ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ህጻውንቲ ደቀን ዘሕክማ ሓራሳት ኣብ መሬት ይህርሳ [+Audio]

(ግርማይ ገብሩ – VOA Tigrigna)

ኣብ ዓይደር ሆስፒታልን ኣብ ካልኦት ማእኸላት ጥዕናን ትግራይ ዝሓረሳ ኣደታት ግን ድማ ኣብ ክፍሊ ፅኑዕ መከታተሊ ሕሙማት ዝሃረሱ ህፃውንቲ ደቀን እናተመላለሳ ከጥቡባ ዝፀንሓሉ ፍሉይ መፅለሊ የብለንን፡፡

ካብዚ ፀገም እዚ ብምብጋስ እተን ኣደታት ኣብ ገበላን ወሰና ወሰንን መተሓላለፊ እቲ ሆስፒታል ኣብ መሬት ይህርሳ፡፡

ካብ ዓዲ ግራት ዝመፀት ወላዲት ኣብቲ ቤት ሕክምና ምስ ሓረሰት ግቡእ ክትትል ከምዝተገበረላ ትገልፅ፤ ኾይኑ ግና ውሉዳ እኹል ዋዕን ክትትልን ናብ ትረኽበሉ መፅንሒ ምስኣተወት ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ባይታ ሃሪሳ ትከታተል ከምዘላ ትገልፅ።

ኣባላት ሓለዋ እቲ ቤት ሕክምና ነተን ኣደታትን መላዐልተንን ዋላ እኳ “ተስኡ! ውፅኡ!” ኢሎም እንተገደድዎም ካልእ መማረፂ ስለዘይብሎም ካብቲ ዘፍ ኢሎም ዝሃረስሉ ወሰና ወሰን መንገድን ገባላን ክትስኡ ኣይከኣሉን።

ካብ ከተማ መቐለ ዝመፀአት ወላዲት በብኽልተ ሰዓት እናተመላለሰት ጓላ ክተጥብው ከምዝተነገራን እዚ ድማ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ከምዝዀነን ትገልፅ፡፡ ቀትሪ ብባጃጅ እናተመላለሰት ንኽተጥብው ከምዝኸብዳን ብፍላይ ከዓ ምሸት ኣብኡ እንተዘይሃሪሳ ክትመላሰት ምሒር ስለትፅገምን ምስ በዓል ቤታ ን11 መዓልቲ ኣብ መሬት ሃሪሶም ጓሎም ከሕክሙ ከምዝተገደዱ ትዛረብ።

እተን ኣደታት ቁርን ኣሳሒታን፣ሃፋን ሕማቕ ጨናን ፀይረን ኣብ ባይታ ወዲቐን ምህራሰን ንተወሳኺ ሕማም ከይቃለዓ ሰጊአን ንዝምልከቶም ኣካላት እቲ ሆስፒታል ጠሪዐን ፍታሕ ከምዘይረኸባን የግዳስ ገዛ ተኻረያ ከምዝበሉወንን ኣምሪረን ይዛረባ።

ሓላፊ ክፍሊ ሕክምና ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ርእየ ኢሳይያስ ብዛዕባ እዚ ሓቲተዮም እቲ ፀገም ኣብ ውሽጢ እዚ ክልተ ኣዋርሕ እዚ ከምዝተኸሰተ ገሊፆም፤ እተን ኣደታት ምሉእ ሕክምና ዝወሰዳን ከም ተሓከምቲ ዘይረአያን ምዃነን ይዛረቡ። ኣብቲ ሆስፒታል ዝሓረሳ ኣደታት ግቡእ ክትትልን ሕክምናን ወሲደን እቲ ሆስፒታል ዘድልየን ነገር ብምሉኡ ኣማሊኡለን እዩ።

ህፃውንቲ ደቀን ብቐረባ ንኽምግባ ኣብ ባይታ ምህራሰን ድማ ቅቡል ከምዘይኰነን እዚ ጉዳይ እዚ ግና ነቲ ሆስፒታል ዘይምልከትን ሓላፍነት ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ ከምዝዀነን ገሊፆም። ኮይኑ ግና እቲ ሆስፒታል ብዘለዎ ውሱን ዓቕሚ ነተን ህፃውንቲ ደቀን ዘሕክማ እሞ ድማ ዝበኣሰ ፀገም ዘለወን ኣደታት ካብ 6 ክሳብ 10 ዓራት መዲቡ ይሕብሕበን እዩ።

እቲ ፀገም ግና በዚ ደረጃ እዚ ጥራሕ ዘይፍታሕን ንሰብ ሃፍቲ፣ ንገበርቲ ሰናይን ካልኦት ኣካላትን ዝምልከት እምበር ኣብ እንግደዓ እቲ ሆስፒታል ዝድርበ ጉዳይ ከምዘይኰነ ዶክተር ርእየ ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም።

ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ብኸመይ ክሕግዙ ይኽእሉ ንዝብል ኣብ ከይዲ ምዝርራብ ኢና ዘለና እውን ኢሎም።

ብዛዕባ እዚ ፀገም እዚ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክልልን ማእኸላይ መንግስትን ሓበሬታ ከምዘይብሎም ካብ ዘረባ ዶክተር ርእየ ምርዳእ ይከኣል፤ ኰይኑ ግና ምስ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ወላ ብስሩዕ መንገዲ ኣይኹን ብዛዕባ እቲ ፀገም ብቓል እውን እንተዀነ ከምዝተነገሮም ሓቢሮም።

ዶክተር ርእየ ኢሳይያስ ቁፅሪ ተሓከምቲ ምብዝሖም፣ ናብ ላዕለዋይ ሕክምና ዓይደር ክመፅኡ ዘይግበኦም ሕሙማት ምእታዎም፣ ኣደታት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ካልኦት ማእኸላት ጥዕና ክወልዳ ዘይምግባር ኣብ ልዕሊ ሆስፒታል ዓይደር ከቢድ ፅዕንቶ ይፈጥር ምህላዉ ገሊፆም፤ ብቐፃሊ ተወሳኺ ላዕለዋይ ቤት ሕክምና ምህናፅ መማረፂ ዘይብሉ መንገዲ እዩ እንትብሉ ተላብዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

****************** 

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories