ኣኸይባ…..ኣኸይባ…….ኣኸይባ እየ

(ብየማነ ገብረመስቀል – ደራሲ)

መቸስ ትምቢተ መፅሓፍ ግዲ በፂሑስ መከራን ኣኼባን እናበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ፡፡ ምድምማፅን ምክብባርን ተሳኢኑና ከምዓፅሚ ዝሓዙ ኣኽላባት ባዕልንባዕልና “ኝኽ…!” እናተብሃልና ንውዕል ኣለና፡፡ ውድብና ዘምሃረትና ሰባት እንሃንፀሉ መስርሕ ገምጋም ዕላምኡ ለዊጥና መሳርሒ ምጉጅጃል፣ ምጥቕቓዕን ምጥቕቓምን ንገብሮ ኣለና፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣኼባን ገምጋምን ብዝተፀወዐ ቑፅሪ “መንኮን ክውቃዕ ተደልዩ” እናበለ ምሒር ይስከፍ ኣሎ፡፡ “ስንቕኻ ሒዝካ ንሰሙናት ናብ ውድብ ዝፀወዐቶ ዓኼባ ተኣዚዝካ ኣለኻ፡፡” እንትብሃል ብዓብይ ኹርዓትን ታሕጓስን ስንቁ ኣዳልዩ ይኸይድ ከምዘይነበረ “ኣኼባ ኣሎ እንትብሃል፤ እንታይ ከዓ ደልዮምና እዮም? ህውከት! ኣብ ስራሕና ከይንውዕልስ ስቕ ኢልካ ፍረ ንዘይብሉ፣ ተዛሪብና ለውጢ ዘይንረኽበሉ ወግሐ ፀብሐ ኣኼባ ታይዓብስ?” እናበለ የንፀርፅር ኣሎ፡፡

ኣገልግሎት ንምርካብ ናብ ኣባይቲ ዕዮ መንግስቲ እንተኸይዱ ብዜካ እናፋጠጠ “ተመለስ” ዝብል ዋርድያ ኩሉ ሰራሕተኛ ናብ ኣኼባ ኣትዩ ይበሃል፡፡

ኣብ ታሕቲ ፀገሞም ዝፈትሐሎም ዝሰኣኑ ወገናት ናብ ሓላፊ ቀሪቦም ክጠርዑ እንተኸይዶም ን3፣4 ወርሒ ናብኣኼባ ከይዱ እዩ፡፡ ተመለሱ ተባሂሎም ብትእዛዝ ዋርድያ ይምለሱ፡፡ “እሞ ሰብዶ ዎኪሉ ኣይከድን እዩ ንቲ ወኪል እንዶ ፀገምና ክነዛርብ ይፈቐደለና እንተይሎም” ንሱ እውን ናብ ካሊእ ኣኼባ ተወኪሉ ከይዱ ትበሃል፡፡

ብተልእኾ(ብርሕቐት) ዝመሃርዎ ትምህርቲ ፈተና ስለዝቐረቦም ቢሮኦም ንድሕሪት ቆሊፎም “ሞጂል” ክችክሉ እንትደልዩ “ኣኼባ እናበልኩም መልስዎም ሰብ ከይተእትዉ” ኢሎም ንዋርድያን ፀሓፊትን ትእዛዝ ዘውርዱ ሓለፍቲ እውን ብዙሓት እዮም፡፡ገዛ ዓፅዮም በይኖም ዝእከቡ መራሕቲ እውን ኣለዉ፡፡ ቢሮ ዓፅዮም መኪና መንግስቲ ሒዞም ጨው በርበረ (ኣስቤዛ) ክገዝኡ ዝወፈሩ እውን ፊልድ ወፅዩ በሉ እዮም ዝብሉታ፡፡ ሎሚ ሎሚ ብዜካ ኣኼባ ከሊእ ኢልካ ምምኽናይ ዝተረፈ ይመስል፡፡ ካሊእ ተሪፉስ ኣብ እንዳመስተ እናሰኸሩ እንተደዊልካሎም እኳ ተጓይዮም ናብ ሽንትቤት ብምእታው “ኣኼባ እየ ዘለኹ ኣኼባ… ድሓር ክድውለልካ” ይብሉኻ ኣብቲ ዘለውሉ ዝስማዕ ዘሎ ድምፂ ከይፍግሮም ዝፈርሑታ ሓደ ሓደ ንቑሓት ድማ “am at meeting I will call you later” እትብል መልእኽቲ ሞባይል ይልእኹ፡፡

ስራሕ ፈቲሕኻ ኣብ ወቕቱ ዘይጠልቦም ኣኼባታት ምፅማድ ኸ እንታይ ትብልዎ? “ካብኔ እገለ ዝብሃል ወረደ ተኣኪቦም ቀንዮም እቲ ኮንፈረንስ ድማ ብዓወት ተዛዚሙ ኣብ መዎዳእታ እውን ትምህርቲ ጠቓሚ ምዃኑ መግለፂ ቅዋም ኣውፂዮም ዝብል ዜና ንሰምዕ፡፡ ትምህርቲ ጠቓሚ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣኼባ ካብ ምፅዋዕ ቀደም 1970ታት ዝወፀ “ተማር ልጄ ወገን ዘመድ የለኝም ሃብት የልም በእጄ” ዝብል ደርፊ ኣለማዩ እሸቴ ምግባዝ ዶ ኣይመሐሸን ትብሉ?

መስርሕ ስሉጥ ኣዋህባ ስቪል ሰርቢስ እናተብሃሉ በቢ ወቕቱ እናተቐያየሩ ዘትኣታተናዮም ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት፡- ውፅኢት ተኮር፣ቢፒአር፣ቢሲሲ፣ካይዘን፣ ቤንችማርክ ወዘተ. እንትርፊ ኣኼባታትን ስልጠናታትን ብምብዛሕ እንትርፊ በጀትን ግዘን ምብኻን በቲ ዝተብሃለ ደረጃ ስራሕ ከሳልጡ ኣይተርኣዩን፡፡በዚ ዝተወሰደ ነዊሕ ስልጠና መሰረት ቅድሚ ሀዚ 30 ምዓልቲ ዝወስድ ዝነበረ ኣዋህባ ግልጋሎት ናብ 30 ሰከንድ ከም ዝወረደ ኣብ ኣኼባ ተሰማሚዑም ይበሃል ኣብ መሬት ናብ ስራሕ ከይተኣተወ ብካሊእ ኣሰራርሓ ስለዝተተከእ ንዑ ሰልጥኑ ከዓ ይበሃል፡፡ሓፋሽ ምዓረይ ከዓ ይእከብ ይስልጥን፡፡

ኣኼባታት ይበዝሑ ኣለዉ ኣኼባ ድሕሪ ስራሕ ዘይኸውን ዝብል ሰብ ኣይሰኣንን፡፡ ዘይፈለጠ እንተኾይኑ እምበር ሎሚ ሎሚስ ኣኼባ እውን ርእሱ ዝኸኣለ ስራሕ ኮይኑ እዩ፡፡ ኣብ ዓድና እቲ ዝለዓለ ቑፅሪ ሰራሕተኛታት ዝሓቖፈ ኢንዳስትሪ መን እዩ እንተተባሂሉ ብዘይ ምንም ጥርጥር ናይ ኣኼባ ኢንዳስትሪ እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን ከምኣኼባ ዝበለ ብሉፅ ሞያ (ፕሮፌሽን) የለን፡፡ ብኢንዳስትሪ ኣኼብ ጥራሕ ዝመሓደሩ ማለት ህይወቶም ዝመርሑ ኣዝዮም ብዙሓት እዩም፡፡

ጓል ሓደ ብኣኼባ ህይወቱን ህይወት ቤተሰቡን ዘምሓድር ግለሰብ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትምዝገብ ከይዳ ዝበለቶ ክነግረኩም፡-

መዝጋቢ መምህር፡- “ምሉእ ስምኪ …?”

ተምሃሪት፡- “ እገለ” (ስም ምግላፅ ኣገዳሲ ስለዘይኮነ)….

መምህር፡- ”ዕድመኺ…?”

ተምሃሪት፡-. “15” ….ወዘተ. ዝበሉ መልሲ ምስመለሰት

መምህር፡-”ስራሕ ወለድኺ?”

ተምሃሪት፡- “ማማ ኣብ ገዛ እያ እትውዕል ስራሕ የብላን….ባባ ግና ስርሑ ኣኼባ እዩ”፡፡

እዚ እናተዓዘቡ ዝዓብዩ ህፃውንቲ “ምስዓበኹም እንታይ ኢኹም ክትኮኑ? እንተተባሂሎም ዶክተር፣ ፓይሎት ምባል ተሪፉ ተኣካቢ እየ ክኸውን ከምዝብሉ መልሓሰይ….?

መንግስቲ ግና ናብ ኢንዳስትሪ ኣኼባ “ሞያተኛታት” ክቖፅር እንከሎ “ተደላይ ክእለት ንነዊሕ ሰኣዓታት ተቐሚጡ ዲስኩር ሓላፊኡ ብፅሞና ዝሰምዕ፣ ንድጋፍ ተሎ ኢዱ ዘውፅእ፣ ሓለቓና ከምዝበልዎ እናበለ ዘረባ ዘንውሕ፣ ሓለቕኡ ኣብ ምምጓስ ዝለዓለ ክእለት ዘለዎ ወዘተ.፡፡ ስራሕ ልምዲ ….ወዘተ ኢሉ እንተዝቖፅሮም ኣይመሐሸን ዶ ትብሉ ኣኽዋት? እንተኸማይ ግና ከምኡ መኸሸ፡፡ ምክንቱ ሰብ ኣብ ምሞይኡ ምውዓለ፡፡ ዝእከብ ምተኣከበ፤ ዝሰርሕ ከዓ ኣብስርሑ ምውዓለ፡፡ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሃገርና እውን ስነ-ኣኼባ ዶ ኢለዮ ኣኼባሎጂ ኢለን ዲፓርትመንት እንተዝኸፍታ ምሐሸ፡፡

በዚ ጉዳይ ኣዙይ ዝተሸቐሉን ዝተማረሩን ሰባት ኣብያተ ዕዮ ስራሕ መንግስቲ ዓፅዮም ኣብ ኣኼባ እናውዓሉ ህዝቢ ካብ ዝፅገም መንግስቲ ኣብ ሓደ ሞያ ወይ ሓላፍነት 2 ሰብ እንተዝቖፅር ምሐሸ ይብሉ፡፡ ሓደ ዝእከብ እተ ካሊእ ኸዓ ዝሰርሕ ማለት እዩ፡፡ መፀውዒ ሓላፍነቶም ዝኸውን ስም እንተ ስኢኑ እውን “ብመዓርግ ኣመሓዳሪ ቀበሌ፣ ወናኒ ከይዲ ስራሕ ኣኼባ” ወዘተ. እናበለ ምስያም እዩ፡፡ እቶም ስልጣን ስኢኖም ዕግርግር ዝፈጥሩ ሓደ ሓደ ካድረታት እውን ቦታ መሻጋሸገሉ ህዝብውን ግልጋሎት ምረኸበ፡፡ ምንግስትና ግና ብዛዕባ ሃገራት ርሑቕ ምብራቕ ቻይና፣ ኮርያ ታይዋን ሓያሎ ተመኩሮ እንትወስድ ኣብ ስብሰባ ኣመልኪቱ እውን ተመኩሮ እንተዝወስድ መሐሽ፡፡

ሎሚ እቲ በሊሕ ዝነበረ ህዝብና እውን ብሰንኪ እዞም ሕሽክርና ዝፈትዉ ኣመሓደርቲ እናፈርሐ ዝኸድ ዘሎ ይመስል፡፡ኩሉሰብ ምዝራብ ይፈቱ እንታይ ከም ዝዛረብ ከይፈለጠ ኢዱ የውፅ ስም ሓለቅኡ ፀሪሒ ኣቶ እገለ ብፃይ እገለ ከምዝበልዎ ይብል። ሓንሳእ ሓንሳእ ሓለቅኡ እንከይተናገረ እውን ዝተናገረ እናመሰሎ ሓላፊና እገለ ከምዝበሎ ብምባል ዘረብኡ ይጅምር፡፡ ሕቶ እንትበሃል ሪኢቶ፣ዘይተገለፀ ፍሉይ እንትብሃል ኢዶም ኣውፂዮም ዕድል ምስረኸቡ “ኣነ እኳ ብዙሕ ዝተፈለየ ዝብሎ የብለይን ብሰፊሑ ተገሊፁ እዩ…” እናበሉ ዝጅምሩ ብዙሓት እዮም፡፡ ኣሕፂሮም ከም ደገሙ እውን ኣይምኸፍአን ስም ሓለቐኦም እናፀርሑ ሓላፊና እገለ ከምዝበልዎ ብዝብሉ ቃላታ እናደጋገሙ ህትፍ ይውዕሉ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸበ ሰብ “ ስም ሓለቓኻ ኣልዒልካ እንተዘይተዛሪብካ ፅባሕ ቢሮ የትኣቱን ዝተብሃለ ይመስል፡፡ ኩሉ ሰብ ኢዱ ኣውፂዩ ክዛረብ ይህንጦ፡፡ መራሒ መድረኽ ዕድል ንመን ከምዝህብ ክሳብ ዝጨንቆ ሓፋሸይ ኢዳ ሽግ ኣምሲላ ተውፅእ፡፡ ዕድል ረኺቡ ሓለቕኡ እንተይኣሞጎሰ ዝወፀ ሰብ ናብ መስመያ ብኣለ-ማርያም ከይዱ ፀበል ከይለኸፈ ዝተመልሰ ዳርጋ ይወቆፀር፡፡

እቲ ብጣዕሚ ዘስደምም ግና ሓለቑትና ዶኾን ይሕጎሱ እናበሉ እምበር መብዛሕተኦም ኢዶም ዘውፅኡ ተኣከብቲ ብዛዕባ እንታይ ከምዝዛረቡ ኣይፈልጡን፡፡ዕድል ረኺቦም “ማይክ” ምስጨበጡ ሎተሪ በፂሕኳ ከምዝተብሃሉ ህርመት ልቦም ይውስኽ ቅድሚ ድምፆም ምስምዑ ምርሃፅ ይጅምሩ፡፡ ስም ሓለቐኦም ጥራሕ እናደጋገሙ የልዕሉ፡፡ካብ መድረኽ ተደጋጊመን ዝሰምዕዎን ክራይ ኣካብነት፣ፀቢብነት፣ ደላላ፣ወዘተ. ዝብሃላ ቃላት እውን ኣብ ማእኸል ማእኸል ዘረብኦም እናእተዉ ምዝራብ መደረኦም ዘመቕራ ቅመማት ገይሮም ይወስድወን፡፡ ካብ ደጊም ኣኼባ የለን ዝተብሃሉ ይመስሉ ዝሓዝዋ ማይክ ከይሕደጉ ፈሪሖም ናብ ኣፎም ብምጥባቕ እዝኒ ሰማዕቲ ክሳብ ዝፀምም ይዛረቡ፡፡

ዕድል ከየምልጦም ኢዶም ኣውፂዮም ኣብቲ ኣኼባ ዝድቅሱ እውን ኣይሰኣኑን፡፡ዕድል ንምርካብ ኣውፅዮምዎ ዝደቀሱ ተኣከብቲ ንምዝራብ ዕድል እንተምሊጥዎም ኣብ መወዳእታ ንድጋፍ ይቑፀረሎም ማለት እዩ፡፡

ሓለፍቲ መንግስቲ እንታይ ከምዝረኸቦም ኣይፍለጥን ኣብ ኣኼባ ምጎሳ እምበር ነቐፌታ ቐታሊቶም ኮይና፡፡ ኣብዙርይኦም ዝነቕፋም እንተሪኦም መስቀል ከምዝረኣየ ሰይጣን ይፈርሕዎ፡፡ ኣይወዓለ ኣይሓደረ ፖለቲካዊ ጥዕንኡ ኣይተሓለወን ፀረውድብ ተንቀሳቒሱ ተባሂሉ ይባረር፡፡ ጎይታይ እምበይተይ ጥራሕ ዝስመዐሎም መድረኻት በዚሖም፡፡

እቲቐደም ንጉስ ፀሓይ ከይወቕዖም፣ እሾኽ ከይወግኦም፣ እንክኸዱ ከይዕንቀፉ፣ እንክበልዑ ከይሕነቑ፣ ክሰትዩ ከይስረነቑ ነፀላ ተዓጢቖም ኣብ ዝርያ ንጉስ ብምዃን ሽርጉድ ዝብሉ ሰባት “የዘውድ ኣደግዳጌዎች” ይበሃሉ ነይሮም፡፡ ሎሚ ድማ ናብ ዘውድስ መንእኳ ኣቕሪብዎም ዋ “የቀበሌ ዘውድ ኣደግዳጊዎች” በዚሖም፡፡ ብልሒ መስመር ውድብና የጉትምዎ ኣለው፡፡

ዓቕሚ ዘይብሎም “የቀበሌ ዘውድ ኣደግዳጊዎች” በቢ ቑሸቱ ክጫጭሑ እዮም፡፡ ንሕና ጥራሕ ንምራሕ፣ ዘረባና ብላዕሊ ይኹን፣እዝንኹም ፅን ኣቢልኩም ስምዑና ዝብሉ ሓልቃማት ክበዝሑ እዮም፣ህዝቢ ኸዓ ንእኣቶም ክሰምዕን ከሞጉስን ስራሕ ፈቲሑ ኣብ ባይቶ እናተኣከበ ፍረዘይብሉ ዘረባ እናደጋገመ ካውዕል እዩ፡፡ ያን ግዘ ተጠንቀቑ ዝብል ትምቢተ መፅሓፍ ጰላቶስ በፂሑ እዩ ዝበለኒ ሓደ ምሓዛይስ ናይማኑ ዶ ይኸውን? ኣቤት ካብዙይ ይሰውረና እዩ ዘብል፡፡

ኣብ ዓድና ዝርከቡ ኣዳራሻት ኩሉ ግዘ ብኣኼባ ትሑዛት እዩም ኣብዚዘመን ካብ ኩሉ ዝበለፀ ኢንቨሰትመንት ንኣኼባ ዝውዕሉ ኣዳራሻት ምህናፅ ከይኮነ ኣይተርፍን፡፡ ፅቡቕ መአከቢ ኣደራሽ ዘለወን ከተማታት ካብ ዝተፈላለያ ዞባታትን ወረዳታትን ዝመፁ ኣኼብተኛታት ስለ ዘትኣናግዳ ካብተን ንመስሕብ ቱሪዝም ምችዋት ዝኾና ከተማታት ዝለዓለ እቶት ይረኽባ ከምዘለዋ ብጋህዲ ዝረአ ዘሎ ሓቂ እዩ፡፡

ካሊእ ኣኼባታትናን ኣዳራሻት ዓድናን ዝኒሀዎም ስጡም ዝምድና ብቐዋምነት ኣፍቶም ኣዳራሻት ዝልጠፉ ጭርሖታት እዮም፡፡ ኣብ ግምባራት ሕርሻ፣ ደቐትን ኣናእሽተይን፣ደቂ ኣነስትዮ ወዘተ. ዝበሉ በቢወረድኡ ዝተገበረ ኣኼባ ኣብቲ ኣዳራሽ ምስተሰቐለ ኣይወርድን፡፡ እቲ ኣዳራሽ ሓሊፉ ሓሊፉ ንኻሊእ ግልጋሎት እንትውዕል እኳ እዞም ጭርሖታት ካብ ዝተሰቐልዎ ኣይዎርዱን፡፡

ኣኼባ ኣየድልን ዝብል እምነት የብለይን፡፡ ኣኼባ ዕላምኡ ኣይስሓት እምበር፡፡ ህዝቢ ንሰፊሕን በሊሕን ገምጋም ተፀዊዑ ዓዲ ንለውጢ ተዳልያ ምስተብሃለት ስድሪ ከይተጉዓዘ መድረኽ ገምጋም ኣንፈቱ ስሒቱ ይወድቕ፡፡ መድረኽ እቶም ክንፍቶ ኢና በሃልቲ ይፃወትሉ፡፡ ናይብልቡ ክገማገም ዝተኣከበ ወዲ ዓሻ ላሕሚ ብቶም ተፈተውቲ ኢና በሃልቲ ስሙን ዘይስሙን እናተለጠፎ ክውንጀል ይውዕል፡፡

ነዚ ዝፀልኡ ሰባት ናብ ኣኼባ ከይኸዱ ሚሒሎም ይምለሱ፡፡ ንሃገሮም ብሞየኦም ከገልግሉ ዝደልዩ ሰባት ኣኼባ ተፀዊዖም ኣይመፁንን እናተብሃሉ ይንቀፉ፡፡ብኣንፃሩ ክንቃለስ ኣለና እሎም ብምቑራፅ ኣብ መሬት ዘሎ ፀገም እናልዓሉ ኣብ መድረኽ ዝዛረቡ ድማ ፀረ ውድብ፣ ህዝቢ ከእድሙ ኣብ ስብሰባ ኣለዓዒሎም ተባሂሎም ካሊእ ታርጋ ይልጠፎም፡፡ዝፈትውዎ ሞይኦም ራሕሪሖም ካብ ስረሖም ይለቁ፡፡ዝመፀና ፅዕንቶ እናተፃወርና ክሳብ መወዳእታ ክንቃለስ ኢና እንተይሎም ድማ ብዝጀመርዋ ደረጃ ምሃያ ጥሮታ ክሳብ ዝወፁ ይፅበዩ፡፡

ቀደም ጠንካራ ገምጋምን በሊሕ መስመርን ውድብና ክሳብ ታሕቲ እናወረደ ውዕዉዕ ወያናይ ህዝባዊ ማዕበል ይፈጥር ነይሩ፡፡ ሎሚ ሎሚ ግና ኣብ ላዕሊ እውን ሕሽክርና ዝብሃል ውድብ ዘማስን ሕማም ዝተኣታተወ እዩ ዝመስል፡፡ ኣብ ታሕቲ ኮይኖም ብልሒ መስመር ዉድብና ኣብ ላዕሊ እዩ ዝጎቱም ዘሎ ኣብ ላዕሊ እንተዓርዩ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሕማም ንምፍዋስ ቐሊል እዩ ንዝብሉ ወየንቲ ሰማዒ የብሎምን፡፡ ኣእዳውኩም ናብ ላዕሊ ኣይተማላኽቱ፡፡ እቲ ገምጋም ናብ ባዕልኹም ኣእቲኹም ውሓጥዎ ይበሃል፡፡ ዕረ እናጠዓሞም ድማ ክውሕጥዎ ይግደዱ፡፡

ሓንቲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ገምጋም ዝተረኸባ ወላዲት ዝበልኦ ክነግረኩም፡- ኣብቲ ዝወዓለኦ ገምጋም በቢተራ ወሓጦ ውሓጥዮ እናተብሃለ ውዒሉ ንአአን ግን ተኣካቢ ስለዝበዝሐ ኣይተገምገማን፡፡ “ሎሚ ዘይተገምገምኩም እቲ ገምጋም ፅባሕ እውን ብርሱን ወነ ክቕፅል እዩ” ተባሂሎም ስለ ዝተፈደሱ፡፡ ጓልያቱ ብፅባሒቱ ገስጊሰን ከምሕዱር ኣብቲ ገምጋም ዝካየደሉ ኣዳራሽ ብምርካብ “ኣታዩ ተሎበሉ እንዶ እታ እትወሓጥ ገምጋም ሃብናታ ብጉሓቱ ውሒጥናያ ናብስራሕና ክንምለስስ” ኢለን ሓተታ፡፡ዘይፍውስ ክንንያ ደኣ እናኾነ እምበር ውሒጥካ ዕርፍ ምባል ግርም ነይሩ፡፡

ዋ፣ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣኼባ ምብዛሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ፅሑፍ ምንዋሕ እውን ኣይግርምን እሞ፡፡ ካብ ኣኼባ ዘብዝሕ፣ ዘረባ ዘንውሕ፣ ኣብዘይፈልጦ ጉዳይ ኣትዩ ዝነብሕ ይሰውርኩም ይሰውረና ኣሜን እናበልኩ ክፍለየኩም፡፡

*********

* ውራይና መጽሔት – ታህሳስ 2006

Wurayna Magazine

more recommended stories