“ርእሰይን ክሳደይን ምስወቕዑኒ ውነይ ስሒተ ወዲቐ”

(BBC Tigrigna)

“ናብ ገዛይ እናተመለስኹ ኣብ መገዲ ሓደ ፖሊስ ዓብዪ ደንጎላ ሒዙ ንሓደ መንእሰይ እናኮብኮበ ናብ ጣብያ እናወሰዶ ሪአዮ።” ብምባል ነቲ ዝነበረ ኹነታት ከዘንትወልና ጀሚሩ። ሽሙ ከይንጠቅስን ድምፁ ኣብ ሬድዮ ከይነቃልሖን እንትሓተና ስግኣቱ ኣይሓብአን።

“ፅባሕ ‘ውን መሊሶም [ናብ ማእሰርቲ] ከእትውኒ እዮም። ክቐትሉኒ እውን ይኽእሉ” ኢሉ። እዚ መንእሰይ ሎምቅነ ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ክሳተፉ ዝቐነዩን፤ ደሓር ምስ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ዝተፈጠረ ጎንፂ ኣካላዊ ማህሰይቲ ካብ ዝበፅሖምን ሓደ እዩ።

Photo - Kinfegebrail Gyohans FB

መልዐሊ እቲ ጎንፂ እንታይ እዩ?

እቶም ተሳተፍቲ መናእሰይ ከምዝገለፅዎ፡ እቲ ዋዕላ ቅድሚ ምጅማሩ፤ መዓልታዊ ክሳብ 1500 ቅርሺ አበል ክኽፈል እዩ ዝብል ወረ ምስተሰምዐ ብዙሕ መንእሰይ ተኣኪቡ።

እቲ ዋዕላ ምስተዛዘመ ግን መዓልታዊ ክፍሊት ብር 26 እዩ ምስተባህሉ ኣብ መንጎ መራሕትን ተኣከብትን ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ።

እቲ ዘይምርድዳእ ቀስ ብቐስ እናተጎሃሀረ ምስመፀ፤ ሓይልታት ፀጥታ ናብቲ ከባቢ ተፀዊዖም።

ናይ ፀጥታ ኣካላት መፂኦም ኣብቲ ኸባቢ ንዘረኸብዎ ሰብ ምውቃዕ ምስጀመሩ ረብሻ ከምዝተልዓለን ገለ መናእሰይ ድማ እምኒ ናብ ምድርባይ ከምእተሰጋገሩን ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ ይገልፁ።

ኣካላዊ መጥቃዕቲ

ልዕል ኢሉ ነቲ ዝነበረ ኹነታት ከዘንትወልና ዝጀመረ መንእሰይ እንትቕፅል፤ ነቲ እምኒ ሒዙ እሱር ክወስድ ዝረኣዮ ፖሊስ ንምንታይ ብኸምኡ ዓይነት ኩነታት ይወስዶ ከምዘሎ ከምዝሓተተ ይዛረብ።

“ንዕኡ ኣብ ጣብያ ኣብፂሑ ብመኪና ብዙሓት ኮይኖም ተመሊሶምኒ። ጠጠው በል ኢሎም እናቐጥቀጡ ሒዞምኒ ከይዶም። ርእሰይ ከይተረፈ ብበትሪ እናቐጥቀጡ ሒዞምኒ ከይዶም። ናብ ጣብያ ምስኣእተውኒ እውን ኣብ መረባ እቲ ጣብያ ናይ ቀደም መካይን ናብ ዘለዋሉ ቦታ ወሲዶም፤ ቀጥቂጦምኒ። ‘ኣንታ እንታይ እየ ገይረ ግደፉኒ’ እንተበልኩ ዝሰምዐኒ ሰብ የለን። ሰብነተይ ክሳብ ሕዚ ሓቢጡ እዩ ዘሎ” ይብል።

ከንቲባ ከተማ ዓድዋ ኣይተ ዘስላሰ ዘርኣብሩኽ ብዛዕባ እቲ ኹነታት እንትዛረቡ ግን ኣብቲ ዝነበረ ጎንፂ እምኒ ተደርብዩ ዝተወቕዑ እንተዘይኮይኑ ብሓይልታት ፀጥታ ኮነ ተባሂሉ ዝተወሰደ ስጉምቲ የለን በሃሊ እዮም።

ብፍላይ ኣብ ጣብያ ዝተወቕዑ መናእሰይ ኣለዉ ንዝብል “ከምኡ ዓይነት ነገር ኣይተፈፀመን ጠቕላላ ሓሶት እዩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተወ ማንም ዝተወቕዐ ሰብ የለን።” ዝብል ምላሽ ንቢቢሲ ሂቦም።

እቲ መንእሰይ ግን ኣብ መገዲ ኾነ ናብ ጣብያ ምስተወሰዱ ብፖሊስ ከምዝተቐጥቀጡን ኣብ ረሳሕ ክፍሊ ከምዝተኣሰሩን እዩ ዝዛረብ።

“ናብ ሓደ ብጣዕሚ ሕማቕ ጨና ዘለዎ ዘለዎ ክፍሊ ኣእትዮምና። ኣስሚ ዘለዎ ሰብ ተዝህሉ ምሞተ። ሽንቲ ዓለቕለቕ ኣብ ዝበሎ ክፍሊ 9 ሰባት ነይርና። ክዳንና ኣውፂእና ኣፍና ዓቢስናዮ። ኣነ ኣስካሕኪሐ እየ ሽዑ። ክልተ መዓልቲ ኣብታ ክፍሊ ንሳ ካብ ዝሓድር ኣብ ስሩዕ ቤትማእሰርቲ ክልተ ወርሒ ምእሳር ይሓይሽ ንዓይ” ክብል የማርር።

ዮሃንስ ገብረኺዳን ካብቶም ኣብዚ ጎንፂ ማህሰይቲ ዝበፅሖም መናእሰይ ሓደ እዩ። ስምብራት መውቃዕቱ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብስፍሓት ተዘርጊሑ መዘራረቢ ኾይኑ ነይሩ።

ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ፅሒፎም ‘ዮም።

Image - facebook screenshot of Awet Lijalem
Image – facebook screenshot of Awet Lijalem

ዮሃንስ ትማሊ ሓሙስ ስልኪ ደዊልና እንትነዘራርቦ፤ ካብ ሕክምና ቁስሉ ኣፅሪጉ ከምዝተመለሰ ሓቢሩልና።

ብኸመይ እዩ ተወቒዑ ሓቲትናዮ።

“ካብቲ ኣኼባ ወፂአ ናብ ገዛይ ይኸይድ ነይረ። ካብኡ ፖላዊስ መፂኦም፤ ጉያ ተጀሚሩ። ኣብ መገዲ ናብ ዝረኸብናዮ ገዛ ምእታው ጀሚርና። ኣነ ‘ውን ናብ ሓደ ገዛ ኣትየ። ካብቲ ገዛ ኣውፂኦም ኣብ ፅርጊያ ዘርጊሖምኒ። ርእሰይን ክሳደይን ምስወቕዑኒ ውነይ ስሒተ ወዲቐ። ፈሊጡ እዩ ደቂሱ እናበሉ እናገላበጡ ወቒዖምኒ” ኢሉ ዮሃንስ።

ኣይተ ዘስላሴ ጉዳይ መንእሰይ ዮሃንስ ብዝምልከት ሓቲትናዮም።

“ሽዑ እዩ’ኮ ኣብቲ ምሸት ተወቒዑ። ኒኤና እኮ ንርእዮ ኣለና ባዕልና። ካበይ ከምዝተደርበየ እውን እኮ እዩ ዘይፍለጥ። ፖላዊስ ዝተወቕዑ ‘ውን እኮ ኣለዉ። ተወቒዑ ናብ ሕክምና ከይዱ፤ ኣብ ሕክምና ከኣ ደሓን ምዃኑ ተረጋጊፁ፤ ካብ ሕክምና ከዓ ተመሊሱ ንፅባሒቱ ተፈቲሖም” ዝብል ምላሽ ሂቦምና።

ዮሃንስ ግን፡ ውንኡ ስሒቱ ምስወደቐ ናብ ሕክምና ከይኮነስ ናብ ጣብያ ከምዝተወሰደ እዩ ዝዛረብ።

“ክፍቲ መኪና መፂኣ ብድሕሪት ደርብዮም ሰቒሎምኒ። ውነይ ስሒተ እየ ነይረ። ኣብ ጣቢያ ድማ ኣብቲ መረባ ኣብ ሳዕሪ ደርብዮምኒ፡ ዳርጋ ንፍርቂ ሰዓት ኣብኡ ደቂሰ። ንፋስ ወቒዑኒ በርደግ ኢለ ምስተበራበርኩ ድማ ደም እናፈሰሰኒ እናሃለወ ናብቲ ገዛ ኣእትዮም ዓፅዮምኒ” ይብል።

ካልእ ተኣሲሩ ዝነበረ መንእሰይ ብዛዕባ ዮሃንስ እንትዛረብ ካልኦት ምስኡ ዝተኣሰሩ መናእሰይ ብዛዕባ ኩነታቱ ጥርዓን ምስኣቕረቡ ናብ ሕክምና ከምዝተወሰደ ገሊፁልና።

“ኣነ ድሒረ እየ ኣትየ። ኣብቲ ክፍሊ ደም ሪኤ እዚ ደኣ እንታይ እዩ ምስበልኩ፤ ናይ ዮሃንስ ደም እዩ፤ ብኣፉ ደም የውፅእ ነይሩ፣ በይዛኹም ኢልና ለሚንና ‘ናብ ሕክምና ወሲዶምዎ’ ኢሎምኒ” ብምባል ነቲ ዝነበረ ኹነታት የብርህ።

ኮነ ተብሂሉ ብኣካላት ፀጥታ ዝተወሰደ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ከምዘየለ ዘብርሁ ከንቲባ ከተማ ዓድዋ ኣይተ ዘስላሰ ዘረኣብሩኽ፤ ብኣካላት ፀጥታ ዝተወሰደ “ዘይተመጣጠነ ስጉምቲ” እንተሃሊዩ ግን ምፅራይ ከምዝግበር ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

*******

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories