ናይ ወፃኢ መዋፈርቲ ሃፍቲን ኣሰራርሓን ዘሎ ክፍተት:- ሓፂር ትዕዝብቲ

ናይ ወፃኢ ኢንቬስተራት ብForeign Direct Investment (FDI) ሽም ኣብ ሓደ ሃገር ይኣትዉ´ሞ ሃፍቶም ዘዋፍርሉ ቦታ መንግስቲ ክህቦም እንተሎ ኣፍቲ ኸባቢ ንዝነብር ሕብረተሰብ ማሕበራዊ ሓላፍነቶም (Corporate Social Responsibility – CSR) ከምዝስከሙ ይገልጽ። እዚ ማለት ዝፈናቐል ሰብ እንተሃሊዩ ተመጣጣኒ ካሕሳ ምሃብ፣ ንቲ ኣፍቲ ኸባቢ ዝነብር ሕብረተሰብ ቤት ትምህርቲ፣ ሕክምና፣ ፅሩይ ማይ፣ ስራሕ ምፍጣርን፣ ብቲ ፋብሪካ ምኽንያት እውን ኸባቢያዊ ብኽለት ከየጋጥምን ዝመሳሰሉ ስራሕቲ ይፍፅሙ ማለት እዩ። ገሊኡ ግዴታ ገሊኡ ድማ ብፍትወት ከም ሞራላዊ ሓላፍነት ዝገብሩዎ ኮይኑ ኣፍቲ ኸባቢ ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን ናይቲ ሕብረተሰብ ጸገማት ኣብ ምቅላል ተራ ክህሉዎም ስለዝግባእን እቲ ሕብረተሰብ እውን ናይቶም ዝውንኖም ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ተጠቃሚ ከኸውን ኣለዎ ብዝብል ሰናይ ሓሳብ እዩ ዝብገስ። ብምዃኑ ድማ ገና ናብ ዓዲ ክኣትዉ እንተለዉ ቃል ይኣትዉ መንግስቲ´ውን ከምኡ ንኽገብሩ ምስቶም ሰብ ሃፍቲ ናይ ምርድዳእ ስራሕቲ ይሰርሕ።

እዚ ሰናይ ሓሳብ ካብ ቃል ምእታው ዘሊሉ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብቲ ዝግባእ ስለዘይፍፀም ኣፍቲ ኸባቢ ኣብ ዝነብሩ ህዝቢታት ኢሉ´ውን ኣብ ሃገር ብዙሕ ጉድኣት የምፅእ። ንኣብነት ኣብ ጋና ዝርከብ ብመንግስቲ እንግሊዝ ዝውነን ናይ ወርቂ ኳዕቲን መፃረዪን ፋብሪካ ዝተጠቐመሎም ኬሚካልስ ናብ በረኻታት ብምፍሳሶም ናይቲ ወረዳ ማይን መሬትን ኸባቢን በኪሉ ነበርቲ ካፍቲ ኸባቢ ተፈናቒሎም ዝጣበቐሎም መነግስቲ ዘይብሎም ተሪፎም እዮም። ብተመሳሳሊ ዳች ሼል ኩባኒያ ኣብ ናይጄሪያ ዞባ ኒጀር ዴልታ ዝነበሮ ነዳዲ ዘውጽአሉ ሰፊሕ ቦታ መሬት ጥራይ ዘይኮነስ ወሓዝቲ ሩባታትን ማያትን ምብካሉን ህዝቢ ምጉድኡን ይፍለጥ። ነዚ ክቃወም ዝወጽአ ውሩይ ደራሲን ጠበቓ ሰብን ኸባቢን (Human rights & Enviromental activist) ኬን ሳሮ-ዊዋ (ናይጀሪያዊ) ብዳች ሼል ኩባኒያ ኢድ ኣእታውነትን ብጉዕዙይ ወታሃደራዊ ቤት ፍርዲ ናይጀሪያን ኣብ 1995 ዓ.ም.ፈ ብስቅላት ከምዝቕተል ተገይሩ። ናይ ወፃኢ መዋፈርቲ ሃፍቲ ኣብ ኣሲያን ታይገርስ ዝበሃላ ሃገራት እውን ብዙሕ ውድመት ኣብፂሖም እዮም፣ ህዝቢ እውን ተፈናቒሉን ኸባቢ ተበኪሉን።

እዚ ናይቶም ወፃእተኛታት ድኽመት ዘይኮነስ ናይቶም ሃፍቶም ከዋፍሩሎም ዝዕድሙ ዘለዉ መንግስታት ሕምቀት እዩ። ሕጊ ይወጽእ ግን ኣይፈጸምን። ኣብ ሃገርና እውን ዝተፈለየ ኣይኮነን። መንግስቲ ዘውፅኦ ሕጊ ምእንቲ ኢንቨስተራት ከየማርሩ/ከየሃድሙ ናተብሃለ ባዕሉ ጥሒሱ ካልኦት´ውን ንኽጥሕሱዎ ማዕፆ ዝኸፍተሉ ኩነታት ኢና ንዕዘብ። ብዙይ ምኽንያት ሕጊ ክፍፅም ዝፍትን ሰራሕተኛ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ከምዘንከላብትዎ ይንገር። “መዋፈርቲ ሃፍቲ ከተህድመልና ፈቲንካ” ናተብሃለ ግደፉዎም ክምዝበሃል ኣፍቲ ስራሕ ዘለዉ ሰባት ይዛረቡ። እዚ ኩነታት እንታይ ገደሰና ዝብል ስምዒታት እውን ይፈጥር።  ናይ ወፃኢ ኢንቬስተራት ድማ ብከምዚን ካልኦትን ዘሎ ክፍተት ናረኣዩ ድኽመትና ኩሉ ይጥቀምሉ ኣለዉ።

ንሱ ከይኣክል ድማ ናይ ህዝቢ ቐንዲ ሽግር ድኽነት፣ ቤት ትምህርቲ፣ ሕክምና፣ ማይ ካልኦት ትሕተቕርፅን እንዳሃለዉ ቤት እምነት ዝሰርሑ´ውን ኣለዉ። ንኣብነት ኢንቨስተራት ቱርኪ ብዙሕ ሕግታት ናጠሓሱ ዝሰርሑ ከምዝኾኑ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ጉዳይ ኮይኑ ፋብሪካ ኣብ ዝሰርሑለን ኸባቢታት እውን መሳጊድ ይሰርሑ ኣለዉ። እዚ መንግስቲ ኣይፈልጦን ኣይንብለን። ሽንኳን መስጊድ ዝኣክል ነዊሕ ነገር ኣብ ገዛኻ ውሽጢ ተወሳኺ ህንፀት (ዋላ ናይ ግቢ ማዕፆ ትኹን) ንኽትገብር´ኳስ ብዘይ ናይ መንግስቲ ፍቓድ ከፍፀም ከምዘይከኣል ዝፍለጥ ጉዳይ እዩ። ኣብዚ ቐረባውን ሓቅነቱ ክነፃሪዮ ዘይከኣልና 50 ሽሕ ቤተክርስቲያን ክንሰርሐልኩም ኢና ዝብሉ ናይ ሃይማኖት ኢንቨስተራት (ሸቀጥቲ) መጺኦም ከምተብሃለ ኩሉ ዝሰምዖ ጉዳይ እዩ።

ድኽነት ኩለ መደያዊ ድኽመት ይወልድ ንኹሉ ጉድኣት ድማ የጋልፀካ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ድኽነት ግን ስነልቦናዊ ድኽነትውን ስለዝውስኽ ቅርሺ ሒዙ ዝመጽአ ሃፍታም ሕጊ ናይ ምጥሓስ መሰል ከምዘለዎ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ። ብምዃኑ ድማ ነዞም ሕግታት ከፈፅሙ ዝተመደቡ ሹመኛታት ኣብ ክንዲ ንሕጊ ንቶም ወፃእተኛታት ክከላኸሉሎም ምርኣይ ልሙድ እዩ። እታ ዝህቡዋ ቐጣን ምኽንያት ድማ “ሰብ ሃፍቲ ከይሃድሙና” ትብል እያ። ስራሕ ብኣግባቡ ይስራሕ ከምዘሎ ከቆፃፀሩ መንግስቲ (ባንኪታት) ዝምድቦም ሰባትስ ሃገራዊ ሓላፍነቶም ንጎድኒ ገዲፎም ነቶም ሰብ ሃፍቲ እቲ ሃገርና ዘለዋ ክፍተት ብምጥቋም ከመይ ከምዝስረቁን ገንዘብ ናብ ዓዶም ከምዘህድሙን የማኽሩዎም ዝብሉ እውን ኣለዉ። ብእሙናት መራኸቢ ሓፋሽ ከምዝሰማዕናዮ እንተኾይኑ እውን ገለ ብናይ ኢንቨስትመንት ፈቓድ ዝኣተዉ ካምፓኒታት ብልቓሕ ስም ናይ ባንኪ ገንዘብ ዘሪፎም ከምተሰወሩ ገሊኦም ድማ ዝኣተዉዎ ቃል እንተይፈፀሙ ከምዝሃድሙ ይፍለጥ እዩ። ነዚ ሽግር እዚ ኣስተዋፅኦ ዝገብሩ ዘለዉ ሰለስተ ዓብይቲ ድኽመታት ምቕማጥ ይከኣል።

ቐዳማይ፣ ሕጊ ይወፅእ ግን ኣይሰርሕን። ብሓደ ወገን እቲ ፈፃሚ ኣካል ኣብ ክንዲ ብቲ ሕጊ መሰረት ዝሰርሕ ንወፃእተኛታት ንምሕጓስ ክበሃል ርትዓዊ ብዝየኮነ ኣገባብ (ከይተህድሙልና ብዝብል) ሕጊ ንኽጠሓስ መገዲ ዝኸፍተሉ ኩነታት ብስፍሓት ይረኣይ። ብኻልእ ወገን ድማ እቶም ትካላት ፍቓድ ዝረኸብሉ ተግባር ይፍፅሙ ምህላዎም ብጥብቂ ቁፅፅር ከምዘይግበር ይንገር። ብምዃኑ ድማ ብጎድኒ ምስ ደቂ ዓዲ ናተመሻጠሩ ኣብ ካሊእ ስራሕቲ ዝነጥፉ ከምዘለዉ´ውን ይንገር።

ካልኣይ፣ ናይ ወፃኢ በዓል ሃፍቲ (ትካላት) ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲዮም ክሰርሑ ፈቓድ ከወሃብ እንተሎ ናይዞም ትካላት ኣብ ሃገሮም ዘለዎም ድሕረ ባይታ ዘይተፀንዐ እዩ ዝፍፀመሎም። ገሊኦም ብስሩውን ኣብ ሃገሮም ምንም ዓይነት ፈቓድ ዘይብሎም ከም ትካል ዘይፍለጡ ክኾኑ እንተለዉ፣ ገሊኦም ኣብ ገለ ሃገራት ሕማቕ ተግባር ዝፈፀሙን ወይ ድማ ሕማቕ ሽም ዘለዎም ዝተባረሩን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። መንግስቲ እዙይን ከምዙይን ዝበሉ ጉዳያት ናይ መፃረዪ መስርሕ የብሉን።

ሳልሳይ፣ ኣብ ኤምባሲታትና ዘለዉ ናይ ንግዲ ሓለፍቶት (ኮሜርሻል ኣታሼ)ናይቲ ተመደብሉ ሃገር ስርዓት ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ የብሎምን።  ክፈልጡውን ፃዕሪ ዝገብሩ ኣይኮኑን። ብስሩውን ሒዞምዎ ዘለዉ ሓላፍነት ከም መናበሪኦም እምበር ንሃገር ረብሓ ብምምፃእ ዝሪኡዎ ኣይመስሉን። ዝገብሩዎ ነገር እንተሊኡ ደብዳቤ ናፀሓፍካ ሓደ ሓደ ጊዜውን ሰሚናር ዝመስል ናዳለኻ ንዑ ሃፍትኹም ኣብ ኢትዮጵያ ኣዋፍሩ ዝብል ጎስጓስ ካብ ምክያድ ዝሓለፈ ኣይኮነን። ብምዃኑ ድማ ከምቶም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ዓይነት ሽግራት ንኸጋጥም ኣስተዋፅኦ ይገብር ኣሎ።

ሓደ ሃገር ንናይ ወፃኢ ሰብ ሃፍቲ ዓዱ ክፍቲ እንትገብር ዝርዝር ሕግታት ከውጽእን ብዘይ ቅድመ ኹነት ድማ ኣብ መሬት ክትግብሮን ትፅቢት ይገብር። እዚ ኣብ ዘይገርብ ባዕሉ ንግዕዝይና ሰፊሕ ማዕፆ ይኸፍት ከምዘሎ ምርዳእ የድሊ። ካብ ናይ ወፃኢ ኢንቨስትመንት ስሒበን ቁጠብአን ዘንቀሳቐሳ ሃገራት ሰፊሕ ኣሉታዊን እወንታዊን ተሞክሮ ምውሳድ እንዳተኽኣለ ሃገር ከም ቤተ-ፈተነ ሱቕ ኢልካ ይስራሕ ኣሎ። መንግስቲ እዚ ኸቢድ ሳዕቤን ከምዘለዎ ተሪዲኡ ኣብ ኩሉ ገፅ ዘሎ ኢንቨስትመንት ዝቆፃፀር ሓደ ናይ ሙያተኛታት ጉጅለ ክጣየሽ ኣለዎ ንብል። ቅድሚ ንሓደ ወፃእተኛ ናይ ኢንቨስትመንት ፈቃድ ምሃቡ ግልጺ ዝኾነ ቅድመ ኩነትን መስርሕን ክቕመጠሉ ይግባእ። እዚ ድማ ኣብ ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሓደ መፃረዪ ጉጅለ ተጣይሹ ምስ ኤምባሲታት ዘለዉ ናይ ንግዲ ክፍሊ ሓለፍቶት (ኣታሼ)ብምትሕብባር እንታይነት ናይቲ ዝመፅእ ካምፓኒ ምፍታሽ ይከኣል እዩ።

ናይ ወፃኢ ኢንቨስትመንት (FDI)ኩሉ የዐውት እዩ ማለት ኣይኮነን። ብዙይ ዝተዓወቱ ሃገራት ርትዓዊ ብዝኾነ መገዲ ንረብሐን ናይ ምድርዳር ክእሎት ዘለወን፣ ግልፂን ዝኾነ ኣፈፃፅማን ብቕዓት ዘለዎ ምምሕዳርን ዘተኣተዋ ሃገራት ጥራይ እየን። ድኹም ናይ ምድርዳር ክእለት፣ ግልፅነትን ብቕዓትን ዘይብለን ሃገራት ግና ህዝበንን ፀጋታተን ኣብ ቐፃሊ ብዝበዛ ብምእታው ሃገረን ንሓደጋ ኣጋሊፀን እየን። እሞ ንኺድ ጥራይ ስለዘየዋፅእ ሽግር ሱር ተይሰደደ ይተዓረ ንብል።

ሰናይ መዓልቲ!

*********

ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ ኣብ ሃገራዊን ዞባዊን ከምኡውን ዓለም ለኻዊ ፖለቲካ ጉዳያት ዝከታተል፣ ኣብዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘይነጥፍ ውልቀ ሰብ እዩ። ንሃናፃይ ሪኢቶ ኣብ [email protected]

more recommended stories