ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ መስርሕ ውድብና ህወሓትን ዝሓለፈ ጉባኤናን

* ኣብ ከይዲ ናይ 40-50 ዓመት ጉዕዞ ህዳሴና ዝቕየርን ዘይቕየርን ጉዳይ እንታይ እዩ?
* ዝለዓለ ድምፂ ጉባኤተኛ ዝረኸበ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ንምንታይ ኣቦወንበር ውድብ ወይ ኣባል ፖሊት ቢሮ ዘይኾን?
* ካብ ሓደ ገዛ (ሰብኣይን ሰበይትን፣ ሓውን ሓፍትን)፣ ዓፅመ ስጋ ዝተኣሳሰሩ ንምንታይ ብሓደ ኣመራርሓኣ ይኾኑ?

(ብኣማኑኤል ገ/ተንሳዔ በየነ [email protected])

1/ መእተዊ
2/ ዕላማን ኣድላይነትን ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ መስርሕ
3/ ዱላ ቅብብልን ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእን
4/ ኣገባብ ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ
5/ ቅድመ ኩነታት ምትኽኻእ
6/ ኣመራርፃ ኣመራርሓ ብተግባር
7/ ኣብዚ ዘጋጠሙ ኣረኣእያታት
8/ መጠቓለሊ Recommendation

1/ መእተዊ

ጉባኤ ውድብ ኣብ ዝመፀ ቁፅሪ ዓብይ ኣቃልቦ ካብ ዝግበረሎም ጉዳያት ሓደ ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ ምኳኑ ግልፅ እዩ፡፡ ብምኳኑ ውን ኣብቲ ሕብረተሰብን ኣብ ዝተፈላለዩ ሚድያታትን ብዛዕባ እዚ ምትኽኻእ ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታትን ኣተሓሳስባታትን ብምብጋስ ብስፍሓት ከም መዘራረቢ ዋኒን ኮኑ ይረአ ኣሎ፡፡ እሞ ናይ ውድብና ህወሓት ምትኽኻእ እቲ መስርሕ እንታይ ይመስል ቀንዲ ዕላማ እቲ ምትኽኻእ ከ እንታይ እዩ? ናይ መበል 12+ ጉባኤ ውድብና ምትኽኻእ ከ ብኣንፃር ዝተቀመጠ ኣሰራርሓ ውድብና ከመይ ከይዱ? ዝብሉ ጉዳያት ንምፍታሽ ክፍትን እዩ፡፡

ኣብ ዝኮነ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ስልጣን ብናይ ህዝቢ ናፃ ምርጫ ኣብ ዝተሓዘሉ ስርዓት ናይ ህዘቢ ድጋፍ ዝረኸበ ውድብ ኣብ ስልጣን ዝፀንሓሉ ዘይረኸበ ድማ ካብ ስልጣን ዝወርደሉ ኩነታት እዩ ዘሎ፡፡ ስለዚ እቲ ውድብ ዝሓዞ መስመር ካብቶም ዘለው ኣማራፂታት በቲ ሕዝቢ ዝሓሸ ተቀባልነት ዘለዎ ኮይኑ እንተተረኺቡ ጥራሕ እዩ እቲ ህዝቢ ዝመርፆ፣ ስለዚ ዝኾነ ውድብ ብህዝቢ ተቐባልነት ክረክብ ናብታሕቲ ወሪዱ ፀገማት ህዝቢ ነፂሩ ነዞም ፀገማት ዝፈትሕን ህዝቢ ዝኣመነሉ ፕሮግራምን ሒዙ ይንቀሳቀስ፡፡Photo - TPLF Congress, 2015

ገለ ገለ ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ በቲ ስሩዕ ፖለቲካዊ ንሕንሕ ማለት እውን ኣብ ፕሮግራማት፣ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ውድብና ዝገበርዎ ፖለቲካዊ ጠቐነታት ብህዝቢ ተቐባልነት ስለዘይረኸበ ወይ ስለተነፀገ ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ዝጠቅም ፕሮግራም ሒዝካ ምቅላስ ኣብ ናይ ውሽጢ ውድብ ኣሰራርሓታት እናኣተኻ ምፍትፋት ስራሕና ኢሎም ሒዞምዋቶ ኣለዉ፡፡ ካብቶም ሐዚ ንሰምዖም ዘለና ገለ ገለ ዘረባታት ውሽጢ ሰብኣይን ሰበይትን፣ ሓው ሓፍቲ፣ ስጋ ዘመድ ወዘተ ንምንታይ ኣብ ኣመራርሓ ይመፁ ዝብሉ ይርከብዎም፡፡ ኣብ ክሊ እዞም ዘረባታት እዚኦም ገሊኡ ብጉርሑ ገሊኡ ብገርሁ እንተወዓውዖምን እንተምበድብዶምን ይረአ፡፡ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ምስ ጉባኤ ውድብና ብምትእስሳር ቀንዲ ውራያት ኮይኖም ይረኣዩ ነይሮም፡፡ እከለ ክመፅእ ይግበኦ፣ እከለ ክወርድ ይግበኦ፣ እከለ ክትካእ ይግበኦ እከለ ክፀንሕ ይግበኦ ዝብሉ ሪኢቶታት እንትዝረቡ ይረኣዩ፡፡ ዝኾነ ሰብ ዝመሰሎ ናይ ምዝራብ መሰሉ እዃ እንተኾነ ግን ድማ ካብቲ ዴሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ ሓደ ውድብ ብዘይምፍላጥ ተበጊስካ ናብ ጉጉይ መደምደምታታትን ምድንጋራትን ይረአ ስለዘሎ ነቲ ሪኢቶ ወሃባይ ብፍላይ ድማ ነቲ ብገርሁ ዝመሰሎ ዝዛረብ ኣብ ፍልጦ ዝተመስረተ ምይይጥን ሓሳባትን ክህብ ምእንቲ፣ ውድብና ህወሓት ልዕሊ 750 ኣባላት ዝሓቆፈትን መላእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎና ዘሰለፈትን ናይ ህዝቢ ውድብ ብምዃና፣ ካብ ህዝቢ ዝሕባእ መምርሒ ይኹን ኣሰራርሓ ስለዘይብላ ደንገርገር ይፈጥሩ ይኾኑ ኢለ ኣብዝኣመንኩሉ፣ ኣብ ናይ ውሽጢ ውድብ ዴሞክራሲያዊ መረፃ ኣመራርሓ፣ ኣመልኪተ ክፅሕፍ ድሌት ስለዝሓደረኒ እዚ ኣቕሪበ ኣለኹ፡፡

2/ ዕላማን ኣድላይነትን ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ መስርሕ

2.1/ ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ መስርሕ

ህዝባዊን ዘመን ተሻጋሪን ዕላማ ዝሓዘ ውድብ ናይ ህዝቢ ድጋፍን ተቐባልነትን ረኺቡ ክቅፅል እንተኮይኑ ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ ኣንፈትን መምርሕን ክህልዎ ይግባእ፡፡ እዚ እንድሕር ዘይብሉ እቲ ውድብ ይትረፍ ዘመናት ክሻገር ናይ ሓደ ወድሰብ ዕድመ ውን ንምፅናሕ ቀሊል ኣይኸውንን፡፡ ብልሙድ ምስ ናይ ወድሰብ ኩነታት ዝተትሓሓዙ ተፈጥራዊ ሓደጋታት ሞትን ኣካለ መጉዳእትን፣ ናይ ዓቕሚ ምንኣስን ምጉዳልን /ብክእለትን ፍልጠትን ምንኣስ፣ ብናይ ኣተሓሳስባ ምሽርሻር/፣ ብተግባር ናይ ኣፈፃፅማ ውድቀት ዝመሳሰሉ እንተጋጥም ኣብ መብዛሕቱ ናይ ቢዝነስ ትካላትን ፖለቲካዊ ፓርትታትን ተገዲድካ ትገብሮም ናይ ምትኽኻእ ተግባራት ኣለዉ፡፡ ይኹን እምበር ካብዞም ተገዲድጋ ትገብሮም ናይ ምትኽኻእ ተግበራው ብተወሳኺ ከከም ባህሪን ዕላማን ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ባዕሉ ናይ ምትኽኻእ መስርሕ ክህልዎ ናይ ግድን እዩ፡፡

እዚ ዘመን ተሻጋሪ ዕላማን መስመርን ውድብ ብሓደ ትውልዲ ጥራሕ ዝፍፀም ዘይኮነስ ብናይ ብዙሓት ትውልዲ እናተቐባበሉ ዝፍፅምዎ ብምዃኑ ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ ክህሉ ግድን ይገብሮ፡፡ ስለዚ ውድብና ህወሓት ውን ዝሓዘቶም ህዝባዊን ዘመን ተሻገርትን ዕላማን መስመርን እንተይ ተቆራረፀ ናይ ህዝቢ ተቀባልነቶም እንተይነከየ ንምቅፃል ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ መስርሕ ሓንፂፃ ተግባራዊ ትገብር ኣላ፡፡ ካብዚ ቐፂሉ ብዝርዝር ከቕርቦ እየ፡፡

2.2/ ዕላማ ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ መስርሕና

ብመሰረቱ ናይ ሓደ ውድብ ምትኽኻእ እንትበሃል ሃለዋትን ቀፃልነትን ውድብ ናይ ምርግጋፅ ጉዳይ እዩ፡፡ ናይ ውድብና ህወሓት ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ መስርሕ እውን ካብ ናይ ውድብና ሃለዋት፣ ቀፃልነትን ናይ ህዝቢ ተቐባልነትን ምርግጋፅ ወፃእ ዝረአ ጉዳይ ኣይኸውንን፡፡

ውድብና ህወሓት ካብ ዓዎታት ናብ ዓዎት እናተሸጋገረት ክትቅፅል ዝገበራ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ህዝቢ ረብሓ ዘረጋግፅ ብህዝቢ ተቐባልነት ዝረኸበ፣ ሚልዮናት ህዝቢ ኣብ ፅላል ውድብ ከሰልፍ ዝኸኣለ ዕላማን መስመርን ስለዘለዋ እዩ፡፡ እዚ ዕላማን መስመርን እውን ኣብ ክልልናን ሃገርናን ተግባራዊ ብምግባር ህዝቢ በቢ ደረጅኡን ከም ተሳትፎኡን ተጠቓሚ ምግባር ብምኽኣሉ እነሆ ንዝሓለፉ ተኸታታሊ 5 ናፃ ዴሞክራሲያዊ ናይ ህዝቢ ናይ ክልልን ሃገርን መረፃታት እናሳዓረ ኣብዚ በፂሕና ኣለና፡፡ ነዚ እዩ ህልውናን ተቐባልነትን ውድብና ዝውሰን ኣብ ቀፃልነትን ተግባራዊነትን ዝሓዘቶ ዕላማን መስመርን እዩ ንብሎ፡፡

ኣብ ውድብና ህወሓት ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ እንትንብል ስቅ ኢልካ ሓደ ሰብ ብካሊእ ሰብ /ብብሙሁር መንእሰይ ወይ ደቂኣንስትዮ/ ናይ ምትካእ ጉዳይ ዘይኮነስ ናይቲ ውድብ ሃለዋት/ዕውትነት ወሳኒ ዝኾነ ዕላማን መስመርን ቀፃልነት ናይ ምርግጋፅ ጉዳይ እዩ፡፡ ብህወሓት ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ እንትብሃል፣ ነዚ ዘመን ተሻጋሪ ህዝባዊ ዕላማን መስመርናን ውድብና ብዝበለፀ ወነ፣ ክእለትን፣ ፍልጠትን ንምቅፃል ዘኽእል ናይ ኣመራርሓ ዓቅሚ ናይ ምህናፅ ጉዳይን፣ እዚ ዝተሃነፀ ኣመራርሓ እናተተኻኸአ ክኸይድ ናይ ምግባር ጉዳይ እዩ፡፡ ኣብዚ እቲ ምትኽኻእ ንብሎ ነቲ ናይ ውድብ መስመርን ዕላማን ከይሰሓትካ፣ ብዝተፈላለዩ እዋን ዝጠልቦም ምህዞታት ብዝሓፀረ ጊዜ ብዝሓሸ ፅሬት፣ ብሃፍቲ ቆጣባይ ሜላታት ብምጥቃም ዝሓሸ ውፅኢት ናይ ምምዝጋብን ረብሓ ህዝብን ናይ ምርግጋፅ ጉዳይ እዩ፡፡

ጥቅልል ኣቢልካ እንትረአ ቀንዲ ዕላማ ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ መስርሕ ውድብና፣ ቀፃልነት መስመር ውድብ ምርግጋፅ እዩ፡፡ ኣብ ውድብና ህወሓት ካብ ናይዚ መስመርና ቀፃልነት ናይ ምርግጋፅ ጉዳይ ወፃእ ዝግበር ምትኽኻእ ዝበሃል ነገር የለን፣ ንቕድሚት እውን ኣይህሉን፡፡ ብምዃኑውን ናብዚ ናይ ምትኽኻእ ዝመፅእ ኣመራርሓ ብዓይኒ ቀፃልነት መስመር ምርግጋፅ እናተመዘነን መን ብዝበለፀ ክወስዶ ይኽእል ብዝብል እዩ ዝፍፀም፡፡

2.3 ኣድላይነት ናይ ምትኽኻእ መስርሕ

ዕላማን መስመርን ውድብ ብሓደ ወለዶ ጥራሕ ተግባራዊ ኮይኑ ዝዛዘም ዘይኮነስ ብብዙሓት ወለዶ ቅብብል ዝፍፀም ብምኳኑ እቲ ናይ ምትኽኻእ መስርሕውን ነዚ ቅብብል ብትሉም መንገዲ ንክፍፀም ዝተዳለወ እዩ፡፡ ነዚውን እዩ ኣብ ውድብና ምትኽኻእ ማለት ከም ናይ ዱላ ቅብብል ጉያ ተገይሩ ዝረአ፡፡ እቲ ቀንዲ ኣድላይነት ምትኽኻእ ነቲ ጊዘ ዘይህብ ድኽነትን ድሕረትን ሃገርና ቀልጢፍካ ኣሊኻ ሃገርና ኣብ ዝሓፀረ እዋን ኣብ ተርታ ምዕቡላትን ብልፁጋትን ሃገራት ክትስለፍ ምግባር እዩ፡፡ ብዙሓት መፅናዕትታት ከምዝሕብርዎ ካብ ሓደ ብሉፅ መራሒ ንብዙሕ ዓመታት ብምምራሕ ዘመዝግቦ ለውጢ ብዙሓት ብሉፃት መራሕቲ ብምፍራይን ክተኻኽኡ ወይከዓ ክቀባበሉ ብምግባርን ዘመዝግብዎ ለውጢ ውፅኢታዊነቱ ዝለዓለ ከምዝኾነ እዩ፡፡ ውድብና ህወሓት እውን ነዚ ሳይንሳዊ ትንታነ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ምስቲ ናይ ሃገርና ፉሉይ ኩነታት፣ ንድኽነትን ፀረ-ዴሞክራሲን ቅልጡፍ ፍታሕ እንድሕር ዘይተገይሩሉ ንሃለዋት ሃገርና ናብ ሓደጋ ዘእቱ ብምዃኑ ብጊዜ የለን መንፈስ ዝመርሕ ኣመራርሓ ክህሉ ዝገብር ውፅኢታዊ ናይ ምትኽኻእ መስርሕ ኣታኣታትያ ትርከብ፡፡ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ዝበለፀ ውፅኢት ንምምዝጋብ ዘኽእል ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ ድማ ከም ናይ ዘየቋርፅ ናይ ዱላ ቅብብል ጉያ ጌርካ ምውሳድ ሳይንሳዊን ብተግባር ዝተረጋገፀን ዕውት መስርሕ እዩ፡፡

ብዙሕ ሰብ እከለ ክቅየር የብሉን እከለ ቀልጢፍናዮ ኢና እንትብል ይስማዕ እዚ ክፍኣት የብሉን፡፡ ምኽንያቱ ነቲ ውድብ ብምሕሳብ፣ ነቲ መስመር ቀፃልነቱ ንምርግጋፅ እዩ፡፡ ብሓፂር ጊዜ እንተሪእኻዮ እቲ ምስ ጉልበቱን ዓቅሙን እናሃለወ ትትክኦ ካብቲ ዝትክእ እንትነፃፀር ብዓቅሚ ዝሓሸ ከምዝኮነ ምንም ጥርጥር የለን፡፡ ብቀፃልነትን ብናይ ነዊሕ እዋን እንትትግምግም ግን እቲ ዝትክእ ሓዱሽ ወለዶ ብኩሉ መዳይ እናበለፀ ዝሐሸ ዓቕምን ወነን እናፈጠረ እንትኸድ እቲ ነባር ኣመራርሓ ግን ብኣንፃሩ እናደኸመ ወነኡ እናነከየ ከምዝኸይድ ምንም ጥርጥር ዘይብሉ ናይ ወዲሰብ ናይ ተፈጥሮ ክስተት እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ነባር ኣመራርሓ ከም ዓቅሙ ኣዐሪዩ እንተይ ደኸመ ዝግበር ምትኽኻእ ነቲ ሓዱሽ ወለዶ ኣብ ምህናፅን ኣንፈት ኣብ ምትሓዝን ዝሓሸ ክኾን ብምግባር ነቲ ናይ ውድብ ዕላማን መስመርን እንተይሸራረፈ ክወስዶን ንመፃኢ ወለዶ ከረክቦን ዝገብር ብምዃኑ እዚ ናይ ዱላ ቅብብል መስርሕ ተመራፂ ይገብሮ፡፡

እዚ ብምዃኑ እዩ ዋላውን እቲ መተካእታ የብሉን ንብሎ ዝነበርና ክቡር መራሒና ሓዊሱ ኩሎም ነባራት ጀጋኑ መራሕትና ኣብዚ መስርሕ ኣትዮም ንክትክኡ መደብ ተታሒዙ ተግባራዊ ዝግበር ዘሎ፡፡ በዚ ውፅኢታዊ መስርሕ እዩ ከም ክቡር መራሒና ዝበሉ ኣሻሓት መራሕቲ እናፍረና ክንቅፅለሉ ንኽእል፡፡

3. ዱላ ቅብብልን ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእን

3.1 ንምንታይ ከም ዱላ ቕብብል ተመሲሉ

ጉዕዞ ህዳሴና ካብ 40 ክሳብ 50 ዓመታት ይወስድ እዩ ክንብል ከለና ብሓደ ወለዶ ዘይውዳእ ነዊሕ ጉዕዞ ምዃኑ የሪኤና፡፡ ስለዚውን እዩ ጉዕዞ ህዳሴና ከም ናይ ብዙሓት ማራቶናት ጉያ ጌርና ንምስሎ፡፡ ዱላ ቅብብልን ናይ ውድብና ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ መትከልን ዘመሳስሎም ነገር ንምርዳእ ረብሓ ዱላ ቅብብል ብዓይኒ ናይ ማራቶን ጉያ ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ ኢለ ስለዝኣመንኩ ክልቲኦም ብምንፅፃር ንምግላፅ ክፍትን እየ፡፡ ኩላትና ከምንፈልጦ ኣብ ናይ ጉያ ስፖርቲ ካብ ሚእቲ ሜትሮ ጀሚሩ ክሳብ ናይ ማራቶን ጉያ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ጉያ ቀልጢፉ ንኹሉ ቀዲሙ ዝኣተወ ዝዕወት እንትኾን ዝወደኦ ብሉፅ ሰዓት ድማ ናይ ዓለምና ሪከርድ ተባሂሉ ይምዝገብ፡፡

ንኣብነት ኣብ ናይ ዓለምና ጉያ ውድድር እንትንርኢ ናይ ዓለምና ናይ ጉያ ሻምፒዮና ሪኬርድ ከምዝሕብሮ ናይ 100 ሜትሮ 9.58 ሰከንድ፣ ናይ 200 ሜትሮ 19.19 ሰከንድ ፣ ናይ 400 ሜትሮ 43.18 ሰከንድ፣ ናይ 1000 ሜትሮ 757.35 ሰከንድ ናይ 10000 ሜትሮ 1577.53 ሰከንድ፣ ናይ ፍርቂ ማራቶን 3503 ሰከንድ ናይ ማራቶን ከዓ 7377 ሰከንድ እዩ ተመዝጊቡ ዘሎ፡፡ እዚ ማለት ነዞም ጉያታት እዚኦም ሓደ ሰብ ብሉፅ ኮይኑ ክጎይ ከሎ ዝውደአሉ ጊዜ እዩ፡፡ ብኻሊእ ኣባሃህላ ሓደ ናይ ማሮቶን ጉዕዞ /42 ኪሎ ሜትር/ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ጎይኻ ሓደ ልኡኽ ንምብፃሕ፣ ብሓደ ብቑዕ ጉያዪ /መራሒ/ ዝወሰደልካ ጊዜ 7377 ሰከንድ ወይ ከዓ 2 ሰዓትን 2 ደቂቃን 57 ሰከንድን ይውደአሉ፡፡

ሰደቓ 1 ናይ ዓለምና ናይ ጉያ ሪከርድ ብሰከንድን ዘድልዩ በዝሒ ጎየይቲ ዱላ ቅብብል ብሕድሕድ ናይ ውድድር ንውሓት

Table 1 - Relay athletics data and TPLF leadership

ኣብዚ ክሕሰብ ዘለዎ ኣብ ሓደ ጉዕዞ ማራቶን ሓደ ብሉፅ ጎያዪ ኣብ 2 ሰዓትን 2 ደቂቃን 57 ሰከንድን ዝውድኣ ወይከዓ ልኡኹ ዘብፅሕ እንተኾይኑ፣ እዚ ካብ 2 ሰዓት ብዝሓፀረ መንገዲ ንምብፃሕ እንታይ መማረፅታት ኣለዉ? እዞም መማረፅታት ከ እንታይ ዋጋ ይሓቱ? ኣየናይ መማረፂ ከ ምስ ኩነታት ሃገርናን ዓቕምናን የዋፅእ? ዝብሉ ናይ ምምራፅ ብልሓት ይሓትት፡፡ ስለዚ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝተውሃበ መረዳእታ/ facts/ ተበጊስካ ብዙሕ መማረፂ ምርካብ ይከኣል፡፡

ሰደቓ 2 ንማራቶንን ካልኦትን ብዱላ ቅብብል ጉያ ዝውደአሎም ሰዓት ብሰከንድን ንሕድሕድ ናይ ውድድር ንውሓት

Table 2 - Relay athletics data and TPLF leadership

ብዙሓት መማረፂታት ምቕራብ እኳ ዝከኣል እንተኾነ እስኪ እዞም ዝስዕቡ መማረፂታት ንርአዮም፡-

* ሓደ ናይ 100 ሜትሮ ብሉፅ ጉያዪ /መራሒ/ ዝውደኣሉ ጊዜ 9.58 ሰከንድ እንድሕር ኮይኑ እቲ 42 ኪሎሜትር ጉዕዞ ኣብ 420 ብምኽፋል፣ 420 ብሉፃት ናይ 100 ሜትሮ ጎየይቲ /መራሕቲ/ ብምፍራይ ኣብ 420 ናቁጣታት ተዳሊዮም ክፀንሑ ብምግባር እታ ልዑኽ እናተቀባበሉ ኣብ 4023.6 ሰከንድ ወይከዓ ኣብ 1-ሰዓትን ሸውዓተ ደቂቃን 12 ሰከንድን ሰከንድን የብፅሑዎ፣ እዚ እቲ ናይ ዓለምና ዝሓፀረ ሰዓት ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ፡፡

* ካሊእ መማረፂ እንተ ወስድና 210 ናይ 200 ሜትሮ ብሉፃት ጎየይቲ ብምድላው ኣብ 4029.9 ሰከንድ የብፅሑዎ፣

* ካሊእ መማረፂ 105 ናይ 400 ሜትሮ ጎየይቲ ብምድላው ኣብ 4533.9 ሰከንድ የብፅሕዎ፣

* ካሊእ መማረፂ 42 ናይ 1000 ሜትሮ ጎየይቲ ብምፍራይ ኣብ 5542.32 ሰከንድ የብፅሑዎ፣

* ካሊእ መማረፂ 14 ናይ 3000 ሜትሮ ብምፍራይ ኣብ 6169.39 ሰከንድ የብፅሑዎ፣

* ካሊእ መማረፂ 9 ወይከዓ /8.4/ ናይ 5000 ሜትሮ ብምድላው ኣብ 6361.74 ሰከንድ የብፅሑዎ፣

* ካሊእ መማረፂ 5ወይ /4.2/ ናይ 10,000 ሜትሮ ጎየይቲ ብምድላው ኣብ 6625.63 ሰከንድ የብፅሑዎ፣ ወይከዓ

* ካሊእ መማረፂ 2 ናይ ፍርቂ ማራቶን ጎየይቲ ብምድላው ኣብ 7006 ሰከንድ የብፅሑዎ ማለት እዩ፡፡

ካብዙ ኣብላዕሊ ዝቀረቡ መማረፂታት እንግንዘቦ ነገር እንተሃለው ዕላማን ልዑን ኣብ ዝሓፀረ ሰዓት ጎዮም ንከብፅሑልና በዝሒ ዘለዎም ጎየይቲ /መራሕቲ/ ምፍጣር የድሊ፡፡ ሓደ ሰብ በይኑ ልዕሊ 2 ሰዓት እነተወሰደሉ ብዙሓት /420/ መራሕቲ እንድሕር ኣዳሊና ብፍርቂ ይቅንስ፡፡ ስለዚ ካብ ሓደሰብ ጎዩ ልዕሊ ክልተ ሰዓት ዝውድእ ዘለካ ጎየይቲ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ብምርኣይ እቲ ዝሓሸ መማረፂ ብምውሳድ ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ልዑኽካ ምብፃሕ ይከኣል፡፡

ስለዚ ውድብና ህወሓትውን ብዛዐባ ምትኸኻእ እንትትሓስብ እቲ ዕላማን መስመርናን ወይ ከዓ ጉዕዞ ህዳሴና ብፍጥነትን ጊዘ የለን ብዝብል ኣካይዳ ዕውት ንምግባር ክንዲ ዝተኽኣለ ነናይ ምዕራፉ መደባት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምዕዋት ብምሕሳብ እዩ እቲ ምትኽኻእ ዝበሃል፡፡ ኣብቲ ዱላ ቅብብል ዱላ ንብሎ ዕላማን መስመርን ውድብ ኮይኑ ኣብቲ ጉያ ዝቕየር ወይ ዝመሓየሽ ዱላ ኣይኮነን፡፡

3.2/ ኣብ ከይዲ ዱላ ቅብብል ዝቕየርን ዘይቕየርን ጉዳይ እንታይ እዩ?

እቲ ናይ ውድብ ዕላማን መስመርን ኣይቕየርን እንትንብል ናይ ኢኮኖሚ ፖሊሲን ስትራቴጂን ምቅይያር የለን ማለት ኣይኮነን፡፡ ሐዚ ዘሎ ናይ ኢኮኖሚ ፖሊሲን ስትራቴጂን ዋላዃ ነዊሕ ርሕቐት ምሳና ክኸድ ዝኽእል እንተኾነ፣ ግን ድማ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ሒዝናዮ ክንቅፅል ኢና እንድሕር ኢልና ዕሽነት ጥራሕ እዩ ዝኸውን፡፡

ናይ ዓለምና ተሞክሮ ከምዝሕብረና ን40ን 50ዓመታት ከይተቐየረ ዝሰርሐ ውፅኢታዊ ናይ ኤኮኖሚ ፖሊሲን ስትራቴጂን የለን፡፡ ፖሊሲን ስትራቴጂን ማለት ነቲ ዕላማን መስመርን ውድብና ብዝሓሸ ፅሬት ኣብ ዝሓፀረ ጊዘን ቆጣባይ ብዝኾነ መንገዲን ዘዐውተልና መሳርሒ እዩ፡፡ በቲ ሒዝናዮ ዘለና መስመር ወያናይ ዴሞክራሲ (ልምዓታዊን ዴሞክራሲያዊን መንግስቲ) ኣቢልና ቅልጡፍ ልምዓት እናረጋገፅና ብዝኸድና ቁፅሪ ናይ መንግስቲ ተራ (ጣልቃ ኣታውነት) ኣብ ኢኮኖሚ እናነከየ ምኻዱ ዘይተርፍ ሓቂ እዩ፡፡ ኣብዚ ጊዘ እዚ ነቲ በቢደረጅኡ ዝበፃሕናዮ ናይ ልምዓት ብርኪ ዝምጥን ውፅኢታዊ ኢኮኖሚ ፖሊሲን ስትራቴጂን ምሕንፃፅ ዘድሊ ምዃኑ ምንም ዘተሓትት ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ኣብዚ ብርኪ ዝርከብ ኣመራርሓ ነቲ ዝተቐበሎ ዱላ (ዕላማን መስመርን ውድቡ) ወይከዓ ፊሎዞፊ እንተይቀየረ ውፅኢታዊ ዝበሎ ፖሊሲን ስትራቴጂን ክሕንፅፅ ትፅቢት ይግበር፡፡

ስለዚ እቲ ኣመራርሓ ፊሎዞፊ ውድቡ እንተይቀየረ፣ ውሽጣዊ ኩነታት ሃገሩን ዓለማዊ ኩነታትን ፈቲሹን ተረዲኡን ውፅኢታዊ ፖሊሲን ስትራቴጂን ናይ ምሕንፃፅ ዓቕሚ ከጥሪ ይግባእ፡፡ ነዚውን እዩ ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ እንትንብል ናይ ኣመራርሓ ዓቕሚ ምዕባይ እዩ ንብሎ፡፡ ኣብዚ ምምሕያሽ ወይ ምቅይያር ዘሎ እቲ ናይ ጎያዪ /መራሒ/ ናህርን ጉልበትን ኮይኑ እዚ ናህርን ጉልበትን ዝንክየሉ ኩነታት እንትረአ ድማ ገና ከይደኸመ ወይ ከይወደቐ ብሓዱሽ ጎያዪ ጎኒንጎኑ ክኸድ ብምግባር ድሕሪ ዝተወሰነ ጊዜ ተቐቢልዎ ይጎዪ፣ በዚ መልክዕ ድማ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተቐባበልና፣ ህዝብና እናለወጥናን እናሓለፈሉን፣ ሃገርና ናብ ምዕብልትን ብልፅግትን እናቐየርና ንኸደሉ፣ እቲ ዱላ (ፊሎዞፊ) እንተይቀየርና ናህርን ጉልበትን ዝውስኽ ፖሊሲን ስትራቴጂን እናማሓየሽና ንጓዓዘሉ ናይ ምትኽኻእ መስርሕ እዩ ዘለና፡፡

[ ናብ ገጽ 2፣ 3 ክቅጽል እዩ። ነተን ቁጽሪታት እናጠወቅኩም ኣንብቡ።]

Guest Author

more recommended stories