Audio| ቃለ-መጠይቅ ምስ አመራርሓ ዓረና ብዛዕባ ኩነታት መእሰርቲ ኣብራሃ ደስታ

ተኣሲሩ ዘሎ ኣቶ ኣብራሃ ደስታ ብፖሊስ መፈራርሒ፣መግረፍቲን ኣጋጢምዎ፣ ዘይኣመነሉ ሰነድ ንክፍርም ተገይሩ‘ዩ ኢሎም ናይ ሎሚ ጋሻና ኣቶ ካሕሳይ ዘገየ።እዚ ቃል’ዚ ብቀጥታ ካብ ኣብራሃ ደስታ ብቀጥታ ዝሰማዕክዎ‘ምበር ባዕለይ ዝፈጠርክዎ ኣይኮነንAbraha Desta - Arena Tigrai party - Ethiopia ኢሎም።

ብዘይካ‘ዚ ሓረስቶት ኣባላት ዓረና ኣብ ዝተፈላለያ ገፀራት ትግራይ ፈጠርቲ ራዕዲ ተባሂሎም ይንከላበቱን ይእሰሩን ከምዘለው፣ቤተ-ሰቡ ምስ ኣብራሃም ዲኹም ምስ ህወሓት? ዝብል መፈራርሒን መሸቁረሪን መጠንቀቅታታት ይቀርቦም ከምዘሎ ኣቶ ካሕሳይ ገሊፆም።

መሪሕነት መድረክ፣ሰማያዊ ፓርቲን ዓረናን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፣ንገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ብዘይሕጋዊ ተግባራት ከምዝኸሰሱ ዝዝከር‘ዩ።

VOA:- መስከረም 26,2006

*****

 

*********

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories