4/ ኣገባብ ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ
ምትኽኻእ ኣብላዕሊ ንምግላፅ ከምዝተፈተነ ንናይ ውድብ ዕላማን መስመርን ከይተሸራረፈ ቀፃልነቱ ንምርግጋፅ እዋን ዝጠልቦ ክእለትን ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ሃፍትን ተጠቒምካ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብዝሐሸ ፅሬት ቆጣባይ ዝኾነ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ዝበለፀ ውፅኢት ብምምዝጋብ መነባብሮ ህዝብና ናይ ምቕያር ጉዳይ ኮይኑ፣ ነዚ ናይ ምግባር ተኽእሎ ዘለዎ ሰፊሕ ናይ ኣመራርሓ ዓቕሚ ምፍጣር እዩ፡፡ እዚ ከምዘሎ ኮይኑ እቲ ውድብ ዝኽተሎም ናይ ምትኽኻእ ኣገባብ ከ እንታይ ይመስል ዝብል ምርኣይ የድሊ፡፡
ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናፅ ዝፅዕር ሓደ ውድብ መጀመሪያ ውሽጣዊ ናይ ውድብ ምንቅስቃሳቱ ዴሞክራሲያዊ ክኾን ኣለዎ፡፡ ውሽጢ ውድብ ምንቅስቃሱ መጠንን ፅሬትን ዴሞክራሲያዊነት፤ ነቲ ኣብቲ ሃገር /ህዝቢ ክፈጥሮ ዝደሊ መጠንን ፅሬትን ዴሞክራሲያዊነት ቀጥታዊ ፅልዋ ኣለዎ፡፡ ብኻሊእ ኣበሃህላ እቲ ውድብ ውሽጣዊ ምንቅስቃስ ዴሞክራሲያዊ እንተኮይኑ ጥራሕ እዩ፡፡ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ክሃንፀ ዝኽእል፡፡
ስለዚ እቲ ሓደ መለለይ ባህሪ ውድብና ከም ኣብ ኩሎም ምንቅስቓሳትና ንገብሮ ኣብ ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ እውን ዴሞክራሲያዊ መትከል ተግባራዊ ምግባሩ እዩ፡፡ ዴሞክራሲያዊ እንትበሃል ድማ እቲ ኣባል ውድብ ብመንፅር ዕላማን መስመርን ውድቡ ካብ ዘለዉ ኣባላት ብዝበለፀ ክመርሐኒ ይኽእል እዩ ኢሉ ንዝኣመነሎም ብፆቱ ብናፃን ዴሞክራሲያዊ መረፃ ናብ ስልጣን ዘምፀሉ ኣገባብ ምኽታል ማለት እዩ፡፡
ስለዚ ብመሰረት ናይ ውድብና ህንፃን ናይ ውድብና ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ መስርሕ ካብ ናይ ዝተሓተ ናይ ውድብ /ዋህዮ/ ኣመራርሓ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ናይ ውድብና ኣቦ ወንበር ዝስየም፣ በቢደረጅኡ ብዝርከብ ኣባል ውድብ ብዝገብሮ ነፃን ዴሞክራሲያዊን ምርጫ ኣቢሉ እዩ፡፡
ኣብ ዴሞክራሲያዊ ምርጫ እቲ ንኣመራርሓ ብሕፁይነት ዝቐርብ ኣባል ዘለዎ ምዕቡልን ድኹምን ጎኒታት ብዝርዝር ይቐርቡ፣ በቶም ናይ ኣመራርሓ ሮቕሓታት መሰረት ሕድሕድ ሕፁይ እናተገምገመን እናተመዘነን ብድምፂ ናብ ሕፀ ብምቕራብ ኣብ መወዳእታ ካብቶም ዝቐረቡ ሕፁያት ብቑዓት ዝበሎም እታ ካርዱ ብምጥቃም ብምሽጥር ይመርፅ፡፡ እቲ ዝለዓለ ድምፂ ዝረኸበ ብቕደም ሰዓቡ ናይ ኣመራርሓ ቦታ ይሕዝ፡፡
መብዛሕቱ ጊዘ ጭቡጥ መረዳእታ ዘይተረኸበሎም ግን ድማ ብክራይ ኣካብነት ብሕመቓትን ዝሕመዩ፣ ወይድማ ኣብ ኣፈፃፅማ መደቦም ሽግር ዘለዎም፣ ብህዝቢ ተቐባልነት የብሎምን ዝብሃሉ፣ ገሊኦም ኣብ ምጥቋም እንተትርፍዎም ካብዚ ዝሾሎኹ እንተሊዮም እውን ብዝግበር ምርጫ ዝተርፉሉ ኩነታት ኣሎ፡፡ እዚ በቲ ሕመቕ መዳዩ እንትኾን በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ፅቡቕ ዓቕሚ ኣለዎም ዝበሃሉውን እንተስ ከይተጦቆሙ ዝተርፉን ወይድማ ተጦቊሞም ውን ብዘይ ብሱል ገምጋም ብምፅላው ዝወድቁ ውሑዳት የጋጥም እዩ፡፡ ብድምር ግን እዚ ዴሞክራሲያዊ መንገዲ ብምኽታል እቲ ትኽክለኛ ብቑዕ፣ ብህዝብን ብኣባል ውድብን ተቐባልነት ዘለዎ ናብ ቅድሚት ክመፅእ ዘግብር ብምዃኑ ወሳኒ መስርሕ ውድብና እዩ፡፡
4.2/ ምስ ሙሉእ ዓቕሙ/ጉልበቱ እናሃለወ ምትካእ
ምትኽኻእ እንትብሃል ብኣንፃር ቀፃልነት መስመር ውድብ ኮይኑ ዝረአ ዴሞክራሲያዊ ጥራሕ ብምግባር ግን ነዚ ቀንዲ ዕላማ ከዐውት ኣይኸኣልን፡፡ ምትኽኻእ እንትበሃል ሓደ ኣመራርሓ ስለዝደኸመ ጥራሕ ዝግበር ምትኽኻእ ኣይኮነን፡፡ እዚ እንትበሃል ግን ዝደኸመ ኣይትካእን ማለት ኣይኮነን እዚ ኣብ ኩሉ ዝግበር ምትኽኻእ እዩ፡፡
እዚ ከም ዘሎ ኮይኑ ግን ከምውድብ ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ ፍሉይ ኩነታት ዘተኣታተዎ ኣሎ፡፡ እሱውን ምእንቲ ቀፃልነት መስመርና፣ ምእንቲ ቀፃልነት ውድብና እቲ ኣመራርሓ ምስ ጉልበቱ እናሃለወ፣ ምስ ሙሉእ ዓቁሙ እናሃለወ ክትካእ ምግባር እዩ፡፡ ምኽንያቱ ምስ ሙሉእ ዓቁሙ እናሃለወ እንተተኪኡ ነቲ ዝመፅእ ሓዱሽ ወለዶ ብዝግባእ ከምህሮ ክሃንፆ ከብቅዖን ይኽእል፡፡ ኣዐሪዩ ምስ ደኸመ ዝግበር ምትኽኻእ ግን እቲ ዝትካእ ነቲ ተተካኢ ብዝድለ ደረጃ ስለዘይሃንፆ፣ ስለዘይብቀዖ ቀፃልነት እቲ ውድብ /መስመር ኣይተኣማመንን፡፡ ስለዚ ቅንዕ ዕላማን መስመርን ዝሓዘ ውድብ ናቲ ዝሓዞ ዕላማን መስመርን ናብ ወለዶ ከስጋግሮ እንተኮይኑ ግድን ከምዚ ዓይነት ናይ ምትኽኻእ መስርሕ ከተኣታቱ ኣለዎ፡፡
ናይ መንግስትን ህዝብን ስልጣን ከም መቃለሲ፣ ከም መገልገሊ ዝወስድ ውድብን ኣባል ውድብን ብባህሪኡ ክትኻእ ይደሊ ንምንታይ ንዓዎት መስመሩን ዕላምኡን ስለ ዝጭነቅ፣ ዓዎት ዕላሞኡን መስመሩን ድማ ኣብ ሓፂር ጊዜ ከምዘይዕወት፣ እሱ ዝዕወት ኣብ ነዊሕ ጊዜ ከምዝኮነ፣ ስለዚ ናይ ወለዶ ምቅብባል ክህሉ ከምዘለዎ ስለዝርዳእ በይኑ ነቲ ቃልሲ ክሽከም ከምዘይኽእል ስለዝፈልጥ፣ ጎዩጎዩ ከምዝደክም ስለዝፈልጥ፣ ዕድመ ኣብ ዝደፍአ ቁፅሪ ዋላ እቲ ልምድን ክእለትን ከምዘለዎ እንተፈለጠ ካብኡ ዝሓሸ ከምዘየለ እንተፈለጠውን ከይዱከይዱ ናህሩ ከምዝቅንስ ስለዝፈልጥ እዩ ብጋንኡ ስልጣን ከረክብ ዝደሊ፡፡ ስለዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ምትኽኻእ መስርሕ ምትእትታው ባዕሉ ሓደ ባህሪ ህዝባዊነት፣ ወያናይነትን ዴሞክራሲያዊነትን ምዃኑ የሪኤና፡፡
ብኣንፃሩ ድማ ስልጣን ከም መገልገሊ ህዝቢ፣ ከም መቃለሲ ከም ፍሉይ ተወፋይነት ንህዝቢ ገይሩ ዘይወስድ ኣካል፣ ግን ድማ ስልጣን ማለት ንባዕልካን ቤተሰብካን ምጥቃም ፣ ስልጣን ማለት ንግበረለይ ክገብረልካ መጥቀሚ፣ ስልጣን ማለት ከም ናይ ህዝብን መንግስትን ሃፍቲ መውረሪ ገይሩ ዝርኢ ውድብን ኣባልን እንተኮይኑ ስልጣን ናይ ሞትን ሕውየትን ገይሩ ስለዝወስድ ብሂወት እናሃለወ ስልጣን ክረክብ ኣይደልን፡፡ ምትኽኻእ ዝበሃል ነገር ኣይሓስቦን፡፡ ተፈጥሮ መፂኣ ባዕላ ክሳብ ትወስዶ፣ ካብ ስልጣን ንቅንቅ ኣይብልን፡፡ ናይዚኦም ምትኽኻእ ብኑዛዜ፣ ብዓፅመ ስጋ ብምቑፃር፣ ቤተሰባዊ ወይ ከዓ ብሓይሊን ብምቅተታልን እዩ ዝኾን፡፡ ኣብዚ ስልጣን ማለት ከም ናይውልቕኻ ሃፍቲ መዋህለሊ ጌርካ ስለዝውሰድ ብዴሞክራሲያዊ ብዝኾነ መንገዲ ዘይሕሰብ እዩ፡፡
ካብዚ ብምብጋስ ናይ ውድብና ህወሓት ናይ ምትኽኻእ መስርሕውን ነቲ ዴሞክራሲያዊ ባህሪ ውድብና ይገልፅ እዩ እንተተብሃለ ኣብተግባር ዘሎ ሓቂ ምንፅብራቕ እዩ፡፡
4.3/ ናይ ዕድመ ገደብ
ከም ሓደ ናይ ልምዓት ሓይሊሰብ መስርሕ ናይ ሓደ ሰራሕተኛ ሓይሊሰብ ኣብ ስራሕ ውፅኢታዊ ዝኾነሉ ዕድመ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ሰራሕተኛ ጡሮታ ዝወፀሉ ወይ ካብ ስሩዕ ስራሕ ዝፍለየሉ ጣራ ይቕመጥ እዩ፡፡ ብልሙድ ናይ ስቪል ሰርቫንት ናይ ጡሮታ መውፅኢ ዕድመ ካብ 55 ክሳብ 60 ዓመት ዝግበር እንትኾን ናይ ኣመራርሓ ብፍላይ ድማ ንፕረዚደንትነት ወይ ጠቕላይ ሚኒስትርነት ግን ብስሩዕ ዝፍለጥ እንተዘይሃለወውን ብልሙድ ግን ድሕሪ 60ታት ወይ 70ታት ኮይኖም ክመፁ እዩ ዝረአ፡፡ ዝቕመጥ ናይቲ መራሒ ዕድመ እንተዘይሃለወ ግን ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ፕረዚዳንት ወይ ጠቅላይ ሚኒስተር ኣብ ስልጣን ዝፀንሐሉ ዓመት /ብተርም/ ይውስና፡፡
ብናይ ውድብና ናይ ምትኽኻእ መስርሕ ዝኾነ ኣባል ኣመራርሓ ክሳብ 65 ዓመት ዝመልኦ ብዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ክሳብ ዝተመረፀ ብኣመራርሓ ይቅፅል፡፡ ካብኡ ግን በዚ ገደብ መሰረት ካብ ቀዳማይ ረድፊ ይወርድ፡፡ ናይ መብዛሕተን ዝማዕበላ ሃገራት ተመኩሮ እንትረአ እዚ ዕድመ እዚ ናብ ስልጣን ዝመፁሉ ኣፍላ ዕድመ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ፡፡
4.4/ ብውልቃዊ ምኽንያታትን ድሌትን
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለፅኩዎ እዚ ስልጣን እዚ ከም መገልገሊ ገይርካ ዝውሰድ ስለዝኾነ፣ ኣብዚ ስልጣን ዝቕመጥ ብኣተሓሳስባኡ፣ ብክእለቱን ፍልጠቱን፣ ብተግባራዊ ዓቅሙን ነቲ ቦታ/ዕማም ዝምጥን ክኾን ይግባእ፡፡ ኣብዚ ንሓደ ሰብ ኣገዲድካ ዘይኮነስ ባዕሉ ኣሚኑሉ፤ ዓዲንምልዋጥን ህዝቢ ንምግልጋልን ሓቦን ህልኽን ሒዙ ክንቀሳቀስ እንተሎ እዩ ውፅኢት ዘምፅእ፡፡ ስለዚ እቲ ካልእ መተኻኽኢ ሮቕሓ ከዓ ጉልበትን ወነን ተተካኢ እዩ፡፡
ዝተማለአ ዴሞክራሲያዊ ስብእና ዘለዎ ኣባል ውድብ ስልጣን ከም ባርነት፣ ከም ናይ ህዝቢ መገልገሊ ገይሩ ስለዝወስድ፤ ነዛ ዝህባ ግልጋሎት ብናቱ ተወፋይነትን ዓቅምን ጥራሕ ዘይኮነ ዝዕቅና፣ ቀፃልነታውን ክትረጋገፅ ስለዝደሊ ከምኡ ዝበሉ ውፍያትን ብቁዓትን ንከፍሪ ይፅዕር፡፡ በዚ መሰረት ሓደ ኣባል ኣመራርሓ ከምቲ ዝድለ ዓይነት ብቕዓት የብለይን፣ ቁመናይ ሐዚ ነኪዩ እዩ፣ ተሸርሺሩ እዩ፣ ደኺመ እየ፣ ካባይ ዝበለፀ ዝሰርሑ ዝበቕዑ ኣለዉ ዝትክኡ ኣለዉ፣ ስለዚ ንዓይ ግደፉኒ ደኺሙኒ፣ ረብሪበ ዝበለውን ብኽብሪ ዝፈነወሉ ስርዓት እዩ፡፡
በዚ ስርዓት መሰረት እቲ ኣባል ኣመራርሓ ሕቶኡ ናብ ማእከላይ ኮሚቴ የቕርብ እቲ ማእከላይ ኮሚቴ እንተኣሚኑሉ ብኽብሪ ንክፋኖ ይውስን እንድሕር ዘይኣሚኑሉ በቲ ናይ ዴሞክራሲያዊ መስርሕ (ብናፃ ምርጫ) ፍታሕ ይረክብ፡፡ ስለዚ ውድብና ምትኽኻእ እንትትብል ቅድሚ ኩሉ ድሕንነትን ቀፃልነትን መስመራ ስለትሪኢ ንመስመራን ዕላምዓን ቀፃልነት ትጭነቅ ምኳና የሪኤና፡፡
4.5/ ዴሞክራሲያዊ መረፃ ኣመራርሓ ጥራሕ ቀፃልነት መስመርና የረጋግፅ ዶ?
ዴሞክራሲያዊ መረፃ መትከል ጥራሕ እንተዝወስድ እዚ ዕላማ ይዕወትዶ? ንዝብል ሕቶ ሓፂር መልሱ ኣይዕወትን እዩ፡፡ ከመይ ዘይዕወት? ብዲሞክራሲያዊ መረፃ ጥራሕ ይኹን እንተዝበሃል ብተግባር ከምንሪኦ ኣይኮነንዶ ምትኽኻእ ክካየድለ ነዞም በዚ መስርሕ ዝተተክኡ ክቡራት መራሐትና ይመለሱ ዝብል ቀሊል ኣባል ኣይነበረን ዋላ ሐዚ በቲ መስርሕ ዝትክኡውን ክትክኡ የብሎምን ብዝብል ከቢድ ክርክር እዩ ነይሩ፡፡ ገሊኡ ተጋጊና፣ ተፃዲፍና፣ ሐዚውን ቀስ ንበል ንረጋጋዕ ወዘተ ዝብሉ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ውድብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቲ ጉባኤውን ዓብዪ መመያየጢ ጉዳይ እዩ ነይሩ፡፡ እሞ እቲ ምትኽኻእ ብዘይ ምንም ተወሳኺ ገደብ /ብዕድመ፣ ወነን ጉልበትን/ ብዴሞክራሲያዊ መረፃ ጥራሕ ይኹን እንትንብል ነይርና፣ እዞም ኣብ ዝሓለፈ ጉባኤናን ሐዚ ኣብ 12 ጉባኤናን ዝተተክኡ መራሕትና ምተተክኡዶ?
ርግፀኛ እየ ዝበዝሑ ኣይምተተከኡን፡፡ እቲ ኣባል ዴሞክራሲያዊ መሰሉ ተጠቒሙ ክመርፆም ነይሩ እዩ፡፡ ዋላ ናብ ኣባል ናብ ታሕቲ ኣይወረድ እምበር ክቡር መራሒና ናይ ምትካእ ሕቶ ካብ ዘቅርብ ነዊሕ ገይሩ እዩ፡፡ ግን ንግደፎም ጉበኤተኛ እቲ ብኩሉ መዳይ ዝሓሸን ዝበቅዐን ዝበሃል ኣመራርሓና ክትቅፅል ኣለካ ኢሉ ብምውሳኑ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ቀፂሉ እዩ፡፡ በቲ ዝተቐመጠ መስርሕ መሰረት ሐዚ ኣብ መበል 12 ጉባኤ ውድብና ንክወርድ እዩ ነይሩ /ተፈጥሮ እንተዘይትቅድመና/፡፡ ግን እስቲ ኩላትና ንሕተት መለስ ብሂወት ነይሩ ሐዚ ክትካእ እንተዝበሃል መን ምፈቐደ? ከምዙ ዝሪኦ ዘለኩ ማንም ኣይምፈቀደን፡፡ ቅድሚ መስዋእቲ መለስ ቁሩብ ኣዋርሕ ብዛዕባ ናይ ምትኽኻእ እንትለዓል ብርክት ዝበሉ ናይ ኢህወደግ ኣባል ውድባት ኣባላት ፔትሽን ክነተኣኻኽብ ኢና መለስ ንከይወርድ ምባሎም ይዝክር እየ፡፡
ሐዚ ብተግባር መለስ ብመስዋእቲ ምስተፈለየ ክሪኦ ከለኹ ብጣዕሚ ዓብይ ጌጋ ምፍፃምና ሐዚ ተረዲኡኒ፣ ተጣዒሰ፡፡ ማለት ዋላ እኳ እቲ ሕቶ ምትካእ መለስ ውሳነ ኣብ ምሃብ ዝተሳተፍኩሉ ኣይኹን እምበር ክሳብ እዛ መስዋእቱ ኣነውን ሓደ ተቋዋሚን ነቶም ፔቲሽን ከተኣኻኽቡ ዝደልዩ ዝድግፍን ስለዝነበርኩ ዳርጋ ባዕለይ ዝወሰንኩ ገይረ ስለዝወስዶ ተጣዒሰ መለስ ኣብቲ ዝደለዮ እዋን እንተዝወፅእ ነይሩ ቁሩብ ፋታ /ዕረፍቲ ምረኸበ ኣብ ኣእሙሮኡ ዝነበሩ ብዙሓት ጠቐምቲ ነገራት ናብ ወረቀት መስፈረ፣ ካብ ስልጣን ፈንተት ኢሉ ነቲ ጠቅላላ ምንቅስቃስን እናረኣየ እናገምገመ መፍትሒታት ምሃበና ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ እዚ መስርሕ እዚ ቅድም ኢልና ብዘይምትእታታውና መቃላሲ ብዘይምግባርናን ዋጋ ከፊልናሉ፡፡
ስለዚ ዘይትካእ ሰብ የለን ብዝብል ነዚ መስርሕ ብሙሉእ ልቢ ክንቅበሎ ይግባእ፡፡ ገናኢና ኣይንህፀፅ፣ ንረጋጋዕ ዝብል ንውድብና ንጠቅም ዘለና መሲሉና’ምበር ነቲ መስመር ውድብና ዝጎድእ ተግባራት ምኳኖም ተረዳእና ንቅድሚት ክንስርሓሉ ይግባእ፡፡ ነዚ እዩ’ውን ብዴሞክራሲያዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕጋዊ ሮቅሓ ምቅማጥ ውድብ ካብ ማንም ንላዕሊ ንመስመሩ ቀፃልነት ዝጭነቅ ምኳኑ የሪኤና፡፡
5.1 ብቑዕ ኣመራርሓ ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ብቁዕ ኣመራርሓ እንተበሃል ገሊኡ የዋህ ወገንና ብትምህርቲ ዝዕቅና ኣሎ ዝለዓለ ናይትምህርቲ ደረጃ ብምብፃሕ ጥራሕ መራሒ ዝኮን ገይሩ ይወስድ እቲ ምትኽኻእ ነቲ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎ ሰብ ክወሃብ ኣለዎ ይብል ወይ ድማ ነቲ ዝግበር ምትኽኻእ ብደረጃ ትምህርቲ ተካእቲ ይመዝኖ፡፡
ገሊኡ ከዓ ዕድመን ፆታን ኣብ ግምት ብምእታው ብፍላይ መንግስትን ውድብን ዝሓዞ ናይ መንእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ተጠቃምነት መትከል እውን ብምውሳድ ዝተምሃረ መንእሰይን ደቂ ኣንስትዮን እንተኾይኑ እዚ ብቁዕ መራሒ ክኾን ይኽእል ኢሉ ይወስድ፡፡ እቲ ምትኽኻእ ነቲ መንእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ክወሃብ ኣለዎ ይብል ወይ ድማ ነቲ ዝግበር ምትኽኻእ ብዕድመን ፆታን ተካእቲ ይመዝኖ፡፡
ገሊኡ ድማ ህዝባዊ ውግንናኡ ሪኡ ውፍይነቱ ናይ ኣፈፃፅማ ብቅዓቱ ሪኡ እዚ ትክክለኛ ናይ ህዝቢ ወገንተኛን መራሒን ኢሉ የወስድ፡፡ ዝግበሩ ምትኽኻኣድ ከዓ በዚ ይመዝኖ፡፡ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ነጥብታት ከም ሮቅሓታት ኣመራርሓ ክውስዱ እኳ ዝኽእሉ እንተኮኑ እቲ ሓደ ጥራሕ ብምምላእ ግን ብቁዕ መራሒ ኮይንካ ማለት ኣይኮነን፡፡ ብቁዕ መራሒ ማለት ነቲ ቦታ ዝምጥን ክእለት፣ ፍልጠት፣ ደረጃ ትምህርትን ተወፋይነትን ህዝባዊ ወንንተኘነትን ከምኡውን ነዚኦም ብተግባር ምስራሕን ተራኢዩ እዩ ብቁዕ መራሒ ክበሃል ዝኽእል፡፡
ምትኽኻእ እንትበሃል ሓደ ነባር መራሒ ብሓዱሽ መራሒ ናይ ምትካእ ጉዳይ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ እዚ ሓደ ተግባር ምትኽኻእ እኳ እንተኾነ ቅድሚ ኣብዚ ምብፃሕ ግን ሰፊሕ ናይ ዓቕሚ ምዕባይ ስራሕቲ ኣሎ፡፡
እቲ ክእለትን ፍልጠትን መበገሲ ዝኾውን ካብ ትምህርቲ ዝርከብ እኳ እንትኾነ እቶም ናይ ኣተሓሳስባ ብቕዓት ንብሎም ህዝባዊ ወገንተኝነትን ተወፋይነትን ብተግባር ብከይዲ ህንፀትን ዝርከቡ እዮም፡፡ ዋላ እቲ ፍልጠትን ክእለትን እውን እንትኾነ ካብ ትምህርቲ ዝርከብ መበገሲ እምበር ኣብ ተግባር እዩ ዝዓሙቕ፡፡ ሰለዚ ውድብና ህወሓት ብዛዕባ ምትኽኻእ እንትትብል ናብ/ካብ ስልጣን ምምፃእን ምውራድን ጥራሕ ዘይኮነስ ስፍሓት ዘለዎ ብቑዕ ኣመራርሓ ናይ ምፍጣር ጉዳይ እዩ ኢላ ትወስድ፡፡ ነዚ እዩ እቲ ናይ ምትኽኻእ ጉዳይ ከቢድን ጊዘ ዝወስድን ስራሕ እዩ ኢልና ንወስዶ፡፡ ስለዚ ምትኽካእ እንትበሃል ውፅኢት ልምዓትና ዝኾኑ ዝተምሃሩ መንእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ብስፍሓት መልሚልካ ህዝባዊ ወንንተኝነት ክህልዎምን ንዕላማን መስመርን ውድቦም ውፍያት ክኾኑን ኣብ ዝተዋፈሩሉ ዓውደ ስራሕ ውፅኢታዊ ክኾኑ ናይ ምግባር ጉዳይ እዩ፡፡
ምትኽኻእ እነትበሃል ካብ ታሕቲ ጀሚርካ ኮስኲስካ ካብ ታሕተዋይ ናይ ኣመራርሓ ፀፍሒ ናብ ማእኸላይ ካብኡውን ናብ ላዕለወይን ብኡ ኣቢልካ ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ ናይ ምመፃእን ደሕንነትን ዘላቕነትን መስመርካ ናይ ምሕላው ጉዳይ እዩ፡፡ ኣብ ከይዲ ህንፀት ኣመራርሓ ንፅቡቕ ኣፈፃፅማ እናበረታታዐካ ፀገማት እናፈታሕካ እናኣረምካ ብፍላይ ክራይ ኣካበነት ኣተሓሳሰባ ኣምሪሩ ዝፀልእ ሓይሊ እናፈጠርካ ምኻድ እዩ፡፡
ኣብ ከይዲ ናይ ኣመራርሓ ዓቕሚ ምፍጣር ድሕሪ ሓዱሽ ሚሊንየም ሃገርና ብዓሰርተታት ኣሸሓት ተተመልሚሎም ክኣትዉ ብምግባር ብዝተፈላለዩ ውድባዊን መንግስታዊን ስልጠናታት ብስፍሓት ክረኽቡ ብምግባር፣ ብፖለቲካዊ መዳዩ ኣብ ታሕተዋይ ናይ ኣመራርሓ ፀፍሕታት ኣትዮም ብተግባር ክህነፁን ናይ ህዝቢ ወገንተኝነት ኣተሓሳስባ ክሕዙን ዝግበረሉ ናይ ህንፀት ተግባራት ብስፍሓት ተሰሪሑ እዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ውድብ ባዕሉ ብዘጣየሾም ጊዚያዊ መሰልጠኒ ማእኸላትን ምስ ኣሓት ውድባት ኢህወደግ ብሓባር ብምዃን ዝተማእኸለ ስልጠናታት ብምሃብ ብሃገር ደረጃ ብኣማኢት ኣሻሓት ብክልልና ደረጃ ድማ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑፀሩ ታሕተዎት፣ ማእኸለዎትን ላዕለዎትን ኣመራርሓ ክፈርዩ ተገይሩ እዩ፡፡ እዚ ናይ ኣመራርሓ ኣካል እዚ ብፖለቲካዊ ዓቕሙ ጥራሕ ዘይኮነስ ብኣካዳሚያዊ ዓቕሙ እውን ክብ ክብል ንምግባር ኣብ ክሊ እቲ ናይ ሃገርናን ናይ ክልልናን ናይ ትምህርትን ስልጠናን ፖሊሲታትና ኣትዩ ክስልጥንን ክመሃርን ብምግባር ናይ ኣካዳሚያዊ ደረጅኡ ክዓቢ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ተፈፂሙ እዩ፡፡
ሳላ ዝተሰርሐሉ ሐዚ ብወረዳ ደረጃ ዘሎ ኣመራርሓና ልዕሊ 95% ብመናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ዝተሸፈነ እንትኾን፡ ብደረጃ ትምህርቲ እውን ብጀካ ውሱናት እቲ ኣብዝሓ ቀዳማይ ዲግሪን ልዕሊኡን ኮይኑ ኣሎ፡፡ ብደረጃ ክልል እውን ፖለቲካሊ እቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዝበሃል ድሕሪ ሓዱሽ ሚሊንየም ሃገርና ብ5 ዕፅፊ ዝዓበየ እንትኾን ኣካዳሚያዊ ብቕዓቱ እንትረአ ዳርጋ ኩሉ ምባል ይከኣል (With very few exceptional) ካልኣይ ዲግሪን ልዕሊኡን ዘለዎ እዩ፡፡ ኣብዚ ምስቲ ናይ ልምዓትና ስፍሓት እንትረአ ኣብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዋላኳ ብ5 ዕፅፊ ይወስኽ እምበር ሐዚውን ብዙሕ ይተርፎ እዩ፡፡ እቲ ዑቑር ኣመራርሓ ኢልና ክንወስዶ ንኽእል ሓደ እቲ ስቪል ሰርቫንት ኮይኑ ኣብዚ ካብ 70 – 80 ሚእታዊ ዝኸውን ጠንካራ ኣባል ውድብና ብምዃኑ ዋና ፍልፍል ኣመራርሓን ቀንዲ ናይ ልምዓት ሓይሊን እዩ፡፡ ካብዚ ምርዳእ ዝከኣል እታ ሃገር ወይድማ ክልልና ዘፍረየቶምን ኮስኲሳ ዘዕበየቶም ሙሁራን መብዛሕቶም ኣብ ፅላል ውድቦም ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ብርኪ ተሰሊፎም ሃገሮምን ክልሎምን ኣብ ምህናፅ ይርከቡ ኣለዉ፡፡
ኣብዚ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ነገር እንተሃለወ ተራ ክቡር መራሒና ነበር ኣይተ መለስ ዜናዊ እዩ፡፡ ካብ ናይ ኣመራርሓ ስልጠናታት ዝጀመረሉ (መጀመርታታት 1999 ዓ.ም.) ክሳብ እታ ሓሚሙ ንወፃእ ዝኸደላ ወርሒ (ክሳብ መወዳእታታት ጉንበት 2004 ዓ.ም.) ኣብ ዝተገበሩ ኣማኢት ኣሸሓት ማእኸለዎትን ላዕለዎትን ኣመራርሓ ሃገርና ናይ ምፍራይ ተግባራት ንጡፍ ተሳትፎ ነይርዎ፡፡ ብክቡር መራሒና መለስ ዘይሰልጠነ ማእኸላይን ላዕለዋይን ኣመራርሓ የለን እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን (ቅድሚ 2004 ሰነ ንዝሰልጠነ)፡፡
ተካኢ ኣመራርሓ ናይ ምስልጣን ስራሕቲ ኣብዝሓለፉ 8 ዓመታት ብሰፊሕ ተኻይዱ እንትበሃል ኩሉ ዝሰልጠነ ሐዚ ኣሎ ማለት ኣይኮነን፡፡ ኣብከይዲ እዚ ነቲ ህንፀት ምፅዋር ኣብዩዎም፣ ናብ ክራይ ኣካብነት ተግባራት ኣትዮም፣ ንህዝቦምን ሃገሮምን ፉሉይ መስዋእቲ ንምኽፋል ድልዋት ዘይኮኑ፣ ገምጋምን ምንቕቓፍን ምፅዋር ኣብዩዎም፣ ፅንዓት ስኢኖም ኣብ መንገዲ ዝንጠባጠቡ ውሑዳት ኣለዉ፡፡ እዞም ኣብ ከይዲ ዝተንጠባጠቡ መብዛሕቶም ደገፍቲ ውድብና ኮይኖም ምስ ህዝቦም ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ልምዓት ናይ ባዕሎም ኣዎንታዊ ተራ ዝፃወቱ እንትኾኑ ካብዞም እቶም ኣዚዮም ውሑዳት ብሕመቕን ብክራይ ኣካብነትን ተገምጊሞም ዝተገለሉ ብቂምን ፅልኣትን ዝዓወሩ ኣብ ተቛወምቲ ውድባት ኣትዮም ሐዚውን መቐፀልታ ናይቲ ዝተገምገምዎ ክራይ ኣካብነት ኣተሓሳስባን ተግባራትን ዝኾነ ናይ ምድንጋር ስራሕቲ ዝሰርሑ ኣብ ፌስቡክን ተመሳሰልቲ ሚድያታትን ነቲ ልምዓትና ጠቐር ናይ ምልካይ ተግባር ዕለታዊ ስረሖም ገይረምዎ ኣለዉ፡፡
እዚ ከምዚ እንተኾነውን እቲ ኣዚዩ ዝበዝሕ (ልዕሊ 98% ምባል ይከኣል) ግን ብቑዕን ናይ ውድብ ሮቕሓታት ኣመራርሓን ዘማለአ ተቓላሳይ ኮይኑ ሕድሪ ህዝብን ሰማእታትን ዓትዒቱ ሒዙ ንዓለምና ዘደነቐ መስተንክራዊ ዓዎታት ኣብ ልምዓት የረጋገፅ ኣሎ፡፡
ጥቕልል ኣቢልካ እንትረአ ህንፀት ኣመራርሓ እንትበሃል ዘለዎ መበገሲ ክእለትን ፍልጠትን ተጠቂምካ ብተግባር ህዝባዊ ውግንንኡ ክዓቢ፣ ተወፋይነቱን ተግባራዊ ኣፈፃፅሞኡ ክምዕብል ብመግባር፣ እቶም ፀፍሕታት ኣመራርሓ ዝጠልብዎ ቁመና ኣመራርሓ ክሕዙ ናይ ምግባር ዕለታዊን ናይ ህንፀት ጉዳይ እዩ፡፡ ስለዚ ብዛዕባ ምትኽኻእ እንትንሓስብ ብዛዕባ ሙሉእ ቁመና ዘለዎ ህዝባዊ ወገንተኝነት ዘለዎ፣ ንመስዋእቲን መገልገላይነትን ዝተዳለወ ዘይርብርብ ኣመራርሓ ናይ ምፍጣር ጉዳይ እዩ፡፡ እዚ ኩሉ ፃዕሪ ቀፃልነትን ውፅኢታዊነትን መስመርና ንምርግጋፅ እዩ፡፡ ነዚ’ውን እዩ ሓደ እዋን ኩቡር መራሒና ዝበልዎ ምእንትዚ ቅንዕን ህዝባዊን መስመርና ሂወት እናኸፈልና መፂና ኢና ሐዚውን ነዚ ክንብል ኣይኮነን ስልጣን ሂወትና ክንከፍል ኢና፡፡ ኢሎም ነይሮም፡፡ ያው ብተግባር ድማ ዋላ ደኺሙኒ እናበለውን ምእንቲ መስመርና ፅናሕ ተባሂሉ ሂወቱ ከፊሉ፡፡ ስለዚ ምትኽኻእ ክበሃል ከሎ ተራ ናይ ሰባት ናይ ስልጣን ምውራድን ምድያብን ዘይኮነስ ብኣንፃር ናይ መስመርን ውድብን ዘላቕነት እዩ ዝረአ፡፡
እሞ ኣብ ጉባኤታት ውድብና ብከምዚ ዶ ይኽየድ ኣሎ? መበል 12 ጉባኤና ከመይ ነይሩ? እንታይ ፈተናታት ገጢሞምዎ? ናይቲ መረፃ ዴሞክራሲያዊነቱ ከመይ ነይሩ፣ ብፍልጦ ብኸባቢ፣ ብኔትዎርክ ድዩ ዋላስ ብናፃ ምርጫ?
l am happy by this topic