በደል ተፈፂሙኒ ዝበለ ሓረስታይ ሕድሮም ሃይለስላሰ (VOA Tigrigna)

(VOA Tigrigna)

ሕድሮም ሃይለስላሴ ይብሃል።ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ፣ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ጣቢያ ሩባ ፈለግ ዝነብር ወዲ 36 ዓመት ሓረስታይ እዩ።ዝተፈላየዩ ተኽልታት ብምምልማዕ ሞዴል ወይ መርኣያ ተባሂሉ ዝተፈላለዩ ክልላውን ሃገራውን ከምኡ እውን ካብ ናይ ጣሊያን ምትሕብባር ልምዓት ሽልማት ምርካቡ ምስ መዳሊያታትን ወረቐት ምስክራትን ከምዝተሸለመ ይገልፅ።

Photo - farmland of Hedrom Haileselasie previous and current

ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣረኣእያይ ይረኽቦ ዝነበርኩ ማይ መስኖ ተኸልኪለ ካብ 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ዝብላዕን ዝስተን ብስምኣነን ልዕሊ 360 እንስሳት ሞይተናኒ፣ዝተኸልኩዎም ተኽልታት እውን ሓሪሩን ኣብ ምሕራር ይርከብን ይብል።ብናይቲ ከባቢ ምልሻን ፖሊስም ብዙሕ ምክትታል ከምዝፍፀሞ እውን ይዛረብ።

Photo - Model farmer certificate of Hedrom Haileselasie

ኣማሓዳሪት ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ወ/ሮ ኣልጋነሽ ናይቲ ወረዳ ሕድሮም ዝበፅሖ በደል የለን ኢለን ኣለዋ።ናይ ኢትዮጵያ ሓባሲ ንብዓት ህዝቢ ጨንፈር ክልል ትግራይ ቅድሚ ክልተ ዓመት ነቲ ጥርዓን መርሚሩ መዕለቢ ክረክብ ከምዝገበረ ኣቶ ገብረእግዛብሄር ገብረሚካኤል ኣብቲ ጨንፈር ሓባሲ ንብዓት ህዝቢ ይገልፁ።ሕዚ ድማ ኣቶ ሕድሮም ዳግም ብምጥርዑ ሓደ ጉጅለ ዝቕፅል ሰሉስ ናብቲ ከባቢ ከምዝልእኽ ገሊፆም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ ነቲ መጻወቲ ፈለግ(ፕሌየር) ጠውቑ።

********

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories