ደብርፅ ብህፁፅ ክገብሮ ዝግባእ! (ክፍሊ ሓደ)

(ኣብርሃ ሃይለዝጊ)

ዶ/ር ደብረፅዮን ዝብዝሕ ግዚኡ ኣብ ፌደራል ምስቲ ምንባሩ ምስቶም ካልኦት ኣብ ትግራይ ዕድመ ልክዖም ዘሕለፉ ካድረታት እንትነፃፀር ኣብ ሕድሕድ ከባቢ ትግራይ እንታይ ኣላ፥ መን ኣበይ ኣሎ፥ ኣበይ እንታይ ይግበር ኣሎ፥ ኣበይ እንታይ ይብሃል ኣሎ፥ መን እንታይ ይሓትት ኣሎ፥ መን ኣበይ ተመዲቡ፥ መን ቅኑዕ መን ዘይቅኑዕ ወዘተ ዝብሉ ብዙሕ ዘይክፈልጥ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ፡፡

ብርግፅ ሙሉእ ንሙሉእ ጋሻ ከም ዘይኮነ ይፈልጥ እየ፥ እንተነኣሰ ብዝተፈላለዩ ስሩዕን ዘይስሩዑን ኣግባባት ካብ ካልኣይ ኣካል ዝመፅ ሓበሬታ (secondary data) ክህልዎ ከም ዝኽእል ርዱእ እዩ፡፡

ይኹን እምበር ብባዕሉ ተዘዋዊሩ ምስ ህዝቢ ምፍላጥ ኮነ ካብቲ ህዝቢ first hand information ምእካብ ኣገዳሲ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ነቲ ካብ ጫፍ ናብ ናብ ጫፍ በቲ ዝነበረን ዘሎን ኩነታት ተስፋ ዝቖረፀ ህዝብና እውን ምናልባሽ ዑደት ምግባሩ ተስፋ ዘስንቕ ክኾን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡

ብኡ ኣቢሉ እውን ሓዱሽ ርእሰ ምምሕዳር ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ቀፃሊ ኣብ ትግራይ ክሰርሖም ዝሓሰቦም ትልምታቱን ከምፅኦም እየ ዝበሎም ለውጥታትን ንምፍላጥ ዕድል ይፈጥረሉ እዩ ዝብል ሪኢቶ ኣለኒ፡፡

ዋላ እኳ ህዝብና ቅድም ክብል በቶም ኣብ ተግባር ጥብ ዘይብሉ ናይ “ሓለፍትና” መደረታት ምስማዕ ዝተሰላቸወ እንተኾነ ኣብዛ ሐዚ ተስፋ ዝቖረፀላ ወሳኒት እዋን ግን ካብቲ ልሙድ ውፅእ ዝበለ ሓቦ ዘስንቕ ዘረባን ተዛሪቡ ከእምን ዝኽእል፥ ኣብ ጎኑ እውን ከስልፍ ዝኽእልን ቅኑዕ(ቅኑዕ ዝብል ይሰመረሉ) ተዛራባይ መራሒ ግን የድልዮ እዩ፡፡

ደብርፅ ድማ እዚኣ ብዘይዋዓል ሕደር ሐዚ ክገብራ ይግባእ፡፡

Photo - Alem Gebrewahd, Debretsion Gebremichael and Fetlework Gebreegziabher (left to right)
Photo – Alem Gebrewahd, Debretsion Gebremichael and Fetlework Gebreegziabher (left to right)

ሓደ ሓደ ሰባት እንኮላይ ምናልባሽ ባዕሉ ዶ/ር ደብረፅዮን እውን እዙይ ምግባር ምስ መትከል ኣልባነትን ርካሽ ተፈታውነትን(populism) ዘተሓሕዝዎ ከይህልዉ ይጥርጥር እየ፡፡

እዙይ ግን ፍፁም ጉጉይን ዝንቡዕ ርድኢትን እዩ፡፡

ኩሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ተስፋ ኣብ ዝቖረፀሉ እዋን ሓደ ሓዱሽ መራሒ እናዘረ ምስ ህዝቢ ምርኻብን ጭላንጭል ተስፋ ዝህብ መደረ ምስማዕን ምስ ታራ ‘ፖፕሊስት’ ምዃን ዘተኣሳስር የብሉን፡፡

ብኣንፃሩ ኣብ ቢሮ ተዓፂኻ ክንዲ ድላይካ ቀትርን ለይትን እንተሰራሕኻ እቲ ትሰርሖ ዘለኻ ህዝቢ ክሳዕ ዘይፈለጦ እዙይ ዝብሃል ትርጉም ኣይህልዎን፡፡

ብስሩ እውን ሓደ ሓላፍን ሓደ ባዓል ሞያን ብመሰረቱ ዝተፈላለዩ እዮም፥ ሓደ ባዓል ሞያ እታ ዝተውሃበቶ ዕማም ቢሩኡ ዓፅዩ ክሰርሓ ይኽእል እዩ፥ ሓደ ሓላፊ ግን ካብኡ ንላዕሊ ክኾን እዩ ዝጠልቦ፡፡

ሓደ ሓላፊ እኮ ባዕሉ ነቆር እናበለ ስራሕ ቀትርን ለይትን ምስራሕ እንተይኮነስ ኣብ ሰባት እወንታዊ ፅልዋ ብምፍጣር ስራሕትታት ክስርሑ ምግባር እዩ ወሳኒ ታርኡ፡፡

ብምዃኑ ድማ ደብርፅ እውን እዚኣ ክገብር ኢና ትፅቢት ንገብረሉ፡፡

ካሊእ ግን ከምቲ ልሙድ ንማሃያ ተባሂሉ ኣብዙይ እቶ ዝብሃል ሞያ ዘይብሎም “ኣማኸርቲ” ብዝብል ሽም ሰባት ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ካብ ዝእከቡ (ነዚኣቶም እንተደልዩ እግሪ ክተኽልሉ ዘኽእሎም እኩል ገንዘብ ሂብካ ምፍናው ይካኣል እዩ)፥ ብኹለመድያዊ ዓቕምን ሞያን ዘለዎም ሰባት ኣብ ምፀናዕቲ ዝተደረኸ ወሳኒ ምኽሪ ክህቡ ዝክእሉ ምቕማጥ ከድሊ እዩ፡፡

ብምጣነ-ሃፍቲ፥ ብፖለቲካ፥ ብሕጊ፥ ብትምህርቲ፥ ብኮምኒኬሽንን ማሕበረ-ባህላውን ዘፈራት ከማኽሩኻ ዝኽእሉ ሙኩራት ሰብ ሞያ ምቕራብ ከድልየካ እዩ ደብርፅ፡፡

“ምኽሪ ሓውካ ቀው ኣብላ ሸው ኣብላ” እዩ እሞ እዚኣ መኺረካ ኣለኹ ብዓቕመይ፡፡

ወድሓንካ!!

********

Guest Author

more recommended stories