረሰብ (Demanding Society) ብዝተቐመጠልና ተርም ብጊዘ የለን መንፈስ ክነማልእ የኽእለና፡፡
ስለዚ ኣብ መንግስታዊ ዝላዓሉ ናይ ሹመት ቦታታት ብደንቢ ተነፂሮም ምስ ናይ ኣመራርሓ ናይ ምብቓዕ ዓቕምና ዝተገናዘበ ሓደሰብ ኣብ ሓንቲ ናይ መንግስቲ ናይ ሹመት ቦታ ብተኸታታሊ ንኽንደይ እዋን ከምዝፀንሕ ምቕማጥ ኣድላዪ ኮይኑ ይስመዓኒ፡፡
8.2/ ዝተተክኡ ነባራት ኣመራርሓ ንጠቕላላ ኣካይዳና ናፃ ኮይኖም ዝግምግሙሉን ተሞክሮ ዘሕልፉሉን ስሩዕ ውድባዊ መድረኻት ምድላው
እቶም በቢእዋኑ ዝትክኡ ነባራት መራሕትና ቀንዲ ሃፍቲ ውድብና፣ ላየብረሪ ውድብና ብምዃኖም ንቀፃልነትን ውፅኢታዊነትን መስመርና ንምጉልባት ዓብዪ ተራ ኣለዎም፡፡ እቲ ናይ ምትኽኻእ መስርሕና ውን ከምዝብሎ ካብቲ ቀዳማይ ረድፊ ፈንተት ኢሎም ኣብ ከይዲ ህንፀት ኣመራርሓን ኣብ ምፅፋፍ ፖሊሲታትናን ሓጋዛይ ተራ ክህልዎም ምእንቲ እዩ ምስ ጉልበቶምን ወነኦምን እናሃለወ ክትክኡ ዝገብሮም፡፡ ስለዚ እዚ ተግባራት ብዝተተለመን ብዝተመርሐን መንገዲ በቢ ብቕዓቶም፣ ተሞክሮኦምን ክእለቶምን ኣስተዋፅኦ ዝገብሩሉ ኩነታት ክመቻቾ ይግባእ፡፡ እዚ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ብቕጥታ ክስራሕ ዝግበኦ ጉዳይ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ኣብዚ ምዝንጋዕ ስለዝረአ፡፡ ስለዚ ኣብ መበል 11 ጉባኤና ዝተፋነዉ እንታይ ገይሮም? እንታይ ከ ክገብሩ ይግበኦም? ሐዚ ኣብ 12 ጉባኤና ዝፋነዉ ኸ እንታይ እዮም ክገብሩ? ምስቶም ኣብዝሓለፈ ጉባኤ ዝተፋነዉ ከመይ ብሓደ ይሰርሑ? ክምለስ ዝግበኦ ሕቶ እዩ ኢለ ይኣምን፡፡
ንነዊሕ እዋን ኣብ ኣማራራሓ /ማእከላይ ኮሚቴ/ ኮይኖም ፀኒሖም ብሕመቕ ወይ ብምብራር ዘይተገምገሙ ግንድማ ብምኽንያት ዴሞክራሲያዊ መረፃ ተጦቊሞም ናብ ሕፀ ምስሓለፉ እኹል ድምፂ ብዘይ ምርካቦም እንተይተመረፁ ዝተርፉ፣ ወይከዓ ናብ ጥቆማ ዕድል ከይረኸቡ ናብ ሑፁይ ከይቀረቡ ዝተርፉ ኣባላት እቲ ኣገልግሎቶም ኣብግምት ዘእተወ ናይ ምስጋና ምስክር ወረቐት ብምሃብ ክተባብዑን ኣብቲ ዝተመደብዎን ብወነ ክንቀሳቐሱን ምግባር የድሊ፡፡
8.4/ ናይ ክልል ኣመራርሓ ተሳትፎ ኣብ ጉባኤ ክውስኽ ምግባር
ተሳትፎ ጉባኤ ውድብና ብዋናነት ብዴሞክራሲያዊ መረፃ ከምዝካየድ ርዱእን እዚ ውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ዝግበኦ ጉዳይ እዩ፡፡ እቲ ውድብ ካብ ዝተቓለሰሎም ዕላማታት ሓደ ንዴሞክራሲ ስለዝኾነ ነዚ ዝሽርሽር ዝኾነ ነገር ክመፅእ የብሉን፡፡ ኣብዚ ተሳትፎ ጉባኤ ክኸውን ኣለዎ ዝብሎ ግን ኣብ ክልል ዘሎ ኣመራርሓ ብዓቕሙ ይኹን ብኣተሓሳስባኡ ዝሓሸ እዩ ተባሂሉ ካብ ታሕቲ ካብ ወረዳ ጀሚቱ እናተስሓበ ዝመፀ ሓይሊ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ናብ ጉባኤ ተሳትፎ ግን በቲ ዴሞክራሲያዊ መንገዲ ጥራሕ ይሳተፍ እንተኢልና ካብ ክልል ሙሉእ 6 ሰብ ጥራሕ እዩ ዝሳተፍ፡፡ ብተዓዛብነት ዝተወሰነ ዋላ ዝኣቱ እንተሃለወ፣ ግን ኣብ ዝሓለፈ ጉባኤና ብጣዕሚ ውሑድ ብምንባሩ ካብቲ ጉባኤ ብዙሕ ክመሓሩሉ ዝግባእ ብዙሓት ቤትፅሕፈት ሓለፍትን ምክትላቶምን ተሪፎም እዮም ስለዚ እዚ ክሕሰበሉ ይግበኦ፡፡
*************
l am happy by this topic