ህወሓት ጠንኪራ ንኽትምርሽ ዘኽእላ ዕማማት

(ጋረድ ይነበብ)

ኣብ ትግራይ ገዛኢ ውድብ ህወሓት እዩ።ህወሓት ምስቲ ዝንሄ ናይ ሃገርና ጭቡጥ ኩነታት ግዜ እንተይወሰደ ጋእ መጋእ ከይበለ እዞም ዝስዕቡ ኣገደሽቲ ተግባራት ክፍፅሞም ይግባእ።

ተግባር ሓደ

ህወሓት ንቲ ሕዚ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ተፈጢሩ ዘሎ ኹነታትን ኣፈላላይን ብዝምጥን መልክዑ ተኽለ ሰብነቱ ኣሰላልፍኡ ከመዓራሪ ይግባእ። እዚ ማለት እቶም ን ህወሓት ብላዕላውነት ዝመርሑ ማእኸላይ ኮምቴ ኣብ ናይ ኢህወዴግ ቤት_ ምኽሪ ዝሳተፍ 45 ሰባት ንቲ ናይ ኢህወዴግ ቤት_ ምኽሪ ዝምጥን ፍልጠትን ፣ክእለትን፣ናይ ምግላፅ ዓቕሚ ዘለዎ ማእኸላይ ኮምቴ ክኸውን ህወሓት ንቲ ሜዳ ንኹሉ ማዕረ ብምግባር ካሊቨር ዘለዎም ሰባት መናእሰይ ናብቲ ማእኸላይ ኮምቴ ክፅበሩ ክገብር ኣለዎ።

ተግባር ክልተ

ህወሓት ቑፅሪ ማእኸላይ ኮምቴ በዝሖም ልዕሊ 45 ክኾኑ ክገብር ኣለዎ።ኣብ ኢህወዴግ እኳ እንተሪኢና ኩሎም ( 3 ብሄራዊ ውድባት) ቑፅሪ ማእኸላይ ኮምቴኤን ልዕሊ 45 እዩ።ኣብ ቤት_ ምኽሪ ኢህወዴግ ዝሳተፍ 45 ኮይኖም እቶም ካልኦት ግና ኣብ ብሄራዊ ውድብ ጥራሕ ዝሳተፍ እዮም። ህወሓት ግና ብ 45 ጥራሕ ዝተገደበ እዩ። ልዕሊ 45 ማእኸላይ ኮምቴ ምህላዎም ቡዙሕ ረብሓ ኣለዎ÷

1/ ማእከላይ ኮምቴ ብሞት ይኹን ብቕፅዓት እንትውገድ ቁፅሩ ምስ ዝጎድል ጉባኤ ምፅዋዕ እንተይድለየ እቲ ማእኸላይ ኮምቴ ባዕሉ ንቶም ዝጎደሉ ማእኸላይ ኮምቴ ክትኩኡን ክምረፁን ይጠቅም እዩ።

2/ እቲ ካብ 45 ማእከላይ ኮምቴ ወፃኢ ዘለው ማእኸላይ ኮምቴ እንዳተለማመደ፣ እንዳበቕዐ፣ ተሞክሮ ዳወሰደ ክፀንሕ ይገብሮ እዩ። ካብቶም ሲኔራት ልምዲ ክወስድ ይጠቕሞ እዩ። ምኽንያቱም ብሓደ ለይቲ ምብቃዕ ዝብሃል ስለዘይርከብ። ዝኽፈል ዋጋ እውን የብሉን።

ምኽንያቱም ኣብ ዝሓለፈ ኢህወዴግ ኣቦ_ መንበሩ ክመርፅ እንከሎ ህወሓት ኣብ ቤት_ ምኽሪ ኢህወዴግ ዝተሳተፈ ንገሊኦም ማእኸላይ ኮምቴ ኣጊዱ፣ሶጊጉ( ኣባሪሩ) ፣ብሞት ዝተፈለየቶ፣ ዝገደፍዎ ብዝጎደለ ቑፅሪ እዩ ተሳቲፍ።ዋጋ እውን ከፊልሉ ክኾን ይኽእል እዩ።ኩላ ሕድ ሕድ ብድምፂ እያ ትውሰን ዝላዓለ ድምፂ ክትረክብ ድማ ቕድሚ ኣፍ_ ደገ ካልኦት ብሄራዊ ውድባት ምፅናዕ ምቁማት ናይ ባዕልኻ ድምፂ ክእከበሉ ክወህለሉ ዝኽእል መስርሕ ምዝርጋሕ ናይ ፍልጠት ናይ መጀመርያ ጥበብ እዩ።ቅድሚ ውሕጅ መንገዲ ውሕጅ ምፅራግ እዩ ዝኸውን።

ተግባር ሰለስት

ህወሓት ቡዙሓት ኣባላት ውድብን፣ሓፍሽ ማሕበራትን ሊግ መናእሰይን ደቂ_ ኣንስትዮ ዘለውዎ ሃፍታም ውድብ እዩ።ሊግ መናእሰይ ን ደቂ_ ኣንስትዮን፣ ማሕበር መናእሰይ ን ደቂ_ ኣንስትን፣ ማሕበር ሓረስቶስ ዝመሰሉ ውዳበታት ዘለውዎ ውድብ እዩ። እዚኦም ኣበይ ኣለው? እንታይ ይሰርሑ? ዝፍለጥ የልቦን።ዝተጣየሽሉ ዝተወደብሉ ዕላማን ሽቶን ብኸመይ ይኸድ ኣሎ ኣብ ዝብል ደውታ ድዮም ፈጢሮም ወይስ ሽም ጥራሕ ተሓንጊጦም ሒዞም ተሪፎም ያው ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ።

ካልኦት ክልላት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተወደበ ቄሮ ኣውፊሮም ሃገራዊ ፓለቲካ ቀይሮም ለውጢ ብቄሮ እዩ ለውጢ መፂኡ ኢሎም ንቄሮ ብኣደባባይ እንተሞግስዎ ( ምክትል ቀዳማይ ሚንስተር ደመቀን፣ ለማን፣ኣበይን) ሰማይ እንትሰቕልዎ ኣብ እንርኤሉ መድረኽ ብህንፃን ስሪትን ኢህወዴግ ዝተጣየሸ ሊግ_ መናእሰይን ደቂ_ ኣንስትዮን ካልኦት ሓፍሽ ማሕበራት ኣብ ማይ ከም ዝኣተዋ ኣንጭዋ ከፅቅጡን ምርኣይ ኣዝዩ ናይ መሪሒነት ውድቀት እዩ።

ስለዚ ህወሓት ንኣባላቱን ሊግን ሓፍሽ ማሕበራትን ምስቲ ዝንሄ ትኩስ ሃገራዊ ኩነታት ተመዓራርየን ናብ ቓልሲ ክኣትዋ ህወሓት ክገብር ይግባእ።

ተግባር ኣርባዕተ

ሕዚ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይን ህወሓትን ዝፃወደ ዘሎ መፃወድያን ጥጅእን ኩሉ መዳይ እዩ።ብወልቃይት (ወልቃይት ከም ካሽሚር) ፣ ብእግሪ ኩዕሾ፣ ብቋንቋ ትግርኛ ላህጃ፣ ነንሕድሕድና ክንናቖር ብዝተፈላለየ መንገዲ ናይ ጭቃ ጭጉራፎም ከንጉዱልና ንዕዘብ ኣለና። በዚ መሰረት ኣብ ምክልኻል ክንፅመድ ኣይግባእን።ንሳቶም ኣብ ዘዳለውዎ ኣጀንዳ ሕዲግ ክንብል የብልናን።ኣብ እንዳማትና ዳስ ኣቲና ድግዲጊት ተዓጢቕና ክነሳሲ ፍፁም የብልናን።

ህወሓት ከም ገዛኢ ውድብ ትግራይ ሚድያ ክቆፃፀርን ክውድብን ፕሮ ኣክቲቨ ኮይኑ ካብ ምክልኻል ናብ ምጥቃዕ ንኽሰጋገር ንመንግስቲ ትግራይ ኣንፈትን መበገሲ ሓሳብ ከቕርብ ይግባእ።

ካልኦት ክልላትን ብሄራዊ ውድባት ንማሕበራዊ ሚድያ ዓብይ ትኹረት ሂቦም ወዲቦም ስሩዕ ድህረ ገፅ ከፊቶም ሰባት መዲቦም ንቲ ብገርሁን ብጉሩሑን ዝነጥፍ እንዳስተኻኸሉ እንዳመከቱ ሰዓርቲ እንዳኾኑ ኣብ ዘለውሉ መድረኽ እንዳ ህወሓት ግና እቶም ስሩዓት ሚድያ ቴሌቪዠን ሬድዮ ናብ ኣቦ_ ጎይላ ተቐይረን ላለኹምባየ እንዳበላ ንትግራይን ህወሓትን ኣብ ዘይምጥን ኣጀንዳ ዕንኪልል ክብላ ይረአ እዩ።

ብምኻኑ ድማ ህወሓትን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ን ሚድያ ትግራይ ፣ንማሕበራዊ ሚድያ ሓዱሽ ፔጅ ከፊቶም እዋናዊ ሓበሬታ ዳሃቡ ኣጠናኺሮም ንልምዓት፣ዲሞክራሲ፣ሰላምን ሰናይ ምም/ር ብዝተፈላለየ ቋንቋ ክጠቅም ብዝኽእል ክፈጥሩ ይግባእ።

ተግባር ሓሙሽተ

ህወሓት ፈታዊኡን ፀላኢኡን ፈልዩ ክፈልጥ ይግባእ። እርግፅ ፀላኢ ዝብል ብ ንህወሓት ዘይድግፍ ወግሐ ፀብሐ ከፅድፍዎ ዝሓስቡ ጉጅለን ሓይልን ብዝብል ክንትክኦ ንኽእል ኢና። ብመሰረቱ ህወሓት ፈታዊኡን ፀላኢኡን ብትካላዊ ኣሰራርሓን ብሱሩዕ መንገዲ ፈልዩ ክፈልጥ ይግባእ። ስርዓት ደርጊ ሓንቲ መዓልቲ ክሻብ ዝተርፎ ምስ ደርጊ ወጊኖም ዝነበሩ ሎሚ ድማ ብዘረባ ጥራሕ ዝንበር ብመልሓስ ዝሕደር ምኻኑ ፈሊጦም ምስ ህወሓት ተፀጊዖም ስገኦም እንበር መንፈሶም ዘየለው ሰባት ህወሓት ክትፈልጦም ይግባእ። ህወሓት ንፈታዊኡ ከኽብር ይግባእ።ክሕብሕብ ኣለዎ።ተዘይኮይኑ ከም ዝቖሰለ ነብሪ ንኹሉ ዝናኸስ እንተኾይኑ ዕድሚኡ ዕድመ ደርሆ እዩ ክኸውን።

ተግባር ሽዱሽተ

ህወሓት ንመናእሰይ ትግራይ ካብ ስደትን እንዳ ጫትን ሓሽሽን ሓራ ዝወፀሉ ፓሊሲ ንክወፅእ ንብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሰነድን መበገሲ ሓሳብ ኣቕሪቡ ክፀድቕ ክገብር ይግባእ።መንእሰይ ትግራይ ኣብ ዓዱ ተሰፍ ሰኒቑ ተሳታፍይ ክኸውን ልቓሕ ብምምችቻው ልክዕ ከም ናይ ቀደም ኣግበ ኣብ ትግራይ ሓደ ማእኸል መሰልጠኒ ጌይርካ መንእሰይ ትግራይ ብኣካላዊ መንፈሳዊ ኣእሙራዊ ዝህነፀሉ፣ብስነ_ ምግባር ዝህነፀሉ ታሪኽ ሃገሩን ቅያ ኣያታቱን ዝመሃረሉን ክረምታዊ ንጥፈታት ነፃ ግልጋሎት ( ሰርቪስ) ዝህብሉ ባህልን ልምድን ዝለዋወጥሉ ሓደ ማእኸል ክጣየሽ ህወሓት ፕሮጀክት ክቐርፅ ንመንግስቲ ኣማኺሩ ዕድል መናእሰያት ቡሩህ ክገብር ይግባእ።

ተግባር ሸውዓተ

ህወሓት ከይቡሉኒ ዝብል ናይ ሰኸፈት ፓለቲካ ኣካይዳ ጠቒሊሉ ክሓድጎ ይግባእ።ከምዚ ንርእዮ ዘለና ካብ ሰነፍ ሓረስታይ መረባ ነዊት እንትቑረፅ ካብ ምርኣይ ሓሊፍ ካሊእ ውፅኢት የብሉን።ህወሓት ዝሰርሖም ወርቃዊ ታሪኻት ተሰኪፍ ክገድፎም የብሉን።ፊት ንፊት ክገጥም ይግባእ። ቡሱሩ ኣቦይ ስቕ ምስ በሉ እየ ቐቢረዮም ከይመፅእ። ድሕሪ ቐብሪ ዝብኢ ምስተዓዘረ ያዕ ያዕ እነይ ኢታይ ቁሩፅ ምሸላ ይሕልዋ እዩ ዝኸውን።

********

Guest Author

more recommended stories