ሌባ ሌባ ትበልዋስ ልዋ ልዋ ዝበልዋ መሲልዋ!

(አማኑኤል አለማየሁ (ደጀና)

ውድብ ህውሓት ዝመርሑ ዘለው መራሕቲ ሕዘሕዚ ካብ ዝነበሮም አራአእያ እናተዓዘሩ መጠረስትኡ ናብ ዘይፍለጥ ዕንዝርና ምአታው ምጅምሮም ዘሕዘን እዮ፡፡ ምናልባሽ ካብታ ዝነበረቶም ቁሩብ ንህዝቢ እትሓሊ ጨና ይጠፍኡ አለው፡፡ ህዝቢ ትግራይ ዝተቓለሰ ድምፁ ዝሰምዕ ወይብን መንግስቲን (ኢሰፓን መንግስቲ ኢሰፓን) ስለዘይነበረን ንቓንዝኡ አየይ ዘይብለሉ ንዕርቃኑ እሕሕ ዘይብለሉ ስርዓት ስለዝኾኖ እምበር ወልፊ ተኾሲን ወልፊ ከርተትን ስለዝነበሮ አይኮነን፡፡

ህዝቢ ትግራይ ከምኩሉ ህዝቢ፡ ስድራ ትግራይ ከም ኩሎም ስድራታት ደቂሰብ ካብ አብራኹ ዝወፁ ምሩፃት ደቁ እንትቐበር እንተሎ ፣ደም እንትነብዕ እንተሎ ዝሓሸ ስርዓት፣ ዝመስሎ ዝዛረብሉ ስርዓት፣ ዝመስሎ ወድብ ዝፈጥረሉ ስርዓት ክህልዎ እምበር ከምቲ ኢሰፓ ዝባኑ ክሳብ ዝለሓፅ ቸቸ ዝብሎ ቸቸ እትል ወደብ ንምፍጣር አይኮነን፡፡ ቸቸ ምባል ንምባሉ ዝለመደ ውድበ ነሓሸ እንካበ ዘይፀገበን መሬት አይትኹንኒ ዝበል ፅጋበኛ ምሻከም፡፡

ወደብ ህወሓት አብዚ ቀረባ እዋን ብዝጀመርቶ ናይ ታሃድሶ መንገዲ አብቲ ወድብ ለውጢ ኮምፅኡ ዝፅዕሩ አባላትን መራሕቲን ወላ እኳ እንተሃለው ፀቢብ ስምዒቶም ጥራሕ ጣጥይዎም ንናይ ህዝቢ ትግራይ ቃንዛ ዘይስምዖም ገለ መራሕቲ ውጥም ቅልቅል ምባሎም ግን ንህዝቢ ትግራይን ንወድብ ህወሓትን ዘተዓዛዝባ እዮ፡፡

እዚ ዘይዲሞክራሲያዊነት ሕዱር ሕማም ህውሓት ግዲ ከይኑ እናደገስ ዘሸገራ ይመስል፡፡ ትጥዕይን ትዕርን አላ፣ ሕዚ ክትልወጥ እያ ካብ ሽግራታ ትመሃር አለ ኢሉ ህዝቢ ትግራይ ቀሩብ ፍትወትን ክብርን እንታርእያ እንተሎ ገለ ወጣጡ መራሕታ ቅልቅል አሎም መሬት አይትኹነኒ ትግይን ህዝቢ ትግራይን አይትኹኑኒ ክበሉ ንሰምዖም እም አንታ እዞም ሰባት እቲ ሕማም ግዲ ደጊስዎም ንብል፡፡

አብዚ ቀረባ እዋናት አብ ትግራይ መራሕቲ ውድብ ህወሓት ንነጋደ፣ ንተጋደልቲ ነበር፣ ንመናእሰይ፣ ንደቂ አንስትዮ ንህዝቢ ብሓፈሻ ዝተፈለለዮ ኮንፈረንሳት ጌሮም እዮ፡፡ አብ ዝሓለፈ “ጠሪጣስ ተትሓንከልካ” ኢለ አብ ዘውፃእኹዎ ርእቶይ ብዛዕባ ምስ ነጋዶ ዝነበር ስለተዛረብኩ ሕዚ ክደግሞ አይደልን ካብያ ተዛራቢኡስ ደጋሚኡ ከምዝበሃል ካብያ ደጋሚኡስ ሰላሲኡ ከይበሃል ምእንታን እዮ፡፡

አብ ዝሓለፈ ዝተገበረ ናይ መናእሰይ ኮንፈረንስ መዕፀዊ ሓሳብ አባል ፈፃሚት ስራሕ ወድብ ህውሓተ አይተ አለም ገብረምህድ አምሪሮም ብዛዕባ ውሽጢ ውሽጢ ዝፍጠር ዘሎ ምትእኽካብ ማሕበር ሕውነት አግአዚያን ዝበሃል ወዳበ ተዛረቦም፡፡ ካብቲ ዘረብኦም ዝገረምኒን ዝተረዳእኒን ማሕበር አግአዚያን ክንድዙይ ንውድብ ህወሓትን መራሕታን ዘሻቐለ መሲሉ አይተሰማዓንን ኔሩ፡፡ ድሕሪ መደረ አይተ አለም ገብረዋህድ ግን አግአዝያን ዝበሃሉ እንመን እዮም? እንታይ ዝመስል አተሓሳሰባ እዮ አኪብዎም? ኢለ ክሓትትን ዕድመ ንአይተ አለም ገብረዋህድ ብዛዕባ እቲ ምትእክካብ ንምፍላጥ ክፅዕርን ሓጊዞምኒ፡፡

እዚ አተሓሳስባ ከንደየናይ ንህወሓት አሻቓሊ ከምዝኾነ ክርዳእ ሞኪረ፣ ንምኳኑ ኽ እዚ ናይ አግአዝያን አተሓሳስባ ፀረ ህዝቢ እዮ ዝበሃል ዘሎ ንምንታይ እዮ? ኢለ ንባዕለይ ሓቲተ፡፡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኸ ክልኩል ድዮ? ኢለውን ሓቲታ መልሲ ክረክብ እውን ፈቲነ፡፡

አብ ናይ ነብ ሲሄር ጠ/ሚ መለስ ዜናዊ የኢትዮጲያ የህዳሴ ጉዞ የልማትና ዴሞክራሲ ግንባታ ድርስቶች ገፅ 181 ዜጎች “በቋንቋችን እንናገር፣ ባህላችን ይከበር፣ ታሪካችን ይህ ነው ብለው መፃፍና መናገር ካልቻሉ የመናገርና የመፃፍ መብታቸው ሊከበር አይችልም፡፡ ከዚህም አልፈው መገንጠል ተገቢ ነው ብለው ሲያምኑ ይህንኑ እምነታቸውን የሌላን መብት ሳይነኩ በሰላማዊ መንገድ እዲያቀርቡ ካልተፈቀደላቸው በስተቀር የእምነት ነፃነታቸው ሊረጋገጥ አይችልም፡፡”

ውርድ ኢሎም ድማ፡- “በዲሞክሲያዊ ስርዓት ውስጥ ጠባብና ትምክህተኛ አመለካከቶችን በህጋዊና ሰላማዊ መንገድ እንዳይቀርቡ ማገድ አይገባም፡፡” ይብሉ

ትርጉም፡- “ዜጋታት በቋንቋና ክንዛረብ ኢና፣ ባህልና ይከበር፣ ታሪኽና እዚ እዮ አሎም ክፁሕፋን ክዛረቡን ተዘይኪኢሎም ናይ ምዝራብን ናይ ምፅሓፍን መሰሎም ክኽበር አይኽእልን፡፡ ካብዚ ሓሊፎም እውን ምግንፃል ግቡእ እዮ ኢሎም እንትአምኑ ናይ ካልኦት መሰል እንተይተንከፋ ብሰላማዊ መንገዲ ሓሳቦም ከቕርቡ ተዘይ ተፈቒዱሎም ናይ እምነት ነፃነቶም ክረጋገፅ አይኽአልን፡፡”

ውርድ ኢሎም ድማ
“አብ ውሽጢ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ፀቢብነትን ትክሕትን አራኣእያትት ብሕጋዊን ሰላማዊን መንገዲ ከይቐርቡ ምእጋድ አይግባእን፡፡” ይብሉ

ብተውሳኺ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ኢትዮጲያ ዓንቀፅ 29 ቁፅሪ 1 “ማንም ሰብ ብዘይ ናይ ማንም ጣልቃ ምትእትታው ዝመሰሎ ሓሳብ ናይ ምሓዝ ነፃነት አለዎ” ይብል፡፡ ብመሰረት ዓንቀፅ 31 ሕግን ስዓትን አከቢሮ ናይ ምውዳብ መሰሉ ሕልው እዮ፡፡

እቲ ብዙሕ ሰብ ዝፈልጦን ምናልባት አይተ አለም ገብረዋህድ ዘይፈለጥዎን ዓንቀፅ 39 ቁፅሪ 1 ድማ ሓደ ህዝቢ ናይ ባዕሉ ዕድል ብባዕሉ ናይ ምውሳን ክሳብ ምግንፃል መሰሉ ሕልው ምኳኑ ዝገልፅ እዮ፡፡

ብዞም ልዕል ኢለ ዝገለፅኩዎም ዓንቀፃትን ናይ ነብስሄር ጠ/ሚር መለስ ዜናዊ መፅሓፍን ሓደ ኢትዮጲያዊ ሕግን ስርዓትን እንተይጠሓሰ ናይ ፀቢብነትን ናይ ትምክሕትን አተሓሳስባ ናይ ምሓዝን ብሕጊ ናይ ምውደብን መሰል አለዎ፡፡ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ኢትዮጲያ ድማ ዝመስሎ ሓሳብ ናይ ምሓዝ መሰሉ ሕልው እዮ፡፡

ዘይትዕድልቲ ከይኑ ግን ከም እኒ አይተ አለም ገ/ዋህድ ዓይነት ሰባተ ስለ ዝመርሑና ነቲ አተሓሳስባ እንካብ ምቅላስ በቲ አተሓሳስባ የፈራርሑና፣ ነቲ አተሓሳስባ መድርኽ ከሊኦም ብዛዕባ እቲ አተሓሳስባ በይንቶም ይዛረቡ እተኸልከለ ነገር ከምዝበሃግ እቲ ወያናይ ዲሞክራሲያዊ መስመር ትኽከል እዮ አልና ንንአም ሰባት እንተይተረፈ ክንብህጎ ይገብርና፡፡

አተሓሳስባ ብኻሊእ አተሓሳሰባ እዮ ዝብዳህ (challenge) ዝግበር እምበር አተሓሳሰባ ብሓደ ደራፊ ጥራሕ ዝቐርብ መዝሙር/ደርፊ አይኮነን፡፡ አተሓሳስባ መንቀሊ አለዎ እዮ፡፡ ሰብ እንተፅግሞ ብዛዕባ ፅገሙ ይትንትን ነቲ ዝተንተኖ መሰረት ጌሩ መማረፅታት የቕምጥ ካብቶም ዘቐመጦም መማረፅታት ይመርፅ፡፡

ካበ ፀገም ናይ ህዝቢ ተበጊሰም ሰባት ብውልቀ ዝሓሰብዎ ብእኩብ ይዘራረቡሉ ቀፂሎም ይትንትንዎ ዝተተንተነ አተሓሳሰባ ድማ ርእይቶ ( ) ወይንም እምነት ይፈጥር፣ ዝአመነ ሰብ ይውደብ ብውደቢኡ አቢሉ ንህዝቢ መማረፃ ከይኑ ይቐርብ፡፡ መማረፅነቱ እንተተኽልኪሉ ድማ ይእድም፣ ድሕሪ አድማ እቲ ፀገሙ እንተይዘተፈቲሑሉ ይሸፍት፤ ሸፍተነት ድማ ዕንወት የስዕብ ሞት የስዕብ፡፡ ስለዚ አይተ አለም ገብረዋህድ ካብ ዘረብኡም ዝተረዳአኒ እንተሃልዮ፡

1. ወይ አቲ አተሓሳሰባ ዕድል ከኢኑ ክእድምን ከሽፍትን ደልዮምዎ አለው

2. ወይንድማ ነቲ አተሓሳሰባ ብተቓርኖ አምሲሎም ከፋልጥዎ ዲልዮም አለው

3. ወይን ከዓ እቲ ይመርሓሉ እየ ዝብልዎ ዘለው ሕገመንግስቲ አይፈልጥዎን

4. እንተ ብኢሱ ከዓ እንታይ ይዛረቡ ከምዝነበሩ አይፈለጥዎን፡፡

ንምጥቅላል፡- ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ጥራሕ ወሊዱ ዝመክን ህዝቢ አይኮነን፡፡ ህዝቢ ትግራይ እንኳይ ንባዕሉ ካልአት ህዝቢታት ዝመስሎም ዝገልፁሉ ስርዓት ክህነፅ ነቲ ሕገመንግስቲ ደም ገቢሩ ዘረጋገፀ ህዝቢ እዮ፡፡ ልዕሉ ኹሉ፤ እንተዘይአለ ድማ ማዕረ ኹሉ ካብማህፀኑ ዝፈርዮ ዝድላዮ ዓይነት አተሓሳሰባ ናይ ምስትምቓርን ናፃ ኮይንካ ናይ ምሕሳብን ናይ ምምራፅን መሰል ዝግብኦ ህዝቢ እዮ፡፡

ውሽጡ ዝውፁ ደቁ ድማ ከምቲ እኒ አይተ አለም ገብረዋህድ ዝብልዎ ዘለው ንሕና ጥራህ ኢና እንፈልጠልካ ከምዝብልዎ እንተይኮነ ባዕሉ ዝፈልጥን ዘመሚን ነባርን ምዕቡልን ዓቃልን ታረኽ ዝወነነ ህዝቢ እዮ፡፡ አይተ አለም ገ/ዋህድ ድኣ አይተወለዱን ይነብሩ እምበር ህዝቢ ትግይ ንህውሓት ንኢህአፓን ማዕረ ዘተአናገደን ዘቃለስን ህዝቢ እዮ፡፡ ጥይት ዝትኩሱሉን ደቁ ዝቐትሉሉን ዝነብሩ ወታሃደራት ደርጊ ካብ ፅልኢ ወፃእ ዘታአናገደ ህዝቢ እዮ፡፡ እስልምና፣ ክርስናን አይሁድ እምነትንን ብማዕረ ዘተአናገደ ህዝቢ እዮ፡፡

እዚ ህዝቢ አተሓሳሰባ ህውሓት ከምዘተአናገደ ኹሉ አተሓሳስባታት ዓረና፣ ሕድሪ፣አግአዝያን ይኹን አተሓሳስባ ፅበትን ትምክሕትን ናይ ምተእንጋድን ዝጠቅምን ዘይጠቅምን ናይ ምልላይን ምምራፅን ዓቅምን ብርልሕን ዘለዎ ህዝቢ እዮ፡፡ መራሕቲ ህውሓት ከም እኒ አለም ገብረዋህድ ዝበሉ ዘዝመረፁሉን ዘዚጓሓፉሉን መአከቢ አይኮን፣ ጉርዲን እኽሉን መምዩ ዝፈልጥ ህዝቢ እዮ፡፡

ስለዝኾነ መራሕቲ ውድብ ህውሓት ናብ ውኔኹም ተመሊስኩም ካብ እኒ ኦህዲድ/ኦህወደግ ተምሃሩ፡፡ ወዓል ሕደር እንይበልኩም ምስ ዓረና ምስ ሕድሪ ኮምኡው አግአዝን ኢህን ምሂን በሉ፡፡ እዚ ክጠፍእ አለዎ እትብልዎ ዘለኹም አተሓሳስባ እንተዓፊንኩምዎ ክፍጀር እዩ ኮምቲ አብማእኽል ዓዲ ዝኾኖ ኮይኑ ለኪሙኩም ክጠፍእ እዮ፡፡ ሓሳብ አይፍራሕ ሓሳብ ብአፍልጦ ምምካት እዮ ዘድልዮ፡፡

********

Guest Author

more recommended stories